ፍትሒ ንኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ተስፋልደት ኪዳነን ሳልሕ ኢድሪስ ገማን

ኤልሳ ጭሩም
ካብ ሓልዮት ሰብ ኣዊ መስላት


ብዛዕባ ጉዳይ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት ተስፋልደት ኪዳነን ሳልሕ ኢድሪስ ገማን ኣብ ኢትዮጵያ ኣመልኪተ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ኣብ ምዝርጋሕ ካብ ዝጅምር ዝተፈላለዩ መልስታት ነንወገኖም ዝውክሉ ዝመስሉ ሓሳባት ዝሓዘሉ ጽሑፋት የንብብ ኣለኹ። ነቲ ዘንበብኩዎ'ውን ስጋ ዕ እቲ ዓቅመይ ዘፍቀዶ መልሲ ክህበሉ ይፍትን ኣለኹ።
ክቡራት ኣንበብቲ፡ ሓደ ከዘኻኽሮ ዝደሊ ነገር እንተድኣ ሃልዩ፡ ፍትሒ ነዞም ክልተ ጋዜጠኛታት ክሓትት ከለኹ ምስ ሰብኣዊ መሰልን ሰብኣውነትን ብዝተኣሳሰር መልክዑ ድኣ ክርድኣኩም ይግባእ እንበር ምስዝኾነ ፖለቲካዊ ይኹን ካልእ ፍሉይ ረብሓታት ስለዘለኒ ከምዘይኮንኩ ከፍልጠኩም እፈቱ።
እዞም ክልተ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ኣብ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ዜና ብሞይኦም ይነጥፍ ስጋብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ክም ማንም ኤርትራዊ ዝተኣዘዙዎ ክትግብሩ ግዱዳት እዮም። ኣብ ኤርትራ ኩሉ ዜጋ ብመደቡን ብዝፈተዎን ንገዛእ ርእሱ ክመርሕ ከምዘይክእል ካብ መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ንላዕሊ ዝኾነ ካልእ ሃገር ክርድኦ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት የብለይን። ክምኡ ስለዝኾነ ድማ ተስፋልደትን ሳልሕን ኣብ ሶማል ከም ጋዜጠኛታት ክስንዱ ብመንግስቲ ኤርትራ ካብኡ ናብ ኡ ውን ብሚንስቲሪ ዜና ተኣዚዞም። ከም ሰራሕተኛታት ሚኒስትሪ ዜና መጠን ድማ ኣብ ሶማልያ ዝጸንሑለን ክልተ ኣዋርሕ ዘይመልኣ ስሙናት ዝገበሩዎ እንኮ ነገር እንተ ኔሩ ብካሜራ ምስናድ እንበር ኣብ ዝኾነ ይኹን ወትሃደራዊ ንጥፈታት ኣይተረኽቡን።
ከም ሰብ ሞያን ከም ነጻ ሰባትን መጠን ኣብ ዝደለይዎ ሃገር ናይ ምጋሽን ሓበሬታ ናይ ምስናድን መሰሎም ክሕለወሎም ከምዝግባእ ንኩላህና ዝጠፍኣና ኣይመስለንን። ኩነታት ሶማል ኣብ ዕግርግር ኣትዩ ኩናት ምስ ተጀመረ፡ ከም ኩሎም ወጻእተኛታት እዞም ክልተ ኤርትራውያን ሰብ ሙያ ህይወቶም ክድሕኑ ንሃገረ ሶማል ለቂቆም ናብ ኬንያ ተመሊሶም።
መንግስቲ ኬንያ ግን ምስ ካልኦት 39 ሰባት ቀይዱ ናብ ጊዜያዊ መንግስቲ ሶማል ኣረኪብዎም። ጊዜያዊ መንግስቲ ሶማልውን ጠንቂ መእሰሪኦም ከይመርመረን ነቶም እሱራትውን ከይሓበረን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሕሊፍ ሂብዎም። እዚ ዝኾነሉ ኣብ መጀመሪያ 2007 ኔሩ።
