Home ትግርኛ ዜና ደሃይ ካብ ኤርትራ - ናይ ከተማ ሽፍትነትን ብልሽውናን ገኒኑ ‘ሎ፡ ሰባት ብቓጻ ይጠፍኡ ‘ለዉ።

ደሃይ ካብ ኤርትራ - ናይ ከተማ ሽፍትነትን ብልሽውናን ገኒኑ ‘ሎ፡ ሰባት ብቓጻ ይጠፍኡ ‘ለዉ።

Sunday, 07 November 2010 22:19

ኾነ ግዜ ንላዕሊ ሕማቕ ኢያ ዘላ። ኣብ ግዜ ለይቲ ሓሓሊፉ ድምጺ ጠያይት ይስማዕ ኣሎ። ንግሆ ሓያሎይ ሰባት ቀታሊኦም ዘይተፈልጠ ከም ዝተጋጨወት መኪና ኣብ ኣንጎሎታት ሞይቶም ይርከቡ ኣለዉ።

ሎሚ ሃብታም ዝበሃል የለን። ናይቲ ኣቐዲሞም ኣሲሮሞ ዝነበሩ ዘርእጋብር ዝተባህለ ነጋዳይ ንብረት ተዓሺጉ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ጀነራላት ተማቒሎም ሸይጦሞ ኢዮም። ወናኒ ፎቶ ዙላን ኣልባ ቢስትሮን ዝኾነ ኣቶ ተኽለ፣ ኣሲሮሞ ነይሮም፣ ግን ሰፍ ዘይብል ገንዘብ ከፊሉ ከም ዝወጸ ይዕለል።

ኣብ ባንክታት ገንዘብ  የለን። ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ሰብ ዘዝነበሮ ገንዘብ ካብ ባንክ እናኣውጽአ ክበልዕ ጸኒሑ፣ ሎሚ ናብ መወዳእታ በጺሑ ኣሎ። እቶም ኣብ ኣፍደገ ባክታት ዝርከቡ ዋርድያታት ከይተረፉ ንገለ ገንዘብ ሒዞም ካብ ባንክ ንዝወጹ ሰባት ደድሕሪኦም እናሰዓቡ፤ “ገለ ናይ ሻሂ’ባ ርኣዩልና” ክብሉ ይረኣዩ።

ሓደ ሓደ ግዜ ደቂ ሃብታማት ቆልዑ ይጭወዩ’ሞ፣ ብተለፎን ገይሮም፣ “ክንድዚ ገንዘብ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቦታ ኬድኩም ክፈሉ። ኣይንኸፍልን እንተበልኩም ግን ሕጂ ጥይት ንወድኹም” እናበሉ ናይ ሽፍትነት ስራሓት ዝሰርሑ ሰባት ኣለዉ።

ኣዘዝቲ ሰራዊት ንደቂ ሃብታማት ውልቃዊ ዋኒኖም ንከካይዱ ብገንዘብ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ኢዮም ኣፍቂዶምሎም። ሓደ ወዲ ሃብታም ኣባል ኣገልግሎት ኣብ 2006 ዓ.ም. ኣብ ወወርሒ ናይ ዕረፍቲ ወረቐት ንክጽሓፈሉ፣ ካብ 2-3 ሽሕ ናቕፋ ዝኸፍል ዝነበረ ሎሚ ግን 10 ሽሕ ንወርሒ ይኸፍል ኣሎ። ከምዚ ብዝኣመሰለ ቅጥፈት ሚልዮነራት ዝኾኑ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣለዉ። ኣብዚ ብልሽውና ናብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑሉ ዘሎ ግዜ ፣ ነቲ ዝተረኽበ ገንዘብ ካብ ኣዘዝቲ ግንባር ክሳብ መራሕቲ ብርጌዳት ከከም ማዕርጎም ይማቐልዎ ኣለዉ።

ዝእሰሩን ዝድስክሉን ሰባት እናበዝሑ ይኸዱ ኣለዉ። ዘምህረት ዮሃንስ ዝኾነ ወግዓዊ ስራሕ የብሉን። ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትሪን ዝነበረ ዶር. ገርግሽ’ውን ካብ ዝነበሮ ስራሕ ደስኪሉ ይርከብ። ካልእ ሎሚ ዋናታት ኤርትራ ኮይኖም ዘለዉ ሜ/ር ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮሃንስን ዓሊ ዓብዱን ኢዮም። ንሓደ ክእሰር ዝድለ ሰብ ቅድም ናብ ተለቪዥን የርእይዎ’ሞ ጸኒሖም ይኣስሩዎ። ናብ ቃለ-መሕትት ዝቐረበ ሓላፊ ናይ ምእሳሩ መርድእ ከም ዝሰምዐ ገይሩ ኢዩ ዝርእዮ።

ሓላፊ መጎዓዝያ ምድሪ ዞባ ማእከል ዝነበረ ጀማል ሻምበል ያሲን ብድሕሪ ቀለ-መሕትት ምግባሩ፦ “በሉ መጺኣትኒ እታ ገመድ… ኣይይ! ጋሽ-ባርካይ ምሓሸኒ” ክብል ድሕሪ ምቕናዩ፣ ተኣሲሩ። ናብ ሳዋ ንዝወረዱ ተመሃሮ፣ ሃብታማት ኣሕዋቶም ኣብ ደገ ከም ዘለዉዎም እንተድኣ ሰሚዖም፤ ካብ ሳዋ ጨውዮም ናብ መሬት ሱዳን የእትዉዎም። ናብ ኣሕዋቶም ተለፎን ደዊሎም 10 ሽሕ ዶላር ክፈሉ ወይ ድማ ነዚ ሓውኹም ሕጂ ክንቀትሎ ኢና ኢሎም ገንዘብ ኣብ ከሰላ ካብ ሓዋላ ይቕበሉ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ድማ ገንዘብ ምስ ተቐበሉ ኣብ ክንዲ ንሱዳን ክኸዱ ዝፍንውዎም፣ ሒዞሞም ናብ ሳዋ ይምለሱ። ብድሕሪ ምምላሶም’ውን ምስጢር መታን ከየውጽኡ ሃለዋቶም የጥፍኡዎም።  ስለዚ ሎሚ ኣስመራ ካብ ዝኽነ ግዜ ንላዕሊ ብሽፍትነት ተትዋሒጣ ኣብ ዝኸበደ ዓዘቕቲ ትርከብ  ኣላ። ህዝቢ ናብ መሳጊድን ኣብያተ ክርስትያናትን ተኣኪቡ ጸሎቱ ገዲፉ ንህግደፍ ኣብ ምርጋም ይውዕል ኣሎ።