ኣንታ ናኢዝጊ ብዓል ድርብ ስረ
ሓርበኛ ኤርትራ ብትብዓቱ ዝሰኸረ
ኣብ ሳንጀርጆ መንደፈራ ዝጀመረ
ብሓምሳታት ጀሚሩ ዘናገረ
ኣንታ ጠፊእዎምዲዩ ናትካ ወረ
ሩስያ ከይዱ ዝተማህረ
ምስ ሰናቶር ዝመኸረ
ኣመሪካ መጺኡ ዘይሓፈረ
ኤናስኣ ንኽምስረት ዘዕገርገረ
ኣመሪካ ገዲፉ ንመዳ ምስከደ
ኣባኡ ጸንህዎ ክርዳደ ምርዳደ
ኣእተዉዎ ኣብ ሓለዋ ሰውራ
ሓሶት ዝትምህርቱ ብኹምራ
መርዛም ጅግና ዝሓራ
ንመንኢሰይ ኤርትራ ኣእተወሉ ፈራ
ኣይትሕተቱ እናበለ ንኹላትና ዘደንቖረና
ብመንነቱ ዘይሕበን ዜጋ ጌሩዋ ሃገርና
እንሆ ሕጂ በብሓደ ንሪኣዮ ኩልና
ብላሽ ኣገልግሎት ተጋድሎና ሃገርና
መንነት ዘይብልና ኩላትና ጠፋእና
ናይዝጊ ወዲ ዓደይ
ሕማም ድሓር ኮንካ ንዓደቦኻ
ቤተሰብ ሓዚኑ ባኻ
ተኸላ መርጉዝ ነይሩ ዝዑናኻ
ስቅ ከይብሉ ካብ ሰብ ስለ ዝተወሊድካ
ስንብታ ኮይኒ ኣኺሉ ሰዓትካ
ምስቲ ጅግነንትካ ሓሚቑ ተግባርካ
ወየ ኣነ! ወየ ኣነ!
ኣንታ ጉድ ተረኺቡ ሎሚ ቅነ
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እዩ ዝኾነ
ናይዝጊ እምበር ሰብ ሰኣነ
ኣምባሳደርዶ ኣብ ራሻዶ ዘይነበረ
ምኒስተር ዜናዶ ዘይነበረ
እሙን ጊላዶ ይበሃልዶ ዘይነበረ
ኣይተ ናይዝጊ ክፍሉ ዓሪፉ ምስተባህለ
ዓዱ ከይዱ ንኸይቅበር ተኸልከለ ተባህለ
ኣየ ጉድ ኣብዚነኻ ናይ ኮለል ኮለለ
ናይ ፕረሲደንት ኣማኻሪዶ ዘይተባህለ
ወዲ ገራህቱ ኣይኮነን ዝኸልከለ
ኣንታ ናይእዝጊ ኣያ! ኣያ!ይዶ! ዘየበለ
መንእሰያት ክጥፍኣኡዶ ዘይ ኣሽካዕለለ
ዕረፍቲ ዘይብሉ ናይ መቕዘፍቲ ወሓለ
ንጀጋኑ ዘልመሰ መንካዕዶ የማን እናበለ
ኣብ ረሳታት በላሕቲ ዝደበለ
መንሞ ተሪፉኩም ኣነ ኣለኹ ዝበለ
ሓሪድኩም ወዲእክሞም ብዘይሰዳድ ወረ
ኣንታ ክንደይ ኣሎ ጉድኩም ዘይተነግረ
እቲ ኩሉ ምስጢር ምሳኻ ተቐብረ
ናይዝጊ ሓወይ ክንደይ ተጋጊኻ
ተላኣኺ ኮንካ ከይትመርሕ ባዕልኻ
ትእዛዝ ከተኽብር ናይ ኣረመንየ ጎታኻ
ኣንታ እንታይ ክብሉዮም ዓዶቦኻ
