<%@LANGUAGE="JAVASCRIPT" CODEPAGE="65001"%> Untitled Document

ወፍሮም ንገዘኦም ዘይተመልሱ (ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ክፋል)

Sunday, 21 November 2010 01:56

መስፍን ሓጎስ መን እዩ?

ሉይ ኢሰያስ ኣፍወርቂን ተለኣኣኽቱ ከም መስፍን ሓጎስን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝተፈጸሙ ገበናት ኣብ ሓጺር ግዜ ጽሒፍካ ዝውድኡ ኣይኮኑን።

ኢሰያስ ከምቲ ብተደጋጋሚ ዝጸሓፍን ዝግለጽን ዝነበረ፣ ስዉር ተልእኾ ከም ዘለዎ ሎሚ ኣጸቢቑ ጋህዲ ኮይኑልና ኣሎ።

መስፍን ሓጎስ ኩሉግዜ ተሓላቓይ ናይ ኢሳያስ ኮይኑ፣ ነቲ ኢሳያስ ዝፍጽሞ ገበናት እናሸፈነ ክነብር ዝደሊ ሓላፍነት ዘይስመዖ ውልቀሰብ እዩ። ብቐሊሉ ዘኽፈኣሉ ዘጸብቐሉን ዘይፈልጥ ምዃኑ ዝሕብረካ ብዛዕባ ‘መንካዕ’ ተሓቲቱ ክምልሽ ከሎ፡ “ግቡእ መቕጻዕቶም እዮም ረኺቦም” በለ። እቲ ሕቶ ‘መንካዕ’ ኢሎም ይጸዉዑ እምበር ብኻልእ ኣዘራርባ እቶም ኣብ ቤት ፍርዲ ከይቀረቡ ገበኖም ከይተፈልጠን ከይተመርመረን ብዘይ ሓንቲ ክንዲ ጽፍሪ ትኸውን ቅንጣብ ጌጋ ከይተረኽቦም ብሓሶት ኣልዕል ኣቢልካ ስሞም ብምጽላም ዝቕተሉ ዝነበሩ ዘጠቓልል ሕቶ እዩ ተሓቲቱ። ነቲ ጉዳይ መንካዕ ብከመይ ትገልጾ ተባሂሉ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ግቡእ መቕጻዕቶም እዮም ረኺቦም ኢሉ ዝሃቦ ብዱዕ መልሲ ኩሉ እዩ ሰሚዑዎ። መሊሱ መቕጻእቲ ዝበሃል፦

1) ወድሰብ ተጋግዩ ወይ ገበን ፈጺሙ ብገንዘብ፤ ብማእሰርቲ፤ ብስራሕ ወ.ዘ.ተ. ይቕጻዕ፡

2) ብዘይ ፍርዲ ከም ደርሆ ንዝተሓርደ ፍጡር ሰብ፡ ተቐጺዑ ዝብል እንተኾይኑ ግን ምስ ኢሳያስ እንታይ እዩ ፍልልዮም። ከመይ ገይሩ ኸ ተቓዋማይ እየ ክብል ይኽእል? ንምንታይ ከ እዩ ዝቃወም ዘሎ?

መጀመርያ ነገር መስፍን ዝለዓለ ወተሃራዊ ሓላፊ ከሎ እዩ ብ1993 ዓ.ም. ተጋደልቲ መብጸዓና ተጠሊምና ምስበሉ ንሱ እዩ እዚ ሰብ ማለት ኢሳያስ እንተ ጠፊኡ ሃገር ክትጠፍእ እያ እንዳበለ ሂወት ኢሳያስ ዘድሓነን ነቶም ሓርበኛታት ደቂ ሃገር ዘእሰረን። ካልእ ይትረፍ ነቶም ቁርን ጸሓይን እዚ ኹሉ ናይ ዓቐበትን ቁልቁለትን ድኻምን ናይ ኩናት ጽንኩርነትን፤ ንሓንቲ መዓልቲ እኳ ትኹን ከይተምበርከኹ ነጻነት ሃገር ዘረጋገጹ ጀጋኑ ናይ ኩናት ውጉኣት ኣብ ማይ ሓባር ብዘይ ወዓልዎ ክርሸኑ ዓይኑ ዓሚቱ ስቕ ኢሉ እዩ።

