Prisoners death records  

 

 

 

 

 

 

W.Haile
Mysterious death of Ibrahim Afa
Mysterious death of Abraham Tewelde

Liquidation in the ELF
index sitemap advanced
2024-04-25

 

 

 

 

 

 

ኣብ ኢትዮጵያ/ትግራይ ዘለዋ ኤርትራዊያን ደቂ ኣንስትዮ ስደተኛታት ኣዋልድ ዝረኽበ ኦ ዘለዋ ጸገም።


ማሕበራት ደቂ ኣንስትዮን ፤ ፖለቲካ ተቓወምቲ ውድባትን፤ ብዛዕባ ኣብ ሃገር ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ኣማዕዲኻ መደረ ካብ ምግባር ኣብ ስደት ዝርከባ ደቂ ኣንሰርዮ፤ብሕልፊ “ኣክሰስ” ክርከብ ኣብ ዝካኣል ሀገር ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ሃገራት ዘለዋ “ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ዘጓንፈን ዘሎ ጸገም “ፎከስ/ጠመተ” ምግባር ዶ ኣይነሓሸን? source from Getachew Reda who is the editor of Ethiopian Semay weblog and the periodical Amharic magazine

Excrept from Getachew Reda comment wrote in Tigryina ዝገረመኒ ግና ፤ ካብዞም ኩሎም ዝተ ሰነዱ ጹሑፋትን፤ቪዲዮታትን ኮነ ብመደረ ዝተፈነው  ተዘክሮታት ፤ “ዋላ እኳ ሓንቲ !” ኣብ ኢትዮጵያ “ኣብ መዑቆቢ ስደተኛታት”  ናብ ዝኾነ ይዅን  ቦታ ‘ከይወጻ ተዓጊተን’ ከም  እንሰሳ ዘገዳም ተዳጒነን፤ “መእተዊ ማሃያ ሰራሕተኛታት’
ኰይነን“ ብቱዃን፤ብቑኝጪ፤ ብዕንቅርቢትን፤ብሳሬትን ” እንዳተነድፋ ‘ዳረን’ ዝርእያ ዘለዋ  ብዕድመ ኣዚየን ኣናእሽቱ ዝኾናን፤ ካብኡ ሓሊፉ ገሊኤን ኣብ ምውላድ ዝበጽሓ ኣናእሽቱ  ኣዋልድ ክርስትያንን ኣስላምን ኤርትራዊያን ደቂ ኣንስትዮ  ብዝምልከት ዘሕልፈኦ ዘለዋ  ስቅያትን፤ ነቲ መከራ ፍታሕ ንምእላሽ  ዝተገብረን ክግበር ዘለዎን ጠመተ ከይተገብረሉ
ምሕላፉ ኣዝዩ ኣ ገሪሙኒ አሎ

ካብ ስርዓት ኢሳያስ ሃዲማ፤ ኣብቲ መዕቆቢ ስደተኛታት (ዓዲ ሓሪሽ) ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን እትነብር ዘላ ካብ ኤርትራ ስድራ ቤት ዝተወልደት ጓል ጓለይ ኣላ። ስርዓት ወያነ “ብስም ጉዳይ ሃገራዊ ጸጥታ” ኢሉ ብዘመኽንዮ ሓንካስ ምኽንያታት፤ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ከም ኡሱራት ተራዮም (Hostage በሉዎ)
ካብ’ ቲ ዝነብሩሉ ዘለው ከርፋሕ ናብራ ናብ ካልእ ከባቢ ከይወጻን ከይዋሳወሱን ካብ ዝእገድ ሓያለ ኰይኑ ኣሎ
. readmore

Radio Erena: February 12, 2014

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሰንኪ ሸለልትነት ሰራሕተኛታት UNHCRን ARRAን ብዙሕ ዕንቅፋት የጋጥሞም ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

source http://assenna.com/July 28 2016

እቶም ብሰንኪ ኣዕናዊ ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ ናብ ስደት ኣምሪሖም ኣብ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ተዓቚቦም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብሰንኪ ሸለልትነት ሰራሕተኛታት UNHCRን ARRAን ብዙሕ ዕንቅፋት የጋጥሞም ከምዘሎ ምንጭታት ካብ`ቲ ሃገር ሓቢሮም። እዞም ኣዴታትን ህጻናትን ዝበዙሑዎም ስደተኛታት ኣብ

እቶም ብሰንኪ ኣዕናዊ ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ ናብ ስደት ኣምሪሖም ኣብ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ተዓቚቦም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብሰንኪ ሸለልትነት ሰራሕተኛታት UNHCRን ARRAን ብዙሕ ዕንቅፋት የጋጥሞም ከምዘሎ ምንጭታት ካብ`ቲ ሃገር ሓቢሮም።

እዞም ኣዴታትን ህጻናትን ዝበዙሑዎም ስደተኛታት ኣብ ሃገሮም ዝሰኣኑዎ ሕጋዊ መስርሕ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤታትን ዝተፈላለዩ ካልኦት ጉዳያትን ንምስላጥ ኣብ ኤምባሲታት ቆጸራ ሒዞም፡ እቲ ዘድልዮም ናይ ስደተኛ ናይ ድጋፍ ወረቓቕቲ ካብ ቤት ጽሕፈታት UNHCRን ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ስደተኛታት (ARRAን) ብግቡእ ኣብ ሰዓቱ ንኸይረኽቡዎ እቶም ሰራሕተኛታት ዕንቅፋት ይኾኑዎም ስለዘለዉ፡ ናይ ኤምባሲ ቆጸራታት ይሓልፎምን ጉዳዮም ይተኣጓጎልን ምህላዉ እቶም ምንጭታት ይሕብሩ።

ኣደታት ደቀን ሒዘን ካብ ርሑቕ ሰፈራት ብለይቲ ገስጊሰን ኣብ’ቲ ቤት ጽሕፈታት ናይ’ዞም ዝተጠቕሱ ትካላት ብምብጻሕ ሪጋ ሰሪዐን ዋላ`ኳ ክጽበያ እንተዋዓላ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ዘይግደሱን ዘይሓላፍነታውያንን ብሙዃኖም ብመንጽር እቲ ሪጋ ሒዙ ዝጽበዮም ኣዝዩ ብዙሕ ስደተኛ ተጊሆም ስለ ዘይሰርሑ፡ ከይሰለጠን ከምዝምለሳን ንጽባሒቱ ድማ ናብ’ቲ ቦታ ክምለሳ ከም ዝግደዳን፡ ብኸምዚ ኣገባብ ብዘይ ዋላ ሓንቲ ፍረ ንወርሒ መመላእታ ዝተመላለሳ ኣደታት ከምዘለዋ ይገልጻ” ክብሉ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ የረድኡ።

ብምኽንያት እቲ UNHCRን  ARRAን) ብሓባር ኮይኖም ዘካይዱዎ ዘለዉ ካብ ዝጅመር 2ተ ኣዋርሕ ዘሕለፈ ቆጸራ ስደተኛታት ማለት ምሕዳስ ዳታ Revalidation ኣብ`ቲ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈታት ዝተኸስተ ምዕልቕላቕ ስደተኛታት፡ ተጉላባነት ናይ’ቶም ሰራሕተኛታት ተሓዊስዎ መሊሱ ከምዝብኣሰን ዋላ ነታ መንበሪ ፍቓድ ንምሕዳስ ኮለል ከምዘብሉዎምን ውን ተፈሊጡ’ሎ።

እቶም ኣብ መዓስከራት ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ ብተመሳሳሊ ናይ ኤምባሲታትን ምቱርጓም ዶኲመንታትን ኣገልግሎት ንምርካብ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንኽመጹ በቶም ኣብ ደገ ዝቕመጡ ቤተ-ሰቦም ዝስደደሎም ናይ ቆጸራታትን ናይ ፕሮሰስን ወረቓቕቲ ኣብ ሳዓቱ ስለ ዘይበጽሖምን እንተበጽሐ ውን ኣብ’ቲ ቤት ጽሕፈታት ስለ ዝዕበጥ ናይ ኤምባሲ ቆጸራ ከምዝሓልፎምን ካልኣይ ግዜ ቆጸራ ንምሓዝ ከምዝሽገሩን ንጉዳይ ወረቐቶም ክሓቱ ናብ’ቲ ቤት ጽሕፈታት ምስዝኸዱ ድማ ግቡእ መልሲ ኣይረኽቡን ጥራይ ዘይኮነ ተዋሪዶምን ተጸሪፎምን ከምዝወጹ ይገልጹ።

