} --> ehrea

Prisoners death records  

 

 

 

 

 

 

W.Haile
Mysterious death of Ibrahim Afa
Mysterious death of Abraham Tewelde

Liquidation in the ELF
index sitemap advanced
2024-04-25

 

ኣስመራ ኣብ ዝነበረ ተቓዉሞ ዝተሳተፉ ዜጋታት

እቶም ተምሃሮ 29 ዙርያ ክሳብ ሕጂ ኣብ በረኻታት ናሮን ከባቢታት ቃምጭዋን ኣለው፡፡ ካብ ማእከል ስልጠና ፍሉይ ሓይልታት ዊዓ ብሎክ ዓራግ፡ ፈንቅልን ሓልሓለን ዝነበሩ ኩሎም ዓለምቲ ብሌ/ኮ ጀማል መሓመድ ተመሪሖም ነቶም ተምሃሮ ክዕልሙ ናብ ከባቢታት ናሮ ወሪዶም ኣለው፡፡ ኣብ ዙርያ ሓለዋ ተምሃሮ መሳርዕ ክፍላተ ሰራዊት 22፡ 525ን ብኮ/ል በረኸት መብራህቶም (ኮረንፈት) ዝእዘዙ ኣባላት ክ/ሰ 61 ከም ዝተመደቡ ምንጭታት ሓቢሮም፡፡

• ኣስመራ ኣብ ዝነበረ ተቓዉሞ ዝተሳተፉ ዜጋታት፡ ሕጂ’ውን ብጸላም ብኣባላት ውሽጣዊ ጸጥታን ሓይሊ እንተን፡ ተዓፊኖም ይውሰዱ ኣለው፡፡ እቲ ሓለዋ ውን ከምዝነበሮ ቀጺሉ ኣሎ፡፡ ድሕሪ መርመራታት፡ እቶም እሱራት ከከም ዝተዓደሎም “ገበን”፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቤት ማእሰርታት ይዳጎኑ ኣለው፡፡ ንሓጂ መሓመድ ኑር ሓዊሱ ክሳብ ሕጂ ናብ ካርሸሊ ካብ ዝተዳጎኑ እሱራት

1. ሓጂ ሙሳ ኢብራሂም (ኢማም መስጊድ ኣኽሪያ)
2. ሸኽ መሓመድ ያሲን (ኣቕራኢ መስጊድ ኣኽሪያ)
3. ነጃት ዑመር (ኣቕራኢት መስጊድ ኣኽርያ- ናይ ኣዋልድ) ኮይኖም ብሓደራ ንሓላፊ ቤ/ማእስርቲ ካርሸሊ ሜጀር ኣቶብርሃን ገብረሃንስ ዝተውሃቡ’ዮም፡፡

ምናልባት ናይ ኣቶብርሃን ቁጽሪ ቴሌፎን ምስትደልዩ 07 18 07 12 ምኻና ይገልጽ፡፡ ኣብ ካልኣይን ሓምሻይን መደበራት ድማ፡ ብጽኑዕ ክተሓዙ ካብ ዝተሓበሩ እሱራት፡ ከሊፋ ዝተብሃለ ወዲ ከባቢ ኣኽሪያን፡ ኣፍራሕ መሓመድብርሃን ዝተብሃለት ጓል ኣንስተይቲ ይርከብዎም፡፡ በቲ ዕለት ኣብ መርመራ ብዝወረዶ ከቢድ ማህረምቲ ተሃሲዩ፡ ኣብ ኣፍ ሞት ዝርከብ ስድርኡ ክበጽሕዎ ዘይተፈቕደሉ ሓደ ኣማን ያሲን ስራጅ ዝተብሃለ መንእሰይ፡ ኣብ ሆስፒታል ሓሊበት ይርከብ፡፡ ኣብ ትሕቲ ሚኪኤለ ኢሳቕን ሜጀር ካሕሳይ በየነን ዝምርመሩ 23 ዜጋታት ክሳብ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ቤ/ጽ ቀሓውታ ተሓይሮም ይርከቡ፡፡

ወደሓንኩም

ሕጂ ውን ንሼር ኣይትሕመቑ!!

