ምስ ኣቶ ናይዚጊ ተዓራሪኽካ ምስ ሬሳ ነፍሰ-ሄር ናይዝጊ ምብኣስ ድኣ እንታይ ብልሓቱ፧ “ናይዝጊ ኢዱ ረኺቡ! እዝኳ እንዳ ወሓዶ!!” እንዳበልካ ምምዳርከ እንታይ ልቦናኡ Written by መድሃኔ ሃብተዝጊ ካብ ኖርወይ Wednesday, 14 March 2012 05:57 [sourceharnnet.org
ነፍሰ-ሄር ናይዝጊ ክፍሉ ዓሪፉስ ቤተ ሰቡ ንሬሳ መዋቲ ኣብ ተወሊዱ ዛዓበየላን ተቃሊሱ ንናጽነት ዘብቅዓን ኤርትራ ሃገሩ ተመሊሱ ንኽቅበር፣ ናብ መራሒ ስርዓት ህግዲፍ እንክምህለሉ፣ ኣሚኖም ዘገልገልዎ መራሒ ስርዓት ህግዲፍ ግን ንብኽያትን ሓዘንን ቤተ-ሰብ መዋቲ ናይዝጊ ክፍሉ ግዲ ከይገበረሉ፣ ካብ ናይ ሓዘን ዕድመ ናብ ናይ ሕጽኖት ዕድመ መጢጥዎስ ድሮኳ ሽድሽተ ሰሙን ሓሊፉ:: ይትረፍስ ሓዘን፣ ሕጽኖት እኳ ካብ ልክዕ ግዜኡ እንድሕሪ መጢጡስ ይምነወካ ጥራይ ዘይኮነስ ብኹሉ መዳያት የድክመካ እዩ::
ታሪኽ ነፍሰ-ሄር ናይዝጊ ክፍሉ ብቀረባ ብዝፈልጥዎ ብዙሓት ሰባት ከምዝዝንቶ ክልተ ገጻት ዝሓዘ ይመስል:: ናይዝጊ ሎሚ ሓሚሙ ኣብ ኣፍደገ ሞት ምስ በጽሐን ምስ ዓረፈን ጥራይ ዘይኮነስ፣ ኣቀዲሙ ኣብቲ ንኡስ ዕድሚኡ ምስ ምሉእ ጥዕንኡን ሓይሉን ናይ ምምሃርን ምምዕባልን ዕድሉ እንከሎውን፣ ንዚ ኩሉ ወንዚፉ ሃገረይ ኢሉ ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ እጃሙ ከበርክት፣ካብ ዝነብረሉ ዝነበረ ቀዳማይ ዓለም ብፍቅሪ ሃገሩ ተሳሒቡ ናብ ሃገሩ ከምዝተመልሰን፣ ተሰሊፉን ታቃሊሱን ንዓወት ከምዝበቅዐን ዘይከሓድ ሓቂ እዩ::እዚ ታሪኽ እዚ ወርቃዊ ሚዛንን ኣወንታዊ ገጽታን ዘለዎ ክፋል ታሪኽ ናይዝጊ ክፍሉ ኰይኑ፣ ክከሓድ ዘይብሉ ሓቂ እዩ:: ክንክሕዶ እንተፈቲንናውን ካብ ሓቅን ርትዕን ምርሓቅ ጥራይ እዩ::
እንተኾነ ግን ታሪኽ ነፍሰ-ሄር ናይዝጊ ክፍሉ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ብኣወንታ ኣይቀጸለን::ንሱ ድሕሪ ናጽነት ሃገር ንዝረኸቦ መንግስታዊ ስልጣን ብዘይ ኣገባብ ተጠቂሙ ንኽንደይ ነፍሳት ከምዘጥፍኤን ንኽንደይ ኣብ ማሕዩር ከምዘብለየን፣ ከምዝስወሩ ከምዝገበረን፣ ከም ሳዕቤኑ ድማ ንኽንደይ ስድራቤታት ኣብ ሓዘንን ጓህን ከምዘውደቀን ስኑድን ዘይስኑድን ታሪኽ ነፍሰ-ሄርናይዝጊ ኮይኑ፣ እቲ ጸሊም ክፋል ታሪኹ እዩ::ነፍሰ-ሄር ናይዝጊ ጥራይ ዘይኮነስ ግን ነፍሲ ወከፍና፣ ዋላ ብሚዛኑን ብደረጃታትን ይፈለ ድኣ እምበር ካብ ዕለተ ልደትና ክሳብ ዕለተ ሞትና ብዙሕ ኣወንታን ኣሉታን ዘለዎ ታሪኽ ኣመዝጊብና ኢና ነሓልፍ::
ኰይኑ ግን ኣብ መወዳእታ ካብዛ ዓለም ብሞት ክንፍለ ከሎና፣ ኩሉ ኣወንታውን ኣሉታውን ክፋላት ታሪኽናውን ኣብኡ የኸትም::መዋቲ’ውን ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ ስለዝኾነ ነገሩ:ደጊም ብዝፈጸሞ ታሪኽ ተሸላምን ተኸሳስን ክኸውን ኣይክእልን:: ምኽንያቱ ኣብ ህይወት ኣልቦ ስለዝተቀየረ::ሓደ ሰብ ካብዛ ዓለም ብሞት ምስተፈልየ ንዕኡ ብዝምልከት ዝግበር ፍጻሜታት ኮነ ብዛዕባኡ ዝዝረብ ኣወንታ ይኹን ኣሉታ፣ ጽልዋኡ ናብ ቤተሰብ መዋቲ እንተዘይኰይኑ ንመዋቲ ዝትንከፍ ኣይኮነን::
