1941-2012
ንምውት ምቕባር
ንሕዙን ምጽንናዕ
ንእሱር፥ ንሕሙም ምብጻሕ
ንዕሩቕ ምኽዳን
ንጽሙእ ምስታይ
ንጋሻ ምቕባል
ንጭኑቕ ምጽንናዕ
ኣምላኽ ዝፈትዎም ባህርያት ኢዮም። እቲ ንእዝጊሄ ዝፈርሕ ህዝቢ ኸኣ ናቱ ይገብሮም
An Eulogy Of Naizghi Kflu: A Translation
Compiled by Resoum Kidane 07/03/2012
This page has a compilation of articles, opinions, news, cartoons, poems, comments, videoclip and audio with regard to the delay in the burial of the late Ambassador of Eritrea in Russia Mr. Nayzghi Kiflu. The purpose of this document is to record the inhuman behavior of the Eritrean President Isaias Afewerki, and to show that he can do whatever he likes, even stopping the Eritrean Ambassador in London Tesfamicael Gerahtu, from going for the churchfuneral service on 16th of February 2012.
ብዓልቲ ቤት ናይዝጊ ክፍሉ ወ/ሮ ሓረጉ ንኣንባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ብተደጋጋሚ ክትረኽቦ እኳ እንተፈተነት የለኹን ክምዘበለ ይንገር።
ናብ ገዛ ነፍሰ ሄር ናይዝጊ ብምኻድ ዝበጽሑን፥ መንግስቲ ናይ ቀብሩ ሓላፍነት ከም ዝስከም ዝሐበሩን ሰበ-ስልጣን ኤርትራ [Read more]
ኣብ ሙሉእ ዓለም ዘሎ ኤርትራዊ፡ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ብጉዳይ ነፍሰ-ሄር ናይዘጊ ክፍሉ፡ መግለጺ/መልሲ ክህብ ይጽበዮ ኣሎ። 50 ዓመት ዝኣክል ዝተቓለሰ 2 ሜትሮ ጉድጓድ ዓደ-ኣብኡን ሃገሩን ከመይ ገይሩ ይንፈጎ ኢሉ ብኣኽብሮት ይሐትት ኣሎ።
ትም ኣይመልስን። [source meskereme.com]
source: Jeberti.com
Niazghi Kiflu who was a close friend and right hand man of Isaias Afewerki died on the 6th February 2012. On the day of his death government officials, Mr. Yemane Ghebreab, Tesfamicael Gerahtu, and Mr. Osman Saleh, Minister of Foreign Affairs, informed the family that his body will be taken to Eritrea to receive a martyr’s burial ceremony. Despite this promise, it is more than a month since Niazghi died but his body is still not buried due to the Eritrea embassy in London failing to issue the required documentation for it to be flown to Eretria. When the Eritrean Embassy was asked to provide a reason for the delay by the PFDJ’s supporters, meskerm net website, and VOA staff, the only answer were that they are still waiting to hear from the Eritrean President. This was a shock for everyone even for the PFDJ supporters. ከመይ ዝበለ ክብደት ዘለዎ ጉዳይ ስለ ዝኾነ እዩ?
ካብ ዓዲ እንግሊዝን ካብ ውሽጢ ሃገርን ዝነፍስ ዘሎ ርጥብ ዝበለ ወረ፡ ጉዳይ ናይዝጊ ክፍሉ፡ ናብ ፕረሲደነት ኢሰያስ ከም ዝተሰጋገረን፡ ዋላ'ውን ንገዛእ ርእሱ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ውሳኔ ናይ ፕረሲደንት ኢሰያስ ይጽበ ከም ዘሎ ይሕበር። ካሳብ ውሳኔ ፕረሲደንት ሃገር ኤርትራ ዘድልዮ ድኣ፡ ከመይ ዝበለ ክብደት ዘለዎ ጉዳይ ስለ ዝኾነ እዩ ዝብሉ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ቅርበት ዘለዎም ዜጋታት ትሒም-ትሒም ይብሉ ከም ዘለዉ ይፍለጥThis has raised a serious question why the Eritrean President, Isaias Afewerki refuses to allow the Niazgi body to be buried in Eritrea? According to some sources the current crisis over the burial might have arisen because the deceased’s the good relations with Afewerki had deteriorated over the