<%@LANGUAGE="JAVASCRIPT" CODEPAGE="65001"%> Untitled Document

ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ

ኣለና 

ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ጨፍጫፊ ስታሊናዊ ሜላ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ንበይኑ ኣብ ውሻጠ ገዝኡ’ምበር ኣብ ጽርግያ ኮይኑ ዓው ኢሉ ንክዛረብ ኣይተዓደለን።

ኢሳይያስ ንመብዛሕትኦም እዞም ናይ ሎሚ ላዕለዎት መኮንናቱን ናብ ደገ ብዓቢ ምስጢር ዝለኣኾም ሰባትን ኣብቲ ከቢድ ገበኑ ከም ዝካፈሉ ስለዝገበረ፤ ክሳብ ናይ መወዳእታ ብሓደ ኢዮም ክጠፍኡ። “ብባሊቃ ዝሸገጉ መኮንናት ኢሳይያስ እቲ ናይ ቀደም ኤርትራዊ ደሞምሲ ኣሎ’ዶ?” ዝብል ትሒም-ትሒም ህዝብና ካብ ነዊሕ ዓመታት ከቃልሖ ጸኒሑ ኢዩ። ኣብዘን ዝሓለፋ 10 ዓመታት ባርባራዊ ግፍዕታት እዚ ስርዓት፣ ህዝብና ብተስፋ ኣብ ዝጽበየሉ ዘሎ ግዜ፣ “…እዚ ርጉም ኢሳይያስ፣ ኣይከርምን ኢዩ!...ሎሚ ሓጋይ ኣኺሉዎ ኢዩ። ክሳብ መስቀል…ክሳብ ሸሃር ሮማዳን ኣይክጸንሕን ኢዩ… ወ.ዘተ…” ክበሃል ከም ዝጸንሐ ኩላትና እንፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ንውድቀቱ መን ዘይጸለየ…መን’ከ ዘይነብዐን ዘይተማህለለን!

‘ኢሳይያስ ኣኺሉዎ ኢዩ’ ዝበሃለሉ ሰዓት ግን ሕጂ ኢዩ።  እቲ ትንቢት ብዙሓት ዜጋታትና ሎሚ ጋህዲ ክኸውን ኢዩ። ልኡኽ ጥፍኣት’ምበር ናይ ሰላም ባህጊ ናፊቑ ዘይፈልጥ ኢሳይያስ፣ ሎሚ’ውን ምስ ጎረቤት ሱዳን ምትኹታዂ ጀማሚሩ ከም ዘሎ ንሰምዕ ኣሎና። ኣሽካዕላል ንጎረባብቲ ግን ኣኺሉ’ዩ። ናይ ኲናት ሓሙኽሽቲ’ምበር ናይ ሰላም ቡቕሊ ክርኢ ዘይደሊ ኢሳይያስ’ምበኣር ውድቀቱ ዘበስር ናይ መወዳእታ ነጋሪት ኢዩ ዘስመዓና ዘሎ።

ኢሳይያስ ከም ቁርዲድን ትዃንን ደም ሰብ እናሰተየ ዝነብር፣ ወኪል ጣኦታትን ኣባ ጓይላ ናይ ምትሃት ጭራሕ-ምራሕን ኢዩ። ኢሳይያስ መስፈሪ ዘይርከቦ ገበታ መርገም ዝተሰከመ ፍጡር ኢዩ። ኣብ ዓለምና እቲ ዝኸበረ ፍጡር ወዲ ሰብ ኢዩ። ኣይኮነን ዝብል ኣሎ ድዩ? ስለዝኾነ ድማ ኣብ ታሪኻዊ ጉዕዞ: ወድ-ሰብ ምቕታል እቲ ዝዓበየ ገበን ንክኸውን ማሕበራዊ ግዴታ ኮነ።

ኣብቲ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንምስጢራቱ ቀቢሩዎ ዝጓዓዘሉ ዝነበረ ግዜ፣ ኢድ ዝሓወሱ ክፍረዱ ድዮም ክመሓሩ ንህዝቢ ኤርትራ ኢዩ ዝግደፍ’ምበር፣ ዝኾነ ሰብ ‘መዓለሽ’ ናይ ምባል መሰል የብሉን። ገበናት ኢሳይያስን ሰብ ኪዳኑን ካብ ዕለት ምስላፉ ክሳብ’ዚ ግዜ’ዚ ኩሉ ሰብ ዘዝፈልጦ ክዝርዝር ሃገራዊ ግዴታ ምዃኑ ክስቆረና ይግባእ። ሃገራዊ ጻውዒት ድማ ይቐርብ ኣሎ። ክንዮ’ዚ ግን ኣብ ዝርዝር ኣይንእቶ፣ ደጊም ነዚ ጽሑፋት’ውን ካብዚ ኣይትቐጽል  ምባሎም፤ ‘ዘይኩርምትኻ ሑጻ እንተትቑርጥመሉ’ ዝበሃል ልቦና ዘለዎ ምስላ ወለዲ  ምዝካር ጥራይ ይኣክል።

በብቑሩብ እቶም ሰብ ድጉል ዕላማታትን ሰብ ኪዳኑ ንኢሳይያስን፣ ኣብ መቑሎ ከም ዝተነስነሰ እንጣጢዕ ጠራዕራዕ ክብሉ ምጅማሮም ኣየገርምን ኢዩ። ቃላት ደርዲርካ ንሰባት ምእማን ግዚኡ ሓሊፉ ኢዩ። ‘ተቓወምቲ ኢና፣ ኣንጻር ኢሳይያስ ኢና’ ምባል ካብቲ ንህዝብና ዝጸዓነ ደናጉላ እንኮ እምኒ ዝፍንቅል’ውን ኣይኮነን። እቶም ተቓወምቲ መሰል ካብ ኢሳይያስ ብጥንቃቐ ዝተላእኩ ሃሱሳት፣ ኣንጻር ህግደፍ ብዝምልከት እንታይ ክዛረቡ ከም ዝግባእ ተማዒዶም ዝተላእኩ ኢዮም። ‘’…ውልቀ-ምልካዊ፣ ማፍያዊ፣ ዓንዳሪ፣” ምባል ያኢ ተቓዋማይ ተቖጺሩስ ኣሽካዕላል ጸወታ! ስለዚ ሎሚ እታ መራር ሓቂ ካብ ጉድጓድ ክትወጽእ እንከላ፤ ዝዓከሰ ቦምባ እንተደርበዩ ዘገርም ኣይኮነን።

ንኺድ!...ኢሳይያስ ግን ንመዋእሉ ደም ንጹሃት እናሰተየ ክነብር ኣይክእልን ኢዩ። ሎሚ ነቲ ዝሰተዮ ደምና ዘጉስዓሉ ግዜ በጺሑ ኣሎ። ጉዳይ ኢሳይያስን ህግደፍን ተወዲኡ ኢዩ። “…ክሳብ መወዳእታ ጥይትን ሰብን ተዋግኡ፣ ኣነ ድማ ከም ሃጸይ ቴዎድሮስ ሽጉጠይ ሰትየ ክስዋእ እየ” ዝበለ መንግስቱ ሃይለማርያም፤ ንሰራዊቱን ደገፍቱን ናብ ሓዊ ኣእትዩ ናብ ዚምባብወ ኢዩ ዝሃደመ። እዞም ናይ ብርዒ ኣናብር ኣብ ቅድሚ’ቲ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዓዕሎ ዘሎ ዓርሞ ደው ዝብሉ እንተኾይኖም ከኣ ክንርኢ ኢና።

