Home ትግርኛ ኣተኵሮ ንሃገራዊ ዋዕላ በቒዕና ዲና፧

ንሃገራዊ ዋዕላ በቒዕና ዲና፧

Thursday, 08 April 2010 08:54
Print PDF

Conferenceኣብ ቀንዲ ስነ-ጽሑፈይ ቕድሚ ምእታወይ፣ እዚ ጽሑፋዊ ተበግሶይ፣ ንውድባት፣ ንውልቀሰባት ንኪዳን ንምቁንጻብን ንምውንጃልን ዝዓለመ ዘይኮነስ፣ ኣብ ክንድኡ ብቡቁዓትን ውፉያትን ውልቀሰባት፣ ውድባት፣ ሰልፍታት፣ ከምኡውን ብብቁዕ ኪዳን ዝቆመ ደምበ ተቃውሞ ንኽህልወና ካብ ምህንጣይ ዝነቀለ ምዃኑ ክሕብር እፈቱ:: ተስፋ ድማ እገብር ብቕኑዕ መንፈስ ንኽትንበብ::

ሃገራዊ ዋዕላ ክበሃል ከሎ፣ ንኹሉ ግዱስ ዜጋ ንጉዳይ ሃገሩ ብዝምልከት ብዘየማትእ መንገዲ ኣብ መኣዲ ዘተ ኣዓንጊሉ ዘዋስእ መድረኽ ምዃኑ ዘካትዕ ኣይመስለንን:: ከምዚ ምስ ምዃኑ ድማ፣ ሃገራዊ ዋዕላ ንኽካየድ ግቡእ ቅድመ ምድላው ዘድልዮ ጉዳይ ምዃኑ ንማንም ስዉር ኣይኮነን:: ካብ ዝጥለቡ ቕድመ ምድላዋት ገለ ንምጥቃስ እውን:

ሀ* ኣብ ስኒትን፣ ልዝብን፣ ሕድሕዳዊ ምክብባርን ዝተሰረተ ጥጡሕ ናይ ሓድነት ባይታ

ለ* ብዕግበት ኩሎም ኣአንገድቲ ዋዕላ ዝተመርጸት ነጻን ርትዓዊትን ዝኾነት ኣዳላዊት ኮሚተ

ለ* ብሃገራውያን ክኢላታት ብደቂቅ መጽናዕቲ ተነዲፉን ተመሚዩን ዝተዳለወ ናይ ኣጀንዳታት

ስነጽሑፍ.

ሐ* ኣብ ከይዲ ዋዕላ፣ ንባህርያት ኣጋባእቲ ኮነ ተጋባእቲ ዋዕላ ዝቅይድ  ሕጋጋት (rules of

Conduct) ዝሓዘ ጽሑፍን ካልእን እዮም.

ቀንዲ ትኵረት ስነ-ጽሑፈይ እምበኣር፣ ኣብዚ ኣብ ላዕሊ ኣብ *ሀ* ዝተጠቅሰ ረቛሒ ክኸውን እዩ:: ከመይሲ ብወገነይ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ንኽንበቅዕ፣ ኩልና ተጋባእትናን ኣጋባእትናን ካብ ዝኾነ ሕድሕዳዊ ቂመ በቀልን ክልእ ተዛማዲ ስኽፍታታትን ነጻ ክንኸውን ኣሎና ዝብል እምነት ስለዘሎኒ:: ብወገነይ ነዚ ብቕዓት ኤርትራውያን ዝምስክር ናይ ሓድነት ባይታ ምህላዉን ዘይምህላዉን ክልክዕ ኣብ ዝፈተንኩሉ እዋን፣ ዋላ ሓደ ጭቡጥ ነገር ክረክብ ኣይከኣልኩን:: ከም ውጺኢቱ እውን፣ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ እቲ ኣድማዕን ውጽእታውን ሃገራዊ ዋዕላን ናይ ኣዋርሕ ርሕቀት ዘይኮነስ ናይ ዓመታት ርሕቀት ከምዘሎና ክረኣየኒ ክኢሉ:: ነዚ ሃገራዊ ዋዕላ ንምክያድ መሰረታዊ ቅድመ ኩነታውን ዝኾነ ሓድነት ኤርትራውያን ንኽልክዕ ዝወሰድኩዎ ናይ ትዕዝብተይ ድህሰሳ ኣብ ክልተ መዳያት ዘኣንፈተ ነይሩ:: ንሱ ድማ:

ሀ. ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ውድባት ዘሎ ሕድሕዳዊ ዝምድናን

ለ. ኣብ መንጎ ደምበ ተቓውሞን ህዝቢን ዘሎ እቲ ልክዕ ዝምድናን እዩ::

ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኩሉ ዜጋ ዝምነዮን ክዕጠቀሉ ዘለዎን ጉዳይ ሃገር ኮይኑ፣ ብፍላይ ግን ነተን ኣብ ፖሎቲካዊ ቃልሲ ዝኣረጋ ፐሎቲካውያን ውድባት ዝምልከት እዩ:: ዝለዝኾነ እዩ ድማ ሕጂ እውን፣ ናይዚ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሃገራዊ ዋዕላ ኣጋባእቲ ኮይነን ዘለዋ:: ኣነ እውን ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው እየ ሕድሕዳዊ ዝምድና ተቃወምቲ ውድባት ቀዳምነት ሂበ፣ ዝያዳ ክድህበሉ ፈቲነ:: የግዳስ ሕድሕዳዊ ዝምድና ተቃወምቲ ውድባት ዘብርሃለይ ነገር እንተድኣ ሃልዩ፣ ገና ከምዘይተቃዶናን ካብ  ጸቢብ ውድባዊ ኣተሓሳስባታት ከም ዘይተላቀቅናን እዩ:: ካብ እንታይ ተበጊሰ ኣብ ከምዚ ገምጋም በጺሐ ከብርህ ግድን እዩ:: እነሆ ድማ:

እዞም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰልፍን ውድብን ዘልዉ መራሕቲ መብዛሕትኦ ብዕድሚኦም ካብ 60 ዓመት ንላዕሊ ኮይኖም: ናይ ስልጣን ዕድሚኦም እውን እንተውሓደ 40ታት እዩ:: እዚ ማለት ድማ ነፍሲ ወከፍ መራሒ ዳርጋ ምስ ዕድመ እቲ ዝመርሖ ውድብ ወይ ሰልፊ ዝተቐራረበ ዕድመ ስልጣን ኣለዎ:: ኣብዚ ዝተናውሓ ዕድመ ውድባትን ዕድመ ስልጣን መራሕቲ ውድባትን ብስምረቶምን ሓድነቶም እንታይ ዝተበጽሐ ዓወት ኣሎ እንተበልና፣ ባይታ ይመስክር: ዘበት:: ተቃወምቲ ውድባት ግን እንተስ ብጥርኑፍ እንተስ ብጉጅለታት ናይ ምጥርናፍ መለኸት ክነፍሓ ሓያለይ ግዜ ተሰሚዐን እየን:: የግዳስ ተበግሶአን  ከም ናይ ተልመደን መንደቕ ወይ ገና ኣብ መስርሕ ሕንጸቱ እንከሎ በርዒኑ ይተርፍ ወይ እውን ድሕሪ ምዝዛሙ ከይወዓለ ከይሓደረ ክፈራሸኽ ይርከብ ወይ እውን ዝኾነ ኣድማዕነት ከየርኣየ ልሙስ ኣካል ኮይኑ ይተርፍ:: እዚ ጥራይ ኣይኮነን: ነፍሲ ወከፍ ውድብ ወይ ሰልፊ እውን ኣብ ፖሎቲካዊ ንጥፈታታ፣ ኣብ ክንዲ ነቲ ኣብ ቅዋማ ወይ መደብ ዕዮኣ ዘስፈረቶ ዕማማት ዝያዳ ትኵረት ሂባ፣ ንምትግባሩ እትነጥፍ፣ ንመቐናቅንታ ዝኾና ካልኦት ውድባት ወይ ሰልፍታት ብምውንጃልን ብምቝንጻብን ርእሰ-ህላውነታ ንምርግጋጽ ኣብ እተካይዶ ጻዕሪ ትደክም:: ከም ውጽኢቱ ድማ ፖሎቲካውያን ውድባት ኤርትራ ናይ ሓምሳታት ዕድመ ዘለወን እንክንሰን፣ ክሳብ ሕጂ ካብ ናይ ርእሰ-ህላውነት ቃልሲ ሓሊፈን ዘመዝገብኦ ዓወት የለን:: እኳ ድኣ ወግሕ ጸብሐ ናይ ምግምማዕ ባህርያተን ንሓይለን ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንሃገራዊ ሓይሊ እውን እንተኾነ ዘዳኸም ከም ጸሊም ክፋል ታርኽ ክምዝገብ ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይመስለንን::

