ዝተቐስመ ትምህርቲ- ዋዕላን ሃገራዊ ጉባኤን ብመንጽር ህሉው ብድሆታትን ክውንነታትን

Saturday, 07 April 2012 17:55 በረኸት ካሕሳይ (EYGM-UK)
E-mail Print Print

መእተዊ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ክንከታተሎ ከም ዝጸናሕና መጀመርታ ብዛዕባ ኣድላይነት ምክያድ ሃገራዊ ዋዕላን ኣገባብ መስርሕ ምስንድኡን ንዕኡ ዝነቕፉን ዝድግፉን ዝኣመሰሉ ንጡፋት ሓይልታት ናይ ደንበ ተቓውሞ ዘጠቓለሉ ጽዑቕ ንጥፈታት እኹል ሸፈነ ብምርካብ ኣቓልቦ ብዙሓት ስሒቦም። ከም ሳዕቤኑ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ጥራይ ከይተሓጽረ እቲ ኣርእስታት ብመንገዲ ዘለዋ መራኸቢ ብዙሃንን (ዌብ ሳይታት) ፓልቶካትን ሓፋሽ ህዝብና ከም ዝሳተፎን ርእይቶታቱ ብመጠኑ ከም ዘስፍርሉን ተገይሩ።

ብሓፈሽኡ “ዕላማ ምቅናዕ ክልቲኡ ሃገራዊ ዋዕላን ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤን ‘ምበኣር ንኹሎም ሓይልታት ተቓውሞ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ መጋባኢ መደረኽ ብምቕራብ ንፖለቲካዊ ጉዳያት ብሰላማውን ኣብ  (structured) ሃዋህውን ኮይኖም፣ ግርጭታት ኣብ ምምሕዳርን ምፍታሕን ብምቱኳር ኣብ ትሕቲ ስምምዕ ምህናጽን ዝተቐርጸ (ዝተሸከለ) መቓን (ማለኮ-ዕዮ framework) ንክዘራረቡን ክዛተዩን ምእንቲ ባይታ ንምፍጣር ኢዩ።”

ናብ ቀንዲ ኣርእስተይ ተመሊሰ ብሰፊሑ ተሞክሮታት ዋዕላ፣ ኮሚሽን፣ ሃገራዊ ጉባኤን- ህሉው ብድሆታትን ክውንነታትን ኣተኩረ ሰፊሕ ሓፈሻዊ ገምጋም በብንኡስ- ኣርእስቲ ከቕርብ ክፍትን ኢየ።

ሓፈሻዊ ገምጋም

1 ሃገራዊ ዋዕላ

ኣብ 1940ታት ሃገርና ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ዓባይ ብሪጣንያ እንከላ ምሉእ ግዝኣታዊ መሬትና፣ ልኡላውነት ሃገርናን ሓድነት ህዝብናን መጻኢናን ብውዲት ሓያላን ሃጽያውያን ሓይልታት ኣብ ሓደጋ ወደቐ። ድሌቶም ምምቃል (partition) ኤርትራ ኮይኑ ንከበሳን ምብራቓዊ መታሕትን ናብ ኢትዮጵያ ምዕራባዊ መታሕት ድማ ናብ ሱዳን ወይ ከኣ ብግዴታ ሓድነት ምጽንባር ምስ ኢትዮጵያ ዝብል ኣማራጺ ኢዩ ዝነበረ። ግዱሳት ሃገራውያን ነቲ ኣጀንዳ ናይ ወተሃደራዊ ምምሕዳር መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያን ሃይለስላሴን ስለፈልዮም ዘለለይዎ፣ ስለዚ ኣብ ክንዲ ኣብቲ ብተበግሶአን ዝተወስደ ምክፍፋል ሃገር ንስዕቦ ኣብ ክንድኡ ነቲ ጉዳይ መፍትሒ ንምርካብ ብምባል፣ ኤርትራ ብሰላማዊ መንገዲ ምስ ኢትዮጵያ ክትሓብር (ክትጽበር)፣ ኤርትራ ከኣ ናይ ባዕላ ርእሳ- ምምሕዳራዊ መንግስቲ ክህልዋ ዝብል ውጥን (plan) ኣብ ዝብል ተሰማሚዖም ነበሩ። ምኽንያቱ ገዳይም ሓርበኛታት ተቓለስቲ ናይ ሽዑ ደገፍቲ ቀጽሪ ናጽነት ከኣ ብፍላይ ነቲ ብገዛእቲ ዝተኣታተወ ናይ ከፋፊልካ ግዛእ ዝብል ሜላ ብኣግኡ ስለ ዝተገንዘብዎ፣ ነቲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ፍልልይ ፈቲሖም ንውድብ ሕቡራት ሃገራት(UN) ሓያልን ሓደን (unified) መልእኽቲ ንምስዳድ ብተበግሶን መሪሕነትን ሼኽ ኢብራሂም ሱልጣንን ኣቶ ወልድኣብ ወልደማርያምን ዋዕላ ቤት ጊዮርጊስ ተጸዊዑ። እቲ በዞም ክልተ ሓርበኛታት ዝምራሕ ዝነበረ “ማሕበር ኤርትራ ኤርትራውያን” ከም በዓል ደጀዝማች ሓሰን ዝኣመሰሉ እንኮላይ ዝርከብዎም ምስ ብገብረመስቀል ወልዱ ዝምራሕ ዝነበረ “ማሕበር ሕብረት (ኣንድነት)” ንምዝታይ ብዕለት 245/08/1946 ዋዕላ ቤት ጊዮርጊስ ኣካይዶም። ሽሕ እኳ እቲ ዋዕላ ብሽርሒ ማሕበር ኣንደነት እንተተበተነ ግን ኣብ ሓድነትን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ ዘይንዓቕ እምነ መሰረት ስለዘንበረ እቶም ሓርበኛታት ኣርማ ሓድነት ኮይኖም ንወሎደታት ይቕጽሉ ኣለዉ።

