ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ንዘለዉ እሱራት ንምዝካር ዝዓለመ’ዩ

ብይርጋኣለም ፍስሃ ዝቀረበ ጽሑፍ::


1.እታ ብኣራዊት እትምራሕ ኤርትራ፡ ዓይነ-ብርካ እንክትስእን!


*** *** ***
(እዚ ኣብዚ ቅንያት ብተኸታታሊ ዝቐርብ ዘሎ ጽሑፍ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ንዘለዉ እሱራት ንምዝካር ዝዓለመ’ዩ። ብንባብን ብዝኽርን ክትሓብሩኒ እትስፎ።)
ሕግን ፍትሕን ኣብ ዝተረግጸሉ ሃገር፡ ንመጭወይቲ ዝኣመሰሉ ሓደጋታት ምስ እትቃላዕ፡ መኣስ ትወጽእ፡ እንታይ ይስዕብ… ምግማት ኣይክኣልን። ስለ ዝዀነ፡ እዞም ሎሚ ንዝክሮም ኣኣብ ዓውዶም ተጠቀስቲ ዝነበሩ ዜጋታትና፡ ገና ኣብቲ ጸልማት እናሃለዉ፡ ኣነ ካብቲ ህይወት ወጺኤስ፡ ኣብ ውሑስ ቦታ ኰይነ ብዛዕብኦም ክጽሕፍ ዝግመት ኣይነበረን።
ኣብ ሓሊበት ቀጽሪ ፕሪዝን ዋርድ፡ ካብ ዝድቅስ ንፈለማየይ ናብ ግዳም ዝወጻእኩላ ረፍዲ፡ ምስ ካልኦት ከይተረኣኣና ጽሓይ ናብ ንጽለወሉ ወገን ክጥወ ቁሩብ ምስ ተረፈኒ፡ ንምንቅስቓስ ኣብቲ ቀጽሪ ዘወር ምስ ዝብል ዝነበረ እሱር ተጋጢምና።
“ይርጋኣለም ፍስሃ ማለት ንስኺ ዲኺ፧” ብኣዝዩ ትሑት ድምጺ።
“እወ” ዳርጋ ብትሕቲ መልሓሰይ።
“ኣጆኺ’ዛ ጓለይ! ኣጆኺ!” ክሳብ ንተሓላለፍ ልዕሊዚ ምዝርራብ ይክኣል ኣይነበረን። ይኹን ግን፡ ምሉእ ስመይ ጠቒሱ ሞራል ብዛዕባ ዝሃበኒ ሰብ፡ ገለ ክፈልጥ ደለኹ። ብድሕሪት ተጠውየ፡ ናይ ንድቅሰሉ ክፍሊታት ፍኒስትራ ኳሕኳሕኩ - ናብ ብጾተይ።
“ካምቻ፡ ብላዕሊ ከኣ ጅለ ጃኬት ዝተኸድነ፡ ቆብዕ ዝገበረ፡ በዓል ኦክያለ ሰብኣይ፡ ኣብዚ ደገ ዝንቀሳቕስ ዘሎ መን’ዩ፧” ሓተትኩ።
“ዶክተር ክፍሉ’ዩ ዝኸውን” ንምርግጋጽ ካልእ ተወሰኽቲ ነጥብታት ምስ ሓተተኒ፡ እቲ ኣዋርሕ ዝደቀሰ እሱር’ዩ መሊሱለይ። “ኣይትፈልጥዮን ዲኺ፧ ዶ/ር ክፍሉ ናይ ዩኒቨርስቲ መምህር’ዩ ነይሩ። ብዙሕ ዓመታት ገይሩ’ሎ ካብ ዝእሰር...”
ኣብ ሳልስቱ ተመሳሳሊ ዕድል ረኺብና፡ ቀዲመን ተጠንቂቐን “ዶክተር” ርእሰይ ጠቒሰ ሰላም ኢለዮ። ሕክምናኡ ምውድኡን ክወስድዎ ምዃኖምን ነጊሩ፡ ቻው ዝብለሉ ብጾተይ ጠቒሱ ንዓይ’ውን ተሰናቢቱኒ። ኣብ ዝሰዓበ ግዜ፡ ምስ ቀሺ ዶክተር ፍጹም ርእሱ ዝኸኣለ ጦብላሕታ፡ ምስ መም/ ወልዱ’ውን ኣቐንዛዊ (ንግዚኡ ክጽሕፎ ዘይክእል) ዝኽሪ ዘለዎ ኣጋጣሚታት ረኺበ ነይረ። እቲ ንዕኦም ኣኺሉ ንካልኦት ዝምቀል ሞራሎምን ብርታዔኦምን ክሳብ ሎሚ ምስኦም ክህሉ እትስፎ።
*** *** ***
ሓንቲ ሮቡዕ ዋርድያ “ኮሎክዮ” ከቐብለና ምስ መጸ፡ ተመላሲ ንህብ ተመሲልና ናብቶም ኣብ ግዳም ዝነበሩ እሱራት ኣማዕደና። ናብ ሓኪም ወይ ናብቲ ንሕና ዘለናዮ ክፍሊታት ቅድሚ ምእታው ኣብ ዘላ ጸባብ ኰረድዮ ሚዛን ነበረት። ገለ እሱራት እናተሰቕሉ ይምዘኑ ነበሩ። ሓደ ካብኦም ፋርማሲስት ሰናይ ክፍለየሱስ’ዩ። ከም ዝተኣስረ ፈሊጠ እንተ ዘይነብር፡ እቲ ቅድሚ ዓመታት ኣብ ቤት መግቢ ግደይ ሳንታኣንተንዮ ዝርኣኽዎ ምዕሩግን ቆማትን ሰብኣይ’ዩ ክብል ኣይምደፈርኩን።
“ሓቂ ንሱ ድዩ፧” ሓቲተዮ ምሳይ ንዝነበረ እሱር።
“እወ ንሱ ጽቡቕ ገይረ’ንድየ ዝፈልጦ” መሊሱለይ።
“ሚኒስተር ኣስካሉ መንቀርዮስ ምስ’ተን፡ ንሳ ተገልግሎ ስርዓት ኣቦአን ዝመንጠለን ደቃ ብዛዕባዚ ኣርእስቲ እንታይ ተዕልል ትኸውን፧ ነቲ ዓመጽን ጥሕሰት ሕጊንከ እንታይ ተመኽንየሉ ትኸውን!፧” ሕቶይ ነበረ።
*** *** ***
ኣብ ፈለማ ኣዋርሕ 2011 ሓደ ምሸት፡ መጀር ብርሃነ (ወዲ ኸበደ)፡ ናብቲ ቀንዲ ተጸዋዒ ሓለዋና ዝነበረ ማና ካሕሳይ ደወለ። ምስ ዝዀነ እሱር ክትዛረብ ዘይፍቀዳ፡ ብጥንቃቐን ብምስጢርን ክትታሓዝ ዘለዋ ናይ ካልእ ቤት ማእሰርቲ እስርቲ ክትመጽእ ምዃና ሓቢሩ፡ ነጻ ዓራት ክዳሎ ኣዘዘ። ዳርጋ ደቂስና ኢና ነይርና። ኩላትና ነቓሕና። ነጻ ዓራት ንኽርከብ ክልተ ሰባት ክደራረቡ ነበሮም። ንዓኣ ሒዞም ዝመጹ ሓለዋ ክዕዘብዎ ዘይንደልዮ ነገራት ከነወጋግን’ውን ነበረና። ቢቲቢቶ ኣተወና።
“መን ትኸውን፧” ዝብል ሕቶ ኣልዓልና። ሓያለይ ዝተፈላለየ ግምታት ወሓዘ። ኣስቴር ዮሃንስ ወይ ሰናይት ደበሳይ ክትከውን ትኽእል’ያ ኣብ ዝብል ድማ ዓለብና። ኣብ ትጽቢት ፍርቂ ለይቲ ሓለፈ። ኣይደቀስናን። ግዜ ግን ደው ኣይበለን። ወግሐ። ኣይመጸትን!
ንገለ ግዜ ምስ ሰናይት ተኣሲራ ምንባራ ምስ ዝነገረትኒ ሰብ 2012 ተራኺብና። ኩነታት ሰናይት ሓቲተያ። መጥባሕቲ መዓናጡ ከም ዝገበረት፡ ድሕሪ መጥባሕቲ ብቐጥታ ናብ ካርሸሊ ከም ዝተወስደት፡ ብሰንኪ ዘለዋ ጥዕናዊ ጸገም ብማይ ጥራይ ዝተጠጠቐ ሓምሊ ቈስጣ ከም ትምገብ ነጊራትኒ። ብዛዕባ ተቐጥቂጦም ኣብ ሸላ ዝተዓጽዉ፡ ዝሰንከሉ፡ ህይወቶም ዝሰኣኑ እሱራት ዛንታ ኣለኒ። ካብ ክፍሊ መጥባሕቲ ብቐጥታ ናብ ሸላ፡ ክሰምዕ ግን ንፈለማየይ ነይሩ።
ነታ ኣብ ግዜ ቁልዕነተይ፡ ኣብ ብዙሕ ናይ ገድሊ ደርፍታት ጊታራ ሒዛ ምርኣያ ባህ ትብለኒ ዝነበረት ሰናይት፡ 2008 ኣብቲ ቦታ ተኣሲሩ ዝነበረ ፈላጥየይ “ብዓይነይ ክርእያ ኣይከኣልኩን ግን ክትደርፍ’ያ ትውዕል” ኢሉኒ ነይሩ። እዚ ክልተ በበይኑ ሓበሬታታት ዝሰነደ ርእሰይ፡ እናደረፈት ድዩ እናተቕቀንዘወት’ዩ ክስእላ ዝኽእል፧!
“… ክነፍርዶ ደቀይ ዑፍ መሲለ
ክንሳፈፍ ኣብ ቀላይ ዓሳ’ቢለ
ክጋልብዶ ፈረስ ተቐይረ
ክዞራ’ዛ ዓደይ ሓጎስ ጸይረ (2)…” ደርፋ፡ ደርፊ ንእስነታ፡ ክትዝክሮ ከላ እንታይ ይስምዓን እንታይከ ትብልን ትኸውን፧
2018 ሓንቲ ካብ ደቃ ኣብ ሓደ ገዛ ጎፍ ኢላትኒ። ከዕልላ ደልየ ነይረ። ግና እንታይ ምባል ከም ዝሕሸኒ ሰኣን ምውሳነይ፡ ወላ ሓንቲ ክብል ኣይከኣልኩ። እቲ ስልጣንን ሰይጣንነትን ዝማእመኦ ኣቦኣ (ኣምበሳደር በየነ ርእሶም) ብዛዕባ ኣዲኣ እንታይ ኢልዋ ከም ዝፈልጥ ክሰምዕ ግን ምደለኹ።
(ይቕጽል)

