Prisoners death records  

 

 

 

 

 

 

W.Haile
Mysterious death of Ibrahim Afa
Mysterious death of Abraham Tewelde

Liquidation in the ELF
index sitemap advanced
2025-01-05

 


 

 

 

 

Brief information on the mysterious death of Abraham Tewelde in May 1970 which is still secret for most of us.
Compiled byResoum Kidane

Abrahm Tewelde went to hide in Ala region in the highlands probably in September 1969. He was the leader of the Ala group. This did not have any intention to split from the ELF. Abraham Tewelde who was the leader wished to resolve the problems with (Kiada al-Ama) through in dialogue not by splitting. However, after Mesfin Hagos joined the Ala group in March 1970 and Issayas on 27 April 1970, the PLF II or Selfi Natzinet was founded at a meeting at Ala by Issays. This was just after the death of Abraham Tewelde on 17 May1970 which is still secret to most of us. According to some sources Abraham was poisoned in suspicious circumstance, this was well documented by Human Rights Watch, (1991: 42p) ; by Erlich( Eritrea in the Western Media p.97 1988) Erlich states that one of Issayas' main rivals in the rebel movement was found poisoned to death in 1970; and by Alem Tesfay, 2004
Furthermore Alem Tesfay 2003 explained the cause which led to the death of Abrha Tweldo in the following words:
After Issays came back from the meeting he held with the members of CIA members to Ala he decided to split from the ELF. Because of this
there was an argument with Abraham Tewelde who was not in favour of spliting from the ELF. After one month of argument between them Abraham Tewelde die suddenly. After his death, Issayass succeeded to the leadership of the group and the group then took steps to split from the ELF [Ammar, Woldeysus 2004) ELF . To pretend from the above accusation Issayas named his first son Abraham.