ንሕና ኤርትራውያን ዘይተወድአ ጉዳይ ኣሎና። ነዚ ንዕስራ ዓመታት ኣብ ዘይግበኦ መንበር ዝተቐመጠ ወኪል ዲያብሎስ ዝፈጠሮ ምብትታን ህዝቢ ብኣውራጃ፣ ሃይማኖትን ብሄርን ናብ ንቡር ክንመልሶ ንሕተት ኣሎና። ሎሚ ክንዮ ሰላማዊ ቃልሲ፣ ክንዮ ሰላማዊ ሰልፍታትን ፓል ቶክን ክንጥምት ይግባእ። ሓደ-ሓደ መድረኽ ፖለቲካ ዘየድልየሉ ሰዓታት ከም ዘሎ ኣብ ግዜ ህግደፍ ብንጹር ይርአ ኣሎ። ለካ ሓቁ ኢዩ ነይሩ ኣብ 1975 ገዲም ተጋዳላይ ኣቦና መሓመድ ዑመር /ኣቡ ጥያራ/ “ፖለቲካ በትሪ ሕማቓት ኢያ” ዝበለ፣ ምስ ሎሚ ይሰማማዕ።

እቲ ናጽነት ንምርግጋጽ ዝተኸፍለ ሓሽከት ህይወት ደቂ ኤርትራ፣ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ መስተርሆት ክፈጥር’ምበር ኣብ ክሳዱ መስገደል ንክኣስር ኣይኮነን  ፍንጫሕ መሰንገልኡ ዝወፈየ። ልዕሊ 65 ሽሕ ሂወት ዝኸፈለ ህዝቢ ኤርትራ ከምዚ ክፍደ ንመስደምም ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ነስፍ-ወከፍ ስድራ-ቤት ካብ 1-5 ሂወት ሞባእ ንናጽነት ከፊላ ኢያ። ካብቶም መስርዕ ዝኾኑ ናብ ሜዳ ዝተሰለፉ ኣሕዋት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ግን ብጥይት ዝተተንከፈ’ውን ኣይነበሮምን። ከምታ ዝወጽኡዋ ከኣ ኣብ ሜዳ ተመርዕዮምን ተፋርዮምን ብሰላም ናብ ኣዲኦም ኣዳነሽ ተመሊሶም።

እዚ ሎሚ ዝረኣየና ዘሎ ብሰላም ምእታው ደቀቦይ ኣፈወርቂ ቀሊል ይመስል። ግን ኢሳይያስ ኣብ ሜዳ ንነብሱ ጥራይ ኣይኮነን ካብ ሞት ዝሕልዋ ዝነበረ። እንከላይ ንኣሕዋቱ’ውን ሓልዩዎም፣ ኣብቲ ኣደራራስ ብቦምባ ዝነበረሉ ርሱን ጥምጥም ንከይኣትዉ ተኸላኺሉሎም’ምበር ንበይኖም መልኣከ-ሞት ኣይፈንፈኖምን። ህዝቢ ኤርትራ ‘ምስ ሕሱም ኣይትቑጸር ስንቅኻ፣ ቅድም ተሰከመን ደሓር ከኣ በርኩተን ይብለካ’ ከም ዝበሃል፤ ምስ ሕሱም ተላፊንና ንሕና ሰብ ጽሕፍቶ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ መጀመርያ ንናጽነቱ ኢሉ ብዕጥቂ ብረት ንምምካት ክብገስ እንከሎ “ናጽነትኩም ንምርካብ 65 ሽሕ ሰባት ክትከፍሉ ኢኹም” ዝብል ነቢይ እንተዝነግሮስ እንታይ’ኮን ምመለሰ እዚ ህዝቢ? እስከ ብመንጽር ናይታ ዕንዱን ሕንጢትን ተሰኪማ ብሰላም ንገዝኣ ዝኣተወት ስድራ-ቤት ኣፈወርቂ ኣብርሃም፤ ናይ ክልተ ፈጺመን ዝጸነታ ስድራ ቤታት ኣብነት ንርአ፦

ሀ)

ኣቦ ሓሙሽተ 

ስዉኣት 

ይሕደጎ  ገብረስላሴ

ዕለት

መስዋእቲ

 

ቦታ

መስዋእቲ

ለ)

ኣቦ ሓሙሽተ 

ስዉኣት

ተስፋይ ገ/ኢየሱስ

ዕለት

መስዋእቲ

 

ቦታ

መስዋእቲ

1

ተስፋይ   ይሕደጎ

06/07/78

በለዛ

1

ወረደ ተስፋይ

1977

ዓዲ ቀይሕ

2

ኣርኣያ   ይሕደጎ

01/04/78

ዓዲ ቀይሕ

2

ኣማኑኤል ተስፋይ

1977

ሰገነይቲ

3

ኪዳነ     ይሕደጎ

10/12/79

ሓሬና ናቕፋ

3

እስቲፋኖስ ተስፋይ

1979

ደንደን

4

ለምለም  ይሕደጎ

22/02/84

ኣውገት

4

ዮናስ ተስፋይ

1984

ቃሮራ

5

ለተኪዳን ይሕደጎ

29/04/84

ሰ/ሳሕል

5

ኤልሳ ተስፋይ

1985

ደቕሰብ

ደም ሰማእታት ንከንቱ ተዃዕዩ ኣይተርፍን ኢዩ። ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብዘይካ’ቲ ካብ ኣፈ-ሙዝ ጸላኢ ብዝወጸ ጠያይት፤ ብጥይት ኢሳይያስ ዝተረሸኑ ጀጋኑ ኤርትራውያን  ውሑዳት ኣይነበሩን። ኣብዚ ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ ኢለ ዝጽሕፈሉ ዘለኹ ኣርእስቲ፣ ንሕና ሰብ ደም ኢሳይያስ ስለዝኾንና ሕነና ክንፈዲ ክንብገሰሉ ዝግባኣና ግዜ ሎሚ ኢዩ። በዓል ደም ፈጺሙ ክድቅስ ኣይክእልን ኢዩ። ምኽንያቱ ብገንዘብ፣ ወርቂን ኣልማዝን ዘይኮነስ ብህይወት ዝእወዶ ዕዳ ስለዘለዎ። ስለዚ ክሳውዲ ጀጋኑ ከም ንዳእቲ ስምስም ዝቖርጽ ዝነበረ ሰብ ፍርዱ ካብ ህዝቢ ክሳብ ንሰምዕ ዝግ ኢልና ምጽባይ ከድልየና ኢዩ።

ኢሳይያስ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ሓደስቲ ሓለፍቲን ሓድሽ ኣወዳድባን ኢዩ ዝፈቱ። እዚ ድማ ካብ ሜዳ ብስም /ተኽሊጥ/ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ብልሓት ኢዩ። ሎሚ ዝና ሜጀር ጀነራላት ባይታ ዘቢጡ ኣብ ዘለወሉ ግዜ፣ እሙናት ኣዕሩኽቲ ኢሳይያስ ዘለዉ ብ/ር ጀነራላትን ኮሎኔላትን ኢዮም። ብግልባጡ ከኣ ዝና ሓለፍቲ ፖለቲካ ከም በዓል ዘምህረት ዮሃንስ ኣንቆልቊሉ፣ እቶም ኣብ መመዓልቲ  ንመልሓሶም ወቒሮም ዝትንስኡ ከም በዓል ኣሕፈሮም ተወልደ መምህር ኣብ ቤት ትምህርቲ ካድረታት ናቕፋ ዘሎ ብኢሳይያስ ግዝያዊ መስተፋቕር ረኺቦም ኣለዉ። ግርንቢጥ ስርዓተ-ህግደፍ ከምዚ ኢዩ።