· 
2.‘ሕጊ ኣብ መቓብር፡ ንእስነት ኣብ ሸላ


*** *** ***
(እዚ ኣብዚ ቅንያት ብተኸታታሊ ዝቐርብ ዘሎ ጽሑፍ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ማሕዩር ኤርትራ ንዘለዉ እሱራት ንምዝካር ዝዓለመ’ዩ። ብንባብን ብዝኽርን ክትሓብሩኒ እዕድም)
ናብታ “ኩነታት ጥዕንኦም ምክትታል የድልዮ’ዩ” ተባሂሉ፡ ብሓካይም ማይ-ስርዋ ዝተኣምነሎም እሱራት ዝድቅሱላ ክልኒክ ተቐይረ ነይረ። ካብ ስድራቤት ዝተላእከ ዘናቢል፡ ሕክምና ዝኸዱ እሱራ… ዝሓዛ መካይን ካብ ፋዱስ ክሳብ ሰዓት ክልተ’የን ዝድሃያ'ሞ ካብዚ ወጻኢ ድምጺ መኪና ምስማዕ ኣቓልቦ ኩሉና’ዩ ዝስሕብ። ምምጻእ መርመርቲ፡ ሓደሽቲ እሱራት፡ ምናልባት ከኣ ምውጻእ ናይ ገለ ዕድለኛታት ክኸውን ስለ ዝኽእል። ተጣቢብና ናብ ኣንፈት እንዳ መርመርቲ ምቁማት ድማ ኣይተርፍን።
“ሰላም፡ መሳርሕትኺ ተኣሲሮም ኣለዉ። ትፈልጥዮ ሰብ ኣይስኣንን’ዩ ነዞም ዋርድያ ሕተትዮም” ኢለያ ንመዳቕስተይ።
“ስራሕና፧ ከመይ ፈሊጥኪ፧” ሓቲታትኒ።
“እሱራት መጺኦም ኣለዉ። መብዛሕትኦም ፓይሎት’ዮም ይብሉ’ለዉ'ቶም ኣባላት”
“ናይ ልብኺ ዲኺ፧” ሰሓቕ ኣቐዲማ ሓቲታትኒ።
“ሓቀይ’የ” ከሰንብዳ እናተጸበኹ ምስሓቓ ምድንጋር ፈጠረለይ።
“ፓይለት ማለት መን ድዮም፧ ኣስገርቲ!” በለትኒ። ኣስገርቲ ፓይለት ተባሂሎም ከም ዝጽውዑ ቦኹሪ እዝነይ ነበረ። ምስ ሰላም፡ ኣብ መርመራ ብኣባትር ምስ ሰንከልና፡ ክንተሓጋገዝ ተባሂሉ’ዩ፡ ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ኰንና። ብዙሕ ግዜ ከኣ፡ ክወድቕ ከለኹ ኣተንሲኣትኒ፡ ክትደክም ከላ’ውን ተደጊፋትኒ’ያ።
ቅንይ ኢሉ ኣብ ዕራርቦ እሱር ዝሓዘት መኪና መጺኣ። ቢንያም (ወዲ ሴዳው) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣባል ቤት ጽሕፈት ዓዲ ኣበይቶ’ዩ። ኣማዕዲና፡ ጥራሕ እግሩ ድዩ፡ ወይስ ኣእዳዉ’ዩ ብፌሮ ተኣሲሩ ከነለሊ 'ናፈተንና ናብ ሸነኽ ኰንቴነር ተወሲዱ። ንከባቢ 8 ኣዋርሕ ድማ ተኣሲሩ። ንገለ ካብቶም ብጉጅለ 7 ዝፍለጡ እሱራት፡ ደረቕ መግቢ (ጥሕኒ፡ ጸባ፡ ተምሪ… ዝኣመሰለ) ክኣትዎም ስለ ዘፍቀደ ወይ ሸለል ስለ ዝበለ ምዃኑ ሰማዕና። እቶም እሱራት’ውን ተፈቲሾም ኣብ ኢዶም ዝጸንሐ ደረቕ መግቢ ከም ዝተሓደጉን ብኸመይ ከም ዝመጾም ብምሕታት ከም ዝተኸላበቱን ኣባላት ነጊሮሙና።
ግንቦት 2010 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ማይ-ስርዋ ስርሒት “ፕሪዝን ብሬክ” ምስ ኣጋጠመ፡ ነቶም ከየምልጡ የስግኡ’ዮም ኢሎም ዝሓስብዎም እሱራት ካብ ኰንተነር ናብ ሸላ ኣምጺኦሞም። ሽዑ ድማ’የ ነዞም ንዓመታት ካብ ኢዶም ፌሮ ዘይተፈልዮም መንእሰያት ክርእዮምን ክፈልጦምን ዝኸኣልኩ።
2007 ኣብ ኣስመራ ዓብላሊ ኣርእስቲ ምስ ዝነበረ ፈተነ ቅትለት ኮ/ል ስምኦን ገ/ድንግል ብዝትሓሓዝ ናብ’ዚ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተወስዱ ክሳብ ሕጂ ኣብኡ’ለው። ኣብቲ ዝተኣስርሉ ግዜ ካብ መፋርቕ 20ታት ክሳብ ፈለማ 30ታት ዕድመ ከም ዝነበሮም እግምት። እዞም 7 መንእሰያት፡ ንእስቲ ጉጅለ ናይታ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተጠቕሱ፡ ነጋዶን ኣባላት ፖሊስን ጸጥታን ዝርከብዋ ዓባይ ጉጅለ እሱራት ማይ-ስርዋ ዘቑሙ’ዮም።
1. ሰሎሞን ዘርኣይ
2. ተኽለ ይስሃቕ
3. ጸጋይ (ሰራሕተኛ ባንኪ ነበር)
4. ሕሩይ (ኣባል ፖሊስ ነበር)
5. ኣስገዶም ገ/ሚካኤል (ዓዲ ንፋስ)
6. ተስፋኣለም (ኣውቲስታ መ/ ጀነራል ውጩ ነበር)
7. ተስፋኣለም (ኣውቲስታ ብ/ጀነራል ቀያሕታይ ነበር) ኣብ ሸላታት ማይ-ስርዋ፡ ኣእዳዎም ብፌሮ ተኣሲረን ሓንቲ መዓልቲ ከይተፈትሓ 13 ዓመታት ኣቑጺሮም ኣለዉ።
እቲ ኣብ ዙርያ ሸላታት ብዝተዃነየ መንደቕ ዝተኸተለ ቀጽሪ ክልተ ኣፍ ደገታት’ዩ ዘለዎ። ንደቡብ ብእተውጽእ ኣፍ ደገ ዓይኒ-ምድሪ፡ ንሰሜን ብእተውጽእ ኣፍ ደገ ድማ ‘ሕክምና’ ይርከብ። ሸላይ፡ ሸላ ቁጽሪ 22 ድማ ኣብ ጥቓ እዛ ናብ ሕክምና እተውጽእ ኣፍ ደገ’ያ ዝነበረት። ስለ'ዚ “መን ተጸሊእዎ፡ መን ሕሽዎ፡ መን ከይዱ መን ተመሊሱ፧” ምክትታል ሓደ ካብ መዓልታዊ ናይ መዘናግዒን መሕለፊ ግዜን ንጥፈታተይ ነበረ። እዞም መንእሰያት ድማ ሳሕቲ ናብታ ሕክምና ክሓልፉ እርእዮም ነበርኩ። ንዝለዓለ ሕክምና ናብ ሓሊበት ኰነ ኦሮታ ከይዶም ክረኣዩ ግን ኣጋጢሞሙኒ ኣይፈልጡን።
ኣብታ ክንዲ ዓራት ዝስፍሓታ፡ ክንዲ ቁመት ሰብ ዝልዕለታ ሸላ ንኽንድኡ ዓመታት፡ ብዘይ ሕጋዊ ፍርዲ፡ ኣእዳዎም ብፌሮ ተኣሲሩ፡ ብዘይ ሕክምናዊ ኣገልግሎት፡ ብዘይ ጥዑይን እኹልን መግቢ… ክነብሩ፡ ክሳብ ክንደይ ከም ዝኸብድ፡ ክሳብ ክንደይ ከም ዝመርር… ንምግማት፡ ነብስና ንደቓይቕ ኣብ ቦታኦም ኣእቲና ምሕሳብ ጥራይ ኣኻሊ’ዩ። ዝዀነ ነገር ካብ ስድራቤት ክመጾም ስለ ዘይፍቀዶም፡ ነቲ ኣፍንጫኻ ዓጺኻካ ናብ ኣፍካ ከተብጽሖ ዘለካ ኣስካሕካሒ መግቢ እቲ ቤት ማእሰርቲ፡ ብዘይለውጢ ንዓመታት ክምገብዎ ይግደዱ። እቲ ሽሉ (ናይቲ መዓስከር ህብብቲ ከልቢ) “ሽሉ ናይ እሱራት መግቢ ኣይትበልዕን’ያ። ቅርብ ኣይትብሎን’ያ።” እናተባህለ ዝዝረበሉ መግቢ ቤት ማእሰርቲ ማይ-ስርዋ!
ኩሉ ግዜ ኣብ ርእሰይ ዝመላለስ ሕቶ፡ “እዞም ሰባት ኣብ ሕጊ ምስ ዝቐርቡ፡ ጉዳዮም ምስ ዝምርመር፡ ክትንከፍ ዝኽእል በዓል ግዜ (በዓል ስልጣን) መን ይኸውን፧! መን ምእንቲ ከይቃላዕ’ዩ እዞም ሰባት ኣብ ሕጊ ክቐርቡ ዘይተደልየ፧” ዝብል’ዩ።
(ይቕጽል)


