--> ehrea

Prisoners death records  

 

 

 

 

 

 

W.Haile
Mysterious death of Ibrahim Afa
Mysterious death of Abraham Tewelde

Liquidation in the ELF
index sitemap advanced
2024-04-25

 

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ካብ ዓዲወደርኪ ዝተባህለት ዓዲ ልዕሊ 70 ዝኾኑ ዜጋታት ብጃምላ ከምዝኣሰረ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብ ከባቢ ዓዲዃላ ካብ እትርከብ ዓዲወደርኪ ዝተባህለት ዓዲ፡ ልዕሊ 70 ዝኾኑ ደቀንስትዮ ዝርከበኦም ዜጋታት ብጉጅለ ዓፋኝ ስርዓት ህግደፍ ተኣሲሮም ናብ ዘይፍለጥ ቦታ ተወሲዶም፡፡ እቲ ኣብ መጀመርያ ሰሙን ናይ ወርሒ ጥሪ 2017 ዝተረኽበ ናጤባ ብሰንኪ ሓደ

ኣብ ከባቢ ዓዲዃላ ካብ እትርከብ ዓዲወደርኪ ዝተባህለት ዓዲ፡ ልዕሊ 70 ዝኾኑ ደቀንስትዮ ዝርከበኦም ዜጋታት ብጉጅለ ዓፋኝ ስርዓት ህግደፍ ተኣሲሮም ናብ ዘይፍለጥ ቦታ ተወሲዶም፡፡ እቲ ኣብ መጀመርያ ሰሙን ናይ ወርሒ ጥሪ 2017 ዝተረኽበ ናጤባ ብሰንኪ ሓደ ጀማል ዓብደልዋስዕ ዝተባህለ ተወላዲ እቲ ዓዲ ዝኾነ መንእሰይ ‘ኮብሊልካ‘ ብዝብል ምስምስ ብለይቲ ክወስድዎ ምስ ዝመጹ ብረት ዝሓዙ ሰባት ዘለዓዓሉዎ ጠንቂ ምዃኑ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ናይ ዓይኒ ምስክር ሓቢሮም፡፡

እቶም ምንጪታት ከም ዝሓበርዎ፡ መጀመርያ ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ‘ጸጥታ ኢና’ በሃልቲ ሰብ ብረት ብጸላም ናብ ገዛ መንእሰይ ጀማል ብምእታው ንዝረኸብዎ ምግፋዕን ማህረምትን ጀሚሮም፡፡ በቲ ዝተሰምዐ ጫውጫውታ ድማ ህዝቢ እቲ ዓዲ እንታይ ኣትዩና ብምባል ናብቲ ገዛ ውሒዙ፡፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ንዝረኣዮ ግፍዒ ትም ኢልካ ምርኣይ ስለዘይተዋሕጠሉ እውን ‘ዓገብ’ ብምባል ሓደ ቃል ኮይኑ ነቶም ዓመጸኛታት ገኒሑ፡፡ ንዝኾብለለ ትሕለቑ ኣለኹም ብምባል ድማ ህዝቢ ፋሕ ንኽብል ጥይት ንላዕሊ ትኲሶም፡፡ እቲ ህዝቢ ግን ፋሕ ምባል ኣብዩ፤ ዓገብ ካብ ምባል እውን ኣየቛርጸን፡፡ ኣብ መወዳእታ እቶም ጸጥታ ኢና በሃልቲ ፈኪሮም ካብቲ ዓዲ ወጺኦም፡፡

ድሕሪ ሳልስቲ ድማ እዚ ዘይባሃላ መካይን ዝሓዘ ሰራዊት ንካብ 70 ዘይውሕዱ፡ ኣደታት ቆልዑ ዝርከባኦም ደቂ ዓዲ፡ ብኣልማማ መጀመርያ ንዓደልገስ (ከባቢ ዓዲዃላ)፡ ድሒሩ ንዓዲ ኣበይቶ፡ ካብኡ ድማ ናብ ዘይተፈልጠ በረኻታት ባርካ ወሲደሞም ከምዘለዉ እቶም ናይ ዓይኒ ምስክር ኣረጋጊጾም፡፡ በዚ ተርእዮ’ዚ፡ ዝሰከሐ ናይቲ ከባቢ ጭዋ ህዝቢ ምስ ዝምልከቶም ሰበ ስልጣን ናይቲ ስርዓት እናተራኸበ ሃለዋት ናይቶም ግዳያት ንምፍላጥ ይፈታትን ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ፡፡

SOURCE http://assenna.com/

ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com