ሎሚ እዞም እሱራት ካብ ዝተቀየዱሉ ዕለት ኣትሒዙ እንተቆጺርናዮ መበል 10ይ ዓመት ምዃኑ እዩ። ዓሰርተ ዓመት ኣብ ማእሰርቲ፡ ቤተሰብካ ዘይትርእየሉ፡ ኣበይ ከምዘለኻ ኣብ ዘይፍለጠሉ፡ ክስኻ ኣብ ዘይትሰምዓሉ፡ መሰልካ ንምውሓስ ጠበቃ ናይ ምርካብ መሰል ኣብዘይትረኽበሉ፡ ዳኛ ኣብዘይትር እየሉ፡ ንገዛእ ርእስኻ ኣብዘይትከላኽለሉን ፍትሒ ምዓስ ክምትረክብ ዘይትፈልጠሉን ናይ ማ እሰርቲ መዋእል ምሕላፍ ነዞም ክልተ መሳኪን ኤርትራውያን ማዕረ ክንደይ መሪርን ከቢድን ምዃኑ ኣብቲ ናቶም ቦታ ንነብስና እነተነቐምጣ ኣጸቢቑ ክርድኣና ምኽኣለ።
ኢትዮጵያ ዓዲ ቅዋምን ዓዲ ሕግን እያ። እሱራታ ኣብ ውሽጢ 24-48 ሰዓታት ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ፡ ጠበቓ ክግበረሎም፡ ክሶም ክሰምዑን ፍርዲ ከወሃቦምን ኩሉ ጊዜ ንስምዕ ኣለና። ካብዚ ሓሊፍውን ኣብ ገለ ኣገደስቲ መንግስታውን ህዝባውን በዓላት ብፍሉይ ንእሱራት ምሕረት ክግበረሎም ከንከታተሎን ክንዕዘቦን ዝጸናሕና ሓቂ እዩ።
ካብዚ ሓሊፍ ክልተ ሽወደናውያን ብዘይ ኣፍልጦ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኣብ ኡጋዴን ኣትዮም ምስ ተቃወምቲ ክሰርሑ ከለው ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተታሒዞም ድሕሪ ምእሳሮም እቲ ጉቡእ ናይ ሕጊ መስርሕ ብምኽታል መንግስቲ ኢትዮጵያ ምሕረት ጌርሎም ናብ ዓዶም ክምለሱ ከምዝኸኣሉ ናይ ቀረባ ተዘክሮና ምውካስ ይከኣል እዩ።
ሓደ ካብቶም ቀንዲ ንኣብ ኤርትራ ዝርከብ ስርዓት ንቃወመሉ ምኽንያት እሱራት ንዘይተወሰነ ጊዜን ኩሉ መስላቶም ብዘይሕሉ ኣገባባትን ኣብ ሸላታት ስለዝድርብዮም እዩ። ኣሰራርሓ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ኣሰራርሓ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት በዚ ጉዳይ እዚ ኣዝዩ ከምዝፍለ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ሕጊ ናይ ምኽታል ሰናይ ተበግሶ ግን ኣብዞም ክልተ ኤርትራውያን በጺሑ ክስራሓሉ ኣይረእን ኣሎ።
እዚ ድማ'እዩ ሕጊ ይከበር፡ ፍትሒ ከምቶም ካልኦት ነዞም ክልተ መሳኪን ኤርትራውያን'ውን ይወሃቦም ክብል ብቐጻሊ ክሓትት ዝጸናሕኩን ዘለኹን።
ክምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎ እዞም ክልተ ግዳያት፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኣይተትሓዙን፡ ሞይኦም'ውን እንተኾነ ምስ ሓበሬታን ስነዳን ዝተኣሳሰር ድኣ እንበር ምስ ዝኾነ ይኩን ዕንወትን ራዕድን ዝተኣሳስረ ኣይኮነን። ብወገነይ ኣሽንኳይዶ ዓሰርተ ዓመታት፡ ንሓንቲ ምዓልቲ'ውን ትኹን ንኽትኣስሮም ዘኽእል ብቈዕ ምኽንያት የልቦን።
ኣብ ርእሲ'ዚ እዞም መሳኪን ክልተ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት፡ እቲ ንሶማል ክኽዱ ዝኣዘዞም ስርዓት ስለዘይዘከሮምን ስለዘይተጣበቀሎምን እንተዘይኮይኑ፡ እቶም ምስኦም ዝተኣስሩስ መብዛሕትኦም ቅድሚ ሓያለ ዓመታት ነጻ ተለቂቆምሲ ቅሱን ህይወት ይመርሑ ኣለው።
