ሐጺር ታሪክ ብዛዕባ ስዉእ ሃብተስላሰ ገረመድህን

ቀንዺ ዕላማ ናይዚ ተሰኒዱ ዘሎ ጹሑፋት፥ ንአንበብቲ ብዛዕባ ስዉእ ሃብተስላሰ ገረመድህን ሓበሬታ ንምሃብ ተባሂሉ ካብ www.ehrea.org ንfacebooks ዝተዋጸኤ ኢዩ::

Habte Selassie joined the ELF  from the  Prince Bede Mariam school, Ethiopa  and was one of the eleven fighters from the Ala group. He played an active role in organizing secret talks at Kagnew Station held between  Tesfa Michael Georgo and Richard Copeland from the CIA .(According to some source Copeland recruited Abdel Nasser).

Habtselase was captured in Seled in 1971 (seled near AKRORE Tsefmichel Gorgo Local place. According to Meharena Hadgu, Habte Selassie was in Ala in 1970 and taken prisoner by Ethiopia.He played an active role in organizing the secret talk at Kagnew Station with Tesfa Michael Georgowhich was held between Issays and Richard Copeland from the CIA .(According to some source his true name is Miles Copeland who reruited Abdel Nasser).

According Meharena Hadgu, Habte Selassie was in Ala in 1970 and taken prisoner by Ethiopia. He was not imprisoned long; his family worked hard to have him freed bribing the authorities saying he had planned to give himself up. .When he was released from prison He joined Isaise group but within short period Eritrea independence. During the Menkae movement Habtselase was particpated in the (MENKA ) members but he had asked why the movement was seen negatively, and telling this to Isayas.

Thereafter he was harassed by Gerzger (WETCHU) .Gerzger said to Habtselase you are spy of Ethiopiean which was not true but Isaise took an excuess to killed all of them that they were in Alla (BAZIT ) with him . As mentioned earlier Habselase was the first mediator between the Alla group and C.I.A group But the C.I.A was looking a top leader from (KYADEL AMMA ) membbers .The C.I.A started to talk with Isaise by mediator Tsefmichel (gorgo ) but some of the All group didn't like what Isaise was doing but Isaise aim was to destroy E.L.F by the help C.I.A and Astate Kassa .He was not succssed .After many Eritrea Youth to Join his group Isaise changed his principle and policy to fight Ethiopiean government for

Because of this allegation Habteselesse was arrested after John, Afwerki, Tareke, Rusom Amma, Dehab Aberash, Werku and others were imprisoned .Weldemariam Abraham stated in his interview, Those introgetors used to beat Habte Selassie because he knew that Isayas was a spy of Asrate Kassa and the Americans, and they wanted to get rid of him.

At the end Habte Selassie was executed for having allegedly “spied” for the Ethiopian Government and the CIA in 1975.Ammar (2004) added that Habte Selassie was killed for having  know to much about the meetings at Kagnew Station and the differences that emrged among the leaders of the faction. Indeed Habte Selassie played an active role in organizing the meetings at Kagnew Station with Tesfa Michael Georgo.
Girmay Filipos in his paper ኢሳያስ ሰላዪዶ ወይ ተጋዳሊ also mentioned

Mesfin Hagos is the only person who can provide the right information about Habte Selassie whether he was a spy or not because Mesfin Hagos participated in the decision for sentenced Habteselssa and other menka ringleader in 1975.


Excerpt from Kab Mezgeb Tarich by Alem Tesfay

ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ካብ ጀብሃ ተፈልዩ ምስቶም ኣብ ዓላ ዝነበሩ ተጋደልቲ ኣብ ዝተሓወሰሉ ግዜ፣ ነቲ ብመንገዲ ሃብተስላሰ ገብረመድህን ተጀሚሩ ዝነበረ ዝርርብ ቃኘው በቲኹ ባዕሉ ነቲ ርክብን ዝርርብን ምቕጻሉ፤ ብድሕሪ መስዋእቲ ኣብርሃም ተወልደ ኣብ ዝተገብረ ምርጫ ድማ ሃብተስላሰ ተመሪጹ ም ተወልደ ኣብ ዝተገብረ ምርጫ ድማ ሃብተስላሰ ተመሪጹከብቅዕ፦