ብዘይካ`ዚ ኤምባሲ ጀርመን ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ቪዛ ንኽህብ ብ UNHCR ዝዳሎ ፍሉይ ናይ ጉዕዞ ሰነድ (travel document) ስለ ዝሓትት፡ ስደተኛታት ነቲ ሰነድ ደልዮም ናብ ቤት ጽሕፈት UNHCR ምስከዱ እታ ነዚ ናይ ሰነድ ጉዳይ ሒዛቶ ዘላ ኣሰፋሽ ዝተባህለት ሰራሕተኛ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘለዋ ውልቃዊ ጽልኢ መበገሲ ብምግባር፡ ብግቡእ ከምዘይተስተኣናግዶምን ውርደት ኣሰኪማ ከምትሰዶምን ህጻናት ዝሓዛ ኣዴታትን ኣረገውትን ሓዊስካ ብዙሓት ስደተኛታት ዓው ኢሎም ከምዘማሩሩዋ ተፈሊጡ ኣሎ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ቪዛ ዝሓረረን ኤርትራውያን ኣዴታት ከምዘለዋ እቶም ምንጭታት ይገልጹ።

እቶም ካብ’ቲ ቦታ ነዚ ሓበሬታ ዝሰደዱልና ምንጭታት “ሕጂ ውን እዚ ሽግራት’ዚ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዝጣበቐሉ ዘይብሉ ኤርትራዊ ስደተኛ ብኸም’ዚ መልክዑ ይቕጽል ከምዘሎን፡ እናባኣሰ እንተኸይዱ ድማ፡ ኣብ ቀጻሊ ብድምጽን ስእልን ዝተሰነየ ጸብጻብ ከነቕርብ ኢና” ክብሉ ተመባጺዖም ኣለዉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ንዘምለጡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ልዕሊ ምዕቋብ፣ ነቶም ከም ግብጺ ካብ ዝኣመስላ ሃገራት ናብ ኤርትራ ናይ ምጥራዝ ሓደጋ ዘጋጠሞም ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምቕባል ዘርኣዮ ሰናይ ተግባር ዘይካሓድ ኳ እንተኾነ፣ እቶም ስደተኛታት ግን ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሕ ምምሕዳራዊ ጸገማት ከምዘጋጥሞም ብተደጋጋሚ የማርሩ።

 

ኣብ ቤት ፍርዲ ወረዳ ጸለምቲ ንውሳኔ ካብ ዝቐረቡ ሸሞንተ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ካብ ኣርባዕተ ዓመት ክሳብ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ክእሰሩ ተበይንሎም

 

ብጉዳይ ምልዕዓል ኤርትራውያን ተቓውሞ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ገበነኛታት ተባሂሎም ብሰኑይ 10 ለካቲት ኣብ ቤት ፍርዲ ወረዳ ጸለምቲ ንውሳነ ካብ ዝቐረቡ ሸሞንተ ኤርትራውያን ስደተኛታት እቶም ሰለስተ ነፍሲ ወከፎም ኣርባዕተ ዓመት ክእሰሩን 7 ሽሕ ብር ክኽፍሉን ክብየነሎም እንከሎ፣ እቶም ሰልስተ ድማ ነፍሲ ወከፎም ሓደ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ክእሰሩን 3 ሽሕ ብር ድማ ክኸፍሉን ተበይንሎም ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም። ንኽልተ ድማ ናጻ ኣፋንዩዎም።

ብመሰረት እቲ ተዋሂብዎም ዘሎ ብይን፣-

 1. ኤፍሬም ይሕደጎ ወልደገብርኤል
2 ዳኒኤል ሚካኤል ተስፋይ
3. የዕብዮ ትንሱእ ሓደራ፣ ነቲ ብ5ን 6ን ጥቕምቲ ኣብ መዓስከር ማይ ዓይኒ ዝተላዓዓለ ተቓውሞ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብምውዳቦምን ብሰንኩ ድማ ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ብምብጽሑን ነፍሲ ወከፎም ኣርባዕተ ዓመት ክእሰሩ፣ ሸውዓተ ሽሕ ብር ድማ ክኸፍሉ’ዮም።

ኣብቲ ዝተኻየደ ተቓውሞ ተሓባበርቲ ኔርኩም ዝተባህሉ፣-

4. ኣማኑኤል ሓድገምበስ ተስፋማርያም
5. ሙሴ እሰይ ሰ

 

ኣበይ ኣሎ ኢሰያስ?

ብህይወት ኣብ ስቱር ቦታ ከም ዘሎ ርግጸኛ እኳ እንተዘይኮንኩ ደሓን ከም ዘሎ ግን ሰሚዔ ኣሎኹ። እቲ ሕቶ ግን ንሱ ኣይኮነን፡ ሓውና ኢሰያስ ኩላትና ከም እንፈልጦ ካብቶም ንምንቅንቓስን ውዳበን ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ዝነጠፉ ሓደ ኢዩ። ኣብዚ ከየብቀዐ ቃልሱ ንምቕጻል ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ ሓደ ካብቶም መስረቲ ናይ “ስምረት” ኮይኑ ክዋሳእን ክነጥፍን ዝጸንሔ ንጡፍ ተጋዳላይ ኮይኑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሕጂ ግን፡ ኣብ መንጎ መሪሕነት ስምረት፡ ዘይምርድዳእ ስለ ዝተፈጥረን ፍልይ ዝበል ርእይቶን ስለ ዝሓዘ ጥራይ ንህይወቱ ኣብ ዘስግእ ኩነታት በጺሑስ ንርእሱ ክከላኸለሉ ኣብ ዘይክእለሉ ደርጃ ይርከብ ኣሎ ይበሃል።
ግን ስለምንታይ ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ ደረጃ ተበጺሑ? መሪሕነት ስምረትከ? ስለምንታይዩ ብዛዕባ ኢሰያስ ትም ኢሉ ኣጽቂጡ ዘሎ? ዘይምርድዳእ እንተሎ ኾይኑኸ ንምንታዩ ብስቱር ክፈትሖ ዘይፈተነ? ኣብ ፖለቲካ ክትነጥፍ ከሎኻ ኩሉ ሰብ ሓደ ዓይነት ርእይቶ ኣለዎ ማለት ኣይኮነን፡ ኮይኑ ግን፡ ንዘየረዳድኣካ ነጥቢ ኣብ ጣውላ ኮፍ ኢልካ ክትፈትሖ ምፍታን እቲ ብሉጽ መፍትሒ ናይ ዘይምርድዳእ ኢዩ። ብምርድዳእ እንተዘየሰሊጡ ከኣ ብድምጸ ኣብዝሆ ውሳኔ ተመሓላልፍ። ንነገራት ብምርድዳእን ብምጽውዋርን ጥራይ ኢኻ ክትፈትሖ ዘሎካ እምበር ንዘይተረዳድኣና ውልቀ ሰብ ይኹን ጉጅለ፡ ናይ ምንጻልን ምቕንጻልን ስጉምቲ እንወስድና ነገራት ክንፈትሕ እንተደኣ ጀሚርና ግን፡ መቐጸልታ፡ ናይቲ ኢሰያስ ካብ ሰብዓታት ጀሚሩ ክሳዕ ሕጂ ዘተግብሮ ዘሎ ንጥፍኣትና ዝዓለመ ሰራም ውዲት ስለ ዝኾነ፡ ካብ ሕጂ ጀሚርና ክንከታተሎ ኣሎና። ዓላማና፡ ንውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣውሪድና ካልእ ውልቀ መላኺ ኣብ ቦታኡ ንምትካእ ከምዘይኮነ ክፍለጥ ይግባእ። ምደብና ብስርዓተ ዲሞክራሲ ዝትከል መንግስቲ ንምምስራት ኢዩ፡ ስርዓት ዲሞክራሲ ከኣ መንግስቲ ምስ ተኸልካ እትጅምሮ ዘይኮነስ እናተቓለስካ እተዕበኻዮ መስርሕ ኢዩ። ገና ንዲሞክራሲ ምቅላስ ክትጅምር ከሎኻ ከኣ ኢዩ ጉዕዞ ዲሞክራሲ ዝጅመር።
ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ ኢሰያስ ወዲ ሞባእ ክሓትት ከለኹ ከም ኤርትራዊተቓላሳይን ከም ሓወይን ዘገድሰኒ እኳ እንተኾነ፡ ዝያዳ ግን ብዛዕባ ኩሉ ኤርትራዊ ተቓላሳይን ምንቅስቓሳቱን ኣገዲሱኒ ይጽሕፍ ከምዘሎኹ ክፍለጥ ይግባእ። ሃለዋት ኢሰያስ ክፈልጥ ምጽሓፈይ ብዛዕባ ኢሰያስ ጥራይ ንኹሉ ብኸምዚ ዓይነት ኣጸጋሚ ኩነታት ንዝሓልፍ ተቓላሳይ፡ ሃለዋቱ ክንፈልጥን ክንጣበቐሉን ሃገራዊ ሓላፍነት ከም ዘሎና ንምዝኽኻር ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ዝፈልጥን ሓላፍነት ዝወስድን ኣካል ከኣ ብግልጺ ብዛዕባ ኢሰያስ ዘዕግብ መግለጺ ክወሃብ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣሎኒ፡ ተቓለስትናን ብሕቡእ ተሃሪሞም ክሓቁን ክጠፍኡን ከለዉ ትም ኢልካ ምርኣይ ከብቅዕ ኣለዎ። እግዚኣብሄር ንህዝቢ ኤርትራ ይባርኽ!!
“ኣምላኽ ሰማይ ኬቕንዓልና ኢዩ፡ ንሕና ባሮቱ ከኣ ተንሲእና ክንዓዪ ኢና”። ነህ.2፡20 source Teame Berhehttps://www.facebook.com/permalink.php?story_fbid=505156116291301&id=100003907525923
read more

ምሕዝነት ህዝቢ ምስ ህዝቢ እናበልካ ምስ ኢትዮጵያውያን ዝግበር ዘሎ ጓይላን ዳንኬራን ኣይግድን፡ (ካብ ፈይስ ቡክ፡፡Isayas Teklebrhan)

ሕቶና ሕቶ ጥበብ ድዩ ወይስ…………….