ዋዕላ ትርጉሙ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ቅድሚ ምቛም ኤርትራ ከም ሃገር ብገዛእቲ ኢጣልያ ኣትሒዙ፣ ኣቦታትና ኣብ ደንካልያ ብሕጊ ሱልጣናት፣ ኣብ ከበሳ ብሕጊ እንዳባ ከከም ከባቢኡ (ሕጊ ለገጭዋ፣ ሕጊ መሓሪ፣ ሕጊ ኣድከማን ማይጫዕዳን ወዘተ)፣ ኣብ መታሕት ድማ ብዓበይቲ ዓድን መሻይኽን ዝመሓደርን ዝፍለጥን ሕግታት ንምትግብር፣ ሓሳባት ንምምኽኻርን ግጭታት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕን ዝጥቀሙሉ ያታዊ ኣገባብን መስርሕን ዘተ ኢዩ። ከም ግቡኡ ስርዓት ህግደፍ ድሕሪ ናጽነት መላእ ሃገር ሃገራዊ ዋዕላን ዕርቅን ክጽውዕ እኳ እንተነበሮ ኣየተግበሮን። እዚ ዕድል ብሰሪ ስስዐ ስልጣን ንካልኦት ምግላልን ጉጉይ ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍን ኣምሊጡ።

እቲ ዘሕዝን እቲ ቀንዲ ዝተገለለ መብዛሕትኡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ስደትን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ኣይኮነን። ከም እውን ነቶም ምእንቲ ምሕራር ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ከርተት ዝብሉ ዘለዉን ምሉእ ዕድመ ንእስነቶም ኣብ ቃልሲ ዘሕለፉ ተቓወምቲ ውድባትን ግዳይ ምግላል ኮይኖም ክንሶም ግን ንባዕሎም ክሰምሩስ ይትረፍ ሓባራዊ ራእይ ከማዕብሉ ኣይከኣሉን። ካብዚ ብምብጋስ ኢዮም ‘ምበኣር ኣብ 1999 ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ ስዒቡ ድማ ኣብ 2005 ዝቐጸለ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ብምምስራት ዓቢ ብስራት ናይ ታሪኽ ሓድነታዊ ቃልሲ ምዕራፍ ከፊቶም። ኣብ መንጎ ግን በቲ ኣብ 2002 ዝተኻየደ ካብ ኣኼባ ምሕዝነት ምውጻእ ብምቅዋም ንውጽኢት ምርጫ ኣቦ መንበር ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ መንጎ ብምኽሳቱ ግን ሞራል ብዙሓት ብምህሳይ ንቃልሲ ተቓውሞ ኣዳኺሞዎ ኢዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ቀጺሉ ኣብ ግንቦት 2008 ብድፍኢት ውልቀ ሰባት፣ መራሕቲ ሃይማኖታትን ወከልቲ በርጌሳውያን ማሕበራትን 13 ውድባት ዝተሳተፍኦ ሓድነታዊ ጉባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብዓወት ተቓንዐ። ሽዑ ኢዩ እምበኣር ንኣውንታዊ ኣበርክቶ ህዝቢ ብምግንዛብ ኤዲኪ ምስ መሻርኽቱ ኮይኑ፣ ተሳትፎ ህዝቢ ንምርግጋጽ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ሃገራዊ ዋዕላ ክካየድ እማመ ዝቐረበን ዝተሰማምዑን። ንምሉእ ትሕዝቶን ዝርዝርን ብፕሮፌሰር ተስፋጽዮን መድሃኔ ዝቐረበ መጽናዕቲ ብካስል ማኒፌስቶ (መደረ) ዝፍለጥ ኣብ ታሕቲ ብምጥዋቕ ከተንብቡ ትኽእሉ።