“… ኣብ ጀብሃ ዝነበረኒ ሓላፍነት ጠንጢነ ስለዝመጻእኩ፣ ኣነ እየ ሓላፊ ክኸውን ዝግባእ። ወላ ክሳብ ኣብ ካልእ ስፍሕ ዝበለ ጉባአ ዓቢ ምርጫ ዝግበር ድማ ኣነ ከም ግዝያዊ ሓላፊ ክምረጽ ኣለኒ” በሎም ደረቐኛ ኢሳይያስ። ከም እንሰምዖ ከኣ ሃብተስላሰ “ኣነ’ውን ካብ ሓላፊ፣ ተራ ተጋዳላይ ኮይነ ክሰርሕ እዩ ዝብርሃኒ። ሓላፍነት’ኳ ንዓይ ቀናዝማች ወይ ግራዝማች ክኾነኒ ኣይኮነን” ምስ በሎ ኢሳይያስ ብደስታ ነታ ናይ ዲያብሎስ በትረ-ስልጣን ኣብ በዓቲ ዓላ ተረከባ። ኢሳይያስ ኣብ ግዜ ናጽነት /1991/ ቀደም ምስ ሃብተስላሰ ገብረመድህን ዝተሳእላ ስእሊ ኣብ እንዳ ዘመድ ሃብተስላሰ ተሰቒላ ከም ዝነበረት ሰምዐ። ብህጹጽ ሰብ ልኢኹ ከኣ ጠርነፋ።

ብዛዕባ ጉዳይ ሰብዓታት ርክብ ኢሳይያስን ኣባላት ሲ.ኣይ.አ.ን ኣብ ቃኘው፤ ብዙሕ ግዜ ብሓርበኛ ኣቦ ኣቶ ሃብተማርያም ኣብርሃን ካልኦት ዜጋታትን ይግለጽ ስለዝነበረ ኣብዚ ኣይክደግሞን እየ። ነቲ ዝነበረ ርክብ ኢሳይያስ መራጎዲ ግን ኣይሰኣንን ነይሩ። ኣብ 1975 ዑስማን ሳልሕ ሳበን መሓመድ ስዒድ ናውድን ምዕባለታት ሜዳ ንክዕዘቡ ንሜዳ ኣትዮም ነበሩ። ኣብ ምምላሶም ከኣ መሓመድ ዓሊ ዑማሮ ክሳብ ፖርት-ሱዳን ንከፋንዎም ምስኣቶም ተበገሰ። ሽዑ ወዲ ናውድ ንዑማሮ “እዚ ኢሳይያስ ኣባል ሲ.ኣይ.አ. ስለዝኾነ ጽቡቕ ጌርኩም ተኸታተልዎ ኢኹም። ብላዕሊ መዓር ብታሕቲ ግን ዕረ ሰኒቑ ዝተበገሰ ሰብ ኢዩ” ኢሉዎ ነይሩ። ። [ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ ( 9ይ ክፋል) ብ ኣለና.]


ምእንቲ ሓቂ ክብርቲ ሂወቱ ዘወፈየ ስዉእ ሃብተስላሴ ገብረመድህን Freedom Tv

courtsey Habtom Domoz

[3ይ ክፋል ቃለ-መሕተት ምስ ገዲም ተጋዳላይ ተስፋምካኤል ተኽለብርሃን ቅሱን ብዛዕባ ስዉ ሃብተስላሰ ገረመድህን]

