} --> ? include("header2.php") ?>

Tewolde Eyob

Similar to the 11 former government ministers and EPLF leaders (G15) who were  arrested 2001, Tewolde Eyob was arrested, in 1975 without having committed any crime.   Tewelde was arrested as a result of a conspiracy by Mesfin Hagos and Solomon W/Mariam after he disagreed with them and other members of the EPLF leadership over the arrest of the ringleaders of Menka . Tewolde who split from the ELF in 1969  said that in terms of respect for justice he could not see any difference between the ELF and EPLF leaderships. Consequently  he, too, was  arrested and   executed in 1980.

Meharena Hadgu who was a former   prisoner  described Tewelde Iyob and  the circumstance how was he arrested  in the following  words

Tewelde Iyob said let us democratically solve the situation. When it was said this movement was destructive, Tewelde said no, this is a conflict only not a destructive one and we can lead them to the right way, it is not a criminal charge, but was said he too was against Shabia and eliminated.

The Menka movement started in September and Isayas talked of it in January. A paper is lost written by Tewelde Eyob "at Adobha meeting we claimed our youth were killed and we condemned the ELF. This will be our everlasting condemnation, the case must met democratically changed." He was charged to becoming Menka and secretly demoted from top leadership post. He was imprisoned in June or July of 1974 and killed like the Menka. We all knew he was killed. Nothing is kept secret forever. Some secrets are known from leaders.

Imprisoned at Gerger, Arag and other places in Shale area between 1976-1980 and executed in 1980 at Arag

Mekonnen Ande Michael (2010) provides more informationon the conspiracy of arresting Tewelde Iyob. In his article [ወፊሮም ገዝኦም ዘይተመልሱ (ካልኣይ ክፋል)መስፍን ሓጎስ መን’ዩ? ] the author states that ... ሓደ ተወልደ እዮብ ጥራይ ከኣ እዚ ሕቶ ቅኑዕ ሕቶ እዩ ብምባል። ወተሃደራዊ ጉባኤ ይገበር መሪሕነት ይመረጽ ሰብ ሰስርሑ ይፍለጥ ዝብል ርእይቶ ኣቕረበ። በዚ ምስ ኢሳያስ ስለ ዘይተሰማምዑ፤ኢሳያስ ነቶም ሰለስተ መሪሕነት ማለት ንመስፍን ሓጎስን፤ ሰለሙን ወልደማርያምን፤ ኣስመሮም ገረዝጊሄርን፤ ንበይኖም ኣኪቡ ተወልደ እዮብ ጉባኤ ዝብል ዘሎ ጀብሃ ንወጻኢ ልኢኻ ኣሰልጢናቶ እያ። ወተሃደራዊ ኪኢላ እዩ፤ ንስኻትኩም ግን ግድምና እንተ ዘይኮይኑ ብወተሃደራዊ ይኹን ብኣካድይምያዊ ትምህርቲ የብልኩምን። ኣብ ጉባኤ ምስዞም ተመሃሮ ክትወዳደሩ ኣይትኽ እሉን ኢኹም። ረኣይዎም ዘርእይዎ ዘለው ወተሃደራዊ ምትዕጽጻፍ፡ንስኹም ደቂስኩም ኢኹም ዘለኹም።  ውሽጣዊ ጎንጽኩም ገዲፍኩም ምስዞም ተመሃሮ ተቋራቖሱ ኢሉ ዓረ ቖም።readmore

ሰባት ክሕስዉ ይኽእሉ እዮም
ታሪኽ ግን ኣይሕስውን እዩ።

ጓል ሓፍቱ ንስዉእ ጅግና ተወልደ እዮብ።
ስድራና ተበቲና ኣኮታተይ 5 እዮም ተሰሊፎም ንስለ ስድራናን ስለ ኩሉ ህዝብን ንህና ግን ዓስብና ኣይረኸብናን ፈቐዶ ስደት ተጓሒፍና ኣለና።

