Woldeab Woldemariam

ኣቶ ወልደኣብ ብ27 ሚያዝያ 1905 ኣብ ዓዲ ዛርና ላዕላይ ከባቢ መንደፈራ ተወልዱ፣ ወዲ ሓረስታይ ስለ ዝነበሩ። ዓመታት ቍልዕነቶም ኣብ ምጕሳይ ከብቲ። ኣብ ዕዮ ማሕረስ። ኣብ ጸወታ ዅዕሶ። ያህለል። ሻኵን ካልእን ኣሕለፍዎ ዳሕራይ ግን ደንጕዮም እኳ እ...

See more

ኣቶ ወልደኣብ ብ27 ሚያዝያ 1905 ኣብ ዓዲ ዛርና ላዕላይ ከባቢ መንደፈራ ተወልዱ፣ ወዲ ሓረስታይ ስለ ዝነበሩ። ዓመታት ቍልዕነቶም ኣብ ምጕሳይ ከብቲ። ኣብ ዕዮ ማሕረስ። ኣብ ጸወታ ዅዕሶ። ያህለል። ሻኵን ካልእን ኣሕለፍዎ ዳሕራይ ግን ደንጕዮም እኳ እንተ ኾነ ትምህርቶም ጀሚሮም፣ ጸኒሖምውን ኣብ ምድላው መምህራን ሰልጢኖም መምህር ንምዃን በቕዑ፣ ካብዚ ቐጺሎም ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ኪኾኑ ተሓርዮም፣ ድሕርዚ ንህዝቢ ንምግልጋል ብዝነበሮም ውሽጣዊ ባህጊ ኸኣ ኣብ ምንቃሕን ምምራሕን ህዝቢ ኽኢላ ፖለቲከኛ ምዃኖም ኣመስኪሮም፣ ኣብ ህዝቢ ዝያዳ ዝተፈልጡ ኣብቲ ብነሓሰ 1942 ዝጀመረ ናይ ሰሙናዊ ጋዜጣ ኤርትራ ዕዮ እዩ፣

ካብዚ ግዜዚ ኣቶ ወልደኣብ ኣብ ብዙሕ ኣርእስትታት ናይ ጋዜጣ ዓንቀጻት እናጸሓፉ ሓሳባቶም ብናጻ ዘርጊሖም፣ ብዛዕባ ፍቕሪ ሃገር። ታሪኽ ህዝብታት ዓለም። ታሪኽ ህቡባት ሰባት። ትርጉም ፍትሒ። ደሞክራሲ። ሓቂ። ትምህርቲ። ስነ-ፍልጠት። ኣተዓባብያ ቖልዑ። መንእሰያት። ዕዮ። ቍጠባ። ስፖርት ወዘተ ወዘተ ዝተንተነት ፈራይቲ ብርዒ ነበረቶም፣ ኣብዚ ዅሉ ዓውድታት ፍልጠት ኪጽሕፉስ በቲ ዘመንቲ (1940ታት) ሓበሬታ ኻበይ ይረኽቡ ነይሮም? እዚ ዘሎናዮ ዘመንስ “ዘመን ሓበሬታ” ይብሃል፣ ምኽንያቱ ናይ ተለቪዥን። ሳተላይት ዲሽን ኢንተርነትን ምስፍሕፋሕ ንሓበሬታ ኣብ ደቓይቕ ብኣጻብዕትና ኽንድህስሶ ኣኽኢሉና ስለ ዘሎ፣ ኣብቲ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ዚጽሕፉሉ ዝነበሩ ዘመን ግን ራድዮ እኳ ኣብ ኵሉ ቤት ኣይትርከብን እያ ነይራ፣ ናይ ማሕተም ስራሕን ዚሕተሙ መጻሕፍቲ። መጽሄታት ወይስ ጋዜጣ ዘይዓምበቡሉ ግዜ እዩ ዝነበረ፣ እቲ ጋዜጣ ንንቕሓት ሓፋሽ ምጥቃም እኳ ብእኦም እዩ ጀሚሩ፣ ከመይ ኢሎም ደኣ ኣብዚ ዅሉ መዳያት ፍልጠት እሞ ኸኣ ነታ ኻብኦም ርሒቓ ዘላ ዓለም ኪፈልጥዋን ኪምርምርዋን ብዛዕባኣ ንህዝቦም በቲ ውቁብ ትግርኛኦም ከፍልጡን ከኣሉ? ርግጽዩ ንሶም ቅድሚ ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ምዃኖም ኣብ ቤት ትምህርቲ ሽወደናዊት ሚስዮን ገዛ ኸንሻን ኣብ ጋሽ ባርካን መምህር እዮም ዝነበሩ፣ ስለዚ ንፍልጠት ናይ ምጽማእን ምድላይን ምዝርጋሕን ልማድ ኣቐዲሞም ኣጥርዮምዎ ነበሩ፣ ግናኸ ነዚ ፍልጠት ካበየናይ ምንጪ እዮም ዚቐድሕዎ ዝነበሩ? ካብቶም ኣብ ቤት ትምህርቶም ዝነበሩ ናይ ወጻኢ መጻሕፍቲ? ካብ ወጻእተኛታት ካብ ዝረኸብዎም ጽሑፋት? ካብ ራድዮ? እሞ ኸኣ ቅድሚኡ ብቛንቋ ትግርኛ ኣብ ጽሑፍ ዘይሰፈረ ስነ-ፍልጠታውን ታሪኻውን ጕዳያት ብዕምቆት ምግላጽ ከመይ ኣቢሎም ኣማዕቢሎሞ? ብፍላይ ንኻልኣይ ኵናት ዓለም ብተገዳስነት ተኸታቲሎም ብሰፊሑ ይትንትኑን ይጽሕፉን ነበሩ፣ ኣብ ማእከል ህዝቦም ክነሶም ልክዕ ከም ናብ ቦታ ዅናት ተላኢኹ ጸብጻቡ ዚልእኽ ልኡኽ ዜና። ነቲ ብርሑቕ ዚግበር ዝነበረ ደማዊ ውግእ ካልኣይ ኵናት ዓለም። ጥፍኣት ሰብ። ፖለቲካዊ ኣጋውል ዓለም ብበሊሕ ኣእምሮኦም ተንቲኖም መኣዝኑ ይሕብሩ ነበሩ፣ ከመይ ኢሎም ነዚ ብስለትዚ ኣጥረይዎ? ካብ ወጻኢ ሃገር ዚመጽእ ሓበሬታ ብባዕዳዊ ቛንቋታት ጥራይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፣ ነዞም ቋንቋታት እዚኣቶምከ ኸመይ ኣቢሎም መለኽዎም?

ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም መጀመርያ ፊደል ዝቖጸሩ ኣብታ ዝተወልዱላ ዓዲ ዛርና ላዕላይ ኣብ ቤቶም ብሓገዝ ዓባይ ሓብቶም መምህር ኣስቴር ወልደማርያም እዩ፣ እዚ ወዲ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት እንከሎ’ ኾነ፣ ከምዚ ሎሚ ኣብ ሓሙሽተ ወይ ሹድሽተ ዓመት ትምህርቲ ምጅማር ተረካቢ ኣይነበረን፣ ድሕርዚ ኸኣ ኣቦኦም ኣቶ ወልደማርያም ኪዳነ ንደቆም ናብ ትምህርቲ ንምልኣኽ ብዝነበሮም ሃረርታ ኻብ ዝነበርኦም ከብቲ ሸያይጦም ንኣቶ ወልደኣብን ንሓዎም ኣቶ ሃብተኣብን ናብ ቤት ትምህርቲ ሽወደናዊት ሚስዮን ኣስመራ ኣእተውዎም፣ እቲ ግዜ 1923 እዩ ዝነበረ፣ ኣቶ ወልደኣብ ኣብዚ ግዜዚ መንእሰይ ወዲ ዓሰርተው ሸሞንተ ዓመት እዮም ዝነበሩ፣ ኣብኦም ኣቶ ወልደማርያም ኪዳነ ኽሳዕ ዘሎዎም ጥሪቶም ሸይጦም ደቆም ንኸምህሩን ከሰልጥኑን ቁርጺ ሓሳብ ነበሮም፣ “ደቀይ ናብ ወጻኢ ሰዲደ ኸምህሮም ኣይከኣለንን እዩ፣ ናብቲ ኣብ ኤርትራ ዚርከብ ካብ ኵሉ ክብ ዝበለ ቤት ትምህርቲ ሰዲደ ኸምህሮም ግን ዘሎኒ ጥሪት ኵሉ ኽሸይጥ ተመባጺዐ እየ” ይብሉ ነበሩ (ቃለ

