ናይ መጨረሽታ ርክብ ምስ ጋዜጠኛ ዳዊት ሃብተሚካኤል

ደሳለ በረኸት*

 

 

ኣብዛ ንእሽቶ ነርወጃዊት ከተማ ‘Bø’ (ቧ) ካብ ዝቕመጥ ክልተ ዓመት ኣሕሊፈ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ኣብ መጸበዪ ባቡር ዘጓነፈኒ ፍጻመ’ዩ። ባቡር ክሳብ ትመጽእ መጽሓፍ ከንብብ ስለ ዝደለኹ፡ ናብታ ብዙሕ ካልእ ቀንጠ-መንጢ’ውን ሒዛ ዝነበረት ዝተጠርነቐት ቦርሳይ ኢደይ ሰደድኩ። ነታ መጽሓፍ ክግንጽላ ክብል ግን፡ ሓንቲ ኣብ መንጐ እቲ ፊልዮታት ተቐርቂራ ዝጸንሐት ስእሊ ናብ ባይታ ጥብ በለት።

ሰማያዊት ቈቢዕ ዝወደየ፡ ማእከላይ ዕድመ ዘለዎ መንእሰይ ኣብታ ስእሊ ኰይኑ ቀው ኢሉ ጠመተኒ። እተን በላሕቲ ኣዒንቱ ንግዳማዊ ኣካላተይ ጥራይ ዘይኰናስ ንውሽጣዊ ሕልናይ ዘቋምታ ዘለዋ ኰይነን ተሰምዓኒ። ኢደይ ሰዲደ ንኸልዕላ’ውን ሰጋእኩ። መመሊስና ተጠማመትና – ምስ መምህርን ጋዜጠኛን ዳዊት ሃብተሚካኤል (ወዲ መምህር)።ንዳዊት ብውሕዱ ቅድሚ 15 ዓመት ኣቢለ እየ ብኣካል ዝፈልጦ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ምክትል ኣሳናዳኢ ናይታ ከም ጸሓፊ ናይ ሓንቲ ዓምዲ ዝነበርኩላ ጋዜጣ መቓልሕ እዩ ነይሩ። እቲ ዋና ኣሰናዳኢኣ፡ ጋዜጠኛ ማቲዎስ ሃብተኣብ (ማቹ)፡ ዝበዝሕ ግዜኡ ኣብ ውትህድርና ሳሕቲ ድማ ኣብቲ ልሙድ ዝነበረ ማእሰርቲ የሕልፎ ስለ ዝነበረ፡ ብዙሕ እዋን ዳዊት እዩ ነታ ጋዜጣ ዘካይዳ ዝነበረ።

ካብቲ ንስራሕ ክንብል ንራኸቦ ዝነበርና ግዜ ወጻኢ፡ ምስ ዳዊት ጥቡቕ ዕርክነት ነይሩና ክብል ኣይክእልን። እንተዀነ፡ ኣብተን ንስራሕ ክንብል ንራኸበለን ዝነበርና ግዜታት ብፍሉይ ዝዝክሮ ኣጋጣሚታት ኣሎኒ። ዳዊት ንውሑድ ግዜ ዝረኽቦ ሰብ እውን እንተዀነ፡ ሓደ ካብ ኣእምሮ ዘይሃስስ ተምሳጥን ጦብላሕታን ክሓድግ ዝኽእል ዓይነት ሰብ እዩ።

ኣብ መንጐ ሓሳበይ፡ ሃንደበት ኣርያም ቅጅል በለትኒ። ኣርያም ማለት ጓል ዳዊት እያ። ወላዲኣ፡ ኣብ መስከረም 2001 ክጭወ እንከሎ፡ ጌና ኣብ ማህጸን ወላዲታ ነይራ። ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ድማ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ፡ ኣብታ ህጣም ወላዲኣ ዝሸረበት ዓዲ ተወሊዳ። ዓቕሚ-ሰብ ኣኺላ ደሃይ ወላዲኣ ክትፈልጥ ግን ዕድል ኣይረኸበትን። ኣርያም ከኣ ከም ብዙሓት ብዘይ ኣቦን ኣደን (ብሰንኪ ማእሰርቲን ምብትታን ስድራቤትን) ዝዓብዩ ቈልዑ ኤርትራ ኮይና ዓብያ። ጌና ብንእሽቶኣ እውን ኣደዳ ስደት ኰይና ። ኣብ ሱዳን ነዊሕ ተጓሳቒላ ድማ ኣብ መወዳእታ ብኣዝዩ ሓደገኛ ጒዕዞ ሳህራ ምስ ኣደኣ ጀርመን ኣትያ። ነቲ ዝተፈጥረ ስእነት ወላዲን ከልበትበትን ሓደ እዋን ባዕላ ትጽሕፎ ትኸውን።