እዞም ኤርትራውያን ሰብ ሞያ ጋዜጠኛታት ክንሶም ክም ወትሃደራት ክምዝተማረኹ ተጌሩ እዩ ኣብ ፈነወ ቴሌቪጅን ኢትዮጵያ ተገሊጹ። እዚ መግለጺ'ዚ ፍጹም ሓቅነት ዝጎደሎን፡ ንእንታይነት ናይቶም ሰባት ብቐንዱ ዝክሕድ መግለጺ እዩ። ጋዜጠኛ ኣብ ባይታ ዘሎ ስለዝሰነደን ንማሕበረሰብ ዓለም ይኹን ንህዝቡ ዜና ስለዘመሓለፈን ወትሃደር እዩ ዝብል ስያመ ክወሃቦ ኣብትሕቲ ዝኾነ ይኹን መርትዖ ፍጹም ቅቡል ኣይኮነን።
ኣነ ከም ተጣባቂት ሰብኣዊ መሰላት መጠን፡ ፍትሒ ንእሱራት ክብል እዚ ናይ መጀመርታይ ኣይኮነን። ካብ 2002 ኣትሒዘ ኣብ ሊቢያ፡ ኣብ ማልታን ኣብ ግብጽን ኣብ ካልኦት ሃገራትን ይእሰሩ ንዝነበሩ ኤርትራውያን ክፍትሑን ምሕረት ክግበረሎምን መስሎም ክሕለውን ብቐጻሊ ሓቲተ ከም ውጽኢቱ'ውን ብእዋኑ ፍትሒ ረኺቦም እዮም።
ኩላህና ክምንዝክሮ'ውን ካብ ኤርትራ ናብ ጅቡቲ ዝተሰዱን መንግስቲ ጅቡቲ ግን ክምስደተኛታት ዘይኮነስ ከምጥርጡራት ስለዝረኣዮም ኣብ ማእሰርቲ ንዓመታት ዝተዳጎኑ 267 ንጹሃት ኤርትራውያን ካብ ማእሰርቲ ክልቀቁ ብጹሑፍን ብኣካልን ምስ ዝተፈላለዩ ሰበስልጣናት ጅቡቲ ተዘራሪበ እዚ ጉዳይ እዚ ኣቓልቦ ክረክብ ስለዘይክኣለ ኣብ ኣፍደገ ኤንባሲ ሃገረ ጅቡቲን ው.ሕ.ሃ ናይ ስደተኛታት ኮምሽን ኣብ ከተማ ጄኔቫ ንሰለስተ ምዓልታት ዝቐጸለ ናይ መግብን ማይን ምሕሳም ተቓውሞ ጌሬ፡ ከም ውጽኢቱ መንግስቲ ጅቡቲ ነቶም 267 ኤርትራውያን እሱራት ፈቲሑ ንው.ሕ.ሃ ኮምሽን ስደተኛታት ኣረኪብዎም።
ጻዕረይ በዚ ከየቋረጽኩ ናብቶም ኣብ ኩናት ኤርትራን ጅቡትን ዝተማረኹ 19 ኤርትራውያን ምሩኻት ኣተኩረ ምሕረት ንኽግበረሎም ንላዕለዎት ሰበስልጣን ጅቡቲ ብቐጻሊ ክሓትትን ክልምንን ስለዝጸናሕኩ፡ ሰፊሕ ልቦናን ምስትውዓልን ናይቶም ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ናይቲ መሪሕነት ተሓዊስዎ፡ ብፕሬዚደንት ሃገረ ጅቡቲ ምሕረት ተጌሩሎም፡ እዞም 19 ምሩኻት ኤርትራውያን ካብ ነጻ ኢኹም ካብ ዝበሃሉ እነሆ ሰሙናት ኣቁጺሮም ኣለው።
ነዚ ተመሳሳሊ ጻዕሪ ድማ እየ ናብዞም ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝሓለፍ ዓሰርተ ዓመታት ተኣሲሮም ዘለው ክልተ ኤርትራውያን ጋዜጠተኛታት ተስፋ ልደት ኪዳነን ሳልሕ ኢድሪስ ገማን ክስፍሖ ዝፍትን ዘለኹ።
ንዝሓለፍ ክልተ ዓመታት ፍትሒ ክረጋገጽ ካብ ዘለኒ ድልየት ተበጊሰ ኣብ መጀመርያ ንዝተፈላለዩ ሰበስልጣናትን ዲፕሎማስኛታትን መንግስቲ ኢትዮጵያ ተዘራሪበ ቀጺለውን ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ብጹሑፍ ሕቶይ ዘቅረብኩ። እንተኾነ ስጋዕ ሕጂ ንሕቶይ መልሲ ካብ ኩሎም ክረክብ ኣይክኣልኩን።