ተስፋ ሚሊዮናት ዝመጸዉ ቢሊዮነራት
(ሰነዳት ዕደና ወርቂ ዛራ)
ካልኣይ ክፋል

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ፡ ብዛዕባ ቁጠባዊ ፖሊሲታት ስርዓት ህግደፍን፡ ንርብዒ ክፍለ ዘመን ዘስዓቦ ዕንወትን፡ ዝምልከት ጽሑፍ ፈኒየልኩም ነይረ፡፡ ሎሚ ከኣ፡ ብዝኣተኹዎ ቃል መሰረት፡ ንዕደና ወርቂ ዛራን፡ ብምኽንያት ተቓዉሞ ኣኽሪያ ዝተቐየዱ ዜጋታትን ዝምልከት፡ ሓበሬታ ይፍንወልኩም፡፡ ኣብዚ ቅንያት፡ ብሓደ ገጽ ብጉዳይ ወርቂ ቢሻ ኣብ ሃገረ ካናዳ፡ ኣብ ዝነበረ ፍርዳዊ መስርሕ፡ ህግደፍ ኣብ ዝተሰዓረሉ እዋን፡ በቲ ካልእ ከኣ፡ ተወሳኺ መንጸሮር ኣቦጓይላ ዝኸውን ብሰነዳትን ጭብጥታትን ዝተሰነየ ሚስጥራት ህግደፍ እንሆ፡፡

ዕደና ወርቂ ዛራ፡ ፈለማ ምስ ቻላይስ ዝተብሃለ ናይ ኣውስትራሊያ ትካል ዝተጀመረ ኮይኑ፡ ደሓር ድማ ሻንጋይ ዝተብሃለ ናይ ቻይና ትካል ዝዓደጎ ትካል ኢዩ፡፡ ብ2009 ከኣ ኣብ ሞንጎ ኮርፐሬሽን ዕደናን፡ ሴፍኮ (SFECO) ዝተብሃለ ናይ ቻይና ትካልን ብዝተገብረ ስምምዕ፡ ህግደፍ 60 ሚእታዊት፡ ሴፍኮ ከኣ ብ40 ሚእታዊት ብርኪ ብምኽታም ስራሕ ዝጀመረ ትካል’ዩ፡፡ ብመሰረት መጽናዕታት ሚኒስትሪ ጸዓትን ማዕድንን፡ ናይ ዛራ ወርቂ ብኣጉራዊ መዐቀኒታት፡ ቀዳማይ ደረጃ ዝተዓደሎ ኮይኑ፡ ክሳብ 160 ኪ/ሜ ርሕቐት ዘለዎም ከባቢታት ቆቋ ዝሽፍን ብተፈጥራዊ ጸጋታት ዝተዓደለ ከባቢ’ዩ፡፡

ኣብ ዛራ፡ ኣፈናዊ መጽናዕታትን ዳህሳሳትን ምስ ተጻፈፉ፡ ከምቲ ኣብ ቢሻ ዝተገብረ፡ ብቐጥታ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት፡ ኢድ ብምትእትታው፡ ካብ ቀረብ ዕደናዊ መሳርያታት፡ ክሳብ መሸጣ ወርቂ ዘሎ መስርሕ ክቆጻጸር ሓለፍነት ዝዓደሎ ንሓላፊ ቁጣባዊ ጉዳያት ህግደፍ ሓጎስ ኪሻ ኢዩ፡፡ ኣብ ሓለዋን ምቁጽጻርን ከባቢታት ዛራ ድማ፡ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ክፍሊ ውሽጣዊ ጸጥታ ሓላፍነት ተዓዲልዎ፡፡ ብመሰረት ኣዋጃት ዕማማት ዕደና ንሚኒስትሪ ጸዓትን ማዕድንን ዝተዓደለ ዋላ እንተኾነ፡ እቲ ሚኒስትሪ ግን ብጀካ ምድላው ኣብ ወረቐት ዝተርፉ መጽናዕታትን፡ ንካብነ ሚኒስትራት ዝቐርቡ ጽሑፋትን፡ ካልእ ኣበርክቶ የብሉን፡፡