ማእውይቲኸ ተላእከዶ ንዓደቀበነ እንዳቦኻ
ተነጊሮምዶ ንማይ ላሓም እንዳ እኖኻ
ወይስ ዓዲ ኣልቦ ዘይብልካ ብኡ ንቡኡ ጠፊእኻ
ዓዲ ጀጋኑ ነይሩ ኣድከመ ምልጋእ እንዳቦኻ
ዓዲ ሕጊ ዓዲ ለባማት እኮዩ ነይሩ መሰረትካ
ምስ ዘራኢ መርገም ኮንካ ኣጥፋእካዮም የሕዋትካ
ንኹሎም ኣብረስካዮም ምስ ጎሓሉ መኺርካ
ሕጂ ዜይርከቡ ዳም ዳም ኢልካ ደሊኻ
ጀነራላት ኮኑ ምኒስተራት ሃገርና
ጋዘጢኛታ ኩሎም ሙሁራት ዓድና
ኣሰሮም ጠፋእና ድሃዮም ጭኒቑና
ኣበይ ከምዘጥፋእኩሞም ከይነገርካና
መቕበሪ ሳኢንካ ኣብ ሎንዶን ተዓሺግካ
መስክነይቲ ረኻቢት መከራ ወያ ሰበይትኻ
ንቡርዶ ብምሰኣንካ ንዓለም ገሪምዎ
ወዲ ሰራየ ዝኾነ ኩሉ ሓርቢትዎ
ዓዲ ኣይትሕተ ኢልኩም ምሂርኩምዎ
ወዲ ኣከልጉዛይ ገሪምዎ
ወዲ ሓማሰን ዓንዚዝዎ
ወዲ ብለን ዝኾነ ኣስደሚምዎ
ወዲ በኒ ዓሚር ነገሩ ሰሚዕዎ
ኩናማ ባርያ ናትካ ፈሊጥዎ
ቀይሕ ባሕሪ ዝኾነ ኣፉ መርጢጥዎ
ወዲ ደንከል ብዙ ኣጠራጢርዎ
ናዚ መንግስቲ እዚ ተግባር ኣስካሕኪሕዎ
በላዕ ሰብ ሙኻኑ ኩሉዩ እንሆ ርኣይዎ
ሽፍታ መንግስትኻ ኣማኒ ነብሉ
ንሕስያ ዜይገብር ድንጋጼ ዘይብሉ
ንዘገልገሎ ኩሉ ይድርብዮ ምስ ተጠቕመሉ
ኣንታ ብሂወት ዘልኹም ዓሳክር ኩልኹም
ናይ ናይዝጊ ኪፍሉ ትምህርቲ ይኹንኩም
ነጻነትኩም ኣምጽእዋ ብስረኹም
ራይዎ ፍለጥዎ ክብረት ከምዘይብልኩም
ዓስቢ ዘይርከቦ ከንቱዩ ድኻምኩም
ተግባር መንግስትኹም ራይዎ ገናጺልኩም
ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ተበገስ በጃኻ
ኣይተጽቅጥ ተዛረብ ንሓቂ ሕጂዩ ግዜኻ
ምእንቲ ወጽዓ ምእንቲ ሓቂ ግለጾ ጸገምካ
ናይዝጊ ጂግና እምነት ኣልቦ
ሞትካ መጺኣ ብዘይ ኣላዝቦ
ኣባኡ ዝጸንሓካ ኩሉ ተረከቦ
ዓድኻ መዘከሪ ነይ ገደፍካ ጠሊምካያ
ወያ መንግስትኻ ከይትቅበለካ ኣብያ
ነብሰይ ኣውጽእኒ እዋና ተራእያ
ኣጣላልም ኮይኑ በብሓደ ኣብያ
ኪድ በል ዕረፍ ተጋላገል ካብዛ ዓለም