past few years. Additionally, a rumor circulating in London states that Niazgi left a written testimony of some 200 pages. If this true, all secrets of Isaias Afewerki will be revealed in the near future. This piece of information was posted on http://erigazette.org/?p=1723 Lekatit says that it makes sense to suppose that there is something happening behind the curtain. And I believe it is an expose, The dictator is trying to damage the reputation of Nizghi
ካብ ከባቢ ለንደን ዝነፍስ ዘሎ ናይ እሙናት ምንጭታት ሓበሬታ ከምዝሕብሮ: ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ ካብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ደስኪሉን ተቐያይሙን ክፍለ ከሎ: “ሓዊ ተፊኡ” ካብዛ ዓለም ከም ዝፍለ ብጋህዲ ኣፍሊጡ ኔሩ እዩ።
እቶም እሙናት ምንጭታት ከም ዝሓበርዎ: ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ ንገድሊ ኤርትራ ብዓይኒ ናይዝጊ ክፍሉ ዘዘንትው 200 ገጻት ዝሓዘ: ናይ ኑዛዜ ይኹን: ናይ ታሪኽ ሰነድ ዛጊት ዘይተፈልጠ: ብኢዱ ኣብ ለንደን ኣብ ዝነበረሉ እተጻሕፈ ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ።
እዛ ሰነድ እዚኣ: ብክልተ ቅዳሕ ጥራይ ተራቢሓ: ንክልተ እሙናት መተዓቢቱ ይኹኑ ወይ መቕርቡ ዘይተፈልጠ: ኣብ ዕሹግ ቡስጣ ተዋሂባ ኣላ።
እታ ቡስጣ ናይዝጊ ምስ ሞተ ድሕሪ ክልተ ዓመት ክትከፈትን: ኣድላዪ እንተኾይኑ ድማ ብወረቐት ክትሕተም ወይ ድማ ብኢንተርነት ክትዝርጋሕ ለበዋ ከም ዘለዋ የረድኡ።
ኣቶ ናይዝጊ ብኢሳያስ ደስኪሉን ተነጺጉን: ብዘይ ሓደ ቁጠባዊ ወይ ሞራላዊ ሓገዝ ካብ ኢሳያስ ይኹን ካብ ህግደፍ ብምፍላዩ: ብዙሕ ከም ተባሳጨወ: ብዙሓት ትሒም ትሒም እናበሉ ዝሕብርዎ እዩ። ናይዝጊ ግና ሕኒሕነ ናይ ዝኹሉ “ሓዊ ኣጒድሎም” ከምዝኸይድ ህግደፍ ውን ይፈልጥ እዩ። እታ ንኢሳያስ ካብ ለንደን ብሰበሰብ ዝበጽሓቶ: ናይ ናይዝጊ ቃል “ንዓይሲ ከም ኮንዶም?” እትብል እያ።
እቲ ቐንዲ ሕቶ: ምስጢር” ኑዛዜ ናይዝጊ” እንታይ ኮን እያ ቋጺራ
[source : Published on http://erigazette.org/?p=1723
እቲ ዘገርም ኣቶ ኢሳያስ ብዛዕባ “ኑዛዜ ናይዝጊ” ከመይ ኣቢሉ በጽሖ። ትሕዝቶ መጽሃፈ “ኑዛዜ ናይዝጊ” ኸ እንታይ ይኸውን? ዝብል እዩ።Lekatit says
It makes sense, there is something that is happening behind the curtain, And I believe it is an expose, The dictator is trying to damage the reputation of Nizghi
Listen to Mesfen Hgos interview with the Voice of America on Naizghi-Kiflu Death and Burial ControversyMesfen Hgos in his interview with the Voice of America said that he couldn’t remember any departments or units where Naizghi was working after 1974. This could raise a question as to why Mesfin Hogos who was in the leadership of the EPLF from 1971 to 1987, intentionally refused to publicise where Naizghi was working after 1974 [find more information] Without any doubt, I am definitely sure that most veteran fighters who joined the EPLF before 1976, still remember that Naizghi was working in the security department in 1974 and with the logistics department from late 1975 to the early 1977. After Naizghi was elected to the Central Committee at the first EPLF Organisational congress in 1977, he started working in various capacities within foreign affairs outside Eritrea until independence. It is worthwhile to look briefly who was working in the EPLF security department from the time of the Menka ringleaders’ imprisonment until the late 1980s. [For more information on prisoners and prisons of the EPLF please check thishttp://www.ehrea.org/whoaret.php]