http://www.togoruba.org/togoruba1964/mainTogorubamap/mainMap/rightMap/TM9/3009TM9-MT.pdf

ኣብ ሓምለ 2009 ቅድሚ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ (ዎርክ-ሾፕ) ኣሰናዳኢት ሽማግለ ንሃገራዊ ዋዕላ ምቋማ፣ ብዛዕባ ከመይነት መስርሕ ጉዕዞ ምስንዳእ ሰፊሕ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብዝምልከት ትልሚ ሓሳባት (Road Map) ንክትዕ ቀረበ። ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ታሕቲ ብምጥዋቕ ከተንብቡ ትኽእሉ         http://www.togoruba.org/togoruba1964/mainTogorubamap/mainMap/rightMap/PCNC-10/3003PC1-1AT.pdf

ኣብ መወዳእታ ከኣ እቲ ኤርትራዊ ዲሞክራሰያዊ ኪዳንን ሲቪካዊያን ማሕበራትን ዝተሳተፍዎ ኣብ ሓምለ 2009 ዓ.ም ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ዝመያየጠሎም ኣርእስትታት ንምንጻር ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ  ዓውደ መጽናዕቲ ሃገራዊ ዋዕላ ንዘተን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዋዕላ ክመያየጠሎም ዝኽእል ለበዋታት ኣሕሊፉ ነይሩ፡፡ እቶም ዝቐረቡ ለበዋታት ድማ ብማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራሰያዊ ኪዳን ጸዲቖም፡፡  ንዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣብ ታሕቲ ጠውቑ

http://www.togoruba.org/togoruba1964/mainTogorubamap/mainMap/rightMap/PCNC-10/1104PC1-1T.pdf

ከም ኣረዳድኣ ኪዳን እንተኾይኑ ብመሰረት ኣቦ-መንበሩ ኣብ ዘስመዖ መደረ “ዋዕላ ኣብ ፖለቲካ ተመክሮ ናይ ሃገርና ምልስ ኢልና እንተሪኢና ኣብ መንጎ ተቓለስቲ ኣሕዋት ይኹን

ንዓበይቲ ማሕበራዊ ጸገማት ኣብ ውሽጢ ሕብረተ-ሰብና ንዝኽሰቱ ካልኣዊ ግርጭታት ብሰላማውን ደሞክራስያውን ናይ ልዝብ ኣገባብ ፍቲሕካ ኩሉ ዓቕምታትካ ኣወሃሂድካ ሓቢርካ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢኻን ተጻባእትኻን እትገብሮ ተጋድሎን ከም ሓደ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ገይሩ ካብ ዝውሰድ ዓመታት ዝቖጸረ ታሪኽ ኮይኑ ኣሎ።ሕጂ ‘ውን ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ካልኣዊ ፍልልያቱ ካልኣዊ ቦታ ኣትሒዙ ካብ ዘይሃናጺ ውድድራትን ምንጽጻጋትን ንምርግጋጽ ጸቢብ ረብሓታት ዝገብሮ ቁርቁሳትን ዲሕኑ፡ ልዕሊ ኹሉን ቅድሚ ኹሉን ህዝብን ሃገርን ማእከሉ ገይሩ ነንሕድሕዱ ተኸባቢሩን ተሓጋጊዙን ኣንጻር ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ መላእ ዓቕምታት ሕብረተ-ሰብና ናብ ቃልሲ ክጸምድ ዝተኣሳሰረሉ ሰፊሕ መድረኽ ናይ ልዝብ ዋዕላ የድልዮ ኣሎ። ኣብዚ ኸኣ ኢዩ እቲ ኩሉ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዝስለፍ ተቓላሳይ ሓይሊ ኣብ እዋናውያን ክፍትሑ ዘለዎም ዉዕዉዓት ሕቶታት ናይ ህዝብና ዝኾኑ ሕቶ ሰላምን ደሞክራስን ኣብ ምፍታሕ ብቐዳምነት ኣብ መሰረታዊ ሃገራዊ ምቖምያታት ናይ ሓባር ግንዛቤን ራእይን ክንጭብጥ መድረኻዊ ሓባራዊ ፕሮግራም (ቻርተር) ክንቀርጽን ብኡ መሰረት ሓቢርና ክንቃለስ ግድን”ዩ ዝገብረና።” ይብል።