ኣብ ዝኾነ ዓለም ምክልኻል ሃገር እዩ ንሃገር ኣብ ሓደጋ ከይትወድቕ ዝከላኸል፤ ንኣብነት ኣብ ፓኪስታን እታ ዝነበረት መራሒት ብጉቦነት ተጠርጢራ ሙሻረፍ ዝተባህለ ጀነራል ናይቲ ሃገር ነቲ መንግስቲ ገልቢጡዎ። ኣብ ቺለ ነቲ ብሕዝቢ ዝተመርጸ ኣየንደ ዝተባህለ መራሒ ዴሳዊ ስርዓት ይኽተል ብማለት ነቲ ዝነበረ ቀቲሉ ስልጣን ጨበጠ፤ ብዙሕ ርሑቕ ከይከድና ኣብ ሱዳን ኢትዮጵያ ወ.ዘ.ተ.

ኩሉ ግዜ እንተ ንጽቡቕ እንተ ንሕማቕ ሃገር ኣብ ጠልጠል እትኣትወሉ ግዜ ሰራዊት ናይ ሃገር እዩ ዝንቀሳቐስ፤ መስፍን ግን ከምቲ ናይዝጊ ዝበለኒ ንኢሳያስ ክርኢ ከሎ ይርዕድን ይጀጁን እዩ ይብል። ኣነ ብከምኡ ኣይርደኦን እንታይ ደኣ ሓንሳብ ኣብቲ ገበን ስለ ዝተቖማጣዐ ተሰቢሉዎ እየ ዝብል። ብዓል መስፍን ንሰብ ፍጡር እናረኣይ እናሰመዐ ብማይ ውዑይ ጌሮም ሰብ ዝጥጥቑ ዝነበሩን ብተንዲኖ ሓጺን ጌሮም ኣእጋሮምን አእዳወምን ዘቁረይዎም ውሑዳት ኣይኮኑን።

ንኣብነት ካብ ኣስመራ ንክጋደሉ ዝወጹ 12 ደቂ ዕዳጋ ሓሙስ /ኣስመራ/ እቲ ጉዕዞ ነዊሕ፣ ጽንኩርን ኣጻምእን ብምንባሩ እቶም ሓሙሽተ ተስፋ ቆሪጾም ናብ ናቕፋ ኢዶም ምስ ሃቡ እቶም ዝተረፉ ሸውዓተ ኣብ መዓስከር ምስ በጽሑ ጀዋስስ ተባሂሎም ካብ ብጾቶም ተሳሕቡ። ትዝክሩ እንተ ኮንኩም ቀደም ጀሚላ ገረወይና ዘይቲ ዝሕዝ ዝነበረ እቲ ዘይቲ ምስ ተወደአ ነቲ ገረወና መግዓቲ ወይ መፍልሒ ሻሂ ኢና ንጥቀመሉ ዝነበርና፤ ኢሰያስ ኣፍወርቂን ሰብ ኪዳኑን ግን መጠጠቒ መንእሰይ ይጥቀምሉ ኔሮም። እዚ ንምእማኑ ኣጸጋሚ እዩ።