ብጊሓቱ ዘርኢ ክርዳድ ዝተለመ ኢሳይያስ’ምበኣር ክሳብ ዕለተ ሞቱ ኣንጻር ኤርትራውያን ዝለጎማ ምንሽር ንዜጋታት ካብ ምቕንጻል ደው ከብላ ኣይኮነን። ሎሚ ኣብዚ ንሞት ርብዒ ጎደል በጺሑሉ ዘሎ ግዜ፣ ህግደፍ ከኣ ንክቕበር ቋሬጣ ኣብ ዝእዘዘሉ ዘሎ ወቕቲ ኣእዳውና ኣጣሚርና ተዓዘብቲ ጥራይ እንተድኣ ኮይንና ጽባሕ ኣሕሕሕ! ኢልና ዘይንመልሶ ዕድል ወለዶና ቁልቁል ዝኣፉ ንደፍኦ ከም ዘለና ጌርና ንርኣዮ። ኢሳይያስ ካብ ሰብዓታት ክሳብ ሎሚ ንዝፈጸሞም ገበናት ብዘይ ደገፍ ናይ ካልኦት ኣይነበረን። እታ ምሐ ንዕርክነትን ዝምድናታትን እናነፈየት ናብ መንፍፊት ምስ ኣሕለፈቶ ሎሚ እቶም ናይ መወዳእታ ሰብ ዕላማ ኣብዛ ዝኣረገት መንፊት ተኣኻኺቦም ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ጽሑፈይ ከም ዝገለጽኩዎ ዕርክነትን ኪዳንን ኢሳይያስን ፊሊጶስን ክንርኢ ምዃንና ኣብ ትጽቢት ከም ዝጸናሕና እዝክር። ናብ ውጹእ ምልኪ ሜ/ር ጀነራል ፊሊጶስ ‘ነቐዘ’ ኣብ እንምለሰሉ ግዜ ድማ ብዙሓት ኣብነታት ክቐርቡ ይኽእሉ’ዮም። እቲ ኣብ ረብሓ ዝተሰረተ ዝምድንኦም ካብ ምቕንጻል ኢብራሂም ዓፋ ከም ዝጀመረ ድማ ርኢናዮ ኢና።

ዕርክነቶም ብዶላር ኢዩ። ብድሕሪ ምድምሳስ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ናይ ሽዑ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ናይ ሎሚ ጀነራላት፣ ካብ ዝተደምሰሰ መዓስከራት ጸላኢ እልቢ ዘይነበሮ ገንዘብ ክድልቡ ጀሚሮም ኢዮም። ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ ኣብ ወርሒ ጥሪ 1990 ብኢሳይያስ ተመሪጹ ናብ ደቡባዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ ክፍለ ሃገር ወለጋ፣ ኣሶሳ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ሰራዊት መሪሑ ተላእከ። ኣብ ኣሶሳ ናይ ወርቂ ዕደና ስራሓት ብናይ ደገ ኣውፈርቲ ይካየድ ከም ዝነበረን፣ ሓውሲ ፕሮሰስ ዝተገብረሉ ኣብ ኮንተይነራት ዝተኣከበ ሃብታም ሓመድ ወርቂን ልዕሊ 30,000 ኩንታል ጽሩይ ቡን ተኸዚኑ ከም ዝነበረን ኢሳይያስ ብስለያ በጺሑዎ ነበረ።

ንሰራዊት መሪሑ ብከሰላ ዝኣተወ ፊሊጶስ፣ ምስ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ሱዳን ብጉዳይ ሰራዊት ጆን ጋራንግ /SPLA/ ብዝተገብረ ምርድዳእ ኣብ ሓጺር መዓልታት ናብ ኣሶሳ ኣትዩ በርቃዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምግባሩ ብቕጽበት ናብ ኤርትራ ተመልሰ’ሞ፣ ካብ ውግእ ናብ ውግእ ድማ ኣብቲ ብስርሒት ፈንቅል ዝፍለጥ ምሕራር ከተማ ባጽዕ ኣርከበ። ካብ ኣሶሳ ዝተረኽበ ወርቂን ቡንን ከኣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተረከቦ። ብድሕሪ ምሕራር ከተማ ባጽዕ፣ ኣብ ደቡባዊ ግንባር ዝነበረ ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ፣ ነቲ ንምስካሙ ዝኸበዶ ገንዘብን ወርቂን ሽዑ ኣብ ዓዲ ጥልያን ንዝነበረት ሓብቱ ጸዊዑ ኣብ ዓዲ ቀይሕ ረኸባ። እቲ ዘገርም ሓብቱ ድሕሪ ኣስታት 18 ዓመታት ንሓዋ ፊሊጶስ ረኺባ ኣይ ሰሙን ኣይ ሳልስቲ ሓንቲ ለይቲ ጥራይ ምስኡ ሓዲራ ንጽባሒቱ ናብ ሱዳን ተበገሰት።

ፍልይቲ ቶዮታ ምስ እሙን ኣውቲስታ ተዳልያ፣ ምስጢራዊ ባልጃታት ጽዒና ካብ ዓዲ ቀይሕ ቀጥታ ብዘይ ዕረፍቲ ናብ ካርቱም ኣብጺሓታ ተመልሰት። እታ መኪና ንሓብቲ ፊሊጶስ ካርቱም ንከተብጽሓ ኢሳይያስ ኣይፈልጥን ነይሩ ምባል ግርህነት ኢዩ። ምኽንያቱ ንመኪናን ኣውቲስታኣን መሕለፊ /ተስሪሕ/ ክግበረሎም እንተኾይኑ ብዘይ ኣፍልጦ ኢሳይያስ ኣይከውንን ኢዩ። እምበኣርከስ ምእካብ ገንዘብ ሰብ ጽሮራን፣ ሞባእ ሂወት ምኽፋል ዜጋታት ንናጽነትን ማዕረ-ማዕረ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ ዓመታት፤ ኢሳይያስ ዘይባረኾን ዘይተኻፈሎን ረብሓ ኣይነበረን።

ኣብ ኣሶሳ ዝነበረ ፍሉይ ተርእዮ መስዋእቲ ገዲምን ሓላፊ ኣሃዱ ኮማንዶን ዝነበረ ተጋዳላይ መኮነን ተኽለ /ጉብጣን/ ኢዩ። ኣብ ኣሶሳ ናብ ግድን ክቕንጸል ዝነበሮ መኮነን /ጉብጣን/ ድማ ብመደብ ኢሳይያስን ብትእዛዝ ፊሊጶስ ተቐንጸለ። ኣገባብ ቅንጸላ መኮነን ተኽለ ኣብ ዝቕጽል ግዜ ክቐርብ ኢዩ። ሰባት ብምቕንጻል ንኢሳይያስ ደስ ዘበለን ከም በዓል ርባዕን መሰለስን ካብ ዘዝተረኽበ ዶላራትን ንብረትን መማቕልቱ ዝኾነ ሜ/ር ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ’ምበኣር ቃሕ ዝበሎ ክገብርን ክእዝዝን ሓቁ ኢዩ።

