ናይ ዝተረሸኑ ዜጋታት ቁጽሪ ይውስኽ ኣሎ

Sunday, 17 May 2009 20:31
E-mail Print

ብምኽንያት ስግረ-ዶብ ናይ ዝተረሸኑ ዜጋታት ቁጽሪ ይውስኽ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።

ጸረ-ህዝቢ ስርዓት ህግደፍ፡ ስግረ-ዶብ ክትከዱ ሓሲብኩም ብዝብል ምስምስ ናይ ዝርሽኖም ዘሎ ዜጋታት ቁጽሪ ይውስኽ ከምዘሎ ተሓቢሩ። ዕጡቓት ናይ ውደባን ፕሮፓጋንዳን ኣሃዱታት ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ ህደግኤ፡ ኣብዚ ቅንያት’ዚ ናብ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ክፈለ ሰራዊት 31 ኣብ ከባቢ ፎሊና ናይ እትንቀሳቐስ በርጌድ ኣዛዚ ዝኾነ ገብረማርያም ኣርኣያ (ወዲ ኣርኣያ) ዝተባህለ ኣዛዚ በርጌድ፡ ንፊልሞን የሕደጎ ተካ ዝተባህለ ኣባል ሰራዊት፡ ስግረ ዶብ ክትከይድ ሓሲብካ ብዝብል ምኽንያት ከም ዝረእሸኖ ተፈሊጡ ኣሎ። ብዜካ’ዚ ተኪኤ ገብራይ ዝተባህለ ኣዛዚ በርጌድ ማይ ሽኻ ዝዓዱ ምስግና ዘምካኤል ንዝተባህለ ዜጋ ብተመሳሳሊ ምኽንያት ከምዝረሸኖ፡ ዕጡቓት ናይ ውደባን ፕሮፓጋንዳን ኣሃዱታት ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ ዝለኣኹልና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

 

ድ.ሰ.ደ.ኤ ዕለት 18.05.2009