መጠይቕ ምስ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም። ሓዳስ ኤርትራ። 25 ግንቦት 2005)፣ ብ1927 ግን ሽወደናውያን ኣመሓደርቲ ሓልዮም ናብቲ ኣብ በለዛ ዝነበረ መዳለዊ መምህራን ንኣቶ ወልደኣብን ንሓዎም ኣቶ ሃብተኣብን ከም መምህራን ንኺስልጥኑ ተቐበልዎም፣ ኣቶ ወልደኣብ ኣብዚ ቦታዚ ነቶም ብኽልተ ዓመት ዝዓብይዎም ብጻዮም ቀሺ እምባየ ህብትዝጊ ረኸብዎም፣ ናይ ሰለስተ ዓመታት ስልጠና ምምህርና ረኺቦም ከኣ ተመረቑ፣ ናብ ጋሽ ባርካ ኸይዶም ኣብ ቤት ትምህርቲ ሶሰና ኣገልግሎት ምምህርና ሃቡ፣ ኣብዚ ቦታዚ ኣብ ልዕሊ ስራሕ ምምህርና ብመጽሓፍ ቅዱስ ኪስልጥኑ ዕድል ረኸቡ፣ ንሰለስተ ዓመታት እናመሃሩ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተማህሩ፣ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓጋዚቶም ሽወደናዊት ሲግነ በርይ ነበራ፣ እቲ ዳሕራይ ዝነበሮም ምልከት ቋንቋ ሽወደን ካብዚ ምስ ሚስዮናዊት ሲግነ በርይ ዘሕለፍዎ ዓመታት ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ኣብ ጋሽ ባርካ መምህር ኮይኖም ብምጽንሖምውን ንቛንቋ ኩናማ ኣጽኒዖምዎ ነበሩ፣ ገለ ተዛረብቲ ቛንቋ ኩናማ ኺምስክሩሎም እንከሎ’ውን። “ወልደኣብ ንቛንቋና ቛንቋ ኩናማ። ካባና ንላዕሊ ይዛረቦ” ይብልዎም ነበሩ፣ ኣብ ርእሲዞም ቋንቋታት እዚኣቶም። ኣብ ቤት ትምህርቲ በለዛ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ቋንቋ ጣልያንውን መሊኾም ነበሩ፣
ብ1941 ምምሕዳር እንግሊዝ ኣብ ኤርትራ ምስ ተተኽለ። ናይ ቋንቋ እንግሊዝ ተዛረብቲ ሰበኽቲ ናብ ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ኣስመራ ኺሰብኩ ኺመጹ ጀመሩ፣ ግናኸ ነቲ ዝበዝሕ ቋንቋ እንግሊዝ ዘይርዳእ ህዝቢ ኣብ ግዜ ስብከት ነቲ መልእኽቲ ናብ ትግርኛ ዚትርጉመሉ ሰብ ተደልየ፣ ኣቶ ወልደኣብ ከኣ ቋንቋ እንግሊዝ ዚሰምዑን ዚትርጉሙን ኮይኖም ጸንሑ፣ እቲ ሰማዒ ህዝቢ። “እዚ መንእሰይ ነዚ ቛንቋ እንግሊዝ መኣስ ፈሊጥዎ” ኢሎም የስተንክሩ ነበሩ (ቓለ መጠይቕ ምስ ቀሺ ሙሳ ኣሮን። ጥቅምቲ 2007)፣