ብድሕረኻ ኤርትራ ትኹን ምድሪ ለምለም
ብሕግን ብፍትሕን ብደሞክራሲን ትሰለም
ህጻውንቲ ጨድሩ ኣዋልድ ዘምራሎም
ኣደታት ኣቦታ ክነብሩ ብሰላም
ኤርትራ ፍቕሪ ግበሪ ምስ ጎሮባብትና ኹሎም
ሽግርንና ዪኺዱ ከም ተንኮበት ተጠቕሊሎም
ሃይለ ገብረ ትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና ኣመሪካ
ወዮም ክልተ ተንኮላት ዝኣልሙ
ርኢናዮም ኣብ ሞት ክጣለሙ
ሬሳ ኣብ ሳንዱቕ ተኣጂሉ
ወዮ ህዝቢ ሰሚሩሉ ቃሉ።
እንታይ’ዩ እዚ ወረ ኣይድንቅን
ኣብ ሳንዱቅ ተዓሽጉ ሬሳ ከም ሰርዲን
ወዲ ክፍሉ ህይወት ውጹዓት ዝሃድን
ናይዝጊ ኣርሓ ውጹዓት ሎምስ ኣይግድን።
ሬሳኻ ኣብ ሳንዱቅ ተዓሽጉ
ኣብ ጉድጓድ ከይኣተኻ ሳንዱቕካ ኣሪጉ
ሚኒስተርዶ ኣይተባህለን ማዓርጉ
ኣብ ሳንዱቕ ከም ቃንጣ ጠውሊጉ።
ወዮም ህግደፍ ጉድ ኣስሚዖና ሎሚ
እስከ ንገሩኒ ጋህዲ ዲዩ ሕልሚ
ናይዝጊ ሬሳ ናይ ሎሚ ኣርሓ ዓሚ
ኢድካዶ ረኸበትካ ወያ ግናይ ትልሚ።
ኣንታ ናይ እዝጊ ወደብየ ክፍሉ
ገሃንም እሳት ዝበሃል እዚ እንዳሉ
መርገም ዓዲቦኻ ሰሚሩሉ ቃሉ
ሓጢያትካ ጸቒጡካ ጠቓሊሉ።
ዓዲ ኣቦኻ ጸሎቱ ኣብጺሑ
ግዙኣት ምልኪ ትመስሉ ኣራሑ
ሓደ’ኳ ስኢንካ ኣፍደገኡ ዘርሑ
ሓጢያትካ እንዶ መሊሱ ገፊሑ።
ከተማ መንደፈራ ሰሚዖምዶ ሞትካ
ሓጢያትካ ገዲፍካሎም ንውላድካ
ኣብ ሳንዱቕ በሊኻ ኣብ ስደትካ
ሰብ ጥራሕ ዘይኮነ ኣምላኽ ጸሊኡካ።
ጂ 15 ሰሚዖምዶ ዜና
ስንኩላት ኲናት ሰሚዖምዶ ዜና
ናይዝጊ ተሪፉ ኣብ ዓዲ ጓና
ብግብሩ ከይተሓተተ ብህዝብና።
ኣንታ እዞም እንዳቦና እንታይ በሉ
መራጉዝ ማይጻዕዳ እንታይ በሉ
ጽልማ ተኸላ እንታይ በሉ
ሰሚዖምዶ ዝሰመረ ፋሉ።
ኣንታ ናይዝጊ ሓወይ ኣርሓ ውጹዓት
ናይቲ ኩሉ ክፋእካ ተገልቢጡካ መዓት
ወዮ እከይ ግብርኹም ወጺኡ ቅልዓት
እትጣለሙሉ ኣኺሉ እታ ሰዓት።
ኣብ ሜዳ ወጺእካ ውጹዓት ንምጥፋእ
ሎሚ ተጋሂዱ ናትካ ክፋእ
ታሪኽ ከይነገርካ መሪጽካ ንምጥፋእ
