} --> ehrea

Prisoners death records  

 

 

 

 

 

 

W.Haile
Mysterious death of Ibrahim Afa
Mysterious death of Abraham Tewelde

Liquidation in the ELF
index sitemap advanced
2024-04-20

 

መንግስቲ ኤርትራ ብሃይማኖታዊ ትካላት ንዝመሓደራ ኣብያት ትምህርቲ ሃጊሩ

I ይ ምስሊ መግለጺቤት-ትምህርቲ መባእታን ካልኣይን ደረጃ ላሳለ ከረን

መንግስቲ ኤርትራ ብካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን፡ እምነት ሚስዮን፡ ኦርቶዶክስን፡ ከምኡ'ውን ሃይማኖት እስልምና ዝመሓደራ ኣብያተ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ  ናብ መንግስቲ ክሰጋገራ መምርሒ ሂቡ።

እዚ መምርሒ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ዝተዋህበ ኮይኑ፡ ሎሚ ንግሆ፡ ድሮ ሸውዓተ ኣብያተ ትምህርትታት ካልኣይ ደረጃ  ብመንግስቲ ተሃጊረን ከምዘለዋ ምንጭታት ገሊጾም።  

እዘን ኣብ ዝተፈለለያ ከተማታት ኤርትራ ተደኲነን ብቑዕ ትምህርቲ ዝህባ ዝነበራ ኣብያተ ትምህርቲ እየን። 

ገለ ካብተን ኣብያተ ትምህርቲ፡ ካብ እዋን መግዛእቲ ጥልያን ኣትሒዘን ዝተመስረታ ኮይነን፡ ክሳብ ሕጂ ንኣስታት ሰብዓ ዓመት ብቑዕ ትምህርቲ ብምሃብ ኣብ ልዑል ደረጃ ዝበጽሑ ኣብነታውያን መንእሰያት ዘፍረያ እየን። 

መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣዋጅ ቑጸሪ 73/1995 መሰረት ብምግባር እየ ዝወርሰን ዘሎኹ ይብል።

እንተኾነ ግን ገሊአን ካብዘን ኣብያተ ትምህርቲ፡ ቅድሚ እቲ ኣዋጅ ዝተመስረታ እየን። "ስለምንታይ እየን ኣብ እዋን ሰላም እሞ ኸኣ ቅድሚ እቲ ኣዋጅ ዝተሃንጻን ከገልግላ ዝጸንሓን ትካላት ኣብያተ ትምህርትን ማእከላት ጥዕናን ይህገራ?" ክብሉ ይሓትቱ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተልዎ ካህን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣባ ሙሴ።

ኣብ ሰነ-2019 መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መላእ ሃገር ንዝርከባ ትካላት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ከም ዝወረሰን ይፍለጥ።

ብድሕሪኡ፡ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ፡ ናብ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣብ ዝጽሓፉዎ መልእኽቲ፡ "እታ ቤተ ክርስትያን ህይወታ ምስ ኣገልግሎት ህዝቢ ዝተተሓሓዘ ስለ ዝኾነ፡ ንሕና ንደቂ ሰባት ካብ ምህናጽ ሓሊፍና ኣንጻር መንግስትን ሃገርን ኮይና ኣይንፈልጥን ኢና" ምባሎም ዝዝከር ኢዩ።

እዚ ናይ ሕጂ ተግባር፡ ከምቲ ስርዓት ደርጊ ብ1982 ዓ/ም ኣብ ልዕሊ እተን ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝመሓደራ ዝነበራ፡ ከም ካምቦኒ፡ ላሳለን ቅድስቲ ሃናን ዝኣመሰላ ዘካየዶ ናይ ምህጋር ተግባር ከምዝርእዮ እቲ ጉባኤ ገሊጹ ነይሩ።