ንሃብተስላሴ መን'ዮም ዝጽውዕዎ ዘለዉ ማለት'ዩ


መልሲ--መሪሕነት፥ ተጸዊዕካ ተባሂሉ ገረግር ኣስመራ ምስከደ፥ ኣይተመልሰናን ኣቡኡ ኣጥፊኦሞ ማለት'ዩ ንሃብተስላሴ፥ እቲ ውግእ ምስኢትዮፕያ ን14 ምዓልቲ ይኸውን ቀጺሉ፥ ዓቢ ውግእ እዩ ነይሩ!! እቲ ውግእቲ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ናይ መጀመርታ እዪ፤ መኽንያቱ ሓደ ውሑድ ቁጽሪ፥ ንኽልተ ሰሙን፥ ዝኸውን ምስሓደ ዓርሞሾሽ፥ ሓይሊ፤ ቦታ ናቐያየረ፥ 2 ሰሙን፥ብዘይምቁራጽ እዩ ተኻይዱ፥ እዚ ሞቶ ስድስት ዝብሃል' ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ተራእዩ፤፥ እቲ ውግእ ምስተወደአ መሪሕነት ምእሳር ጀሚራ መጀመርታ ዝትኣስሩ፥ ኣፈወርቂ ተኽሉን ታረቀ ይሕደጎን'ዮም፤ ነዞም ክልተ ምስኣሰረቶም መሪሕነት፥ ስለምንታይ ትኣሲሮም ዝብል ተቓውሞ' ይመጽእ፤፥

መሪሕነት ምእሳር ጀሚራ ስለዘላ፥ ሙሴ ተስፋምካኤል ንፔጥሮስ ሰለሙን መልእኽቲ ሰዲድሉ፤፥ ፔጥሮስ ሰለሙን ናይ ሃንደሳ፥ ፈንጅታት ክቐብሩ ተንቀሳቒሶም፥ ስለዝነበሩ፥ ፔጥሮስ ካብዝኾነ ሓላፍነት ወሪዱ እዩ ነይሩ፤፥ መሪሕነት ምእሳር ጀሚራ ስለዘላ ዓጢቕኩም ከልጢፍኩም፡ምጹ ዝብል መልእኽቲ፥ ካብ ሙሴ ተማሓላሊፍሎም፤፥ ሙሴ ውን ደስኪሉ እዪ ነይሩ ሽዑ፤፥ ሕጂ እቲ መልእኽቲ ጠሊፎሞ፥ ፔጥሮስ ሰለሙን መድፍዕ ሒዙ ተሰሪዑ ክመጽእ ከሎ፥ ኣብ ድብያ ኣትዮም ኩሎም ተታሒዞም፤ ኩሎም ተታሒዞም ካኣ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ኣትዮም፥፣
ብዓል ሙሴ ውን ተታሒዞም ሓለዋ ሰውራ ኣትዮም፥። ብዓል ጆን ውን ኮምኡ፥ ንኹላ ምጥርናፍ ኮይና፤ ኩላ ሰብ ክትኣቱ ምስጀመረት እታ ሓይሊ ናይ ብዓል ትኩእ የሕደጎ፥ እታ ሓይሊ ናቱ ትንቀሳቐስ ማለት'ዩ ስለምንታይ ትኣሲሮም ኢላ፤፥ ሓላፊና ስለምንታይ ትኣሲሩ ብዝብል፥ ብዓል ሃብተምካኤል፥ ወልደገርግሽ፥ ሓዉ ነዚ ዓንደብርሃን ማለት'ዩ፥ ንሱ ዝመርሓ ጉጅለ፥ ትንቀሳቐስ ማለት'!ዩ፥ ምእስር ምስበዝሐ ካብቶም መሪሕነት ሓደ ተወልደ ኢዮም እዚ ትወስድዎ ዘለኹም ስጉምቲ፥ ጌጋ፥ እዩ፥፣ ኣነ ካብ ጀብሃ ዝተፈለኽሉ መኽንያት፥ ጀብሃ ብትገብሮ ዝነበረት ምእሳርን ምቕንጻልን' ጸሊአ እየ ተፈልየ፥ ስለዚ' ንስኻትኩም ውን ኣብቲ ንሕና ዝመስረትናዮ ውድብ፥ ምቕንጻልን፡ምእሳርን፥ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ክትወስዱ፥ ኣንጻር እቲ ዝተፈለናሉ እላማ ስለዝኾነ፥ ኣቅበሎን'የ፥ ኢልዎም፥ ስለዚ ትፈትሕዎም እንተዳኣኬንኩም ጽቡቕ እንተዘይኮይኑ፥ ኣነ ኣይእከብን'የ ምሳኻትኩም ኢልዎም፤፥ እዚ ናይ ተወልደ ኢዮብ መግለጺ ብጽሑፍ እዩ ሂብዎም፥ ደብዳበ ጽሒፉ ብጽሑፍ'ዪ ሂብዎም፤፥[3ይ ክፋል ቃለ-መሕተት ምስ ገዲም ተጋዳላይ ተስፋምካኤል ተኽለብርሃን ቅሱን]