ርጉም ርጉም ኢዩ ባዕሉ ይድፋእ።
መሬት ዓድቦኻ ተፊኡካ
ኢስያስ’ውን ኪሒዱካ
ቀደም ኢድበይዛኡ ነይርካ
ሎሚ ኣብ ሳንዱቕ ኮይኑ መቓብርካ።
ኣብዚ ከኣ ኣሎዉ ከማኻ መጋበርያ
ካብ ዘመነ ፍትሒ ዝምነዩ ዘመነ ባርያ
ቅጫ ቀሪብካሎም ዝመርጹ ፋንዲያ
ከናሽዉ ዝውዕሉ ናይ ጀጋኑ ቅያ።
ምእንቲ ንብረት ህዝቢ ዝጠለሙ
ህዝብና እናፈለጥዎ’ቲ ጸገሙ
ኣንጻር ፍትሒ ኮይኖም ዝኣደሙ
ሓሶት ወዲ ሓሶት ዘቃምሙ።
ገዛ ኣሎኒ ኢልካ ንህዝቢ ምጥላም
ክተት እናበልካ ምዝራግ ሰላም
ዘይኣቕምኻ ሃለውለው ምሕላም
ቁሩብ ዘየሕፍሮም ሓሶት ምእላም።
ገዛኦም ከይውረስ ኣብ ኣስመራ
ምስ ህግደፍ እናፈሓሱ ሻራ
ህዝብና ሓሪሙዎ ሰላማዊ ናብራ
ሃገር ባዲማ ተበታቲኖም ስድራ።
መንእሰይ ናብ ስደት እናጠፈአ
ብጥይት ህግደፍ እናተደፍአ
ህግደፍ ብሓሊ እናገዝአ
ደጊም ቀሪቡ’ዩ ህዝባዊ ትንሳአ።
ሽዑ ዘሎ ለኽበጥበጥ ዘረባ
ወያ ገዛኹም ኩላ ዝርካባ
ብሕግን ስርዓትን እንዳባ
ዝኸሓድኩሞ ህዝቢ ይርከባ።
ንህግደፍ ኣፍቲኹም ዝተሰርሐ ገዛ
ኮላይ’ቲ ንብረትኩም ልግብጋብ ኣጎዛ
ሎሚ ይመስለኩም ኣሎ ከም ዋዛ
ጽባሕ ግን ኣሎኩም ብርቱዕ ቃንዛ።
ጭንቀት ክወርሰኩም ኣብ ሃገረ ስደት
ወያ መልሓስኩም ጥልመት ዝለመደት
ወያ ገዛኹም ኣብ ሓራጅ ምስ ወረደት
ኣብየት ሽዑ ዘሎ ምስ ስድራኻ ውርደት።
ማሕበር ከኣ ክትፈጥሩ ሬሳ ዝሰድድ
ድንቁርናኹም ናይ ሎሚ ይገድድ
ተጋጊና እንተበልኩም ተሰኪምኩም መዲድ
ይቕረ ኣይግበኦን ንጥቕሙ ዘዋድድ።
እዚ ኢዩ ዘሎ ኣብዚ ቀረባ እዋን
ብድንቁርናኹም ክትፈዙ ምድረ ዓዋን
ህዝብና ክጎናጸፍ ሰላምን ራህዋን
ንስኹም ክትሳቐዩ ብጭንቅን ጽሙዋን።
ወየ ወየ ወይው
ወዲ ኣቦ ክፍሉ ኣይተ ናይዝጊ
ኣብ ምድሪ ከለኻ ክንዲዚ ሓለንጊ
ወዲ ሰራየ እንዲኻ ዓዲ ሕጊ
ወዲ ኣከለ ሓማ እንዲኻ ዓዲ ሕጊ
ወዲ ሰምሃር ሰንበል ዓዲ ሕጊ
ወዲ ባርካ ሰንሒት ዓዲ ሕጊ
ወዲ ጋሽ ለምለም ዓዲ ሕጊ
ሕማቕ ተፈዲኻ በቲ ዘርጊ
ጸረ ህዝቢ ኤርትራ ዓጻው ባህጊ።