እቲ ኣቐዲሞም ዝጀመርዎ ዕዮ ምምህርና ምስ መጻሕፍትን ቋንቋታትን ኪላለዩን ኪመራመሩን ዕድል ከም ዝኸፈተሎም ኪግመት ይከኣል፣ እቲ ኣብ ኣገባብ ኣመሃህራኦም ዘዘውትርዎ ዝነበሩ ልምዲውን ንምርምርን ብልሒ ኣእምሮን ዚድርኽ ነበረ፣ ኣብ 1930ታት ኣብ ቤት ትምህርቲ ሽወደናዊት ሚስዮን ኣስመራ ሓደ ኻብ ተመሃሮኦም ዝነበሩ ቐሺ ሙሳ ኣሮን ብዛዕባ ኣገባብ ኣመሃህራ መምህር ወልደኣብ ወልደማርያም ኪዛረቡ እንከሎ’ “ኣብ ሓንቲ ኽፍሊ ኻብ ቀዳማይ ክሳዕ ራብዓይ ክፍሊ ንመሃር ነበርና፣ መምህር ወልደኣብ ከኣ ንነፍስወከፍ ደረጃ ትምህርቲ በብተራ ይምህረና ነበረ፣ ዋላ ነቶም ታሕተዎት ደረጃ ዝነበርና ናይ ኣእምሮና ምርምር ዚፈታተን ሕቶታት የቕርበልና ነበረ፣ ንኣብነት ስነ ፍልጠት ወይ ታሪኽ ኪምህረና እንከሎ ‘ኣብ መንጎ ምቕማስን ምጥዓምን። ምሽታትን ምጭናውን እንታይ ፍልልይ ኣሎ? ኣብ መንጎ ናጽነትን ሓርነትን እንታይ ፍልልይ ኣሎ?’ እናበለ ይሓተና ነበረ፣ ንሕና ኸኣ ዝመሰለና ንምልስ እሞ። ዘይከውን መልሲ እንተ ኾነ ‘ንስኻትኩም ኤርትራ ዘሎውዋ ዝበለጹ ሰባት ኢኹም። ከምዚ እንተ መሊስኩም ደኣ ጽባሕ ንጉሆ ንኤርትራ ኻልእ መን ኣሎዋ?’ እናበለ ዝበለጸ ኽንመራመር ይምዕደናን የለማምደናን ነበረ፣” (ቓለ መጠይቕ ምስ ቀሺ ሙሳ ኣሮን። ጥቅምቲ 2007)፣
ኣብ መወዳእታ 1934። ሚስዮናውያን ብመግዛእቲ ጥልያን ተሰጕ፣ ስለዚ መምህር ወልደኣብ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣስመራ መምህርን ሓለቓን (ደረክተር) ኪኾኑ ተመዘዙ፣ ክሳዕ መወዳእታ 1941 ድማ ኣብኡ ጸንሑ፣ ብዘይካ ብዕዮ ምምህርናን ሓለቓነትን መምህር ወልደኣብ ብመንፈሳዊ ዕዮውን ጽሙድ ነበሩ፣ ስብከት መጽሓፍ ቅዱስ። ናይ መዝሙር ሙዚቃ ምጽዋትን መዛሙር ምትርጓምን ገለ ኻብቲ ዝነበሮም መንፈሳዊ ዕዮ እዩ ከምኡ ውን በቲ መሳጥን ሓድሽን ትግርኛኦም ዝተርጎሙዎም መንፈሳዊ መዛሙር ኣብ ገጻት መዝሙር ሰላም ንረኽቦም፣ ገለ ኻብኣቶም። መዝሙራት 119 (ክንደይ ብጽእቲ መጓሰ)። 218 (ዕዱጋት ኢና ሓራ ወጺእና)። 220 (ኣምላኻዊ ጸዳል)። 222 (ዓዲሙኒ እዩ ኣምላኽ ኣብ መርዓ)። 268 (ጥዑም ድምጺ ሰሚዕካዶ)። 271 (ተሓጕሰ ኣምላኽ ዘፍቀረኒ)። 272 (ሓቂ ትኹን ሳንዳኻ)። 279 (ቃል ኣምላኽ ስጋ ሰብ ለቢሱልና) እዮም፣ ካብ ሞያ ምምህርና። ምንባብ ጽሑፋት። ምትርጓምን ምምርማርን ግዲ ኾይኑ ኣቶ ወልደኣብ ናይ ቋንቋ ትግርኛ ኽእለቶም ኣዝዩ ማራኺ ነበረ፣ ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ካብ ኣተዓባብያኦምን መንፈሳዊ ልምዶምን ግዲ ኾይኑ። መሬት ዘይወድቕ ሓሳባትን ሓቀኛ ትንታነ ዅነታትን ነበሮም፣ ማራኺ ኽእለት ዘረባ ወይስ ስነ-ጽሑፍ ሃልዩካ በሊሕ ኣእምሮን ርጡብ ሓሳባትን እንተ ዘይብልካ ኸንቱ እዩ፣ ኣቶ ወልደኣብ ግን ክልቲኡ ዘዋሰቡ ሰብ ነበሩ፣