ኣብዚ ቅንያት እዚ ምሕዝነት ህዝቢ ምስ ህዝቢ እናበልካ ዝግበር ዘሎ ጓይላን ዳንኬራን መቸም ገሌና ብማዕከናት ዜና፡ ገሌኹም ድማ ብኣካል ተኻታቲልኩምን ተኻታቲልናን ኢና፡፡
ዝኸበርኩም ኤርትራውያን፡ መትከላዊ እምነት ሃገራውያን ኤርትራውያን፡ ኤርትራ ነብሳ ዝኽኣለት ልዑላዊት ሃገር ኢያ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ልዑላውን ልዑላውን ኢዩ።
ኤርትራ ብታሪኽ ኣካል ኢትዮጵያ ኮይና ኣይትፈልጥን። እቲ እንኮ ብዓመጽ ሃጸይ ሃይለስላሴ ብምስምስ ፈደረሸን ዝኣተወቶ ናይ ዓሎቕ ቃልኪዳን ጥራይ።
እሞ ድኣ እንታይ ሓድሽ ነገር ስለ ዝተረኽበ ሕጂ፡ ገለ ጥበባውያን ኢና በሃልቲ ብጉልባብ ምሕዝነት ሓደ ህዝቢ ኢና እናበሉ ዝጭድሩ!! ኣይፋልኩምን ክንብብሎም ምሉእ ትብዓት ክህልወና ይግባእ፡ ካብዚ ዝተረፈ ስለ ህዝብን ሃገርን ኢና ንቃለስ ምባል ካብ ናይ ኣምሰሉ ቃላት ካልእ ኣይስምዕን። ከም እምነትናን መትከልናን ህዝቢ ኢትዮጵያ ፈታውን ጎረቤትን ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ ከምኡ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ። ግን ህዝቢ ኤርትራ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ!! ህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኢዩ። ካልእ ጥጅእን ጌሶን እንተልዩ ግን ንሰራሕቱን ነቶም ኣብ ናይ ታሪኽ ምንዝርና ክዋፈሩ ዝውዕሉ ዘሎው ኣመንዝራታት ናይ ታሪኽ ክንቃልሶምን ተቢዕና ድማ ኣይፋልኩምን ክንብሎም ይግባእ።
መተሓሳሰቢ፡

መትከላተይ ንጹር ኢዩ። ህዝቢ ዘየሳተፈ ዝግበር ምሕዝነት እንትርፎ ንጥቕምኻን ውልቃዊ ሕሳባትካን ካልእ ፋይዳ የብሉን። እንተ እዚ ዝግበር ዘሎ ዘሎ ዕውር ወፍሪ ሓታትን ተሓታትን ክህልዎ ንቡር’ዩ እሞ ብህዝብን ሃገር ዝጻወት ክኣ፡ ጽባሕ ኣብ ቅርዓት ዓድና መዛግብቲ ታሪኽና ክግንጸል ኢዩ ሞ ንጠንቀቕ
ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ባዕሉ ወሲኑ እዩ፡ ብሕጂ ዝውስን ክኣ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይን ጥራይን ኢዩ!!
ኤርትራን ኤርትራውነትን ንዘልኣለም ክነብሩ ኢዮም!!

no body has the right to stop me from writing. i do have right to express and what is in my mind. i would like to say stop stop blackmailing ppl. i do ha have an opinion difference , it must be respected. otherwise the damage will be more

ነዚ ዝርኣኹሞ ጽሑፋት ምስ ጽሓፈ ሕጂ ኣብዚኣ ኣትዩ ኣይብሃልን : ስለዚ ደቂ ኤርትራ ምስ ወያነ ኮይንኩም ራህዋ ከተምጽኡ ትሓልሙ ካብዚ ተማሃሩ :: ተኺኢልኩም ንወያነ ከምዘይናትኩም ርኢኹም ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ ኮይንኩም ቃልስኹም ግበሩ :: ወያነን ህግድፍን ክልተ ገጽ ናይ ሓደ ሳንቲም እዮም :: ብጀይካ እዚ ካብቶም ካብ እስራኤል ክንቃለስ ኢና ኢሉ ዝወረደ ጡዕሙዝጊ ሃይሉ ዝተባህለ ኣቦ መንበር ናይ መደፈአ ካብ ዝተወሰነሉ ቦታ ከይወጽእ ብኣባላት ጸጥታ ወያነ ተነጊርዎ ከምዘሎ ነረጋግጸልኩም :: እዚ ዝኸዉን ዘሎ ድሕሪ ናይ ሰራዊት ሕድሪ ጉባኤ ኣኼባ ረጊጹ ምዉጽኡ ምኻኑ ንሕብረኩም:: እዚ ድማ ብትእዛዝ ላዕለዋይ መርሒነት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ከምዝተፈጸመ ነረጋግጸልኩም::ጌና ካልእ ምዕባሌታት ኣብ ዝመጽእ ተኸታትሉ

ኢሰያስ ተኽለብርሃን ኣባል ማ.ሽማግለ ስምረት ምንቅስቃስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ኮይኑ ኣቐዲሙ ካብ እስራኤል ናብ ኢትዮጵያ ምሉእ ግዝየይ ክቃለስ እየ ብምባል ዝወረደ እዩ :: እንተኾነ ብሰብኪ ፖለቲካዊ መርገጺኡ ምስ ኣቦ መንበር ናይቲ ዉድብ ኣቶ ተስፉ ኣጽብሃ ክስሓሓብ እዩ ጸኒሑ:: ንሱ ክሓቶ ዝጸንሐ ኣብ ስ.ም.ኤ.ድ.ሃ. ተሓታትነት : ግሉጽነትን የለን :: ስ.ም.ኤ.ጥ.ሃ. ፖሎቲካዊ መርገጺኡን ኣካያድኡን ምስ ኢትዮጵያን ብተደጋጋሚ ክሓትትን ከዕዘምዝምን እዩ ጸኒሑ :: ናይዚ መርኣያ ድማ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ዓምዲ ፋይስቡክ ቀጺሉ ዝቐርብ ጽሑፋት ኣስፊሩ ንረኽቦ:: ድሕሪዚ ጽሑፋት ምቕራቡ ብመንነቶም ዘይፍለጡ ሰባት ተሃሪሙ ሕጂ ኣበይ ከምዝኣተወ ዝተፈልጠ የለን :: በዚ ጉድይዚ ዝሕተት መርሒነት ስ.ም.ኤ.ድ.ሃ. ክሳብ ሕጂ መግለጺ ከምዘይሃበን : ክዓብጦ ይፍትን ከምዘሎን ካብ ኢትዮጵያ ዝመጸና ሓበሬታ የረድእ:: ኢሰያስ ተኽለብርሃን ኣባል ፈጻሚት ሽማግለን ሓላፊ ክፍሊ ዜናን ኮይኑ : ኣብ ፈነወ ሬድዮ ናይቲ ዉድብ ክሰርሕ ዝጸነሐ እዩ:: ስለዚ ኩሉኹም ግዱሳት ኤርትራውያን ወያነ ከየሕቀቕዎ ከለዎ ድሃዩ ክትገብሩ ንላበወኩም :: ዳሃይ ካብ ዘጥፍእ እንሆ ሕጂ ልዕሊ 10 መዓልቲ ገይሩ ኣሎ :: ናይዚ መርኣያ ኣብዘን ዝሓለፋ ምዓልታት ፈነወ ሬድዮ ናይቲ ዉድብ ተኸታተሉ : ብኻልእ ሰብ እዩ ተፈንዩ :: ኣቐዲሙ ሓደ ኣባል መርሒነት በረኸት ገዛኢ ዝተባህለ ነባሪ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኾነ ግዕዙይ ኣሰራርሓ ናይቲ ዉድብ ዝኹንን መግለጺ ከምዝሃበ ይዝከር ::