ናይ መጨረሽታ ርክብና ምስ ዳዊት

ኣብ ዋዜማ ናይቲ ሕማቕ ንፋሳት ዘንጸላልወሉ ዝነበረ መወዳእታ ሰሙናት ወርሒ ነሓሰ 2001 ኣቢሉ እዩ። ኣብታ ምስ ዳዊት ኣዘውቲርና ንራኸበላ ዝነበርና ከባቢ ዩኒቨርሲቲ ዝነበረት እንዳ ኮምፕዩተር–ኤሪ-ኮም 2001–እየ መጺኤዮ ንዳዊት። ክኣቱ እንከለኹ፡ ነቲ ማዕጾ ክዓጽዎ ብኢዱ ጥራይ ኣመልከተለይ። ዳዊት ሓንቲ ካብ ኣፉ ፈልዪዋ ዘይፈልጥ ደርፊ ነይራቶ። “ናብራና መሬት – ሰማይ” እትብል ናይ ካሕሳይ በርሀ ዜማ። ሽዕኡ እውን ነታ ደርፊ ብፋጻ እናደገመ እዩ፡ ነቲ ኣብ ጣውላ ተዛሕዚሑ ዝነበረ ካርቱናት ዝለሊ ነይሩ።

“እንታይ ድኣ እዩ እዚ?” ሓተትኩዎ።

“እዚ ኮብራ ዝሰርሖ ዝነበረ ካርቱናት እንድዩ፡ ንሕና ከኣ ገለ ከይብሉዎ ኢልና፡ ኣብ ጋዜጣ ኣየውጻእናዮን ነይርና። ሕጂ ግን ከምዚ ትርእዮ ዘለኻ፡ ምስ ጋዜጣ ሃማመተኤ ትርግታ ኰይኑ ክሳሃለና ጀሚሩ’ሎ፡” በለኒ።

“እሞ’ኸ?”

“እንታይ እሞ’ኸ ድኣ! ንሕና ከኣ ነቲ ንድሕነቱ ኢልና ዓቂብናዮ ዝነበርና ሕጂ ክንጥቀመሉ ኢና፡” ነታ ሓፋርን ፍልይቲን ፍሽኽታኡ ኣሰኒዩ ቊሊሕ በለኒ።

“እሞ እታ ‘ሰውራ ዝመስርሖ-ሰብ’ እትብል ጽሕፍተይ’ዶ ክትረኽበለይ?” ኣርእስቲ ዘሊለ ሃንደበታዊ ሕቶ ኣቕረብክሉ። እታ ጽሕፍቲ፡ ቅድሚኡ፡ “እዚኣስ ክትሕይል እያ፡ ካልእ ድኣ ኣምጽእ” ኢሉ ኣብ ተመዛዝ ከቲቱዋ ዝነበረት እያ። “እዚኤን ናይ ኮብራ ካብ ተመዘዛስ . . .” ኢለ እየ ሓስበዮ። ዳዊት እውን ኣይሰሓተንን።

“እሂ ንስኻ-ኸ ናብ ጋዜጣ ትርግታ ክትከይድ ደሊኻ ዲኻ? ብቐዳማይ ኣብ ትርግታ ዘውጻእካዮ ጽሑፍ እኳ ንዅልና ገሪሙና እዩ። ወዲ ኣስራት ኣብ ሰራዊት ኰይኑ ንጋዜጣ ዘመን ከም ዘዳልዋ ኣይትፈልጥን ዲኻ? ንማቴዎስ ኣብዚ ‘ኦፊስ’ ረኺብካዮ ትፈልጥ ዲኻ? . . .” ንመጀመርታ ግዜ ከም ሓውሲ ቍጥዕ ኢሉ ተዛረበኒ።