እንተኾነ ግን “ብምኽንያት ኣብ ልዕሊ ኣገባብ መስርሕ ምድላው  ዋዕላን ምስንድኡን ዝተራእዩ ሕጽረታት ዕቃበታት ኣለና፣ ስለዚ ዕለት ዋዕላ ይናዋሕ ምእንቲ ነዚ ዝረኣይ ዘሎ ሕጽረታት ኣሪምናን ፈቲሕና ነቲ ዋዕላ ከነዐውቶ ኣይኮነን ግን እቲ ዋዕላ ኣይዕወትን ኢዩ፣ ንሕና ‘ውን ኣይንሳተፎን” ብምባል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣንሳሒቡ። እዚ ተረኽቦ ብፍላይ ነቲ ተወዲቡ ኣብ መሳርዕ ተቓወምቲ ውድባት ዘየሎ ዝበዝሐ ደጋፊ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝተመቓቐለ ርእይታቶ (divided opinions) ከም ዝህልዎ ገይሩ። እቲ ዝኸፍአ ከኣ ንብዙሓት ኣንፈቶምን ኣተኩሮኦምን ብምስሓት ኣብ መራኸቢ ብዙሃንን (ዌብ ሳይታት) ፓልቶካትን ደገፍትን ተቓወምትን ዋዕላ ብዝብል ጉጅለታት ተኸፋፊሎም፣ ወረስ ሓንሳብ ሓንሳብሲ ህግደፍ ናይ ሓባር ጸላኢ ምንባሩ ተረሲዑስ ስም ሕድ-ሕድ ኣብ ምጥፋእን ምትህልላኽን ብዙሕ ግዜን ጸዓትን ሃሊኹ። በዚ ጉዳይ ኣዝዮም ብዙሓት ወገናትና ተጸልዮምን ተደናጊሮምን ኢዮም። ንኣብነት ብገለ ሸነኻት ተቓወምቲ መሲሎም ዝመዝመዝዎ ደገፍቲ ህግደፍ እዚ ናይ ኣስላም ኢዩ ብምባል ነቲ ክርስትያናዊ ወገን ካብ ቃልሲ ከጓናብድዎ ፈቲኖም። ድሮ ‘ውን ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ሓንቲ ግዳያት ናይዚ ዘመተ ክትከውን ተሓሲባ ነይራ፣ ግን ፈተነኦም ኣይተዓወተን። ብወገንና ነዚ ውዲት ብምፍሻል ንዕላማታት ዋዕላ ብዝርዝር ድሕሪ ምጽናዕ፣ ነቲ ካብ ኣሳናዳኢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ኣቐዲሙ ዝቐረበልና ዕድመ ናይ ምስታፍ ተቐቢልናዮ።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታትን ህሞትን ኢዩ እምበኣር እቲ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብሓልዮት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ከም ‘ውን ብምወላ ፈተውቲ ናይ ሰንዓ ፎርምን ካብ 29 ሓምለ ክሳብ 07 ነሓሰ 2010 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ። መብዛሕትኡ ተሳታፊ ኣቐዲሙ ቅድሚ እቲ ወግዓዊ መኽፈቲ ዕለት ናብቲ ዝካየደሉ ቦታ ስለ ዝበጽሐ ነቲ ዝረኣዮ ተኣፋፊ ሃገራዊ ጉዳያት በብጉጅለ ብተበግስኡ ክዝትየሎም ጀሚሩ። ቃልሲ ንዲሞክራሲ፣ ሰብኣዊ ሓርነት፣ መሰልን ማዕርነትን ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ብምንውሑ ዝኣክል ናይ ኤርትራ ጸገማት ስለ ዝተሓላለኸ ኣብ መጀመርታ ኣብ መንጎ ገለ ተቓለስቲ ወገናት ናይ ነንሕድሕድካ ምትፍናን፣ ወጥሪን ጉድለት ምትእምማን ነይሩ። እንተኾነ ግን ብምኽንያት በቲ ናይ ዝበዝሐ ሰብ ጽቡቕ ሰናይ ድሌት ሓድሽ ሃዋህው ናይ ምትሕልላይ፣ ምርድዳእን ምጽውዋርን ሰፊኑ።

