ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ ( 9ይ ክፋል) ብ ኣለና...

Friday, 12 November 2010 07:42

ጽነት ክትኣስር፣ ኣኽሊል ሓርነት ክትጉምጎም ራ፣ ብሰንኪ ሕዱር ሕማም ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ን20 ዓመታት ክርዳድ ፈርያ። ህዝቢ ኤርትራ ንዕስራ ዓመታት ብከንቱ መብጽዓታት ንከንባሁቕ ተገዲዱ። ዕስራ ዓመታት ሓሶት፣ ከንቱ ጃህራ፣ ኲናትን ጥፍኣትን። ሺሻይና ቀሪባ ኢያ፣ ወርቂ ክንሓፍስ ኢና፣ ጽባሕ ገዓት ጠስሚ ከብልዓኩም እየ ወ.ዘ.ተ…ኣብዚ ዕስራ ዓመታት ግን ክንደይ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ብህግደፍ ሞይቱ…ተኣሲሩ…ተሰዲዱ…ጠፊኡ ኣሎ? ኣብዘን ዝሓለፋ ዕስራ ዓመታት መልክዕ ኤርትራ ኣብ ቅድሚ’ዛ እንነብረላ ግሎብ እንታይ ይመስል ኣሎ? ኣበይ ኣተዋ እተን ልዕሊ ዕስራ ዝኾና ፋብሪካታት ኤርትራ? ስለምንታይ ኣብዘን ዕስራ ዓመታት ሃገርና ናይ ድሕሪት ማርሻ ኣእትያ ንድሕሪት ጥራይ ከተኹድድ ተገዲዳ ኤርትራ? ወራር ናብ ባድመ…ጂቡቲ ስለምንታይ? ስለምንታይ ንጉዳይካ ዓጺፍካ ናብ ሎቖታ፣ ንጉዳይ ሶማል ድማ ርእሰ-ዓንቀጽ? ስለምንታይ ሓሶት ወራር ጂቡቲ…እንደገና ከኣ ወግዓዊ ምዝላቕ? ኣብዚ ቀረባ ግዜ’ውን መስደምማት ተዋስኦ ክንርኢ ኢና።

ናብ ኣስመራ ዝኣትዉ ገዳይም ተቓወምቲ…ሕሹኽሹኻት ይስማዕ ኣሎ። ምምላስ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ! ኣምባሳደር ኤርትራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝብል ዜና ክንሰምዕ ኢና! ስለምንታይ ኢና ንሕና ኤርትራውያን ሃገርና እናበረሰትን ህዝብና መሃነኑ እናጠፍአን ትምምምም! ስለምንታይ ኢና ካብቲ ውዲት ህግደፍ ምፍልላይ ብኣውራጃ፣ ሃይማኖት…ወ.ዘ.ተ ክንገላገል ዘይከኣልና።

ድባሕ! ጻማከ ለከንቱ ኤሳው… ዝተባህለ ከምዚ’ዩ። እንቋዕ’ቶም ምስ ንጹር ዕላማን እምነትን ዝተሰውኡ ፋኖታት ኣይትንስኡ! እንቋዕ እተን ኣብ ክንዲ ጀላቶን ብርቱኻንን፣ ስለ ናጽነትን ፍትሕን ክብላ ከም ህበይ ጓል በረኻ ፍረ ጋባን ቃርዒዶን እናሸምጠጣ፤ ዕድመ ንእስነተን ኣብ ጸምጸም በረኻታት ዘሕለፍኦ ዋዕሮታት ኣሓትና፣ ኣብ ዝባን ታንክታት ደይበን ዝድብላ ደቂ ኤርትራ ነዚ ሕሰም ተንሲአን ኣይርእየኦ። ስለምንታይ ዓለም ገፋሓ ክነሳ፣ ምጾታት ግን ጎረቤት ኤርትራውያን ኮይና?

እቶም ኣብ ጎላጉል ባርካ…ዝባን ደንደን…ሩባ ማይ ክላሽን…ዕርዲ ወርጨጋን ሩባ-ደብረሳላን…ዝባን ኩበይን ግንባር ጊንዳዕን…ኣብ ረመጨት ጓህሪ ሳሊና ዝሓረሩ…ካብ ኩለን ብሄራትናን ሃይማኖትናን ስለ ናጽነትን ሓርነትን ዝተወፈዩ… 33 ነፈርቲ ኲናት ኣብ ሰምበል ኣንዲዱ ኣብ ማእከል ጸላእቱ ዝተሰውአ  መብራህቱ /ወዲ ረጋሒት/… ክሳድ ዓዲ ሽሩም ኣብ ክንዲ ቋሕ-ሰም ዘይኣክል ግዜ ብመድፍዕ ታንኩ ዝለኮተ ወዲ ባሻይ…ንመንገዲ ስጋለት ቀጣን በቲኾም ንስርሒት ፈንቅል ወርቂ ዋንጫ ዘጨበጡና ታንከኛታት ማጉላን የማነ ፍስሓጽዮንን…ኣሽሓት ካልኦት ደቂ ህዝቢን ከም ወዝቢ እንተዝቕልቀሉስ እንታይ’ኮን ምበሉ? ዳሕራይ ደኣ ይጽወዮ ይኸውን’ምበር ዘርዚርካ ዝውዳእ’ኮ ኣይኮነን።

ከመይ ቀኒኹም ክቡራት ተኸታተልቲ ‘ትልሚ: ንዘርኢ ክርዳድ’፣ ብመጀመርታ ንኩሉኹም ናይ መአረምታ፣ ምትብባዕን ደገፍን ኢ-መይል ዝሰደድኩምለይ ደጊመ አመስግን። ብፍላይ ከኣ ኢሳይያስ  ንተጋዳላይ ኣብርሃም ተወልደ ንምቕታል /ንምስማም/ ዝተኸተሎ ኣገባብ ዝምልከት ዝሰደድኩምለይ ሃናጺን ሓቀኛን መአረምታ ብልቢ የመስግነኩም። ገለ ሰባት “…ናይ በዓል እገለ’ኸ ኣይግለጽን ዲዩ? ኣብ ከምዚ ዓ.ም. ዝነበረ ፍጻሜ ተሰጊሩ ኣሎ፣…ዝዓበየ ጉዳይ ተረሲዑ ከይከውን እስከፍ…ወ.ዘ.ተ…” ዝብሉ ሓበሬታታትን ለበዋታትን ጽሒፎም።

