ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብወገን ኢትዮጵያ ዶብ ኪሰግሩ ረኺበዮም ዚበሎም ክልተ መንእሰያት ከምዝረሸነ ምንጭታት ሓቢሮም።

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብወገን ኢትዮጵያ ዶብ ኪሰግሩ ረኺበዮም ንበሎም፡ ተድሮስ ተኽለ ከምኡ ውን የማነ መሓሪ ዝተባህሉ ክልተ ደቂ ዓዲ ዃላ ከምዝረሸነ፡ ካብ ሞት ኣምሊጡ ሓደ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወ መኻይዶም ሓቢሩ።

እቶም መንእሰያት ናብ 16 መጋቢት ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ሸውዓተ ሩባ ዝተባህለ ቦታ እንዳዝማች ዑቕቢት እዮም ተረሺኖም።

እቶም መንእሰያት ብጠቕላላ ኣርባዕተ እዮም ነይሮም። እቲ ሓደ ሃዲሙ ኢትዮጵያ ክኣቱ ከሎ፡ እቲ ራብዓዮም ድማ ብልኡኻት ስርዓት ህግደፍ ተታሒዙ ኣብ ማእሰርቲ ይርከብ ኣሎ።

እቲ ጨካን ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ሃገሮም ቀሲኖም ከይነብሩ ኩርኳሕ ኮይኑ፡ ኮኒኑዎም ኳ እንተሎ፡ ብወገን ምዕራብ (ሱዳን) ራሻይዳን ተሓባበርቶምን ከም ድላዮም ዝጨውዩሉ ነጻ ቦታ ብምኽፋት፡ ብወገን ኢትዮጵያ ድማ ብቐጻሊ ክርሽኖም ይረአ።

source http://assenna.com/