ኣብ 2002 ሓደ መዓልቲ ኢሳይያስ ኣብ ከተማ ኣቑርደት ናይ ኣባላት ባይቶ መመረቕታ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፣ ምስ ፊሊጶስ ክልቲኦም ጥቓ-ጥቓ ኮፍ ኢሎም ነበሩ። እቲ ኣብ ስርሒት ዞባ ክልተ ከም ሪፖርተር ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ምኩር ጋዜጠኛ ኣቡበከር ዓብደል ኣወል ብዘይ ኣፍልጦ ሜ/ር ጀነራል ፊሊጶስ፣ ብምርድዳእ ሙስጣፋ ኑር-ሑሴንን ቤት ጽሕፈት ኢሳይያስን ናብ ምምሕዳር ዞባ ጋሽ ባርካ ተቐይሩ ነበረ። ኣብቲ ምምራቕ ባይቶ ተረኺቡ ብካሜራ እናሰኣለ ሞያዊ ስርሑ ኣብ ዝጀመረሉ ግዜ፣ ኣብ ቅድሚ’ቲ እኩብ ህዝቢን ኢሳይያስን፦

“ንዓስከ ወተሃደር! ነቲ ካሜራ ዝስእል ዘሎ ሰብ ሒዝካ እሰሮ። ሕጂ ከኣ ናብ ባረንቱ ፕሪማ ካንትየሪ ኣብ ዘሎ ተሓድሶ ውሰዶ” ኢሉ ኣዘዞ። ኩሉ ሰብ ኣቕባሕብሐ፣ ኢሳይያስ ኣብ እዝኒ ፊሊጶስ ጽግዕ ኢሉ፦ “እቲ ምእሳር ብድሕሪ ኣኼባ ይኹነልካ። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ጽቡቕ ኣይኮነን፣ ሕጂ ግደፎ ስርሑ ይስራሕ” በሎ። ብብድዐ ዝሰኸረ ሜ/ር ጀነራል ፊሊጶስ ግን ዓው ኢሉ “ኖ! ከምዚ ዝበሃል ዘረባ የለን። ወተሃደር ዝተኣዘዝካዮ ግበር! ኪድ ቀልጥፍ እሰሮ። ሕጂ ሙስጥፋ ከይዱ የውጽኣዮ” በለ። ኣቡበከር ዓብደል ኣወል ድማ ኣብ ፕሪማ ካንትየሪ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተኣስረ። በዓልቲ ቤቱ ከምቲ የማነ ባርያ ንቤት ማእሰርቲ ደርግ ብኣብነት ዘናቢል ዝደረፈሉ፤ በዓልቲ ቤቱ ንኣቡበከር ድማ ጽቡቓት ዘናቢል ኮሎኲና ሒዛ ናብ ቤት ማእሰርቲ ስርሒት ዞባ ሓደ ብምምልላስ ላሕ በለት።

ቅንጸላ ንጹሃት ሰባት ዝተወለፉ ኢሳይያስን ጀነራላቱን፣ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ጸልማት ጥራይ ኣይኮኑን ገበን ፈጺሞም። ጸሓይ ምስ በረቐት’ውን ንብርሃና ክንዲ ቅንጣብ ከይቆጸሩ ነቲ ወልፊ ዘሕደረሎም ደም ምስታይ ብዝለዓለ ደረጃ ቀጸልዎ። ኣብ ግዜ ምስጢራዊ ምብራዕ ኲናት ባድመ 1998-2000 ዓ.ም. ብትእዛዝ ጀነራላት ብተመልከተለይ ዝተረሸኑ ዕሸላት መንእሰያት ኣዴታቶም ይቑጸርኦም ኢልካ ኢዩ ዝሕለፍ። እዚ’ውን ብመዓልቱ ክጸሓፍ ኢዩ።

 

ሜ/ር ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ ነቲ ምስ ጉጅለ 15 ተዳናጋጻይ ኢዩ ተባሂሉ ዝጥርጠር ዝነበረ ተጋዳላይ ገርጊስ ግርማይ /ሸኽ ዛይድ/ ሰብ ልኢኹ ብወተሃደራዊት መኪና /ኦራል/ ንክጭፍቖ ኣዘዘ። ገርጊስ ግርማይ ካብ ከረን ናብ ኣስመራ ብመኪንኡ ኣብ ዝተበገሰሉ ግዜ፣ ኦራል ደድሕሪኡ እናተወንጨፈት፣ ንሱ ድማ ብመስትያት እናተዓዘባ ኣብ ዝጎየሉ ዝነበረ ግዜ፤ ኣብ ቢንቶ ሓሊብ መንተል ኣርኪባ ሃረመቶ። መኪና ተጨፍሊቓ ክትድርበ እንከላ፣ ገርጊስ ግርማይ ብወዝቢ ደሓነ። እቲ ዘገርም ፊሊጶስ ምድሓኑ ምስ ፈለጠ፣ ናይ ሞት ትእዛዝ ከም ዘየመሓላለፈ፣ ግድን ናባይ ኣምጽእዎ ኢሉ ኣብ ሆስፒታል ወሲዱ ኣሐከሞ።

ተጋዳላይ ገርጊስ /ሸኽ ዛይድ/ ሓንሳብ ኣማሓዳሪ ንኡስ ዞባ ዓዲ ተከለዛን፣ ጸኒሑ ምድስካልን ዕንክሊልን ክብል ምስ ጸንሐ፤ ሎሚ ኢሳይያስ ኣማሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ንክኸውን መዘሎ። ብድሕሪ ናጽነት ብመኪና ተጨፍሊቖም ዝተቐትሉ ብዙሓት ኢዮም። ስለዚ ኢሳይያስ ክሳብ ዘሎ ቅንጸላ ዜጋታት ኣብ በረኻ ብጥይት፣ ኣብ ከተማ ብመካይንን ካልእ ኣገባብን ኣይከቋርጽን ኢዩ።

ስርዓት ህግደፍ ዝተበጣጠሰ፣ባንዴራ ዝተኸለ ናይ ሸፋቱ መንግስቲ ኢዩ። ኣብ መንጎ ጀነራላት ህግደፍ ብዝነበረን ዘሎን ኣዝዩ ምትህልላኽ ዝተሓወሶ ወጥሪ፣ ሓንቲ መዓልቲ ቶግ ምባል ከም ዘይተርፍ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ምኽንያቱ ሎሚ ኢሳይያስን ኩላቶም ሓለፍቲ ህግደፍን መህደሚኦም ኣዋዲዶም ኢዮም። ኣብ ወርሒ መስከረም 2007 ዝነበረ ምቅትታል ነጋዶ ፍቕረን ሳምሶም ወዲ ቀሺን /ሲቪል ጀነራል/ ሓደ ንጹር ኣብነት ኢዩ። እቲ ብደገ ናይ ገንዘብ ህልኽን ምስሕሓብን ጥራይ ዝመስል ዝነበረ ወጥሪ ብውሽጢ ዝተደጎለ ሓደገኛ ፈንጂ ነይሩዎ ኢዩ። ኢሳይያስ ነቲ ተደጒሉ ዝነበረ ፈንጂ ይፈልጦ ስለዝነበረ ኢዩ ከኣ ምስ ኣብርሃም ወዱ ናብ ኣየር-ፖርት ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ /ብኣፍ ደገ ኣየር ፎርስ/ ኣትዩ ናብ ካርቱም ብምስጢር ከይዱ ኣብ ሓደ ሆቴል ንዓሰርተ መዓልታት ተሓቢኡ ዝቐነየ። ወላ’ኳ ኣብቲ ግዜ’ቲ ብዙሓት ናይ ዜና ማዕከናት ኣቃሊሐንኦ እንተነበራ፣ እቲ ጉዳይ ከምዚ ኢዩ ዝነበረ።

