-->
Excerpt from book “Eritrea and Ethiopia” by Heru Tedla Bairu. 2016 page 99.
The death of Kidane Kiflu and Welday Giday, two prominent personalities from Highlands, in March 1970 (at Hafera, the Eritrea/Sudanese border) by the General Command, Shook the Eritrean Revolution to its roots. Woldai Gidey, was a popular nationalist; and Kidane Kiflu, a scholar of the University of Addis Ababa, was an outstanding revolutionary. He joined the university during the same year I graduated; he came to my attention as a result of an incident worth recounting. Like most freshmen, he shared his room with other students; one afternoon, when his roommates were preparing themselves to spend their weekends outside the campas, I found him in bed reading: “ The poverty of philosophy”-Marx’s response to Proudhon’s book; “ The philosophy of Poverty”. I was perplexed by Kidane’s access to a book considered rare in those days.
The university library was devoid of Marxist literature due to the fact that the Jesuits had zero tolerance for leftist literature. I therefore, concluded that Kidane belonged to a secret readers club. He joined the ELF in 1967, about the same time I was in Damascus. We started communicating with each other immediately, and continued the correspondence until his death.
He wrote his letters in three copies; the original was sent to Mr Weldeab Weldemariam; while the other copies were sent to me and Naizghi Kiflue. I have no doubt in my mind his letters are significant to the history of the ELF, for the period 1967-70. Kidane’s Tigrinya was impeccable; students of Tigrinya were impressed by his concise and elegant reporting style; above all, he was a born leader endowed with the self-effacing personality associated with skillful organizers.