እምበኣር እቶም ኣርባዕተ ካብ እቶም ሸውዓተ ዝተሳሕቡ ሽዑ እቲ ማይ ውዑይ ኣብ ርእሶም ምስ ፈሰሶም ክመቱ ከለው ሓደ ሚኪኤል ዝበሃል ገና ብብዝሒ ከይተኻዕወሉ ክድሕን ኪኢሉ እቶም ዝተረፉ ብርሃነ ኣፍሮን ወዲነጋን ዝበሃሉ ከኣ ተንዲኖ ሓጺን አርሲኖም እግሮምን ኢዶምን ብዝረሰነ ሓጺን ቀርቂሮም ጅማውቶም ከም ዝጭበጥ ገበርዎም። ንሶም ጥራይ ኣይኮኑን ከምዚ ዝረኸቡ ሃይለ ኣረጋይ ዝበሃል ስሩዕ ጀብሃ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ብጌጋ እየ እምበር ኣነ ስሩዕ ጀብሃ እየ ስለ ዝበለ ከም ብዓል ብርሃነ ኣፍሮ ጅማውቱ ክሳብ ዝጭበጥ ገበርዎ። ንባዕሉ ዓንዲኪኤል ካሕሳይ ኤምባሲ ዝነበረ፤ ቀደም ናይ ውግእ ነፋሪት ፓይሎት እዩ ነይሩ። አነ ስሩዕ ጀብሃ እየ ኣነ ብጌጋ ኣምጺእኩምኒ ምስበሎም መስፍን ባዕሉ ጥራይ ዝባኑ ጌሩ ክልተ እግሩን ኢዱን ኩርንኩሪት ኣሲሩ ኣብ ጸሓይ ተሰጢሑ ክውዕል ይዝከረኒ።

ብጣዕሚ ንኽእመን ኣሸጋሪ ኣብ ቀይሕ መሬት ዝተባህለ ቦታ ኢሳያስ ኣብ መንጎ ሰራዊት ኮይኑ ኩዑሶ እናተጻወተ ከም ኣጋጣሚ ኮይኑ ሓደ ተጋዳላይ ብረት ስለ ዝተባረቐቶ ንኢሳያስ ንምቕታል ዝተላእከ ጃሱስ ተባሂሉ እናሰመዐ እናረኣየ ምስ ትንፋሱ ኣብ ፈርኖ ጠበስዎ። ክቡር አንባቢ ኣስተውዕል፡ ዋላ ‘ጃሱስ’ እንተ ዝነብር እውን፡ መን ለኣኺኡ ተፈሊጡን ተመርሚሩን ክፍረድ ይግበኦ እምበር፡ ብከምዚ ዓይነት ጭካኔ ክቐትልዎ ኣይግባእን። እምበኣር መሪሕነት፡ ማለት ብዓል መስፍን ሓጎስ፡ ሓጢኣቶም ቆጺርካ ዝውዳእ ኣይኮነን።

ብ1973 ወርሒ ነሓሰ ሓደስቲ ተሰለለፍቲ ክንቅበል ካብ ሳሕል ናብ ከባቢ ኣስመራ ምስ መጻእና፡ ብዙሓት ሓደስቲ ኣሰሊፍና ኣጋጣሚ ምስ ኮማንድስ ኩናት ስለ ዝገጠምና ብዙሓት ድኹማት ማለት ነቲ በረኻ ዘይለመድዎ ከም መሓሪ ተኽለ (ሙሴ) ተኸስተ ትሪሎ፤ ዶክተር ኢዮብ ገብረልኡል፤ ኣለም ነጋሲ፤ ከምኡ ኣማኑኤል ቀሺ ዝተባህለ፡ (ኣቡኡ ኣብ ኣስመራ ኣከፋፋሊ ቡንን ሽኮርን ዝነበሩ) ኣዝዩ ገዚፍ ስለ ዝነበረ፡ ደኺሙ ምኽኣል ስኢኑ ተባሂሉ ነቶም ካልኦት ሓደስቲ ንምፍርራሕ ብትእዛዝ ናይዝጊ ክፍሉ ኣብ ቅድሚ እቶም ሓደስቲ ከም በጊዕ ሓረድዎ።