ኢሰያስ ተኽለብርሃን (ወዲ ሞባእ) ገለ ካብ ክጽሕፎም ዝጸንሐ ጽሑፋት ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓደ እየን ዝብል ተቓዉምኡ ዝገልጽ ብምጽሓፉን : መርገጺ ኢሂወደግ ኣብ ተቓዉሞ ደንበን ኢድ ኣታኣታታውነትን ይኹንን ::ንዝርዝራቱ እዚ ዝስዕብ ተኸታተሉ ::

Isayas Teklebrhan

November 23 at 2:08pm ·

ሕቶና ሕቶ ጥበብ ድዩ ወይስ…………….
ኣብዚ ቅንያት እዚ ምሕዝነት ህዝቢ ምስ ህዝቢ እናበልካ ዝግበር ዘሎ ጓይላን ዳንኬራን መቸም ገሌና ብማዕከናት ዜና፡ ገሌኹም ድማ ብኣካል ተኻታቲልኩምን ተኻታቲልናን ኢና፡፡
ዝኸበርኩም ኤርትራውያን፡ መትከላዊ እምነት ሃገራውያን ኤርትራውያን፡ ኤርትራ ነብሳ ዝኽኣለት ልዑላዊት ሃገር ኢያ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ልዑላውን ልዑላውን ኢዩ።
ኤርትራ ብታሪኽ ኣካል ኢትዮጵያ ኮይና ኣይትፈልጥን። እቲ እንኮ ብዓመጽ ሃጸይ ሃይለስላሴ ብምስምስ ፈደረሸን ዝኣተወቶ ናይ ዓሎቕ ቃልኪዳን ጥራይ።
እሞ ድኣ እንታይ ሓድሽ ነገር ስለ ዝተረኽበ ሕጂ፡ ገለ ጥበባውያን ኢና በሃልቲ ብጉልባብ ምሕዝነት ሓደ ህዝቢ ኢና እናበሉ ዝጭድሩ!! ኣይፋልኩምን ክንብብሎም ምሉእ ትብዓት ክህልወና ይግባእ፡ ካብዚ ዝተረፈ ስለ ህዝብን ሃገርን ኢና ን…ቃለስ ምባል ካብ ናይ ኣምሰሉ ቃላት ካልእ ኣይስምዕን። ከም እምነትናን መትከልናን ህዝቢ ኢትዮጵያ ፈታውን ጎረቤትን ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ ከምኡ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ። ግን ህዝቢ ኤርትራ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ!! ህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኢዩ። ካልእ ጥጅእን ጌሶን እንተልዩ ግን ንሰራሕቱን ነቶም ኣብ ናይ ታሪኽ ምንዝርና ክዋፈሩ ዝውዕሉ ዘሎው ኣመንዝራታት ናይ ታሪኽ ክንቃልሶምን ተቢዕና ድማ ኣይፋልኩምን ክንብሎም ይግባእ።
መተሓሳሰቢ፡


መትከላተይ ንጹር ኢዩ። ህዝቢ ዘየሳተፈ ዝግበር ምሕዝነት እንትርፎ ንጥቕምኻን ውልቃዊ ሕሳባትካን ካልእ ፋይዳ የብሉን። እንተ እዚ ዝግበር ዘሎ ዘሎ ዕውር ወፍሪ ሓታትን ተሓታትን ክህልዎ ንቡር‘ዩ እሞ ብህዝብን ሃገር ዝጻወት ክኣ፡ ጽባሕ ኣብ ቅርዓት ዓድና መዛግብቲ ታሪኽና ክግንጸል ኢዩ ሞ ንጠንቀቕ
ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ባዕሉ ወሲኑ እዩ፡ ብሕጂ ዝውስን ክኣ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይን ጥራይን ኢዩ!!
ኤርትራን ኤርትራውነትን ንዘልኣለም ክነብሩ ኢዮም!!
ሓርነትና ናይ ግድን‘ዩ!!

Isayas Teklebrhan

November 25 at 3:47pm ·

መትከላዊ እምነትካ ምንጻር እቲ ቅኑዕን ሓራን ፖሎቲካዊ ውሳነ ኢዩ!!


ሓራን ቅኑዕን ፖሎቲካዊ መስመር፡ እቲ ሓደ መለለዪ ዝኾነ ዓይነት ፖሎቲካዊ ቃልሲ ኢዩ። እዚ ማለት ፖሎቲካዊ መንነትካ ዓቂብካ፡ ሓራን ቅኑዕን ቃልሲ ምክያድ ማለት ኢዩ።
ኣብዚ እነካይዶ ዘሎና ቃልሲ፡ መሻርኽቲ(ፈተውቲ) ኣሎውና ካብ ንብል ብዙሕ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። ይኹን እንበር ዝምድናና ዘይንጹርን፡ብኣንጻሩ ንሕና ከም መሻርኽቲ(ፈተውቲ) ንቖጽሮም፤፤ ንሶም ግን ከም ፈተውቶምን መሻርኽቶምን ካብ ዘይቆጽሩና ነዊሕ ኣሕሊፉ ኣሎ። እዚ ዘርእየካ ንጹርን ሓራን ዝኾነ ፖሎቲካዊ መስመር ዘይምውናን ኢዩ። ብሕጽር ዝበለ መሻርኽቲ ቃልስና ንብሎ ዘሎና ኢህወደግ ኢዩ። ኢህወደግ ቃልሱ ካብ ዝጅምር ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ፡ ቅኑዕ ሕቶ ኢዩ ብምባል ከምቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጎኒ ቃልሱ ዝተሰለፈ፡ ኣብ ጎ…ኒ ቃልስና ተሰሊፉ ኢዩ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ቅኑዕ ኢዩ ብምባል ኣትሪሩ ትቓሊሱ ኢዩ። ናቱ ዝኽኣለ ከም ምዃኑ መጠን እቲ ታሪኽ እናተዘከረን እናተጻህፈን ክነብር ኢዩ። መርኣያ ናይዚ ድማ ኣብዚ እነካይዶ ዘሎና ቃልሲ፡ ከም መሻርኽቲ ነቲ ደመኛ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ህግደፍ፣ ንምጥፋእ ነካይዶ ዘሎና ቃልሲ መሬቱ ብምሃብ ክንቃለሰሉ ፈቒድሉና ኣሎ።
ይኹን እንበር ኣብዚ ነካይዶ ዘሎና ቃልሲ፡ ምሉእ ደገፍ ይገብረልና ኣሎ ክትብል ኣጸጋሚ ኢዩ፣ እንታይ ድኣ ዋናን ቀላስን እዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ’ዩ እንተበልና ምግናን ኣይኮነን። ነዚ ነካይዶ ዘሎና ቃልሲ ልዕለና ዋና ኮይኑ ክርአ ዝፍትን ካብ ድኻም ሓሊፉ ዘምጽኦ ለውጢ ከምዘይብሉ ክኣምን ይግባእ።


እዚ መስመር እዚ( ነካይዶ ዘሎና ቃልሲ) ቅኑዕን ሓራን ኣይኮነን። ደንበ ተቛውሞና ብሳንቡኡ ክተንፍስ ካብዘይክእል ሓያል ዓመታት ኣቕጺሩ ኣሎ። ክብርን ብቕዓትን ቃልሲ ስኢኑ ለውጢ ካብ መሻርኽቲ እናተጸበየ ስለህዝብን ሃገርን ይቃለስ ኣሎኹ ምባል ስንክልና ኣእምሮ ጥራሕ እንበር ቃልሲ ኣይኮነን። እዚ ክብል ከሎኹ ክዕረን ክስተኻከልን ዝኽእል ቃልሲ የሎን ማለተይ ኣይኮንኩን፣ የግዳስ ሓራን ነጻን ፖሎቲካዊ መስመር ብምውናን፣ ኣብ እንካን ሃባን ዝተሰረት ዝምድና ብምምስራትን፣ ድግማይ ምስ መንግስቲ ኢህወድግ መርገጺታቱ ብምርኣይን ጥራሕ ምዃኑ ከስምረሉ የድሊ። ካብዚ ወጻኢ ዝግበር ግን ካብ ሓተላ ታሪኽ ምዃን ሓሊፉ ከምጽኦ ዝኽእል ለውጢ ከምዘየሎ ክንርዳእ ይግባእ።
“ቅኑዕን ሓራን ፖሎቲካዊ መስመር እንትርፎ ብጭቁናትን ደቂ ጭቁናትን ብማንም ካልእ ሃይሊ ክረጋገጽ ኣይክእልን ኢዩ”!!
ኤርትራን አኤርትራውነትን ንዘልኣለም ክነብሩ ኢዮም!!
ሓርነትና ብሓራ መስመርና ክረጋገጽ ኢዩ!!