3.ብኩራት ሕጊ ንሃገርን ዜጋታታን ብሓንሳብ እንከዕኑ!


*** *** ***
(እዚ ኣብዚ ቅንያት ብተኸታታሊ ዝቐርብ ጽሑፍ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ንዘለዉ እሱራት ንምዝካር ዝዓለመ’ዩ። ኣብ ቀዳማይ ክፋል፡ ልዕሊ 12 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ማይ ስርዋ ናይ ዝርከቡ ኣስማት ክዝርዘር’ዩ። ኣብ ዝቕጽላ ክፋላት ድማ፡ ብመጠኑ ዕሙቕ ዝበለ ዝኽረይ ከካፍል ክፍትን’የ። ብንባብን ብዝኽርን ክትሓብሩኒ እትስፎ።)
ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ክሳብ ዝነበርኩሉ ግዜ፡ ሰለስተ ዓበይቲ ጉጅለታት ነይረን። (እዚ ነተን ብጉዳይ ስግረ-ዶብ ዝተኣስራ ጉጅለታት ኣየጠቓልልን።) እዘን ጉጅለታት’ምበኣር ነፍሲ ወከፈን 20ታትን ልዕሊኡን ቁጽሪ ኣባላት ይሓቑፋ ነይረን።
እታ ሽማግለታት ኣቦታትን ኣዴታትን ዝነብረዋ፡ ብደቂ ኣንስትዮ ዝተዓብለለት ዓባይ ጉጅለ፡ ዳርጋ ናይ መወዳእታ ዝተባህሉ ኣባላታ ኣብ መበል 10ይ ዓመት ማእሰርቶም ግንቦት 2017 ክልቀቑ ከለዉ፡ ኣሕዋተን ንክልተ ካብተን ኣዴታት ኣበይ ከም ዝኣተዉ ብግልጺ ኣይፍለጥን። ኣብ ሸላ ቁጽሪ 55 ዓመታት ዝተቐየደ እስቲፋኖስ ናይ ኣእምሮ ጸገም ገይሩ ኣብ ጎደና ወጺኡ። ሃብተጽዮን ዝስሙ ፖሊስ ምስዛ ጉጅለ ተኣሲሩ፡ ምስኣ ስለ ዘይተለቐቐ ግን ን 13 ዓመታት ኣእዳዉ ብፌሮ ተኣሲሩ ኣብ ሸላ ይርከብ።
ነጋዶ፡ ኣባላት ፖሊስን ጸጥታን፡ ካልኦት መንእሰያትን ትጥርንፍ ኣዝያ ዓባይ ጉጅለ ድማ’ላ። 5 ካብ ኣባላታ ኣብ ክራማት 2011 ተፈቲሖም። 4 ዓመት ድሕሪ ምእሳሩ ኣብ ሆስፒታል ሓሊበት ዝዓረፈ ኮ/ል ገብረእዝጋብሄር ገብረሚካኤል (ወዲ ገሬ) ኣባል እዛ ጉጅለ ነይሩ። ሓደ ካብቶም ቀዲሞም ዝተፈትሑ ድማ 2014 ደጊሙ ተኣሲሩ ኣብ ማይ-ስርዋ ይርከብ።
ሳልሰይቲ እታ ኣነ ዝነበርክዋ፡ “እንዳ ዜና” ብዝብል ስም ትጽዋዕ ዝነበረት፡ 26 ኣባላታ ኣብ ክልተ እብረ ዝወጻእና ጉጅለ’ያ። ብጉዳይ ስግረ-ዶብ ዝተታሕዙ ካብ መወዳእታ 2009 ዝያዳ ድማ ድሕሪ 2010 ዝተኣስሩ፡ ብጉጅለን ብውልቅን ኣዝዮም ብዙሓት እሱራት ኣብዚ መዓስከር ኣለዉ። ገለ ካብዚኣቶም ድሒሮም ናብ ዓላን ዓዲ ኣበይቶን ተወሲዶም ኣብ ተመሳሳሊ ህይወት ዘለዉ’ዮም።
ኣብታ ንሓደ ሰብ’ውን ዘይእኽልቲ፡ ክልተ ብክልተ ሜትሮ ዝዀነት ሸላ ክሳብ ሰለስተ ሰባት ተዓጽዮም ምህላዎም ሰሚዐ’ለኹ። ከመይ ይነብሩ ምህላዎም ክስእሎ ይኸብደኒ። ንሎሚ ገጽ ቤት ፍርዲ ከይርኣዩ ልዕሊ 12 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ማይስርዋ ተሓይሮም ብዝተፈላለዩ ሕማማትን ስንክልናን ዝሳቐዩ ዘለዉ እሱራት ክዝርዝር’የ።
1. ኮ/ ሰሎሞን ብርሃነ (ምምሕዳርን ፋይናንስን ፖሊስ ኤርትራ ነበር)
2. ኮ/ ኣስመሮም ገ/ወልዲ (ወዲ ገረወልዲ፡ ሓላፊ ምክልኻል ገበን ነበር)
3. ኮ/ ጎይትኦም ገ/ስላሴ (ወዲ በኺት፡ ሓላፊ ገበን መርመራ ነበር)
4. ሌ/ኮ/ ኢሰያስ ዮሴፍ (ወዲ ዮሴፍ)
5. መጀር ተስፋልደት ኢያሱ
6. መጀር ፍረዝጊ ሃብታይ
7. ተለ/ ተኪኤ ገ/ሂወት
8. ተስፋኣለም መንግስተኣብ (ነጋዳይ)
9. ዘርኢጋብር ገብረሂወት (ነጋዳይ)
10. ቦኽረ መብራህቱ (ነጋዳይ)
11. ኢንጅነር ዳዊት ሃብተማርያም
12. ጆሜትራ ማቲዎስ ሃብተማርያም
13. መጀር ጎይትኦም ኣርኣያ (ወዲ ቢኒ፡ 2011 ተፈቲሑ 2014 ደጊሙ ዝተኣስረ)
14. ጸጋይ፡ ሕሩይ፡ ተስፋኣለም (2)፡ ተኽለ፡ ኣስገዶም፡ ሰሎሞን (ኣብ ካልኣይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ
ዕሙቕ ብዝበለ ክጥቀሱ’ዮም)
15. ሃብተጽዮን ገ/ሚካኤል (ኣባል ፖሊስ ኰይኑ ካብታ ሽማግለታት ኣቦታትን
ኣዴታትን ዝነብርዋ ጉጅለ ዝተረፈ)
16. ሓጎስ (2008 ካብ ግብጺ ከም ዝምለሱ ካብ ዝተገብሩ ኰይኑ፡ ካብ መማጽእቱ
ተጨውዩ ናብ ማይ-ስርዋ ዝተወስደ)