ፕሮፌሰር ኤድዋርድ ኡለንዶርፍ ብ1920 ኣብ ዙሪች (ጀርመን) ተወልደ፣ ብድሕሪኡ ኸኣ ኣብ በርሊን ተማህረ፣ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዮሩሳሌም ናይ ካልኣይ ዲግሪ (ማስተርስ)። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ከኣ ናይ ሊቅነት (ዶክትረይት) ትምህርቲ ተኸታተለ፣ ትምህርቱን ሞያኡን ኣብ መጽናዕቲ ሴማውያን ቋንቋታት ዘተኮረ ነበረ፣ እንተኾነ። ብዙሓት ኣብ ኤውሮጳ ዚዝውተሩ ልሳናትውን ይመልኽ ነበረ፣ ብ1942 ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ምምሕዳር እንግሊዝ ንፕሮፌሰር ኡለንዶርፍ ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ኾይኑ ንኺሰርሕ መደቦ፣ ፕሮፌሰር ኡለንዶርፍ ከኣ ነቲ ናይ ምምሕዳር እንግሊዝ በዓል ስልጣን ህዝባዊ ርክባት ዝነበረ መጀር ደቪድ ኩውስላንድ። ብቛንቋ ትግርኛ ዚዳሎ ጋዜጣ ግዜኡ ኸም ዝበጽሐ ኣተሓሳሰቦ፣ በቲ እዋን እቲ ብትግርኛ ብጀካ ሓደ ሓደ ዚዕደሉ ወረቓቕቲ ኻልእ ህዝባዊ ጋዜጣ ኣይነበረን፣ ስለዚ ነዚ ዕዮ ጋዜጣ ንኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ኣውራ ኣሰናዳኢ ኾይኖም ንኺሰርሑ መረጽዎም፣ ብ31 ነሓሰ 1942 ድማ “ሰሙናዊ ጋዜጣ” ዝተባህለ ጋዜጣ ንመጀመርያ ግዜ ተሓትመ፣ ፕሮፌሰር ኡለንዶርፍ ኣቶ ወልደኣብ ቋንቋ ትግርኛ ኸም ዝመሃርዎ። ከም ኣማኻሪ ኾይኖም ከም ዝሓገዝዎ። ኣብ ምዕባለ ቛንቛ ትግርኛ ዘበርከትዎ ዓቢ ስራሕ ብምግንዛብ። ህዝቢ ኤርትራ ወትሩ ስለ ዚዝክሮም ሓበን ኪምስዖም ከም ዚግባእ ይጠቅስ፣ ንባህርይኦም ብዚምልከት ድማ ሳሕቲ ግዜ ብቝጥዓ ኸም ዝመላለሱ። ሓንሳእ ኣብ ሓሳቦም ምስ ዚጸንዑ መላሲ ዘይብሎም ምዃኖም እዚ ፕሮፌሰር ይገልጽ፣ (ታሪኽ ሓርበኛ ወልደኣብ ወልደማርያም። 1995። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ። ሃይለ ቦኽረ)

ኣቶ ወልደኣብ ኣበየናይ እዋን ናይ ጋዜጣ ዓንቀጻት ይጽሕፉ ነበሩ? በዓልቲ ቤቶም ወይዘሮ ኣበራሽ ይሕደጎ ብዛዕባዚ ኺሕብራ እንከሎዋ። “ብሰዓታት ለይቲ መብራህቲ ኣብሪሁ ኺጽሕፍ ይሓድር ነበረ” ይብላ (ቓለ መጠይቕ ምስ ወይዘሮ ኣበራሽ ይሕደጎ። 19 ሰነ 2007)፣ መንበሪኦም ድሕሪ ሽወደናዊት ቤት ትምህርቲ ኣስመራ (ገዛ ኸንሻ) ነበረ፣ ኣቶ ወልደኣብ ብምኽንያት ፖለቲካዊ ምንቅስቓሶም ንህይወቶም ከጥፍኡ ዝተላዕሉን ዝፈተኑን ጸላእቲ እኳ እንተ ነበርዎም። ጭንቀት ወይስ ፍርሂ ግን ኣይነበሮምን፣ ብኣበሃህላ ወይዘሮ ኣበራሽ። ኣቶ ወልደኣብ ኣብ ግዜ ድቃሶም ልቦም ኣውዲቖም ረም ኢሎም ዚድቅሱ ሰብ ነበሩ፣ ስለዚ ኸኣ በዓልቲ ቤቶም። “ንስኻ ረም ኢልካ ትድቅስ። ንሕና ኸኣ ብሰንኪ ጥይትን ቦምባን ጸላእትኻ ኣብ ህይወትካ እንታይ ክወርደካ እዩ ኢልና ንጭነቕ” ይብላኦም ነበራ፣ ንሶም ምስ ቆልዑ ኸኣ ግዜ ምሕላፍ ይፈት’ ነበሩ፣ ኣቶ ወልደኣብ ብ1945 እዮም ምስ በዓልቲ ቤቶም ወይዘሮ ኣበራሽ ይሕዸጎ ተመርዕዮም፣ ኣርባዕተ ቖልዑ ድማ ወሊዶም፣ ንሳቶም ብርኽቲ። ርግኣት። ተኣምራትን ኣሉላን ይብሃሉ፣