ሬሳ ነፍሰ-ሄር ናይዝጊ ክፍሉ ኣብ ዓዱ ተመሊሱ ሓመድ ዓዱ ከይለብስ ናይ ምኽልካል ስጉምቲ ኸደኣ እሞ ንመዋቲ ንምህሳይዶ ወይስ ንቤ-ተሰብ መዋቲ፧ ንቤ-ተሰብ መዋቲ ንምጕዳእን ንህዝቢ ኤርትራ ንምድሃልን እንተዘይኰይኑ፣ ንመዋቲ ዋላ ሓንቲ ከምዘይትንክፎ፣ መራሕትና ኮነ ተመራሕትና ብርግጽ እንፈልጦ ጉዳይ እዩ:: መደምደምታኡ ግን ኤርትራ ብዝዓቅሞም መለኽቲ ብዝኾኑ ጉጅለ ትምራሕ ምህላዋ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ብዓይኒ ፖለቲካዊ ብስለቶም’ውን ጋና ብስለት ዝጐደሎም ናይ ፖለቲካ ዕሸላት ብዝኾኑ ውልቀሰባት ትምራሕ ከምዘላ የረጋግጽ:: እቶም ፖለቲካዊ ብስለት ዘለዎም መራሕቲ መንግስቲ ዓዲ-እንግሊዝሲ እምበረ ንመዋቲ ነፍሰ-ሄር ናይዝጊ ክፍሉ ጋና ብህይወቱ እንከሎ ኣብ ኤርትራ ብዝፈጸሞ ገበናት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቡ ተሓታቲ ምዃኑ እኳ እንተ ኣረጋገጹ፣ ኩነታት ጥዕናኡ ማህሚኑ ብሕጊ ክኽሰስን ብገበናቱ ክሕተትን ኣብዘይክእለሉ ደረጃ በጺሑ ከምዘሎ ብመንገዲ ሕክምና ምስ ኣረጋገጹ፣ ኣብ ልዕሊ ናይዝጊ ክፍሉ ዝኾነ ሕጋዊ ኮነ ዘይሕጋዊ ስጉምቲ ካም ምውሳድ ተቖጠቡ:: እንተ ንሕና ግን ብግብሪ ኮነ ብኣፍ ኣብ ልዕሊ ህያው ኣቶ ናይዝጊ ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊሬሳ ኣቶ ናይዝጊ ናይ ሕነ ስጉምቲ ክንወስድ ንርከብ ኣሎና:: ብመንገዲ መንግስትን ደገፍቲ መንግስትን ጥራይ ዘይኮነስ ዋላ ኣብ ደምበ ተቃውሞ’ውን እንተኾነ፣ “ኢዱ ረኺቡ! እዚኳ እንዳወሓዶ!” ንብል እውን ኣይተሰኣናን:: እዚ ግን ዋላ ንሕናውን ካብ ኢሳያሳዊ ኣተሓሳስባ ከምዘይተገላገልና የአንፍት::
እዚ ዀይኑ እቲ ግን ሬሳ ነፍሰ-ሄር ናይዝጊ ናብ ዓዱ ተመሊሱ ሓመድ ኣዳም ከይለብስ ምእጋዱ ክንዮ ጻዕዳን ጸሊምን ታሪኽ መዋትን ማህሰይቲ ቤተ-ሰቡን ኣስፊሕካ ክረአን ክዝረበሉን ዘለዎ ጉዳይ እዩ:: እዚ ድማ ብፍላይ ምስ ኤርትራዊ ባህልን ኢርትራዊ ሕግን ኣዛሚድካ ብምርኣይ፣ ክንዮ ማህሰይቲ ውልቀሰባት ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ሕግታትን ባህልታትን ክብረታትን’ውን ጥሕሰትን ግህሰትን ከምዘሎ ክፍለጥ ዘለዎ ጉዳይ እዩ:: እስከ ኣብ ስዒቡ ዘሎ ሕጥቦጽሑፋት ብሕጽር ዝበለ መንገዲ ንሞትን ስነ-ስርዓት ሞትን ብዝምልከት ዘሎና ሃገራውያን ባህልታትን ልማዳትን ንመለከት::
ሕጸን መርዓን ካልእ ናይ ፍሰሃ ውራያትን ጥራይ ዘይኮነስ፣ እንተላይ ናይ ሞትን ተስካርን ካልኦት ናይ ሓዘን ውራያትን እውን እንተኾነ ንምትሕቁቋፍን ምድግጋፍን ኤርትራዊ ህብረተሰብ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ዘለዎም ክፋል ሃገራዊ ባህልታትናን ልማዳትናን እዮም:: ነዚ ሃገራዊ ባህልታትናን ክብርታትናን ንምስሳኖምን ንምምዕባሎምከ ሃገራውያን ሕግታትና እንታይ ይብሉ፧
ኣብ ዓንቅጽ 9 ናይቲ መሰረት ኩሉ ኤርትራዊ ሰብኣውን፣ ሲቪላውን፣ ቁጠባውን፣ ፖለቲካውን፣ ባህላውን መሰላትና ዝኾነንልዕሊ ኩሎም ኤርትራውያን ሕግታት ዝስራዕን፣ ብ1997 ዝጸደቀ ዓንዲ ሕጊ ኤርትራ እንተ ተመልኪትና፣ ሃገራዊ ባህሊ ንምዕቃብን ንምምዕባልን መንግስቲ ቅዋማዊ ሓላፍነት ዝተሸከመ እንክኸውን: ህዝቢ ድማ ተጠቃሚ ሃገራዊ ባህልታቱ ንክኸውን ቁዋማዊ መሰል ከምዘለዎ ብንጹር ሰፊሩ ኣሎ:: ዓንቀጽ 9 ትሕዝቶ ሃገራዊ ባህሊ እንታይ ክኸውን ከምዘለዎ እውን ብዝርዝር ኣስፊራ ትርከብ: ገለ ካብኣቶም ሃገራውያን መለለዪታት፣ ሓድነት ህዝብን መሬትን፣ ምዕባለ ህዝቢ፣ ምድግጋፍ ኤርትራዊ ማሕበረ-ሰብ፣ ፍቅሪ፣ ስኒት፣ ስድራ-ቤታዊ ኣኽብሮትን ካልኦት ክብረታትን እዮም::