|
||
4 Naizghi Kiflu Interview on Kidane Kiflu [find more information about Kidane Kiflu] ናይ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ዜና ማዕከናት፡ ከምኡ እውን ከም ደግፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝፍለጣ ወበሳይታት፡ ፓል-ቶካት፡ ብጉዳይ ነፍሰ-ሄር ናይዝጊ ዛጊት ሓበሬታ/ዜና ኣየቕረባን ተባሂለን ይሕመያ ኣለዋ [source meskerem.net Naizghi Kiflu To Be Buried In Asmara source http://awate.com/naizghi-kiflu-to-be-buried-in-asmara/
Posted on February 14, 2012 by Gedab News
The body of Naizghi Kiflu, a one-time senior security official of Eritrea’s ruling party, PFDJ, and its precursor in the independence war, EPLF, will be flown to Eritrea this week for burial in Asmara. Naizghi Kiflu died in the United Kingdom earlier this month. The death of Naizghi Kiflu was not mentioned in any of the Eritrean government media almost ten days after his death in London where he had been receiving medical treatment for almost six-years. In 2005, Naizghi arrived to London with the understanding of becoming Eritrea’s ambassador to the UK. However, insiders believe that his credentials were rejected by the UK and he stayed there for sometime until he became sick and suffered from a host of ailments including kidney failure. Since then, he had been on dialysis and his health steadily deteriorated. When his family took him to Eritrea two years ago, he was often going through memory lapses and couldn’t remember people who were close to him. People who visited him believed he was suffering from Alzheimer’s disease. He told many of his visitors that, “everyone of my comrades visited me except the Pharaoh” referring to President Isaias Afwerki. When Isaias Afwerki heard of this, he ordered Naizghi’s family to take him back to England to die in peace instead of dying in jail. Naizghi was flown back to London and stayed there in critical condition until he died last week. Naizghi Kiflu is a veteran of the armed struggle and has served as security chief, ambassador to Russia, deputy Interior Minister and Minister of Information under the Isaias regime. In 2008, Eritrean human rights activist Elsa Chyrum, with the help of British NGO Redress, attempted to develop a case against him for committing “crimes against humanity” for his role as Deputy Revolutionary Guard (“Halewa Sewra”), deputy to the Interior Minister (Ministry of Local Government) in the early 1990s, as well as for his role as a Minister of Information in 2001 when he ordered the arrest and exile of Eritrea’s