ጓል ሓፍቱ ንስዉእ ጅግና ተወልደ እዮብ

ጅግና ማለት ንዓይ ከም ተወልደ ኢዮብ'ዩ።
ኣብ ክንዲ ሓቅን ርትዕን፥ ኣብ ክንዲ ሰብን ሰብኣውነትን ኣብ ክንዲ ፍትሕን ነጻነትን፥ ደው ኢሉ እታ እንኮ ዝውንና ሂወቱ ምእንቲ ሓቅን ርትዕን ዝውፊ።
ኣብቲ ኣብ 1973 ሕቶ ምንቅስቃስ ገስገስቲ ምሁራት "መንካዕ" ዝተላዓለሉ! ጅግና ተወልደ ኢዮብ ሓደ ካብቶም 5 ኣባላት መሪሕነት'ዩ ዝነበረ፥ ይኹን እንበር ዘይከምቶም ካልኦት ብኢሰያስ ርዒዶም፥ ኣሕዋቶም፥ ዝቐትሉ፥ "መንካዕ" ክርሸኑ ኣለዎም፡ምስተባህለ፥ ሓደ ካብቶም፡መሪሕነት ዕጭ ንዓመጽ እንቢ ንጭቆና ኢሉ፥ ኩቡር መስዋእቲ ዝተሰውአ "ስዉእ" ኣርሓ ናይ ጀጋኑ ተወልደ ኢዮብ ጥራይ'ዩ ዝነበረ።
ሕቶ መንካዕ እንታይ'ዪ? ብሓቂ ድዮም፡ኣንጻር ሰውራ ተላዒሎም፡ወይስ፥ ፍትሕን ዲሞክራስን ግልጽነትን'ዮም፥ ጠሊቦም፥ ንጉዳዮም ትርኢ ኮሚተ ተመዘት፥ ብወልደምካኤል ሃይለ ተመሪሓ ድማ፥ ምጽራይ ገበረት' ይኹን እንበር "ቅንጣን" ውን ትኹን ገበንስ ክርከቦም' ብኣንጻሩ'ኳዳኣ ሕትኦም፡ቁኑዕ ኔሩ፥ እታ ብወልደምካኤል ሃይለ ተመሪሓ፥ ጉዳዮም ዘጻረየት ኮሚተ ድማ ንሕቶ መንካዕ "ቁቡል" ገበረቶ።

በዚ ጉዳይ ዘይትሓጎሱ ኢሰያስን ኮራኹሩን፥ ድማ ካልአይቲ ኮሚተ ንጉዳዮም ትርኢ ትውጻእ በሉ'ሞ! ብብዓል ብጻይ ጎይትኦም ዑቅበ ኣብርሃ ትምራሕ ኮሚተ ድማ፡ተመዘት፥ እዚኣ፥ ውን ንሕቶ መንካዕ "ቁቡል" ገበረቶ። ነዚኣ-ውን ስለዘይዓገቡላ፡ኢሰያስ ምስኮራኹሩ፥ ብመሪሕነት ዝተመዘት ብኢብራሂም ዓፋ ትምራሕ ኮሚተ ወጺኣ-ድማ ንመንካዕ፡ንሞት ፈረደቶም።
ኣብዛ ሳዓት' እዚኣ ድማ ካብቶም 5 ኣባላት መሪሕነት ጅግና ተወልደ እዮብ፥ ኣንጻር ኣካይዳ ኢሰያስ ደው ብምባል፥ "ኣነ ካብ ጀብሃ ዝተፈለኽሉ ቀንዲ መኽንያት ምኽታልን ምሕራድን ጸሊአ'የ ኣብዛ ባዕለይ ዝመስረትክዋ ውድብ ድማ ምቕታልን፡ምቕንጻልን፡ኣየፍቅድን" ብምባል ኣንጻር ኢሰያስ ደው በለ፥ ከምቶም፡ንሓቅን ርትዕን ዝሓለፉ፡ብጾቱ "መንካዕ" ድማ ንሓቅን ርትዕን' ብኢሰያስን ሰለሙን ወልደማርያምን" ተቐትለ።