In Stockholm, we read Kidane’s letters in turns; my mother preferred, however, that I read Kidane’s letters to her aloud. I declined to break the news of his death to my mother until she confronted me with her premonition. I never saw my mother struck by so much grief; from her reaction I was able to fathom the depth of the rage that was felt by all Eritreans over the death of these inimitable revolutionaries. This tragedy became the last straw that broke the back of the General Command. Source Eritrea and Ethiopia by Heru Tedla Bairu , 2006 page 99.
Ibrahim Berhan (2001 states that Kidane is one of those gallant and brilliant fighters,TeGaDeLTi,who was assasinated in Kassala,Sudan in the late 60s.He was not only a heroic fighter who relentlessly opposed the sectarian and backwarded political outlooks of the then Jebha,he was a decent person with exceedingly pleasant personality.Those who were incarcerated with him in Sudan's jail in the late 60s attest to those facts.Once he was released the butchers of the then Jebha killed him and put his body in a trunk of a taxi.So was the barbaric acts of QiYaDa ALaMa that left no options for the true and patriotic fighters that they have to emabark upon seeking a different path of pursuing the nationalist agendas source)
Source kab riqe -hefeneti Tekie Beyne (2009: p.123) |
Source kab riqe -hefeneti Tekie Beyne (2009: p.123)
መሪሕነት ጀብሃ ኣብ ክፍላ 1969 ንኪዳነ ክፍሉን ወልዳይ ግደ ኣብ ከተማ ከሰላ: ብኣዝዩ ኣሰቃቒ ኣቀታትላ ቀቲሎም: ንኣካላቶም ብምቁርራጽ ኣብ ክሻ የእትዮም: ናብ ሓፊር ዝበሃል ቦታ ዘውስድ መንገዲ: ነቲ ሬሳ ኣብ ታክሲ ጺዒኖም እንዳተጓዕዙ እንከለዉ: ምስ ዘይምጥጣሕ መንገዲ: ደም ክዛሪ ምስ ጀመረ: ህዝቢ ከኣ ስለ ዝረኣዮም: ኣብ ጎልጎል ኢዮም ገዲፎሞ ሃዲሞም:
ጃክ ክራመር ኣብ 1968 ስዉእ ሓርበኛ ኣበራ መኮነን ኣብ ወርሒ 09 1968 ጃክ ክራመር Jack Kramer መን ኢዩ? ጃክ ክራመር Jack Kramer ዜግነቱ ኣሜሪካዊ ኮይኑ: ኣብ ናይ ህይወት ዘመኑ ኣብ ብዙሕ ስርሓት ዝተዋፈረ ኢዩ:: ኣብ ዌል ስትሪት ጆርናል ንኽልተ ዓመት ሪፖርተር ኮይኑ ዝሰርሐን: ኣብ ቢዝነስ ዊክ መጋዘን ካይሮ ዝመደበራ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ጨንፈር ሓላፊ ኮይኑ: ንሰለስተ ዓመት ዝሰርሐ: ከምኡ 'ውን: ስታፍ ኤዲተር ናይ ታይም መጋዘን: ንሰለስተ ዓመት ናይ ነጻ መስመር ናይ ራድዮ ፈነወ: ናይ ስቪል ራይት ምንቅስቓስ: ናይ ኣላባማ ክርስትያን ምንቅስቓስ ጋዜጣ ኣዳላዊ: ናይ ሰብኣዊ መሰልን ደቡባዊ ክርስትያን መሪሕነት: በዚ ዝስዕብ ኣርእስቲ