journalists and, eventually, the crackdown against non-sanctioned churches. British prosecutors interviewed several Eritrean victims in Europe but the case was never brought to trial. History will judge Naizghi but his right, as a right of any Eritrean, to be buried in Eritrea and the land of his/her ancestors is sacrosanct that should not be tampered with, not even by a head of a state [ http://www.meskerem.net/]ዋርድያ መቓብር ሓርበኛታት [Head of a state]ምኽልካል ሬሳ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ህግደፍ ነበር ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ ብኢሳያስ ኣፈውርቂ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ተላባዒ ሕሜታ ኣልዒሉ ሰብ ኣደንጽዩ ከምዘሎ ተፈሊጡMarch 4, 2012 Source assenna.com ሬሳ ናይዝጊ ክፍሉ ኤርትራ ከይዱ ከይቕበር ተኸልኪሉ ዝብል ወረ እንሆ ወርሑ ሒዙ። ካብ ሕድሪ ስውኣት ዝጠለመ ከሓዲ ሰናይ ምጽባይ ካብ ዝቐብጽ ዛጊት ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት’ካ ኣቑጺረ እንተኾንኩ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕሱር ተግባር ዋላ ካብቲ ብቱኽ ተባሂሉ ዝፍንፈን ስሑው’ውን ኣይተጸበኹን። እቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘለዉ ሓለፍትስ ኣብ ከባቢ’ቲ ውልቀ መላኺ ስለዘለዉ ብፍርሒ ጃጅዮም እንድዮም ኣይታሓዞምን ኢዩ። ዝገርመና ዘሎ ናይቶም ኣብ ወጻኢ ኣምባሳደራት ኤርትራ ተመዚዞም ጣዕሚ ዲሞክራሲ ብዘይ ገደብ ዝጭልጡ ዘለዎ ከም በዓል ወዲ ገራህቱ ዝኣመሰሉ ፍሱሳት ሕሞት ኢዩ። ስለምንታይ ምስ ሬሳ ንባኣስ ዓገብ ዘይብልዎ ንመራሒኦም።
መሓሪ ወዲ ገራህቱ (ንእሽቶ ሓዉ ወዲ ገራህቱ) ኣብ ኣስመራ ሓፋሽ ውድብ ኮይኑ እንዳነጠፈ ከሎ ብደርጊ ምስተታሕዘ ዝነበሮ ከኒና ውሒጡ ተሰዊኡ። ሽዑ ደርጊ ንሬሳ መሓሪ ሓመድ ኣዳም ክለብስ ኣይከልከለን። ወረግ ነቲ ነፈርቲ ኩናት ደርግ ብርእዮ ኣብ ኣስመራ ኤርፖርት ዘባርዔ መብራህቱ(እምባየ)ወዲ ረጋሒት ኣይ መንግስቱ ሃይለምርያም ባዕሉ እንድዩ ሬስኡ ክቕበር ዝፈቐደ። በዓል በላዕ ጥዑም ፈዳይ ሕሱም ወዲ ገራህቱ ግን ሬሳ ኤርትራዊ ንቡር ከይረክብ ይኽልክሉ ኣለዉ።
ዲሞክራሲ እንተተቐብጸስ ሕልናውንዶ ክሳብ ክንድዚ ይዐርብ’ዩ። ውርዙይ ኣባሃህላኮ’ለና፣ “ምውት ነይክሰስ ሰማይ ነይሕረስ”። ናይዝጊ መን ነይሩ ኣይኮነን እቲ ጉዳይ፣ ኣብ ባህልና ሬሳ ኩቡር’ዩ እቲ ቑምነገር። ምስ ሬሳ ዝባኣስ ተስፋ ዝቆረጸ’ዩ። ደርጊውን’ኮ ኣብ ድሮ ውድቐቱ ሬሳታት ዘገልገልዎ ጀነራላት ጎቲቱን ኣቓጺሉን’ዩ። እንተ ምስዞም ሕድሪ ኣዘንጊዕም መንጢሎም ደም ዘጉስዑና ዘለዎ ከሓድቲ ስውኣት ግን ንጸባጸበሉ ግዝየ ርሑቕ ኣይኮነን። ሰላም ንህዝቢ ኤርትራ! ሰላም |
መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንሬሳ ናይቲ ብትእዛዙን ኣብ ክንድኡን ሓያለ ንጹሃት ኤርትራውያን ከም ዘጋፍዐ ዝንገረሉ፡ ብተኣማንነት ክሳብ ብደረጃ ሚኒስተርነትን ኣብ ዝተፈላለያ ስርሓት ጸጥታን ዘገልገሎ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ ዝዓረፈ ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ፡ ዛጊት ናብ ኤርትራ ምእታው ከልኪሉዎ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።
በዚ ምኽንያት፡ እታ ቅድሚ ካብ ዝዓረፈሉ ሰዓት ኣትሒዛ ሬሳኡ ምሕላው ከፊኡዋ ዘሎ ብዓልቲ ቤቱን ስድራቤትን ኣብ ጭንቀትን ምርባጽን ወዲቖም ከምዘለዉ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣገንዚቦም።
ትጽቢትን ምርባጽን ስድራቤት ምስ በዝሐ፡ በቲ ኩነታት ዝተሻቐላ ኣዴታት፡ ንኣምባሳደር ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ‘ኳ በቲ ጉዳይ እንተሓተታኦ፡ መልእኽቲ ናብ ኤርትራ ከምዘመሓላለፈ ካብ ምንጋር ሓሊፉ፡ ኣውንታዊ መልሲ ከምዘይሃበን ‘ውን እቶም ምንጭታት የመልክቱ።
እቲ ዝገርም፡ እቲ ዋላ ናይ ኣዝዮም ታሕተዎት ሓለፍቲ ሞት ዘውሪ፡ መራኸቢ ብዙሃን ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ሞት ናይዝጊ ክፍሉ ምስ በጽሐ ጥርቅም ኢሉ ኣጽቂጡ ምህላዉ እዩ። እዚ ድማ፡ ኮነ ኢልካ ንሞት ናይዝጊ ካብ ህዝቢ ሓቢእካን ኣረሳሲዕካን ንምሕላፍ ብኢሳይያስ ዝተገብረ ሜላ ምዃኑ እቶም ምንጭታት ይእምቱ።