እዞም ተቐይዶም ዘለው ክልተ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት፡ ክም ሰባት መጠን፡ ብኦኦም ዝሓስቡን ዝጭነቁን ቤተሰብ፡ መቕርብ፡ ፈተውትን ኣዕሩኹን ኣለውዎም። ምእሳር ናይዞም ክልተ ንጹሃን መጀመርያ ዘገድሶ ነቶም ቅዩዳት ባዕላቶም እኳ እንተኾነ፡ ነቶም ስድራቤቶም'ውን እዚ ጉዳይ እዚ ንዝሓለፍ 10 ዓመታት ሞት ሕጹይ ኮይኑዎም ከምዝርከብ ኩላህና ንስሕቶ ኣይመስለንን። እንበኣርከስ፡ ፍትሒ ንተስፋልደትን ሳልሕን ክንሓትት ከለና፡ ፍትሒ ነቶም ኩሎም ብኦኦም ዝግደሱን ዝጭነቁን'ውን እዩ።
ኣብዘን ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት፡ ጋዜጠኛ ተስፋልደት ኪዳነ፡ ኣቡኡ፡ ኣዲኡን ሓፍቱን ምስ ናፍቆቶምን ሻቅሎቶምን ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም ክንሶም፡ ወዶም ተስፋልደት ግን እዚ ዜና ዕረፍቲ ስድራቤቱ ክሰምዖ ኣይክኣለን።
ጋዜጠኛ ሳልሕ ገማ ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ቆልዑን ኮይኑ፡ ጋዜጠኛ ተስፋልደት ኪዳነ ድማ ኣቦ ሓንቲ ቆልዓ እዩ። ጓል ተስፋልደት ኪዳነ ኣቡኣ ከእሰር ከሎ ገና ትጉብዘሉ ዝነበረት እዋን እዩ ኔሩ። ድሕሪ ማእሰርቲ ኣቡኣ ግን ተመርዕያ ድሮ ኣደ ክልተ ቆልዑ ኮይና ኣላ። ጋዜጠኛ ተስፋልደት ጓሉ ከመርዕውን ደቂ እታ እንኮ ጓሉ ክስዕምን ደይተዓደለ ምስኪን ግዳይ እዩ።
ፍትሒ ናይ ዓሌት፡ ሃይማኖት፡ ዘርእን ፡ ናይ ሕብሪ ቆርበት ፍልልይ ኣይትገብርን እያ። ኩላህና ደቂ ሰባት ፍትሒ ብማዕረ ክዳንየና ይግባእ። እታ ንብዙሓት ውሕስነት ዝሃበትን ገናውን ትህብ ዘላ ናይ ኢትዮጵያ ፍትሒ ኣብ ጋዜጠኛ ሳልሕን ተስፋልደትን ክትበጽሕ ሕንጋደ ምርኣያ ብሓቂ ዘደንጹ እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ መሰል ጋዜጠኛ ተስፋልደትን ሳልሕን ንክኽብር ይምህጸን። ምስ ስድራቤቶምን ተጣበቅቲ መሰላትን ንክራኸቡ ንክፍቀደሎም ብኽብሪ ይሓትት። 10 ዓመት ብዘይ ርትዓዊ ማእሰርቲ ምሕላፍ ንዝኾነ ይኹን ፍጡር ቅኑዕ ስለዘይኮነ ኣብ መስርሕ ፍርዲ ዝቐርቡሉን ክሶም ዝሰምዑሉን ናይ ህጊ ምኽሪ ኣገልግሎት ዝረኽቡሉን ብቑኑዕ ፍርዲ ብይን ዝረኽቡሉን ባይታ ኣብ ዝቀልጠፈ ክፍጠረሎም ብኣኽብሮት ይሓትት።
ኣብዚ መዳይ እዚ ኣነ ንበይነይ ዘካይዶ ጻዕሪ እኹል ክይከውን ስለዝኸእል፡ ፍትሒ ኣብ ልዕሊ ሓደ እንተ ጎዲሉ፡ ፍትሒ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ክጓደል ደይተርፍ ተርእዮ ምዃኑ ብምርዳእ፡ ኩሉኹም ኣብ ምጥባቕ መሰል ደቂ ሰባት ትነጥፍን ደለይቲ ሰላምን ፍትሕን ዝኾንኩም፡ ንጉዳይ ማእስርቲ ጋዜጠኛ ተስፋልደትን ጋዜጠኛ ሳልሕን ኣቃልቦ ሂብኩም፡ ፍትሓዊ መዛዘሚ ስጋብ ዝግበረሉ ንሰበ ስልጣናት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብቀጻሊ ክትሓቱን ብዛዕባ ጉዳዮም ንክትክታተሉ ይላቦ።
ኤልሳ ጭሩም
ካብ ሓልዮት ሰብ ኣዊ መስላት
ለንደን
ዓዲ እንግሊዝ
3 January 2017


ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com