Read more


ኣብርሃም ተወልዯ

Crime committed
and collaborated by the EPLF Leaders

ሓጺር ትንተና"ቃለ-መሐትት መስፍን ሓጎስ"
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
ቃለ-መሕተት ኣቦና መስፍን ሓጎስ ኣብ ሰነድ-ቲቪ ምስ Antonio Tesfay ብዛዕባ ዶ/ር ኣብርሃም ተወልደ ብውዲት ቶንኮል ኢሰያስ ከም ዝሞተ ሙሉእ ብሙሉእ ክምስክር ከም ዝጽገም ብቐሊል ክትርድኦ ትኽእል።ንሕና ውን መስፍን ሓጎስ ዶ/ር ኣብርሃም ተወልደ ብተንኮል ኢሰያስ'ዩ ሞይቱ ክትብል ኣይንጽበን ኢና።ከም መስፍን ሕሉፍ ኣሉታዊ ታሪኽ ኣዝዩ ብ'ጥንቃቐ ካብ ዝሕዙ ሓደ ኣቦ'ዩ።ኣይተኻእለን እንበር ብሓፈሻ ኣሉታዊ ታሪኽኩም ከም ዘለዎ ክወጽእ ዝሓሸ ውጽኢት ክህልዎ ምኽኣለ።
መስፍን ሓጎስ ምስ ካሕሳይ ገ/ሂወት ኣመሓደአቲ ዞባ ደቡብ ኮይኖም ብህዝቢ ዞባ ደቡብ ጽቡቕ ተቐባልነት ዝረኸቡን ዝተፈተዉ ከም ዝኾኑ ዝበዝሕ ነባሪ ደቡብ ዝብሎ'ዩ።እቲ ረዚንን ለባምን ጥበበኛን ህዝቢ ዝነብረሉ ዞባ ደቡብ
(ኣከለ-ስራየን) ጽቡቕ ተቐባልነት ክትረክብ ምኽኣል ምልክት ሓያልነቶም'ዩ።ስለ ዝኾነ ኢሰያስ ህዝቢ ዞባ ደቡብ(ሰራየ-ኣከለ) ጽቡቕ ርክብ ዝፈጥር መራሒ ቀልጢፉ ዝብንቁሮም።
ናብ መበገሲ ዛዕባይ ክምለስ፡
መስፍን ሓጎስ ሬሳ ኣቦና ኣብርሃም ተወልደ ካብ ዝነበሮ በረኻ ናብ ጉቡእ መቓብር ሓርበኛታት ክእከብን መስዋእቱ ኑቡር ስነ-ስርዓተ ምፍናው ስለ ዝግብኦ ጉቡእ ስርዓተ-ቀብሪ ክግበረሉ ናብቲ ግዝያዊ መራሒ ዝብል ኢሰያስ ሕቶ ኣቕሪበ ይብል መስፍን።
እንተ ኾነ ኢሰያስ ከም ዝተቖጠዐን ንምንታይ መቓብር ኣብርሃም ተወልደ ኣብ ዝነበሮ ዘይከውን ዝብል ንመስፍን ሓጎስ ከም ዝሓረቐሉ ኣረጋጊጹ።
መስፍን ሓጎስ ዶ/ር ኣብርሃም ብኢድ ኢሰያስ'ዩ ሞይቱ ዝብል ናይ ብዙሓት ጽሓፍቲ ታሪኽን ፖለቲካን ናብ ሓቂ ዝቐረበ ከም ዘይኮነ ክኣምነሉ ዝጸነሐ መስፍን ሓጎስ ይነጽጎ ድሕሪ ምጽናሕ ዳግማይ ኣብ ጥርጣረ ከእትዎ ክኢሉ።
ግብረ-መልሲ ኢሰያስ ኣብ ምእካብ ሬሳን፡ጉቡእ ስርዓተ-ቀብርን ዶ/ር ኣብርሃም ተወልደ ክመዉት ኢድ ክነብሮ ምልክት ክኸዉን ከም ዝኽእል ከም ሰቡ ግምታቱ ይሓዋዉስ፡፡
ኢሰያስ ምእካብ ሬሳ ዶ/ር ኣብርሃም ስምዒታት ህዝቢ ከለዓዕል'ዩ፡ ዝተዓበጠ ማህደር ታሪኽ ክግንጸል'ዩ ዝብል ስግኣት ስለ ዝነበሮ ነቲ እሩም ስራሕ ናይ መስፍን ሓጎስ ክቕበሎ ዘይምኽኣሉ ነቶም ዝሓምዩዎ መርትዖ'ዩ ይብል መስፍን።
ስለዚ'ዩ ድማ መስፍን ሓጎስ እቲ መስርሕ ጥፍኣት ዶ/ር ኣብርሃም ተወልደ ኢድ ኢሰያስ ከም ዝነበሮ ዘእምን እኹል መርትዖ ከም ዘይረኸበን፡ በቲ ሓደ ድማ ክጥርጥር ከም ዝተገደደን'ዩ ዝገልጽ።በቲ ሓደ ድማ ኣብ እዋን ዶ/ር ኣብርሃ ዝሞተሉ ምስኡ ዝነበሩ ደቂ ከባቢኡ ምስ ምንባሮም ኢሰያስ ኢድ ኔሩዎ ክትብሎ ከቢድ'ዩ ይብል መስፍን ሓጎስ። ከም መእመኒ ካብ ዝተጠቕመለን ነጥብታት ቤተሰቡን ደቀ ዓዱን ኔሮም ምባል ይኸዉን።