ተቓውሞ ኣለዓዒልኩም ብዝብል ክሲ ካብ ክልተ ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ክሳብ ኣርባዕተ ዓመታት ክእሰሩ ዝተፈርዱ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ብናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ጥራይ ተፋንዮም

Source Radio Erena: April 10, 2014

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ዓዲ ሓሩሽን ማይ ዓይኒን ዝተኻየደ ተቓውሞታት ወዲብኩም ተባሂሎም ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ 11 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝተለቑ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ካብ መዓስከር ስደተኛታት ዓዲ ሓሩሽ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ሓሙሽተ ኤርትራውያን፣ ነፍሲ ወከፎም 2 ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ክእሰሩን ብድምር ድማ 20 ሽሕ ብር ክኸፍሉን’ዩ ተበይንሎም ኔሩ።

ንሳቶም፣ ካብቲ ዝተበየነሎም ናይ ክልተ ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ማእሰርቲ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ናጻ ክልቐቑ እንከለዉ፣ እቲ 20 ሽሕ ብር ድማ ኣብ ሱዳንን ኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያን ዝርከቡ ወገናቶም ብምውጻእ ክኸፍለሎም ከምዝኸኣለ’ውን ተፈሊጡ።

 

እቶም ካብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ዝተኣስሩ ሽዱሽተ ኤርትራውያን ድማ ነፍሲ ወከፎም ክሳብ ኣርባዕተ ዓመት ክእሰሩን ብድምር ድማ 14 ሽሕ ክኽፈሉን ቤት ፍርዲ ወረዳ ጸለምቲ በይኑሎም እኳ እንተነበረ፣ ካብ ማእሰርቲ ግና ካብ ትማሊ ናጻ ተፋንዮም ኣለዉ።

ይኹን’መብር እቲ ተበይንሎም ዘሎ ብድምር 14 ሽሕ ብር መቕጻዕቲ፣ ክኽፍልዎ ዓቕሚ ስለዘይብሎም፣ ሕጂ’ውን ሓገዝ ኤርትራውያን የሕዋቶም ይሓቱ ኣለዉ።

 

ፖሊስ ኢትዮጵያ ብዝኸፈትሎም ተዅሲ ሓሙሽተ ቆልዑን ከምዘቐትሉን ሓያሎ ድማ ከምዝቖሰሉን ኣብ ናይ ትማሊ ጸብጻብ ሬድዮ ኤረና ተቓሊሑ’ዩ።

Readmore


ዓገብ መራሕቲ ኢትዮጵያ

ዓገብ መራሕቲ ኢትዮጵያ(ገብረሂወት ወልደሚካኤል)

October 29, 2013 Filed under ስነ-ጽሑፍ Posted by

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ልዕሊ ስደተኛ ኤርትራዊ ኣብ መሬት ትግራይ ኮታ(ማይ-ዓይኒ ዓዲ-ሓርሽ ወዘተ) ዝፍጸም ዘሎ ኣሰቃቒ ተግባራት ንመጻኢ ትውልዲ ኣነዋሪ ሓድጊ ምኻኑ ትዝግዕዎ ኢኹም ዝብል እምነት የብለይን። ንበዓል ሓዊስ ብነጎዳ ተኩሶ እዩ ነገራቱ። ዝሓለፈ ይኣክል። ዝሓለፈ ትመሃሩሉ’ምበር ኣይደጋገምን።

እናሓደረ ዝጉዳእ ሕዱር ዘይሓዊ ቁስሊ ናይ መራሕቲ ሻዕብያን ወያኔን ናብ ህዝቢ ቂምን ቅርሕንትን ምዝራእ ዘይሓላፍነታዊ ስጉምቲ ምኻኑ’ውን ትስሕትዎ ጉዳይ ኣይኮነን። ክሳብ ዋናታቱ ዘለዉ እቲ ቁስሊ እናሓደረ ክረክስ እዩ። ምኽንያቱ መሕበኢ፡ መመዝመዚ ስለ ዝጥቀምሉ። እዚ ውዲት’ዚ ክቃላዕ ከሎ ግን ንኹሉ’ዩ ንማንም ዝምሕር ኣይኮነን።

ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ ኤርትራ ብሓዘን ጅምላዊ ህልቂት ላምፐዱሳ ተቖሪኑ ምህላዉ ትፈልጡ ኢኹም። ኣይኮነንዶ ሓዉ ዝኾነ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ህዝቢ ትግራይስ ይትረፍ ንኣህዛብ ዓለም ብምልኡ ዘሰንበደ ተርእዮ እዩ።

እዚ ኣስካሕካሒ ተረክቦ ቅዝፈታት’ዚ ከይኣክል ምድረ-ኤርትራ ሓዊ-ረመጽ ኮይናቶ ኮታ ሓሲምዎ ዝዓበየሉ ዝፈትዎ ማይ-ቤቱ ገዲፉ ሂወቱ ንኸድሕን ንምምሕዳርኩም ኣሚኑ ፖለቲካዊ ዕቑባ ዝሓተተ ህዝቢ ኣብ ዕጹው መደበር መሰሉ ክንዲ ዝሓተተ ብሻምብቆ ብረት ክትሰሃልዎ ሃየንታ እዩ። ሻዕብያ እናኣመኽነኻ ህዝቢ ምግፋዕ ነውሪ እዩ። ንመጻኢ ትውልዲ ዕዳ እዩ። ህዝቢ ዝመርሕ ብግዝኣተ-ሕጊ ዝምራሕ ቂምን ቅርሕንት ከሰራስር ኣይነብርን። ናይ ደቁን ደቂ ደቁን መሰላት ኣኽቢሩ ይሓልፍ።

ክቡራት መራሕቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ መራሕቲ ወያኔ ትግራይ ነዚ ኣብ መሬት ትግራይ ብጉልባብ ሻዕብያ ዝካየድ ዘሎ ኣሰቃቒ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ጃለ ስደተኛታት ኤርትራውያን ህጹጽ ፍታሕ ክሳብ ሎሚ ዘይምትግባርኩም ድርብርብ ገበን እዩ። ብሂወት ሓወይ ትብሎ ህዝቢ ጸወታ ዕዳ እዩ። ሓወይ ዝብል ኣይህሰኻ’ዩ ነገራቱ።

ክቡራት መራሕቲ እትንየቱሉ ደምክራስያዊ መሰላት ኣህዛብ ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ይወርድ ምህላዉ ኣይትዘንግዑ። ሰብኣዊ መሰልን ክብሪታቱን ዶብ የብሉን። ንህዝብኻ ኢልካ እትድጉኖ ርትዓዊ ፍትሒ ንኻልኦት ኣይንፈግን። ንኹሉ ማዕረ እዩ።

  ክቡራት ተኸታተልት መፍተል ሓበረታ፥ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ መንእሰይ ብሰንኪ ጨካን ምልካዊ ምሕደራ ኢሰያስን ጭፍራኡን ርፍታ ስኢኑ ዝፈትዎ ዝዓበየሉ ማይ-ቤቱ ገዲፉ እግሩ ናብ ዝመርሖ ይሃድም ኣሎ። ብዝኸዶ ከኣ ተጋፊዑ ግዳያት ሞትን ማእሰርትን ተሳጢሑ ይርከብ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣይኮነንዶ ንዓና ንኤርትራውያንስ ንምሉእ ዓለም ዘሰንበደ ጅምላዊ ቅዝፈታት ላምፐዱሳ ጸሚዱና ቀንዩ ኢዩ። ዝሓለፈ ሰሙናት ካብ ካልእ እዋናት ዝፈለየሉ ነገራት እንተልዩ ተረክቦ ላምፐዱሳ ዋላካ ሂወት ኣሕዋትና እንተሰኣና ንዝሓለፈ ጥፍኣት ሂወት ኤርትራውያን ኣብ ምሉእ ዓለም ኣጋሊጹ እዩ።

ስለዚ ምስ ምሉእ ሓዘና ሬሳታት ላምፐዱሳ ሬሳታት ጥራሕ ዘይኮነስ ህያው ሬሳታት ብምኻኑ ኣቓልቦ ምሉእ ዓለም ስሒቡ እዩ።ነዚ ስሕበት’ክንኩስኩሶ ይግባእ። ዘጋጠመና ብሱል ኩነታት ክንዲ ንጥቀመሉ ዘዘሊሉና ሓሊፉ እዩ። ናይ ሎሚ ግን ክዘለና የብሉን። ተሃወስትን ረሳዕትን ምኻን ንግደፎ።

ክቡራት ተኸታተልቲ መፍተል ሓበረታ፣ ናይ ሎሚ ቀንዲ ንቑለይ እዚ ዝስዕብ እዩ።

      ብቕድሚት ምራን ሓነቖ

      ብድሕሪት ዕርፊ ጠወቖ

      ኣብ መንጎኡ ንነዊት ጨነቖ

ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን፡ ኤትራዊ ዜጋ ኣብ ሃገሩ ሓሲሩ ካብ ሃገሩ ምስ ወጸ’ውን ተዋሪዱ ኮታ ብኹሉ መኣዝናቱ ይልካዕ ምህላዉ ካብ ማንም ዝተሰወረ ኣይኮነን። ኣብ ሃገሩ ዘይከበረ ኣብ ሃገር እንዳማቱ ክኸብር ማለት ዘበት እዩ።

እዚ ኮነ እቲ ሰብ ዝኽእሎ እዩ ዝገብር’ሞ፡ ኣብ ዓዲ ሕግን ፍትን እንነብር ኤርትራውያን፡ ንስቅያት ራዕድን ሽበራን ኣብ መደበር ስድተኛታት ኤርትራውያ ብተጋሩ ኣሕዋትና ዘጋጥሞም ዘሎ ሽቑጥቑጥ ጠጠው ንኸብልዎ ኣብ ዘዘለናዮ ሃገራት ኣብ ቅድሚ ኢምባሲ(Embassy) ሃገረ ኢትዮጵያ ብመልክዕ ስላማዊ ሰልፊ ዓገብ ንበል። ኣእዳውና ኣጣሚርና ተዓዘብትን እህህ በሃልትን ኣይንኹን።

ገብረሂወት ወልደሚካኤል

13-10-25 ስቶክሆልም

Share This Postread more


Crimes committed against Eritreans during the border conflict by Woyane's leaders

 

ዘደንጹ ዜና ካብ ኣዲስ ኣበባ! ከመይ ገይሩ እዩ ሓደ ዝተበደለ ህዝቢ ንበዳሊ ይቕሬታ ዝሓትት?