መቸም ኢሰያስ ከም፡ኮንዶም ተጠቂሙ ከምዝጉሕፈካ ማንም፡ኤርትራዊ ዝፈልጦ ሓቂ'ዪ። ንሰለሙን ወደማርያም ድማ ብጎቦ፡ዓይኑ ክጥምቶ፥ ጀመረ'ሞ "ስሕለት ካራ" ኢሰያስ ከምዘይትንሕፎ ዝፈለጠ ሰለሙን ድማ ነብሰይ ኣውጽኒ፥ ናብ ሱዳን ሃዲሙ፡ናብ ዓርኩ ናብ ኣቦይ ሃብተማርያም ትሓብአ። ሻቡ ግዜ ኢብራሂም ዓፋን ሮሞዳን ምሓመድ ኑርን" ሻዓ'ሎም፡እግሩ ብምኽታክ ድማ ኣብ ካርቶም፡ከተፍ በልዎ!።

"ንዓናይ ምሳና ክንወስደካ ኢና መጺና" ኣጆኻ ኣይትፍራሕ እንተበልዎ፡ድማ ሓወኒ-ጠባይ ኢሰያስ ግዲ ረሲዕዋ ከምዛ ህጻን ቆልዓ ጠቢሮም፡ወሰድዎ'! ናብ ሰውራ ድሕሪ ምምላሱ ድማ' ኢሰያስ ንኽቕተሉ ኣዋህሊልዎም ንዝነበረ ከም ብዓል እንዲ ጸጋይ ቀሺ ሓዋዊሱ ንሰለሙን ድማ- "የሚን" ብምባል ምስ ብጸቱ፥ ኣሕቀቆም።

ኣብዚ ከበርህ ዘለዎ ነገር ግን- ኢሰያስ ንየሚን ክቐትሎም ከጥፍኦም ስለዝደለየ ጥራይ'ምበር፥ "የሚን" ካብ ናይ ኢሰያስ ስነ-ሓሳብ ዝፍለ ኣትሓሳስባ ኣይነበሮምን፣ ዝኾነ ዘቕረብዎ' ሕቶ ኣይነበረ።

ኪዱናይ- ሰለሙን፡ወልደማርያም ዓርኪ ተወልደ ኢዮብ ከምዝነበረ ኣብ "ጀብሃ" ማለተ'የ፥ ነባራት ተጋደልቲ ይዛረቡ'ዮም።
ሕማቕ ሳእንኻን ስነፍ ሰበይትኻን ኣብ ግዜ ጸገምካ ይጠልሙኻ" ከምዝብሃል ግን ብቁሞቱን በቲ ገልዳም ጠባዩን ግዲ፡ንኢሰያስ ኣፍቂሩ' ንተወልደ ኢዮብ ጠሊምዎ ዘይኮነ፡ንኽቕተል' ከንዲ ላዕልን-ታሕትን ዝብል ዝነበረ ዋና ኣዳኻሪ ኢሰያስ ሰለሙን ወልደማርያም ምንባሩ'ክፍለጥ፥ ይግባእ!።

መደምደምታ!
ኣብ ሓንቲ ዝነቐዘት ካሻ እክሊ-ንዘርኢ' ዝኸውን ሓደ-ክልተ ንጥር እኽሊ፡ከምዘሎ፡ትፈልጡ ትኾኒ!
ኣብታ ብሽፍትነት ዝበስበሰት ህ-ግ-ሓ-ኤ ድማ ከም ብዓል ተወልደ ኢዮብ' ሓደ ክልተ ጀጋኑ ምህላዎም፥ ክንርዳእ ኣለና።