ድሕሪ ወግዓዊ መኽፈቲ መዓልቲ ነቲ ጉባኤ ተካይድ ሰክረታርያ ንምምራጽ ገለ ብጌጋ ዘይምርድዳእ ዝመስል ነይሩ፣፣ ሕጂ ‘ውን እቲ መብዛሕትኡ ነንሕድሕዱ ዘይፋለጥ ሰብ ብዘርኣዮ ሓልዮትን፣ ጽቡቕ ፖለቲካዊ ድሌት ካብ ጸቢብ ፖለቲካውን ወገናውን ዝረሓቐ ብሰላም ተፈቲሑ። ሰክረታርያ ምስ ቆመት ናይ መደባት ግዜ ሰሌዳ ብምውጻእ ነቲ ተሳታፊ ኣብ 5 ጉጅለታት ተመቒሉ ነቲ ዝቐረበ 4 ሰነዳት ከም ዝካትዓሉ ገይራ። እቲ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ “ጉዳይ ሃገራዊ ሓድነት፣ ብድሆታትን ዕድላትን” ዝብል ሰነድ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ ዝነበረ። እዚ ሰነድ ንጉዳይ ሃይማኖት፣ ብሄር፣ ቋንቋ መሬትን ወጽዓን ዝትንክፍ ስለ ዝነበረ ኣዝዩ ኣካቲዑ፣ ንብዙሓት ድማ ብክፉት ወጽዐኦም ክገልጹ ብምኽኣሉ ንተሳተፍቲ ደረጃ ንቕሓቶም ክብ ኣቢሉ ባህሊ ናይ ምጽውዋር ኣተኣታትዩ። ንኣብነት ካብቲ ኣገዳሲ ነጥበ መቐይሮ፣ ገለ ካብቶም ተሳተፍቲ ካብ 1960ታት ኣትሒዞም ዝተሰደዱ መብዛሕትኦም ካብ ምዕራባዊ መታሕት ኤርትራ ብሰንኪ ዝወረዶም ግፍዕታት ናይ መግዛእቲ ሃይለስላሴ፣ “መብዛሕትኡ እቲ ተዛራቢ ትግርኛ ልኡምን ወጽዓና ዘይርድኦን ኮይኑ ስለዝስምዓና ዝነበረ ኣብ ዋዕላ ትግርኛ ከም ዘይንሰምዕ ጸማማት ኮይንና ክንቀርብ ኢልና ሓሲብና ነይርና” ትብል ሓንቲ ካብ ተሳተፍቲ። ኣስዒባ “ደሓር ግን ብሰንኪ ዝተፈጥረ ምቹእ ሃዋህው ብምዝርራብ ምትእምማን ክንፈጥር ብምኽኣልና እቲ ኩነታት ተቐይሩስ ድሮ ‘ውን ብዙሓት ናይ ቃልሲ ብጾት ብዘይ ኣድልዎን ኣፈላላይ ናይ ሃይማኖት፣ ብሄርን ኣውራጃን ኮይንና ንቕጽል ኣለና” ትብል።

ካብቲ ቀንዲ ኣውንታዊ ኣስተዋጽኦ ናይታ ቀንድን መሰረታዊትን ሰነድ ድሕሪ ብዙሕ ብክፉት ልቢ ዝተኻየደ ክትዓትን ዘተን እምበኣር ኣብ ኣገደስቲ መብዛሕትኡ ናይ ኣካራኸርቲ ጉዳያት ርኢቶታትን ተርድኦታት ኣቀራሪባ። ኣብ ዋዕላ ኣብ ሕቶ ሃገራዊ ሓድነት ንግርጭታት ዝምልከት ኪኖ ብክፉት ልብን ጽቡቕ መንፈስን ምዝርራብ እቲ ጠንቂ ናይ ኩሉ ዓይነት ግርጭታት ስርዓት ህግደፍ  ምዃኑ ፈሊዩ ፈሊጡ (ኣለሊዩ)። ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታት፣ ኣውራጃታት፣ መሬት፣ ብሄራትን ቋንቋታትን በብተራ ዝተራእየ በደል ብዘይካ እቲ ስርዓት ብመንገዲ ከፋፊልካ ግዛእ ዝብል ሜላኡ ገይሩ ኣብ ልዕሊ መላእ ህዝብና ምጥርጣርን ዘይምትእምማንን ንምፍጣር ‘ምበር እቲ ጠንቂስ ንሱ ኢዩ ብምባል ተዓጋጊቦም።