ምትህልላኽ ኣብ መንጎ ሜ/ር ጀነራል ገረዝግሄርን /ውጩ/ ሜ/ር ጀነራል ፊሊጶስን ካብ 1994 ዝጀመረ ኢዩ። እቲ ባእሲ ኢሳይያስ ዘሳወሮ’ኳ እንተነበረ፣ ኣብ 1998-2000-2002 ንክልቲኦም ክዓርቕ ክሳብ ናብ ገዝኡ ረድዮ መሪናዮ ወሲዱ ቡን እናተቐልወ ዝወሰዶ ተንኮለኛ ተበግሶ ኣይሰመረን። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ከኣ ኣብቲ ብረብሓ ዝተጠናነገ ህልኽ ሜ/ር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሴ ተሓወሶ። ግርጭት ጀነራላት እናዓበየ ከደ።

ኣብ መንጎ’ዞም ጀነራላት ዘሎ ጽልኢ ኣዝዩ ጸሊሙ ኢዩ፣ ኣቦ ፊሊጶስ ዓሪፎም ሓዘን ኣብ ቀሓውታ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፣ ካብ ኢሳይያስ ክሳብ ተራ ሰባት ኮፍ መበሊ ክሳብ ዝጸብብ ንቴንዳታት መሊኦሞ ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ፣ ውጩ ኣይተቐልቀለን። ከምኡ’ውን ወዱ ንውጩ ኣብ ዝሞተሉን ኣዲኡ ወ/ሮ ኢታይ ኣብ ዝዓረፋሉን ግዜ ፊሊጲስ ተወዝ ኣይበለን። ኣብ እንዳ ሓዘን፣ ንሓዘንተኛታት ‘ጽንዓት ይሃብኩም’ እናበልካ ብተርታ ሰላም ምባል ባህሊ ኢዩ። ኣብ ከምኡ ዓይነት ኣጋጣሚ ኣብ ዝራኸቡሉ ግዜ፣ ወላ ኣብ መንጎ እኩብ ሰብ ክልቲኦም ሰላም ኣይበሃሃሉን ኢዮም።

ኣብ መንጎ ኢሳይያስን ሜ/ር ጀነራል ሃይለ ሳሙኤልን /ቻይና/ ኣብ ስሉሳዊ ኣኼባ ባጽዕ 2000 ዓ.ም. ብጉዳይ ምዝላቕ ካብ ዓሰብ መበገሲኡ፤ ምስ ኢሳይያስ ክሳብ ሎሚ ኣብ ምትፍናን ይርከቡ። “ስለምንታይ ካብ ዓሰብ ኣዝልቑ ኢልካ ኣዚዝካ?” ተባሂሉ ኣብ ዝተሓተተሉ ግዜ ኢሳይያስ፤ “ኣይኣዘዝኩን ሓሶት ኢዩ” በለ። ሜ/ር ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል ግን ንኢሳይያስ ክሰትሮ ኣይደለየን። ነታ ናይ መልእኽቲ ሰነድ ካብ ፋይሉ መሰስ ኣቡሉ ኣውጽኣ’ሞ ፊደል ብፊደል ኣንበበሎም። ኣብቲ ኢሳይያስ ዳርጋ እሱር ዝነበረሉ ኣኼባ ባጽዕ፣ ሜ/ር ጀነራል ብርሃነ ገረዝግሄር “እዚ ኤርትራውያን ኣዴታት ዝወፈይኦ ወርቂ ስለምንታይ ኣብ ኢድ ሓጎስ ክሻ ይተሓዝ? ስልማት ኣሓትናን ኣዴታትናን ስለዝኾነ ከኣ ከተረክበና ይግባእ” ክብል እንከሎ፤ ጀነራል ዑቕበ ኣብርሃ “ኣነ ጀነራል ተባሂለ ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣብ ዝተመደብኩሉ ግዜ፣ ስለምንታይ ኢኻ ኢሳይያስ ጸብጻብካን ጠለባትካን ብዝምልከት ርክበይ ምስ ሓጎስ ክሻ ንክኸውን ኣዚዝካ?” ኢሉ ሓተተ።

ብዙሓት ኣገደስቲ ሕቶታት ከም ጉዳይ ቅዋም፣ ሕቶ ረድኤት፣ ጉዳይ ኲናት ባድመ፣ ጉዳይ ሰላም ምስ ጎረባብቲ ወ.ዘ.ተ… ኣቕሪቦሙሉ ነበሩ። ካብ መዋጥር መምሎቒ ክረክብ ዝነበሮ ጉዳመኛ ኢሳይያስ፣ ‘ብዛዕባ’ዚ ትዛረብዎ ዘለኹም ወግዓዊ መግለጺ ንህዝቢ ንግበረሉ’ሞ፤ ንኹሉ ጉዳያት ከከም ደረጅኡ ንፍትሓዮ’ ኢሉ ካብ መጻብቦ ኣምለጠ።  ኢሳይያስ ካብ ብዙሓት መጻብቦታት ብምውጻእ ኣዝዩ ዝተሞከረ ሰብ ምዃኑ ኣይገመቱን። ካብ ጉዳይ ‘’መንካዕ’’ 1973፣ ካብ ጉዳይ ኣድማ ተጋደልቲ 1993።

ውድድርን ህልኽን ጀነራላት ህግደፍ መመሊሱ ደኣ ቀጸለ’ምበር፣ ደው ኣይበለን። ረብሓ ብሓባር ከም ነጋዶ እማቐሉ፣ ናይ መን ገንዘብ ይበዝሕ እናበሉ ሓቢሮም ዝግምግሙ ጀነራላት ኢሳይያስ ናብቲ ብጥሜት ዝሳቐ ዘሎን ጀለምታ ንብዓቱ ዝወድአን ህዝቢ ኤርትራ ክጥምቱን ዝከኣል ኣይኮነን።  ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ክፍላይ /ማንጁስ/ በቲ ካብ ምንቅስቓስ ቢጃን ምስ ሓላፊ ምንቅስቓስ ራሻይዳ /መብሩክ/ ተጸጋጊዑ ዘዋህለሎ ዶላራት ከይኣክል፣ ‘ርሕስቲ ኣንጭዋ ኣብ ልዕሊ ጉድጓዳ ቅሚጦ ይስራሓላ’ ከም ዝበሃል፤ ኣብ ኦምሓጀር ከባቢ ሩባ ተከዘ፣ ኣይተርፍ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ልዕሊ መሬት ወጺኡ ዝተረኽበ ቅሚጦ ወርቂ ምስ ተቖጻጸሮ ሓያል ተወዳዳራይ ኮይኑ ተቐልቀለ። ዝኾነ ጀነራል ንዝረኸቦ ገንዘብ፣ ወርቂን ካልእ ክቡር ነገራትን ብጋህዲ ምስ ኢሳይያስ ይማቐሎ።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ኢዩ እምበኣር ኣብ 2007 ወጥሪ ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ዝደየበ። ሜ/ር ጀነራል ውጩ እቲ ካብ ኩላቶም ጀነራላት ዝተሓተ ርእሰ-ማል ዘለዎ ክኸውን ከሎ፣ ሜ/ር ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ ቀዳማይ፣ ብ/ር ጀነራል ተኽለ ክፍላይ ከኣ ካልኣይ ሰብ ኮነ። ኣብቲ ዶላራት ንምኽዕባት ዝነበረ ውድድር ውጩ ምስ ኮሚሽነር ፖሊስ ኤርትራ ብ/ር ጀነራል ኣብርሃም ዓንዶም /ዓፋን/ ኮይኑ፤ ፍቕረ ዝተባህለ ነጋዳይ ናብ መርመራ ንክቐርብ  ምስ ሜ/ር ጀነራል ተኽላይ ዝሰሓሓብ ዝነበረ። ኣብቲ ፍቕረ ኣብ ሒደት ዓመታት ዘዋህለሎ ኣስታት 600 ሚልዮን ናቕፋ ርእሰ-ማል ሰብ ብርኪ ዝነበሩ ፊሊጶስን ተኽላይን ኢዮም። ኩሉ ኣብ ሳዋ ዝተሰርሐ ገዛውቲን ሃንገራትን ንብረት ዘቕርብ ዝነበር ከኣ ፍቕረ ነበረ።