 ክሓዲ ኢሳይስ ዉጹእ ክሕደት ኣብ ልዕሊ ሃብተስላሰ ገረመድህን ሕጻር ዕላል ( ሃብቶም ጽጋይ)


ሃብተስላስት ገርመድህን ናይ ቅረባ ዝመድይ ዩ ኣነ ንእሹቶይ ስለዝነብርኩ ብዙሕ ኣይፈልጦን የ ነረ። ወሩኡ ግን ኣብ ገድሊ ነይሩኒዩ ። ኣብ ቤት ምህርቲ ካድር ክምሃር ኮለኹ ውን ካብቶም ናይ መንካዕ ተብሂሎም ዝተቅንጸሉ ምኻኑ ይፈልጥ ነይረ።

ካብ ገድሊ ናጽነት ኮይኑ ናብ ኣስመራ ምስ ኣተና ምንግስት ሰማይ የውርሶ ሓቦቦይ ግራጅማት ገረመድህን ረኸብክዎ ሞ ብዛዕባ ወዱ ሃብተስላሰ ይሓተኒሞ ዝመክንዮ ጠፊኡኒ "ምስቶም ኣብ ሳሓል ዝተርፉ፡ዩ፡መስለኒ ሓቦቦይ ድሓን ኪመጽእ ዩ ኢለ ናብ ካልእ ዕላል ብዝዕባ ጥዕኑ ክሓቶ ጀምርኩ ኣቦይ ኑኡስ ገረምድህን ኣዝዩ ሓያል ዝይብገር ኻዕናን ሰብኣይ እዩ መረቅ ጥፍጣፉ ውሕጥ ኣቢሉ እሕሕ ድሕሪ ምባል ""ድሓን ሃብቶም ወድይ ኩሉ ይፈልጥ የ ኢሉ ነታ ስእሊ ናይ ሃብተስላሰን ኢስያስን ኣብ ዓላ ኣብ 1971 or 1972 ዝተሳእልዎ ካብ ጅቡኡ ኣውጺኡ ኣርኣየኒ ነተን ኣጽብዕ የእዳዉ ኣብ ሞንኮቦይ ገሩ እንዳ ጠፍጠፈ ድማ !!ሃብቶም ወደይ ንስካ ወሪዱካ ሕጻን ኢካ ኔርካ እቶም ዕበይቲ ይሕዋትካ ይፈልጦ ዮም ነዚ፡ጅግና ወደይ ሕጂ ድሓን ሃብቶም ወደይ ክትሕግዘኒ ደለየ ዘልኩ ናብቲ መርሒኩም ቤትጽሕፈቱ ከይደ ክሓቶ ድልየ ስለዘለኹ ኣበይ የ ዝርከብ በለኒ። ሽም ኢሳይስ ክጽዉዕ ከምዘይደለየ ኣብ ገጹ ናይ ጽልኣት ምልክት ይራኣየካ ። ብወገነይ ናይ ኢሳይስ ኦፕረተራት ብቅረባ ስለዝፈልጦም ኣረጋጊጸ ድሕራይ ክነግረካ ጽባሕ የ ገዛ ክመጽእ የ ኢለ ተፋነኽዎ ኣቦይ ኑኡስ "ሓራይ ሃብቶም ወድይ ኪጽበየካ የ " በለኒ ።ናይ፡ቀረባ ዓርከይ ፡ናይ ኢስያስ ኦፕረተር ኣክሊሉ ወዲ ቸንቶ ኢሳይስ ምዓስ ከምዝርከብ ሓዎቦይ ክረክቦ፡ከምዝደልየ ቀደም ኣብ ዓላ ከምዝፈልጦ ጥራይ ነገርክዎ ቆጽራ ምስ ናቱ ሰክርታርያ ሕጂ ረሲዕያ ኣለኩ ሽማ፡ክሕዘለይ ምካኑ ፡ንገርኒ ኣብቲ፡ግዜ ፡ንዲኽታተር ኢሳይስ ምርካብ ቡዙሕ፡ሽግር ኣይነቦሮን ብቅረባ ድማ ምስቶም ኦፕረታሩ ናይ ኢስያስ ድሓን ዝምድና ስለዝነብረኒ ንቅጸራ ምግባር ኣይተሸግረኩን ግዚኡ ኣብ1992 ።