ኣቀዲመ ከምዝጠቀስኩዎ መርዓን ሞትን ምስኦም ዝተኣሳሰሩ ካልኦት ውራያትን ንኣቃውማ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ስጡም ሓድነትን፣ ምትሕቁቅዋፍን ምድግጋፍን ከምዝህልዎ ካብዝገበሩ ሃገራውያን ልማዳትናን ክብርታትናን መለለዪ ሓድነትናን እዮም::ዋላ ናይ ደምን መውስቦን ዝምድና ኣይሃልወና፣ እከለ መይቱ ዝብል ኣውያት ምስ ዝወጽእ፣ እንፈልጦ ምስ ዝኸውን ብቀዳምነት ስምባደናን ድንጋጸናን ነርኢ: ቀጺልና ድማ፣ ሓረስታይ ማሕረሱ ሸቃላይ ስርሑ ኣቋሪጹ ነጋዳይ ትካሉ ዓጽዩ ንመዋቲ ክነፋኑ ንቤ-ተሰብ መዋቲ ክነጸናንዕንጓየ:: ሃገራዊ ቁዋምና እምበኣር ነዚኦምን ካልኦት ነዚኦም ዝኣመሰሉን እዩ ምንጪ ሃገራዊ ሓድነትን፣ መለለዪ ሃገርውነትን፣ ምንጪ ማሕበረ-ሰብኣዊ ምትሕቁቋፍን ምድግጋፍፍን ብማለት ክዕቀቡን ክምዕብሉን ከምዘለዎም ደንጊጉ ንመንግስቲ ሓላፍነት ዘሰከሞ::
ስርዓት ህግዲፍ ግን ካብዚ ቅዋማዊ ሓላፍነቱ ሃውቲቱ እዩ፣ ነቲ ባዕሉ ንሽሙ ዘጽደቆ ሃገራዊ ዓንዲ ሕጊ ብምቅታል፣ ንሃገራውያን ባህልታትናን ክብረታትናን ከፍርስን ከዕኑን ዝርከብ ዘሎ:: ብምኽንያት ስርዓት ህግዲፍ ዝፈጠሮ ቅዉስን ጽልግልግን ኩነታት፣ ብርግጽ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ኣኽብሮትንጥርናፌን ስድራ-ቤት ዝበሃል ዳርጋ እንዳሃሰሰ ይመጽእ ኣሎ:: ገሊኡ ብምኽንያት ደረት ኣሎቦ ግዱድ ዕስክርና ካብ ደቁን ሓዳሩን ጠፊኡ፣ ገሊኡ ካብዚ ኩነታት እዚ እንከምልጥ ንስደት ኣምሪሑን ንሞት ተቃሊዑን፣ ወለዲ ጠዋሪ ውሉድን ሰብ ቃልኪዳንን ኣላዪ ስኢኖም ሎሚዶ ጽባሕ እንዳበሉ ዓመታታ ኣሕሊፎም:: ምብልና፣ ዝኽትምና፣ፍትሕ፣ ዘይሕጋዊ ወሊድ፣ ኣቦ ኣሎቦነት ወዘተ እንዳሰሰኑ መጺኦም::
ንኣማውታን ንቡር ቀብርን ብዝምልከት እውን እንተኾነ፣ ትማሊ እቲ ዝያዳ ዘሰምብድን ዝያዳ ዘሕዝንን ሞት መንእሰይን ሕጻንን ዝነበረ፣ ሎሚ ኩሉ ዓይነት ሞት ከም ንቡር ተወሲዱ: እቲ እንኮ ባህጊ ሬሳ ናይ ዝኾነ መዋቲ ንኣቶ ናይዝጊ ሓዊስካ ካብ ዝተወልደሉ ገዛ እንተዝወጽእን ኣብ ዝዓበየላ ዓዲ እንተዝቅበርን፣ ብቤ-ተሰቡን ብፈተውቱን ዓርኪ ምሓዝኡን ዝተሰነየ ንቡር ስነ-ስርዓት ቀብሪ እንተዝረክብን ዝብል እዩ:: ከመይሲ ካብ ናጽነት ንደሓር ብፍላይ ድማ ካብ 2000 ዓ.ም. ንደሓር ኣማውታ ኤርትራውያን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ሃገር ኣብ እስርቤታት፣ ኣብ ሰሃራ፣ ኣብ ባሕሪ፣ ኣብ ፈቀዶ በረኻታት ዝበዝሐ ኰይኑ፣ መብዛሕትኦም ንቡር ቀብርን ሓመድ መሬት ዓዶምንክረኽቡዘይከኣሉን መንእሰያትን እዮም:: እዚ ኩነታት እዚ ንሓዘን ቤተሰብ መወቲ ድርብ ሓዘን ስለዝገብሮ እዩ ድማ:ሎሚ ትምኒትን ምህለላን ህዝቢ ኤርትራ መንእሰይን ሕጻንን ከይመውት ዘይኮነስ፣ ኣብ ገዝኡን ዓዱን እንተዝመውት ኣብ ዝብል ዝተቀየረ::
