Skip to content
Home arrow ትግርኛ arrow ዜና arrow ደሃይ ካብ ኤርትራ
ደሃይ ካብ ኤርትራ PDF Print E-mail
Wednesday, 17 December 2008

ደሃይ ካብ ኤርትራ

ኮለኔል ተስፋልደት ስዩም

ሓደ ካብ እሱራት ፖለቲካ ኤርትራ ዝኾነ ኮለኔል ተስፋልደት ስዩም የማናይ ክፍሊ ኣካላቱ ስለዝለመሰ (ፓራላይዝ ስለዝኾነ)፡ ካብ 14 ታሕሳስ 2008 ጀሚሩ ኣብ ሆስፒታል ሓይሊ ኣየር ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ይሕከም ኣሎ። ብዘይካ ዶክተር ሃይለ ምሕጹንን ሓደ ካብ ኩባ ዝመጸ ሓኪምን ዝኾነ ሰብ ከይረኽቦ ፕረዚደንት ኢሳያስ ድሕሪ ምእዛዙ ኸኣ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝተላእኩ ሓለዋ ይከታተሉዎ ኣለዉ። ኮለኔል ተስፋልደት ስዩም ክዛረብ ኣይክእልን ዘሎ። ኩነታት ጥዕንኡ ኣብ ኣዝዩ ኣስጋኢ ደረጃ ይርከብ ኣሎ።

135 እሱራት ፖለቲካ

ኣብ ከባቢ ማይተመናይ (ኣስመራ)፡ ከባቢ እንዳ ኣቡነ ኣረጋዊ ኣብ ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ተኣሲሮም ዝነበሩ 135 ናይ ፖለቲካ እሱራት ብ13 ታሕሳስ 2008 እቲ ስርዓት ናይ እምባትካላ ኣግዒዙዎም።

ሳዋ

ብ13 ታሕሳስ 2008 ኣብ መደበር ታዕሊም ሳዋ፡ መንእሰይ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ንመሰሉን ድሕነት ህዝቡን ብምልዓል፡ ኣሰር እቶም ተለዓዒሎም ዘለዉ ኣሕዋቱ ኣባላት ሰራዊት ክስዕብ ዝጽውዕ ወረቓቕቲ ተዘርጊሑ ሓዲሩ። እቲ ጽሑፋት ኣብዚ ሃገር መጕሓፊ ኒኵሌራዊ ሓተላ ኮይናትሉ ዘላ እዋን፡ መንእሰይን ተማሃራይን ምእንቲ ሃገሩ ምስ ዝለዓል ዓጋቲ ከምዘይብሉ ዓወቱ ጭቡጥ ምዃኑ ‘ውን ይሕብር። 

እዚ ጽሑፍ ‘ዚ ዝሓዘ ወረቓቕቲ ኣብ መምሃሪ ክፍልታት፡ ኣዕኑድ ኤለትሪክ፡ ከምኡ ‘ውን ክፍልታት እንዳፎርኖ እዩ ተጠቂዑ። 

ብዘይካ ዚ ሓንቲ ተማሃሪት ዩኒቨርሲቲ ዝነበረት መንእሰይ ንኩነታት ናይቲ ስርዓት እተቃልዕ ግጥሚ ኣብ ናይ ቴፕ ካሴት መሊኣ ዘርጊሓ። መሰለይ እትብሃል (ሕታም ቁ 6) ‘ውን ብተመሳሳሊ ተበቲና። በዚ ምኽንያት፡ ኩሉ ኣብ መዓስከር ሳዋ ዝካየድ ንጥፈታት ተቓሪጹ ውዒሉ። ብፍላይ እቶም በዚ ራዕዲ ዝኣተዎም ኣካየድቲ ሳዋ፡ ነቲ ዝተዘርግሐ ወረቓቕቲ ክእክቡ ሸበድበድ ኢሎም፡ ነቶም መንእሰያት ዝኾነ ዝረኸቡዎ ወረቐት ከረክቡዎ ብምእዛዝ 36 መንእሰናት ኣሲሮም ኣለዉ።

ባረንቱ ህድማ ካብ ቤትማእሰርቲ  

ኣብ ባረንቱ ኣብ ፕሪማካንቴሪ ዝብሃል ቦታ ተኣሲሮም ብጽኑዕ ዝሕለዉ ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት ብዘደንቕ ውዳበ ካብ ቤትማእሰርቲ ምምላጦም ኣዛራቢ ጉዳይ ኮይኑ ቀንዩ ኣሎ።

ሓዊ ለይቶ

Last Updated ( Thursday, 18 December 2008 )
 
< Prev   Next >

ኪዳን ምስ መን?

 ኪዳን ምስ መን? - ኣብ ሓቀኛ ታሪኻዊ ፍጻሜታት ዝተመርኮሰት ንፊልም ተባሂላ ዝተነድፈት ዛንታ እያ። ግዜ ተሓባቢሩዋ ፊልም ምዃን ክሳብ ዝሰምረላ ግን እንሀትልኩም። በብትርኢት ተኸፋፊላ ክትቀርብ እያ። ንመዘከርታ ተባሂሉ፡ ኣስማት ጠባያታ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ናይ ዝተሰውኡ ብጾት ኣስማት እዩ። ሰናይ ንባብ።