ንሓቦቦይ ውን በታ ጊዙኡ ክከይድ ቕጸራ ንጽባሒቱ ሒዘሉ ከምዘለኹን ኣብቲ ናይ ቀደም ጠቅላይ ግዛት ዝነበረን ከምዝኾነ ሓበርክዎ ሓቦቦይ ብጣዕሚ ትሕጊሱ ምሪቁኒ፡ ኣነ ስራሕ ስለዝነብረኒ ክከይድ ኣይካልኩን ።
ኣቦይ ኑኡስ ውን በታ ቆጸሩ ምስቲ ዓይኒ ኣውጽእ ካሓዲ ኢሳያስ ተራከበ ።ምስ ሓቦቦይ ገረመድህን ንምሸቱ ትራከብና ሞ ምስቲ ካሓዲ ኢስያስ ከምዝተራኸበን ግን ኣዝዩ ከምዝ ጉሃየን ብቁጠዐ ግድልና ገድሊ ሓደ ሰብኣይ እዚ፡ኩሉ ንዚ ኢኩም ተጋዲልኩም ኣታ ወዲ ፡ሓወይ እዚ ኣረሜን መራሒኩም ወደይ ኣጥፊኡ ካይኣኽሎስ የጉባዕባዕለይ ግብሩ እንድያ በሊዓቶ ድሓን ከሙኡ ኢሉ ምዓስ ኣብ ዘውዲ ይነብር ብግዚኡ ክከይድ ዩ በልኒ" ነገራቱ ገሪሙኒ "ስማዕስከ ኣቦይ ኑስ እንታይ ድዩ ኢሉካ " ብልክዎ ነታ ናይ ክልቲኦም ስእሊ እንዳኣውጸኤ "" ዝገርመካ ዩ ወዲ፡ሓወይ መጀመርያ ኢስያስ ፍሊጥካኒ፡ዶ ኣለካ ምስበልዎ እንዳ ስሓቀ ኣንቱም ኣቦ ክንድይ ሞ፡ኢለ ክዝክሮ በለኒብወገንይ " ገለ ዳኣ በል ዝወደይ ኣብ ዓላ ምስ ሃብተስላሰ ወድይ ክረክበኩም ኣይትዝክርን" ምስ በልክዎ ዋላ፡ዋላ ግዜ ነዊሑ እንድዩ እንበለ ዒንኪልል ኣበለኒ ።ግን ኣቦካ " ወደይ ኣጥፊኡ ክሓድር ብምባል ነዛ ስእሊ ናይ ሃብተስላሰ ወደይን ናቱን ኣርኣኽዋ ሞ ናብ ዕቡድ ተቀየረ ዕው ኢሉ፡ድማ ነቶም ዝብዕኛ ኣዉጹለይ! ኣውጹለይ ! ምስ በሊኒ እንታይ ሞ ክብለካ ንስካ ውን ብማዓልትካ ክትከይድ ኢካ ኢለ ረገምክዎ ብቶም፡ዝብዕኙኡ ድማ ተደፊኤ ወጽኩ ምስ በልኒ ብትብዓት ሓቦቦይ ኣዝየ ትሓበንኩ