ምስ ተጋብኦ ሓድነታዊ ጉባኤ ኪዳን ኣብ ግንቦት 2008፣ እቲ ኣብ መንጎ ውድባት ሰፊኑን ሰሲኑን ዝነበረ ሕድሕዳዊ ጎንጺ መኸተምታ ተገርሉስ፣ ውድባትናን ሰልፍታትናን ነፍሰን ኣመዓራርየን፣ ብሓዲሽ መንፈስ ተወዲበን፣ ብኣላይነት ኪዳን ብምሕዝነትን ስኒትን ንክሰርሓ፣ ተስፋ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ እዩ ነይሩ:: እዚ ግን ሕጂ እውን ገና ዘይተጨበጠ ተስፋ እዩ:: ውድባትና ነንሕድሕደን ኣብ ምውንጃል ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ሕድሕደን እውን ብረት ከምዘቅንዓን ክሳብ ናይ ኢትዮጵያ ጸጥታ ምትእትታው ከምዝተገብረለንን፣ ንህልው ህይወትን ጕዕዞን ውድባትና ንዝከታተል ዜጋ ሕቡእ ምስጢር ኣይኮነን:: እዙይ ተርእዮ እዚ ቅድሚ ኪዳን ምምስራቱ ቅድሚ ሓድነታዊ ጉባኤ ኪዳንን ዝጸንሐ ነባር ሕማም ውድባትና ኮይኑ፣ ድሕሪ ድሕሪ ሓድነታዊ ጉባኤ ኪዳን እውን ከም ደግሲ ዝቕልቀል ዘይኮነስ፣ ከም መድሃኒት ዝተሳእኖ ሕማም ካንሰር ዝቕጽል ዘሎ ጉዳይ እዩ::