ኣብ ሃገርና ኤርትራ፡ ሕግን መርመራን ስለዘየልቦ፡ ናይዝጊ እዚን እትን ገበናት ገይሩ ኢልና ክትዝርዝሮ እቲ ኩነታት ዘየፍቅድ ‘ኳ እንተኾነ፡ ኩሉ እቲ ቅድሚ ናጽነትን ድሕሪ ናጽነትን ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ኤርትራውያን ገይሩዎ ተባሂሉ ዝምረረሉ ዝሕመየሉን ግፍዕታትን ገበናትን ብትእዛዝ ኢሳይያስ ወይ ድማ ኢሳይያስ ከምዝሕጎሰሉ ተገንዚቡ ዝገበሮ ምዃኑ ፍሉጥ ክንሱ፡ ኣብ እዋን ሞቱ ኢሳይያስ ከርሕቖን ንሞቱ ኣረሳሲዑዋ ክሓልፍ ምፍታንኑን ፖለቲካዊ ፋይዳ ዘይብሉ ድኹም ‘ሽጣራ’ ከምዝኾነ ተዓዘብቲ የረድኡ።
ከም ኢሳይያስ ዝኣመሰሉ ውልቀመለኽቲ፡ ካብ ስልጣኖም ዝቐረብ ዓርክን ዘመድን ከምዘይብሎም ብምምልካት ድማ፡ ንውልቀመለኽቲ እናገልገልካ ምማት፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ጸረ-ፍትሓውነቱ: ‘ሞት ከልቢ’ ምዃኑ፡ እቶም ገና መጋበርያ ኢሳይያስ ኮይኖም ህዝቢ ጭፍጭፉን ሃገር ዘዕንዉን ዘለዉ ሓለፍቲ ህግደፍ፡ ካብዚ ናይ ናይዝጊ ክፍሉ ጭቡጥ ኣብነት ደጊሞም ክመሃሩ ከምዘለዎም ‘ውን ኣገንዚቦም።
ስድራ-ቤት ነፍሰ-ሄር ናይዝጊ ክፍሉ፡ መልሲ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ይጽበዩ ኣለዉ። መስከረም፡ ብጉዳይ ሓመድ-ድበ መዋቲ፡ ምስ ዝምልከቶም ሸነኻት ቀጻሊ ርክብ ብምግባር፡ ዛጊት ነዚ ዝስዕብ ከረጋግጽ ክኢሉ ኣሎ።
መስከረም፡ ሓዲሽ፡ ጭቡጥ፡ ሓበሬታ ኣብ ዝተረኽበሉ ጊዜ ቀልጢፉ ንህዘቢ ክሕብር እዩ። |
|||||||||
ጉዳይ ነፍሰ-ሄር ናይዝጊ ክፍሉ |
|||||||||
መስከረም፡ ብጉዳይ'ቲ ብዕለት 6 የካቲት 2012 ዝዓርፈ ዛጊት ዘይተቐብረ፡ ነፍስ-ሄር ናይዝጊ ክፍሉን ናይ ቀብሩ ስነ-ስርዓትን ጭቡጥ ሓበሬታ ከቕርብ ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም፡ ጠለብን ሕቶታትን ይመጾ ከም ዘሎ እንዳሓበረ፡ ነዚ ናይ ገዛእ ርእሱ ተሃዋስነት እንዳፈጠረ ዝመጽእ ዘሎ ጉዳይ፡ ጭቡጥ ሓበሬታ ንምቕራብ፡ ምስ ብቕጥታ ዝምልከቶም ሸነኻት ውከሳ ጂመሩ ከም ዘሎን፡ ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ሙሉእን ጭቡጥን ሓበሬታ ከቕርብ ምዃኑ ብኽብሪ እንዳ ኣፍለጠ፡ ንመዋቲ መንግሰተ-ሰማይ የዋርሶ ንቤተ-ሰቡን ፈተውቱን ከኣ ጽንዓት የሃብኩም ይብል። Post feb 22, 2012 onኣለና ሞት ናይዝጊ፤ ሞት ክናና’ዩ! መስፍን፤ ይኣኽለካ ምስ ፎርዖን ምልፋን! – ፍሉይ ጽሑፍ – ካልኣይ ምዕራፍ መጽሓፍ ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ ብዛዕባ ድርብ ኪዳን ናይዝጊ ክፍሉን ኢሳይያስን ኢዩ ኣስፊሩ ዘሎ፣ “ኣቦይን ኣደይን ነንበይኑ ጸሎቶም” ከም ዝበሃል ድግም። ኣብ ጉዳይ ገበነኛ ናይዝጊ ክፍሉ ጸሎትናን ጸሎት ኢሳይያስን ነንበይኑ ኢዩ ጸኒሑ፣ ሕማም ናይዝጊ ክፍሉ ኣብ ንዝክረሉ ዝነበርና ግዜ። ‘ከቢድ ሕማም ካብ ሞት ነይሓልፍ’ ክንብል’ኳ እንተጸናሕና፤ ንሕና ንቁሩብ እዋን እስትንፋስ እንተዝልቅብ ክንብል እንከለና፤ መልሓስ ኢሳይያስ ግን ንሞት ናይዝጊ ክፍሉ ትምህለል ነበረት፣ እቲ ኤርትራዊ “ከሚካል ዓሊ” ጉዳም ናይዝጊ ክፍሉ። ናይ ጽሕፍቶ ጉዳይ ኮይኑ ቤተ-መዘክር ታሪኽ ተሰክሙ ሞይቱ ኣሎ፣ ወዲ ሰብ ከም ጽላሎት ቀትሪ ሓላፊ ስለዝኾነ። ኣንታ ከበድቲ ምስጢራት እዚ ሓራዲን ክሒዳን ዝኾነ ኢሳይያስ ፎርዖን ተሰኪምካ ዘለኻ፤ ኣብ ዓራትካ ኮንካ ትንኖን ዝን ትብል ዘለኻን ኣቶ መስፍን ሓጎስ ሕጂ ብታሪኽ ዝውረቕ ተባዕ ስጉምቲ ውሰድ፣ ስለ እቶም ብቑንጣሮ ሓመድ ዝቐበርካዮም ጀጋኑ ብጾትካ ማዕጾ ምስጢራት ኢሳይያስ ንከይተገፍትን ድማ ደጋጊምና ሓደራ ንብል ኣሎና፣ ኣብ ምስላታት ዓረብ ‘ኣልጎሕ ኣሕሰን ሚን ኣል-ስኩውት’ ዝብል ወሓለ ዝኾነ ኣበሃህላ ኣሎ፣ እዚ ብትግርኛ ክትርጎም እንከሎ ‘ኡሑእ! ካብ ትም ምባል ትበልጽ’ ማለት ኢዩ፣ ስለዚ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ዘለኹም ገዳይም ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ነበር። ኣበይ ከም ዘለኹምን ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲን ብድሕሪ ናጽነትን እንታይ ተራ ከም ዝነበረኩምን ኣጸቢቕና ንፋለጥ ኢና’ሞ፤ ተሰኪምኩሞ ዘለኹም ምስጢራት ኢሳይያስ ከካብ ዝባንኩም እተውርድሉ ሰዓት ኣኺሉ ኣሎ፣ እቲ ንሰባት ከም ዲፖሳብል ስሪንጋ ተጠቒሙ ዝድርቢ ዕሉል ሰታይ ደም ኢሳይያስ። ንናይዝጊ ክፍሉ ካብ ዝድርብዮ ኣይወሓደን፣ ቅድሚ ደርዘን ዓመታት ኣቢሉ ኮኾብ ናይዝጊ ኣብ ዝወደቐሉ ግዜ ብዙሓት ተጋደልቲ ይዳፈሩዎ ነይሮም