1.The Nation, 2.The new Republic, 3.The New york Reviw of Books, 4.New Society. 5.British periodical ዝብላ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈን: ከም ሪፖርተር ሸፈነ ናይ ባንክን ነዳድን: ብፍላይ ኣብ ናይ ነዳዲ ቅልውላው: ነዚ ንምስራሕ ካብ ቴክሳስ ናብ ስዑዲ ዓረብ: ኣልጀርያ: ጀነቫ: ሎንዶን: ቪየናን: ሮምን ዝተንቀሳቐሰን: ኣብ ናይ ቬትናም ኩነታት ንሰለስተ ግዜ: ከም ሪፖርተር ኣብ 1967: 1968: 1969 ኣብ ኩናት ናይ ካሜሎ: ኩናት ኾንታህየን ጂዮሊንህን ኬህስናህ ቬትናም ሸፈነ ዝገበረ: ንኩነታት ውግእ 6 መዓልቲ ኣብ እስራኤል ጸብጻብ ንምግባር ዝተሳተፈ: ኣብ ኩናት ኤርትራን ኣብ ኩናት ምዕራብ ሰሃራን ምንቅስቃስ ሰውራ ኢራን: ካብ ቴህራን ናብ ኣህዋዝን ኣባዳን: እቲ ዝርዝር ብዙሕ ኢዩ: ኣብ 1968 ከኣ ን 25 መዓልታት ምስ ተቓለስቲ ነጻነት ኤርትራ ናብ ሜዳ ኤርትራ ኣትዩ ዝተራኸበ ኢዩ : ምስ ኪዳነ ክፍሉን ስዉእ ኣበራ መኮንን ስዉእ ወልዳይ ግደን ኸኣ ካብ ሽዑኡ ኢዮም ተላልዮም: ንሎሚ እዚ ዝስዕብ ካብ'ቲ ኪዳነ ክፍሉ ናብ ጃክ ክራመር Jack Kramer ዝጸሓፎ ደብዳቤ: እቲ ኣገዳሲ ክፋሉ ከነቕርብ ኢና:ፖስታ ሳጹን ቁጽሪ 9 ከሰላ ሕዳር 27 1968 ናብ ጃክ ካብ ውሽጣዊ ስሚዒታተይን ልባዊ ደስታይን ዝፈልፈለ: ናይ ቃልሲ ህያብ ሰላምታይ: ናተይን ምሳይ ኣብ ከሰላ ናይ ዘለዉ መቓልስተይን የብጸሓልካ:: ካብ ሲንጋፖር ዝሰደድካለይ ደብዳበ ተቐቢለዮ በጺሑኒ ኢዩ:: ምስናይ ክብረቱ እቲ ካልኣይ ዝሰደድካዮ መልእኽቲ ግን: ኣይበጽሓንን:: ቦታ ከም ዝቐየርካ ካብ'ቲ ናይ መወዳእታ ደብዳቤኻ ተረዲኤ: እዚ ኸኣ: ንስኻ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብሰላም ከም ዝኣተኻ ምስ ፈለጥኩ ኢየ: ነዚ መልእኽቲ እዝን ዝስዕብ ንብረትን ዝሰደልካ ዘለኹ:: ክሳብ'ታ ንስኻ ንከሰላ ገዲፍካ ዝወጻእካላ እዋንን: ናትካ ደብዳበ ዝረኸብኩላ ፋልመይቲ መዓልትን: ኣነ ብጣዕሚ ኢየ ተሻቒለ ነይረ::
ንስኻ ከመይ ኢልካ ካብ'ቲ ኣውቶክራቲክ ዝኾነ ሃጸያዊ ስርዓት ሃይለስላሴ ወጺእካ: ኣብ'ቲ ዓንቀጽ 4 ናይ ኢትዮጵያ ቁዋማዊ ሕጊ: ኣብ ሕዳር 02 1955 ዝወጸ: ንዝኾነ ዉልቃዊ መሰላት ዝገፍፍን ዘከላብትን ዘጥቅዕን ብምዃኑ: ንዓኻ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዘውድቕ ኢዩ ነይሩ:: እዚ ሕጊ እዚ ንዓና ከም ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ: ነቶም ኢትዮጵያውያን ንባዕሎም 'ውን: እቲ ሃጸያዊ ስርዓት ሃይለስላሴ ዘውጽኦ ሕጊ: ምስ'ቲ ብብልሽውና ዝተቖማጥዐ ምዃኑ ብምዝማድ 'ውን: ምስ'ቲ ዘካይዶ ግፍዕን ባርባራዊ ኣተሓሕዛን: ልክዕ ምስ'ቲ ናይ ግዜ ሮማዊ ግዝኣት ዝመሳሰልን ዝግለጽን ኣካይዳ ኢዩ : እዚ ኸኣ ከም ዝሞተ ምሉእ ሓሳብ ኢዩ ዝውሰድ:: ኣካይዳ ስርዓት ኢትዮጳያ እዚ ኣውቶክራቲክ ዝኾነ ስርዓት ኢትዮጵያ: ንጉዳይ ኤርትራ ከም ውሽጣዊ ጉዳያቱ ገይሩ ኢዩ ክሕዞ ዝደሊ:ከም ገለ ኢልካ ብዝኾነ ጉዳይ ኣብ ኢድ ፖሊስ ኢትዮጵያ እንተ ወዲቕካ: ብኤለትሪክ ገይሮም ኢዮም ዘቃጽሉኻ: ዝኾነ ዘድሕነካ ኣካል ከኣ የለን:: ምኽንያቱ ንባዕሎም 'ዉን: ናብ'ቲ ናይ 3000 (ሰለስተ ሽሕ) ዓመት ጽውጽዋይ: ናብ ድሕሪት ኢዮም ዝምለሱ:: ናትካ ተሞኩሮ ድማ: ነቲ ናይ ናጽነት ተጋደልቲ ኤርትራ ዝተዓዘብካዮ ብጣዕሚ ጽቡቕ ብዝኾነ ገለጻን ትንታኔን ክትህበሉ: ከምኡ 'ውን ሃንጺ ብዝኾነ መልክዑ ጹጽይ መጽናዕቲ ብምክያድ : ንህዝቢ ኣፍሪቃ ከተብርሃሉን ከተንቃሓሉን: ብኸፊል ከኣ: ነቲ ሽግር ሰውራ ኤርትራ ኮይኑ ዘጋጥም ዘሎ ጉዳይን ብድሆታቱን ተረዲእካዮ ክትከውን ተስፋ ይገብር : ከም ውጺኢቱ ከኣ: ንጡፍ ሓገዝን ዓለማዊ ክፉት ሓሳባትን ሪኢቶን ክንረክብ: ከም ሓደ ነጥቢ ግን ጉዳይ ኤርትራ ከም ምዉት ጉዳይ ተራእዩ: ካብ ከውሊ ዓይኒ ዓለም ዝወጻሉ መስርሕ ከም ዘሎ ምግንዛብ:-