ኣንታ ናይዝጊ ክፍሉ በዓል በትሪ
ኢሳያስ ጸሊኡካ ፈንፊናትካ ምድሪ
ኣብ ሓመድ ዓድኻ ከሊኡካ ክብሪ
ጎይታኻ ኢስያስ ዘይፈልጥ ነውሪ።
ሕማቕ ወረ ንኽትሰምዖ ዘሰንብድ
ኣብ ክንዲ ንፈታዊ ንስድራ ዝእብድ
ንዓጽመ ስጋ ኣስቆርቊሩ ዘዕብድ
ካብቶም ካልኦት ናትካ’ኳ ትገድድ።
ናይዝጊ ሓወይ ወደባት ኤርትራ
ኣንታይ ኣምረጸካ ምስ ድቂ 40 ሻራ
ኣሕዋትካ ኣእሲርካ ዒራዒሮ ናኹራ
ኤርትራና ሓሲራ ኣድፊርካዮ ክብራ
ንስኻስ ኣይትርእዮን እቲ መከራ
ህዝቢ ጉህዩ ለኪምካዮም ስድራ።
ስድራካ ክትግብሩ ለበዋኻ
ረሳኻ ክቀብር ኣብ ዓድኻ
ፈርዖን ከልኪሉካ መሓዛኻ
እንታይ’ዩ ነይሩ’ቲ ጌጋኻ።
ዘይትዛረብ እንትይ’ዩ እቲ ኣበር
ሚስጥራት ፈርዖን ምሳኻ ካብ ዝቕበር
ናይዝጊ ሓወይ ወዲ ጀጋኑ ኢኻ እምበር
በል ናይዝጊ ሓወይ ዕድለኛ ኢኻ
ፈርዖን ኣይክጥዕሞን ብድሕረኻ
ንስኻስ እኳ ብሕማም ተፋኒኻ
ፈርዖን ሳንዱቕ ኣይረኽባን ከማኻ
ከምቶም መሕዙቱ ክድርበ በረኻ።
ጠልጠል ኢሉ’ዩ ኣብ ገምገም ጸድፊ
ኣብ ፋኛቱራ ክድርበ ከም ቀዛፊ
ዘልዕሎ ክስእን ከም ሓልፊ
ክተት ከብቅዕ ናይ ደናቁር ደርፊ።
ሽዑ ኢርትራና ሰላም ክወርዳ
ወላዲት ክትናበ ብውላዳ
ኣብ ዓዱ ክኣቱ’ቲ ኮርዒዳ
ዝሕተቱ ከኣ ኣሎዉ ሰብ ዕዳ።
ዕዳ እወ ዕዳ ናይ ሎሚ
ኩርኩር ደርጊ ተሰካሚ ስሚ
ብቀትሩ ምስ ሸፈኖ ጋህሚ
ስጋ ተወዲኡ እንክሓቅቕ ዓጽሚ።
ኩሉ እናዘከራ እቲ ዝሓለፈ
ኣብ ጎደና ኪኽይድ ክተት እናደረፈ
ናይ ቲ ዘመን ዑቡድ ተባሂሉ
ኣብ ኤርትራ ሽም ክወጻሉ
እቲ ጅግና ግና ዘይዓጸፈ ቃሉ
ንፍትሒ ይቃለስ ከም ኣመሉ።
በል ናይዝጊ እዚ’ዩ ዘሎ ብድሕረኻ
ጽንዓት ይሃቦም ንስድራኻ
ሰላምን ቅሳነትን ንደቅኻ
ሰላማዊ ዕረፍቲ ንዓኻ።
በልስከ ደሓን ኩን ወዲ ኣቦይ ክፍሉ
ፈርዖንስ ጠሊሙካ ከም ኣመሉ
እግዚሔር ይቀበልካ ኣብ ጽላሉ።
ሰላምን ቅንሳነት ንህዝብና
ውድቀት ንህግደፍን ኮራኹሩን
ብ ገዛኢ ኪዳነ