ኢዮም፣ እቶም ኣብ እንዳ መስተ ዝተጸርፉ ተጋደልቲ ጸጉ ፍሰሃየን ወልደጋብር ወዲ ሮማን ፈትዩ ክሳብ ዝጸልእ ምስ ቀጥቀጥዎ፤ ብብዙሓት ሰባት ክድፈር ተራእየ፣ ኣብ ኤክስፖ ምስ ሓልቕኡ ኢሳይያስ ብጉዳይ ትውልዲ ምጭርራቕ ኣብ ዝተጀመረሉ እዋን ድማ ክሳብ ሃለዋቱ ዘጥፍእ በቲ ቀንዲ ናይ ደም ወዲ ዕቁቡ ዝኾነ ኢሳይያስ ተቐጥቀጠ፣ ካብቲ ግዜ እቲ ኢዩ’ምበኣር ኣብ እንዳ መስተ ገለ ምስጢራት ከየምሉቕ ብምባል ክሳብ ዕለተ ሞቱ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ይጽናሕ ዝብል ጥበብ ዝተማህዘ፣ ነዊሕ ኣብ ዘይኮነ ግዜ። ካልኣይ ምዕራፍ ሞት ክናና ኣብ ኢሳይያስ ክድገም ኢዩ፣ ወዲ ሰብ ታሪኹ’ምበር ሂወቱ ኣይትነብርን ኢያ፣ ከቢድ ምስጢራት ገበነኛ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተሰኪሙ ንዝሞተ ናይዝጊ ንመዋእል ብወለዶታት ኤርትራ ክርገም ክነብር ኢዩ፣ ናይ ዕድል ጉዳይ ኮይኑ ድማ እቶም ደቁን ደቂ ደቁን። ደቂ ከዳዕ፤ ደቂ እቲ ገበነኛ ምባል ጥራይ ከይኣኽሎም እነሆ ቅድሚ ሎሚ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ‘ደቂ እቲ ሬስኡ ናብ ኤርትራ ንከይኣቱ ዝተኸልከለ’ ክበሃሉ ክነብሩ ኢዮም፣ ደቂ ናይዝጊ ክፍሉ ኣቦኦም ዝገደፎ ሰነዳትን ለበዋን ናብ ህዝቢ ኤርትራ እንተኣረኪቦም ካብቲ ሕማቕ ስምን ውርሻን ክድሕኑ ኢዮም፣ እምበኣርከስ እታ ሞት ሓንቲ ክነሳ። ዓሰርተ ሞት ዝብልዎ ደጊም ከምዚ ኢዩ፣ “ኣድጊ ካብታ ሙማታ ምጉታታ’’ ምስ ሞት ገበነኛ ናይዝጊ ክፍሉ ዝምሰል ምስላ ኢዩ፣ ናይ ኢሳይያስ ሓሳዊን እሙን መሻርኽቲ ምስጢሩን ዝነበረ፤ ናይዝጊ ክፍሉ ከም ዝሞተ ሰሚዕና፣ እዚ ኢዩ’ምበኣር እቲ ልጉባት ማንታ ናይ ዝነበሩ ክናናን ምናናን ሞት ክናና ዝበሃል፣ እቲ ኣብ ሕብረተሰብና ከም ዓቢን ናይ መወዳእታን መርገም ዝቑጸር ዝነበረ ኣማውታ፤ “ሞት ክናና” እነሆ ቀዳማይ ምዕራፉ ኣብ ናይዝጊ ክፍሉ ተራእዩ ኣሎ፣ ኣብ ዘመነ-ኢሳይያስ ናብ ዓላ ካብ ዝኣተወላ መዓልቲ ክሳብ’ዚ ምኽልካል ሬሳ ናይዝጊ ዘይተነግረ’ምበር ዘይተገብረስ የለን፣ ካብ ዝስለፍ ናብ ቅድመ-ግንባራት ከቲቱ እንኮ ጥይት ዘይተኮሰ እሙን ኢሳይያስ ዝነበረ ገበነኛ ናይዝጊ፦ ከምቲ ንዝኣመነ ብሴፍ ንዝኸሓደ’ውን ብሴፍ ዝበሃል፤ ሬስኡ ኣብ ሓመድ ኤርትራ ወይ ኣብ ቀላይ ቀይሕ ባሕሪ እመት መሬት ንከይትረክብ ተኸልኪሉ፣ ናይ ሓዘን ቴንዳ ከይትከል፦ ብዛዕባ ሞት ናይዝጊ ብዜና ከይንገር፦ ኣብ ዓዱ’ውን ጸሎተ-ፍትሓት ከይግበር፦ ዝብል ጥብቂ ትእዛዝ ኢሳይያስ ሰሚዕና፣ እታ ንቀዳሞት ገዛእቲ ቱርካውያን። ኢጣልያውያን። እንግሊዛውያንን ኢትዮጵያውያንን ሓመዳ ዘይበቐቐት ሃገርና ኤርትራ ንመስተንክር ክኸውን ኢሉዎ ንሬሳ ገበነኛ ናይዝጊ ፎእ ኢላ ነጺጋቶ፣ እሙን ዓቀይታይ ኢሳይያስ ዝነበረ ናይዝጊ ክፍሉ፤ ኣብ ደጀን ሰውራ ንዝነበረ መዓልታዊ ናይ ምሁራትን ኣገደስቲ ውልቀ-ሰባትን ጸብጻብ ናብ ኢሳይያስ የቕርብ ነበረ፣ ኣብቲ ብ1973 ዓ.ም. ዝነበረ ናይ ምእራም ተቓውሞ ምሁራት “መንካዕ” ዝብል ስም ዘጠመቖ ድማ ንሱ’ዩ ዝነበረ፣ ሌላ ናይዝጊ ክፍሉን ኢሳይያስን ቅድሚ ኣርበዓ ዓመታት። ካብ 1970 ኢዩ ጀሚሩ፣ ኣብቲ ብወርሒ ለካቲት 1972 ዓ.ም. ኣብ በይሩት ኣብ መንጎ ልኡኽ ወጻኢ ጉዳይ ነበርን ሓይልታት ሜዳን ዝተገብረ ኣኼባ። ናይዝጊ ክፍሉን መስፍን ሓጎስን ምስ ኢሳይያስ ተኻፊሎም ነበሩ፣ ናይዝጊ ካብ ሩስያ ንሜዳ ኣትዩ ብ1973 ዓ.ም. ቅድሚ ምስላፉ ኣብ ኣሜሪካ መስራቲ ኤ.ና.ሰ.ኤ. (ኤርትራውያን ንናጽነት ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ) ነበረ፣ ናይዝጊ ቅድሚ ምስላፉ ብከመይ ምኽንያት ምስ ኢሳይያስ ከም ዝተፋለጠ ሎሚ እቲ ቅንጣብ ምስጢር ኢሳይያስ ንከየሙሉቕ ብማዕተቡ ዝመሓለ ኣቶ መስፍን ሓጎስ ጥራይ ኢዩ ዝፈልጥ፣ ‘ንግሆ ዘይትንስእ’ሲ እግሩ ናብ ደገ ይሓድር’ ከም ዝበልዎ ወለዲ፤ ደጊም ኤርትራ ናይ ደቃ ንብረት ንክትከውን ኣብ ቅርዓታ መራግእቲ ይግበረላ ኣሎ’ሞ ንሓዋሩ እግርኻ ኣብ ደገ ከይከውንሲ ሎሚ ብተኽ፣ ታሪኽ ኩዒትካን ንሓመድ ነፊኻን ዘይርከብ ናይ ወለዶታት ቅርሲ ኢዩ፣ ኣቶ መስፍን ኩላትና ነበርቲ ኣይኮናን! ኤርትራን ሰንሰለታዊ ወለዶ ህዝባን ግን ክነብሩ ኢዮም’ሞ ሎሚ’ውን እቲ ካብ ወርቂን ኣልማዝን ዝኸብር ተሰኪምካዮ ዘለኻ ምስጢራት ገበነኛ ኢሳይያስ (ጉዳይ ኣሰላልፋኡ። ምፍላይ ካብ ጀብሃ ኢሳይያስ። ጉዳይ ዓላን ኣብርሃም ተወልደን። ጉዳይ ቃኘው። ጉዳያት መንካዕን ኢብራሂም ዓፋን። ጉዳይ ኣመጻጽኣ ጉጅለ ህግደፍን ኲናት ባድመን። ምስጢራት ጉጅለ 15ን። ወ.ዘ.