ኣብቲ ኣቶ ወልደኣብ ናይ ጋዜጠኛ ወይስ ፖለቲከኛ ዕዮኦም ዚገብሩሉ ዝነበሩ ግዜ። ገና ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ተሓቲሙ ኣይተዘርግሐን ዝነበረ፣ እንታይ ደኣ ኣቐዲሙ ኣብ 1909 ከምኡ ድማ 1933 ዝተሓትመ ሓድሽ ኪዳንን በበይኖም ዝተሓትሙ መጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳን ከም መጽሓፍ እዮብን መዝሙር ሰላምን እዮም ዝነበሩ፣ ነዞም ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሮም ፍቕርን ኣብ ልቦም ምስትንታንን ዓሚቝ ብምንባሩ ኣብ ጽሑፋቶም ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ የዘውትሩ ነበሩ፣ ነዚ ኸመይ ኢሎም ለመድዎ? በዓልቲ ቤቶም ወይዘሮ ኣበራሽ ይሕደጎ ብዛዕባ በዓል ቤተን ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ኪምስክራ እንከሎዋ። “ነዚ መጽሓፍ ቅዱስ ብቓለይ ኪደግሞ እየ እሞ ንስኺ ነዚ መጽሓፍ ሒዝኪ ረኣይለይ ይብለኒ እሞ ተር ኢሉ ብቓሉ ይወጾ ነበረ” ይብላ (ቓለ መጠይቕ ምስ ወይዘሮ ኣበራሽ ይሕደጎ። 19 ሰነ 2007)፣ ኣብ ናይ ጋዜጣ ጽሑፋቶም ብጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝተመስረተ ንኣተሓሳስባን ህይወትን ሰብ ዚልውጥ ጽኑዕ መንፈሳዊ መልእኽቲ የሕልፉ ነበሩ፣ ንኣብነት ብ27 ለካቲት 1947 ኣብ ሰሙናዊ ጋዜጣ ቍጽሪ 234 እንተ ተመልከትና። “በርትዕ ሰብኣይ ኩን” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ካብ 1ነገስት። 2። 2 መበገሲ ብምግባር ኣዝዩ ተንካፊ መልእኽቲ ጸሓፉ፣ ሓንቲ ሓሳብ ካብዚ መልእኽትዚ። “ካብ እስራኤላዊ። ኣይሁዳዊ። ካብ ንጉስ። ካብ ጀነራል። ካብ ጅግና። ካብ ሃብታም። አረ ኻብ ፕረዚደንት ማሕበር እኳ ምዃንሲ ‘ሰብኣይ’ ናይ ብሓቂ ‘ሰብኣይ’ ምዃን ይበልጽ፣” ትብል፣ ብ12 መስከረም 1951 ኣብ ጋዜጣ ሓንቲ ኤርትራ ቍጽሪ 91 ድማ። “’እብን-ኤዘር’ (እምኒ ረዲኤት) ክሳዕ ኣብዚ እግዚኣብሄር ረዲኡና እዩ’’’ ዚብል መልእኽቶም ንነብብ፣