ስለዚ ውጩ ንፊሊጶስ ከረኻኽበሉ እንተኾይኑ፣ ናይ ግድን ፍቕረ ናብ ሕጊ ክቐርብ ነይሩዎ። ፍቕረ ብኢድ ተኽላይ ሃብተስላሰ ኢዩ ናብ ኮሚሽነር ፖሊስ ኤርትራ ብ/ር ጀነራል ኣብርሃም ዓንዶም “ብሕድሪ” ተዋሂቡ። “ባዕልኻ ሓቲትካ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ኣረክበኒ” ድማ በሎ። ፍቕረ ኣብ ወንጀል መርመራ ካልኣይ መደበር ፖሊስ ንመርማሪ ሌ/ኮ ኢሳይያስ ዮሴፍ ምስ ተዋህበ ድማ፣ ኣብ ካልኣይ ለይቲ ነብሱ ቀቲሉ ተባሂሉ ደርሆ ጻሕቲራ ብእትረኽቦ ሽጣራ ንምጥባር፤ ወለዲ ካብ ደቀምሓረ ተላእከሎም። ናይ ኣማውትኡ መርመራ ሕክምና ብዝምልከት ከኣ፣ ኣብ ሆስፒታል ሓሊበት ምስ ዝነበሩ ሓካይም ተመሻጢሮም “ባዕሉ ተሓኒቑ ከም ዝሞተ ተረጋጊጹ” ዝብል ዝተፈብረከ ሰነድ ዱሮ ተዳልዩ ነበረ።

ቤተ-ሰብ ፍቕረ ናብ ኮሚሽነር ፖሊስ ኤርትራ ማ/ቤ/ጽ ኣጂፕ ቀሪቦም። “እነሆ እምበኣር ወድኹም ኣብ ውሽጢ ቤትማእሰርቲ ነብሱ ቀቲሉ ጸኒሑ። እነሆ ከኣ ናይ ሆስፒታል ሰነድ፣ ጽንዓት ይሃብኩም፣ ንሕና ከኣ ብክብ ዝበለ ክብሪ ንምቕባሩ ኩሉ ዘድሊ ዘበለ ክንገብር ኢና።” ዝብል ስግንጢር ዘረባ ተዋህቦም። እንተኾነ ጀነራላት ፊሊጶስን ተኽላይን ኣማውታ ፍቕረ ስለዘይሰሓትዎ፣ ንስድራ ቤት መዋቲ ሬሳ ንከይወስዱ ብዝሃቡዎም ሓበሬታ መሰረት፣ ስድራ ቤት “ሎሚ ይኹን ጽባሕ ሬሳ ኣይንወስድን ኢና። ክሳብ ሓቀኛ ኣማውታ ወድና እንፈልጥ ድማ ምንም እንዛረቦ ጉዳይ የለን” በሉ። ነገር መመሊሱ ኣብ ዝሽንከረሉ ዝነበረ ሰዓታት፣ ንኣማውታ ፍቕረ ዝከታተል ፍሉይ ሰብ ኮሎኔል ስምኦን ገብረድንግል ብኢሳይያስ ተረቚሐ።

እቲ ጉድ ንከይክሻሕ ድማ ሜ/ር ጀነራል ውጩን ብሪ/ጀ ኣብርሃም ዓንዶምን ምስ ዝለዓሉ ደገፍቶም  ኣብ ቀላሚጦሳት ማይ ስርዋ /መንገዲ እምባደርሆ/ ምስጢራዊ ኣኼባ ገበሩ። እቲ ጉዳይ መታን ከይቃላዕ ንምሸቱ ንኮሎኔል ስምኦን ምቕንጻል ናይ ሃታ-ሃታ መደባት ተሓንጺጹ፣ ዘይተጸንዐ ናይ ቅትለት ፈተነ ተኻየደ። ስምኦም ኣይሞተን፣ ብህጹጽ ናብ ሆስፒታል ኣየር-ፖርት ተወሲዱ ከኣ ደሓነ። ኣብቲ ናይ ሸበድበድ ግዜ ሓቁ ኢዩ ኢሳይያስ ምስ ወዱ ብምስጢር ክሃድም። ምኽንያቱ ምስቲ ጉዳይ ዝተተሓሓዘ ዕቢ ስርሒት ተዋዲዱ ነይሩ ኢዩ።

ስዉር ዕልዋ ተዋዲዱ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ኣስመራ ዝነበራ ናይ ከተማ ናይ ሓለዋ ኣሃዱታት ምክልኻል ብትእዛዝ ብ/ር ጀነራል ኣብርሃም ዓፋን ናብ ወገን ዓዲ ንፋስን ኩርባ እምበይቶን ከም ዝወጻ ተገብረ። ክልተ ካብ ስርሒት ዞባ ክልተ /ናይ ውጩ እዚ ዝነበረ/ ብምስጢር ናብ ከባቢ ኣስመራ ዝተጸግዓ ፍሉያት ኣሃዱታት ከኣ ኣብ ጣሻታት ሩባ ማይ ስርዋ ኣድብየን ወዓላ።  ስምኦን ካብ ሞት ምስ ኣምለጠ፣ ጃልባ በዓል ውጩን ኣብርሃም ዓፋንን ተገልበጠት። ሽዑ ውጩ ንእሙናቱ ኣብ ዝገበሮ ምስጢራዊ ርክብ፦ “እምባኣር ሕጂ ጉዳይ በርዒና ኢያ። ሕጂ ሰብኣይ ኣኽላባቱ ገይሩ ቾፕ! ክብለና ኢዩ፣ ስለዚ ኩሉኹም ሰስንኹም ስሓሉ” በሎም

ፊሊጶስ ብዝለዐለ ጥንቃቐ ተንቀሳቐሰ፣ ሬሳ ፍቕረ ናብ ሆስፒታል ኦሮታ ተላኢኹ ተመርመረ። “ሬሳ ኣብ ክሳዱ ናይ ማሕነቕቲ ዝመስል ናይ ገመድ ሕርሓር ኣለዎ። ኣብ ኣፍ ልቡን ቅልጽሙን ግን ሓያል ማህረምቲ ከም ዝጓነፎ ተዓዚብና።” ዝብል ጸብጻብ ሆስፒታል ኦሮታ ከኣ፣ እቲ ሞት ማሕነቕቲ ዘይኮነስ ቀጥቂጦም ከም ዝቐተሉዎ፣ ደሓር ንከምስሉ ገመድ ኣብ ክሳዱ ገይሮም ነብሱ ከም ዝሓነቐ ኣብ ክሳዱ ሓርሒሮሞ። ሽዑ ፊሊጶስ ቅልጡፍ ትእዛዝ ከመሓላልፍ ጀመረ።