ሓድነታዊ ጉባኤ ኪዳን እውን እንተኾነ ንባዕሉ፣ ኣንጻር ትጽቢታትና፣ ነዚ ሕማም እዚ ዘግሃደ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ:: ኣብ ኣንነትን ጸቢብ ውድባዊ ኣተሓሳስባን ዝደረቁ ገለ መራሕቲ ውድባት፣ ኣብቲ ጉባኤ ብሕጊ ዘይተዓደልዎ ቐውፋዊ ሓይሊ (veto power) ወኒኖም ብምእታው፣ ወይ ኣነ ዝበልኩዎን ኣነ ዝደለኹዎን ይኹን፣ ወይ እውን ኩሉ ኮንቱ ይኹን ንኽብሉ ድሕር ኣይበሉን:: እቶም ተጋባእቲ ናይቲ ጉባኤ እውን፣ ነቲ ሓልዮት ሓድነትን ሃገራውነትን ዝሰኣነ ዘይሕጋዊ መርገጺ ናይቲ ውድብ፣ ሕጋዊ መዓልቦ ክገብሩሉ ኣይከኣሉን:: ከም ውጺኢቱ፣ እማመ ሓድነት ውድባት ኣብ ዕለተ ጉባኤ በርዒኑ ናይ ምትራፍ ስግኣት ስለዘንጸላለዎ፣ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ብዘርኣዮ፣ ናይ መሰላቱ ተበጃውነት፣ ኪዳን ነቲ ተገቲሩ ዝጸንሐ ማሕለኻ ብምስጋር ጉባኤኡ ብዓወት ከቃንዕ ኪኢሉ:: እዚ ስጉምቲ እዚ ግን ሓድነታዊ ጉባኤ ኪዳን ፈሺሉ ከይተርፍ መፍቲሒ ነይሩ እምበር፣ ውድባት ኤርትራ ዋላ ብኪዳነ ተጠርኒፈን ሰሚረን ንኽሰርሓ ፍታሕ ኣይነበረን:: ንዘይሕጋዊ መርገጺ ሕጋዊ ግብረ መልሲ ብምውሳድ ግቡእ መአረምታ ክግበረሉ ነይርዎ:: እቲ ደምዳሚ ነጥቢ ግን፣ ውድባትና ብኪዳን መልክዕ ተጠርኒፈን ንኽነጥፋ እውን እንተኾነ  ብልዝብን ስኒትን ዘይኮናስ፣ ብሸርሕን ውዲትን ከምዝተቀራረባ እዩ::

ተላዚብካን ሰሚርካን ብሓድነት ናይ ዘይምስራሕ ሕማም ግን ኣብ ውልቐ ውድባትን ውልቐ ሰልፍታትን ዝተሓጽረ ኮይኑ ኣይተረፈን:: ዋላ እቲ ሃገራዊ መርሆ የምጽ ይኸውን ተባሂሉ ብኹሉ ኤርትራዊ ዓቢ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኪዳን እውን እንተኾነ፣ ካብዚ ሕማም እዚ ፈልከት ኢሉ ክገላገል ኣይከኣለን:: ኩነታት ኪዳን ነቲ ብጻይ ወልደሱስ ዓማር ኣብ ናይ ፓልቶክ መደረኡ ካብ ድኹማት ውድባት ሓያል ኪዳን ኣይቀውምን እዩ ክብል ዘስመረሉ ነጥቢ ናይ ጭብጢ መርትዖ ኮይኑ ይርከብ:: ከም ስነ-መጎተ (ሎጂክ) ኣቶ ወልደሱስ ዓማር ግን እቲ ትጽቢት ብኹሉ መዳያቱ  ምህሙን ክኸውን ኣይነበሮን:: ዋላ ምስ ጸቢብ ዕድላቱ እውን እንተኾነ ካብ ድኹማት ውድባት ሓደ ሓያል ኪዳን ናይ ምምስራት ተኽእሎስ ክህሉ ነይርዎ በሃላይ እየ:: እዚ ግን ካብቶም ልዕሊ 25 ዝኾኑ ናይ ኪዳን ባይቶ፣ ዋላ 1/5 (ሓደ ሕምሲት(  እውን ይኹኑ፣ ካብ ናይ ኣንነት ሕማም ድሒኖም: ንህዝቦምን ሃገሮምን ተወፊዮም ዝቃለሱን ምስ ዝኾኑ ማለት እዩ::