ብህግደፋዊ ኣመለኻኽታ ድኣ’ሞ ሃገራዊ ባህሊ እንታይ ማለት ድዩ፧ ከም መንግስቲ መጠንከ ስርዓት ህግዲፍ ነየናይ ሃገራዊ ባህሊ ክዕቅብን ከማዕብልንድዩ ቅዋማዊ ሓላፍነት ዝተስከመ፧ ተረድኦን ኣገላልጻን ሃገራዊ ባህሊ ብስርዓት ህግዲፍ ካብቲ ናይ ሃገራዊ ቅዋም ዝተፈልየ ምዃኑ፣ ካብቲ ሃገራዊ ቻርተር ዝተሰምየ ከም ሓቂ ግን ህግዲፋዊ ቻርተር ዝኾነ ክንግንዘብ ንኽእል::ኣብቲ ብ1993 ኣብ ሳልሳይ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር (ህግዲፍ) ዝተደብተረ ህግደፋዊ ቻርተር ኣብ ካልኣይ ምዕራፉ መሰረታት ፖለቲካዊ ፕሮግራምና ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፣ ሸውዓተ ዓበይቲ ነጥብታት ዘርዚሩ ይርከብ:: ምዕቃብን ምምዕባልን ሃገራዊ ባህሊ ካብተን 7 ነጥብታት ሓንቲ ኰይና ክፋል ፐሎቲካዊ መደብ ዕዮ ስርዓት ኣስመራ ምዃና እውን እዩ::
ካብ ትሕዝቶ ናይቲ ሃገራዊ ባህሊ ጠቀስ ሕጥቦ ጽሑፋት፣ ሃገራዊ ባህሊ ማለት ፍቅሪ ሃገር፣ ጅግንነት፣ ተበጃውነት፣ ተወፋይነት፣ ርእሰ ምርኮሳ፣ ርእሰ ምትእምማን፣ ኣፍራይነትን መሃዝነትን ወዘተ የጠቃልል::ኣብዚ እገላልጻ እዚ ምዕባለ ህዝቢ፣ ሓድነት ህዝቢ፣ ስኒትን ምድግጋፍን ህዝቢ፣ ኣኽብሮት ስድ-ራቤታዊ ህይወት ወዘተ ዝብል ፈጺምካ ኣይትረኽበሉን ኢኻ::ከመይሲ ንስርዓት ህግዲፍ ዘድልዮ ዓይነት ህዝቢ ብኣተሓሳስባኡ ልሙስን ልኡምን፣ ብኣፍራይነቱ ንጡፍ፣ ብሓድነቱ ዘይስሙር ህዝቢ እዩ:: ምኽንያቱ ምዕባለን ሓድነትን ህዝቢ ንዕድመ ስልጣኑ ሓደጋ ክኾኖ ስለዝኽእል::
ኣብ መወዳእታ ክንግንዘቦን ክንሓስበሉን ዘሎና ጉዳይ እምበኣር፣ብምኽላእ ሬሳ ነፍሰ-ሄር ናይዝጊ ክፍሉ ኣብ መሬት ዓዱን ዓዲ’ብኡከይቅበር፣ ዝጉድኡን ዝህሰዩን መዋትን ቤተ-ሰቡን ጥራይ ዘይኮነስ፣ ብዓብዩ ህዝቢ ኤርትራን ባህሉንሕግታቱን እዮምዝጠሓሱን ዋጋ ዝስእኑን ዘለዉ:: ሞትነፍሰ-ሄር ናይዝጊ ክፍሉ ድማ ንነፍሲ ወከፍና ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብ ሃገረ ስደት እንርከብ ዜጋታት ክተጋጥመና ምዃና ኣይንዘንግዕ:: ኣስላማይና ክርስትያና፣ ደገፍትና ሰዓብትና እንተ ተኻእለ ኩነታት ተመዓራርዩ ብህይወትና ኣብታ እንፈትዋ ሃገርና ተመሊስና፣ ምስቲ ኣካልናን ኣካሉን ዝኾነ ህብረተ-ሰብናን ቤተ-ሰብናን ባህልና እንዳኣስተማቀርና፣ ክብረትና ዓቂብና ክንነብር እንብህግ ሰባት ኢና::ንሱ እንተዘይተረኽበ ግን ልክዕ ከም ነፍሰ-ሄር ናይዝጊ ክፍሉ፣ ዋላ ሬሳና ተመሊሱ ሓመድ ዓዲ’ቦና ክለብስን ሃገራዊ ባህሊ ዘፍቅዶ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ክረክብን፣ ቤተ-ሰብናውን ዋላ ሬሳና ርእዮም ክሰናብቱናን ክቀብጹን እንብህግ ሰባት ኢና::
ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ስልጣኑ ክሳብ ዝሃለወ ግን፣ ክልቲኡ ዕድላት ማለት ብህይወትካ ወይ ብሬሳኻ ንኤርትራ ናይ ምምላስ መሰላትና ብጋህዲ ንዕዘቦ ከምዘሎና፣ ምስ ኤርትራውነትና ዝተኣሳሰር መሰል ዘይኮነስ፣ ምስ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ንሱ ዝመርሖ ስርዓትን ኣብ ዘሎና ዝምድናን ርክብን ዝተኣሳሰር እዩ:: ብኻልእ ኣዘራርባ ኣብቲ ዘይፍትሓውን ዘይዲሞክራስያውን ባህርያት ናይቲ ስርዓት ኮነ፣ ዘይ ስነምግባራዊ ባህርያት መራሕቱ ልኡማትን ልሙሳትን ብምዃን ዝርከብ ነገር ይህሉ ይኸውን:: እንተ ፍሉይ ርኢቶን መርገጽን ሃልይካ ግን ወይከስ!
