ያቆብ ኣፈወርቂ ዝተባህለ ነርወይ ዝምቕማጡ ኤርትራዊ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብኣባላት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ተዓፊኑ ምስ ተኣስረ ሃለዋቱ ጠፊኡ።

ያቆብ ኣፈወርቂ ዝተባህለ ነርወይ ዝምቕማጡ ኤርትራዊ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብኣባላት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ተዓፊኑ ምስ ተኣስረ ሃለዋቱ ጠፊኡ።

Saturday, 18 December 2010 16:16 http://assenna.com/index.php?option=com_content&view=article&id=3327:2010-12-18-16-26-12&catid=46:discussion&Itemid=100584#comments

ቆብ ኣፈወርቂ ዝተባህለ ነርወይ ዝምቕማጡ ኤርትራዊ፡ ናብ ኤርትራ ምስከደ  ብኣባላት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ተዓፊኑ ምስ ተኣስረ ሃለዋቱ ጠፊኡ ከምዘሎ ምንጭታት ኣሰና ሓቢሮም።

ያቆብ ኣፈወርቂ ዝተባህለ ኣብ ነርወይ፡ ኦስሎ፡ ዝምቕማጡ ኤርትራዊ፡ በቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ’ንኹሉ ሰብ ሕድገት ጌርና ኢና’ እናበለ ከካይዶ ዝቐነየ ፕሮፖጋንዳ ተታሊሉ ኣዲኡ ንምርኣይ ናብ ኤርትራ ምስ ገሸ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ርግጽ  ኣብ ዘበለሉ ሰዓት፡ ነታ ኣብ ቀጽሪ መዓርፎ ነፈቲ ኣስመራ ዕምበባ ሒዛ ትጽበዮ ዝነበረት ወላዲት ኣዲኡ ከይረኸበ ፡ ብታርጋ ዘይብላ ናይ ኣባላት ጸጥታ ሃገራዊ ድሕነት ስርዓት ህግደፍ መኪና ተዓፊኑ ብኡ ንብኡ ተኣሲሩ ሃለዋቱ ጠፊኡ ከምዘሎ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

እቲ ዕድሚኡ ኣብ መፋርቕ ኣርብዓታት ዝኾነ፡ ኣብ ነርወይ ነዊሕ ዓመታት ዝተቐመጠ ናይ ኮምፒተር ክኢላ ኮይኑ ናብርኡ ዝመርሕ ኤርትራዊ፡ ነቲ ናይ ህግደፍ ጎስጓስ ኣሚኑ ’ነገር ደሓንዩ’ ኢሉ፡ ነታ ንነዊሕ ዓመታት ዝተፈለያ ኣዲኡ ንምርኣይ ክኸይድ ድሕሪ ምውሳኑ፡ ኣብ ኤምባሲ ኤርትራ፡ ኦስሎ፡ 22 ሽሕ ክሮነር ውህሉል ክልተ ካብ ሚእቲ ከፊሉ፡ ናይ ኤርትራ ወረቐት መንነት (ታሴራ) ኣውጺኡ፡ መተኣማመኒ ዝኸውን ናይ ደገፍ ደብዳበ ’ውን በቲ ኤምባሲ ምስ ተጻሕፈሉ እዩ ናብ ኣስመራ ገይሹ።

በዚ ተኣማሚኑ፡ ነቲ ናብ ኣስመራ ከይከይድ፡ ናፍቖቱ ክጽመም፡ ብፈተውቱ ዝተገብረሉ ማዕዳን ምኽርን ሸለል ኢሉ ምስ ከደ ግን፡ እንሆ ኣብ ኢድ እቲ ምሕረትን ሕድገትን ዘይፈልጥ ስርዓት ኣትዩ።

ያቆብ፡ ሳሕቲ ዝመላለሶ ናይ ኣእምሮ ጸገም ከምዝነበሮን፡ ብሓካይም ስነኣእምሮ (Psychiatrist) ምክትታልን ፍወሳን ይካየደሉ ከምዝነበረን ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ስርዓት ህግደፍ፡ ከምቶም ሎሚ ቕነ ከነጋልጾም ጀሚርና ዘለና ወይጦታት ብዝለኣኹሉ  ሃሱሳዊ ሓበሬታ መሰረት እዩ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ዓፈናን ማእሰርትን ስጉምቲ ዝወስድ። ኩሉ ኣብ ወጻኢ ዝነበር ኤርትራዊ ኣብ መዝገብ ስለያ ህግደፍ እቱው ኮይኑ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ በቲ ምስጢራዊ መዝገብ ተጻርዩ እዩ ዝሓልፍ።

መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ብ14 ሕዳር 2010፡ ‘ስርዓት ህግደፍ፡ “ ካብ ኤርትራ ዝወጸ ኩሉ ኤርትራዊ ብዘይ ጸገም ናብ ኤርትራ ክኣቱን ክወጽእን ፈቒድና ኣለና” ይብል፡ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝዘርግሓቶ ዜና፡ ስርዓት ህግደፍ ናይ ምእሳርን ምጭዋይን ኣመሉ ዘይገድፍ፡ ጠላም መብጽዓን ማሕላንም ከም ዝኾነ ብምጥቃስ፡ ኤርትራውያን በዚ ናይ ሓሶት ጎስጓስ ከይድህለሉ ኣጠንቂቓ እያ። ሕጂ ‘ውን ካልኦት ኤርትራውያን ካብዚ ፍጻሜ ‘ዚ ክመሃሩ ይግባእ።

#6 Hagherawi 2010-12-18 19:09

In Asmara airport there are thousands of names in blacklists organized by country. Apparently, most of reports sent by agents abroad are names.
Don't trust Higdef, it's the worst enemy Eritrea ever had