ጥልመት መራሕትን ካድራትን ጀብሃ

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከበሳ ኣብ 2010።


ናይ ትእዛዝ ቴለግራም ካብ ኣሕመድ ናስር 1979።


“ኣብ አኼባ ምምሕዳር ሽማግለ ከለና እያ እታ ቴለግራም መጺኣትና” ይብል ሓደ ካብቶም አብቲ ኣኼባ ዝነበረ አባል ምምሕዳር ሽማግለ። ነቲ ኣኼባ ዝመርሕ ዝነበረ ጠቕላላ አማሓዳሪ፡  ርእሱ እንዳነቕነቐ “እዚአስ ከባድ እያ ይብለና።” ይብል ተራኻይ።ከባቢ 1979፡፡ እዚ ተጋዳላይ፡ ጠቕላላ ኣማሓዳሪ ናይ ሓንቲ ካብተን ሰለስተ ናይ ከበሳ ምምሓዳራት እዩ ነይሩ።ናይ ከበሳ ኣውራጃታት ምምሕዳር 8፡9፡10 ተባሂለን እየን ዝጸውዓ ነይረን። ሓማሴን ሰራዬ ኣከለጉዛይ ማለት እዩ፡፤


ለካ እታ ቴለገራም፡ ህጽጽቲ፡ ካብ ተጋዳላይ ኣሕመድ ናስር እያ ነይራ። ብስርዒታዊ ቅርጻ ጀብሃ፡ ጠቕላላ ኣማሓደሪ ክፍሊ ምምሕደር ርክቡን ተሓታትነቱን ምስ አ/ወ ውድብ ስለ ዝነበረ፡ መምርሕን ትእዛዝን ካብ ኣሕመድ ናስር እዩ ዝቕበል ነይሩ። እወ። ኣሕመደ ናስር፡ እዚ ሕጂ ብኣቦወንበርነት ንግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዝመርሖ ዘሎ ገዲም ተጋዳላይ።

 

      እሞ እታ ቴለግርም እንታይ እያ ትብል ነይራ? ይብል ሓታታይ ። ሰፊሕ ኣኼባ ካድራትን መራሕቲ ግንባርትን ከድልየና ስለ ዝኾነ፡ ኣኼባና ቀልጢፍና ንወድእ እሞ ነናብ ቦታና ምምላስ ከድልየና እዩ። ይብል። እሞ እታ ቴለገራም እንታይ'ያ ትብል ቢሎም ብጾቱ ይህውኽዎ። እታ ካብ ኣሕመድ ናስር ዝተላእከት ህጽጽቲ ደብዳቤ/ቴለግራም ትሕዝቶአ…..አብ ቀጻሊ።

ቅድሚ አብ ትሕዝቶ ቴለግራም ምእታውና.. ገለ ካብ ድሕረ ባይታ ንምጥቃስ ዝአክል…

·         ዓይንኻ ተደፈን ዝብሎ ኣይነበረን።

·         እቶም እንዳ ዓብደላ ዝበሃሉ ዝነበሩ ሕጂኸ መን ይበሃሉ…? .

·         ኣሕመድ ናስር ካብ ቤት ማእሰርቲ ራሳይ ምስ ወጸ ንዳግማይ ትንስኤ ጀብሃ ጻውዒት መጾ።

·         ኣሕመድ ናስር፡ ሎም ዘበን ግን አይግድን።


ዓይንኻ ተደፈን ዝብሎ ኣይነበረን።


ኣሕመድ ናስር፡ ብሰራዊት ሓርነት ፍትዊ እዩ ዝነበረ። ዓይንኻ ተደፈን ዝብሎ አይነበረን። ውሑዳት ዘይፈትውዎ ከም ዝነበሩ ፍሉጥ እዩ። መብዝሕትኡ ግን እንዳ ዓብደላ ምቅላስ ዝኸልእዎ ሕያዋይ፡ ለጋስ፡ ሓሶት ዘይፈቱ፡ በደል እንዳረአየ ትም ምባል ዘየኽእሎ፡ ንሓድነት ህዝቢ ከም እምነ-መሰረት ፖለቲካዊ እምንቶኡ ዝርእን ዝቃለሰን ተባዕን ንጹህን ተጋደላይ ገይሩ እዩ ዝወስዶ ነይሩ።