መድሃኔ ሃብተዝጊ
ካብ ኖርወይ
ስለምንታይ ኢዩ ምስ ሬሳ ቑርቁስ
ብሳሙኤል ገብረሂወት ( ዓካ-ዓካ )
ኣርእስቲ ጽሑፈይ ስለምንታይ ምስ ሬሳ ቑርቁስ ዝብል ኬይኑ ብዛዕባ ተጋዳላይ ናይዝጊ ክፍሉ ኢዩ ኪዛረብ። ግን ከኣ ተጋዳላይ ናይዝጊ ክፍሉ መን ከምዝኾነን እንታይ ከምዝነበረን ዝገልጽ እውን ኣይኮነን። እዚ ብመንግስቲ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዓዱ ንኸይቅበር ዝተኸልከለ ሰብ መን ኢዩ ንዝብል ሕቶ ኪምልስ ደስ ምበለኒ ነይሩ። እንተኾነ ግን ነዚ ዓቢ ግድል ኬይኑና ዘሎ ምስጢር ዝፈልጥ እቲ ሬሳ ንኸይኣቱ ዝኽልክል ዘሎ ሓደ ውልቀ ሰብ ርእሰ-ብሄር ኤርትራ ስለዝኾነ እቲ መልሲ ንዕኡ እገድፈሉ። ከም ህዝበይ ከኣ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ምኽንያት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኪሰምዕ እጽበ። ብሓጺሩ እምበኣር ጽሑፈይ ነቲ ብሓባር መልሲ ሲኢንናሉ ዘሎና ጉዳያት መልሲ ዝሓትት እምበር መልሲ ንዝተሳእኖ ሕቶታት ዝምልስ ኣይኮነን።
እዚ ጽሑፍ እዚ ብዛዕባ ተጋዳላይ ናይዝጊ ክፍሉ ካብ ኣልዓለ ብውሑዱ ንገለ ሓፈሻዊ ሕቶታት ኪምልስ ስለዝግበኦ ብዘለኒ ድሩት ሓበሬታን ብናተይ ውልቃዊ ኣጠማምታን ብዛዕባኡ ሓደ ክልተ ነጥብታት ከልዕል እየ። እቲ ንመበቆሉን ኣተዓባብያኡን፡ ንውልቃዊ ባህሪያቱን ጠባያቱን፡ ኣብ ቃልሲ ንዝነበሮ ተራን ኣበርክቶን ዝምልከት ጉዳይ ብቐረባ ዝፈልጡዎ መተዓብይቱ: መማህርቱ: መቓልስቱ: መሳርሕቱን መዘናታቱን ኪምልስዎ ስለዝኽእሉ ንዐኣቶም እሓድገሎም።
መጀመርታ ነቲ ናይዝጊ ኣብ ግዜ ቓልስን ድሕሪ ናጽነትን ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ትካላት መንግስቲ ሓደ ሓደ ኣሉታዊ ተራ ነይሩዎ ኢዩ ንዝብል ኣብ ሻርዕ ንዝዕለል ዕላላት ርእይቶይ ክህበሉ እደሊ።
ዝኾነ ኣብ ሓርነታዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ እተሳተፈ ተጋዳላይ፡ ብፍላይ ከኣ እቲ ብደረጃ መሪሕነት ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ሓላፍነትን እተዋስአ ዘበለ ኣብ ተሓኤ ይንበር ኣብ ህዝባዊ ግንባር ብዘየገድስ ኣብ መስርሕ እቲ ቓልሲ ብውልቂ ኮነ ብእኩብ ዝሙጎሰሉን ዝነኣደሉን ዝንቀፈሉን ዝሕተተሉን ነገር ኪህልዎ ግድን ኢዩ።
ተጋዳላይ ናይዝጊ እውን ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ውድብ ህዝባዊ ግንባርን መንግስቲ ኤርትራን ስለዝተዋሰአ ብእኩብ ምስቲ ውድብን መንግስትን ምናልባት እውን ብውልቂ ዝሕተተሉ ነገራት ኪህልዎ ይኽእል ይኸውን። ይኹን እምበር እዚ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዝለዓል ኣብ ግዜ ቓልሲ ኮነ ድሕሪ ናጽነት እተፈጸመ ተሓታቲ ዘማዕዱ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ መጀመርታ ናጽነት ሃገራዊ ዕርቅን ዘተን ተገይሩሉ ብዝግባእ ስለዘይተዓጽወ ኪሳዕ ብሕጋውን ሓላፍነታውን መዳይ በገባብ ዝዓርፍ ንመጻኢ እውን ከዛርብን ከቀሓሕርን ኪነብር ኢዩ። ዘዛርብን ዘተሓማምን ነገራት እውን ብዙሕ ኢዩ።
