-->

Mr. Tesfamariam Yohannes Woldemichael

source http://www.afronorway.com/blog/php/Aya-Tesfamariam.pdf

11 hrs

እቶም አከለ ትብሉ ልክዕ አለኩም እቶም ብ ዘርአይ ደረሰ ትውለድ ሓማ ትብሉ ውን ልክዕ አለኩም ነዚ ድማ እያ ዱጉፍቲ/ስዓብትን አሳሲና
ኤርትራ ክሓልፈላ ሓቋ ንዛረበላ��
ሓጺር ታሪኽ ሂወት
ኣቶ ተስፋማርያም ዮውሃንስ ወልደሚካኤል
ነፍስሄር ኣቶ ተስፋማሪያም ዮውሃንስ ወልደሚካኤል ካብ ኣቡኦም ነፍሲሀር ኮሎኔል
ዮውሃንስ ወልደሚካኤልን ኣዲኦም ነፍሲሀር ወይዘሮ ዋጋዬ በርሀን ብ27 መስከረም
1935 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ከተማ ሰገነይቲ ተወሊዶም::
ዕድሚኦም ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ: ኣቶ ተስፋማሪያም ዮውሃንስ ናይ መባእታ
ትምህርቶም ኣብ ከተማ ሰገነይቲ ምስወድኡ ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ኤርትራዊያን ካብቲ
ብመግዛእቲ ጥልያን ዝተወሰነ 4ይ ክፍሊ ንላዕሊ ንኽምሃሩ ዝተፈቐደሎም ኢዮም
ኔሮም:: ናይ ማእከላይ ደረጃ ትምህርቶም ኣብ ቤት-ገርጊሽ ኣስመራ ተማሂሮም:: ድሕሪ
ናይ መምሃራን ስልጠና ምውዳእ: ብ1951 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ናይ ምምህርና ስራሕ ተዋፊሮም
ኣብ ኣስመራን ሰገነይትን ሚሂሮም::
ነፍስሄር ኣቶ ተስፋማሪያም ዮውሃንስ ምስ ወይዘሮ ጽጌሮማ ተስፋጼን ደረስ ኣብ ወርሒ
ግንቦት 1955 ዓ.ም.ፈ. ቃል-ኪዳን ኣሲሮም: ን58 ዓመት ብፍቕርን ሓልዮትን ኣብ ቃል
ኪዳኖም ጸኒሖም::
ድሕሪ ናይ 6 ዓመት ናይ ምምህርና ኣገልግሎት: ካብ 1956 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሮም ኣብ ናይ
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ሓላፍነት ጽፍሕታት ኣብ ኣዲስ-ኣበባ
(ኢትዮጵያ): ዳርኤሰላም (ታንዛንያ): ከምኡ'ውን ኣክራ (ጋና) ብዝምስገን ኣገባብ
ኣገልግሎት ፈጺሞም:: ኣብ መስከረም 1977 ዓ.ም.ፈ. ናብ ኣሜሪካ ምስ ስድራቤቶም
ብምምጻእ: ምስ ፓን-ኣሜሪካን ቀጺሎም ከኣ ኣብ ናይ መገዲ ኣየር ደልታ ክሳብ 2008
ዓ.ም.ፈ. ንኣስታት 31 ዓመታት ሰሪሖም:: ነፍስሄር ኣቶ ተስፋማሪያም ዮውሃንስ ኣብ
ትርፊ ጊዜኦም እንዳተማህሩ ካብ ሞንትጎመሪ ኮለጀ ብናይ ሞያዊ ምምሕዳር ብዝላዓለ
ነጥቢ ብዲፕሎማ ተመሪቖም::
ነፍስሄር ኣቶ ተስፋማሪያም ዮውሃንስ ፈታዊን ኣኽባርን ሓዳሮምን፡ ኣፍቃርን ሓብሓብን
ስድራ-ቤቶምን፡ ሓጋዝን ኣላዪን ጹጉማትን ኢዮም ኔሮም።
ነፍስሄር ኣቶ ተስፋማሪያም ዮውሃንስ ኣብ መበል 78 ዕድሚኦም: ብዝሓደሮም ሕማም:
ብ30 መስከረም 2013 ዓ.ም.ፈ.: ናይ 58 ዓመት ናይ ፍቕርን ስኒትን በዓልቲ ኪዳኖም
ወይዘሮ ጽጌሮማ ተስፋጼን ደረስ: 5 ደቆም (ደሊላ: ሶፍያ: ሄለን: ዳኒኤል: ዋጋዬ): 5
ደቂ-ደቆም (ፍናን: ዮሴፍ: ኖህ: ናኦሚ: ኣሌክስ) ከምኡውን "ኣቦሓጎይ" እንዳበሉ
ዝጽውዑዎም (ብሩህ: መሪሕ: ሉብና: ሜሮን: ዘርኣይ: ኢዮቤል: ኢዛቤልን: ኤሊያናን)
ሓዲጎም: ካብ ሩሑቕን ቀረባን ብዝመጹ ቤተሰብን ፈተውትን ተኸቢቦም ኣብ
ዋሺንግተን ሆስፒታል ሰንተር ብሰላም ዓሪፎም::
ሉዑል ፈጣሪ ንኣቶ ተስፋማሪያም ዮውሃንስ ወልደሚካኤል ኣብ ዝፋኑ ኣብ መንግስተሰማይ ይቀበሎም። ኣሜን::ሓጺር ታሪኽ ሂወት
ኣቶ ተስፋማርያም ዮውሃንስ ወልደሚካኤልሓጺር ታሪኽ ሂወት
ኣቶ ተስፋማርያም ዮውሃንስ ወልደሚካኤል
ክረዲት ን ስድራቤቶም source https://www.facebook.com/timar.solomon

 

[Table of contents]

  ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com