1. እቲ ፖሊሲ ናይቶም መራሕቲ ናይ'ቲ ግምባር: እቲ ቀዳማይ ጸገም ናይ መንነት ቅልውላው ኢዩ:: ምኽንያቱ መንነቶም: ሙስሊም ክኾኑ የቐድሙ: ካብ ኤርትራውያን ክኾኑ:: ስለ ዝኾኑ ኸኣ: የእዳዎም ናብ ሃገራት ሙስሊም ሊግ ምስ ዘርግሑ ኢዮም:: ዝንባለኦም ምሉእ ብምሉእ ናብ ዓረብ ዝዘንበለ ኢዩ:: ናብ ዓለማዊ ዓረብ ይቐርቡ:: ተስፋ ይገብር ከኣ: ዓለማዊ ዓረብ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ዘድምጾ ድምጺ ከድምጽ: ግን: እዚ ድኹም ጎድንታትና እዚ: ንሞራል ህዝቢ ከይሰብርን: ጸላኢና ዝኾነ ስርዓት ሃይለስላሴ ከይምዝምዞን ምጥንቃቕ ከድሊ ኢዩ:: ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ መሪሕነት ዘለዉ ኣባላት መሪሕነት: ናይ ሰውራዊ ኣተሓሳስባ የብሎምን ጥራይ ዘይኮነ:: ዝኾነ ፖለቲካዊ ንድፊ ስነ ሓሳብ 'ውን የብሎምን:: ዝኾነ ናይ ምምራሕን ምእላይን ተራ መሪሕነት ክጻወት ዝክእል ዓቕሚ: ነዚ ሰውራና ክመርሕ ዝኽእል ብቕዓትን ኣየጥረዩን:: ዝኾነ ምስ ህዝቢ ከተኣሳስሮም ዝኽእል ናይ ቃልሲ መንገድን ቀሌቤትን: ምስ ዓለም ከራኽቦም ዝኽእል መራኸቢ ድልድል መስመርን ዝኽተሉ ኣይኮኑን:: ንደብዳቤታትን ቴለግራም መልእኽትን 'ውን: ክጥቀምሉ ዝኽእሉ ኣይኮኑን:: እቲ ዝኸፍአ መልክዑ ኸኣ: እቶም ነቲ ሰውራ ዝመርሑ ዘለዉ ላዕለዎት መሪሕነት: ኩሎም ምቕማጦም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኢዩ:: ነቲ
ኣብ ውሽጢ ዝካየድ ናይ ቃልሲ ኣገባብ ኣይፈልጥዎን ኢዮም:: ከም ናይ ኩባ ቃልሲ ኣመራርሓ ፊደል ካስትሮ: ኣብ ውሽጢ ሜዳን: ናይ ማኦ ጸትኑግ ኣብ ቻይናን ከማን ክመሃሩ ኣይክእሉን ኢዮም:: ኣብ'ዚ ናይ ለውጢ መስርሕ ግዜ: ተስፋ ንገብር ነቲ ናይ ምምራሕ ብቕዓት ክንበጽሖን: ብኡኡ ክንቅየድን:: እዚ ኸኣ ብሕብረትን ምዕባለን ኣስተምህሮን ህዝብና: ዑጉባት ስለ ዝኾና ኢዩ:: እቲ ሓቂ ነዚ ዘብለኒ ዘሎ: እቶም ኣብ ቅድመ ግምባር ዘለዉ ኣባላት መሪሕነት: ንመንነቶም ከም ሙስሊም 'ምበር: ከም ኤርትራውያን ዝገልጽዋ ብዘይምዃኖም ኢዩ:: ነቲ ቃልሲ 'ውን: ከም ናይ ዓረብ ምንቅስቃስ ኢዮም ዝምልከትዎ:: ዋላ ኣብ'ቲ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ጸግዖም: ንኹለንትናዊ ምንቅስቃስ ናይ'ቲ ቃልሲ ንነጻነት: ምስ ሃይማኖትን: ሃይማኖታዊ ምንቅስቃስን ኢዮም ዘዛምድዎ:: እቲ ዝገርም ፍርቂ ህዝቢ ኤርትራ: ወረ ልዕሊኡ: ክርስትያን ኢዩ:: ነቲ ብሓባር ተኸባቢርካ ምንባር: ሓድነት ኣብ ብዙሕነት ዝብል ኣምር ዝቕበሉ ኣይኮኑን:: ስለ ዝኾነ ኢዩ ኸኣ: እቲ ህዝቢ ብስግኣት ዝጥምቶም:: ከም'ቲ ዝድለ ሱታፌ ኸኣ: ዘይገብር ዘሎ:: እቲ ምኽንያት ከኣ: ጉዳይ ሃይማኖትን: ናይ'ቲ መሪሕነት ናይ ዓረባዊ ኣተሓሳስባን ዕብለላን ኣብቲ ግምባር ስለ ዘሎ ኢዩ:: ኩሉ እቲ ገስጋሲ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሰብ: ነዚ ፖሊሲ እዚ ኢዩ ዝቋወም ዘሎ: እቶም ናይ ለውጢ መራሕትን ካብ ቀንዲ ናይ'ቲ መሪሕነት ሰውራዊ ትእዛዝ: ብሓደ ክሰምሩን ክሰርሑን ኢዩ ድሌቶም:: ገለ ካብቶም ናይ ክፍልታት መራሕቲ: ካብ'ቲ ዝበስል ዘሎ ኩነታትን ተስፋ ይገብር: እቲ ኩነታት ክቕየርን ሓደ ናይ ለውጢ ስጉምቲ: ኣብ'ቲ ናይ ግምባር መሪሕነት ክመጽእ:: ምኽንያቱ ናይ ህዝብና ሸቶ ክረጋገጽ እንተኾይኑ: ብናይ ሓባር ዕላማን ሸቶን ዝተሃንጸ ቃልሲ መስርሕ ምስ ዝዕምብብ ኢዩ:: እቲ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ
ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com |