ኣብ ጉዕዞ ቓልሲ-ሓርነት ሕሉፋት ጸጋማውያን ሜንካዕ፡ ጥሩፋት የማናውያን የሚን እናተባህሉ ብእኩብ፣ ዝምቡል ንኡስ ብርጁዋ፣ ጸረ ሰውራ ሃሱስ፣ ኣድሓርሓሪ መስፍን፣ እናተባህሉ ዝተፈላለየ ስምን ቅጽልን እናተዋህቦም ዝጠፍኡ ሃገራውያን ብዙሓት ኢዮም። ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ነብሰ ቕትለት ፈጺሙ/ፈጺማ እናተባህሉ ዝጠፍኡ፡ መስዋእቶም ዘተሓማሚ ብጾት ከምዘለዉ እውን ይንገር ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ከኣ ኩሉ ኣብቲ መስርሕ ዝተዋስአ መርሕነት ኢዩ ዝሕተትን ሓላፍነት ዝስከምን እምበር ኣብ ትካላት ጸጥታ እቲ ውድብን መንግስትን ስለዝሰርሐ ዝኾነ ውልቀ ሰብ ንበይኑ ዝስከሞ ኣደራዕ ኪህሉ ኣይግባእን ኢዩ። ዝኾነ ይኹን ሕቶን ክስን እንተልዩ እውን እቲ ውድብን እቲ መንስግትን ኢዩ ኪሕተትን ኪኽሰስን ዝግባእ — እቲ ዝወሃብ መመርሕን ትእዛዝን ናይቲ ስርዓት እምበር ናይ ውልቀ ሰብ ስለዘይኮነ። ይኹን እምበር ውልቀ ሰብ እውን ኣብ ውሽጢ እቲ ስራሕ ብውልቃዊ ባህሪያቱን ተግባራቱን ኪሕተትን ኪኽሰስን ዘይግባእ ኣይኮነን። ግን ከኣ ኣብ ናጻን ሕጋውን ቤት ፍርዲ ቐሪቡ በደሉ ኪሳዕ ዝረጋገጽ ብገበን ኪጥቀን ሕጋውን ርትዓውን ኣይኮነን።
ኣቐዲመ ኣብ መእተዊ ጽሑፈይ ከምዝገለጽኩዎ፡ ንተጋዳላይ ናይዝጊ ሓለፍነት ከሰክም ወይ ካብ ሓላፍነት ሓራ ኪገብር ፍጻሜታት ኪዝርዝር ወይ ታሪኽ ኪምስከር ኣይኮንኩን ብርዐይ ኣልዒለ። እኹል ሓበሬታ ስለዘይብለይ እትረፍ ነዚ ብቐንዱ ንፍርዲ ታሪኽ ዝምልከት ኣዚዩ ተሃዋሲ ዝተሓላላኸ ኣርእስቲ ንውልቃዊ ባህሪያትን ጠባያትን ተጋዳላይ ናይዝጊ እውን ኪምስክር ኣይክእልን ኢየ። ስለዝኾነ ንተጋዳላይ ናይዝጊ ክፍሉ ከም ዝኾነ ሃገራዊ ተቓላሳይ ኣብ መስርሕ ቓልሲ ኣዎንታን ኣሉታን ከምዝህልዎ ሰብ፡ ከም ሓውን ብጻይን እየ ኪዝክሮን ከልዕሎን ዝደሊ።
ናይዝጊ ከም ዝኾነ ፍጡር ወዲ ኣዳም ከማይ ከማኹም ዝነኣደሉ ኣዎንታዊ ጠባያት ዝንቀፈሉ ኣሉታዊ ባህሪያት ኪነብሮ ባህሪያዊ ኢዩ። ናይዝጊ ድሕሪ ሞቱን ዕረፍቱን፡ ሬስኡ ሓመድ ዓዱ ንኸይረክብ ከምዝተኸልከለ ምስሰማዕኩ እየ ንዝተሰማዓኒ ዓሚቝ ልባዊ ሓዘንን ጓህን ንምግላጽን ንበዓልቲ ቤቱን ደቁን ንስድራ-ቤቱን መቕርቡን ንብጾቱን መቓልስቱን ጽንዓትን ኣኻእሎን ይሃብኩም ንምባልን ብርዐይ ኣልዒለ። ዕረፍቲ ናይዝጊ ክፍሉ ምስተሰምዐ ከም ዝኾነ ናይ ቓልሲ ብጻይ ብሞቱ ሓዚነን ተሰሚዑንን። ሞት ናይ መወዳእታ ዕምሪ ስለዝኾነ ከም ዝኾነ ፍጡር ንዕኡ መንግስተ ሰማያት ከዋርሶ ንስድራቤቱ ድማ ጽንዓትን ጽሮትን ኪህቦም ተመንየ።
መቸም ሬሳ ናይዝጊ ንዓዲ ከይኣቱ ምኽልካሉ ብዙሕ ነገር ስለዘዛረበ፡ እቶም ጸግዒ መንግስቲ ብሙዃን ፕረዚደንትና ገለ እንተዘይሰምዓሉ ኣይምኸልከሎን ዝብሉን እቶም ተቓወምቲ መንግስቲ ብሙዃኖም ኢሳይያስን ናይዝግን ነንሓድሕዶም ይቃረቡ ንዝብሉን ብሓባር፡ እዚ ሬሳ፡ ሃገራዊ ኤርትራዊ ሬሳ፣ ሬሳ ሓውናን ብጻይናን ስለዝኾነ ናይ ፖለቲካዊ መስመርናን ኣረኣእያናን ብዘየገድስ ነቲ ምስ ሬሳ ብጻይናን ሓውናን ዝቆራቖስ ዘሎ ስርዓት ዓገብ ኪንብሎን ኪንኩንኖን እጽውዕ።
ናይዝጊ ክፍሉ ዓሪፉ ምስ ሰማዕኩ ጥራሕ፡ ልዕሊ ኩሉ ኣብ ቃልሲ ሓርነት ንዝነበሮ ተራን ኣበርክቶን ኮነ ኣብ መስርሕ ቓልሲ ንዘጋጠሞ ብደሆን መሰናኽልን ዝገልጽ መጽሓፍ ታሪኽ ዘይምግዳፉ ተሰሚዑኒ። ንሱን ካልኦት ገዳይም ብሞት ዝፍለዩና ዘለዉ ሓርበኛታት ብጾት ዘዝፈልጡዎ ታሪኽ ሒዞሞ ይሓልፉ ብምህላዎም ከም ዓቢ ኪሳራ እየ ዝርእዮ። መጻኢ ወለዶ ኪመሃረሉን ኪምኮረሉን ዝግባእ ኣያታትናን ንሕናን ዝፈጸምናዮ ታሪኽን ዝሓለፍናዮ ተመኩሮን ንታሪኽን ምህሮን ኪንገድፍ ዘይምኽኣልና ንሃገርን ህዝብን ዓቢ ኪሳራ ኢዩ። ብሰንኪዚ ድማ ኢዩ እቲ ቅድም ኣብ ቓልሲ ሓርነት እተፈጸመን ድሕሪ ናጽነት እተደግመን መልሲ እንደልይሉ ዘሎና ሕቶታትና መዓት ሃጓፋት ሒዙ ብቤላ ቤለውን ብኣፈ ታሪኽን ዝንገረና ዘሎ። ስለዝኾነ ድማ ቅድሚ ሬሳ ናይዝጊ ንሃገር ከይኣቱን ኣብ ሓመድ ዓዱ ከይቅበርን ተኸልኪሉ ምስመዐይ ኪንመሃረሉን ኪንምከረሉ ዝግበኣና ዓቢ ታሪኽ ሒዙ ብምሕላፉ እየ ሓዚነ።