ብዋጋ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስልጣን ተሰቒሉ ምኽላእ ዓዱ ከይ ቅበር ናይዝጊ ኹፍሉ ሕልና ዘይቡሉ ህዝቢ ስቅ ኣስቅጥ ኣቢሉ ኣቱም ሰራየ ካብ ናብ ዕጦቑ ዑጦቑ ኣንቱም ኣኮሎጉዛይ ዑጦቑ ዑጦቑ ኣንቱም ሎጎጭዋ ዑጦቑ ዑጦቑ ኣንቱም ሓማስየን ዑጦቑ ዑጦቑ ኣንቱም ደንገል ዑጦቑ ዑጦቑ ኣቱም ሰምሃር ሳሕል ዑጦቑ ዑጦቑ ኣቱም ጋሽ ባርካ ዑጦቑ ዑጦቑ ኩሉ ምእመናታት ብሓበራ ዑጦቑ ስርዓት ኢሳያስ ክብርና ረጊጹ ሰንጢቑ ብእከይ ተግባሩ ብጣቒዒት ሓንቂቑ ባህሊ ምክብባር እጥፊኡ ምድፍፋር ኣጽዲቑ ታሪኽ ሓርበኛታት ጀመርቲ ሰውራ ጨፍሊቑ ንህዝቢ ኣብ ዘይ ፍትሓዊ ናብ ኲናት ደቕዲቑ ንምንዋሕ ስልጣኑ ህዝቢ ከይ ይሳማማዕ ኣራሓሒቑ ጥሪት ውልቀሰባት ምዃን ክሳብ ምዓስ ውግእ ኣብ ርእሲ ስንኩላትና ውግእ እብ ሪሳታትና ወረግ ዘይ ንማራመር እንታዩ ወሪዱና ኣንም ደገፍቲ ኣገልገልቲ ሰብ ዲኩም ጋንየናት ደቂ ሕድርቲ ዘይ ትሓቱ ናይ ሬሳ መዋቲ ህልና ምጥፋእ የብለካ ሽንቲ ሜትሮ ምቕበሪ ንሪሳ ዝተሓርሞ ርስቲ እዋይ ውርደት ሃገር ብምልእታ ተዋሪዳ ምዓሰይ ኢዩ ክኽፈል እዚ ኹሉ ናይ ወንጀል ዕዳ ሓንቲ ብርጌድ እንተ ተስምዕ በርቃዊ ነጎዳ ብዘይ ጥርጥር ኩሉ ምሳዓባ ጓላ ምስ ወዳ ህግደፍ ምስ ተኣሰረት ብወጀላ ክትቅበል ፍርዳ ኣብየት ተራየኒኳ ትኪ ኽመስላ ህዝቢ ክድሰት ብጓይላ ብ ሓፍላ እታ ወሊዳ ዘጽነትዋ ኣደ ደስ ክብላ ኣጆኹም ህዝበይ ክኸውን ክኣዩ ከመይ ዘይከውን ጥራሕ ኢድን ጓንትን ኴና ንቃለሶም!!! በዚ ኣጋጣሚ ንቤተሰብ ናይዝጊ ኩፍሉ ጽንዓት ይሃብኩም ኣብ ርእሲ ሓዘንኩም ብ ህግደፍ ኣብ ርእሲ ሪሳኹም ዝተወሰደ ኢ ሰብኣዊ ዝኾነ ኣረዊታዊ ፈጽሚ ኣጥቢቀ ይኹንን። ካብ ገብሪሂወት ኣቡዓሸራ። 3-2-2012 Source jeberti.com |
ቁዘማ ጽሉል መንደፈራ ያሲን'ዶ ተመሊሰ ክዝክሮ!?
ዓዲ መንጎንቲ ላዕላይኩም ተለንቲ፣ታሕታይኩም ሰርጌንቲ! ኣበይ ዳኣ ነይርኩም እታ ሰሉስ መዐልቲ!?