ብዙሓት ኣማውትኦም ዘይተፈልጠ ተጋደልቲ ጠፊኦም ኢዮም። ትንሳኤ ናይቶም ኣብ ግዜ ቃልሲን ብድሕሪ ናጽነትን ብኢሳይያስን ዓፋኒ ጭፍርኡን ዝተቐንጸሉ ገና ዘይተዘርበሎም ክገሃድ እንተኾይኑ ከኣ፤ እቶም ዘለና ታሪኾም ንተንትኖ። ሓደ ተኸታታሊ ጽሑፍ ክሳብ ‘ናይ መወዳእታ ክፋል’ ኢሉ ጽሑፉ ዝድምድም ዝግ ኢልካ ምጽባይ ይምረጽ። ምስጢራት ኢሳይያስ ኢልና ኣብ እንዛረበሉ ግዜ ግን፣ ኣይኮነን’ዶ እቶም ቋንቋናን ባህልናን ዘይፈልጡ ህዝቢ ዓለም፤ ንሕና’ውን ንምእማኑ ዘጸግመና ተግባራት ኢሳይያስ ክንሰምዕ ኢና። ግን ሎሚ ህሉዋት ስለዝኾንና፣ ብደሞም መርድእ ንኢሳይያስ ዝኾኖ ታሪኽ ንጽሕፍ ኣለና።

ሎሚ ኢሳይያስን ኢደ-በይዝኡ ዝነበሩን ገና ናብ ቤት ፍርዲ ከይቀረቡ እንከለዉ ንገበናቶም የንብብዎ ኣለዉ። በየናይ ዓንቀጽን ንኡስ ዓንቀጽን ከም ዝኽሰሱን፤ ፍዳ ናይቲ ዝወሓዘ ንጹህ ደም እንታይ ፍርዲ ይጽበዮም ከም ዘሎን ፈሊጦሞ ኣለዉ። ጽባሕ ንግሆ ኣብ ዝኽፈት መገባእያ ድማ ምስ ዶኩመንትና መሰኻኽር ኣለና። መሰኻኽር ገና ክውሰኹ ኢዮም። ዓሰርተታት ጥራይ ዘይኮኑስ ካብ መጀርያ ሰብዓታት ክሳብ ሎሚ ኣሽሓት መሰኻኽር ኣለዉና።

ኢሳይያስ ነቲ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዝነበሮ ጽሉል ሓዉ ኣማኑኤል ኣፈወርቂ፣ ኣብ ሲቲ ፓርክ ኮይኑ “…ኡይይይ! ህዝቢ ኤርትራ ትጠፍእ ኣለኻ። ኢሳይያስ ሓወይ በብሓደ ክቕርድደኩም ኢዩ። እቶም ብሂወት ዝተረፍኩም ድማ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ከማይ ክትጽለሉ ኢኹም…ኡይይይ” እናበለ ክዛረብ ንሰምዖ ኔርና። ምስ ዶክተር ሃይለ ምሕጹን ብምምሽጣር ኣብ ሆስፒታል ኦሮታ ከም ዝቐተሎ ሽዑ ሕሹኽታ ወረታት (03 ተባሂሉ ዝግለጽ) ሰሚዕና። ነዚ መን ይኣምኖ? ንሓዉ ዝቐትል እንስሳ’ውን ኣይሰማዕናን።

እምበኣርከስ በብቑሩብ ካብዚ ዝኸብድ’ውን ክንሰምዕ ስለዝኾንና፤ ንኣተሓሳስባና ከፊትናዮ ክንጸንሕ አዘኻኽር። ኣማኑኤል ኣፈወርቂ ኣብ 1977 ንሜዳ ወጺኡ ምስ ኩላቶም ኣሕዋቱ /ኢሳይያስ፣ ዮናስ፣ ጴጥሮስ፣ ጽገረዳ ወ.ዘ.ተ…/ ንክጋደል’ኳ ወሲኑ እንተነበረ፣ ብምኽንያት ስነ-ኣእምራዊ ጸገም ቅድሚ ናጽነት ካብ ሜዳ ናብ ኣስመራ ኣትዩ። ደርግ ንሒደት ሰሙናት ጥራይ ኢዩ ዝኣሰሮ። ናይ ኣእምሮ ጸገም ከም ዘለዎ ምስ ኣረጋገጸ ከኣ ብናጻ ክነብር ገዲፍዎ። ደርግ ንኣማኑኤል ሓው ኢሳይያስ ምዃኑ እናፈለጠ ብናጻ ንክነብር ዝገደፎ ኣማኑኤል ግን ብሓዉ ተፈርደ።

ስለዚ ‘ምስጢራት ኢሳይያስ’ ኢልካ ኣብ ትዛረበሉ ግዜ ብሓደ ዓመትን ብሓደ ሰብን ጥራይ ክጸሓፍ ኢዩ ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ንገለ ምስጢራት ኢሳይያስ፣ ንጹር ስእሊ ስርዓት ህግደፍን ቅድድም ንዶላር ጀነራላትን  ንምንባብ ድማ ኣብታ ኣብ ቀረባ ግዜ እትዝርጋሕ፣ 606 ገጻትን 22 ምዕራፋትን ዝሓዘት መጽሓፍ “ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ” የራኽበና። ምስጢራት ኢሳይያስ ክሳብ ምስ ብዙሓት ሰባት ኢደይ ኢድካ ኢልና ወፈራ ንገብረሉ ዝግ! ንመአረምታን ተወሳኺ ሓበሬታን ግን እቲ ማዕጾ ሕጂ’ውን ርሑው ኣሎ።