ቀጺሉ ኣገዳሲ ኣርእስትታት ዝነበሩ ከም ሰነድ ኣገባብን መስርሕን ለውጢ፣ መሰጋገሪ መድረኽን ሃገራዊ መርሆን (ቻርተር) በብተራ ድሕሪ ምቕራበን፣ ተሳተፍቲ ብዕምቆት ድሕሪ ምክታዕ          መኣረምታትን ትዕዝብትታቶምን ኣስፊሮም። ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ በቶም ዝቐረቡ ሰነዳት እኳ ሕጉሳትን ኣድናቖቶምን እተገለጹ ግን ኩለን ዝቐረባ ሰነዳት ሓያሎ ጉድለታት ስለዝተራእየ ድሕሪ ዋዕላ ዳግም ብኪኢላታትን ሞያውያንን ተጸኒዐን ክጸሓፋ ዝብል ለበዋ ቐሪቡ።

ብመብዛሕትኡ ተሳታፋይ ሓድነት ንጡፋት ተቓለስቲ ሓይልታት ንምርግጋጽ፣ ብፍላይ ከኣ ነቶም ዝቦኾሩ ኣገደስቲ ውድባት ከም ሰልፊ ህዝብን በርጌሳዊ ማሕበር ስድርን ዝኣመሰሉን ዝጽውዕ ነበረ። 

ድኽመታት ናይ ሃገራዊ ዋዕላ

-    ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ዘተን ሕድገታትን ተሞርኩሰ ሓዲሽ ፖለቲካዊ ባህሊ ብምቛም ንጉጅለታት ኣእሚኑ ብዝያዳ ነጢፎም ኣብ ቃልሲ ኣንጸር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ምስታፍ ድኽመት ኣርእዩ

-     ዓቢ ህዝባዊ ደገፍን ሕጋውነትን ኣብ ምድላብ፣ ከምኡ ድማ ህዝባዊ ምትእምማን ኣብ ምስራጽን ሕጽረት ኣርእዩ

-    ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ፖለቲካውያን ውድባትን በርገሳውያን ማሕበራትን ንዝነበረ ወጥሪ ዳርጋ ፍርቁ ኣየተሃዳደኦን (ኣየፍኮሶን)

-    ናይ ምጽንባር፣ ውህደት ወይ ሓቛፍነት (ኣሳታፍነት) ግንዛበ ብምውሳኽ ናይ ዜጋታት ደገፍ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምሕላያሉ ከምቲ ዝድለ ኣይቀየሮን፣ ስለ’ዚ ኣብ ክንድኡ ብዙሕነት፣ ውክልናን ግሉጽነትን ኣየረጋገጸን

-    ምሁራት፣ ኣገደስቲ ውልቀ-ሰባት፣ መንእሰያትን ደቂ- ኣንስትዮን ብከምቲ ዝግባእ ኣይሰሓበን

-    ኣብ መንጎ ፖለቲካውያን ውድባትን ናብ ዝያዳ ምምቕቓላትን ናይ ስልጣን ምውድዳር ኣምሪሑ

- ኣብ ሰነዳት ዋዕላ ብዙሕ ናይ ትሕዝቶ፣ ኣሳዃኹዓ ቃላት፣ ንጹርነትን ዘይስሩዕነትን ተደጋጋሚ  ጉድለታት ተራእዩ።

- ደምዳሚ ኣዋጅ ጉባኤ ብጽፉፍን ዝተወሃሃደን ኣገባብ ኣይቀረበን ብፍላይ ከኣ ኣብ መንጎ ናይ ትግርኛን ዓረብን ቅዳሓት ፍልልይ (discrepancy) ናይ ትሕዝቶን ትርጉምን ተራእዩ። ኣብ ውሽጢ ደንበ ተቓውሞ ብፍላይ ድማ ኣብ ህዝቢ ምድንጋር ብምፍጣር ንተኣማንነት እቲ ተቓውሞ ብኣሉታ ጸሊዎ። ነቲ ዝተኸስተ ፍልልያት ብተወሳኺ ብጸላኢን ደገፍቱን ናይ ምምዝሚዙ ዝኣመሰሉ ሳዕቤናት ኣኸቲሉ