ሬሳ ናይዝጊ ኣብ ለንደን ኣብ ቤተክርስትያን እንዳሚካኤል ጸሎተ ፍትሓት ተገይርሉ ሬስኡ ንዓዲ ምስነቐለ ካብ ኤርትራ መሰነይታ ወረቐት ስለዘይተፈቕደሉ ኪሳዕ ሕጂ ሓመድ ኣዳም ከምዘየለበሰ ምስ ተወርየ መጀመርታስ ኣይኣመንኩን ነይረ።
ንሬሳ፡ ሓደ ትንፋሱ ካብ ስጋኡ ዝተፈለየት ፍጡር፡ ኣስከሬኑ ኣብ ዓዱ ሓመድ ኣዳም ከይለብስ ምኽልካልን ምእጋድን ምስ ምንታይከ ኪቑጸር ይኽእል፧ ስርዓት ኢሳይያስ ዘይገብሮን ዘይፍጽሞን ነገር ኪህሉ ይኽእል ኢዩ ኢልካ ኪትሓስብ ከቢድ ኢዩ እሞ፡ ግን ከኣ ምስ ሬሳ ኪቆራቖስ ይኽእል ኢዩ ዝብል ግምትሲ ፈጺሙ ኢዩ ዘይነበረኒ። ስለዝኾነ በቲ ስልጣን ሒዙ ንሬሳ ብጻዩ ዝኽልክልን ዘፍቅድን ዘሎ ውልቀ ሰብ ኣይኮንኩን ሓኒኸ፣ ዜጋ ናይ ሓንቲ ሬሳ ሓርበኛኣ ምቕባል ዝተሓሰመት ኤርትራ እትበሃል ሃገር ሙዃነይ እውን ኣጉህዩንን አሕዚኑንን ዩ።
ኣብ ሕብረተሰብና ኮነ ኣብ ካልኦት አህዛብ ዓለም ሬሳ ክቡርን ሕፉርን ኢዩ። ስለዝኾነ ከኣ እትረፍ ቅድሚ ሞቱን ዕረፍቱን ንእትፈልጦ ሰብ፡ ንሓደ ኣይትፈልጦ ኣይትጥይቖ ሬሳኳ ብመንገዲ ኪሓልፍ እንከሎ ደኒንካ ኣኽብሮትካ ገሊጽካ ቆይምካን ነቒሕካን ኢኻ ተሕልፎን ትፋነዎን። እትረፍ ንሬሳ ናይ ሓደ ንመዋእሉ ንሓርነት ህዝቡን ሃገሩን እተቓለሰ መውጽኢ ሓራ ተጋዳላይ ንሬሳ ጸላኢኻ እውን ብኽብሪ ይድበን ይቕበርን ኢዩ። እቲ ኽብሪ ነቲ ተራፊን በዓል ተራን ስለዝኾነ — እምበር መዋቲ ደኣ ኣይርእዮ ኣይሰምዖ ሓንሳብ ነብሰ ስጋኡ ምስተፈላለየ ነገር ተወዲኡ ኢዩ።
እሞ ስለምንታይ ደኣሉ ሬሳ ናይዝጊ ዓዲ ኣትዩ ከይቅበር ተኸልኪሉ፧ ንመን ንምርካብ ኢዩ፧ ናይዝጊ እንተኾነ ኣይርእዮ ኣይሰምዖ ዓሪፉ ኢዩ። ስድራቤትን ደቁንከ እንታይ ስዝለዝኣበሱ፧ እዚ ስርዓት እዚ እንታይ ዓይነት ጽልእን ሕንሕነን ስለዘለዎ ምስ ሬሳ ዝቆራቖስ ዘሎ፧ በዓልቲ ቤቱን ሬሳ በዓል ቤታ ኪትቀብር መሰል የብላን ዲዩ። ደቁ ንወላዲአን ብፍቕርን ክብርን ኪፋነወኦን ሓመድ ኣዳም ከልብሰኦን መሰል የብለንን ዲዩ፧ ሓዎቦታቱን ኣኮታቱን፡ ዓዱን ማይቤቱን፡ መተዓብይቱን መቓልስቱንከ ሬሳ ውላዶምን ሓዎምን ኪቐብሩ መሰል የብሎምን ዲዩ፧ እቲ ወግሐ ጸብሐ ንሕና ከም ኤርትራውያን ዘሐብን ዘኹርዕ፡ ዘነይት ዘቕንእ ያታን ባህልና ክብርን ፍቕርን ኣሎና እናበልና እንምድረሉን እንዝምረሉን ክብሪ ህዝብን ሃገርን ክብሪ ሕብረተሰብን ያታን ንሬሳ ሓደ ሓርበኛ ዘየአንግድ ዲዩ፧ እዚ ሕቶ’ዚ ነቲ ንኤርትራ ከም ውልቃዊት ጥሪቱን ዋኒኑን ዝርእያ ዘሎ ሓደ ውልቀ ንኢሳይያስ ጥራሕ ዝምልከት ኪኸውን ኣይምተገበአን ነይሩ። ይኹን እምበር እቲ ብሰንኪ ትዕቢቱን ድርቅንኡን ዝነብሮ ክብርን ተፈታውነትን ኣጥፊኡ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናንቆልቆለን እናማህመነን ዝከይድ ዘሎ ውልቀ መላኺ ንኤርትራ ናቱን ናይ ውልቁን ስለዝገበራ ምስ ህሉዋት ከይኣክል ምስ ሬሳ ኪቖራቖስ ንርኢ ኣሎና።
ከም ሓቂ ብዘለኒ መረዳእታ ናይዝጊ ክፍሉ የማናይ ኢድ ናይዚ ሕጂ ሬሳ ብጻዩ ንምቕባል ዝተሓሰመ መላኺ ኢዩ ነይሩ ኢዩ ዝበሃል። ናይዝጊ ኣብ መስርሕ ሓርነታዊ ቓልሲ ኮነ ድሕሪኡ ኣበሳን ሓጢኣትን እንተነይሩዎ ብህወይት ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ምስ ንኢሳይያስን ስርዓቱን ሓዊስካ ብሕጊ፡ ድሕሪ ሕልፈቱ ከኣ ብታሪኽ ኢዩ ኪፍረድ ዘለዎ። ምስ ሬሳኡን ስድራቤቱን ምቁሩቛስን ምትህልላኽን ግን ዘሕንኽ ፍጻሜ ኢዩ።