ንጽብሓይቱ፡ ወዲ ሻውል ዝብሃል መራሒ ሓይሊ ዝነበረ፡ ኣብ ደብረ መዓር፡ ንህሉው ኩነታት ዝምልከት ኣኼባ ከካይደልና ኸሎ፡ መምሀር ተኽለ ዝብሃል ገዲም ተጋዳላይ “ ትማሊ ኣብ ጉዕዞ ዝደኸሙና ብጾት ነይሮም ኣበይ ኣለዉ? ደሃዮም ኣለካ ዶ? ኢሉ ኣብቲ ኣኼባ ሓተተ። ወዲ ሻውል ከኣ “ምኽኣል ስለዝሰኣና ነስመራ መሊስናዮ ኣለና” ኢሉ መሊሱሉ። መምህር ተኽለ ‘ተሓሪዱ ዶ ኣይኮነን?’ ደጊሙ ብሕቶ ምስ መለሰሉ ኸኣ፡ ወዲ ሻውል፡ ንስኻ እንተደኺምካ ‘ውን ከምኡ ክትሕረድ ኢኻ በሎ።  መምህር ተኽለ ኣብ 1977 6 ርእሱ ናብ ጀብሃ ክኸይድ ከሎ ኣብ ዓንሰባ ኣርኪቦም ምስ ብጾቱ ቀቲሎሞ።

ካልእ ካብቶም ደቂ ሓይለይ ዝነበሩ ጥራይ ብቐረባ ዝከታተሎ ዝነበርኩ ኣንጀሎ ዝበሃል ተማሃራይ ዩኒቨርሲቲ ዝነበረ ኣብ ኩናት መዳግሕ ክህረም ዝረኣዮ የለን ክማረኽ ዝረኣዮ የለን። ኣነ ሓደ ካብቶም ንስለላ ዝተላእኩ እየ ኔረ። መሪሕነት እውን ብዛዕብኡ ዝሃቦ ወይ ዘውጽኦ መግለጺ ኣይነበረን፤ ተስፋይ የማነ ሳልሳይ ዓመት ተምሃራይ ዩኒቭርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ፡ ጎዳይፍ ሃዳሙ ዝዓዱ፡ ብ1976 ዓ.ም. ኣብ ዒላ ጻዕዳ ናይ ታዕሊም ሓላፊ ከሎ ብነፋሪት ምስ ተሃርመ “ዘይመንካዕ እዩ” ተባሂሉ ሕክምና ከይግበረሉ ድሕሪ ምኽልካል ንነዊሕ ተሳቕዩ ተሰውአ።

ሓደ ‘ውን ኣስካለ ዝብሃል፡ ሙሁር፡ ሰብ ብጣዕሚ ዝፈትዎ፡ ምስ ተጋዳላይ ሕዉስ ዝነበረ ተጋዳላይ፡ መሪሕነት ኣብ ልዕሊኡ ብዙሕ ጥርጠራ ስለዝነበሮም ምስጢር ንምርካብ ኣብ ከባቢ በለዛ ኩናት እናመረሖ ብብጾቱ ተሃሪሙ ተሰወአ። መሰረት ግርማይ መራሕ ሓይሊ ተዋሂቡ ብ1977 ዓ.ም. ኣብ ኩናት ደንጎሎ ብብጾቱ ተሃሪሙ ተሰውአ። ብርሃነ ኣፍሮ አብ ደጎሊ ኣብ ግዜ ምዝላቕ ብብጾቱ ተሃሪሙ ተሰውአ። ጸገዝኣብ ወደባቴ ኣብ ክፍሊ ፍርዲ ኮይኑ ክጋደል ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ግዜ ወራር ሰምሃር ነቶም ዝነበሩ ክፍልታት ኣኻኺቦም ሂቦሞ ኩናት ምስ ጀመረ ብብጾቱ ተሃሪሙ ተሰወአ። ብዛይካ’ዚኣቶም እምበኣር፡ ብኸምዚ ዓይነት ኣገባብ ዝተሰውኡ ተጋደልቲ ካብቶም አስማቶም ዝዝክሮም እዞም ዝስዕቡ እዮም፦

ኢብራሂም ዓፋ (ወዲ ዓፋ) /ንኣቀታትልኡ ዝምልከት ዝርዝርን ኣብቲ ቅንጸላ ዝተሳተፉ ሰብ ኪዳን ኢሰያስን ኣብ ጽሑፋት ኣለና ቀሪቡ ኣሎ/ ኢሳያስ (ወዲ ፍላንሳ)፤ ገብረጻድቕ ጓንጉል፤ ኪዳነ ጅኑቢ፤ መሓመድ ዓሊ ክለይ ወ.ዘ.ተ… ዘለውዎም ቆጺርካ ዘይውድኡ ኢዮም።