ኣብ መደምደምታ ናይ ዝሓለፈ ሻሙናይ ክፋል’ዚ ጽሑፍ፣ ምትእስሳር ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ፊሊጶስ ወልደዮሃንስን ክገልጽ ምዃነይ ሓቢረ ነይረ። ሎሚ እቲ ብተንኮላትን ረብሓን ዝተደርዐ ናይ ደም ዕርክነቶም ንሜ/ጀ ፊሊጶስ ዝፈጠረሉ ሓለፋን ሃጓፍ ቦታን ክንድህስስ ኢና። እዚ ዘመነ-ህግደፍ፣ ዘመን ውራ-ውራ ኢዩ። ሎሚ ኣብ ስርዓት ህግደፍ ቅድድም ንገንዘብ ዝረኣየሉ ዘሎ ሰዓት፣ ጀነራላትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍን ኣንስቶምን ደቆምን ብምስጢርን ኣስማት ብምቕያርን ናብ ደገ የውጽኡ ኣለዉ። ንሕና ጥራይ ኣይኮናን ውድቀቶም ከም ዝቐረበ ፈሊጥና፤ ንሳቶም’ውን ካብ ኢሳይያስ ክሳብ ታሕተዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ቀረባ ግዜ ክወድቁ ምዃኖም ኣጸቢቖም ፈሊጦም ኣለዉ።

ግርም’ምበኣር! ንሕና ጥራይ ኣይኮናን “ኣኽ! ናብዛ ዕትብትና ዝተቐብረላ ሪምና ከይተመለስና ክንመውት ማለት ድዩ?” ዝብል ዝነበረ ቅብጸተ-ተስፋና፤ ሕጂ ግን ንሳቶም፣ ኣንስቶምን ደቆምን ኢዮም ናይ ብሓቂ “ኣኽ! ኦሮማይ ዓድና…” ዝብሉ ዘለዉ። ጀነራላት ኢሳይያስ ሎሚ ንሓድሕዶም ጥይት ኣብ ዓንቀር ኣሕሊፎም ንክቀታተሉ ኣብ ምቅርራብ በጺሖሙሉ ዘለዉ ህሞት ኢዩ።

ዝግ ኢልና ኣብ እንዕዘበሉ ግዜ፣ ኢሳይያስ ኣፈወርቅ ክሳብ መዋእሉ’ውን ግዜ ይውሰደሉ ሰለስተ ዓበይቲ ጉዳያት ከም ዝነበሩዎን ዘለዉዎን እናበርሀ ይመጽእ ኣሎ። ካብ ሰብዓታት ዝነበረ ኣከያይድኡ ክሳብ’ዚ ዓመት’ዚ ከኣ ነተን ሰለስተ ዒላማታት ኣጸቢቑ ስኑ ነኺሱ ክሰርሓለን ጸኒሑ ኣሎ። እተን ዒላማታት ድማ 1) ቅድሚ ምርግጋጽ ናጽነት ምድምሳስ ውድብ ተ.ሓ.ኤ.፣ ምቕንጻል ምሁራትን ተበዓትን ተጋደልቲ 2) ብድሕሪ ናጽነት ድማ ምሕቃቕ ውድብ ህዝባዊ ግንባርን ምብትታን ተጋደልቲን 3) ኣብ መወዳእታ’ውን ምጽናት ህዝቢ ኤርትራ። ዱሮ ንህዝቢ ከበሳታት ናብ ምዕራባዊ ቆላታት /ገማግም ሩባ ተከዘ/ ቃጨሮ ኣብ ዝተባህለ ዓሳው ቦታ ብኣስገዳድ የግዕዞ ኣሎ። ስለዚ እቲ ቅቡር ዝነበረ ኣጀንዳኡ ሎሚ በብቁሩብ ብንጹር ኣብ ልዕሊ መሬት ተቐልቂሉ ይርአ ኣሎ።

ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ካብ ጀብሃ ተፈልዩ ምስቶም ኣብ ዓላ ዝነበሩ ተጋደልቲ ኣብ ዝተሓወሰሉ ግዜ፣ ነቲ ብመንገዲ ሃብተስላሰ ገብረመድህን ተጀሚሩ ዝነበረ ዝርርብ ቃኘው በቲኹ ባዕሉ ነቲ ርክብን ዝርርብን ምቕጻሉ፤ ብድሕሪ መስዋእቲ ኣብርሃም ተወልደ ኣብ ዝተገብረ ምርጫ ድማ ሃብተስላሰ ተመሪጹ ከብቅዕ፦

“… ኣብ ጀብሃ ዝነበረኒ ሓላፍነት ጠንጢነ ስለዝመጻእኩ፣ ኣነ እየ ሓላፊ ክኸውን ዝግባእ። ወላ ክሳብ ኣብ ካልእ ስፍሕ ዝበለ ጉባአ ዓቢ ምርጫ ዝግበር ድማ ኣነ ከም ግዝያዊ ሓላፊ ክምረጽ ኣለኒ” በሎም ደረቐኛ ኢሳይያስ። ከም እንሰምዖ ከኣ ሃብተስላሰ “ኣነ’ውን ካብ ሓላፊ፣ ተራ ተጋዳላይ ኮይነ ክሰርሕ እዩ ዝብርሃኒ። ሓላፍነት’ኳ ንዓይ ቀናዝማች ወይ ግራዝማች ክኾነኒ ኣይኮነን” ምስ በሎ ኢሳይያስ ብደስታ ነታ ናይ ዲያብሎስ በትረ-ስልጣን ኣብ በዓቲ ዓላ ተረከባ። ኢሳይያስ ኣብ ግዜ ናጽነት /1991/ ቀደም ምስ ሃብተስላሰ ገብረመድህን ዝተሳእላ ስእሊ ኣብ እንዳ ዘመድ ሃብተስላሰ ተሰቒላ ከም ዝነበረት ሰምዐ። ብህጹጽ ሰብ ልኢኹ ከኣ ጠርነፋ።