      ከምኡ ስለ ዝነበረ ኸአ፡ ኣሕመድ ናስር፡ እታ ንሰራዊት ሓርነት ዝረኸበት በደልን ግፍዕን ረኺባቶ እያ። ምስቶም ዝመርሖም ዝነበረ ጅግና ሰራዊት ሓርነት ግዳይ በደል ራሳይ ኰነ።  ሑሳን ከሊፋ ዝመርሓ ዝነበረ፡ ንመልአከ ተኽለ ዝቐንጸለት፡ ካብ ሓደ ወገን ጥራይ ዝቐመት ናይ ቅንጸላ ወተሃደራዊት ኣሃዱ፡ ከም ሰራዊት ጸላኢ ምስ ብጾቱ ኣባላት ፈ/ሽ፡ ማለት፡ ደጊጋ፡ ቶቲል፡ሓይልአብ ዓንዱ.. ማረኸቶ። ምስ ብጾቱ ኸአ ተአስረ ።አብታ ዕለት፡ 03-25-82፡ ነቶም ይብድሁና እዮም፡ ንሰራዊት ሓርነት ከም እንደገና ወዲቦም ናብ ሜዳ ክመልስዎም ይኽእሉ እዮም ዝበሎዎም ካድራት እውን አሰርዎም። ሓደ ካብቶም ሽዑ እተኣስሩ ካድራት፡ እዚ ሎሚ ንተዳሙን ብምግልጋል፡ ንተቓወሞ ዝሕምስ ዘሎ ተወልደ ገብረስላሴ ነበረ።

እንዳ-ዓብደላ-ናይ ሎሚ ተዳሙን፡ መልአከ ተኽለ ቀንጺልካ ንመራሕቲ ኣሲርካ ነቲ ሓበሽ ዝብልዎ ዝነበሩ ጅግና ሰራዊት ሓርነት ፋሕ ናይ ምባል መደብ አብ ምትግባር ተጓየዩ።

አብ ራሳይ፡ ኣሕመድ ናስር ዝነበራ ተንዳ/ዳስ፡ ጥቓ እታ መልኣከ ዝተቐንጸለላ ንእሽቶ መሓዝ/ሩባ እያ ነይራ። ኣብ ራሳይ ተዅሲ ምስ ኰነ፡ እሞ መቕተልቲ ከም ዝነበረ ምስ ተሰምዔ፤ ኣሕመድ ናስር ሓደ ካብ ተቐተልቲ ከይኰነ ኣይተርፍን ዝብል ፍርሃት ነበረ። እንዳ ዓብደላ ብሕሱም ይጸልእዎ ከም ዝነበሩ ስለ ዝዕለል። ፍግም ዘበልዎ ግን ንጅግና መልአከ ተኽለ ነበረ።

እቶም እንዳ-ዓብደላ ዝበሃሉ ዝነበሩ፡ እዞም ሕጂ ንብዓል ዶቶር ዮውሃንስ ዘርአማርያም፡ አቦይ መዋእል መብራህቱ፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ክርስትያን ዝነበሩ አባላቶም፡ ካብቲ ውድብ ሰጒጎም፡ ተ.ሓ.ኤ ናብ እስላማዊት ውድብ ዘቐየሩ እዮም። በዓል ሑሰን ከሊፋ ዝመራሕቶም፡ ንኸሎም ነቶም ብሃይማኖታዊን ቀቢላውን ዓይኒ ንዓኦም ዝመስሉን ዝስርፍዎም ዝነበሩን ንኽምሃርሎም ናብ ወጻኢ ዝሰደድዎምን አኪቦም ብተዳሙን ዝፍለጥ ናይ ሃይማኖት ግንባር ዝፈጠሩ ኢዮም፡፡ አስላማዊ ንሕናን ዕላማናን ዝኣወጁ ሰክታርያን ጉጅለ።


እቶም እንዳ ዓብደላ ዝበሃሉ ዝነበሩ ሕጂኸ መን ይበሃሉ…?

ቅድሚ ናብ ኣርእስታና ምቕጻልና፡ እዞም እንዳዓብደላ ዝበሃሉ መን እዮም ዝብል ሕቶ ካብ መንእሰያትን ታሪኽ ጀብሃ ዘይፈልጡን ክመጽእ ስለ ዝኽእል፡ ካብቲ ሒዝናዮ ዘለና ኣርእስቲ ቁሩብ ፍንትት ኢልና፡ ኣሕጽር ኣቢልና፡ ክንላልዮም።

እንዳዓብደላ ዝበሃሉ፡ እዞም ሕጂ ተዳሙን ዝፈጠሩ እዮም። ኰሎም አብ ጃብሃን ከባቢአን ዝነበሩ ናይ ራሳይ ቀንጻሊ መስመር ዝደገፉን ሕጂ’ውን ንወገናዊ ቀንጻሊ መስመር ራሳይ ዝቕጽሉ ዘለዉን እዮም። ብሕጽር ዝበለ፦ 