By eritreancdm on October 28, 2013

አዲስ አበባ ፣ ጥቅምት 15፣ 2006 (ኤፍ.ቢ.ሲ) በትግራይ ክልል የሚገኙ ኤርትራውያን ስደተኞች ባለፈው ወር በተለያዩ የስደተኛ ጣቢያዎች ለተፈጠረው ረብሻ የኢትዮዽያን መንግስትና ህዝብን ይቅርታ ጠየቁ። በትግራይ ክልል በሚገኙ አራት የስደተኛ መጠለያ ጣቢያዎች የሚገኙት እነዚህ 25, 000 የሚጠጉ ስደተኞች በጥቂት ስደተኞች አቀናባሪነት ተፈፅሞ የነበረው ሁከት እንደማይወክላቸው ገልፀዋል። ረብሻውን ያቀነባበሩትም ጥቂት የሻቢያ ተላላኪዎች ናቸው ብለዋል ስደተኞቹ። የሻዕቢያ እጅ እንዳለበት የተገመተውና ይህ ሁከትም ኢትዮጵያ ለስደተኞች የምትመች አገር አይደለችም የሚለውን ምስል ለመፍጠር ታስቦ እንደተፈፀመም ሰልፈኞቹ የገለፁት። ስደተኞቹ በአብዛኛው ከ19 እስከ 35 ባለው የዕድሜ ክልል ውስጥ የሚገኙ ሲሆኑ፥ የኢትዮጵያ መንግስትም በርከት ላሉ ኤርትራዊያን ስደተኞች በአሜሪካ ፣ ካናዳ እንዲሁም አውስትራሊያ መንግስት ድጋፍ የትምህርት እና የሙያ ስልጠና እንዲያገኙ ተደርጓል።

በታደሰ ብዙዓለም

http://www.fanabc.com/index.php?option=com_content&view=article&id=5985%3A2013-10-28-05-00-34&catid=102%3Aslide

About these ads

 

Ethiopian Authorities Shoot at Refugees at Mai Ayni and Adiharush

Wednesday, 09 October 2013 02:34 Release Eritrea

Ethiopian Authorities Shoot at Refugees at Mai Ayni and Adiharush


(Shire 08-10-2013) Refugee  Community leaders in camps in Ethiopia have reported that Ethiopian Federal police have opened fire at protesting refugees, it is feared that there have been fatalities among the wounded. 

Home to many thousands of Eritrean refugees, Mai Ayni and Adiharush are United Nations refugee camps situated close to the border with Eritrea.  With their residents far exceeding their capacities, and growing by the week as more Eritreans arrive, conditions in the camps have been deteriorating for some time. 

At the end of last week, tired of their living conditions, hundreds came out in protest in Mai Ayni camp to call for their rights as refugees to be respected.  The authorities within the camp called in the Ethiopian Federal Guard, who subsequently opened fire on the protesters, injuring four, one of whom seriously.  Yesterday, protesters in Adiharush began a similar protest, and their defiance was swiftly dealt with in the same way, with this time six injured, and one protester killed.

This morning, at around 8am, approximately one hundred Eritrean community representatives went to the camp authorities in Mai Ayni, asking for answers on why unarmed protesters had been shot.  All one hundred representatives were arrested.  Later, sixty were released to return to their people, in an attempt to quell the unrest that was bubbling in the camp, but the other forty – which included two women – have been taken to an unknown location and have not been heard from.

We call upon the Ethiopian authorities to immediately release these men and women, and for the rights of refugees in Ethiopia – especially within the refugee camps – to be respected and upheld, in accordance with the Convention relating to the Status of Refugees and the Universal Declaration on Human Rights.  We call for an investigation into the shooting of unarmed refugees in a UN camp, and action to be taken where necessary to bring to justice those responsible for the shootings.

--- end---

Release Eritrea is a UK based human rights charity
For further information please contact: halawihawey@yahoo.com

 
ኣብ ማይ ዓይኒ ዝጀመረ ተቓውሞ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ዓዲ ሓሩሽ’ውን ልሒሙ

https://www.facebook.com/resoum.kidane/posts/741033575922035

ኤርትራውያን ተዓቝቦምሉ ኣብ ዝርከብ መዓስከረ ስደተኛታት ማይዓይኒ ዝጀመረ ሰልፊ ናብ መዓስከር ዓዲ ሓሩሽ’ውን ከምዝልሓመ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብቲ መዓስከር ኣረጋጊጾም።



እቲ ሎሚ ንግሆ ኣብ መዕእስከር ዓዱ ሓርሽ ዝጀመረ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ፖሊስ ኢትዮጵያ ብዝኸፈትዎ ተዅሲ ብውሕዱ ሓደ ሰብ ክቕተል እንከሎ ሓያሎ ድማ ከምዝቖሰሉ ተፈሊጡ።

እቲ ብቅድሚ ትማሊ ምሸት ኣብ ማይ ዓይኒ ዝጀመረ ተቓውሞ ብመጠኑ ሃዲኡ እኳ እንተሎ፣ ነቶም ኤርትራውያን ጉዳዮም ዝሰምዕ ንስደተኛታት ዝከታተል ኣካል መንግስቲ ማለት ኣራን ወከልቲ UNHCRን ዘዕግብ መልሲ እንተዘይህቦሞም እቲ ተቓውሞ ክቕጽልዎ ምዃኖም ሓቢሮም ኣለው።

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ፣ ፖሊስ ኢትዮጵያ ብዝኸፈትሎም ተዅሲ ሓሙሽተ ቆልዑን ከምዘቐትሉን ሓያሎ ድማ ከምዝቖሰሉን ኣብ ናይ ትማሊ ጸብጻብ ሬድዮ ኤረና ተቓሊሑ’ዩ።

እቶም ኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ መሰላቶም ክሕሎ፣ ብስም ኤርትራውያን ናይ ስደተኛታት ካርድ ሒዞም ዘለዉ ኢትዮጵያይውን ካብቲ መዓስከር ክወጹ፣ ኣብቲ መዓስከር ዝፍጸም ዘሎ ገበናት መግትኢ ክግበረሉ፣ ድሕነት ኤርትራውያን ስደተኛታት ክሕሎ ዝብል ካልእ ጉዳያትን ኣልዒሎም’ዮም ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቲ ሰለማዊ ሰልፊ ብምኽንያት ዝኽሪ ናይቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሞቱ ኣስታት 130 ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተወደበ ኮይኑ፣ ኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ዘሎ ጭውያን መሸጣን ከምኡ ድማ ምስግጋርን ስደተኛታት ሓደ ካብቲ ንመዓስከራት ውሑስ ዘይግበሮ ነጥቢ ምዃኑ’ውን ኣስሚሮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መዕእስከራት ሽመልባ፣ ማይ ዓይኒ፣ ዓዲ ሓሩሽን ሰመራን ከምኡ ድማ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብሓፈሻ ልዕሊ 65 ሽሕ ኤርትራውያን ከምእተዓቕቡ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ሓይሎ ካብኣቶም ነቲ መዓስከራት እናራሕርሑ ናብ ሊብያን ግብጺን ብምስጋር ብመንገዲ ሲናይ ናብ እስራኤል ከምኡ ድማ ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምእታዉ ከምዝፍትኑ ዝፍለጥ’ዩ።

==================================

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኢትዮጵያ ብፖሊስ ዝተቐትለ ኤርትራዊ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኢትዮጵያ ብፖሊስ ዝተቐትለ ኤርትራዊ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ

ኣብ ኢትዮጵያ መዓስከር ስደተኛታት ዓዲ ሓሩሽ ብፖሊስ ዝተቐትለ ኤርትራዊ ስደተኛ ስነ ስርዓት ቀብሩ፣ ኣብ እንዳገብርኤል መቓብር ስደተኛታት ዓዲ ሓሩሽ ሓመድ ኣዳም ከምዝለበሰ፣ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ብስእሊ ኣሰንዮም ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ኣረጋጊጾም።

 

ድሕሪ እቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ገማግም ላምፔዱሳ ዘጋጠመ ሞት ልዕሊ 250 ኤርትራውያን፣ ኣብ ኢትዮጵያ መዓስከራት ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን ዝርከቡ ኤርትራውያን ንብጾቶም ንምዝካር ኣብ ዝተኣከብሉ፣ ኣብ ልዕሊ ትካል ስደተኛታት ኢትዮጵያን- ኣራን UNHCRን ዘለዎም ተቓውሞ ኣብ ዝገልጽሉ ዝነበሩ እዋን ፖሊስን ምልሻን ኢትዮጵያ ብዝኸፈትዎ ተዅሲ ብብብብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ተቐቲሎም'ዮም።

ኣብቲ መዓስከራት፣ ተቓውሞን ናዕብን ሃዲኡ እኳ እንተሎ፣ እቲ ወጥሪ ግና ኣይዘሓለን።

ኣብ ኢትዮጵያ መዓስከር ስደተኛታት ዓዲ ሓሩሽ ብፖሊስ ዝተቐትለ ኤርትራዊ ስደተኛ ስነ ስርዓት ቀብሩ፣ ኣብ እንዳገብርኤል መቓብር ስደተኛታት ዓዲ ሓሩሽ ሓመድ ኣዳም ከምዝለበሰ፣ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ብስእሊ ኣሰንዮም ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ኣረጋጊጾም።

 

ድሕሪ እቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ገማግም ላምፔዱሳ ዘጋጠመ ሞት ልዕሊ 250 ኤርትራውያን፣ ኣብ ኢትዮጵያ መዓስከራት ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን ዝርከቡ ኤርትራውያን ንብጾቶም ንምዝካር ኣብ ዝተኣከብሉ፣ ኣብ ልዕሊ ትካል ስደተኛታት ኢትዮጵያን- ኣራን UNHCRን ዘለዎም ተቓውሞ ኣብ ዝገልጽሉ ዝነበሩ እዋን ፖሊስን ምልሻን ኢትዮጵያ ብዝኸፈትዎ ተዅሲ ብብብብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ተቐቲሎም'ዮም።

ኣብቲ መዓስከራት፣ ተቓውሞን ናዕብን ሃዲኡ እኳ እንተሎ፣ እቲ ወጥሪ ግና ኣይዘሓለን።

ኣብ ላምፐዱዛ ኣብ ልዕሊ ኣማኢት ኤርትራውያን ዘጋጠመ መቕዘፍቲ ዘስዓቦ ሓዘንን ሕርቃንን ኤርትራውያን ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ ናብ ናዕቢ ከምዝተሰጋገረ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

 

ኣብ ገምገም ባሕሪ ላምፐዱዛ፣ ብ3 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ኣማኢት ኤርትራውያን ዘጋጠመ መቕዘፍቲ፣ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ዘስዓቦ ሓዘንን ሕርቃንን ናብ ናዕቢ ድሕሪ ምስግጋሩ ፖሊስ ቶኽሲ ብምኽፋቶም ናይ 4 ስደተኛታት መውጋእቲ ከምዘጋጠመ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

እቲ ትማሊ 6 ጥቅምቲ ማይ ዓይኒ ኣብ ዝተባህለ መዓስከር ዘጋጠመ ናዕቢ መጀመርያ ብዝኽሪ ሽምዓ ናይቶም ግዳያት እዩ ጀሚሩ። ብዙሓት ካብቶም ኣብቲ ሓደጋ ዝወደቑ ኤርትርውያን፣ ዳግመ ምጥያስ ናብ ሳልሳይ ሃገር (Settlement) ደንጕዩዎም ዓቕሎም ኣጽቢቦም ናብ ሊብያ ሃጽ ምስ በሉ ዘጋጠሞም ሓደጋ እዩ ብዝብል ስምዒት እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብቲ ቦታ ንዝርከቡ ኣብያተ ጽሕፈት ኣራን UNHCR ን ኣእማን ምስ ደርበዩሉ ኸኣ እዩ እቲ ናይ ዝኽሪ ኣጋጣሚ ናብ ናዕቢ ተሰጋጊሩ።

እቲ ኣብ መዓስከር ማይዓይኒ ዘጋጠመ ናዕቢ ሃዲኡ ‘ኳ እንተኾነ፣ ሎሚ ውን ኣብ ዓዲ ሓርሽ ኣብ ዝተባህለ መዓስከር ተመሳሳሊ ኩነታት ተፈጢሩ፣ ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣትዮሞ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ፣ ቤተሰቦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ላምፐዱዛ ናይ ዝሞቱ 49 ኤርትራያን መርድእ ተነጊሩ ኣብ 24 ዝብሃል ቦታ ዳስ ሓዘን ተተኺሉ ብሓባር ይሕዘነሎም ከምዘሎ፣ ሎሚ ሰኑይ ንጉሆ ‘ውን ኣብ ቤተክርስትያን መድሂነኣለም ቦሌ ፍትሓት ከምዝተገብረሎም ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

 

እቲ ኣብ ዚ ዝሓለፈ ክልተ መዓልቲ ኣብ መዓስከር ማይ ዓይኒ ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ፖሊስን ዝተወለዐ ግርጭት ሎሚ ንግሆ ናብ መዓስከር ዓድሓሩሽ ብምቅጻል ኣብ ዘከፍአ ደረጃ ከም ዝበጽሐ ይግልጽ ኣሎ፤፤ ክሳብ ሕጂ 2 ሰባት ከም ዘተቀትሉን ካልኦት ከባቢ 10 ዝኮኑ ከም ዘቆሰሉነ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፤፤በቲ ትማልን ቅድሚ ትማልን ዝተወለዐ ግርጭት ኣብ ከቢድ ሻቅሎት ዝነበሩ ዜጋታትና ሎሚ ንግሆ ካብ ሓለፍቲ UNCR ምስ ወከልቲ እቲ መዓስከር ዘኮኑ ክራከቡ ተስፋ እካ እንት ነበረ ኣብ ውሽጢ ሰዓት ዘይመልእ ግን ኩነታት ተቀይሩ ዕግርግር ከም ዘተፈጥረ ይሕበር ኣሎ፤፤ ይኩን እምበር ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኩሉ ከካብ ገዘኡ ንኸይወጽእ ተከልኪሉ ከም ዘሎ እዮም ዝሕብሩ ዘለዉ፤፤እቶም ዜጋታት ብተወሳኺ ብመሰረት እዚ ክወጽእ ዝጸንሐ ሓበሬታ ዝኮነ ይኩን ድምፆም ከቃልሕን ሽገሮም ክሓቶም ዝከኣል ዝኮነ ይኩን ኤርትራዊ ማሕበር ይኹን ውልቀ ሰብ ብዘይምህላዉ ዝተሰመዖም ሓዘን ይገልፁ ኣለው፤፤ ሰለዚ ኩላትና ኤርትራዊያን ነዚ ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ዝወረደ በደል ብዘይ ወዓል ሕደር ድምፅና ከነሰምዕን ክንኩንኖን ዝምለከቶም ኣካላት ድማ ክለጡፍ ግበረ መልሲ ብምሃብ ኣብ ጎኒ ኣሕዋትናን ብጾትናን ከም ዘሎና ክነፍጥ ለበዋና ነቅርብ፤፤ ንዝተረፈ ምዕባልታት ክነስዕበልኩም ምኻና ክንሕብረኩም ንፍቱ ፤፤please help them by share it !!!!!!!

https://www.facebook.com/wedimaygolgol/posts/538121652930123

የኤርትራ ስደተኞች በትግራይ ተቃውሞ አነሱ ! «በኢትዮጵያ ደህንነቶች አንተዳደርም»

 

«በኢትዮጵያ ደህንነቶች አንተዳደርም» የሻዕቢያን አስተዳደር በመሸሽ ወደ ኢትዮጵያ የተሰደዱ የኤርትራ ተወላጆች «በኢትዮጵያ ደህንነቶች ስር አንተዳደርም» በሚል የተቃውሞ ድምጻቸውን በማሰማታቸው ግጭት መነሳቱ ተሰማ። የስደተኛ ካምፑ አስተዳደሮች « ሻዕቢያ ያሰረጋቸው ሰላዬች እንጂ እውነተኛ ስደተኞች ይህንን ጥያቄ አያነሱም» ማለታቸውን ከስፍራው ከነበሩ ለመረዳት ተችሏል።