ብዛዕባ ጉዳይ ሰብዓታት ርክብ ኢሳይያስን ኣባላት ሲ.ኣይ.አ.ን ኣብ ቃኘው፤ ብዙሕ ግዜ ብሓርበኛ ኣቦ ኣቶ ሃብተማርያም ኣብርሃን ካልኦት ዜጋታትን ይግለጽ ስለዝነበረ ኣብዚ ኣይክደግሞን እየ። ነቲ ዝነበረ ርክብ ኢሳይያስ መራጎዲ ግን ኣይሰኣንን ነይሩ። ኣብ 1975 ዑስማን ሳልሕ ሳበን መሓመድ ስዒድ ናውድን ምዕባለታት ሜዳ ንክዕዘቡ ንሜዳ ኣትዮም ነበሩ። ኣብ ምምላሶም ከኣ መሓመድ ዓሊ ዑማሮ ክሳብ ፖርት-ሱዳን ንከፋንዎም ምስኣቶም ተበገሰ። ሽዑ ወዲ ናውድ ንዑማሮ “እዚ ኢሳይያስ ኣባል ሲ.ኣይ.አ. ስለዝኾነ ጽቡቕ ጌርኩም ተኸታተልዎ ኢኹም። ብላዕሊ መዓር ብታሕቲ ግን ዕረ ሰኒቑ ዝተበገሰ ሰብ ኢዩ” ኢሉዎ ነይሩ። እቲ ካብ ግዜ ሰብዓታት ክሳብ ምእሳር ጉጅለ 15 ብሓሶት ዝልለ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ዑማሮ ከኣ ነታ ዘረባ ተቐቢሉ ናብ ኢሳይያስ ኣመሓላለፋ። ኢሳይያስ ካብ ሽዑ ኣብ ስኑ ነኺሱዋ ክሳብ ግዜ ናጽነት ከየውጽኣ ጸኒሑ።

ኣብ ምምኽኻር ጉጅለ 15 ሓቢሩ ከም ዘይመኸረ፣ ቀንዲ ሓሳዊ ኢሳይያስ ዝነበረ ዑማሮ፣ ሰብ ክዝረጎ እንከሎ ከምኡ ስለዝኾነ’ምበር ኣብ 60ታት ሓላፊ ራብዓይ ክፍሊ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ንተጋደልቲ ኣኪቡ “…ከምዚ ንሕና ሳልሳይ፣ ራብዓይን ሓሙሻይን ክፍልታት ሰሚርናዮ ዘለና፤ ቀዳማይን ካልኣይን ክፍልታት (ናይ ማሕሙድ ቲናይን ዑመር እዛዝን) እንተተሓዊሰናና ዎላሂ! ናጽነት ኤርትራ ኣብ 69 ክንጭብጣ ኢና” ኢሉ ንተጋደልቲ ክገልጸሎም እንከሎ እንተዚዝክሮስ እንታይ’ኮን ይረኣዮ ይኸውን ዑማሮ? ሽዑ ብዙሓት ተጋደልቲ ሓሪቖም ከይተመስሑ ውዒሎም ኢዮም። ምኽንያቱ ናጽነት ኤርትራ ንምርካብ ካብ 1968 ክሳብ 1969 መን ክጽበዮ ኢዩ ዝብል ገምጋም ስለ ዝገምገሙ።

ናብ ኣርእስትና ክንምለስ! …ንእግረ መንገደይ ከኣ ሳጓ ሜ/ር ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ “ነቐዘ” ክትከውን እንከላ፣ ኢሳይያስ ኣብ ሜዳ ዝጽወዓሉ ዝነበረ ስም /ኮድ/ ከኣ ‘ዑቕቢት’ ነበረ። ኣብቲ ኩላቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ነናቶም ‘ኮድ’ ዝዕድለሉ ዝነበረ ግዜ፣ ኢሳይያስ ስለምንታይ ኢዩ ንነብሱ ‘ዑቕቢት’ ዝብል ኮድ ኣጠሚቑዋ ዝፍለጥ ነገር የለን።

ኣቐዲመ ክብሎ ዝደለኹ ግን፣ ንጉዳይ ናይ በረኻ ቅንጸላታት ዘቃልዑ ሰባት ብምቕልቃሎም ዮሃና ንህዝቢ ኤርትራ! እንቋዕ ታሪኽ ደቂ ኤርትራ ንሓዋሩ ተደፊኑ ኣይጠፍአ ክብል እንከለኹ ዓቢ ሓበን ይስመዓኒ። ኣብ 1973 ዓ.ም. ተጋዳላይ ዝነበረ ኣቶ መኮነን ዓንደሚካኤል ጀሚሩዎ ዘሎ ክልተ ክፋላት ትረኻ ድማ ካልኦት ዝወዓሉን ዝነበሩን ከሀብትምዎ ተስፋይ ዓቢ ኢዩ። ኣብ ምትንታን ናይ ሜዳ ታሪኽ ግን ዓቢ ጥንቃቐ ከድሊ ኢዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ዝጥርንፍ፣ ዘፋቕርን ዘላሊን ክኸውን ይግባእ። እቲ ዒላማ ወይ ታርጌት ብቐንዱ ናብቲ ተሓታቲ ገበታ ገበናት ኢሳይያስ፣ ምስኡ ዝተሓባበሩ ሰባት ብጭቡጥ ምቕራቡ ኣድላይ ኢዩ።

ኣብ ባህልና ንዘሎ ሃብታም ስነ-ምግባር (ምዉት ኣይክሰስን) ዝብል ድማ ከነኽብሮ ሰናይ ኢዩ። ምኽንያቱ ሎሚ ገበናት ኢሳይያስ ኣብ እንጽብጽበሉ ግዜ፣ ብዛዕባ ዝተሰውኡ ተጋደልቲ “ገበናት ነይሩዎም” ምባል ሞራላዊ ጥንቃቐ ክሓድረና ኣለዎ። ስለዚ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተሃዋሲ ታሪኽ፣ ጽባሕ ንግሆ ክንሕተተሉ ስለዝኾንና ዓቢ ጥንቃቐ ንክንገብር ንኣቶ መኮነን ንእግረ መንገደይ ከዘኻኽሮ እደሊ።