ሓውኹም
ሄኖክ፡ተኻሊ

15 May
  · 
ኣያይ እንታይ ነገሩ
ሕሹኽ በል እንታይ'ዩ ምስጢሩ
ተሰዊኡ ይብሉ ፡ ሬሳካ ከም ዝቐበሩ
ገለ'ውን ይብሉ ፡ ኣሎ ተኣሲሩ
ኣብ ሸላ በይኑ ተቐቂሩ
ሓለውትካ ከምዝነበሩ
መንግስተ ሰማይ የዋርስካ ፡ ከይብል
ስኢነ ቐቢረዮ ዝብል
ንህዝብካን ስድራካን ዝነግር
ንሓቂ ዝምስክር
ከምቲ ትንሳኤ ክርስቶስ ካብ ምዉታን
ንስኻ'ውን ተትወጽእ ካብ ኡሱራን
ክቕየር እቲ ሂወትን ናብራን
ዓለም ሓወልቲ ክትተኽለልካ ክንዲ'ኽራን
ክትመርሐን ኣፍሪቃን ኤርትራን
ተስእ ካብ ምዉታን ፡ ውጻእ ካብ ኡሱራን
ዉሉድካ ሰናይ 15/05/2020
Nb ፡ ስእሊ
Hermon Debesay

መስፍን ሓጎስን ተወልደ እዮብን ካብ'ቶም 5 ኣባላት ፈጻሚት መሪሕነት ህዝባዊ ሓይልታት ዝነበሩ እዮም።ይኹን ደኣምበር መስፍን ብዛዕባ ሃለዋት ኣጠፋፍኣን ተወልደ እዮብ ብጩቕ ኢሉ ክዛረብ ፍቓደኛ ኣይኮነን፡ብዓይኒ ሓቂ ተባዕ ኣዋጣሪ ጋዜጠኛ'ዉን ኣይተረኸበን!
እዚ ሰብኣይ ብጎቦጎቦ እንዳ ሃደመ ዕድሚኡ ካብ ዝዉድእ ሓንቲ መዓልቲ ድፍር ኢሉ እዚን እቲን ጌጋታት ነይሩ ዘይብል! ክሳዕ መዓስ ብሽፍንፍን ንኹሉ ጎስዩዎ ክሓልፍ እዩ!ሕጂዉን ናብ ካልእ ጌጋ ከይተኸደ እንከሎ ኩሉ ዝነበረ ሓርጎጽጎጽ ሓንቲብሓቲ ነጊሩ ብዕርቂ ድዩ ብይቕረታ ክዕረ እንተ ዘይተኻኢሉ ፍታሕ ክመጽእ ምጽባይ የዋህነት ጥራይ እዩ።
ካብ'ቲ ዝገርመኒ ግን ንመስፍን ቃለመጠይቕ ክገብርሉ 'ከለዉ፡ተወልደ እዮብ መሳርሕትኻ ነበር ኣበይ ኣበለ ስድርኡ'ዉን ከምሰቦም ክቐብጹ ኣይከኣሉን ስለምንታይ፡ ኢሉ ዝሓትት ጋዜጠኛ ወላ እንኮ እካ ዘይምርካቡ እዩ።
ክሕተተሎም ዝግብኦም ብዙሓት እካ እንተኾኑ ተወልደ እዮብ ግን ብቐረባ ካብቶም 5 መሳርሕቲ ስለዝነበሩ ግድንን ግድንን እዩ ክሕተት።
መስፍን ሓጎስ ኣብ ዝሓለፈ 10ዓመታት ቃለመጠይቕ ዘይገበረሎም ዓበይቲ ሚድያታት ተቓዉሞ ዳርጋ የሎዉን ክብሃል ይከኣል፡ ንኣብነት ረዲዮ ኤረና ብተደጋጋሚ፡ቲቪ ኣሰና ከምኡ፡ትቪ ኤረሳት፡ቲቪ ሰነድ ወዘተ ካብ ዝኹሉ ቃለመጠይቓት ወይ ከ ትንፍስ!ኣፉ ኣፍ ላም በቃ!

  ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com