ሓጎስ ኪሻ ከኣ ረቢሖም ከርብሑ ዝኽእሉ፡ ብኣዚዩ ስቱር መገዲ ዝንቀሳቐሱ፡ ኣብ ዕደና ተሞኩሮ ዘለዎም፡ ወጻእተኛታት ብምምጻእ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ከኣ ብፍላይ ኣብ ልቸንሳን ፍቓድ ዋኒንን ብጉልባብ ንሓንቲ ትዕግስቲ ጸጋይ ትበሃል ወልቀ ሰብ ሓላፍነት ብምሃብ፡ ካብ ሚኒስትሪ ንግድን ኢንዳስቱሪን ኣድላይ ወረቓቕቲ ክጻፈፈላ ተገይሩ፡፡ እቶም ካብ ወጻእ ዝመጹ ኪኢላታት’ውን፡ ኣብ ምሕደራን ቴክኒካዊ ጉዳያት ክሳተፉ ምስተገብረ፡ ዛራ ብሓፈሻ ሰሙናዊ ክሳብ 60 ኪሎ ወርቂ ክተፍሪ ጀሚራ፡፡ ግቡእን ሓላፍነትን መንግስትን ግንባርን ኣብ ዝተሓዋሰሉ ህግደፋዊ መድረኽ፡ ሃገርና ብሓደ ገባቲ ሰልፊ ምስተዓብለለት፡ ከምቲ ኣብ ቢሻን ኣብ ሃገራዊ ቁጠባን ዝተኻየደ ኣብ ዛራ’ውን ሓያሎ ህግደፋዊ ሽጣራታት ይቕጽሉ ኣለው፡፡ ዕደና ወርቂ ዛራ ካብ ዝጅመረሉ ዕለት ጀሚሩ፡ ብኸውሊ ዝተፈጸሙ ሽርሒታት ዝስዕቡ ክገልጸልኩም፡፡

• ሓጎስ ኪሻ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተጓዒዙ፡ ንሓደ መርሊን ቶማስ ዝተብሃለ ብርጣንያዊ ኣምጺኡ፡ ቀንዲ ኣካያዲ ስራሕ ኮይኑ ክዓይ ብምምዛዝ፡ ኣብ ወጻእ ዝግበር መሸጣን ዕድግን ተሳታፊ ክኸውን ሓላፍነት ሂብዎ፡፡ እዚ ሰብ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ብምስራሕ ዝለዓለ ተሞኩሮ ዘጥረየ ኮይኑ፡ ኣብ ዛራ ምስ ተመደበ’ውን፡ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ተዳሊዩሉ ኤርትራዊ ዜግነት ከምዘለዎ ተመሲሉ፡ ንወርቂ ዛራ ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ክሳተፍ፡ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኮይኑ ከምድላዩ ክሸይጥን ኣታዊታት ከመላልስን ፍቓድ ዝተውሃቦ ኢዩ ኔሩ፡፡ ጠቕላላ ደሞዙ ብዓመት 225 ሺ ዶላር ዝኽፈሎ ኮይኑ፡ ካብ መሸጣ ውን ናይ ኮሚሽን ኣታዊታት ነይርዎ፡፡ ምስ ሓጎስ ኪሻን ካልኦት ናይ ፋይናንስ ኣባላትን ብረብሓ ስለዝተባእሰ ቅድሚ ዓመት ኣቢሉ ካብ ስራሕ ተኣሊዩ፡ ብማይክ ኬሊ ዝተብሃለ ወጻእተኛ ተተኪኡ ኣሎ፡፡ (ሙሉእ ሰነዳቱ ብተለቃቢ ቀሪቡ ኣሎ)