ሎሚ ሳልሳይ መንገዲ የለን። ኣብ ጎድኒ እቲ ዝመሽመሸ ስርዓት ህግደፍ ኣቲኻ ምስኡ መሽሚሽካ ናብ ጎሓፍ /Recycle/ ምድርባይ ወይ ድማ ንኢሳይያስን ንናይ ገበና መሻርኽቱ፣ ኣብ ምቕንጻል ኢድ ንዝነበሮም ጎሓላሉ ናብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ምኽሻሕ ኢዩ። ኣብ ግዜ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ብድሕሪ ናጽነት ኢዱ ብደም ንጹሃት ዜጋታት ዝተለኽየ ጽባሕ ንግሆ ጸሓይና ምስ በረቐት ናብ ቤት ፍርዲ መታን ክቐርቡ ኩላትና እንፈልጦም ሰባት ሎሚ ንርቋሓዮም።

ሓላፍነትና ንህዝቢ ምፍላጥ’ዩ፤ ብድሕሪኡ ኣቦ ዳስን ዋና ውራይን ድማ ባዕሉ ህዝቢ ኢዩ። ‘ኣብ ለምለም ዳስ ብኮቦሮ ለጋስ’ ከም ዝበሃል ከኣ፣ እዞም ብሂወት ብዙሓት ዝጻወቱ ዝነበሩ ቁልቁል ኣፎም ተተኺሎም ብርእሶም ከኽዱዱ ክንርእዮም ኢና። ንኹሉ ግዜ ኣለዎ ከም ዝተባህለ፣ ናይ ሓፋሽ ህዝቢ ግዜ’ውን ርሑቕ ኣይኮነን።

ከምቲ ጸሓፊ ኣቶ መኮነን ኣብ ጽሑፉ ገሊጽዎ ዘሎ፣ መታን ነቶም ንብድሕሪ ሕጂ ሓቀኛ ድሕረ-ባይታ ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ዘዝፈልጥዎ ክውስኹ፤ ገለ ሓጋዚ ኣንፈት ወስ ከብለሎም። ትውልዲ ዓዲ ምጥቃስ ኣብ ዘመነ-ኢሳይያስ ከም ነውሪ /ሓራም/ ተወሲዱ’ኳ እንተነበረ፤ ሎሚ ካብ ድቃስ ምስ ተበራበርና ግን ስለምንታይ ምንባሩ በሪሁልና።

ስለዚ ትውልዲ ዓዲ መስፍን ሓጎስ ዓዜን ካርነሽም፣ /ብናይ ሎሚ ዞባ ማእከል፣ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ/ ኢዩ። ቅድሚ ንሜዳ ምውጽኡ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ንዲቁና ይመሃር ከም ዝነበረ ከብርህ እፈቱ። ቅድሚ ንሜዳ ምውጽኡ ኣብ ቤተ-ሰቡ ናይ ደም ጉዳይ ነይሩዎ ኢዩ። ብድሕሪ ንሜዳ ምውጽኡ ከኣ፣ ኣብ መጀመርያ ሰብዓታት ሓደ ዘመዱ ንመስፍን፣ ደፈረ ዝተባህለት /ጎዶቦ ካብ ዓዜን/ ዝዓዱ ሰብ ቀቲሉዎ ነበረ። ምስቲ ቀዳማይ ደም ይተኣሳሰር ዲዩ ንበይኑ ዘረጋገጽኩዎ ጉዳይ የለን። ግን መስፍን ንሜዳ ወጺኡ ተጋዳላይ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ሓላፊ ኮይኑ ኣብ ዝተራእየሉ ግዜ፣ ንዘመዱ ሕነ ፈደየሉ።

ሽዑ ነቲ መስፍን ብሜላ ዝቐተሎ በዓል ደፈረ፣ ክልተ ደቂ ሓወቦታቱ ተጋደልቲ ኣብ ውድብ ህዝባዊ ሓይልታት፣ ማለት ገረወልዲን ዘርእማርያምን /ወዲ ሸቃ/ ዝበሃሉ ነበሩዎ። መስፍን ምስ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተማኺሩ ብጥበብ ኢዩ ሰብ ቀቲሉ። እታ ሰብ ዝቐተለት ጠበንጃ ግን ናይ ግርማይ ከፈላ ዝተባህለ ኦፐረተር ኢያ ዝነበረት። ‘ሰብ ተቐቲሉ ኣሎ፣ ስለዚ ኩላተን ጠበናጁ ይመርመራ’ ምስ ተባህለ፤ ብረት ግርማይ ከፈላ ጥይት ከም ዝተኮሰት ብኮሚተ ተረጋገጸ። እቲ ዘገርም ግን ግርማይ ብረቱ ኣብቲ መስፍን ዝነበሮ ቦታ ቅትለት ክትነብር እንከላ፣ ንሱ ግርማይ ግን ብረት ገዲፉ ናብ ካልእ ቦታ ተንቀሳቒሱ ነበረ።

ብረቱ ካብ ተኮሰት ናይ ግድን ቀታሊ ክኸውን ኣለዎ ተባሂሉ ግርማይ ብዘይወዓሎ ናብ ቀይዲ ኣተወ። ደሓር ብጥበብ ድዩ ብኣጋጣሚ ግርማይ ከፈላ ናብ ሱዳን ሃደመ። ክሳብ ሎሚ ኣብ ስደት ብሂወቱ ስለዘሎ፣ ቅድም ምስክር ኢዩ። ደሓር ከኣ ነዚ ታሪኽ ክውስኸሉ ወይ ክእርሞ ይኽእል ኢዩ። ነቲ ብመስፍን ዝተቐንጸለ የዋህ በዓል ደፈረ፣ ክልተ ደቂ ሓወቦታቱ’ኳ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት እንተነበሩዎ፣ ገረወልዲ ቀልጢፉ ተሰውአ። ተጋዳላይ ዘርእማርያም ወዲ ሸቃ ከኣ፣ ኣብ ግዜ ብረት እንዳ ፍላንሳ ምውጻእ ዝነበረሉ ግዜ ከቢድ ናይ ሕቖ ቃንዛ ኣጋጢሙዎ ስለዝነበረ፣ ካብ ሓይልታት ሓውሲ ዕረፍቲ ንክኾኖ ተባሂሉ ምስ ኢሳይያስ ንክንቀሳቐስ ተወሰነ።