ተ…) ነቲ ብደም ዝዘቕበበ ጸሊም መጋረጃ ኢሳይያስ ቀዲድካ ንደቂ ሃገርካ ንከተርክብ ብታሪኽ ትሕተት ኣሎኻ፣ ሞት ናይዝጊ። ቀዳማይ ሞት ክናና ጋህዲ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ። ሞት ኢሳይያስ። ካልኣይ ሞት ክናና ንክንሰምዕ ድማ ምድረ-ሰማይ ይሃምም ኣሎ፣ ገበነኛ ኢሳይያስ ብደቂ ህዝቢ ክርሸን ኢዩ! ደሙ ከኣ ዘይከም ደም ጀጋኑ ናቕፋ፤ ኣብ ፋኛቱራታት ማይ በላ ጃሕ-ጃሕ ክብል ኢዩ፣ ወይ ጉድ! ናይ ናይዝጊ ገደደ። ሓመድ ኣዳም ፈንፊንዎ፣ ኣብ ዘመነ-ገድሊ በታ ዕረ ዝኾነት መልሓስ ናይዝጊ ክፍሉ ዘይተጸርፈ ተጋዳላይ ኣይነበረን፣ እቲ ብከተማ ዓደን ኣቢሉ ንሜዳ ዝተሰለፈ ናይዝጊ ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ’ውን ነቶም መማጽእቱ ጸሪፍዎም ከም ዝነበረን፤ ክሃርምዎ ኣብ ዝተሃንደዱሉ ግዜ’ውን ብዕረቆ-ዕረቆ ተገላጊሎም ከም ዝነበሩ መሳልፍቱ ይገልጹ ኢዮም፣ ተጋዳላይ ናይዝጊ ክፍሉ ኣብ ሜዳ ብጸርፊን ታህዲድን ዝልለ ሰብ ነበረ፣ ኣብ ሜዳ ብጉዳይ “መንካዕ’ ብድሕሪ ናጽነት’ውን ኣብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣብ ትሕቲ ዓሊ ሰይድ ዓብደላ ኮይኑ ይሰርሓሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ። ብሂወት ብዙሓት ኤርትራውያን ተሓታቲ ኢዩ ዝነበረ፣ ኢሳይያስ ከም ሚኒስተር ዜና። ቀጺሉ’ውን ንቁሩብ ኣዋርሕ ኣብ ጉዳያት ዞባዊ ምምሕዳር ከም ተሓጋጋዚ ቤት ጽሕፈቱ ገይሩ ሸይሙዎ ነበረ፣ ናይዝጊ ክፍሉ ሚኒስተር ዜና ኮይኑ ኣብ ዝተመዘዘሉ ግዜ ከኣ ንሓለፍቲ እቲ ሚኒስትሪ ፍሉይ ኣኼባ ገይሩሎም ነበረ፣ ሽዑ ከምዚ ሎሚ ከይኮነ ሓምለ-ሰነ ብዛዕባ ጉዳይ ናይ ስራሕ ምስጢራት ጸቒጡ ተዛረቦም፦ “ምስጢር ክትዕቅቡ ኣለኩም። ንዓና ንህዝባዊ ግንባር ካብ ቀደም ክሳብ ሎሚ ዘዐወተና ምዕቃብ ምስጢርና ኢዩ፣ ኣነን ኢሳይያስን እንፈልጦ ናይ ሳሕል ምስጢራት ንህዝቢ ኤርትራ እንተዝንገሮ፤ ዎላሂ ብሙሉኡ እዚ ህዝቢ ምተጸለለ ነይሩ’’ ኢሉ ከይተፈለጦ ሓቂ ተዛረበ፣ ልክዕ ኢዩ ከኣ። እቶም ነቲ ናይ ጀጋኑ ሃገራውያንን ምሁራትን ምቕንጻል ዘጸልል ምስጢራት ዝፈልጡ ብሂወት ተሪፎም ዝነበሩ ውሑዳት ሰባት ጥራይ ኢዮም፣ ነቲ ኣብ ክፍሊ ዜና እንከሎ ዚዛረቦ ዝነበረ ፍኑው ምስጢራት ከኣ ዓሊ ዓብዱ ተተሰኪሙ ናብ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ የብጽሖ ነበረ፣ ብዛዕባ ናይዝጊ ዚዛረቦ ዝነበረ ኢሳይያስ መአረምታ ኣብ ዝሃቦ ግዜ ከኣ። እቲ ዝሓሰወሉ ዓሊ ዓብዱ ምዃኑ ፈለጠ፣ ዓርኪ ሰባር ነቓዕ ሚኒስተር ነበር ናይዝጊ ከምዚ ሎሚ ሞት ክናና ከይሞተ እንከሎ፦ ‘’ካብዛ ሎሚ መዓልቲ ንደሓር ብሓላፍነተይ ካብ ምዱብ ስራሕካ ኣደስኪለካ ኣለኹ፣ ኣጸቢቕካ ፍለጠኒ! ናይዝጊ ክፍሉ’የ፣ እወ ኣነ ናይዝጊ እየ። ንሰብኡት ብኾፎም ዘሽይን ሰብኣይ ምዃነይ ኣጸቢቕካ ሕተት፣ ሕጂ ናብ ኣያኻ ኬድካ ጥራዕ’’ በሎ ናይዝጊ ንዓሊ ዓብዱ ኣብ ቅድሚ መሳርሕቱ፣ እቲ ኢሳይያስ ከም ፍቱው ኩርኩር ኣብ ስንጭሮ ዓንበርቦብ ጸባን ቢስኩትን እናመገበን ብናቱ ሰረተ-እምነት ዝመልመሎን ዘዕበዮን፤ ናብ ዝባን ጎቦ ኣንጆታይ ኣደይቡ ንጎላጉል ማህሚመት። ኣስራይ። ኣውገትን እምባ ንያላን ብክሻፋ ዘርእዮ ዝነበረን ዓሊ ዓብዱ’ውን ኣይሓመቐን፤ ኣብቲ ሚኒስትሪ ብናይዝጊ ክፍሉ ዝግበሩ ዝነበሩ ድኽመታትን ዘምልቖም ንዝነበረ ምስጢራትን ናብ ሓለቕኡ እናተዘባዘበ ምብጽጻሕ ቀጸለ፣ ኣብ መወዳእታ ህያቡ ድማ ግዝያዊ ሚኒስተር። ጸኒሑ’ውን ቀዋሚ ሚኒስተር ዜና ንክኸውን ምስ በቕዐ፤ እቲ ምስጢራት ኢሳይያስ ንከየምሉቕ ዝፍራሕ ዝነበረ ገበነኛ ናይዝጊ ክፍሉ ድማ ከም ሓላው ስጡሕ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ተደርበየ፣ ንውልቀ-መለኽቲ ዘገልገለ እዚ ኢዩ ፍዳኡ፣ ሬሳ ናይዝጊ ሓመድ ኤርትራ ካብ ተነፍጎ። ንሬሳ ኢሳይያስ’ከ እንታይ ኢዩ ክፈርድ ሓመድ ኤርትራ? ኣንቱም ገና ነቲ ገበነኛ ሰብ። ዘርኢ ኤርትራውያን ንምጥፋእ ግናይ ትልሚ ክርዳድ ዝተለመ ኢሳይያስ ተገልግሉ ዘለኹም ጀነራላት። ሚኒስተራት። ኣማሓደርቲ ዞባታት። ሰበ-ስልጣናትን ኣባላት ህግደፍን ይኣኽለኩም ምንብርካኽ፣ ኣንቱም ብወዲ ኣውራጃና። “ሓማሴናይ ኢዩ”…ብወዲ ሃይማኖትና “ክስታናይ ኢዩ”…ተጋዲሉ ዘጋደለ “ጅግና! ኣንበሳ ናቕፋ ኢዩ” እናበልኩም ኣብ በረድ ረጊጽኩም ዘለኹም ደቂ ኤርትራ፤ ካብዚ ዝዓቢ ኣስኳላ የለን’ሞ ዕድል ከይሓልፈኩም ሎሚ ታሪኻዊ ስጉምቲ ንክትወስዱ ህዝባዊ ነጋሪት የቃልሕ ኣሎ፣ ኢሳይያስ ስነ-ምግባርን ሰብኣዊ ሕልናን እንተዝህልዎ ንሬሳ እሙን ኣገልጋሊኡ ዝነበረ ናብ ዓዲ ምእታው ኣይምኸልከለን፣ ኢሳይያስ መትከላዊ ዓርኪ። ሃይማኖት። ኣውራጃን መንነትን ዘይብሉ ብሕጊ ጫካ ዝምራሕ መንደላይ ተመን ኢዩ፣ ካብ ዝስለፍ ክሳብ ግዜ ናጽነት ኣብ ውግእ ሓድ-ሕድ ይኹን ምስ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝግበሩ ዝነበሩ ውግኣት ክንደይ መዓልታት ከም ዝተዋግአ ጽባሕ ቢጊሓት