ሌተና ኮሎነል ጸጉ መን እዩ?

Wednesday, 22 July 2009 16:23 ኣፈወርቂ ተኽሉ
እሙናት ምንጭታት ከምዝሕብርዎ፡ ሓደ ኣብ ኣስመራ ጸጉ ዝበሃል ሓዉ ንነፍሰ ሄር ኢሳያስ ፍስሃየ (ናይ ዓይኒ ፋብሪካ ፍረድ ሆሎውስ ኣመሓዳሪ ዝነበረ)፤ ኣባል ሓለዋ ሰውራ ነበር፤ ቐጺሉ ብድሕሪ ነጻነት ብዙሓት እሱራት ኣብ ዝጠፍኡሉ ኣጂፕ መደበር ፖሊስ ዝሰርሕ ዝነበረ፤ ኣብ ሓደ ናይ ኣስመራ ባር ምስ ሓደ “ወደ ሮማ” ዝበሃል ዓርኩ፣ ምስ ናይዝጊ ክፍሉ ድሕሪ ምብኣሱ ንሰለስተ ወርሒ ዝተኣሰረ ኣሎ። ብሰንኪ እዚ ተግባር እዚ ክልቲኦም መዓርጎም ካብ ሙሉእ ኮሎነል ናብ ለተና ኮሎነል ንኽወርድ ዝተነግሩ እዮም። እዚ ሰብ እዚ ኣቕዲሙ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ድሕነት ዝመሓደር ሃይማኖታዊ ጉዳያት ክፍሊ ኣባል ኔሩ። በዚ መዚ መሰረት ብምግባር፡ ብድሕሪ ናይ ክቡር ፓትርያርክ ኣንቶንዮስ ካብ ስልጣን ምውራድ፡ ናብ ኒው ዮርክን ካልኦት ናይ ኣሜሪካ ከተማታት ብመንግስቲ ኤርትራ ንዝተላእከ ጉጅለ ኣሰንዩ መጺኡ። ሃይማኖታዊ ጉዳያት ከም ጰንጠን ጅሆቫን ዝኣመሰሉ ናይ ዘይተመዝገቡ እምነታት ኣባላትን ናይ “ተሃድሶ” ክርስትያንን ኣስላምን ምህዳንን ምክልባትን ምእሳርን ብሓላፍነት ዝሕተት ክፍሊ መንግስቲ ኤርትራ እዩ። እዚ ሰብ እዚ ናይ መወዳእታ ናይ ስራሕ ቦታኡ ኣብ ሃገራዊ ባንክ ኤርትራ ናይ ገንዘብ ሰኬዩሪቲ ሓላፊ ኔሩ ይበሃል። መንበሪኡ ገዛ ኣብ ከባቢ ፊያት ጥቓ ላተርያ ሰናይ ይበሃል።

ኣብ ናይ ካንሳስ ከተማ ዜና ተነጊሩሉ ዘሎ እዚ ኤርትራዊ እዚ ንሱ እንተድኣ ኮይኑ፣ ዝበዝሐ ናይ ተጋዳላይ ጊዜኡ ከም ኣባል ሓለዋ ሰውራ ኣሕሊፍዎ። እዚ ሓለዋ ሰውራ፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ) ካብ ትፍጠር ዝጸንሐ፡ ንዲስፕሊንን “ውሽጣዊ” ጸላእትን ንምጥቃዕ ዝዓለመ ኣካል ኮይኑ ንብዙሓት ጸቕጥን ጭቆና ናይ ኢትይጵያ ብምቅዋምን ንነጻነት ንምቅላስ ኢሎም ዝወጹ ኤርትራውያን ኣብ ምጥፋእን ምቕታልን ተራ ተጻዊቱ። ምስ ህዝባዊ ግንባር ንፍትሕን ዲሞክራስን (ህግደፍ) ድሕሪ ነጻነት ድማ ኣብ ትሕቲ ውሽጣዊ ጉዳያትን ሃገራዊ ድሕነትን ዝብል ስም ዝንቐሳቐስ ኣካል እዩ። ኣብ 70ታት ብዙሓት ተመሃሮን፡ ምሁራትን ካልኦት ኤርትራውያን በቲ ሓድሽ ኮሚኒስታዊ ስርዓት “ደርግ” ኢትዮጵያ ዝቐጸሎ ናይ ምጭፍላቕን ምውቃዕን ሜላ ብምቅዋም ንሜዳ ዊሒዞም። ብዙሓት ካብዚኣቶም ግዳይ እተን ምሁራትን ሓዲሽ ሓይሊ ዘሰክፈን ግንባራት ኮኑ። ብዛዕባ እዚ ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ www.ehrea.org. ተወከሱ።