ኣቶ ወልደኣብ ብዙሕ ጽሕፋት ይጽሕፉ ነበሩ እቲ ጹሕፋቶም ኣብቲ ተስፋ ዘይነበሮን ጽልማት ዘመን ንቡዝሓት ናይ ተስፍን ብርሃንን ህይወትን ምንጢ ነበረ፣ መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ከም ዝበሎ። “ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም፣ ኣብ ከረን ዘላ ኸተማ ኺትክወል ኣይከኣላን እዩ፣”(ማቴ። 5። 14)፣ ኣቶ ወልደኣብ ጽሩይ ትምህርቲ ወንጌልን ፍቕሪ ሰብን ረብሓ ከይደለኻ ኣገልግሎት ምውፋይን እናመሃሩን እናገበሩን ብርሃን ኮይኖም እዮም፣ ዕዮኦም ኣብ ቤተ-ክርስትያን ጥራይ እተሓጽረ ኣይነበረን፣ ኣብ ቀረባን ርሑቕን ንዝስማዕን ዘንበብን ዘበለ መልእኽቶም ዘርጊሖም፣ ንብዙሕ ሰብ ከኣ ናይ ኣእምሮ ብርሃን ሂቦም፣ ኣብ ሓንቲ ካብ ጽሑፋቶም ብዛዕባ ፍቕሪ ሃገር ከመልክቱ እንከሎዉ። “ፍቕሪ ሃገር ብፍቕሪ ኣምላኽ ይጅምር። ዳሕራይ ከኣ ፍቕሪ ስድራቤት። ኣብ መወዳእታ ድማ ፍቕሪ ሰብ ይስዕብ” ኢሎም ኣለዉ፣ ንኣምላኽ ዘይፍቅር ከመይ ኢሉ ፍቕሪ ሰብ ኪህልዎ እናበሉ ኣሒሚሞም ይዛረቡ፣ ሰብ ናብ ፍቕሪ ኣምላኽ ኪምለስ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ኪስረትን ደጋጊሞም መዓዱ፣
ሎሚውን ንሕና ብርሃን ዓለም ኢና፣ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ኮይና ነቲ ሕጂ እንጅምሮ ዘሎና መንፈሳዊ ኣገልግሎትና ንጽዓት፣ “በቲ ኣተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ስለ ዝፈሰሰ። እታ ተስፋ ኣይተሕፍርን እያ” (ሮሜ። 5። 5)

ምንጢ። ካብ ጹሑፋት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራን ምስ ስድራቤቶምን እተገብረ ቃለ መጠይቓትን

Mr. ወልደኣብ Born 27 April 1905, 1905 was born in the village of adey and inherit. And a number of years in the age of the hair. Of the bio. In the end of every day. Among you. If you don't know what you have in the world, but it is not a lesson for the teachers of the world, but the teachers of the world, the teachers of the world, the people of the world. 1942 March 1942, 1942

In this time, we have been struggling for a lot of time. Let us clean the news of the newspaper. The story of the people of the world. The story seven. Justice for justice. Democracy. Eternal. Education. Ceremony. Absolutely gorgeous. Twin. Bio. A baby. Sport etc. is it possible to be in the end of the world? These days are enough for you, the time of ሓበሬታ is enough. This is the time of the satellite media in the satellite media, and it was written in the history of the satellite and the ኽንድህስሶ of Mary. Is there any time for the newspaper or the newspaper, but those who are going to see the news of tplf, don't forget to be in the end of the world? Thank you, the teacher of the school, who bought us from the school of the teacher, who used to help us in the school of mr blessed teacher. What are you doing? What are the books of the school? From the scriptures from your listing? From the radio? For those who were writing a language in tigrigna, why don't they understand their history? In the world of the world, the people of the world are the ones who are in the world and the people of the world. It is not a good day in the world. Pm family. The world of politics, the world, they were not sad, they were sad, so why don't you think about this? From the country of the country, there is a language of language, and is there any language in this country?

Mr. Mary, the first letter of st. Mary, who was born in the first letter of the year, was born in the house of the teacher, and the teacher of the ministry of foreign affairs. 1923st. Mary was born in 1923 years. We have been born in the house of Ethiopia. But they had been in the middle of the school, and said, " I will not be able to go to the school, but I will be in the middle of the house of eritrea Eritrea. 25 may 2005, 1927, 1927 but you have been able to have a lot of teachers in this year. In the school of the year, to the school and the ministry of education and service, you will be blessed in this place of the Holy Bible. This is the language of the author of the language of ሚስዮናዊት, ሚስዮናዊት በርይ, who has been able to do this for the years of the year, Mr Barbie teacher, who was speaking the language of the language. " we are struggling to be a language and language. Karen ንላዕሊ ይዛረቦ " you were your wise, in the language of ideology. In the school they used to be the Italian language.