ሕጊ፡ ንሃገር ዓንዳ፡ ንስድራቤት ጸግዓ፡ ንዜጋ ድማ ዋሕሱ’ዩ’ሞ፡ ብኩራት ሕጊ ንኩሉ’ዩ ዘዕኑ። ክንዲ ዝዀነ እዞም እሱራት ዘሕልፍዎ ህይወት ጥራይ ዘይኰነ፡ ደቆም፡ ኣሕዋቶም፡ መጻምድቶም፡ ወለዶም፡ ቤተሰቦም፡ ቀረብቶም… ንስሙ ደኣ ኣይተኣስሩን ይብሃሉ’ምበር፡ ብናብራ፡ ብጓሂን ሻቕሎትን ኣብ ዝባኖም ዝወርድ መግረፍቲ፡ ኣብ ልቦም ዝህሉ ስንብራት’ውን ኣካል ናይቲ ኣብ ዜጋታት ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ከቢድ ዓመጽ’ዩ።
(ይቕጽል)

 · 
4.‘ንምስትንታን’
** ** **


“...ኣብዛ ትርእይዋ ዘለኹም ገዛ ሓደ ተባዕታይ ከልቢ ጥራይ’ዩ ዘሎ።
. . . ኣቦኦም’ኳ ብጓሂ’ዩ ሞይቱ፡ እምበር ኣየናይ ሓዳሪ ሕማም ደኣ ነይርዎ፧” ኣቦይ ቀቢጸዮ’ኳ እንተነበርኩ፡ ኣብ ሞቱ’ውን ብተዘዋዋሪ ግደ ከም ዝነበረኒ ብወዝቢ ኣደይ ኣንፈሰትለይ።
“ሕጂ ደኣ መን ይሓርሰልክን፧” ዕላል ናብ ካልእ ንምምእዛን ጓል ሃይለ ሓተተት።
“ኣሕሞትሙተይ። ሓንሳብ ከኣ ብወፈራ ዓዲ አሕርስ።” ስቕታ! ሽቑረራ! ...
(ገጽ ኣደይ)
***
“እዚ ካፕተን ዝብሎ ዘሎ ሓቁ’ዩ። ንሱ ልዕሌና ተመክሮ ባሕሪ ስለ ዘለዎ መላሲ ኣውያት ከነትርፍ እቶም ክብደት ወሲኽና ዘለና እንተ ገደፍና ዝሓሸ’ዩ።”
“ብኸመይ እሞ ዝጥሕሉ ከነለሊ፧”
“ዕጫ ነውድቕ!”
“ዕጫ ደኣ ኣይከውንን’ዩ። ካፕተን ባዕሉ ነቶም ክጥሕሉ ዝግብኦም ይርቋሕ”
“እንታዋይ ኰይኑ’ዩ ዝመውትን ዝድሕንን ንሱ ዝረቚሓና”
(ማዕበል ህይወት)
***
“ኣነ ግን ናብ ኮንፈረንስ ክኸይድ እኮ’የ ኣብዚ ኣዕሪፈ ዘለኹ። ኣብዚ ክነብር ኣይኮንኩን መጺኤ። እንታይ ዝኸውን ስራሕከ ክሰርሕ፧”
“ንሱስ ድሓን ቀስ ኢልካ ክትለምዶ ኢኻ። ሕጂ ቀዳምነት እዛ ሒዝካያ መጺእካ ዘለኻ ላፕቶፕ ሽጣ። ...መንእሰይ ስለ ዘለኻ’ውን ኣብዚ ናይ ጉልበት ስራሕ ትስእን ኣይመስለንን።”
“ኣነ ግን ንኮንፈረንስ...”
“ሰሚዐካ’ኳ ቶማስ። ኣነስ ኣብ ዓደይ ኣብ ዩኒቨርሲቲ እንድየ ዝምህር ነይረ። ምናላባት ካብዚ ብሰላም ናብ ዓደይ እንተ ተመሊሰ ስርሐይ እቕጽሎ እኸውን።...”
(ትራንዚት)
***
“ካልእ ስለ ዘየሎ” 16 ዛንታታት ሓቚፋ ኣብ 2020 ንማሕተም ዝበቐዐት መጽሓፍ’ያ። ኣመና ሓጸርቲ፡ ማእከሎትን ብመጠኑ ንውሕ ዝበሉን ዛንታት ኣካቲታ ትርከብ።
ውህሉል ትዕዝብቲ፡ ምስትብሃል፡ ምስትንታን... ዝፈጠሮም ዛንታታት’ዮም ክብል እደፍር። ኣብ’ቶም ነቲ ዛንታ ዝጸወሩን ዘሰንዩን ጠባያት ግርም ገይሩ ተንጸባሪቑ’ሎ።
ነቲ ኣብ ኣጸሓሕፋ ሓጺር ዛንታ ዝዝውተር፡ ከም ሓፈሻዊን ቀንድን ባእታታት ሓጺር ዛንታ’ውን ዝፍለጥ፡ ግርጭት፡ ምንጥልጣል፡ ኣፈታትሓ ግርጭት... ጎስያ፡ ነቲ ንግዳማዊ ትርኢት (ምከና ኰነ ጠባያት) ንምግላጽን ምቅንጃውን ዝግበር ሃልኪ ወጊዳ፡ ውጽእ ብዝበለ ኣመለኻኽታ ዝተጻሕፈት ኰይና ረኺበያ።
ብግልጺ ዘይንብሎም ገለ ግዜ’ውን ዘይንእመነሎም፡ ኣብ ኣዋጣሪ መድረኻት ንኾኖ፡ ምስ ነብስና ንብሃሃሎ...፡ ፈለማ ተዓብዒቡ፡ ድሓር ድማ ኣብ ውሽጥና ተሰትዩ ዝተርፍ ስምዒታት፡ ብዓቢ ትኹረት ከም ዝተዓየሉ ብዘርኢ ኩነት ግልጽልጽ ኢሉ ተራእዩኒ።
ስምዒታቶም ተነጊሩና ዘይኰነ ክንርእዮ ስለ ዝተገብረ ከኣ ብልጫኣ’ዩ። ቁጥብነት፡ ናብ ዛዕባኻ ምትኳር፡ ብትረኻን ዝርርባትን መለሳ ዝፈጠረ ኣዘናትዋ፡ ብዓቢኡ ከኣ ኣብ ስምዒትን ስነ-ኣእምሮኣዊ ኩነታትን ጠባያት ብምእታዉ፡ ኣንባቢ፡ ነብሱ ኣካል‘ቲ ዛንታ ገይሩ ክርእያ ዝድርኹ፡ ንስምዒትን ሓሳባትን ጠባያቶም ኣድሚቖም ዘርእዩ ዛንታት እቶም ዝበዝሑ’ዮም ኢለ እሓስብ።
ፍርሐይ፡ ሻቕሎተይ፡ ናፍቖተይ፡ ቃንዛይ፡ ተመክሮይ፡ ብዓቢኡ ዛንታ ወለዶይ፡ ብቐንዱ ምስሊ ሃገረይ ኣብዛ መጽሓፍ ረኺበዮ።
ግዜን ቦታን እቶም ዛንታት ብዘየገድስ፡ ህይወት ኣብ ዙርያ ዓውደ ውግእ፡ ስደት፡ ጉዕዞ፡ ትጽቢትን ክውንነትን፡ ዝምድናታት፡ ንእስነት፡ ወለዶ፡ ስድራቤት፡ ዓዲ፡ መሬት፡ ሃገር... መለሳ ብዝፈጥር ግን ድማ ንምስትንታን ብዝድርኽ መንገዲ ቀሪቦም ኣለዉ። ምልሶት፡ ድሮ ተበገስ፡ ገጽ ኣደይ፡ ማዕበል ህይወት፡ ትራንዚት... እቲ ዝርዝር ይቕጽል።