ዘርእማርያም ምስጢር ኣቀታትላ ናይቲ ኣብ ከባቢ ኡንክዔላ ዝተባህለ ቦታ /ገምገም ዓዜን/ ዝተቐትለ ወዲ ሓወብኡ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ስለዚ ንሱ’ውን ኣብ ልዕሊ መስፍን ሕነ ክፈዲ ወይ ድማ ምስጢር ናብ ቤተ-ሰብ ከመሓላልፍ ከም ዝኽእል ኣይተሳሕተን። እቲ ዘገርም ፍጻሜ ድማ፣ ክልቲኦም ኢሳይያስን ዘርእማርያምን ናብ ኳዜን ዝተባህለት ዓዲ እናኸዱ እንከለዉ፣ ኣብ ሸኻ ላዕላይ ዝተባህለ ጥቓ ዓዲ ምስ በጽሑ ዘርእማርያም ብጥይት ተቐትለ።

ሻቡ ኢሳይያስ ንሰባት ጸዊዑ “እነሀልኩም በራሪት ጥይት ቀቲላቶ” ኢሉ ነገሮም። ኣብቲ ግዜ’ቲ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ በለዛ ኢዮም ዓስኪሮም ዝነበሩ።  ካብ በለዛ ናብ ሸኻ ላዕላይ /ኳዜን/ ከኣ ኣስታት ናይ ሰለስተ ኪ.ሜ. ርሕቀት ኣለዎ። ካብ ብሬን ወይ ዶሽካ ዝተተኮሰ ጥይት’ውን ናብቲ ዝነበሩዎ ርሕቀት ክሃርም ኣይክእልን ኢዩ።

እቲ ድራማ እቶም ሰብ ደም ኣይሰሓትዎን። ግን ‘ምስ ደጃዝማቲ መን ተማጓቲ’ ከም ዝበሃል፤ በትሪ ገይሮም ምስ መስፍንን ኢሳይያስን ምስ ጠበንጃ ክተፋነኑ ዓቕሚ ኣይነበሮምን። ስለዝተጠርጠረ ኢዩ ድማ እቲ ዘመዱ ንመስፍን ሓጎስ ካብ ሜዳ /ዕርዲ እምባደርሆ/ ዝሃደመ ኣብርሃም (ወዲ ጉሬስ) ዝተባህለ በዓል ዓዜን ናብ ካርቱም ምስ ኣተወ፣  መስፍን ብዝቐተሎ ሰብ ሕነ ኣብ ልዕሊኡ ከይፍጸም ዓቢ ፍርሃት ዝነበሮ። “ኣብርሃም ጉሬስ ኣኸዛ መጺኡ’ዩ ንዓባ ሕረስ” እናበለት ጸሃይቱ በራኺ ኣብ መጀመርታ 70ታት ኣብ እንዳ ስዋኣ ኮይና ትደርፈሉ ዝነበረት ሰብ’ዩ። ስለዚ መስፍን ሓጎስን ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ካብ ጥንቲ ካብ ጥቅምቲ ሰብ ኪዳን ኢዮም። ክልቲኦም ክልተ ገጻት ናይ ሓንቲ ቅርሺ ስለዝኾኑ ድማ ክሳብ ዕለተ-ሞቶም ኣሕሊፎም ንከይወሃሃቡ ሰብ ጽኑዕ ማሕላ ኢዮም። መስፍን ሓጎስ ንኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክቃወም ኢዩ ካብ ምባል፤ እስላማይ ንነብዪ መሓመድ፣ ክርስትያናይ ድማ ንኢየሱስ ክርስቶስ ክቃወም ኢዩ ምባል ይቐልል።

ኣብ ተቓወምቲ ውድባት ኮይኖም ግቡእ ሃገራዊ እጃም ከተበርክቱ ብንጹህ ልቦና ክጓዓዙ ዝጸንሑ ደቂ ኤርትራ፣ ሎሚ መን’ዩ ተቓላሳይ መን ኢዩ’ኸ በዓል ስዉር ተልእኾ ንምፍላይ ኣብ መንጎ ጻዕዳን ጸሊምን ንዘሎ ፍልልይ ምፍላጥ ከም ማለት ኢዩ። ቀደም ይኹኑ  ሎሚ ኣብ ደም ዝተጠምዓ ኣእዳው ዘለዎም ሰባት፣ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክመርሑ ኣይክእሉን ኢዮም። እንታይ ደኣ ኢዩ መለሳና? ንሓደ ፋሺስታዊን ውልቀ-መላኺን ሰብ ኣፋኒና፣ ኣብ እዋን ከበድቲ ገበናት ሴፍን ጠበንጃን ዘቐብሉ ንዝነበሩ ሰባት ናብ ፖለቲካዊ ስልጣን ምድያብ፤ ተመሊስካ ብዕድል ህዝቢ ምጥላዕ ኢዩ። ኣብዚ ዘመን-ሕንፍሽፍሽ ኢሳይያስ ዘዋፈሮም ሰለይቲን መቓቐልቲን ህዝቢ ኤርትራ ውሑዳት ኣይኮኑን። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ነዞም ዓቀይቶት እዚኣቶም ከየለለየ ሓንቲ ስጉምቲ’ውን ከሳጉም ኣይከኣልን ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ነታ ዓሰርተታት ኣሽሓት ምሩጻት ደቁ ከፊሉ ዝረኸባ ናጽነት፣ ፍረኣ ኣየስተማቐራን። ብሰንኪ ሓላሚ ኢሳይያስን መጫፍርቱን ንዝበሃጎ ፍትሒ ብሕልሚ ርእዩዎ። ትልሚ ዘርኢ ክርዳድ ዝተለመ ኢሳይያስ፣ ምስቶም ካብ ምምስራት ሰልፊ ናጽነት /ህዝባዊ ሓይልታት/ ክሳብ ሎሚ ብደም ዝተለኽዩ መጓዕዝቱ ናብ ሕጊ፣ ዓለም-ለኻዊ ቤት ፍርዲ ዘ ሄግ ተተኣሲሮም ንክቐርቡ ገበርቲ ሰናይ ማሕበራት ካብ ሎሚ ክሸባሸቡሉ ዝግባእ ውራይ ኢዩ።