እታ ቤተክርስትያን፡ ነቲ ብደርግ ዝተወረሰ ኣብያተ ትምህርቲ ክምለሰላ ክትሓትት እያ ጸኒሓ።

"እንተኾነ፤ ይትረፍ እቲ ቀደም ብደርጊ ዝተሃገረ፡ እቲ ብድሕሪኡ እውን ክሰርሕ ዝጸንሐ ትካላት ብመንግስቲ ይውረስ ብምህላው" ቅሬታ ከምዝፈጥረሎም ሓደ ስሞም ክግለጽ ዘይደለዩ ሓደ ካህን ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

መንግስቲ ኤርትራ ብካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዝመሓደራ ማእከላት ጥዕና ድሕሪ ምህጋሩ፡ ብዙሕ ነቐፌታት ቀሪብዎ እዩ።

ፍልይቲ ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ ዳኔላ ክራቨዝ፡ እቲ ተግባር "ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ለውጢ ከምዘይብሉ" ዘርኢ ፍጻመ እዩ ኢላ ነይራ።

መንግስቲ ኤርትራ ግን እቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ሕጋዊ ምዃኑ ዝገልጽ መገለጺ ከምዘውጸአ ይዝከር።

ኣብ መግለጺኡ "ሃይማኖታዊ ትካላት ኣብ ዝመረጽዎ ቦታ ልምዓታዊ ንጥፈታት ከሳልጡ ኣይፍቀደሎምን፡ ምኽንያቱ ድማ ተኸተልቲ ናይቲ ትካል ዘይኮኑ ሰባት ዘግልል ክኸውን ስለዝኽእል" ኢሉ ነይሩ።

 
ቤተ ክርስትያን

ብእምነታውያን ተቊዋማት ዝመሓደራ ሸውዓተ ኣብያተ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ተሃጊረን

መንግሥቲ ኤርትራ ከም መቀጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ዝጀመሮ ምህጋር ናይተን ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ዝውነናን ዝመሓደራን ዝነበራ ተቊዋማት ሕክምና ሎሚ ዕለት 3 መስከረም 2019 ዓምፈ ሰለስተ ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ክልተ ብተኸተልቲ እምነት ምስልምና ኤርትራ ሓንቲ ብኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ሓንቲ ከኣ ብፈይዝ ሚሽን ዝውነናን ዝካየዳን ዝነበራ ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝሃገረ ተሓቢሩ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልቲ ሰሊኹ ዝወጸ ናብ ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ክቡር ኣቶ ወልደሚካኤል ኣብርሃ ዝተጻሕፈ ትእዛዝ ከዝምዙይ ይብል። 'ጉዳዩ ምስግጋር ምሕደራ ኣብያተ ትምህርቲ ይምልከት። ኣዋጅ ኣዋጅ 73/1995 ምሕደራ ዓለማዊ ትምህርቲ ንሃይማኖታዊ ትካላት ፍቑድ ከይዘይኮነ ዝፍለጥ እዩ። ክንድ ዝኾነ ኣብ ትሕቲ ሃይማኖታዊ ትካላት ዝነጥፋ ዝነበራ ማሕበራዊ ትካላት በብመድረኹ ናብ መንግስታዊ ምሕደር ክሰጋገራ ጸኒሐን። ኣብ ዞባታት ማእከልን ደቡብን ዓንሰባን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕርን ዝርከባ 7 ኣብያተ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ምስ ገለ ምስኣተን ኣብ ሓደ ቀጽሊ ዘለዋ ኣብያተ ትምህርቲ ማእከላይን መባእታን ደረጀታት ናብ መንግሥታዊ ምሕደራ ክሰጋገራ ተወሲኑ ኣሎ። እዚ መደብ'ዚ ካብ ዕለት 03/09/2019 ጀሚሩ ኣብ ኩለን ዞባታት ኣብ ሓደ እዋን ክትግበር እዩ። ስለዚ ኣካል ሚኒስትሪኹም ዝኾኑ ምምሕዳራት ዞባታት ነዚ ተወጢኑ ዘሎ መደብ ክትግብሩ ሓበሬታን መምርሕን ከተመሓላልፉልና ብኣኽብሮ ንሓትት 'ይብል።