ኪዳን ንከይዲ ሓድነታዊ ጉባኤኡ ምስ ዘንብብ፣ እቲ ጉባኤ ንኪዳን ኣብ መስርሕ ጉዕዞኡ ብቀዳምነት ክዓሞ ዘሰከሞ ዕዳ ነይሩ:: ንሱ ድማ ነቲ ኣብ ጉባኤ ምስረታ እውን እንተኾነ ጕሂሩ ዝተጋህደ: ኣብ መንጎ ውድባትን ሰልፍታትን ዝጸንሐን ዘሎን ምርሕሓቅ ከጽብብ ከምዘለዎ፣ እንተዘይኮይኑ ግን ኣብ መስርሕ ቃልሱ ከምዘይዕወት እዩ ነይሩ:: ምስዚ ብምትእስሳር ኪዳን ካብ ሓድነታዊ ጉባኤኡ  ክሳብ ሎሚ ለይቲ ካብ ዕማማቱ ኣበየኖት መዳያት ተዓዊቱ ኣበየኖት መዳያትከ ፈሺሉ ይርከም ኢልካ ናይ ምሕሳብን ምሕታትን ጉዳይ፣ ንነፍሲ ወከፍ ግዱስ ኣንባቢ ዝግደፍ ኮይኑ፣ ብናተይ ርኢቶ ግን ምናልባት እዞም ዝስዕቡን ካልኦትን ኣብ ደምበ ተቃውሞ እንተዘይፍጠሩ ነይሮም ኪዳን ዕዉት ስጉምትታት የካይድ ኣሎ መተባህለ::

  1. ብ28 ሓምለ 2009 ኣብ መርበብ ሓበረታ ኣልናህዳ፣ ብኣባል መርሕነት ኤርትራዊ እስላምዊ ሰልፊ ዝኾነ፣ ሸኽ ኣሕመድ ሳልሕ ቱርኪ ዝተጻሕፈት ኣነዋሪት ጽሑፍቲ፣ ሕቛፍ ኪዳን ንዝኾና ሰልፍታትን ውድባትን ናይ ክርስትያንን ናይ ከበሳን ኢላ እትጥቅን፣ ኣብ ክንዲ ሓባሪት ፈላላዪት ዝኾነት ጽሕፍቲ ዕላዊት ኮይና ኣብ መርበብ ሓበረታ ካብ ምውጽኣ ዝገደደ፣ ብዝምልከቶም ኣካላት ማለት ብፍላይ ብኪዳን ዕላዊ ዝኾነ ሕጋዊ ግብረ መልሲ ዘይምርካባ:: ምኽንያቱ ኪዳን ብሓቂ ንሓድነት ውድባትን ሰልፍታትን ዝጽዕር እንተኾይኑስ፣ ንዕላምኡ ዝጻባእ ተርእዮ ከጋጥም ከሎ፣ ንሱ እዩ ብቀዳምነት ስጉምቲ ክወሰድ ዘለዎ::
  2. ኪዳን ኣብ ዕማማቱ ዘንጊዑ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኪዳን ተኪኡ ብዕለት 31 ሓምለ 2009 ንባይቶ ኪዳን ኣኪቡ ብዛዕባ እዚ ክርስትያንን ኣስላምን ከበሳን መታሕትን ዝብል ፈላላዪ ኣምር፣ ምኽርን ተግሳጽን እንተዘይህብ ነይሩ::
  3. ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2009 ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ካብ ምፍንጫሉ ዝገደደ ኣብ ሕድሕድ ብረት ምቅንዖም እንተዘይውዕልዎ ነይሮም: ካብ ኮነ ድማ ኣብ ክንዲ ምትእትታው ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምትእትታው ኪዳን ዓዚዙ ተረኺቡ ነይሩ እንተዝኸውንን፣ ሰላማዊ ፍታሕ እንተዝግበረሉን::
  4. ኪዳን ነቲ ካብ 9-10 ሕዳር 2009 ኣብ ብራስለስ ኣብ በልጁም ኣብ ዝተቓንዐ ሃገራዊ ኮንፈረንስ ናይ ዘይምዕዳሙ ጌጋ ሰበብ ብምግባር፣ ኣብ ክንዲ ንኣዳለውትን ተዓደምትን ዝኹንንን ዝውግድን ስጉምቲ ብምውሳድ፣ ንምርሕሓቅ ተቃውምቲ ውድባት ኣብ ክንዲ ዘጋድድ፣ ንተበግሶ ግዱሳት ሃገራውያን ድማ ኣብ ክንዲ ዘደስክል፣ ኣራምን ሃናጽን ስጉምቲ ብምውሳድ ሰጊርዎ እንተዝኸውን ነይሩ፣ ካብ ዘይገበሮ ግን
  5. ነቲ ኣቦ መንበር ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ብጻይ ወልደሱስ ዓማር መሰለይን መሰል እቲ ኣነ ዝውክሎ ስልፍን ብኣቦ መንበር ፈጻሚት ኪዳን ብጻይ ተወልደ ገብረስላሴ ብዘሕለፎ ናይ ምኹናን ምውጋዝን ውሳኔ ተገፊፉ እዩ እሞ፣ ኣነን ኣነ ዝውክሎ ሰልፍን ከም ኣባላት ኪዳን መጠን፣ ካብ ባይቶ ኪዳን ሕጋዊ ፍታሕ ይጠልብ ክብል ብዕለት 17 ሕዳር 2009 ዘቅረቦ ሕጋውን ዕላውን ጥርዓ ብምስማዕ ሕጋዊ መልሲ ክህበሉ ዘይምኽኣሉ::
  6. ቅድሚ ኩሉ ግን ኪዳን ኣብ ሓድነታዊ ጉባኤ ዝተኸስተ መሰናኽል ብተበጃውነት ናይ ሓንቲ ውድብ ዘይኮነስ፣ እንተተኻእለ ከምቲ ኩለን ዝተሰማማዓሉን ዝተመባጽዓሉን ብልዝብን ስምምዕን፣ ኣይኮነን ድማ ብሕጋዊ መፍትሒ ተሰጊሩ ነይሩ እንተዝኸውን፣ ሎሚ ዕዉት ሃገራዊ ዋዕላ ከካይድ ዝኽእል ኪዳን ጥራይ ዘይኮነስ ሃገር ክመርሕ ዝኽእል ኪዳን ኣሎና ኢልናውን መተነየትና ነርና::