እቲ ኣብ ሰብዓታት ዝተለሞ ዘርኢ ክርዳድ ሎሚ’ውን ብዝተራቐቐ ኣገባብ ይትግብሮ ኣብ ዘለወሉ ግዜ፣ ከምታ ኣብ ሜዳ ሰባት ንምፍንጫልን ንዕኡ ናብ ወርቂ መንበር ንምስቃልን መስሪቱዋ ዝነበረ ሕብእቲ ናይ ውሻጠ ስልፊ፤ (ኤርትራዊ ማሕበርነታዊ ሰልፊ)  ሎሚ’ውን ሓዳስን ሕብእቲን ሰልፊ፤ ብመበቆል፣ ዓሌት፣ ደርባዊ ኣቀዋውማን ናይ ዕላማ ሰብ ሸቶን ዝተኸበበት ኣብ ቆፎ ዝተኸወለት ሰልፊ ኣላቶ። ዝርዝር ኣቀዋውማ ናይዛ ሰልፊ፣ ኣመራርጻ ኣባልነት፣ ዕማም ኣባላት ኣብ ውሽጢ ሃገር፣ ኣብ ደገ በዓል መን ይምረጹ? ብከመይ ረቛሒታት ወ.ዘ.ተ…ብመዓልቱ ክበርህ ኢዩ። ደቂ ህዝቢ ነዚ ጠቃር ወጮ ጋሊሆም ሓቂ ንህህዝቦም ክነግሩ ድማ እትስፎ።

ናብ ጉዳይ ነቐዘ ንኺድ። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ዝተንከፍኩዎ ዝምድና ኢሳይያስን ፊሊጶስን ብድሕሪ ቅንጸላ ኢብራሂም ዓፋ ኢዩ እናተረረ ዝኸይድ ዝነበረ። ብድሕሪ ናጽነት ድማ ካብ ኩላቶም ጀነራላት ህግደፍ ቃሕ ከም ዝበሎ ዝገብር፣ ሜ/ጀ ፊሊጶስ ጥራይ ኢዩ። እቲ ብልዕሊ 2000 ዝተቐጽዑ ኣባላት ሰራዊት ዝዕመም ስራሓት ሕርሻን መጓሰን ዓድ-ዑመር /ከባቢ ተሰነይ/ ኣታዊኡ ንፊሊጶስን ተለኣኣኽቱን ጥራይ ኢዩ ዝውዕል ዝነበረ።

ስቡሕ ሕርሻ ዓድ-ዑመር ንተቐማጦ እታ ዓዲ መንዚዑ፣ ዝወሰደ ስርሒት ዞባ ክልተ ቃሕ ከም ዝበሎ እቲ ኩሉ ኣብ ገማግም ሩባ ጋሽ ዝርከብ ለሰ መሬት ወኒኑዎ ኢዩ። ኣብ ንኡስ ዞባ ቶኾምብያ ዝነበረ ፍሉይ ናይ ትምባኾ ሕርሻ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ፋብሪካ ሮዝማን ብ42 ሚልዮን ዶላር ምስ ገዝኣቶ፤ ብሰንኪ ኲናት ባድመ ገዲፋቶ ከደት። ብርሃነ ሚኪኤል ዝተባህለ ሕጋዊ ወኪል ሞኖፖልዮ ሮዝማን ምስ ገዲምን ስንኩልን ተጋዳላይ ኣልኣዝር ዘርአ (ወዲ ዘርአ) ክሰርሑሉ ጀሚሮም ነይሮም ኢዮም። ነቲ ሰፊሕን ስቡሕን መሬት ውልቀ ሰባት ክሕዝዎ ዓይኑ ዘይገብረሉ ስርዓት ህግደፍ፣ ኮ/ል ተስፋንኪኤል ኣይንኣለም (ወዲ ቀሺ) ዝተባህለ መራሒ ክፍለ ሰራዊት ብትእዛዝ ሜ/ር ጀነራል ፊሊጶስ ነቶም ሕጋውያን ሰባት ኣሲሩ ነቲ ግራት ድማ ወሰዱዎ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ጎሉጅ ብሰራዊት ዝዝራእ ስምስምን መሸላን፣ ኣብ ጀራዲን ሃይኮታን ወሰናስን ሩባ ጋሽን ዝፈሪ ኣሕምልቲ፣ ኣብ ነፍስ-ወከፍ ብርጌድን ቦጦሎኒን ዝጓሰያ ከብቲን ኣባጊዕን፣ ኣብ ኩላተን ብርጌዳትን ቦጦሎኒታትን ዝተተኽላ ድኳናትን ኣታዊታቱን፣ ቤት ጽሕፈት ፊሊጶስ ጥራይ ኢዩ ዝቆጻጸሮ። እቲ ዝገረም ግን ሓንቲ ጋንታ ኣብ ሃብረንጋቓ ንህቢ ተፋሪ ነይራ። እቶም ኣናህብ 30-40 ቆፎታት ኮይኖም መዓሮም ተተበርቢሩ ብፍልይቲ መኪና ናብ ኣስመራ ይኣቱ። ኣብ ሃብረንጋቓ ሓጋይ ኣብ ዝኾነሉ ወቕቲ ከኣ እታ ጋንታ ኣናህባ ሒዛ ናብ ሰሜናዊ ባሕሪ /ፋጌና ሞግኦ/ ትሳግም። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ንዜጋታት ናብ ጊልያነት ዝቕይር ኣሰራርሓ ጀነራላት ህግደፍ ኣብ ኩላተን እዚታት ኣሎ።