ብውሽጣይ ውን ኣብ ልዕሊ ዚ ካሓዲ እሳያስ ኣዝየ ጽሊኢ የሕደርኩ። ከምዚ ድማ በልክዎ ""ኣንታ ኣቦይ ኑኡስ ኣንበሳ ባ ኢኻ በልክዎ ነታ ስእሊ፡እንዳ ርኣኹ ሓወቦይ ድማ "! እንታዲኡ ዳኣ ኸምጽእ ዓዱ ኣይፍለጥ ዓውዱ ኣይፍለጥ እንታይ ካይገብር በለኒ፡ ነቲ ኣብ ልቡ ዝዓቖሮ ሕርቃን እናስተንፈሰ ብድሕሩኡ ሓቦቦይ ጛሂ ናይ ወዱ ኣብ ልቡ ኣትዩ ብዙሕ ካይጸናሐ ነቲ ጅግና ወዱ ሃብተስላሰ ብካሓዲ ኢስያስ ዝጠፋኤ ኣርከቦ ።
ብስንኪ እዚ ካሓዲ ኢሳይስ ድቆም ዝጠፉኣሎምን እታ ናጽነትውን ባርነት ኮይናቶም ብጛሂ ድቆም ቡዙሓት ኣቦታት ሓሊፎም እዮም ። ነዛ ስእሊ ዚኣ ዩ ኣቦ ሃብተስላሰ ገረመድህን ናብ ኢስያስ ሒዝዋ ዝኣተወ ነዚኣ ኢዩ

ኢስያስ ኪሒድዋ ዉጹእ ክሕደት
በሉ እዚ፡ይመስል ስጋብ ብኻልእ ዙሑፈይ ዝመጻኩም ድሓን ቀንዩ ።
ሃብቶም ጽጋይ


ሃብተስላሰ ገብረመድህን ኣብ Prince Bede Mariam school, Addis Ababa ትምህርቱ ዝወድአ ምሁር አርትራዊ እዩ።ምስ ኣብርሃም ተወልደ ኣብ ዓላ ካብ ዝነበሩ ተጋደልቲ እዩ ። ኢሰያስ ድሕሪ ምምጽኡ ኣብ ፍልፍል ብምሉእ ድምጺ ተጋደልቲ ንመሪሕነት ዝተመርጸ ተጋዳላይ እዩ ነሩ።ብቕንዕንኡ ዝልለ ተጋዳላይ ብምንባሩ ኣብ ልቢ ብዙሓት ሰፊሩ ንመሪሕነት ከኣ ተመርጸ ።ከም ምክትሉ ኮይኑ ከገልግል ዝተሓርየ ከኣ ተጋዳላይ ¶¶ ተወልደ እዮብ ¶¶ ተመሪጹ።ኢሰያስ ኣፈወርቂ ታራ ኣባል መሪሕነት ኣካል ኮይኑ ድሕሪ ምምራጹ ስለዘይተዋሕተሉ ከኣ ምሸት ምሸት ቁሪምሪም እናበለ ነቲ ከም ኣቦወምበር ኮይኑ ተመሪጹ ዝነበረ ሃብተስላሰ ገብረመድህን ¶¶ ኣነ ቅድመኻ እንድየ ተሰሊፈ ፡ኣነ ኣብ ጀብሃ መሪሕነት ነረ ፡ንዓይ ዝግበኣኒ እንከሎ ንዓኻ ሂቦምኻ እናበለ ንሃብተስላሰ ሕማም ርእሲ ምስ ኮኖ ፡ሃብተስላሰ ከኣ ትቕብል ኣቢሉ ¶¶ ኣነ ክቃለስ ክስዋእ እየ መጺአ እምበር ህርፋን ስልጣን የብለይን ካብ ወግሐ ጸብሐ ምኒን ትብለለይ እንካ ተቐበለኒ እዛ ስልጣን ብምባል ንኢሰያስ ጉሒላ ከምዘረከቦ ሂበዮ ኣለኹ ኢሉ ንብጾቱ ሓበሮም ።ሃብተስላሰ ከም ተርጓሚ ናይ ኢሰያስ ብምዃን ሓደ እዋን ቃኘው ምስኡ ዝኣተወ ሰብ እዩ።