ብኪዳን ደረጃ ኾነ፣ ብውድባትን ሰልፍታትን ከምኡ እውን ብውልቀሰባት ደረጃ እቲ ክውንነት እዚ እንክንሱ እዩ እምበኣር፣ ኪዳን ንሃገራዊ ዋዕላ ጻውዕት ገይሩ: ምድላዋቱ የካይድ ዘሎ:: ከም ውሳኔ ጲላጦስ ”ዘተጻሕፈ ተጻሕፈ” እቲ ዝተጻሕፈ ተጻሒፉ እዩ፣ እሞ ንኽትግብርዎ እንተዘይኮይኑ ንኽትመምይዎን ክትመዝንዎን ዕድል የብልኩምን ብዝል መንፈሱ መለኸት ዝእወጅ ዘሎ:: ክምለስ ዘለዎ ሕቶ ግን ኣሎ:: ሃገራዊ ዋዕላ ንመን ሒዝካ ጥራይ ዘይኮነስ ሃገራዊ ዋዕላ እንታይ ሒዝካ እውን እቲ ቀንዲ ሕቶ እዩ:: ካብ ድኹማት ሰልፍታትን ውድባትን ሓያል ኪዳን ክህሉ ዘይሕሰብ ካብ ኮነ እምበኣር፣ ኣይ ካብ ምቹእ ባይታ ኣይ ካብ ብቁዕ ሓይሊ ሰብ እውን ኣድማዒ ሃገራዊ ዋዕላ ክካየድ ትጽቢቱ ምህሙን እዩ:: ዓይነቱን ብቅዓቱን ብዘየገድስ፣ ኣሜን ኢሉ ንዝተሳተፈ ኣባል ዘሳትፍ ሃገራዊ ዋዕላ ምክያድ ግን፣ ንኣድማዕነቱ ብተኣማንነት ዘይኮነስ፣ እንተተመሰለልና እውን ኣይፍልጥንዩ ኢልካ ዝግደፍ ጉዳይ እዩ::