ካብ ኣርእስትና መታን ከይንእለ ከኣ ንሎሚ ናብ ጉዳይ ፊሊጶስ /ነቐዘ/ ክንፍልም’ሞ ኣብ ዓስራይ ክፋል ክንዛዝሞ ተስፋ እገብር። ብድሕሪ ቅንጸላ ናይቲ ከም ወርቂ ኣብ ሓዊ ዝተፈተነ ወዲ ዓፋ፤ ምስጢራዊ ምውላዕ ክርቢት ኲናት ባድመ ንሜ/ር ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ ጥራይ ዝተዋህበ ዕዮ-ገዛ ከም ዝነበረ ዝሰማዕናዮ ጽንጽንታ፤ ሎሚ ኣብ ስርዓት ኢሳይያስ ገባሪን ሓዳጊን ክኸውን ሓቁ ኢዩ። ንኩላቶም ኣዘዝቲን ኣመሓደርቲን ቃሕ ከም ዝበሎ ይጸርፍ፣ ይዝልፍ።

ንኣመሓደርቲን ሚኒስተራትን ኣብ ስርሖም እናኣተወ ፋሕ የብሎም። ንኣብነት ኣብ ባረንቱ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፣ ምስ ሙስጣፋ ኑር ሑሴን ሰላም ናይ ጸሓይ’ውን ኣይነበሮምን። ኣብ ቅድሚ ሰባት ነቲ ዞባ ዘመሓድር ዝነበረ ሙስጠፋ ብዙሕ ግዜ “ሎሪ” ኢሉ ይጸርፎ ነበረ። ኣብ መንጎ ጀነራላትን ኣማሓደርቲን /ፊሊጶስን ሙስጣፋን፣ ውጩን ካሕሳይ ገብረሂወትን፣ ተኽላይ ሃብተስላሰን ኢብራሂም ቶቲልን ወ.ዘ.ተ…/ ዝነበረን ዘሎን ግርጭት መፍትሒኡ ጥፍኣት ህግደፍ ጥራይ ኢዩ።

ሙስጣፋ ንኣፈ-ንጉስ ፊሊጶስ ከፍቱ ብምባል ኣብ 1999 ኣብ ከባቢ ባድመ /ዴዳ፣ ዓዲ ሃኪን/ ውግእ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፤  ዊስኪታት ጽዒኑ ናብቲ ግንባር ንፊሊጶስ በጺሑዎ ነበረ። “…ከምዛ ዝመጻእካያ ተሰኪምካየን ኪድ” በሎ። እንተኾነ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ኣዘዝቲ ዓገብ-ዓገብ ምስ በሉዎ ዊስኪ ተኸፊቱ ተሰትየ። ውግእ ይግበረሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ ከኣ ኦፐረተሩ ንፍሊጶስ መልእኽቲ ከም ዝመጾ ነገሮ። “…ካብ መን ዝመጸ መልእኽቲ ኢዩ” በሎ ነቲ ኦፐረተር። “ካብ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም” መለሰ ኦፐረተር። ፊሊጶስ ንዘለዎ ምልኪ ንከርኢ ከኣ “ኪድ እዚ ከምዚ ዓይነት መልእኽቲ ናብ ጁባኻ ወትፎ ኢሉካ ፊሊጶስ ኢልካ መልሰሉ” ኢሉ ከም ዝዘለፎ ኣብ ቪድዮ ካሜራ ካብ ዝተቐድሐ ሰነድ ርእየ።

ሎሚ ኢሳይያስ ኣብ ዝገሸሉ መዓልታት ነታ ሰንካም፣ ብደም ዝተተኽለት መንበሩ ዘጽንሓሉ ሜ/ጀነራል ፊሊጶስ ጥራይ ኢዩ። ኢሳይያስ’ውን ኣብ ከቢድ መዋጥር ስለዘሎ’ምበር ንዝኾነ ጀነራል ምእሳርን ምርሻንን ድምብርጽ ዝብሎ ሰብ ኣይኮነን። እንተኾይንሉ ንኩላቶም ጀነራላት ዝኣስረሉ መዓልቲ ይሓልም ኢዩ። ሎሚ ኣብ ትሕቲ እቶም ገዳይም ጀነራላት፣ እሙናትን ብሓድሽ ፍቕሪ ኢሳይያስ ዝነደዱ ኮሎኔላትን ብሪጋደር ጀነራላትን መዲቡሎም ኣሎ።

ንኣብነት ንኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ሜ/ር ጀነራል ሑመድ ካሪካረ ዝስሊን ዝከታተልን ብ/ር ጀነራል ፍጹም ገብረሂወት (ወዲ መምህር)፤ ንሜ/ር ጀነራል ዑመር ጠዊል ዝከታተል ብ/ር ጀነራል ኢዮብ ሓሊባይ፤ ንሜ/ር ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል ዝከታተልን ዝስሊን ብ/ር ጀነራል ኣብርሃም ዓንዶም (ዓፋን) ወ.ዘ.ተ… መዚዙሎም ኣሎ።

መቐጸልታ ናይዚ ኣርእስቲ’ዚ ንጉዳይ ምልኪ ፊሊጶስ፣ ብልሽውናን ኣሽካዕላልን ጀነራላት ኢሳይያስን ዝምድንኦምን ብዝምልከት ኣብ 10ይ ክፋል ክቐርብ ኢዩ።

ንመአረምታ፣ ሓበሬታን ተወሰኽቲ ጽሑፋትን በዚ ኣድራሻይ ንክትልእኩለይ ብትሕትና አዘኻኽር።

\n alenakoena@gmail.com This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it

 

ክሳብ ሽዑ ከኣ ሰናይ ቅነ

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!

http://www.assenna.com/index.php?option=com_content&view=article&id=3207:----9---&catid=46:discussion&Itemid=100584