ታሪኽ ክነግረና ኢዩ፣ ኢሳይያስ ካብ ዝስለፍ ኣትሒዙ ብዘይካ ንጽላሎቱ ንማንም ሰብ ዘይኣምን ከዳዕ ፍጥረት ኢዩ፣ ገበነኛ ኢሳይያስ ካብ ኣስመራ ተበጊሱ ናብ ኣውራጃታትን ሳዋን ምብጻሕ ኣብ ዝገብረሉ ግዜ። መራኸቢ ተለፎናት /ሞባይላት/ ናይቶም ኣብ ሓሙሽተ ላንድ ክሩዘራት ዝተሳፈሩ ኣሰነይቱ ምስኡ ኢየን ዝተሓዛ፣ ንሱ ክልተ ዓይነት መራኸቢ ተለፎናት /ኢንተርናሽናልን ናይ ውሽጢ ሃገርን/ ሒዙ እናተራኸበ ክኸይድ እንከሎ ኩላቶም ካልኦት ሰበስልጣናት ግን ምስ ስድራ ቤቶም’ውን ንክራኸቡ መሰል የብሎምን፣ ሰባት ከመይ ገይሮ ንከምዚ ዝኣመሰለ ኣሽካዕላልን ውጹእ ምልኪን ከም ዝጻወሩዎ ድማ ንመስደምም ኢዩ፣ እምበኣር ይኣክል በል ኣንታ ተንበርካኺ፤ ኣብ መስርዕ ህግደፍ ዘለኻ ወዲ ኤርትራ። ‘ብድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ’ ከም ዝበሃል፤ ብድሕሪ ሞት ናይዝጊ ደጊም ቅበጽ! መስፍን ድማ ምስ ፎርዖን ምልፋን ያዕ ኢልካ ዕዳኻ ክፈል፣ ሕሰብ…ሕሰብ ትብል ኣላ ዓደቦኻ፣ ንእስነትን ተስፋ ምሃብን ዓቢ ዕዳ ኢዩ’ሞ እቲ ብንእስነትካ ኣብ ጎላጉል ሰምሃር: ኣብ ዊናን ድግሰናን። ኣብ ግራት ወዲ-ኣድክመን ርእሲ ዓዲን ከምኡ’ውን ኣብ ጠረዚት ሳሕልን ሩባታት ሕዳይን ንህዝብኻ ስለ ናጽነትን ሓርነትን ዘተስፈኻዮ ባህጊ ሕጂ ክፈሎ ካልኣይ ምዕራፍ ሞት ክናና ኣብ ኢሳይያስ ክድገም ኢዩ “ DEHAI] RIP Tegadalay Naizghi Kiflu
|
መን ካብ መን ይሕይሽ አብ ልዕሊ መን ክውርዚ |
During the liberation struggle many innocent liberation fighters and civilians became victims of the former revolutionary leaders who are currently serving in the Eritrean government or in the Opposition. The opposition leaders of the EDA and EPDP are not innocent of crime. They like the PFDJ leaders whom they are accusing of committing crimes against the Eritrean people since 1991 are also guilty |
ኣብ ክንዲ ንኢሳያስ፡ “ነዊሕ ኣብ ስልጣን ጸኒሑ፡ ዲክታተር ኮይኑ፡ ቅዋም ኣይተግበረን፡ ስልጣን ንህዝቢ ምርካብ ኣብዩ፡” ወዘተ ኢሎም ዝኸሱዎ፡ መጀመርያ ንሳቶም ብሕግን ብደሞክራስን ይመርሑ፡ ስልጣን ድማ ናብ ህዝቢ የረክቡ። ድሕሪኡ ብዛዕባ ሃገር ክዛረቡን ምኽሮም ክልግሱን ምኸኣሉ። ብሰንኪ ግጉይ ኣመራርሓኦም ድማ ብዙሕ ሰብ ክውደብን ክቃለስን ጸጊሙዎ ኣሎ። ሎሚ ሃገር ሓድሽ ደም የድልያ ኣሎ። ኣዞም መንእሰያት ዝገብሩዎ ዘለዉ ምውድዳባት ቀሊል ስራሕ ኣይኮነን። ምናልባት ምስ ኵነታት ኤውሮጳ ዝጋጮ ጐነጽ ክጥቀሙ ኸለዉ ክጥንቀቑ ኣለዎም ዝብል ርእይቶ ኣለኒ። ካብኡ በለ ግን መዋእል ጀብሃን ሻዕብያን ኣብቂዑ ስለ ዝኾነ፡ ኩላቶም ብናይ ትማሊ ዝሓስቡ፡ ነይረ ጥራይ ዝብሉ ሰባት ኣብ ክንዲ ናብ ስልጣን ምምጥጣር፡ ስልጣን ነቲ ብዛዕባ መጻኢ ዕድል ሃገርን ህዝብን ዝሓስብ መንእሰይ ኣረኪቦም ከም ኣቦታት ወይ ዓበይቲ ዓዲ መጠን ኣማኸርቲ ክኾኑ ጥራይ’ዩ ዘለዎም። ሓድሽ እንጌራ ከሎ ዝዓሰወ እንጌራ ደጊም ዘድሊ ኣይመስለንን። Read more
|
include("footer.php") ?>
ካብ ሃገር እንግሊዝ ዝተላእከልና ብሩጡብነቱ እንተኣማመነሉ ሓጺር ሪፖርት
ሎንዶን ዓዲ-እንግሊ 26/2/12
ክሳብ ሎሚ ዘይመጽሓፍየይ ገለ’ዶ ኾን ለውጢ ይረከብ ይኽውን ብማለት ኢዩ ነይሩ። ዋላ ሓንቲ ለውጢ ገና የልቦን።
ክትሓትት ተባሂሉ ዝተላአከት ጓል መዋቲ ጌና አይተመልሰትን። ክሳብ ሎሚ ከኣ አበይን መአስን ከም ዝቕበር አይተፈልጠን።
መጀመርታ ወይ ምስ ዓረፈ፡ አምበሳደር ተ. ገራህቱ ምስ ብጾቱ ብወግዒ ከም ዘበጽሐን፤ መብልዕ ቁርሲ ምስ ረአየ ድማ “ሓላፍነት መንግስቲ ስለ ዝኾነ አልዕሉዎ ደአ” ከም ዝበልን ላዕለዎት ሓለፍቱ (ማንኪን ናይ ወጻኢ ሚኒስተርን አሰኒዩ ከም ዝበጽሕዎን ተረጋጊጹ። ሬሳ መዋቲ ንፍትሓት ናብ ቤተ-ክሪስቲያን ምስ ከደን፤ ፍትሓት ምስ ተወድአን፡ ታሪኽ መዋቲ ክንበብ ምስ ተሓተ፤ ስለ ዘየዳለዉን ዘይነበሩን ከይተነበ ጥራይ ዘይኮነስ ገለ ዘይንቡርን ዘይተጸበዩዎን ከም ዘሎ ተረጋገጸ።
ካብታ መዓልቲ ፍተሓት ንደሓር እዩ ድማ እቲ ጉዳይ ናብ (ፓብሊክ) እቲ ወረ ዝተዘርግሐ።
እቲ ሽማግለ ካብ ህዝቢ (አተውቲ-ወጻእቲ ኤምባሲ) ንኽሓቱ ከይዶሞ ዝበሃል ከኣ፡ ሓቂ ክነሱ ብስሩዕ ወይ እውን ብጥርናፈ ዝተላእኩ ዘይኮነስ በቢመንገዶም ስለ ዝንበረን ብዝተፈላለዩ ሰባትን አብ ዝተፈላለየ እዋንን ብምንባሩ በዚ መዓልትን ሰዓትን ክበሃል አጸጋሚ ኮይኑ ረኺበዮ አሎኹ። ኣምባሳደር ተ. ገራህቱ እዚ ጉዳይ ካብ ዓቕማይ ንላዕሊ እዩ ከም ዝበሎም ግን ዝተረጋገጸ ሓበሬታ እዩ።