ናይ ፍቕረ ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ተገብረ። ኣብ ካልኣይ መደበር ፖሊስ ዝነበረ መርማሪ ኢሳይያስ ዮሴፍን መሳርሕቱን ድማ ብፊሊጶስ ተኣሲሮም ናብ ኮንተይነራት ተዳጎኑ። ስራሕ ግን ኣይተወድአን ነይሩ። ምኽንያቱ እቲ መተሃላልኽቲ ፍቕረ ዝነበረ ንበዓል ውጩን ኣብርሃም ዓፋንን ኣያታት ሒዙ ዝነበረ ሳምሶም ወዲ ቀሺ ኣበይ ኣተወ? ተባሂሉ ምልእቲ ኣስመራን ከባቢኣን ብተፍትሽ ዓቕለን ጸበበን። ክሕብእ ወይ ከማኽር ይኽእል ኢዩ ተባሂ ዝተጠርጠረ ኩሉ ተኣስረ፣ ሃለቃ በርሀ በዓል ዓዲ ያዕቆብ’ውን ሽዑ ኢዩ ተኣሲሩ። ኣብቲ ጽንኩር ግዜ በዓል ውጩ ንሳምሶም ብዝኾነ መንገዲ ብወገን ሱዳን ይኹን ወገን ኢትዮጵያ ከህድምዎ ስለዝነበሮም፣ ካብቲ ተሓቢኡሉ ዝነበረ እንዳ ኮርያ ኣምሊቖም ምስ ክልተ መካይንን ሰልስተ ሓደስቲ ክላሽናትን ክልተ ሸጓጉጥን ካብ ኣስመራ ኣውጽእዎ።

ኣብቲ ስራሕ ብዝለዓለ ተገዳስነት ዝጓየ ዝነበረ ሰብኣይ ሓብቱ ንፍቕረ ኮሎኔል ሸገግ፤ ፍቕረ ካብ ብሎኮ ኣስመራ ምስ ወጸ ካብ ውጩ “…ኣንታ ሸገግ እዚ ወዲ ኣብ ኣስመራ ተሓቢኡ ቀንዩ፣ እነሀልካ ሕጂ ከም ዝወጸ ሓበሬታ ረኺበ ኣለኹ። ስለዚ ቅድሚ ርብዒ ሰዓት ኣብ ጋሕቴላይ ተራእዩ ስለዘሎ፣ ሃየ ቀልጢፍኩም ንባጽዕ ተጓየዩ” ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላለፈሉ። ውጩ እቲ ኣብ ወተሃደራዊ ስርሒት ዝጥቀመሉ ዝነበረ ‘ንሰሜን ኣምሲልካ ንደቡብ’ ዝብል ስልቲ፤ ኣብ ስርሒት ሳምሶን ኣይሰርሐን።

ዱሮ ሳምሶም ካብ ኣስመራ ወጺኡ ኢዩ። ንከተማ መንደፈራ ሓሊፉ ከም ንፋስ እናተሓምበቡ ከባቢ ዓረዛ ከም ዝበጽሑ ከኣ ተረጋገጸ። ፊሊጶስ ምስ ተኽላይ ሃብተስላሰ ተዘራሪቡ ብህጹጽ ሸውዓተ ፍሉያት ኮማንዶ ብሄሊኮፕተር ገይሮም ንማይ ድማ ሓሊፎም ኣብ ዓዲ ደንጀን ወሎ ወሪዶም ዓረዱሎም። ንሳምሶም ብዘይካ ሞት ዝተረፎ ምርጫ ስለዘይነበረ ድማ ናብታ ብዙሕ ግዜ ዝመላለሳ ዝነበረ ደብሪ ኣላጊሱ ተዓቑበ። ነቲ ኣብ ከባቢ ዝነበረ ሰራዊት ተሓቢሩዎ ሰዝነበረ ግን፣ ሳምሶምን ምስኡ ዝነበሩ ኣሰነይቱን ምስ ሓደ ፋላሲ ናይቲ ገዳምን ተቐትሉ።

ብድሕሪ ሞት ሳምሶም ፊሊጶስ ናብ ኩላተን ኣሃዱታት ምክልኻልን ፖሊስን ልኡኻቱ እናሰደደ ንዝተጠርጠሩ ሰባት ቀፈደ። ኢዱ ናብ ውሽጢ ቤት ጽሕፈት ኢሳይያስ ብምእታው ከኣ ንኣንበሳጅር ኣደስከሎ። “ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ካብ ፕረዚደንት ንታሕቲ ዘለዉ ሰባት ከደስክሎምን ክኣስሮምን እኽእል እየ” ኢሉ ድማ ፈከረ። እቲ ካብ 2001 ኣብ ውሽጢ ህግደፍን ጀነራላቱን ዝተቐብረ ጓህሪ ዛጊት ኣይጠፍአን ዘሎ።

ኣዛዚ ስርሒት ዞባ ሓሙሽተ /ማእከል/ ዝነበረ ውጩ ናብ እዚ ስርሒት ዞባ ክልተ /ባረንቱ/ ክቕየር እንከሎ ምስ ኢሳይያስ ብዛዕባ ኣመዳድባ መራሕቲ ክፍላተ-ሰራዊትን ብርጌዳትን ብዙሕ ህልኽን ምስሕሓብን ተፈጢሩ ነይሩ ኢዩ። ኣብ መወዳእት ግን ውጩ ነቶም ዝደልዮም ኣዘዝቲ ሰራዊት ከም በዓል ብ/ር ጀነራል ሚኪኤል ዮሃንስን ካልኦትን ሒዙዎም ናብ ባርካ ወረደ። እታ ንእሱራት ዒራ-ዒሮ ትሕሉ ዝነበረት ኣሃዱ ድማ፤ ብናይ ሌ/ኮ ሳፔቶ ዝተባህለ ሰብ ኣሃዱ ተተክአት።

እዚ ኢዩ’ምበኣር ሓቀኛ ምስሊ ኢሳይያስን ስርዓቱን። ብኣፍ ህዝባዊ ግንባር…ጅግና ህዝቢ…ምዑት ተጋዳላይ… ይከኣሎ!...ዋርሳይ ወራሲ!... ዓወት ንሓፋሽ!!