ሰማይ ሃገርኩም ን 28 ዓመት ብዘይ ቊዋም እትመሓደር ሃገርስ ቅድሚ 24 ኣዊጅና ብዝበልዎ እሞ ብተደጋጋሚ ብቃልስ ይኹን ብጽሑፍ ኣይፍላ ንረዳዳእ ብማለት ኣብየት ቢልካ ዘይተሰማዕካሉ ሎሚ ብከምዚ ክመጽእ ዘገርም እኳ እንተኾነ ኣቋም ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን በብሓደ ንሕክምና ዝምልከትስ ይኹን ንትምህርቲ ንኩለንትናዊ ሰብኣዊ ምዕባሌ መሥራቲኣ ብሥጋን ብሥጋን ብሥጋን ይሃልዋ ኣይሃልዋ ቤት ሕክምና ይሃልዋ ኣይሃልዋ ወላ ከምቲ ናይ ጐይታና ኢየሱስ እውን ኣይሃልዋ ክትቅጽሎ ምዃና ፍሉጥ እኳ እንተኾነ እንታይ ዝወርድ ዘሎ ቢሉ ንዝሓትት ቅዱስ መጽሓ መልሲ ኣለዎ.

7 ኦሪት እስራኤላውያን ከመይ ኢሎም ኣብ ጸገም ይኣትው ከምዝነበሩ ካብ ዝገልጽ ብዙሕ ዛንታት ንኩነትና ትመሳሰል ኣብ መሳፍንቲ 9. 7-15 ' ንዮታም እዚ ምስ ነገርዎ ናብ ርእሲ ኸረን ጌሪዚም ከይዱ ኣብኡ ደው በለ ቃሉ ዓው ኣቢሉ ጨደረ እሞ በሎም ኣቱም ሰብ ሴኬም ኣምላኽ ኪሰምዓኩምሲ ስምዑኒ. ኣእዋም ኣብ ልዕሊኦም ንጉስ ኪቐብኡ ኸዱ እሞ ነውልዕ ኣብ ልዕሌና ንገስ በልዎ። እቲ ኣውልዕ ግና ከይደ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ሰሰው ክብል ኢለስ ነቲ ኣምላኽን ሰባትን ኣባይ ዜኽብርዎ ዘይተይዶ ኽገድፍ እየ፧ በሎም። ሽዑ እቶም ኣእዋም ንበለስ ንስኻ ንዓ እሞ ኣብ ልዕሌና ንገስ በልዎ። እቲ በለስ ግና ከይደ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ሰሰው ክብል ኢለስ ነቲ ጣዕመይን ጽቡቕ ፍረይንዶ ኽገድፍ እየ፧ በሎም። እቶም ኣእዋም ንወይኒ ድማ ንስኻ ንዓ እሞ ኣብ ልዕሌና ንገስ በልዎ። እቲ ወይኒ ኸኣ ከይደ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ሰሰው ክብል ኢለስ ነቲ ንኣምላኽን ንሰባትን ዜሐጕስ ወይነይዶ ኽገድፍ እየ፧ በሎም። ሽዑ ዅሎም ኣእዋም ንእሾዅ ንስኻ ንዓ እሞ ኣብ እሾዅ ድማ ብሓቂ ንኣይ ቀቢእኩም ኣብ ልዕሌኹም ክተንግሱኒ እንተ ደሌኹምሲ ኣብ ጽላለይ ኣጽልሉ እንተ ዘይኰነስ ድማ ካብቲ እሾዅ ሓዊ ይውጻእ እሞ ነቲ ጽሕድታት ሊባኖስ ይብልዓዮ በሎም። ' ከምኡ እውን ኮነ ይብለና።