ዓወታት ናይ ሃገራዊ ዋዕላ 2010

ኩሎም ተሳተፍቲ ርእይተኦም ዝገልጽሉ ዋዕላ ኢዩ ነይሩ። ብፍላይ እካ ተኣፈፍቲ ንመሰልን ሃገራዊ ሓድነትን ዝምልከቱ ጉዳያት ናይ መሬት፣ ቋንቋ፣ሃይማኖት ብሄር ወዘተ

-    ኣብ ምህናጽ ሃገራዊ ዝርርብ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ባይታ ብምንጻፍ ዕድል ከፊቱ

-    ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ ናይ 2011 ናብ ምድላው ብምጽዓር ሓጊዙ

-    ንሓይልታት ናይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ምጽንባር ወይ ሓድነት ምፍጣርን ንትጽቢታት ወሲኹ ኣጋኒንዎ

-    ብሰሪ ዝበዝሑ ተሳተፍቲ ዝገበርዎ ጸቕጢ፣ ፖለቲካዊ ሰናይ ድሌት (Political will) ብምርኣይ ንዝቦኾሩ ንጡፋት ሓይልታት ተቓውሞ ከም ሰልፊ ህዝቢ EPDP ዝኣመሰሉ ብጽሒቶም (መንበር) ኣብቲ ዝቖመ ኮሚሽን ብምሕዛእ ጻውዒት ኣቕሪቡ

ኣብ መዛዘሚ እቲ ዋዕላ ብመሰረት ዝወጸ ኣዋጅን ዝቐረቡ ለበዋታትን፣ ብሓፈሽኡ ነቶም ዝቦኾሩ ኣካላት ንምሕቛፍ ንሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ ተሰናድእ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲምክራስያዊ ለውጢ ቅይማ።

ኮሚሽን፣

ዕላማ ሃገራዊ ኮሚሽን ብሓጺሩ ንህዝቢ ኣለዓዒሉን ወዲቡን፣ ተሳትፎ ኩሉ ክውንነት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ዘረጋግጽ ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብምስልሳል ንምዕዋት ኢዩ። ብመሰረት ውሳኔ ዋዕላ ናይ ዕለት 09 ነሓሰ 2010 ኮሚሽን ብ53 ኣባላት ቆይማ። ንሳቶም ከኣ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ተወከልቲ ፖለቲካውያን ውድባትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ህዝብን ስደተኛታትን ከም ‘ውን ወከልቲ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ነይሮም።

ሀ. ረቛሒታት ኣባልነት ኣብ ሃገራዊ ኮሚሽን

1 ተሞክሮን ክእለትን ዘለዎ/ዋ ምስ ካልኦት ተራኺቡ ንምርድዳእ

2 ብቕዓት ናይ ፖለቲካውን ምምሕዳራውን ዕማም ኮሚሽን ንምዕዋት ዝሕግዝ ዘለዎ/ዋ

3 ክእለት ናይ ምጽዋርን ትዕግስትን ከም ‘ውን ትኽክለኛን ቅቡልን መልእኽቲ ንምብጻሕ ብቕዓት ዘለዎ/ዋ

4 ዓቕሚ ዘለዎ/ዋ ብግቡእ ናይ ምርዳእ መርገጺ ናይ ካልኦት ወገናትን ኣኽቢቦምና ዘለዉ ሓቅታትን

5 ሓባራዊ ኣተሓሳስባ ዝውንን ኮይኑ/ና ኣድላዩ ኣብ ዝኾነሉ ናይ ምትዕጽጻፍ ክእለት ዘለዎ

6 እኹል ምሉእ ግዜ ዘለዎ/ዋ ዝተዋህበ ዕማም ንምፍጻም

7 ዝኾነ ኣባል ሲቪካዊ ማሕበር (ህዝቢ) ኣብ ኮሚሽን ኣባል ፖለቲካዊ ማሕበር ክኸውን ኣይግባእን

ለ. ሓፈሻዊ ዕማማቱ ድማ እዞም ዝስዕቡ ነይሮም፣-
1 ኣብ ውሽጢ 1 ዓመት ሃገራዊ ጉባኤ ንምስልሳልን ምድላውን

2 ምውዳብን ምቛምን ኣካላት በርጌሳውያን ማሕበራት (ናይ ዜና ማእከላት፣ መጽናዕቲ ማእከላት, መንእሰያት፣ ደቂ- ኣንስትዮ ካልኦት ማሕበራዊ ቀጸላታት ኣካላትን) ኣብ ትሕቲ ጽላል ናይ ሓደ መርበብ