ኦክቶበር 5 ቀን 2013 ማምሻውን በትግራይ ማይኒ ቀበሌ «ማይኒ የስደተኞች መጠለያ ጣቢያ ውስጥ የተቀሰቀሰው ረብሻ ሲነሳ ስደተኞቹ ያሰሙት ቅሬታ» በወታደሮች አንተዳደርም፣ «የካምፑ ሰራተኞች በሙሉ ኢትዮጵያዊ ናቸው፣ የደህንነት ሰራተኞች ሊያስተዳድሩን አይገባም… »የሚሉ ሲሆኑ የጥያቄያቸው መደምደሚያ «በስደተኞች ድርጅት ዩ.ኤን.ኤስ.አር ሰራተኞች
እንተዳደር» የሚል ነው። በተጠቀሰው ቀን ምሽት በጣሊያን ውሃ ላይ ሰጥመው ለሞቱ የኤርትራ ተወላጆች የሃዘን ስሜት ለማንጸባረቅ በተዘጋጀ የሻማ ማብራት ስነ ስርዓት ላይ ረብሻው እንደተነሳ የገለጹት የስፍራው የጎልጉል ምንጭ፣ ረብሻውን ተከትሎ ድንጋይና የተለያዩ ቁስቁሶች መወርወራቸውን አመልክተዋል።

ረብሻውን ለማስቆም ታጣቂ የወታደሮች ተኩስ መክፈታቸውን የገለጹት ክፍሎች አራት ስደተኞች መቁሰላቸውን ተናግረዋል። ረብሻው እስኪነጋጋ ድረስ መቀጠሉንም ጠቁመዋል። ይህ ዜና እስከተጠናከረበት ጊዜ ድረስ ረብሻው ስለመቆሙ የተባለ ነገር የለም። የዜናው ምንጮች በካምፑ አስተዳደሮች በኩል ስለሚሰጠው ምላሽ ተጠይቀው «ሻዕቢያን አምልጠው ስደት ካምፕ በሰላም የደረሱ ስደተኞች በምንም መልኩ ተቃውሞ ሊያነሱ
አይችሉም። ስደተኛ መስለው የተቀላቀሉ የሻዕቢያ የደህንነት ሰራቶች ናቸው ይህንን የሚያደርጉት» ሲሉ መስማታቸውን ተናግረዋል።

ከተባበሩት የስደተኞች ኮሚሽን በስደተኞች ስም የሚገባው ከፍተኛ ገንዘብ ይዘረፋል በሚል ውስጥ ውስጡን ቅሬታ እንደሚደመጥ የጠቆሙት እነዚህ ክፍሎች፣ ገንዘብን አስመልክቶ ስደተኞች ከሚያሰሙት ቅሬታ በላይ ኢህአዴግና ለስደተኞች የሚላከው ገንዘብ መጠን እንዳሳሰበው ያስረዳሉ። ስደተኞቹ የባንክ አገልግሎት ተጠቃሚ በመሆናቸው ከተለያዩ አቅጣጫዎች የሚረዱዋቸው ወገኖቻቸው በባንክ የሚልኩላቸው ገንዘብ መብዛቱ ኢህአዴግን እንዳስጨነቀው ስለ አሰራሩ የሚያውቁ ክፍሎች አስረድተዋል። ከፍተኛ መጠን ያለው ብር ወደ ስደት ካምፖች የሚላከው «በትክክል ከዘመድ አዝማድ ወይስ ከሌላ?» የሚለውን ኢህአዴግ ማጥናት ከጀመረ መቆየቱን አመልክተዋል።

በማይኒ ካምፕ ብቻ ከ4000 በላይ ስደተኞች እንደሚገኙ የሚገልጹት ምንጮች አብዛኞቹ የአስተዳደር ሰራተኞች የኤርትራ ዜግነት ያላቸው የኢህአዴግ ወዳጆች እንደሆኑ ቢገለጽም ስደተኞቹ ሊቀበሉት አልቻሉም። ተናሳ የተባለው ረብሻ በኢህአዴግና በ ሻዕቢያ መካከል ያለው ውጥረት በተካረረበት ወቅት መሆኑ ጉዳዩን እንዳያወሳስበው ስጋት አለ።

አስተያየት ሰጪዎች አንደሚሉት ስደተኞቹ ኢትዮጵያ ምድር ቢገኙም የሚተዳደሩት በዓለም የስደተኞች ድርጅት ስር በመሆኑ ያለመሰለል መብታቸው የተጠበቀ ነው። እንደተባለው እየተሰለሉ ከሆነ አግባብ አይደለም ድርጊቱን ድርጅቱ ራሱ ያወግዘዋል ብለዋል። በሌላ በኩል ግን የስደት ከለላ የሰጠችውን አገር ደህንነት በሚፈታተን መልኩ መንቀሳቀስ ሌላው ትልቁ የህግ ጥሰትይሆናል ሲሉ ተናግረዋል። ዜናውን አስመልክቶ ከኢህአዴግ ወገን እስካሁን የተባለ ነገር የለም። በኢትዮጵያ በተለያዩ የስደተኞች ካምፕና በአዲስ አበባ በመቶ ሺህ የሚቆጠሩ የኤርትራ ተወላጆች መኖራቸው ይታወቃል።

ከጎልጉል የድረገጽ ጋዜጣ

posted by Aseged Tamene[http://freedom4ethiopian.wordpress.com/2013/10/07/789-2/]

Dear Friend ‘Had You Not Push Me, I Would Not Have Fallen Flat on the Ground”

Tuesday, 08 October 2013 20:29 Yebio Woldemariam
http://www.asmarino.com/articles/1877-dear-friend-had-you-not-push-me-i-would-not-have-fallen-flat-on-the-ground

Dear Friend ‘Had You Not Push Me, I Would Not Have Fallen Flat on the Ground”

Yebio Woldemariam

According to the dispatch by Radio Erena correspondent and member of ICER, the riot that started in Maiaini and later spread to another refugee camp, Adu Harush after the Lampedusa incident was ostensibly aimed at the corrupted practices of UNHCR and by extension HARA/local authorities who many claim are using the resettlement opportunities to people who does not deserve. This is mean to indicate that Ethiopian nationals and god knows any person with stash of money is using the opportunity to resettle outside the troubled region. Although none of us have concrete evidence showing to that effect one cannot rule out the possibility that the token gesture expressed by the European or North America governments is not immune from such misuse. The point that I tried to make here is that innocent lives was lost few days ago in the wretched camps for something secondary to the main issue, that is, the problem of refugees in Eritrea.

If redeeming the country from such a horrible situation is in mind and for once if the 65,000 strong stop thinking individually but think collectively for the good of the new generation that is certainly posed to pass through the same route you the expectant re-settler, the dead in Sinai, the fish baits in the sea has passed through, clearly your strategy of action must have included an active resistant against the Government of Eritrea. So far we have not seen any action remotely resembling that. Stop blaming UNHCR who is giving you your daily bread. As for the Ethiopians, in particular the Tigrai people you should be thankful for providing you sanctuary. If the GoER is too giant and omnipotent for you to challenge at least begin to fight the human smugglers amongst you and inform any heavy handedness by local officials to some of the ‘good’ Ethiopian authorities. But more significantly, try as hard as you can to reclaim your lost humanity and purposefulness in life by focusing on the real culprit, the EPLF. The old Roman literature says it all ‘The fault, dear Brutus is not in our stars. But in ourselves ...’

Below  is the full dispatch by Meron Estifanos

Fatalities as Lampadusa memorial turn into an angry protests in Eritrean refugee camps in Ethiopia

Meron Estifanos

(Mai Ayni 07/10/2013) According to the refugees that I spoke to, three people have died and scores more injured at two separate incidences, at the Eritrean refugee camps in northern Ethiopia.

On Saturday 5th of October, two days after the boat accident that claimed the lives of hundreds of Eritrean refugees off the cost of Lampedusa, a memorial vigil at Mai Ayni refugee camp turned violent as when refugees started expressing their outrage at their own situation which is leading many in their ranks to consider the journey off the Libyan shores as a more viable option. The police open fire to disperse the riot and wounding four unaccompanied children in the care of a child care charity.

The unrest then spread to other refugee camps and this morning protests at Adi Harish Camp resulted in the death of three refugees and many other casualties.
Refugees who contacted Eritrean independent  Radio Erena, disclosed that whilst the initial objectives of the gatherings was to remember those who perished in the Lampedusa disaster, but quickly turned into a protest over what refugees considered corruption in the refugee resettlement process as well as issues over camp security.

It is estimated that there are over 65,000 Eritrean refugees in Ethiopia, spread over four refugee camps, in the regions bordering Eritrea as well in the capital as Urban Refugees. The refugees believe that many of those who are making the perilous journey via Libya and the Sahara Desert do so because the resettlement program in Ethiopian refugee camps is corrupt with many Ethiopians being given bogus refugee statuses that qualify them for resettlement opportunities and often they are prioritized over genuine refugees.

The UNHCR estimate that up to 3,000 refugees leave Eritrea every month and a majority of those are currently in refugee camps in Sudan and Ethiopia.