እታ ዝጠቕሳ ዝነበረ ኣብ ትርግታ ዝወጸት ጽሕፍተይ ዘኪረያ፤ “ሸለልትነት ኣሰናዳእተን ዘጋደዶ ጸገም ቋንቋ ጋዜጣታት-ብሕቲ” እያ ትብል ነይራ።

ኣሳናዳኢ ጋዜጣ ትርግታ ዝነበረ መስፍን ገብረህይወት፡ “ኣብዚ ሰሙን’ዚ ብዙሓት ኣሰናዳእቲ እዘን ጋዜጣታት ተኣስሮም ቀኒዮም ኣለዉ። ንሕና በይንና ኢና ተሪፍና ዘለና። ብድሕሪኦም ከምዚ ዓይነት ጽሑፍ ምውጻእ ድማ ንዓና እውን ጽቡቕ ኣይኰነን። እታ ጽሕፍቲ፡ ምሉእ ስምካ ስለ ዘለዋን ንጸገም ጋዜጣ ትርግታ እውን ስለ ዘይትንሕፍ ግን ቅንይ ኢልና ከነውጽኣ ኢና፡” ኢሉኒ ነይሩ። እንታይ ከም ዘርኣዮ ግን፡ ኣብታ ተኣፋፊት ህሞት ኣውጺኡዋ። ብዛዕባ እዛ ጽሕፍቲ፡ ኣሳናዳኢ ጋዜጣ ዘመን ኣማኑኤል ኣስራት እውን ኣዘራሪቡኒ ነይሩ እዩ።

ምስ ኣማኑኤል ኣስራት ዝጥቀስ ሌላ ኣይነበረናን። እቲ ክሳብ ሕጂ ዝገረመኒ ግን፡ ንኹለን እተን ንጋዜጠኦም ዝምልከታ ነቐፌታ ብኽፉት-ልቢ ድሕሪ ምቕባሉ፡ ነታ ጋዜጣ ንምድላው ዝሓልፉዎ ዝነበሩ መሰናኽል በብሓደ ጠቒሱ ኣረዲኡኒ። ትሕትንኡን፡ እቲ ሓፊስ ድምጹን ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣእዛነይ የቃልሕ ኣሎ።

ሓደ ግዜ እውን ኣሰናዳኢ እዛ ንጽሕፈላ ዘለና ጋዜጣ መቓልሕ ማቴዎስ ሃብትኣብ፡ ኣብ ሓፈሻዊ ፍልጠት ቀሪቡ፤ “ሆሚብን ኦማልን ኣበይ ይርከባ?” ዝብል ሕቶ ድማ ቀሪብሉ ነበረ። “እንድዒ፡ ኣብ ቻይና ድየን ሓቀይ?” ኢሉ መሊሱ እናሰሓቐ። ኣነ ድማ ኣብ ሓንቲ ኣብ ጋዜጣ ዘመን ዘቕረብኩዋ ጽሕፍተይ ነዚኣ ኣጋጣሚት ጠቒሰ ሸምጢጠዮ ነይረ። ኣባል ቦርድ ምስንዳእ ጋዜጣ መቓልሕ ዝነበረ የዕብዮ ገብረመድህን እውን መልሲ ሂቡላ ነበረ።

ብርግጽ ከኣ ካብ ማቴዎስ ገለ ናይ ኣሉታ ስምዒት እጽበ ነይረ። ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ ፊት ሲነማ ኣዝመራ ምስታ ዘለግ ዝበለት ቦርሳኡ ኣጋጣሚ ጎፍ-ንጎፍ ተራኺብና። ምውቕ ሰላምታ ድሕሪ ምልውዋጥና፤ “ኣንቢብያ እንድየ ድኣ፡ ጌርኪለይ ከኣ” ኢሉ ሓቚፉኒ – እናሰሓቐ። ደጊሙ ዘይተመልሰ ናይ መጨረሽታ ምውቕ ሕውነታዊ ምትሕቚቛፍ! ኣብታ ቅንያት እቲኣ እዩ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣፍ-ሂምቦል ተፈቲሑ መጺኡ። ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ሰሙናት ድማ እታ ደጊሙ ዘይተመልሰላ ቤት-ማእሰርቲ ስዒባ።