እዚ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ዝነበረ ጸጉ ኣስታት 1950 ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ። ብ1973-76 ኣቢሉ ናይ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ተሰሊፉ። ንሱ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ዝነበረሉ እዋን ንተጋደልቲ ዘሳቕዩን ዝቕጥቕጡን ካብ ዝነበሩ፤

 

  1.  ወዲ ጸጋይ (ብግዜ ሃይለ ስላሴ ፖሊስ ዝነበረ፡
  2. ተስፋልደት ሚኪኤል “ቀሃስ” ዝጽዋዕ ጥቓ ወ.ወ.ክ.ማ. ዕዳጋ ሓሙስ ግዝኡ ዝነበረ
  3. የማነ “ተንሽን” ካብ ደቀምሓረ
  4. ኣማኑኤል ተስፋሁነኝ “ቀይሽብር”
  5. ኣማኑኤል ልጃም
  6. ኣማኑኤል ጳውሎስ (ካብቶም ንጂ15 ክእሰሩ እንከለዉ ኣብ ላንድክሩዘር ዝጽበ ዝነበረ
  7. “ታንዱር”
  8. ወልደዝጊ
  9. ወዲ ዋስዕ
  10. ተኪኤ “ወዲ ቐሺ” ካብ ዓዲ ንፋስ (ንኢትዮጵያ ኢዱ ሂቡ፡ ድሓር ብሱዳን ኣቢሉ ናብ ኣሜሪካ፡ ካሊፎርንያ ዝኸደ)
  11. ኮሎነል ስምኦን ገብረድንግል
  12. ጋይም ተስፋሚኪኤል (ኣብ ሃገራዊ ድሕነት ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሓላፊ ዘሎ)
  13. ጸጋይ ይስሃቅ (ተመሃራይ ዝነበረ፡ ናብ ተ.ሓ.ኤ ዝሃደመ) ይርክብዎም።

ካብዚኣቶም ድሕሪ ነጻነት መዝነት ዝረኸቡ ኣለዉ። ብ1970ታት ቅድሚ ናብ ኢትዮጵያ ምስላሙ፡ ናይ ሓለዋ ሰውራ ሓላፊ ተኽላይ ወልደማርያም “ዓደን” ኔሩ። ብድሕሪኡ ሓለዋ ሰውራ ናብቲ ብ2007 ዝሞተ ዓሊ ስዒድ ዓብደላ ተመሓላሊፉ።  

ናይ ህ.ግ.ሓ.ኤ./ህ.ግ.ደ.ፍ. ሓለፍቲ ነበር ብዛዕባ ዝሓለፈ ታሪኽን ገበንን ኣይትንትኑን ይቕረታ ንምሕታት እውን ኣይብገሱን እዮም። ካብ ዲክታቶርነት ኤርትራ ንምህዳምን ዝሓሸ ናብራ ንምርካብ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ናብ ምዕራባውያን ሃገራት ዕቑባ ይሕቱ ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ ገለ ገለ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ሓለፍቲ ነበር ምስዞም ውጹዓት ተሓዊሶምን ሶሊኾምን ዑቕባ ይሓቱ እዮም። ዕቕባ ክሓቱ እንከለዉ፡ ናይ ኣባሓጎኦም ወይከኣ ናይ ዓባዮምን ካልኣይ ኣስማት ብምጥቓም መንነቶም ይሓብኡ። ብወግዓዊ ኣገባብ ኣድላዪ እንተድኣ ተሓቲቱ ናይዚ ተባሂሉ ሰብ መንነት መረጋገጺ ሰነድ ክፍርም ድሉዉ ዝኾነ ምንጪ ኣሎ። ዝበዝሓ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ሃገሮም ገበን ንዝፈጸሙ ወይ ከኣ ኣብ ምፍጻም ዝተሓባበሩ ሰባት ብናይ ዑቕባ መስርሕ ኣይቅበልዎምን እዮም።

 

post script

commented on an article "እታ ሕብእቲ ሰልፊ።

"
Stefanos Temelso commented on an article.

I thank Daniel for his deep analysis and commentary on the book. Earlier a friend told me that I would find nothing new from the book. The problem of the book seems to be with the name and content. Where does the secret party lie in the book, the situation in Halewa Sewra, who were killed there why, what was the system of torture, what role did the author have as a leader there? the role of different people in the section etc. Tsegu was a member of the security until his departure from Eritrea. So, how did the incarceration of the G15 happen? The aim of Haimanotawi Gudayat etc etc. If the title of the book is the secret party, at least more than 50% of its content must talk about the secret party.