} --> ehrea

Prisoners death records  

 

 

 

 

 

 

W.Haile
Mysterious death of Ibrahim Afa
Mysterious death of Abraham Tewelde

Liquidation in the ELF
index sitemap advanced
2024-04-25

 

By Erimedrek / November 24, 2017 /

130 መሬት ጤሳ ተዋሂቦም ዝነበሩ ዜጋታት ነበርቲ ዞባ ማእከል ብኣባላት ፖሊስ ተኣሲሮም።

እዞም ብ9 ሕዳር ዝተኣስሩ ዜጋታት መሬት ጤሳ ተዓዲሎም ፍርቂ ኮነ ምሉእ ዝሸጥዎ ኢዮም። እቶም ዜጋታት ካብ ጎዳይፍ፣ገጀረት፣ቃሕውታ፣ዓዲ ሰግዶ፣ቤት መኻእ፣4ኣስመራ፣ጻዕዳ ክርስትያን ፣ቑሸት, ዓዲ ኣቢቶን ፣ወኪድባን ዝተኣስሩ ዜጋታት ብኣባላት ፖሊስ ከካብ ገዛውቶም ብለይቲ ተለቒሞም ናብ መደበራት ፖሊስ 5ይን 6ይን ከምኡ እውን ዓዲ ኣቤቶ ተወሲዶም ምህላዉ ተገሊጹ።

መብዛሕተኦም እቶም ዜጋታት ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመት ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ወፊሮም ዝነበሩ ብሙኻኖም እቲ መንግስቲ ዝኣዘዞም ዕዳ ኪኸፍሉ ዘይከኣሉ ኢዮም።

እቶም ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘለዉ ዜጋታት ኣብ ወርሒ 10 ኣሃዱታቶም ኣሲረን ናብ ፖሊስ ዞባ ማእከል ክልእከኦም ተሓቢረን ከምዝነበራ ዝገለጹ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ ኣሃዱታቶም ኣብ ኣገልግሎት ከርተት ዝብሉ ዘለዉ ኣባላትና ኣይንልእካን ብምባለ ምልኣኾም ስለዝተቓወማ ፖሊስ ዞባ ማእከል ናብ ኣሃዱታቶም ው ፊሩ ከምዝኣሰሮም ተሓቢሩ።

እዚም ኣባላት ሰራዊት ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ሃገራዊ ግቡእን ከርተትን ብዘይዝኾነ ክፍሊት ሃገራዊ ግቡኦም ኪገብሩ ዝጸንሑ ሙኻኖም ርዱእ ክንሱ ብዓሰርተታ ኣሽሓት ዝትመን ዕዳ ንመንግስቲ ኪኸፍሉ ምእዛዞም መንግስቲ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ካብ ናይ ህዝቢ ክውንነት ርሒቑ ምህላዉ ዘርኢ ኢዩ።

እዚ ሕጂ ዝግበር ዘሎ ኣልማማ ማእሰርቲ ኣብ ህዝቢ ቁተዐ ከሕድር ስለዝጀመረ ካብ ዕለት 15 ጀሚሩ እቲ ማእሰርቲ ብለይቲ ኪካየድ ከምዝተወሰነ እቶም ምንጭታት ገሊጾም።

እዘን ዜጋታተን ዝእሰሩ ዘለዉ ዓድታት ማለት ጎዳይፍ፣ገጀረት፣ቃሕውታ፣ዓዲ ሰግዶ፣ቤት መካእ፣4 ኣስመራ፣ጻዕዳ ክርስትያን ፣ቑሸትን ፣ወኪድባን ኣብ እዋን ሓርነታዊ ገድሊ ኣብ ውሽጢ ጸላኢ ኮይነን ተኣምራታዊ ጀግንነት ዝፈጸማ ዓድታት ኢየን። ይኹን ግን መንግስቲ ኤርትራ ንኹሉ ናይ ሰማእታት ሕድሪ ምጥላምን ነቲ ዘበርከተ ምጭፍጫፍን ስረሐይ ኢሉ ተታሓሒዝዎ ስለዘሎ እዚ ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ ህዝበን ይካየድ ምህላዉ ተሓቢሩ።በዚ ሓድሽ ስጉምቲ ብዘይካ ከም ጸሎት ዝኣመሰላ ውሑዳት ዓድታት መብዛሕተአን ዓድታት ዞባ ማእከል ኣብ ሓደጋ ምህላወን እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

እቶም ዜጋታት ዝኾነ ልቓሕ ይኹን ደገፍ ምስሰኣኑ ነታ ዝተዋህበቶም መሬት ጤሳ ፍርቃ ሸይጦም በቲ ሽያጥ ጎጆታቶም ዝሰርሑ ኢዮም። ይኹን ግን መንግስቲ ኤርትራ እቶም ዜጋታት እቲ ገንዘብ እንተዘይመሊሶሞ እቲ ገዛውቲ ክህገር ዝብል መምርሒ ኣውጺኡ ምህላዉ ይሕበር።

ብሰንኪ እዚ ብዘይካ ምእሳር ካልእ ስራሕ ዘይብሉ ኣካይዳ መንግስቲ ኤርትራ፡ ሎሚ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ኣዲኣቤቶ ብእሱራት ስለዝመልአ ኣብ ገማግም ሰመናዊ ቀይሕ ባሕሪ ሓድሽ ቤት ማእሰርቲ ንምህናጽ ምድላዋት ይግበር ምህላዉ እቶም ምንጭታት ወሲኾም ሃቢሮም።

ሎሚ ኤርትራ እቶም ዝያዳ ዘበርከቱ ዝቕጽዑላን ብዘይ ቤት ዝነብሩላን እቶም ዝኾነ ኣበርክቶ ዘይገበሩ ድማ ኣደራሻት ዝሃንጹላ ሃገር ኮይና ኣላ። እቶም ብኹሉ መለክዒታት ብኽብሪ ክተሓዙ ዝግባእ ኣካለ ስንኩላንን ተጋደልትን ኣብ ዚንጎታት ቃኘው ኣብ ርቓዕ ዚንጎታት እንዳነበሩ 2% ዝኸፈሉ ኣብ ፌስቲቫል ተወፍዮም ዝስዕስዑ ተባሂሎም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታት ሃገርገር ዝብል ኣደራሻት ኣስሪሖም ዓጽዮሞ ናብቲ ዝነብሩሉ ወጻኢ ኪመላለሱ ምርኣይ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ።

 

  ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com