እዚኣቶም ኣብ ውሽጢ ብዕጥቂ ብረት ካብ ዝቃለሱ ዝነበሩ ክኾኑ ከለው፡ ነቲ መሪሕነት ተቓዊሞም ኣብ ፈቐዶ ወጻኢ ሃገራት ዝተቐንጸሉ ኣባላት ውድባትን ውልቀሰባትን፡ ሙሁራት ካብቲ መሪሕነት ዘምለጡ ተጋደልቲ ቁጽሪ የብሎምን። ካብ ካልኦት ውድባት ንኣብነት፡ ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤሪትራ ብቓጻ ዝተቐንጸሉ፡  ንኣብነት፡ ኣሕፈሮም ዝብሃል ክፍሊ ህዝቢ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ዝነበረ፡ ቅድሚ መጣቃዕቲ ባጽዕ፡ “ መጥቃዕቲ ከተካይዱ ምድላዋት ትገብሩ ስለዘለኹም፡ ባጽዕ ቅድሚ ምህራምኩም ኣቐዲምና ስሩዓትና ከነውጽእ” ኢሉ ተወከሶም። ንሳቶም ከኣ፡ ምጽኣና ‘ሞ ክንተሓባበረካ ኢሎሞ፡ ምስ ከዶም 6ይ ርእሱ ኣብ ማይ ኣጣል ተረሺኖም፡ ሬሳኦም ብበንዚን ኣቃጺሎሞ። ምስኦም ዝነበረ ገብሪህወት ወዲ ኣሸብር ኣብርሃ ግን ካብ ኢዶም ኣምለጠ።  ካልኦት ሓሊብ ሰተ ኣብ 1976 ኣብ ዒሊበርዒድ፡  ሽኮራይ፤ ኣባል ጸጥታ ክብሮም፡ ስዒድ ሳልሕ፡ ኣብ ከሰላ፡ ወዲ ጋርዛ (ኣብ ካርቱም) ፤ ተስፋሚካኤል ጆርጆ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ናጽነት ፤ ዘካርያስ፡ ድሕሪ ናጽነት  ኣብ ወሎ (ደሴ) ፡ ወልደዳዊት ተመስግን፡ ኣብ ከሰላ፤ ሓንገላ፡ ኣብ ከሰላ ፤ ዓብደላ ጸጋይ 9ይ ርእሱ ኣብ ሱዳን መዕስከር ስደተኛታት፤  ገብረብርሃን ዘርአ፡ ካብ ሕሞራ ተጨውዩ ዝተቐትለ፤ ተኽለብርሃን ወዲ ባሻይ ምስ ብጻዩ፡ ካብ ከሰላ ጨውዮም ዘሕቀቑዎ ክጥቀሱ ይከኣሉ። ከምኡ ‘ውን ብዙሓት ገባር ሓረስቶት ዓበይትን መንእሰያትን ብዘይ ገለ ገበን ኣብ ፍርዲ ከይቀረቡ ብስዉር ዝተቀትሉ ቁጽሮም ውሑድ ኣይኮነን ።

ሕጂ ግን ዝገርመኒ እንተሃለወ ገበነኛ መስፍን ሓጎስ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኢሉ ውድብ ፈጢሩ። ዲሞክራሲ ማለት ኢሳያስ ንጹሃት ኤርትራውያን ብዘይ ፍርዲ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ክቕንጽሎም ከሎ ኢድካ ኣጣሚርካ ምዕዛብ ማለት ኣይኮነን። ዲሞክራሲ ማለት ፍትሒ፤ ሰላም፤ ማዕርነት፤ ነጻነት፤ ሓርነት፤ ምጽውዋር፤ ልዝብ፤ ማለት እዩ። ስለዚ ሓውና መስፍን ነቲ ኢሳያስ ዝለኣኸካ ነዘን ተቓወምቲ ውድባት ብዓሌት፤ ሃይማኖት፤ ኣውራጃ፤ ፋሕፋሕ ከተብለና ስለ ዘይትኽእል ግዜኻ ከይቀተልካ ኣስመራኻ እቶ ኢለ ክመኽረካ እደሊ።