• ኣብ ትሕቲ ሓጎስ ኪሻ ኮይኖም፡ ንዕደና ወርቂ ዛራ፡ ብሓላፍነት ክመርሑ ዝተመዙ ሰባት፡ ኣካያድቲ ስራሕ፡ የዕብዮ ኪዳነ (ሓላፊ ክፍሊ ፋይናንስ)፡ ብርሃነ ተስፋማርያም (ሚኒስተር ፋይናንስ) ያ ጂያ (ሓላፊ ክፍሊ ዕድጊ) ከምኡ’ውን ቺን ይን ዝተብሃለ ቻይናዊ ወኪል ፋይናንስ’ዮም፡፡ ቺን ይን ወኪል ቻይናዊ ትካል ሴፍኮ ስለ ዝኾነ ምስ ሓጎስ ኪሻ ጥቡቕ ርክብን ምሕዝነትን ኣለዎም፡፡ ብርሃነ ተስፋማርያምን የዕብዮ ኪዳነን ከኣ፡ ብጀካ ኣብ ዘቤታዊ ክፍሊት ደሞዝን፡ ዕድጊ መሳርሒታትን፡ ግብራዊ ሓላፍነት ዘይተዓደሎም ስማውያን ሓለፍቲ ‘ዮም፡፡ ብፍላይ ሚኒስተር ፋይናንስ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ፡ “ካብ መሸጣ ሃገራዊ ጸጋታት ዝርከብ ኣታዊታት ዝምለከት፡ ከም ሚኒስተር መጠን ስለ ዘይፈልጦ ስርሐይ ሓዲገ ኣለኹ” ብምባል ብድሌቱ መዝነቱ ምስ ኣረከበ፡ ንኣሽካዕላል ሚኒስትሪ ፋይናንስ ኣብ ሃገራዊ ጸጋታት ኢድ ከምዘለዎ ንምምሳል፡ ንሓድሽ ሚኒስተር ብርሃነ ሃብተማርያም፡ ኣብ ክታምን ኣኼባታትን ጥራይ ክሳተፍ ተገይሩ’ዩ፡፡ (ሙሉእ ሰነድ ክታም እዞም 4 ሓለፍቲ ብተለቃቢ ቀሪቡ ኣሎ)