ናይዝጊ፡ ኣብ ኩሉ እቲ ዝሓለፎ መስርሕ ዝሕተቶ ነገር እንተነይሩ ከኣ፡ ናይዝጊ ከም ውልቀ ሰብ ዘይኮነ ናይዝጊ ከም ኣባል ናይቲ ስርዓትን ምሕደራን ኢዩ ክረአን ኪግምገምን ዝግባእ። ምኽንያቱ ዝኾነ ይኹን ኣብ ስርዓተ-ምልኪ ዘገልግል ውልቀ ሰብ እቲ መላኺን መሻርኽቱን ካብ ዝጥጅእዎ ተንኮልን ሓጢኣትን ከምልጥ ስለዘይክእል ፈትዩ ጸሊኡ ግዳይ ናይቲ ግዕዙይ ዘይፍትሓዊ ምሕደራን ኣሰራርሓን ኪኸውን ባህሪያዊ ኢዩ።
ኪሳዕ ዕለተ ዕረፍቲ ተጋዳላይ ናይዝጊ ብዛዕኡ ዝሰማዕኩወን ሰለስተ ነገራት ኪገልጽ እፈቱ።
እታ ንኣስታት ሰዓት ኣቢላ ምስ ናይዝጊ ሻሂ ዝሰተኹላ ናይ መጀመርታን ናይ መወዳእታን ርክበይ ኢያ ነይራ። ቅድሚኡ ምስ ናይዝጊ ብርሑቕ ኮነ ብቐረባ ዝኾነ ይኹን ርክብን ሌላን ስለዘይነበረና ነታ ወስታታት ኢዱ ሓዊሱ “ናትና ታሪኽስ እንተተረፈ ይሓይሽ!” ክብል ብስምዒት ዝተዛረባ ዘረባ ስለምንታይ ኢለ ኪሓቶ ኣይከኣልኩን። ኣብቲ ናይ ሻሂ ርክብ ኣብ መንጎ እኩባት ሰባት “ስለምንታይ፧” ኢለ ሕቶ ኣቕሪበሉስ ዝስመዖ መልሲ ኪህበኒ ስለዘይክእል ኪሓቶ እውን ኣይተደናደንኩን። ዋላኳ ባዕላዊ ግምታት እንተኾነ ናይዝጊ ብኹሉ ኹሉ ኣካይዳ መንግስቲ ሕጉስ ዝነበረ ኣይመስለንን። እዚ ዘቕርቦ ዘለኹ ምስክርነት ነቲ ብዛዕባ ናይዝጊ ዝዕለል ኣሉታ ንምኽዋልን ንምምኽናይን ኣይኮነን። ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ ዝኾነ ይኹን ሕቶ ግቡእ ሕጋዊ መስርሕ ሒዙ ኪምለስን ፍትሒ ኪርከብን እሰማማዕን እድግፍን እየ። ይኹን እምበር ብዛዕባ ናይዝጊ ኮነ ብዛዕባ ዝኾነ ይኹን ኣብ መሪሕነት እቲ ሰውራ ዝነበረ ሰብ ዋላ ብዛዕባ ኢሳይያስ እውን እነተኾነ ብቤላቤለው ዝነፍስ ብሕጋዊ መርትዖ ብጭብጥን ዘይተሰነየ ዕላል ሻርዕ ከም ቅቡል እሙንን ኪውሰድ የብሉን ዝብል ጽኑዕ እምንቶይ ንምርግጋጽ እየ።
ኣብ ምውዳእ 2000 ዓመተ ምሕረት ሚኒስተራትን ጀነራላትን ዝርከቡዎም ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ላዕለዎት መራሕቲ መንስግቲ ንኣካይዳን ኣመራርሓን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስበድሁዎ፡ ኣብ መንጎኦም ናይ ሓሳብን ኣረኣእያን ምስተኸስተ ናይዝጊ ንሸርፎን ኢሳይያስን ንምዕራቕ ናይ ርክብ ምሸት ወዲቡስ ፕረዚደንት ስለዘይተሓጎሰሉ ብኢዱ ሃሪሙዎ ዝብል ወረ እውን ተናፊሱ ነይሩ። ብዛዕባ ሓቅን ሓሶትና ናይቲ ወረ ካልኦት ኣብ መንጎ እንተዘይነይሮም እቶም ኣብቲ መስርሕ ዝጥቀሱ ዘለዉ ሰለስተ ሰባት ኢዮም ዝፈልጡዎ። ይኹን እምበር ሕጂ እቲ ዕርቂ ዝዓደመ ናይዝጊን እቲ ንዕርቂ እተዓደመ ሸሪፎን ብህይወት የለዉን። ናይ ናይዝጊ እኳ ርጉጽ ኢዩ። ብዛዕባ ሕልፈት ሸርፎ ግን ኪሳዕ ሕጂ በቲ ከሳስን ፈራድን ስርዓት ኢሳይያስ ኪሳዕ ሕጂ ዝተዋህበ መግለጺ የሎን።
እዚ ዘልዓልኩዎ ነጥብታት ኪሳዕ ሕጂ ንነብሲ ወከፍ ፍጻሜታት ብዕምቆት ዝገልጽ ታሪኽን ጽሕፉን ስለዘየሎ ከምዚ ለንቅነ ናይዝጊ መጽሓፍ ጽሒፉ ስለዝገደፈ እዩ ፕረዚደንት ሬስኡ ኣብ ዓዲ ከይቅበር ከልኪሉዎ ዘሎ ዝብል እንሰምዖ ዘሎና ዘይርጉጽ ቤላቤለው ንወድቕ ምህላውና ንምሕባር እየ። ከምዚ ዝበሃል ዘሎ ናይዝጊ ንታሪኹ ዝምልከት ጽሑፍ ገዲፉ ሓሊፉ እንተኾዩ ግን ናይ ብሓቂ ሰናይ ኢዩ።
ነብሲ ወከፍና ጽባሕ ንግሆ ብታርኽናን ስራሕናን ኪንፍረድን ኪንምዘንን ስለዝኾንና ከኣ ሎሚ ኣብ ዘይርጉጽ ቤላቤለው ኪንምርኮስ ኣይግባእን ኢዩ። ብሓባርን ብሓደ ድምጽን ሬሳ ብጻይናን ሓውናን ናይዝጊ ኣብ መሬት ዓደብኡን ሃገሩን ኪድበ ኪንጽውዕ ይግባእ። ብዓቢኡ ነቶም ኣብዚ ቕንያት እዚ ምስ መላኺኦም ኣብ ኣኼባ ዝቐነዩ ኣባላት ካቢኔ እዚ ነውሪ እዚ ነውሪ ኢሳይያስ ጥራሕ ዘይኮነ ነውሪ ኩላቶም ሓለፍቲ ስለዝኾነ ዕሕሕ ኪብሉ እላቦ።
ሳሙኤል ገብረሂወት (ዓካ-ዓካ)