-    አብ ጀብሃ ብደረጃ ፈጻሚት ሽማግለ ንውድብ ዝመርሑ ዝነበሩ

-    አብ ጀባሃ ብደረጃ ገድላዊት ባይቶ ውድብ ዝመረሑ ዝነበሩ

-    አብ ጀበሃ ብደረጃ ካድራት ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ

-    አብ ጀብሃ ብደረጃ ሓላፍነት ዝልለዮ ዝነበሩ፡ ጀብሃ ሓበሽ በዚሖማ ኢሎም ብረት ኣውሪዶም ዝሃደሙን ናብ ኣፍጋኒስታን ምስ ጣሊባን ምግዳል ዝመረጹን

-    አብ ጀብሃ ብደረጃ ሓላፍነት ዝልለዮ ዝነበሩ፡ ጀብሃ ሓበሽ በዚሖማ ኢሎም ብረት ኣውሪዶም ዝሃደሙን አብ ሱዳን ናይ ጂሃድ ምንቅስቓስ ዘገበሩን፡ ህዝባዊ ሰራዊት ምስ ደርጊ አንዳተረጋረገ ከሎ ብድሕሪት ዝወቕዕዎ ዝነበሩን

-    አብ ጀበሃ ተጋደልቲ ክንሶም ፍሉይ መሳርፍ ዝወሃቦም ዝነበሩ

-    አብ ጀበሃ ብማእሙሪያ/ብዕረፍቲ ወይ ብሕማማ ብረት ኣረኪቦም ካብ ሜዳ ናብ ሱዳን ምስ አተዉ ዘይተመልሱ ግን ጌና መሳርፍ ዝወሃቦም ዝነበረ( ዋላ’ውን ውድብ ገንዘብ ተሸጊሩ ዝነቐዘ ወዲ ዓክር ይምገብ አብ ዝነበረሉ ጊዜ)

-    ኤርትራዊ መንእሰይ ትምህርቱን ናብርኡን ገዲፉ አብ ጀብሃ ተሰሊፉ አንዳተቓለሰ ኸሎ፡ ብወገን ተሓራዮም፡ አብ መጻኢ ጊዜ ኸገልግልዎም ተባሂሎም፡ ንትምህርቲ ናብ ማእከላይ ምስራቕ ዝተላእኩን ክምሃሩን ዝተፈቕደሎምን፡ ሕጂ ብስም መንእሰያት ይምርሕዎ ዝብል ሽፉን ንተቓውሞ ክመርሑ ዝምልምልዎም ዘለዉ እዮም። (በሺር ይስሓቕ ሓደ ካብኦም እዩ። በሺር ይስሓቕ፡ እዚ ሕጂ ዋዕላ ክገበር ዝጓየ ዘሎ ባእታ፡ ኣቦ ወንበር ማሕበር ተመሃሮ አብ ዝነበረሉ ጊዜ፡ ነቲ ብጉጅለ ዓብደላ አብ ራሳይ ዝተወስደ፡ ንመልአከ ተኽለ ዝቐንጸለ ንበዓል ኣሕመድ ናስርን ካድራት ጀብሃን ዝአሰረ ቀንጻሊ ስጉምቲ ብምድጋፍ ናይ ዮውሃና ተለገራም ዝሰደደን፡ ሎሚ እያ ጀብሃ ዝጸረየትን ኢሉ ታሕጓሱ ንዓብደላ ኢድሪስ ዘገለጸን፡ ንተቓውሞ አብዚ ዘለዎ ኩነታት ዝሸመመ ብኹቱር ጽልኢ ደቂ ከበሳ ዝዓወረ መንደላይ ተመን እዩ።)

እወ። እምበአር እቲ እንዳዓብደላ ዝበሃል ዝነበረ፡ እዚ ሕጂ ተዳሙን ተባሂሉ ሓዲሽ ሃይማኖታዊ ግንበር ኰይኑ መጺኡ ዘሎ፡ ንህዝቢ ዝጠለመ፡ ንጃበሃ ፋሕ ዘበለ፡ አብ ዘመነ-ተስፍያ ዝነበር ዘሎ አረጊት መሪሕነት ጀብሃን ደገፍቱን ኸገልግልዎ ናብ ወጻኢ ዝለአኾም ተመሃሮን እዮም።

ናብ ኣርእስታና ብምምላስ..        