• ብካልእ ወገን፡ ከምቲ ኣብ ቢሻ ዝተገብረ ኣብ ዛራ’ውን፡ ብጀካ ኣብ ገለ ውራያት፡ ኩሉ ዓይነት ሓለዋን ጸጥታን ብኣባላት ውሽጣዊ ጸጥታ፡ ክካየድ እዩ ተወሲኑ፡፡ ከም ውጽኢቱ ከኣ፡ ኣባል ውሽጣዊ ጸጥታ ኮይኑ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ዓፈና ስርሒታት ክዋሳእ ዝጸንሐ፡ ገዲም ተጋዳላይ ኮ/ል ርእሶም ኣባይ ወዲ ማርጋኖ፡ ዝመርሖ፡ ሓደ ናይ “ውልቂ” ዝመስል ትካል ተዳሊዩ “Red sea security guard Service” ዝብል ስም ብምሃብ፡ ምስ ዛራ ናይ ሓለዋን ጸጥታን ስምምዕ ኣንቢሮም፡፡ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ክፍሊ ውሽጣዊ ጸጥታ ከኣ፡ ውሑዳት ናይ እንዳ 72 ነበር ኣባላት ፖሊስ ዝርከብዎም፡ ግን መብዛሕትኦም ኣባላት ውሽጣዊ ጸጥታ ኮይኖም ዝሰርሑ ክውዝዑ ገይሩ፡፡ ብመሰረት ኣብ ሞንጎ ዕደና ወርቂ ዛራን ውሽጣዊ ጸጥታን ብዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ውሽጣዊ ጸጥታ ኣብ ኩሉ ምጉዕዓዝ ወርቂ ሓለዋ ከካይድ፡ ጉዕዞ ወርቂ ብመኻይን ምስ ዝኸውን ኣብ ነፍሰወከፍ መስርሕ፡ ውሽጣዊ ጸጥታ ክልተ መካይንን 8 ኣባላትን ከዳሉ፡ ከምኡ’ውን ብሄሊኮፕተር ምስ ዝኸውን፡ ክልተ ኣባላት ጸጥታ ካብ ቆቋ (መዳለዊ ፍርያት ወርቂ ዛራ) ክሳብ ኣስመራ ኤርፖርት ንሓለዋ ከዳሉ ከምዝግደድ እቲ ሰነድ ይሕብር፡፡ ኣብ ነፍሰወከፍ ወፍሪ፡ ካብ 1500- 2000 ዶላር ክፍሊት ብቐጥታ ንውሽጣዊ ጸጥታ ይኽፈል፡፡ እቲ ዘግርም ግን፡ ውሽጣዊ ጸጥታ ማእለያ ዘይብሉ ናይ ወጻኢ ሸርፊ እንዳኣከበ፡ ነቶም ብስም ሬድ ሲ ዝተወደቡ ኣባላት ሓለዋ፡ ነቲ ሰልዲ ኣትሪፉ ውሑድ ደሞዝ እዩ ዘመቓርሖም፡፡ (ብሓላፊ ሬድሲ ጋርድ ሰርቪስ ኮ/ል ርእሶም ኣባይ -ወዲማርጋኖ ዝተጠለበ ናይ ሒሳብ ሰነድ ብተለቃቢ ቀሪቡ ኣሎ፡፡)

• ድሕሪ ምዕጻው እቲ ብህግደፍ ዝውነን ንምውህላል ወጻኢ ሽርፊ ተባሂሉ ዝቖመ ትካል ሂምቦል ፊናንሳዊ ኣገልግሎታት፡ ኣብ ፍቓድ ሰደድን ኣታዊን ድማ፡ ከም ናይ ሲሲሊ ማፍያታት ወይ ከኣ ከም”ቶም ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ዕጻፋርስ ዝተዋፈሩ ኣካላት ዝኽተልዎ መስርሕ እዩ ኣብ ዛራ ተኣታትዩ፡፡ ንሓንቲ ትዕግስቲ ጸጋይ ተባሂላ ትጽዋዕ ውልቀ ሰብ፡ ኣቐዲሙ ዝነበራ ናይ ሰደድን ኣታዊን ፍቓድ፡ ብጉልባብ ኣብ ኣስመራ ናይ ዝኸበሩ ማዕድናት (Precious & Semi-precious stones, simply sawn or roughly shaped gold license) ዝብል ሊቸንሳ ብምውጻእ፡ ብናይ ውልቂ ፍቓድ ኣምሲሎም፡ እቲ ወርቂ ናብ ሰደድ ይወጽእ ኣሎ፡፡ ብስም ትዕግስቲ ጸጋይ፡ ካብ ሃገር ምስ ወጸ፡ በዓል ሓጎስ ኪሻን መሓውራቶምን ተቐቢሎም፡ ኣብ ዱባይ ንዝርከቡ ዓበይቲ ሃፋታማትን ኮንትሮባንዲስታን ይሸጥሎም፡፡ ንኣብነት ብ11 ሕዳር 2016፡ 1,458.36 Ounce ወርቂ ብ5,299,285.17 ዶላር ዝተሸጠሉ ሰነድ ብተለቃቢ ኣቕሪበልኩም ኣለኹ፡፡