3 ኣብ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ኣንጻር ዲክታቶርነት፣ ኣድማዒ ህዝባዊ ተሳታፍነት ዘረጋግጽን ኣብ ጎድኒ ናይ ተቓውሞ ሓይልታት ብምዃን ዲምክራስያዊ ለውጢ ንምጉንጻፍ መደባት ምቕማጥ

4 ሓፋሽ ህዝቢ ዓዲምካ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ዘለዉ ተቓወምቲ ንጥፈታት ንምምዋልን ምድግጋፍን። ማለት ሳንዱቕ ናይ ማዕከን ገንዘብ ምቛም።

5 ዜናዊ ዲፕሎማስያዊ መደባት ብምቕማጥ፣ ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንጹር ፖለቲካዊ ዘተን ዝርርብን (ክትዓት) ብምምዕባል ኣብ መንጎ ኣካናውና ህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ምትእምማን ንምህናጽ ዝደፍእ ዝዕላማታቱ

6 ኣብ ስደት ዝርከብ ህዝብና ወዲብካ፣ ጨናፍር ተሓጋገዝቲ ሽማግለታት ኮሚሽን (ሓይልታት ተቓውሞ) ብምቛም ስርሓት ኮሚሽን ኣብ ህዝባዊ ኣቃውማ (ፍሬም-ዎርክ) ከም ዝሙርከስ ምግባር

7  ኣብ ዋዕላ ምስታፍ ምስ ዝቦኾሩ ፖለቲካዊ ውድባትን በርገሳዊ ማሕበራትን ተራኺብካ ብምዝርራብ ሓድነት ሓይልታት ተቓውሞ ንምጉንጻፍ ምእንቲ ንምስታፎም ጻዕሪ ምክያድ

እቲ ኮሚሽን ኣብ ኣጀማምርኡ ንጹር ኣቃውማ (ቅርጺ ሽማግለታት)፣ ኣካናውና (ውክልና)፣ ከም ‘ውን እዞም ኣብ ሀ ንረቛሒታት ኣባልነት; ኣብ ለ ከኣ ንሓፈሻዊ ዕማማቱን ናይ ግዜ ገደቡን (ካብ 1-11/2 ዓመት) ዝምልከቱ ኣቐዲሞም ከም ቅርጺ (ንድፊ) መልክዕ ንተሳተፍቲ እቲ ዋዕላ ብምቕራቡ ሓደ ዓቢ ኣውንታዊ ኣስተዋጽኦ ኢዩ ክበሃል ይከኣል። ስለዚ ኩሎም ኣብ ዋዕላ ዝተሳተፉ ከባቢ 330 ሰባት ብዛዕባ ኮሚሽንን እቶም ዝመረጽዎም ሰባትን ዳርጋ እኹል ዘይጉዱል ሓበሬታ ነይርዎም ማለት ኢዩ፣፣ እቲ ኮሚሽን ቴክኒካዊ ስራሕ ዝዓይ ኣሳላጢ (facilitator) ናይ ምስንዳእ ኣካል ደኣ ‘ምበር ናይ ስልጣን በዓል-መዚ ኮይኑ ዝለዓለ ተጸዋዒ ኣካል ናይ ደንበ ተቓውሞ ኮይኑ ኣይኮነን ብመሰረቱ ዝቖመ።

ንምክትታሉ ክጥዕም እምበኣር ነቲ ዝነበረ ክስተታት ናይ ኮሚሽን ብቅደም ተኸተል የቕርበልኩም ኣለኹ፣-
ይቕጽል

በረኸት ካሕሳይ
ኣባል ቦርድ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ (EYGM-UK)

window.fbAsyncInit = function() { FB.init({appId: 144746305592872, status: true, cookie: true, xfbml: true});};(function() { var e = document.createElement("script"); e.type = "text/javascript"; e.src = document.location.protocol + "//connect.facebook.net/en_GB/all.js"; e.async = true; document.getElementById("fb-root").appendChild(e); }());
  var jcomments=new JComments(1233, 'com_content','http://tig.asmarino.com/index.php?option=com_jcomments&tmpl=component'); jcomments.setList('comments-list');