 

ኣቀዲመ ከምዝበልኩዎ፣ ካልኣይ ቆላሕታይ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ፖሎቲካውያን ውድባትን ህዝቢ ኤርትራን ዘሎ ምቅርራብ እዩ ነይሩ:: ከም ሕልማዊ ባህጊ ”ኣየ እዘን ብቁጽረን ልዕሊ ደርዘን ዝቁጸራ ውድባትን ሰልፍታትንሲ፣ ካብዚ ኣስታት 4,000,000 (ኣርባዕተ ሚልዮን) ዝቁጸር ህዝቢ ኤርትራስ፣ ዋላ ኩለን ብድምር ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ 4,000 ዝግመት ጽፉፍ ቁጽሪ ኣባል እንተዝውንናስ፣ ዝኣክል ሓይሊ ሰብ ምሃለወን ኢለ ብሂገ. ኣብዚ ኣባል ክብል ከሎኹ፣ ከምቲ መራሕቲ ዝተፈላለዩ ውድባትን ሰልፍታትን ንፕሮፓጋንዳዊ ነፍሒ ንኽጥቀሙሉ፣ ንህልውን ዘይህሉውን ደማሚሮም፣ ኣባልና እዩ ኢሎም ዝምድሩሉ ኣይኮነን ቆጺረ ዘሎኹ:: እንታይ ድኣ፣ ነቲ ብግቡእ ናይ ኣባልነት ቅጥዒ ኣማሊኡ፣ ብመምሪሒታት ዝኣምነሉ ሰልፉ ወይ ውድቡ ተማእዚዙ፣ ንትግባረን ዓወትን ዕላማታቱ ነጢፉ፣ ንዝንቀሳቀስ ማለተይ እዩ:: ሓደ ዘገርም ሕቶ ግን ኣሎ:: እቲ ኣብ ደምበ ተቃውሞ ዝተመዝገበን ዘይተመዝገበን፣ ነቲ ብዓል ጸቢብ ረብሓ ዝኾነ ገዲፍካ ማለተይ እዩ፣ ንስርዓት ህግዲፍ ዝቃወም ካብ ኮነ፣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ሰፊኑ ዘሎ ናይ ግፍዕን ጭቖናን ኩነታት እውን ዝውግድ ካብ ኮነኸ፣ ተቐራሪቡ ብሓባር ዘይቃለሰሉ ምኽንያት እንታይ ኣሎ ዝብል ሕቶ እዩ::

ተቃወምቲ ውድባት እውን ነዚ ጉዳይ እዚ ዘይተገንዘባኦ ኣይመስለንን:: ጠንቁ ፈሊጠን መአረምታ ክገብራሉ ግን ወይከ:: እታ እንኮ ጻውዕት መንእሰይ ኣብቲ ዘካይድኦ ሃገራዊ ቃልሲ፣ ብዓብላልነት ክሳተፍ ከምዘለዎ እዩ:: መንእሰይ ኤርትራ ግን ምስ ዝኣምነሉ ፖሎቲካዊ ሓይሊ፣ ይትረፍስ ነዚ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት መነባብሮኻ እንዳኣካየድካ ዝግበር ቃልሲ፣ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተኻየደ ናይ ህይወት መስዋእቲ ከይተረፈ ዝሓትት ቃልሲ እውን፣ ኣብቲ መጀመርታታትሲ ብፍቶቱ እዩ ተጸምቢርዎ:: ድሒሩ ግን ኢሰብኣዊ ባህርያት ህግዲፋውያን ንመንእሰይ ስለ ዘለበሞ፣ ከም ቀዳማይ ናይ ተቃውሞ መርገጺኡ፣ ዕድል እንተረኺቡ በብእዋኑ ራሕሪሕዎ ክህውተት ይረአ ኣሎ:: ከም ካልኣይ ሰጉምቱ ክወስዶ ዝነበሮ ድማ፣ ተቃሊሱ ዘቃልስ እሙን ሃገራዊ ሓይሊ ምስ ዝረክብ፣ ኣብ ጎኑ ተሰሊፉ ብምቅላስ፣ ነቲ በላዒኡ ዝኾነ ስርዓት ብምእላይ ዋና ዝተበጀዋ መሬቱ ክኸውን እዩ ነይሩ:: ኣብ ደምበ ተቃውሞ እዚ ዕድል እዚ ምስተሓረሞ እዩ ድማ፣ መንእሰይ ኤርትራ ገሊኡ ካብ ሃገራውነቱ ደስኪሉ፣ ኣመት መነባብሮኡ ዝገብር ዘሎ፣ ገሊኡ ድማ ካብ ተቃውምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ተኣልዩ፣ ብሓቦ ናይ ገዛእ ርእሱ ምንቅስቃሳት ከካይድ ዝረአ ዘሎ::