• ዑደት ካብ መሸጣ ወርቂ ዝርከብ ወጻኢ ሸርፊ ውን፡ ናይ ባዕሉ ሚስጥራዊ መስርሕ ኣለዎ፡፡ እቲ ዶላር፡ ካብ ዱባይ ናብ ሻንጋይ ዝተብሃለ ናይ ቻይና ባንኪ ኣታዊ ምስተገብረ፡ ብመሰረት ውዕል 60 ሚእታዊት ናብ ህግደፍ ኣካውንት፡ ዝተረፈ 40 ሚእታዊት ድማ ናብ ናይ ሴፍኮ ኣካውንት ኣታዊ ይግበር፡፡ 60 ሚእታዊት ኣታዊታት ህግደፍ፡ ንመሳለጢያታት ዝውዕል ምስተቐነሰሉ፡ ብቀጥታ ካብ ሻንጋይ ናብ ጋዝፕሮም (GAZPROM) ዝተብሃለ ባንኪ ሩስያ ይለኣኽ፡፡ ኣብ መወዳእታ ካብ ጋዝፕሮም ወርሓዊ 5 ሚሊዮን ዶላር ዝኸውን ብ Swift code wire transformer ተዓጺዩ፡ ናብ ኣካውንት ብህግደፍ እትውነን ባንኪ ኣባይቲ ንግድን ኣታዊ ይግበር፡፡ ኣብ ውሽጢ ባንኪ ጋዝፕሮም ዝርከብ ብኣማኢት ሚሊዮን ዝቑጸር ዶላር፡ ብጀካ ኢሳይያስን ኪሻን ዝእዝዞ ዋላ ሓደ ሰብ የለን፡፡ ካብ መወዳእታ 2015 ጀሚሩ፡ ኣብቲ ናይ ሩስያ ባንኪ፡ ካብ ዝተውሃለለ ናይ ወጻኢ ሸርፊ፡ ብናይ ኢሳይያስ ትእዛዝ ናብ ስዊዝ፡ HSBC ን ካልኦት ባንክታትን ክዛወር ተገይሩ ኢዩ፡፡ (ብስም ትዕግስቲ ጸጋይ ንሰደድ ዝቐረበ ወርቅን ኣታዊታትን ዘርኢ ሰነድ ብተለቃቢ ቀሪቡ ኣሎ)

• ኣብ ወጻእ ካብ ዝርከባ ባንካታት ዝተፈላለዩ ፊናንሳዊ ኣገባባት ተጠቒሞም ናብ ውሽጢ ሃገር ብመልክዕ ዶላርን ናቕፋን ዝኣትው ተንቀሳቐሲ ሒሳባት እውን ኣለው፡፡ ንኣብነት ብ22 ሕዳር 2016 ብሒሳብ ቁጽሪ 30101022096 ዝነበረ ዝነበረ ናይ ዛራ ተንቀሳቐሲ መጠን ናቕፋ ኣብ ባንኪ ኣባይቲ ንግዲ 4,329,774.7 ዶላር እዩ፡፡ (ንተንቀሳቐሲ ሒሳብ ዛራ ዝገልጹ ሰነዳት ብተለቃቢ ቀሪቡ ኣሎ፡፡)

• ካብቲ ስቱር መስርሕ ዕደና ዛራ፡ ኣብ ዕድጊ ማተርያላት፡ ሓለዋ፡ ቀረብ ትራንስፖርትን ፍቓድ መንቀሳቐስን፡ ድማ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ርክብ ኣለዎ፡፡ ንኣብነት ናብ ዛራ ንዑደት ንዝገሹ ኣካላት ፍቓድ መንቀሳቐሲ ዝሓቱ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ መሳርዕ ክ/ሰራዊት 63 እዮም፡፡ ናብ ቀጽሪ ዛራ ንምእታው ዝፈቕዱ ድማ ኣባላት ውሽጣዊ ጸጥታ ጥራይ እዮም፡፡ ኣብ ቀረብ መጓዓዝያ ኣየር ብቀጥታ ብሜ/ጀነራል ተኽላይ ሃብተስሉስ ትእዘዝ Mi 171 ዝተብሃለት ሄሊኮፕተር ትጥለብ፡፡ ኣብ ምምላእ ካብ ወጻእ ዝኣቱ መቀያየሪ ኣቑሑን ነዳድን ድማ ብባዕሉ ህግደፍ ዝውነን ኮርፕረሽን ቀይሕ ባሕሪ (09) ይነጥፍ፡፡ (ዕደና ዛራ ምስዞም ክብ ኢሎም ዝተጠቕሱ ትካላት ዘካየዶም ርክባት ዝገልጹ ሰነዳት ብተለቃቢ ኣቕሪበልኩም ኣለኹ)