11/03/ 2012 Norway
ንህዝቢ ኤርትራ ናቐንጸለ ዓንዲሩላ
ብጭካኔ ሙሩጻት ጀጋኑ ዝቐዘፈላ
ንቡዛሓት ኣቦታት ኣደታት ዘንብዓላ
ንምቕባር ታኣጊዱ ከምዘይ ተወልደላ
ውጽዕቲ ኣደ ሎምስ መርገማ ዓሪጉላ
ናይዝጊ ክፍሉ ንጥፍኣት ዝቓልስኻ
ስልጣኑ ኸተናውሕ ተረጋም ጎይታኻ
ንምሸቱ ከም ፈርሲ ብዕራይ ጉሒፉካ
ን2ሜትሮ መቓብር ጉድጓድ ከሊኡካ
መድሕንካ ዝተቐብሮ ብገዛእ መሬትካ
ንምሸቱስ ታኣምራታዊ ጉድ ረኺብካ
እንቋዕ ኣይትሪኦ ሓንሳብ ብድድ ኢልካ
ምፈለጥካ ክንደይ ህዘቢ ከም ዝጸልኣካ
ንማይ ቤት. ደቅኻ ጸሊም ታሪኽ ሓዲካ
መቓብርካ ኣይጽበብ ተመሲሉ በቦታትና
ዛ.ምስላስ ንናይዝጊ ክፍሉ እምበር ኮይና
ውዒሉ ሓዲሩ ጽባሕ ሞት ዘይተርፈና
ጌታ ዓለም ካብዚ ሕማቕ ታሪኽ መሓረና
ከም ናይ ናይዝጊ ክፍሉ ኩፉእ ኣይተሪአና
ዓሻክር ዲክታቶር ታይኮን ይብሉለዉ
ብሓደ ዘይረብሕ ሕማቕ ሰብ ዝጀጀዉ
ሸየንቲ ኣብ ስረኦም ኣሜን ከይፈተዉ
ኣብ ክንዲ ፍንሕንሕ ዝብሉ ዝቃናጠዉ
ድሃይ ናይዝጊ ከይሓቱ ተፋጢጦም ኣለዉ
ናይ ባራት ጀጋኑ ስርሖም ኣመንዝራሰነፋት ዊስኪ ጥይቶም ካላሽኖም ቢራ
ተለበሱ ሰብ ዝመስሉ ውሽጦም ፋራ
ሳኣን ሓደ ሓደ ዘይምህላው ደቀስመራ
ሰብኣይ ተጻዊቱሎም ብሕሱር ሽጣራ
ተራኹም ከይመጸ ከም ናይ ናይዝጊ ክፍሉ
ስረኹም ዕጠቑ ሕሹኽ ገዲፍኩም ዕጠቑሉ
ዝመረሮ ህዝቢ ኣብ ጎነኹማሎ ኣይትዳሃሉ
ግዜ ዲክታቶር ኣብቂዑይ ሕጂ ተዓወትሉ
ምስማዕ ታኣበኹም ከምዛ ናይዝጊ ክፍሉ
ብሰንኪ ድኻምኩም ዓዱ ገዲፉዎ ኩሉ
ብዘይ መንእሰይ ሃገር ትርጉምኳ የብሉ
ኣሳፊሕካ ሞት ብኾፍካ ሞትገለ መሃዝሉ
ብዝሓለፈ ተመሃሩ ዕጢይጥይ ኣይትበሉ
ዝመረሮ ሰራዊት ኤርትራ ዋርሳይ እካኣሎ
ተስፋ ቆሪጹዩ ንጎረቤት ኢዱ ዝህብ ዘሎ
ጥዑያት መራሕቲ ምስ ሳኣነዩ ዝሳገርዘሎ
ብጻይካ እናረሸንካ ሃገር ከመይሉ ትሕሎ?
ታሪኽኩም ብጸሊሙ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ
ን ናይዝጊ ክፍሉ ሓዚነሉ ወይ ተሓጒሰሉ
ዘስምዕ ዘይኮነስ ነቶም ብጾቱ ከም ናቱ ተራኦም
ዝጽበዮም ዘሎ ቁሩብ እንተሓሰቡ እያ ዛ.መልእኽቲ
ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