 · 
5. 10 ዓመታት ኣብ ሸላ ብዘይ ሕጋዊ ፍርዲ!


*** *** ***
ካብ 2007 ክሳብ 2017 ኣብ ዝነበረ 10 ዓመታት፡ ብዝዀነ ይኹን ምኽንያት (ተኣሲሩ ወይ ሓለዋ ኰይኑ) ቤት ማእሰርቲ ማይ-ስርዋ ረጊጹ ዝፈልጥ ሰብ፡ ብዛዕባ’ዘን ኣደታት ዝውስኾ ኣይስኣንን። ብውሕዱ ከም ዝዝክረን ርግጸኛ’የ።
ወ/ሮ በላይነሽ መስፍን
ወ/ሮ ስላስ ነጋሽ
ወ/ሮ ኣብርሀት እምባየ (ብዛዕባ ኣብርሀት ኣብ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ጽሑፍ ተገሊጹ’ሎ)
ወ/ሮ በላይነሽ እታ ዝበዝሐ ዓመታት ማእሰርታ ኣብ ሸላ ቁጽሪ 36 ዘሕለፈት ኣደ፡ ኣብ ክሊ ዕድመ መወዳእታ 60ታት ክሳብ መጀመርታ 70ታት ምንባራ እግምት። ንኽርእያ ዕድል ዝረኽበሉ ዝነበርኩ ሰዓታት ሽንቲ’ዩ። ክልቲኤን ኣእዳዋ ብፌሮ ዝተኣስራ ነበራ። ‘እዛ ሽማግለ ኣደ፡ ብፌሮ ተኣሲራ፡ ኣብ ሸላ ተዓጽያ እንታይ እናበለት፡ እንታይ እናገበረት ትውዕል ትኸውን፧’ ዝብሉ ሕቶታት እታ ሸላ ኣፍ ኣውጺኣ ትምልሰሉ ግዜ ክመጽእ’ዩ።
ክዝክራ ከለኹ ቀዲሙ ናብ ኣእምሮይ ዝመጽእ ግን፡ ኣብ እዋን ሽንቲ፡ ነተን ብፌሮ ዝተጠምራ ክልተ ኣእዳዋ ኣደጋጊፋ፡ ሽንቲን ረሳሕ ማይን ተጠራቕመሉ ጀሪካን ተሰኪማ ንኽትጉሕፍ፡ ተሕልፎ ዝነበረት ቃልሲ’ዩ። እዚ ምርኢት’ዚ ፈጺመ ክርስዖ ኣይክእልን'የ። ኣብ እዋን መርመራ ኣብ ኣካላታ በትሪ ከዕልብ፡ ኣብ ኣእዳዋ ድማ ፌሮ ክኣስር ቅጭጭ ዘይብሎ ሰብ ግን፡ ከመይ ዝበለት ኣደ ዘዕበየቶ ይኸውን፧!
ብዛዕባ’ቶም ኣእዳዎም (ገለ’ውን እንተላይ ኣእጋሮም) ብፌሮ ዝተኣስሩ እሱራት ምሕሳብ ዓቕለይ የጽብበለይ ነበረ። ሓደ መዓልቲ፡ ካብ መንጸፈይ መሸማዕ መዚዘ ብምትታዕ ቀጢን ገመድ ሰራሕኩ። ተጻጊመ ክልቲኤን ኣእዳወይ ኣሰርክወን። ንኹሉ እቲ መዓልታዊ ኣብ ውሽጢ ሸላን ኣብ እዋን ሽንትን ዘይተርፍ ንጥፈታት እሱራት በብሓደ ፈተንክዎ። ግና ከበደኒ። መተንፈሲ ኩሉ ስምዒታተይ ድማ ንብዓት ነበረ።
*** *** ***
ወ/ሮ ስላስ ነጋሽ ዝጠቡ ህጻን ዝርከቦም 4 ቈልዑ ገዲፋ ምስ ሓዋ (ኪዳነ)ን በዓል ቤታ (ተኪኤ)ን ዝተኣስረት ኣደ’ያ። ንስላስ ዝያዳ ቀሪበ ክረኽባ ዝኸኣልኩ ኣብ ሕክምና’ዩ። ሓንቲ ካብቶም ዓመታት ናብ ቅድስቲ ማርያም ሆስፒታል ኣእምሮ፡ ዝተመላለሱ እሱራት ማይ-ስርዋ’ያ። እናክርእያን ክረኽባን እቶም ዘይፈልጦም ደቃ ይስኣሉኒ ነበሩ። ንዕኦም ጠቒሰ ከየዘክራ ክጥንቀቕ ክብል ከኣ ብዛዕባኦም ካብ ምሕሳብ ቦዂረ ኣይፈልጥን። ስላስ ግና ዝያዳ ብዛዕባ’ቲ ምስኣ ምስ ተኣስረ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ደሃዩ ዝተሰወረ ሓዋ’ያ ትሓስብ ነይራ። “እዚ ሓወይሲ...” ብንብዓታ ትቕጽሎ።
ኣብ ቀጽሪ ቅ/ማርያም ሆስፒታል ብወተሃደራት ተኸቢብና ኰፍ ኢልና ከለና፡ ኩነታት ጥዕንኣን ናብራ ሸላን ሓቲተያ። ኣይመለሰትለይን። ኣቓልቦኣ እቶም ካብ ካልኦት ኣብያተ ማእሰርቲ ዝመጹ እሱራትን ዋርድያታቶምን ወሲደሞ ነይሮም።
“ስላስ” ተዳህየያ። “ከመይ ትዀኒ’ለኺ፧ ሸላ ከመይ ኣሎ፧ ክብለኪ ጸኒሐ” ድምጸይ ኣበርኽ ኣቢለዮ።
“እውይ ዘይሰማዕኩኺ ናብዞም እሱራት’ንድየ ዝርኢ ዘለኹ። ሓወይ’ንድዩ ድሃዩ ጠፊኡኒ።” ኣዒንታን ግንባራን’ውን ይዛረቡ ነይሮም። ሸላኣ ዝሰተየቶ ንብዓት፡ ዝረኣየቶ ቁስሊን ዝሰምዓቶ እህህታን... ባዕላ ትፈልጦ።
ምስ ስላስ ደጊምና ሓያሎ ግዜ ተራኺብና ኢና። እንተዀነ ምስ ስላስ ምዕላል ቀሊል ኣይኰነን። ኩሎም ኣርእስታት ቁስሊ’ዮም። ውሽጣን ደጊኣን’ውን ቁስሊ’ዩ።
2017 እሱር ንምብጻሕ ዓዲ ኣበይቶ ኣብ ዝኸድኩሉ፡ በጻሕቲ ሰዓት ክሳብ ዝኣክል ተሰሪዕና ነበርና። ኣብ ጥቓይ ምስ ዝነበረት ወግዒ ጀሚርና። ኣብ ዕላል፡ ገዛውታ ስለ ዝሓበረትኒ ብዛዕባ’ዛ ህጻናት ራሕሪሓ ዝተጨውየት ስድራ ተወኪሰያ።
“እወ እፈልጦም። ተኣሲሮም ዘለዉ’ንድዮም።” መሊሳትለይ።
“እቲ ጡብ ከይ ገደፈ፡ ኣዲኡ ዝተኣስረት ህጻን ከመይ ኣሎ፧” ካብ’ተን ወትሩ ዝመላለሳኒ ሕቶታት ሓቲተያ።
“እቶም ክዛረቦም ዝጸናሕኩ ክልተ ቆልዑዶ ርኢኽዮም፧ እቲ ሓደ ንሱ’ዩ። መግቢ ከብጽሕ መጺኡ” ‘ናኣመልከተት።
“እቲ ወለዱ ክእሰሩ ከለዉ ዝጠቡ ዝነበረ ህጻን፡ መግቢ እሱራት ወለዱ ከብጽሕ መጺኡ...፧!” ኣብ ርእሰይን ልበይን ሰፍ ዘይብል ነገር ዝወደቐ ጠዓመኒ። ነቲ ሽዑ ዝተሰምዓኒ፡ ሕጂ ብቃላት ከስፍሮ፣ ዝገልጸለይ ቃል ኣይረኸብኩን።
ግንቦት 2017 ወ/ሮ በላይነሽ፡ ወ/ሮ ስላስ ምስ በዓል ቤታን ካልኦትን ኣብ 10 ዓመታት ማእሰርቶም፡ ጉዳዮም ብሕጊ ከይተራእየ፡ ካብ ሸላታት ማይስርዋ ተለቒቖም። ሻቕሎት ስላስ ብዛዕባ ሓዋ ግን ገና...
ሕግን ፍትሕን ቀቢሩ፡ ስቓይ ደቂ ኣንስትዮን ዛንታ ስድራ-ቤታትን ጎስዩ፡ ብጓይላ ውሑዳትን ኹዳ ዓመጽትን ዝበዓል መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ምርኣይስ ክሳብ መኣስ ኰን ይኸውን፧!