• ዕደና ወርቂ ዛራ ስራሕ ካብ ዝጀመረሉ ዕለት ጀሚሩ፡ ካብ ህዝቢ ዝተኸወለ ማእለያ ዘይብሉ ጸጋታት ተጓሕጊሑ፡ መህጠሪ ጁባታት ኣቦጓይላን ሒደት ኣዳኸርቱን ኮይኑ ኣሎ፡፡ ኣብ ምብሓትን ዝምታን ጸጋታት ሃገር ኣመልኪቶም ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት መሊቖም ንዝወጹ ሰነዳትን ሕቶታትን ንምጥምዛዝ፡ በዓል ማንኪን ኪሻን ኣብ እገዳታትን ብዝሒ ወጻኢታት መንግስትን ኣተኪሮም ክህውትቱ ይስምዑ’ዮም፡፡ ናይዞም ዕሱባት ህውተታ ሓዲግና፡ ዋላ ሎሚ ኣብዚ ዘመነ ውራውራ ጸጋታትና ክዘምቱ ሃረምረም እንተበሉ፡ ጽባሕ! እወ ጽባሕ! እታ ገንሸል ጸጋታት ዝኾነት ሃገርና ናብ ኢድ ወናታታ ተመሊሳ መኣዲ ውጽዕ ህዝብን ማሙቕ ዜጋታታን ክትኸውን ኣየጠራጥርን፡፡

• እቶም ብኣማኢት ኣሻሓት ዶላራት ዝኽፈሎም፡ ካብ ወጻኢ ዝኣተው ኪኢላታት ምስ ተሞኩሮኦም ሞያኦምን ዝዛመድ መጠን ደሞዝ ዝግበኦም ዋላ እንተኾነ፡ ኣብ ዛራ ምስቲ ዜጋታትና ዝረኽብዎ መጠን ደሞዝ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብሓቂ ከብድኻ ዘሕርር እዩ፡፡ “ብውሽጣዊ ዓቕምታትና” ኣብ ዝበሃለሉ ሃገር፡ ተመሳሳሊ ሞያን ተሞኩሮን ዘለዎም ወጻእተኛታት፡ ገለ ሚስጥር ንኽስትሩ ተባሂሉ፡ ዝዕደሎም ግንዖ፡ መዳርግቲ የብሉን፡፡ (ብዝኾነ ናይ ገለ ካብ ወጻኢ ዝኣተው ኪኢላታት ሰነዳት’ውን ብተለቃቢ የቕርበልኩም፡፡)