እምበር ሰብን እዝግን ዝርእዮ ሰብ ዶብ ክሰግር ተታሒዙ እናተረሸነ ሰበይትኻ ክሳዳ ነፊሓ እያ ብዘይስክፍታ ሰጊራቶ ስለዚ ወይ እንቛዕ ደቀይ ሓቖፍኩ ኢልካ ኢድካ ካብ ፖለቲካ ሕጸብ፤ ብዙሕ ኣይትትዓብ ሰዓቱ ስዓት ምትላል ኣይኮነን ኩሉ ለቢሙ እዩ። መስፍን እወ ሽዑ ምሳና አይነበርካን እምበር ድሕሪ ኲናት ግራት ኣውሊዕ ኣቦይ ሓምቢር ጦር-ሰራዊትን ኣማዕድየን እናረአይዎም ፊቶ መሊኦም ዕፉን ጠጢቖም ጆባእ ክብሉና ተሓቢሩካ እንድዩ ኣብ ግዜ ጥሜትናን ጽምእናን ዝዓንገለናን ዘርወየናን ሰውራ ዝዕንግል ህዝቢ ደርሆኦም ከይተረፈ ናብ ሰውራ ዝወፈዩ ህዝቢ ሎሚ ብኢሳያስ ደንቖሮ ህዝቢ ሕጊ ዘይነበሮ መሬት ዘይነበሮ ተባሂሉ መሬቶምን ሕጊ እንዳቦኦምን ክምንዝዑ ንዘይደቂ መሬት ክሽየጥን ክልወጥን ትም ምባሉ መስፍን ሓጎስ ኣስደሚሙኒ። ቁሩብ ደም ጀጋኑ ክረግመኒ እዩ ኣይብልን ድዩ!

ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ኣለና ብዘቕርቦ ዘሎ ጭቡጥ ንመንነትካ ዝገልጽ ጽሑፍን በዚ ኣነ ምሳኻ ዝነበርኩ ዘርዚረዮ ዘለኹ ንስኻ ዝወዓልካዮ ገበናትን መልሲ ንክትህበሉ ደጊመ ብድሆ እብለካ። ቀደምን ሎሚን ናይ ኢሰያስ ኢደ-በይዛ እንተዘይትኸውን ድማ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓሰርተዓመታት ገለ ካብቲ ትፈልጦ ጉድ ሓራዲ ኢሰያስ ነዚ መኣዝኑ ጠፊኡዎ ዘሎ ህዝቢ ወስ መበልካሉ።

ስለዚ ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ዜጋታት፣ ክሳብ ሎሚ ብኢሰያስን ምስጢራውያን ሰብ ኪዳኑን ዝተታለልናዮ ዓመታት ይኣክል። ሎሚ ኣብዚ ናይ መወዳእታ ዕድመ ህግደፍ፣ ብዘይ ኣፈላላይ ኣውራጃ፣ ሃይማኖትን ብሄርን ክንሰምር እዚ መድርኽ ይጽውዓና ኣሎ። ኩሉኹም ንገበናት ኢሰያስን ሰብ ኪዳኑን እትፈልጡ ደቀባት ሃገርና ኤርትራ ከኣ ንዝጎደለና መሊእኩም ክትእርሙናን፤ ትፈልጥዎ ዘበለ ሎሚ ክትጽሕፉን ተስፋ እገብር።

ውድቀት ንፋሽሽታዊ ስርዓት ኢሳያስ

ከድዓት ክሰዓሩ እዮም

ዓወት ንሓድነት ህዝቢ ኤሪትራ

መኮነን ዓንደሚካኤል

ቶሮንቶ ካናዳ