B 1941 English in England This is the meaning of the language of England, which has been revealed to the gospel of England. This is the meaning of this language and the people of the world. "this is the language of England, it was a language of England" they were our standards (ቓለ Moses). Apocalypse 2007):
In the middle of the school, the teacher of the books and books of the books were given to the books of the book, which was in the middle of the 1930th year. "we have been given a lesson for the teacher of Mary" in the beginning of our life. Don't forget us. How to see the night? Have you seen the unity of olf? ' we said to you, ' it was you who said, ' we have come to you, and we have returned. You are the land of the homeland, and the land of Eritrea. What is this? What is the king of Eritrea? " let us say, " we were not able to make a mistake, " (by the day of መጠይቕ musa Aaron) Apocalypse 2007):
Of Love 1934 In the school teacher, the teacher was teaching the teacher of the school teacher, who was teaching the teacher of the school teacher. He was teaching the teacher of the Bible. Song of the song of the song, the disciples of the song of government, look at the spiritual meaning of the gospel of the prophet. Songs 119 (if I write a day). 218 (218) 220 (God is the sun). 222 (look at the eyes of God). 268 (invite her voice). 271 (I am the God of God). 272 (let you not be saved). 279 (for the word of the Lord): Reading text. In Tigrigna, we have been born in tigrigna, but in the language of the world, it should be a spiritual practice. The land loves the truth and the truth in every situation, the amhara or the text of the day is the same thing.

Professor Edward ኡለንዶርፍ was born 1920 in Zurich (Germany), in Berlin, University of Jerusalem, University of Jerusalem (Masters). At The University Oxford University has been published (Orthodox) teaching, and the study was focused on the language of the Hebrew language, and then. Ethiopia was in eritrea and the country of Ethiopia, 1942 in Eritrea, and the international community of England, professor ኡለንዶርፍ, and the international community of Ethiopia. In the language of tigrigna, the amharic newspaper will be released on the 31th of the Ethiopian newspaper, on the 31th of February 1942, 31 The newspaper has been released for the first time, professor ኡለንዶርፍ has been struggling in tigrigna language. You have to be like an old person. In tigrigna language, understand your work in tigrigna language. The people of eritrea should cry and cry for the sake of ዚዝክሮም, and the behaviour of bahirdar, even though it is bad for you. In this professor, he said, " this professor will explain to you, (the story of the author), (the story of priest). 1995 United Nations leaders. Haile ቦኽረ)
Did Mr. Struggling to write the news of the newspaper? May you continue to miss her and miss you. " it was a year that was written by the prime minister of Ethiopia. 19, 2007, 2007, 2007, 2007, 2007, 2007, 2007, 2007 pm. You were. Stress or pain, you haven't read it, Mrs. Mrs. ብኣበሃህላ. When he was born in the time, he was filled with heart and beautiful hearts, so that he was a great man. " you shall rise up and cry. And when you were born in the house of the Lord, she was born in the morning, and she was born in the house of the Lord, and she was born in the morning, and she was born in the morning. Doves. They will be able to see miracles.

During the time of abiy, journalist or politician, they were in the past. The Bible has not been given to the Holy Bible. They have seen the number of the 1909th of the covenant of the book, and the book of the Bible was given to the Bible. The Holy Bible were true, where are you? May the holiday of st Mary be blessed. Let us give birth to our father and give birth to our father. " this is the Bible in the name of God, for the sake of the Bible, and if you don't know it, you will be able to do it read the Bible. Read more about the Bible. This was a spiritual message, February 27, 27 February 1947, 234 "good Friday" from 1 things. 2. 2 a message with a good message, and a message, if you have a good idea, this is a message. " from the people of Israel. Unitary. From The King of the king. From General. From the hero. From the rich. The President of the republic of Ethiopia is more than the world, " one, 12 September 1951, 1951 September 1951, 91 " we are the Lord of God, and the Lord is the one who is the one who is the messenger of God.

And he was written in many books, and the Bible was written by the grace of God, and the Lord Jesus Christ. " you are the light of the world, and the light of our hearts will not be seen (Matthew 5) 14). Let us pray for the gospel of the gospel, let us pray for the gospel of the church. Let's send us a lot of information from the country. " May God start our country in peace. ዳሕራይ give love drama. In the name of God, let us pray for you to be loved by the love of God.
And in the name of God, the light of the world, and the spirit of God, the Holy Spirit, the Holy Spirit of God, the Holy Spirit of the Holy Spirit. This is no hope " (Romans 5) I love you

Punch. Interview with eritrea and eritrea