· 
6. ዛንታ ክልተ ኣብርሀት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ማይ-ስርዋ


*** *** ***
ኣብርሀት ቀጣንን ኣብርሀት እንባየን ይብሃላ። ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣንጻር መግዛእቲ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኰይኑ ንሰውራ ዝሕግዝን ዝድግፍን ብዝነበረ ኤርትራዊ ኣዝየን ፍሉጣት ምንባረን ዕላል ኣለኒ። ካብ ሜዳ ናብ ስዑድያ ዝገሹ ዝነበሩ ኩሎም ሓለፍቲ ህ.ግ. መዕረፊኦም ቤተን ምንባሩ’ውን ክደጋግም ሰሚዐ’ለኹ። ክልቲኤን ኣብ ስደት ኰይነን ኩሉ ነገረን ምእንቲ ናጽነት ሃገረን ዝሃባ፡ ንሰውራ ከም ውላደን ዝራረዋን ዝተቓለሳን ደቂ-ኣንስትዮ’የን።
ዕድመአንን ጸጋአንን ዝሃባላ ኤርትራ መጺኣ። ግዜ ሽምግልንአን ኣብ ዓደን ከሕልፋ ካብ ስደተን ተመሊሰን። ትጽቢትን ክውንነትን ስለ ዝተገማጠለ ግን ምስዘን ኣዴታት፡ ኣብ ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ ማይ-ስርዋ ተራኺብና።
ዝተኣሰራሉ ግዜ (2007) ኣብርሀት እምባየ ከባቢ 60 ኣብርሀት ቀጣን ድማ ከባቢ 70 ዓመት ዕድመ ነይርወን።
ምስ ኣብርሀት እንባየ ለካቲት 2010 ኣብ ሆስፒታል ሓሊበት ኣብ ሓንቲ ዓራት ደቂስና ተሓኪምና። እቲ ኣብ መርመራ ዘሕለፈቶ ኣሰቃቒ ማህረምቲ በሰላኡ ገና ኣይሃሰሰን ነይሩ። ምስ ቃንዛኣ ድግድጊት ተዓጢቓ፡
“ንዒ ስፖርት ንስራሕ። ምስ ወጻእና ሓንከስከስ ከይንብል” ክትብለኒ ከላ ሞራላ ይድንጽወኒ ነይሩ። ለይቲ ዝሓለመቶ፡ ቀትሪ እናተርጎመት’ውን “ግዲ’ብልክን ለንቀነ ክንወጽእ ኢና” ብዝብል ተስፍኣ ተገርመኒ ነይራ።
ካልእ ፈጺመ ዘይርስዖ፡ ካብ ዝነበራ ቁስሊን መቑሕን ዝኸበደ ሻቕሎት’ውን ነይርዋ። ምስኣ ዝተኣስረ’ሞ ድሕሪ ምጅማር መርመራ፡ ክትርእዮን ድሃዩ ክትረክብን ዘይከኣለት ንእሽቶ ሓዋ ነይሩ። “ናብ ካልእ ቤት ማእሰርቲ ግዲ ኣግዒዘሞስ ደሃዩ ስኢነ” ኢላትኒ - ብትካዘ። እዚ ካብ ትብለኒ 10 ዓመት ኰይኑ’ሎ። ሻቕሎታ ክሳብ ሎሚ ኣብ ቦታኡ’ሎ።
*** *** ***
ኣብርሀት ቀጣን በቲ ኣብ ደገ ኰንካ ክትሰምዖ ዘተሓሳስብ፡ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ኰንካ ግን ዘዛኒ፡ 'ኢላቶን ጌራቶን' ዝብሃል ዕላላት’የ ዝፈልጣ። ክትእሰር ከላ፡ ትእሰር ምህላዋ ኣይተረድኣን። ዓጅብዋ ዝመጸ ወተሃደር ኰንቴነር ከፊቱ፡
“እተዊ” ኢልዋ።
“ናበይ ክኣቱ፧” ሓቲታቶ።
“ናብዚ. . .” መሊሱላ።
“ኣነስ ናብዚ ኰንቴነር ክኣቱ፧” መሊሳ ሓቲታ።
“እወ እተዊ. ...” ደጊሙላ።
“እዚ ኰንቴነር’ኮ ካብ ስዑድያ ኣስቤዛኹምን ክዳንኩምን ጽዒነ ናብ ሜዳ ዘእትወሉ ዝነበርኩ’ዩ። ኣነስ ናብዚ ክኣቱ፧”
“ትእዛዝ’ዩ። እተዊ...”
ብዘይካ መልቀስን ዝተኣዘዘቶ ምትግባርን ኣማራጺ ኣይነበራን።
ኣብ ዝሰዓበ ግዜ፡ ዝነበራ ስንክልና እግሪን ዕድመ ምድፋእን ተደማሚሩ፡ ማእሰርቲ ክኸብዳ ግድን ኰነ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ኣብራኻ ምዕጻፍ ስለ ዝተሸገረት ደው ኢላ ክትሸይን ጀመረት። ነዚ ዝሰምዐ ኩሉ ኣእውዩ። “ኣታ እንታይ ከተርእዩና ደሊኹም፧” እሱራት ተጣሪዖም። ኣብቲ በረኻ ድማ ብኣእማንን ጭቃን ብርኽ ዝበለ ኮፍ መበሊ ከም ዝስርሓላ ተገይሩ። “ኣብ ወተሃደራዊ ቤት-ማእሰርቲ ተጨውያ ካብ ትሳቐ፡ ስለምንታይ’ዩ ጉዳያ ናብ ሕጊ ቀሪቡ ዘይረአ፧” ክሓትት ዝኽእል ግን ሓደ’ኳ ኣይነበረን።
ኣብርሀት ቀጣን፡ ዘውዲ (ኣብ ሸላ ቁጽሪ 21 ንገለ ግዜ ጎረቤተይ ዝነበረት ጥዕና ዘይነበራ ድሕሪ ምውጽኣ ዝዓረፈት ኣደ)ን ካልኦት ክልተ ደቂ ተባዕትዮን ክወጹ ከለዉ ኣብ ሸላ ቁጽሪ 22 ነይረ - 2010።
ኣብርሀት እምባየ ምስ ካልኦት 5 ብጾታ ድሕሪ 10 ዓመታት ካብ ሸላ፡ ክትወጽእ ከላ ድማ ኣብ ኣስመራ ነይረ - 2017።
እዛ ክልተ ኣብርሀት ዝነበረኣ ብኣደታትን ኣቦታትን ዝተዓብለለት 10ታት እሱራት ዝሓቘፈት ጉጅለ፡ ብለይቲ ገጾም ብምሽፋን’ዩ ኣሰቃቒ መርመራ ዝካየደላ ነይሩ። ሽማግለታት፡ ብለይቲ፡ ገጾም ሸፊንካ፡ መርመራ፡ መግረፍቲ...፧! ክትሓስቦ'ኳ...
ጥሕሰት ሕጊ፡ ግህሰት መሰል፡ ጎብለልትነት ዓማጺ፡ ሕሉፍ ጭካነ... ብዘብለጭልጭ ሕብሪ ሸፊንካ፡ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ንምኽባር፡ ንህሉው ዛንታና ኣብ ዝኸሓደ ዳስ ምስዕሳዕስ እንታይ’ኮን ይጥዕም ይኸውን፧!