ኣቦና መስፍን ግዲ ካብቲ በረኻዊ ስርዓተ ከይዲ ተፈለዩስ ሳሕላዊ ባህሪ ረሲዑ ኑቡር ክሓስብ ምስ ጀመረ ጠባይ ሳሕላዊ ገረብ ብሓኽላ ዝብል ዝዘንግዖ ይመስል።
መስፍን ሓጎስ ገረብ-ብሓኽላ ዝብል ፖለቲካ ፍልስፍና ሰውራ ሳሕል ክዝክሮ ክጽገም ሙኹኑይን ልቦናን'ዩ።
ሳሕላዊ ሰውራ እታ ቀዳመይቲ ፍልስፍናኦም ቤተ-ሰብ ምስ ቤተ-ሰብ- መቕርብ ምስ መቕርብ፡ጎደቦ ምስ ጎደቦ ኣውራጃ ምስ ኣወራጃ ክሳብ ሰበይቲ ምስ ሰብኣይ ሕድሕድ ከም ዝበላልዑን፡ ብኢደ-ዙር ገላዩ ናይቲ ስርዓትን ሰውራን ክኸዉን ምግባር'ዩ።ነዚ ናይ ህዝብና ፖለቲካ ዝኽሕድ እንተ'ሎ ናይ ኣፈጣጥራ ጸገም ዘለዎ'ዩ።
ስለዚ ኣቦና መስፍን ውን እዚ ጠፊኡካ ዘይኮነስ ክዕበጥ ስለ ዝመረጽካ ኢኻ።ስለዚ ዶ/ር ኣብርሃም ኢሰያስ ሙሉእ ብሙሉእ ኢድ ከም ዝነበሮን፡ ፈጸምቱ ድማ ዕሱባት ናይ ኢሰያስ ኮይኖም ግን ገረብ ብሓኽላ ዝብል ንቕሓት ዘጋገዮም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ክግመት ይክኣል።
ስርዓተ ምሕደራ ናይዚ መንግስቲ ንሱ ስለ ዝኾነ።
ካብ ሰውራ ጀሚሮም ክሳብ ሕጂ እቶም እሙናት በራዩ ኢሰያስ'ኮ ቤተሰብን መቕርብን ዶ/ር ኣብርሃም ተወልደ እዮም።ስለዚ ዶ/ር ኣብርሃም ኣቐዲሙ ዕጫ ሃይለ ዱሩዕ-ቢተወደድ-ጴጥሮስ ዝበጽሖ ጅግናን ባዓል ዓቕምን'ዩ።
መደምደምታ ርኢቶይ፡
ኣብርሃም ተወልደ ብቶንኮል ኢሰያስ ከም ዝጠፍአ ምርግጋጽ ጥራይ'ዩ።ንሕና እቶም ግዳይ ናይዚ ደጋል ታሪኽ ዝኾነ ወለዶ ጠባይን ሕመቕን ኢሰያስ ናይ ዝኾነ ምስክርነት ዘድልየና ኣይኮነን።ምኽንያቱ ተግባራቱ ንርእዮ ስለ ዘለና!!! ኣብ ዘለዎ ደረጃ ስልጣን ክበጽሕ ዝኽኣለ'ኮ ሰብ ዓቕምን፡ ተባዓትን በሊዑ ዝምእዘዝዎ ኣብ ከባቢኡ ክህልዉ ብምጥባብ እንበር ክመርሕ ዓቕሚ ስለ ዝነበረ ውን ኣይኮነን።ምሕደራ ኢሰያስ ብዓለም ደረጃ እቲ ዝሓመቐ'ዩ።ንስኻ ባዕልኻ መስፍን ሓጎስ ኣመሓዳሪ ደቡብ ዝነበርካሉ ግዜ ከም ሓደ ምስክር'ዩ።ስለዚ ህዝቢ ምምራሕ ዋዛ ዝመስሎ ኢሰያስ ኣእሚኑ ተላጊጹልና'ዩ ክትብሉ ጥራይ'ዩ ዘለኩም።እዚ ወለዶ ብዙሕ ከም ዝጽበየካ ክትዝንግዕ የብልካን ኣቦና መስፍን ሓጎስ።ጥዕና ዝህብ ታሪኽ ክትገድፈልና እንበር ደጋል ታሪኽ ክተጸባብቕ ምፍታን ጥቕሙ ውሑድን እዋናዉን'ዩ።
ተሜ ኪዳነ
ጀርመን

source fromMirror Temezion facebook

https://www.facebook.com/search/top/?q=mirror%20temezion&epa=SEARCH_BOX

ehrea

 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com