***

ምስ ዳዊት ነዊሕ ኣዕሊልና። እቲ ክሳብ ሕጂ ዝገርመኒ፡ ኣብቲ ሽዕኡ ግዜ፡ ኣብ ገጽ ዳዊት ዝዀነ ሻቕሎት ይዅን ስግኣት እርኢ ዘይምንባረይ እዩ። ከም ዝዀነ ካልእ ግዜ ተዛንዩ እናፋጸየ ስራሑ ይቕጽል ነይሩ።

ከም ወዮ፤ ኣብታ “ክምብል በለ’ምበር . . .” ትብል ዓምዱ ዝጽሕፎም ዝነበረ ጽሑፋት፡ እቲ ኵነታት ተኸምቢሉ እምበር እቲ ማይ-ሲ ኣይፈሰሰን ኢሉ ይሓስብ ይነብር ይኸውን።

“እዛ ኮምፕዩተር’ሲ ኣዐሪኹማ’ዶ?” እናሰሓቕኩ ሓተትኩዎ።

“እዚኣ ዘይትዕረ። ኣዋሪዳትና እንሀለትካ እምበር፡” በለኒ ንሱ እውን እናሰሓቐ።

ንኽልተና ዘስሕቐና ዝነበረ፡ ሓደ ኣቐዲምና ንፈልጦ ዝነበርና ጒዳይ እዩ።

እታ ኮምፕዩተር ንኹሉ “ጡ” ዘበለ ፊደል ናብ “ዑ” ንኹሉ “ዑ” ድማ ናብ “ጡ” ትቕይር ነይራ። ስለዚ፡ ኣብታ መጨረሽታ፡ ቅድሚ ማሕተም እንተ ዘይለቒምካዮ መስሓቕ ጌጋታት እዩ ዘጋጥም ነይሩ – ገለ ግዜ።

ሓደ እዋን፡ “መንግስቲ ኤርትራ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጠሪዑ!” ዝነበረ ኣርእስተ-ዜና፤ ብሰንኪ ምቅይያር ናይዘን ክልተ ፊደላት፤ “መንግስቲ ኤርትራ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጠሪጡ!” ኰይኑ ወጺኡ ነበረ። (ነዚኣ ዘኪርና ድማ ኢና ምስ ዳዊት ሓቢርና ዝሰሓቕና። ናይ መጨረሽታ ሰሓቕና ኰይና ተሪፋ!

ድሕሪ ማእሰርቶም፡ ብዛዕባ ዳዊትን መተኣስርቱን ዝፈለጥናዮ ነገር ኣዝዩ ውሑድ’ዩ። ሓደ ኣብ ዒራ-ዕሮ ዋርድያኦም ነይረ ዝበለ ግን፤ “ዳዊት ሃብተሚካኤል ብቐጻሊ ይጭነቕ ስለ ዝነበረ ኰቦርታ ተጐምጒሙ ጥራይ እዩ ዝድቅስ ነይሩ!” ኢሉ ነይሩ።
ከምዛ ዘረባ እዚኣ ገይራ ንልበይ ዝጐድአት የላን። ዳዊት እቲ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይዂን ኩነታት ተዛኒዩ ክሰርሕ ዝርእዮ ዝነበርኩ፡ ተጨኒቑ ኣብ ንሓንጐለይ ክቕጅሎ መመሊሱ የጨነቐኒ።


*ኣብ ሃገረ ኖርወይ ተሰዲዱ ዝርከብ ጋዜጠኛን ጸሓፊን ደሳለ በረኸት፡ ሓደ ካብቶም መስረትቲ ናይዚ ኣብ ስደት ዝቘመ ፐን ኤርትራ እዩ። ሕጂ ከም ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ኰይኑ የገልግል ዘሎ ደሳለ berekhet16@gmail.com ብዝብል ኢመይል ምርካቡ ይከኣል።

«