ንዝምታ ባህሪያዊ ጸጋታት ሃገር ዝምልከት፡ ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ኣብ ቢሻ ምስ ዝተፈጸሙ ሽርሒታት ብምትእስሳር፡ ብክልተ ክፋላት ዝተዳለወ ጽሑፍ ዘርጊሐልኩም ነይረ፡፡ ወርቂ ቢሻ ተባሕጊጉ ምስተጸንቀቐ፡ ዝተጀመረ ወርቂ ዛራ ውን፡ ናይ ሒደት ጠላማት መላገጺን ዓውዲ ብልሽውንናን ኮይኑ ኣሎ፡፡ “ኣብ ዘመነ ውራውራ ነብስኻ ኣይተዕብራ” ከም ዝበሃል፡ ኣብዚ ጸሊም ዘመን፡ ኩሉ በቢዓቕሙ ዝረኸቦ ክመጹ ህርድግ ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ኣዚዩ ጎራሕን ጨካንን ሓለቓ ስታፍ ሓ/ምክልኻል ጀነራል ፍሊጶስ’ውን፡ ካብ ቤት ማእሰርታት ዓዲኣቤቶን ማይ ስርዋን ዘዋህለሎ ርእሰ-ማል ከይኣኽሎ፡ ከም በዓል ኪሻን ወዲፊተውራርን ኢዱ ናብ ምምእራር ጸጋታት ይዛሪ ኣሎ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ንዓመታት ካብ ዝተፈላለዩ እሱራት ወነንቲ እንዳወርቂ ዝተሃገረ፡ ካብ ግፉፋት ባህላዊ ዕደና ወርቂ ዝተመንጠለ፡ ከምኡ’ውን ናይ ካልኦት ዘይሕጋውያን ነጋዶ ዝተወህለለ፡ 46 ኪሎ ወርቂ ብስውር መርበባት ብመገዲ ኣየር ኣቢሉ፡ ናብ ዱባይ ክልእኽ ሃንደበት ተታሒዝዎ ‘ሎ፡፡ እቲ ወርቂ ብስም ወናኒት ጽገሬዳ ትራቭል ኤጀንሲ ኣቢሉ ብመገዲ ኣየር ኢመራት ካብ ሃገር ክወጽእ ዝተወጠነ ኔሩ፡፡ ሃንደበት ብኣባላት ውሽጣዊ ጸጥታ ምስተተሓዘ፡ ነቶም ኣብቲ ብፍሊጶስ ዝተወደበ መርበብ ዝተሳተፉ ማለት፡ ወናኒት ትራቭል ኤጀንሲ፡ ወይኒን ዓወትን (ዝተብሃሉ ኣባላት ግራውንድ ሰኩሪቲ)ን ዓብዳት ዝተብሃለ ወኪል መገዲ ኣየር ኢማራትን፡ ኣብ ቀይዲ ውዒሎም ኣለው፡፡ ንፍሊጶስ ግን ዋላ ሓደ ዝተንከፎ ኣካል የለን፡፡

ብሓፈሻ ከም ወዲ ሰብ፡ እሞ ከኣ ከም ሓደ ብስቓይ ህዝቡ ዝሓምም ኤርትራዊ ኮይንካ፡ ኣብ ልዕሊ’ዛ ሃገር ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ ን ዝምታን ክትሓስቦ ከለኻ፡ ደም ዘንብዕ ኣዚዩ ረሳሕ ናይ ጎሓላሉ ታሪኽ ‘ዩ፡፡ ኣብ ሞንጎ እዞም ታሪኽ ሃገር ዘመራስሑ ኣካላት ውን በቢእዋኑ ምትፍናን ይስዕርር ኣሎ፡፡ ዛጊት ድሕሪ ሚኒስተር ብርሃነ ኣብርሀ’ውን፡ ገለ ካብ ሚኒስተራት፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ዝተኻየዱ ኣኼባታት፡ መዓላ ጸጋታት ሃገር ኣበይን ከመይን ምኻኑ ክሓቱ ጀሚሮም ኣለው፡፡ ወረ ሓደ ሲ! ብዘይ ፍርሒ “እቲ ወርቂ ናበይ የብል ኣሎ? ሃገር ዝጥቀስ ልምዓት ከይረኣየት ወርቅና ግን በቢዕለቱ ናብ ደገ ይውሕዝ ኣሎ፡፡ ባሕርናን ወደባትናን ብግዳማውያን ይበሓት ኣሎ፡ ኣበይ ከ ኣሎ እቲ ዶላራት?...” ኢሉ ኣብ ቅድሚ ኣባጓይላ ሕቶ ኣልዒሉ ‘ዩ፡፡

  ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com