ኣብታ ሕቶይ ክምለስ:: ኣብ ኣብሃህላ እንግሊዛውያን ”ናይ ጸላኢየይ ጸላእስ ዓርከይ ይበሃል” (the enemy of my enemy is my friend):: ንሕና ግን ልዕሊ ናይ ሓባር ጸላኢ፣ ናይ ሓባር ሃገር፣ ናይ ሓባር ህይወት፣ ናይ ሓባር ዕላማ፣ ናይ ሓባር ረብሓ፣ ናይ ሓባር ባህጊ፣ ወዘተ ዘሎና ሰባት እንክንስና፣ ሰለምታይ ንበዳሂ ኩነታትና ሰሚርና ክንገጥሞ ዘይከኣልና፧ መልሱ እምበኣር ብሩህ እዩ:: ንሱ ድማ ኣብ ደምበ ተቃውሞ ንሃገራውያን ኣአንጊዱ ዘቃልስ ቅዱው ባይታ ስለዘይተራኽበ እዩ:: ከምቲ ኣብ ብሂልና ”ክሰርቀኒ ንዝረአኹዎስ ክህበንን ነይኣምኖ” ዝበሃል፣ መንእሰይ ኤርትራ እውን ከምኡ፣ ኣብ ደምበ ተቃውሞ ቁልሕ ኣብ ዝበለሉ እዋናት፣ ሰልፍታትን ውድባትን ክበኣሳን ክመናጨታን ክካሰሳን ጥራይ ስለዝዕዘብ፣ ብሓደ ወገን ንርእሶም ዘይከኣሉዶ ንዓይ ከአንግዱ ኢሉ፣ በቲ ካልእ ወገን ድማ ካብ ህግደፋውያን ዘሕይሽ ባህርያትከ እንታይ ኣለዎም ብምባል፣ ከምቲ ኣብ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ደምበ ተቃውሞ እውን እምነት ዝበሃል ኣጥፊኡ፣ እምቢትነቱ ብልኡምነት ክገልጽ ይርከብ ኣሎ::

እዚ እዩ እምበኣር እቲ ውድዓዊ ኩነታት:: እታ ንሃገራዊ ዋዕላ ብዝምልከት እተሻቅል ሕቶ እምበኣር፣ ሕጂ እውን ኣብ ቦታኣ ኣላ:: ንመንን እንታይን ሒዝካ ሃገራዊ ዋዕላ? ኣብ መወዳእታ ጽሑፈይ ኪዳን ሃገራዊ ዋዕላ ከካይድ ጥራይ ካብዝግደስ ኣድማዒ ሃገራዊ ዋዕላ ንኸካይድ ንኽግደስ እላቦ:: እኹል ግዜን ተኽእሎታትን ከምዘሎ እውን ክሕብር እፈቱ::

 

መድሃኔ ሃብተዝግሂ