ሕዝቢ ኤርትራ ኣስተውዕል! ውግዘት ብፁዕን ቅዱስን ፓትርያርክ ኣንጦንዮስ ምርቃ ከይመስለካ! መርገም ፈላሲ እንትዘይቀተለ ጥራይ ዘይኮነ ከምቲ ኣምሓሩ ዝብልዎ የኣቡነ ዘበሰማያት ጦር ሲወጋ እንጂ ሲወረወር ኣይታይም እዩ ነገሩ። ኣስላምና ክርስትያና ከምዚ እስራኤላውያን ዝገበርዎ ጌጋ ጌርና ከይንህሉ እሞ ተማህሊልና ሓዊ ኣምጺእና ከይንኸውን ምስትውዓል ከድሊ እዩ። ኤህ ክብሉኻ ኣይጽቡቕን! ስለእግዚአብሔር ስለ ማርያም በቦኻን በደኻን ተለመን ክብሉኻ ዘይምስማዕ ኣይንኡድን። መራሕትና ተለመኑ ካብ ውግዘትን መከራን ሓውን ሃገርና ኣድሕኑ ምባል እንተዘይኮይኑ ካልእ ዝበሃል የልቦን።

ምውራስ ካቶሊካውያን ገዳማትን ኣብያተ ትምህርትን ካልእ ተቍዋማትን ንመጀመርያ ኣይኮነን። ብዝቀረበ ክንጅምር ንኣብነት! ብ1982 ሻልቃ ዳዊት ወልደገዮርጊስ ዝመርሖም ማርክሳውን ሌኒናውን ፍልስፍና ኢና እንኽተል በሃልቲ ፖሎቲከይናታት ሰበስልጣን ደርግ ገዳማትን ካቶሊካዊ ተቊዋማትን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ብኢደ ዋኒኖም ወረሱ። በቲ እዋን'ቲ ብደርግ ዝተሃገሩ ገዳማት እዞም ዝስዕቡ እዮም።

1. ገዳም ማሕበር ካፑቺኒ (ቅዱስ እንጦንዮስ) ጎዳይፍ።

2. ገዳመ ሲታውያን መንበርን ክፍሊ ስነምዕበያን ቤትትምህርትን ሰፊሕ ሕርሻን።

3. ገዳም ኮምቦኒ ካህናት ብሉጽ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርትን መንበሪ ግዳምን ኮልጅ ኮምቦንን።

4. ማሕበረ ልኡኻን ላዛሪስት መንበሪ ግዳም (ድሕሪ ነዊሕ ቃልሲ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ናብ ዋንነቱ ተመሊሱ።)

5. ማሕበር ደናግል ኮምቦኒ ሰፊሕ ቤትትምህርቲ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራን ማንበር ሳንታ ፋሚልያን ኮልጅ ሳንታ ፋሚልያ።

6. ኣሕዋት ዘላሳል ሰፊሕን ብሉጽን ቤትትምህርትን መንበሪ ገዳሞምን ኮልጅ ላሳል።

7. ማሕበር ደናግል ቅድስቲ ሃና ውሩይ ገዳምን ብሉጽ ቤትትምህርትን ኮለጅ ሳንታ ኣና እዮም።

ኣቡነ ኣብራሃ ነዚ ገዳማት ናብ ዋንነቶም ንምምላስ ብዙሕ መንገዲ ተበላሓቱን ተኸላኸሉን ንጉባኤ ሲኖዶስን ንሓለፍቲ ኢሰፓኣኮ ደብዳቤታት ጸሓፉ ካብቶም ዝጸሓፍዎም ኣደነቕቲ ደብዳቤታት እነሆ ፥

ንሕብረተ ሰብኣዊት ንግዝያዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣማኑኤል ዐምደሚካኤል ዋና ጸሓፊ ዝጸሓፍዋ ደብዳቤ

                                                  ኣስመራ የካቲት 27 ቀን 1974 ዓ.ም.ፈ.