l  · 
7. “ኣነ ዘኽቲመ’የ ዓብየ። ደቀይ ድማ ድሓን ይዘኽትሙ”


*** *** ***
21 ጥሪ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ካብ ቤት ማእሰርቲ ማይ-ስርዋ ዝወጻእኩላ ዕለት! ዓሚ፡ እታ ናይ መወዳእታ ዕለት ማእሰርተይ ከመይ ከም ዝነበረት ብዝተናኽፍ ጽሑፍ ክዝክራ ፈቲነ ነይረ። ሎሚ ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ማይ-ስርዋ ዝነውሐ ግዜ ካብ ዝገበሩን ክሳብ ሕጂ ኣብኡ ዘለዉን ብምዝካር ምሳኹም ሓቢረ ክዝክራ ደልየ’ለኹ።
ተስፋኣለም መንግስትኣብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ማይ-ስርዋ ካብ ዘለዉ እሱራት እቲ ዝገደመ’ዩ። ድሕሪ ውሑድ ኣዋርሕ ካብ ዝተኣስረት ጉጅለ ድማ ዳዊት ሃብተማርያምን ማቲዎስ ሃብተማርያምን ዝብሃሉ ኣሕዋት ይርከቡ። ሰለስቲኦም እዞም ዕድመ ንእስነቶም ኣብ ኰንቴነራት ማይ-ስርዋ ኰይኖም ዝተፋነዉዎ ኣያታት ልዕሊ 12 ዓመት ኣቑጺሮም ኣለዉ።
ካብ ሰለስቲኦም ቀሪበ ዘይፈልጦ ዳዊት’ዩ። ሓደ ግዜ፡ ኣብታ ኣብ ማይ ስርዋ እትርከብ ክሊኒክ ተረኣኢና። ብናይ ዓይኒ ቆላሕታን ፍሽኽታን ሰላምታ ተለዋዊጥና። ቅድሚኡን ድሕሪኡን ግን ኣብ ጸሎት ብዘለዎ ትግሃት፡ ብልዙብነቱን ዘይብተኽ ሞራሉን ክጥቀስ ሰሚዐ’ለኹ። ዳዊት፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተን’ዩ።
ምስ ማቲዎስ ፈለማ፡ ጥሪ 2010 ኣብ ሕክምና ዓይኒ ማይ-ተመናይ ተራኺብና። ድሒርና ድማ ኣብ ሆስፒታል ሓሊበት ብሓባር ንሰሙናት ደቂስና ተሓኪምና።
እዞም ክልተ ኣሕዋት ኣብ ዘይተረሓሓቓ ነናቶም ኰንተነራት ተዓጽዮም ኣለዉ። እቲ ዝበዝሕ ግዜ ጥዕና ዝስእንን ናብ ሕክምና ዝመላለስን ማቲዎስ’ዩ። ቃንዝኡ ግን ንማቲዎስ ጥራይ ኣይኰነን። ዳዊት እቲ ኣብ ኰንቴነር ተዓጽዩ፡ ምንም ክገብርን ክብልን ዓቕሚ ዘይብሉ እሱር፡ ነፍሲ ወከፍ ሓዉ ዝሓምመላ ደቒቕ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ’ያ። ቃንዝኡ፡ እህህታኡ፡ ብሓፈሻ ክብደት ስምዒቱ... ክመዝን እፍትን’ሞ ይኸብደኒ።
2012 - ኣብ ሆስፒታል ሓሊበት ካብ ዝድቅስ ኣዋርሕ ገይረ ነይረ። ንህጹጽ ረዲኤት ሕሙም ዝሓዘት መኪና ኣድሚጻ። ዋርድያ፡ ሓኪም፡ መርማሪ ዓጅቦማ ነበሩ። እቲ ሕሙም ብሰባት ተጸይሩ ንውሽጢ ኣተወ። ተስፋኣለም መንግስትኣብ’ዩ። ሸበድበድ ናይ ሓካይም ሰዓበ።
ኣብ ሳልስቱ ኣነ ንማይ-ስርዋ ስለ ዝተወሰድኩ ምስ ተስፋኣለም ካብ ሰላምታ ዝሓልፍ ናይ ዕላል ዕድል ኣይረኸብናን። እንተ ዀነ ኣብ ማይ-ስርዋ ብዛዕብኡ ዝነበረ ዕላል ብውዕዩ ኸሎ’የ ኣርኪበዮ።
እቲ ወዲ ስዉእ፡ ኣቦ ሓሙሽተ ዉሉዳት፡ ህይወቱን ህይወት ስድራኡን ዝተመሳቐሎ ተስፋኣለም፡ መግቢ ብምሕሳም መዓልታት ከም ዘሕለፈ፡ ብሓካይም ንዝግበር ሓገዝ ““ኣነ ዘኽቲመ’የ ዓብየ። ደቀይ ድማ ድሓን ይዘኽትሙ” ኢሉ ከም ዝኣበየ፡ ምልክታት ሞት ምስ ኣንጸላለዉዎ ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ እሱራት ንብዓቶም ከም ዝወድኡን ከም ዝቐበጽዎን ሰማዕኩ።
ኣብ'ዚ ግዜ'ዚ፡ ደቂ ተስፋኣለምን ደቂ ዳዊትን ‘ደጊም’ቶም ዝንኣሱ ማእከላይ ደረጃ፡ እቶም ዝዓበዩ ድማ ልዕሊኡን ኪንኡን በጺሖም ኣለዉ’ ኢለ እግምት።
“ኣቦይ ኣበይ ኣሎ፧” ዝብል ሕቶኦም
“ገይሹ’ሎ ክመጽእ’ዩ።” ንዝብል መተዓሻሸዊ ሰጊሩ፡
“ልቢ ሰዂዖም’ዮም” ተባሂሎም፡ ሃለዋት ኣቦታትቶም ተነጊርዎም ይኸውን ኢለ እሓስብ።
እዚ ዛንታ’ዚ ጸይሮም፡ ኣብቲ ቤት ትምህርቶም፡ ኣብ መንጎ መዛንኦም ኰይኖም፡
“ኤርትራ...
በዓል ደማ እናልቀሰ ተደምሲሱ
መስዋእታ ብሓርነት ተደቢሱ...”
ክዝምሩ ከለዉስ ልቦምከ እንታይ ትብል ትኸውን፧ ኣቦታቶም ኣብ ሕጊ ክንዲ ዝቐርቡ፡ ኣብ ዘይርእይዎም ቦታ ምስዋሮም ከመይ ይርድኦም ይኸውን፧ እታ ልዕልና ሕጊን ደቃን ብሓንሳብ ዝተጨውዩላ ኤርትራኸ ከመይ ትርኣዮም፧
ነዚ ሓቂ’ዚ ንኸይሰምዑ ኣእዛኖም ወቲፎም፡ ኣፎም ዝኸፍቱ ‘ኣሕዋት’ ድማ’ለዉና! ከስዐ’ደ...