ነቲ ግፍዒ፣ ማሕበራዊ ፍትሒ… ነቲ ድኽነትን ዓጸቦን፣ ልምዓት… ነቲ ህንጡይ ወተሃደራዊ ዕንደራ፣ ወፍሪ… ነቲ ባዶ ደራጃ፣ ዘተኣማምን ባይታ… ገረውረው ንዝበለ ቆፋፉና፣ እኹል መግቢ…ንዝኽትምና ሕጻናት፣ ሕንቁቕ ኣተዓባብያ… ዋእ! ጠገለ ዘይርከቦ ጥዑም ቃላትን፤ ጠገለ ዘይርከቦ እከይ ተግባራትን ምንጽጻር የድልየና ኣሎ።

ልሳን ካልእ ትዛረብ፣ ኢድ ንዝተጠርጠሩ ኤርትራውያን ትደሊ፣ ካራ ድማ ክሳድ ዜጋታትና ናብ ምቑራጽ ንግሆን ምሸትን ትሰሓል። እዚ ኢዩ እቲ ጸወታ ጠላዕ ኢሳይያስ እምበኣር። ነዚ ጠላዕ’ዚ ከም ፉንቲን ጆከርን ኮይኖም ኣብ ውሽጢ ውድባትን ሰልፊታትን ካብ ኢሳይያስ ዝተዋህቦም መልእኽቲ ዝፍጽሙ ዘለዉ ሰብ ኪዳኑ፣ ጸብጻባቶም ካብ ኤውሮጳ ናብ ካምፖ-ቦሎ ከም ዝለኣኽ ኣይተሰወረን። ካብ ኣዒንቲ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ከምልጡ ማለት ድማ ዘበት’ዩ! ይኣክል…ሎሚ ትማሊ ኣይኮነን። ተኸታታሊ ጽሑፍ ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ ክቕጽል ኢዩ።

ገና ዘይተጋለጹ ዘለዉ ሕቡኣን ህግደፍ፤ ናይ ጥፍኣት ልኡኻት’ውን ብደቂ ህዝቢ ክቕልዑ ኢዮም። ንፋስ መንጠሊ ከም ዝኣተዎ ቆጽሊ ቀውዒ ሽዋሕዋሕ ኢሎም ክሳብ ዝወድቁ ከኣ ኣይክንገድፎምን ኢና’ሞ፣ ኣንቱም ነባሕቲ ተዃሉ ካብ ሎሚ ቅበጹ። ደም ደቂ ኤርትራ ኢኹም ትሰትዩ ኔርኩም’ሞ፣ ሎሚ ደምኩም ይጭኖኹም። ንገበናት መስፍን ሓጎስ ዝከላኸል ጠበቓ /መሓሚ/፤ ብቐጥታ ንገበናት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝከላኸል ዘሎ ሰብ ኢዩ።

ጠበቓን ጠበቕን ርእሶም እናነቕነቑ ይነብሩ ከም ዝበሃል ከኣ፣ ምንቕናቕ ርእሲ ጠበቓታት ኢሳይያስን ሰብ ብርኩን ኣየገርመናን። ጠበቓ መስፍን፣ ንድሕሪት ተመሊሱ እንተዝጥምት፣ ህጓጉያ መሸላ ይሕሉ ከም ዘሎ ምተገብዘበ። ሎሚ እቲ ፈረስ ብቕድሚት ኣሎ፣ ሰረጋላ ከኣ ብድሕሪት! ገበናትን ጉዳትን መስፍንን ካልኦትን ገና ክወጽኡ ኢዮም። ንሱ ካብ ሰብዓታት ንዝተገብሩ ገበናት ሜዳ፣ ብድሕሪ ኢሳይያስ  ኣፈወርቂ ዋና ተሓታቲ ኢዩ። ሎሚ ዘመን ሚለንየም’ምበር ግዜ ጲላጦስ ኣይኮነን!

ብድሕሪ ናጽነት ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻልን ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታትን ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፣ ወተሃደራዊ መዓስከር ሳዋ ቆይሙ፣ ንሱ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ዘለወሉ ሰልፊ ህግደፍ ተመስሪታ፣ ስንኩላን ማይ-ሓባር ተረሺኖም፣ ሃገርና ኤርትራ ብዞባታት ተበታቲና… ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ ናብ እንዳ ጎሓፍ ተደርብዩ! ኲናት ባድመ ብመደብ ኢሳይያስ ተባሪዑ ወ.ዘ.ተ…መስፍን ኣበይ ነይሩ? ስለዚ ብኣበሃህላ ተሓለቕቲ፣ ሎሚ መስፍን  ተቓላሳይን  ኣብ ጎድኒ’ዚ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ደው ኢሉ ኣሎ እንተኾይኑ፤ ጉጅለ 15 ኣድሓርሓርቲን ተንበርከኽቲን ነይሮም ማለት’ዩ።

ምእሳር ጉጅለ 15 ዕለት 18 መስከረም 2001 ዝተወሰነ’ዶ ይመስለኩ? ግርም ሓልዮት!!! ሕማም ተረኺቡስ ሰኣን ማእሲ ከም ዝበሃል፣ መስፍን ሓጎስ ሓሚሙ ንሕክምና ናብ ወጻኢ! ሸሪፎ፣ ጴጥሮስ፣ ብርሃነ፣ ዑቕበ፣ ድሩዕ፣ በራኺ፣ ጀርማኖ…ወዲ ከክያ…ሓመድ ሕምድ ወ.ዘ.ተ… ከኣ ናብ ዒራ-ዒሮ! ንሕና ግሩሃት! እዚ’ኳ ክውሕደና። ሎሚ ግን ይኣክል ንበል’ሞ፤ ኣብ ናይ ጽባሕ ሰላማዊትን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ የብጽሓና። እቲ ከውታ ዝነበረ ለይቲ ኤርትራውያን፣ ባና ብርሃን ይገብር ኣሎ። እቲ ብሕልፈት ኣራግጽ ደቢኑ ዝነበረ ናይ ቃልሲ ጎደናና ከኣ፣ ሕጂ ብንጹር ይርአ ኣሎ። እስከ ንሕሰብ! “ኣንጻር ኩሉ” ዝተገብረ ቃልሲ መን ሰሚዑ ይፈልጥ? ኣንጻር ህግደፍ፣ ኣንጻር ወያነ፣ ኣንጻር ሃገራዊ ዋዕላ፣ ኣንጻር ጎነጻዊ ምእላይ ንኢሳይያስ፣ ኣንጻር ሰልፊታት ኤርትራ፣ ወ.ዘ.ተ…

ክቡራንን ክቡራትን ኤርትራውያን! ኣብ መበል 11 ክፋል፣ ብተመሳሳሊ ንስርዓት ህግደፍ ዝፍልጽ ጽሑፍ ሒዘ ክመጽኣኩም እየ። ሎሚ ኣንጻር ኢሳይያስ ከም ዛርቲ ዘጉርዕ ህዝባዊ ማዕበል ይመጽእ ኣሎ። መን’ዩ ኣንጻሩ ደው ክብል? ኣንጻር ንጉስ ሃይለስላሰን ኣንጻር ንጉስ ሻህ መሓመድ ራዛ ባህላቪን ዝተንስአ ህዝባዊ ማዕበል መን’ዩ ዝዓገቶ? ክሳብ ሕጂ ቀሪቡ ዘሎ ጽሑፍ ድማ ካፋ’ምበር መሾምቦባ ኣይጀመረን። ብዙሓት ዘዝፈልጥዎ ገበናት ምስ ጸሓፉ ድማ፣ ኣብቲ ማይ ኣይሂ የራኽበና።

ኣለና! ከም ነጎዳ ሓጋይ፣ ድምጺ ዕቡሳትዩ። 

ኣለኺ+ኣለኻ+ኣለኽን+ኣለኹም= ኣለና።

ናባይ እትልእኩዎ ሓበሬታ፣ መአረምታን ለበዋን ድማ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻይ ንክትሰዱለይ ብትሕትና እሕብር።

 http://www.jeberti.com/index.php?option=com_content&view=article&id=928:2010-11-19-01-01-49&catid=36:arabic

alenakoena@gmail.com This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it

 

ክሳብ ሽዑ ከኣ ሰናይ ቅነ

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!

ይቕጽል