እቲ ብየማነ ጸጋሙ ብቕድሚኡ ብድሕሪኡ ሰባት እናበልዐ ዝገበለ ኢሰያስ ወላዲ(ኣቡኡ ) ንተጋዳላይ ሃብተስለስ ንኢሰያስ , ሃብተስላሰ ወደይ ከ ደኣ ኣበይ ኣሎ ክብሉ ሕቶ ኣብ ዘቕረብሉ እዋን፡ ኣረመን ኢሰያስ ክንደይ ሃብተስላሰ ኢለ ክዝክር ክብል ከምዝመለሰሎም ፡ንሶም ውን ብወገኖም ሃብተስላሰ ወደይስ ኣይትፈልጦን ? ክብሉ ከረጋግጹ ሓተቱ።ኢሰያስ ግን ኣይፈልጦን ክብል ብድርቅና መለሰሎም።ብድርቅና ኢሰያስ ዝተገረሙ ወላዲ ኣብ ጁብኦም ዝነበረት ስእሊ ምዝዝ ኣቢሎም እታ ናይ ኢሰያስን ሃብተስላሰን ብሓባር ዝተሳእልዋ ኣርኣይዎ።እዚ ኣብ ስእሊ ምሳኻ ዘሎ እየ ዝብለካ ዘለኹ ምስ በልዎ ፡ ኢሰያስ ትቕብል ኣቢሉ እወ እወ ቀደም ብስራሕ ኣቢልና ምስ ተፈላለና ኣይተራኸብናን በሎም።
ወላዲ ተጋዳላይ ሃብተስላሰ ኣቦይ ገብረመድህን ክሳብ ሎሚ መስዋእቲ ወዶም ዘይተነግሮምን ዘይተቐበሉን ከም ብዙሓት ዘጋታትና እዮም።ኣብ ህዝባዊ ግምባር ኣብ ውዑይ ኣብ ዝሑል ተቓሊስካ፡ኩሉ ዓይነት ዋጋ ከፊልካ፡ብቕድሚት ጠያይትን መድፍዓት ጸላእን ፡ብሰንሰለት ታንክታትን መዓንጡኻ ይዝልዘል፡ብድሕሪት ከኣ በቶም ናተይ ትብሎም ሓለፍትኻ ብዓረር ትቑለበሉ መድረኻት ንብዙሓት ተጋደልቲ ካብ ዘጋጠመ ዘፈንፍን ዛንታ ሓለፍቲ ህዝባዊ ግምባር እዩ።
ተጋዳላይ እታ ሓንቲ ሂወቱ ህዝብን ሃገርን ኣብ ምድሓን ፡ባዕዳዊ ጸላኢ ኣብ ምብራርን ፡ፍትሕን ርትዕን ንምጋስን ኢሉ ዝወፈረ ብጸላእን ብሓለፍቱን ብወንጨፍ እናተቖልበ ከም ሕሱም ከምዝረግፍ ገሮም እዮም።
ከም ውጽኢቱ ከኣ እዚ ሎሚ ዝነብርዎን ዝቕጽልዎን ዘለዉ ስልጣን ከውሕሱ ኣኽኢልዎም እዩ።ምህሩትን ተባዓትን ተጋደልቲ ዝወሓጠ መሪሕነት ህዝባዊ ግምባር ብደናቁርን ትዕቢተኛታት ተውሪሩ ፍጹም ሰብኣውነት ዘጥፍአ ፋሽሽታዊ ውድብ ኮይኑ ንህዝቢ አርትራ ግዳይ ሕሱር ባህርያቱ ገሩ ኣብ መከራ ጸሚድዎ ዝርከብ ርካሽ ውድብ እዩ። source Seare Fickadu Gebrezgabhe faceboo
k 31/05/2020

 

ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com