  · 
8. እቶም ጓሶት ህዝቢ፡ እንክጓሰዩ!


*** *** ***
ዝሓለፈ ወርሒ ምስ ገጣሚ ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ድሕሪ 13 ዓመታት ብኣካል ተራኺብና። ብዛዕባ’ቶም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዘለዉ ኣቦታትን መራሕትን ቤተክርስትያን ኦርተዶክስ ኣመልኪቱ ዘልዓለለይ ሕቶ ዝበርበረቶ ዝኽሪ’የ ዝጽሕፎ ዘለኹ።
ኣብ ሆስፒታል ሓሊበት፡ ኣብ እግሪ ቤተክርስትያን ቅ/ገብርኤል እትርከብ prison ward ካብ ኩሉ ኣብያተ ማእሰርቲ ንዝለዓለ ሕክምና ዝተላእኩ እሱራት’ዮም ዝግልገሉላ - ብዘይካ ካብ ዒራ-ዒሮ።
ኣብዚ ቦታ ደቂሰ እናተሓከምኩ ካብ ዝረኸብክዎም እሱራት ሓደ፡ ዶክተር ቀሺ ፍጹምብርሃን ገብረንጉስ’ዩ - 2014።
(ሓደ መዓልቲ ኣብ 2013 ‘ውን ኣቡነ ኣንጦንዮስ ብዋርድያታት ተዓጅቦም ኣብዚ ቀጽሪ ኣተዉ። ኣዒንቲ ኩሉና ኣብ ዙርያኦም ዓለበ። ቅዝዝ ዝበለ ገጽ እሱራት፡ ዋርድያታትን ሓካይምን እዝክር። እቲ ኣጋጣሚ፡ ልቡ ጨዲዱ ንዓማጺ ንዘረከበ ሰብ ከይተረፈ ከጉሂ፡ ጭካነ ዓማጺ ኣጉሊሑ ከርኢ፡ ሕቶታት ከመንጩ... ዘኽእል ምርኢት ነበረ። እዞም ኣቦ፡ ብሓኪም ተራእዮም ከም ዝምለሱ ስለ ዝተገብረ እንታይ ስዒቡ ክፈልጥ ኣይከኣልኩን።)
2014 ምስ ዶክተር ቀሺ ፍጹም ክንራኸብ ከለና፡ ቅድሚኡ ግዜ “ኣብ ሓሊበት ምህላዉ ናብ እዝኒ ቤተሰብ ሊሒኹ” ብዝብል ምኽንያት ሕክምናኡ ከይወደአ ከም ዝተወስደ ሰሚዐ ነይረ። ኣብዛ ዝተራኸብናላ እዋን ኣብ እግሩ ድሕሪ ዝተገብረሉ መጥባሕቲ ፊዝዮትራፒ ተኣዚዙሉ ነበረ’ሞ፡ ክልቴና ብነናትና ዋርድያ ተዓጅብና ናብ ውሽጢ ሓሊበት ተወሰድና።
“ትጥዕዪዶ’ለኺ፧”
“ድሓን’የ። ንስኻኸ እግርኻ... ፧”
ካብ’ዘን ሕቶታት ምሕላፍ ኣይክኣልን’ዩ። ናብራ... ምስ ዋርድያ ‘ናተሓላለኻ ስለ ዝዀነ። እቶም ዘኽብሩኻ ዝጸልእዎ ክትገብር ኣይትደልን። ካብ'ቶም ዝጭክኑልካ ከኣ ክትጥንቀቕ ኣለካ።
ንዶክተር ፍጹም ክዝክር ከለኹ ቀዲሙ ናብ ኣእምሮይ ዝመጽእ ፍሽኽትኡ’ዩ። ሓይሊ መንፈሳዊ እምነት ብግብሪ ዝረኣኽዎ ኣብ ዶክተር ፍጹም’ዩ። ኣብቲ ጸልማት፡ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ዓመጽ ይትረፍ፡ ኣብ መድረኻት ምዕዳል ሽልማት’ኳ ክትስእኖ እትኽእል ፍሽኽታ!
እዚ ክርኢ ከለኹ፡ ንሱ ዘይፈልጦ ብድሕሪኡ ኣብ ሓዳሩ፡ ዘጋጠመ ዕንወት እፈልጥ ነበርኩ። ብድሕሪኡ፡ ኣብ ቤቱ እንታይ ኣጋጢሙ ከም ዘሎ ፈጺሙ ምስ ዘይፈልጥ ናይ ሽግርን ጸበባን ብጻይካ እናዕለልካ ዝህሉ ውሽጣዊ ቃንዛ፡ ስምዒትካ ናይ ምቁጽጻር ቃልሲ፡ ምኩሕ ይፈትኖ!
“እንታይ ደኣ ምስ ብጾትኪ ዘይወጻእኪ፧” ሓቲቱኒ።
“እንድዒ! ንዓይ’ውን ኣይተረድኣንን”
“ተራር ዲኺ፧”
“ኣይኮንኩን። እኳ ደኣ ሰነፍን በኻይትን’የ”
“ኣጆኺ! ኩሉ ነገር ንእግዛብሔር ሃብዮ”
ካብዚ ንላዕሊ ክንመላለስ ዕድል ኣይነበረን። ርእሰይ ጠቒሰ “ሕራይ” ኢለ።
ውሑድ ግዜ ኢና ብሓባር ናብ ፊዝዮትራፒ ተመላሊስና። ኣብ ቀጽሪ ፕሪዝን ዋርድ ግን ሓያሎ መዓልታት ብምጥምማት ጥራይ ሰላምታ ተለዋዊጥና።
“እተዉ ስከ ሰዓት ኣኺሉ’ዩ ኩልኻ እቶ...” ዋርድያ ዓው ኢሉ ክድሀ ጎፍ ተበሃሃልና።
“እውይ ኣታ ክንደይ ትሓስም! ቀስከ ዘይትብል። በቲ ኣብ ዝባኖም ዘሎ መዓርግስ'ምበር...”
“ንበዓል ዶክተር ዲኺ ተሰኪፍክሎም። ናይ ልበይ ከም ዘይኰነ ይፈልጡ’ዮም። ወሪድዎም! ንበዳሊኦም ዘመስግኑ ሰባት’ዮም” መሊሱለይ። ዶክተር ፍጹም እታ ልምድቲ ፍሽኽትኡ ሓዊሱልና ሓሊፉ። ዋርድያ ዘረባ ቀጺሉ።
“እንሀለዉልኪ...፡ እዚኦምስ ህዝብን ሃገርን ምኋሰዩ’ምበር፡ ብኣናዶ ምተጓሰዩ፧!”

ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com