                                                   ሳ.ፓስታ ቊ .244 ስልኪ ቊ .10206

ለሕብረተስብኣዊት ኢትዮጵያ ጊዜያዊ ወታደራዊ መንግስት

በኤርትራ ክ / ሃገር ሁለገብ ኣብዮታዊ ዘመቻ ጽሕፈት ቤት

ለክቡር ዋና ጸሓፊ ኣማኑኤል ዓምደሚካኤል ኣስመራ ፥

የሃገሪቱን ምሉ ጥረት የሚፈለግ ስለሆነ ሁለገብ ዘመቻው በክፍ ልሀገሩ የሰላምና ልማት ግቡን ይመታ ዘንድ በመንግስትና በቤተክርስትያን በካከል ኣለመግባባት እንዳይፈጠር ማድረግ እንደ መንፈሳዊ ግዴታዋ ነው የምትቆጥረው ቤትክርስትያን። ከየካቲት 25 ቀን 1974 ዓ.ም.ግ. ዛሬ ድረስ በዘመቻው መስክ ውስጥ ቤተክርስትያን ነክ ይሆኑት እርምጃዎች ተወስደዋል። ውይይት መግባባትን ያቅናናልና ጳጳሳቱ ሆነ ግዳማት ትወካዮቹ ወደ ጉለገብ ዘምቻ ዋና ጸሓፊ እንድንቀርብ እንዲፈቀድልን በትሕትና እልምናለሁ። ኣምላክ ኢትዮጵያ እግዚኣብሔር ይስጥልኝ። ኣቡነ ኣብራሃ

ትርጉም ፥ ኣብ መንጎ ቤተክርስትያንን መንግስትን ዘይምርድዳእ ከይፍጠርን ሁሉገብ ዘመቻ ኣብ ክፍለ ሃገሩ ሰላምን ልምዓት ዕላምኡ ምእንቲ ክወቅዕን ናይ ምሉእ ሃገር ጻውዒት የድሊ ኣሎ። ነዚ ከኣ ቤተክርስትያን ከም መንፈሳዊ ግቡኣ እያ ትቆጽሮ። ካብ የካቲት 25.1974 ዓ.ም.ግ. ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ብዘመቻ ምኽንያት ኣንጻር ቤተክርስትያን ዘየድልዩ ስጉምትታት ተወሲዶም ኣለዉ። ምምይያጥ ምርድዳእ ይፈጥር እዩ'ሞ ጳጳስ ኮነ ናይ ገዳም ተወከልቲ ናብ ሁሉገብ ዘመቻ ዋና ጸሓፊ ክንቀርብ ክፍቀደልና ብትሕትና እልምን ኣሎኹ። ኣቡነ ኣብራሃ

ብድምጺ ንምክትታል!

Abdur Rahman Alfa Shaban
03/09 - 17:50

Eritrea

In June, Eritrean authorities seized health facilities that were previously run by the Catholic Church. The church slammed the move which it said impacted the less privileged most.

Reports indicate that a latest round of seizures have taken place, this time education institutions are at the center of the seizures. A BBC report said seven secondary schools run by religious organisations had been captured by government.

An order to hand over the running of the schools was given to the Catholic Church and other Christian and Muslim groups on Tuesday morning, the report said.

As in the case of the health post seizures, sources disclosed to the BBC that security agents had been deployed to the respective schools to enforce the government order.

In the case of the health facilities, the church’s ‘fightback’ letter read in part: “The government can say it doesn’t want the services of the church but asking for the property is not right.”

Asmara defended the June closures citing a regulation passed in 1995. Under the regulation, government limited the activities of religious institutions in the Horn of Africa nation.

“Regulation 73/1995, enacted in 1995 after proper consultation between the government and the respective faiths, is a case in point. The regulation emphasizes the separation of powers and limits developmental activities of religious institutions to funding and monitoring in specific sectors identified by the Government (Article 6).

“Religious institutions are not allowed to actually conduct developmental activities in areas of their choice as this is fraught with discrimination against non-adherents of the specific institution in question.

“Religious institutions are not also, allowed, to solicit funds from external donors for the same considerations of equity and eschewing externally-induced imbalances.

“In this spirit, the funds that religious institutions allocate to developmental services must be raised from their local constituencies (Article 7),” the official government justification of June 27, 2019 read in part.

The government has also refused to react to claims that the seizures bordered on witch hunt of a vocal church group which has routinely criticised President Isaias Afwerki’s rule.

source https://www.africanews.com/2019/09/03/eritrea-govt-s-latest-seizures-schools-run-by-religious-bodies/?fbclid=IwAR2zb9nzMIFy_TkJoyoelz5Ai-ygIUEOBmaR2Hp8nlGnX-wT2atfPWWrGSA

  ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com