ካብ ቤት ማእሰርቲ ራሳይ ምስ ወጸ ንዳግማይ ትንስኤ ጀብሃ ጻውዒት መጾ።

ኣሕመድ ናስር፡ ብጉጅላ ዓብደላ-ናይ ሎሚ ተዳሙን፡ አብ ራሳይ ተአሲሩ ምስ ተሰምዔ፡ ካብ ሰራዊትን ህዝብን ዝያደ ደገፍን ተቐባልነትን ረኸበ። ተኣሲሩ ምስ ወጸ ኸአ ንዳግማይ ትንስኤ ጀብሃ ጻውዒት መጾ። ውደብ ክጥርንፍ እዪ። ሜዳ መሪሑና ክምለስ እዩ፡ ሓዳሽ ጀብሃ ክትፍጠር እያ ዝብሉ ውሑዳት ኣይነበሩን።

አብ ኮሮኮንን ታህዳይን ዝነበረ ሰራዊት፡ ኣሕመድ ናስር ናብ ኮሮኮንን ታህዳይን መጺኡ፡ ነቲ ዝዳኸምን ዝልሕልሕን ዝነበረ ሓድነት ሰራዊት ሓርነት ክፍውስን ክኣልን ትጽቢት ተገይርሉ ከም ዝነበረ ይዝከር። ሳግም ከይተረፉ፤ ተስፋኦም ናብ ኣሕመድ ናስር ኣቕንዑ።

      ነዚ ምስክር ዝኸውን፡ በዚ ሕጂ አባል ካቢነ መንግስቲ ኤርትራ ዘሎ ዶክቶር ገረጊሽ ዝቕረበ ለበዋን ምሕጽንታን ይዝከር። እቲ ኩናታት ከምዚ ነበረ..

      ኣሕመድ ናስር፡ ካብ ቤት ማእስርቲ ራሳይ ምስ ወጸ፡ አብ ከሰላ እዩ ኣዕሪፉ ነይሩ።አብ ከሰላ ኩሉ ሰብ፡ እንቋዕ መዋጽእቲ ፈጠረልካ ክብል ነታ ኣዕሪፍላ ዝነበረ ገዛ ዓቕላ የጽብበላ ነይሩ ።እዚ ደራሳይ’ውን ከም ሰቡ ሰላም ክብል ይኸይድ እሞ፡ አብቲ ኣሕመድ ናስር ዝነበሮ ክፍሊ ይአቱ፤ ኣሕመድ ናስር ምስ ዶቶር ገርጊሸ ክዘራረቡ ይርኢ። ዕላል አውን ይቕጽል። አብ ቅድሚ’ቲ ክበጽሕ ዝመጸ፡ መብዝሕትኡ ተጋዳለይ፡ ነፍሰ-ሄር ዓብደላ ናስር እውን ዝነበሮ፡ ዶቶር ገርጊሽ ንኣሕመድ ናስር፡ ከምዚ ክብል ተማሕጸኖ፦

“ብጻይ ኣሕመድ ናስር፡ እንቋዕ ብህይወትካ መጻእካና። ክሳብ ሕጂ ብብርቱዕ ቃልሲ ሰራዊትካ ሒዝናልካ ጸኒሕና አሎና ሕጂ ግን ሰራዊትካ ተቐበለና፡ ተረከበና” ይበሎ። ኣሕመድ ናስር ፍሽኽ አንዳበለ ርእሱ ጥራይ ነቕነቐ። እታ ልምድቲ አይዋ…ኣይዋ ኸአ በለ። ዶቶር ገርጊሽ፡ አብቲ ጊዜ’ቲ መራሒ ናይ’ቲ አብ ኮሮኮንን ታሕዳይን ዝነበረ ብሳግም ዝፍለጥ ናይ መሰረታት ምንቅቓስ እዩ ነይሩ።

     ትጽቢታት ዳግማይ-ትንሳኤ ሃገራዊት ዲሞክራስያዊት ጀብሃ ግን መኻን ኰነ። አብ መንጎ ሳግምን ሰውራዊ ባይቶን ከቢድ ፍለለይን ኹናትን ይፍጠር። ኮታ ልክዕ ከምዛ ናይ ሎም ዘበን። ብር እንተበልካ ሕልሚ እኮ እዩ። ፈረንሳይ Deja Vu  ይብልዎ። ሳግም( ተወልደ ገብረስላሴ) ደ.ማ.ሓ.ኤ (ዓብደላ ማሕሙድ) ብሐደ ወገን፡ ሰውራዊ ባይቶ (ወልደሱስ/መንግስተአብ አስመሮም) በቲ ካላእ ሸነኽ። ናይ ጀብሃ ዕንክሊል አብ 2010።
አንዳ ዓብደላ-ተዳሙን ከም ኣመሎም መናኸስቲ..

አብ ከባቢ1983 ጀብሃ ናብ ሰልስተ ትምቀል። ጉጀለ ራሳይ (ናይ ሎሚ ተዳሙን) ሰውራዊ ባይቶ፡(ናይ ሎሚ አብ ሰዲህኤ ዝአተዉ)  ሳግም (ናይ ሎሚ አ/ወ ኪዳን ተወልደ ገብረስላሴ ዝመርሖም) ፡ ተባሂሎም ከአ ተጸውዑ። ሳግም ምስ ህግ ስምምዕ ብምግባር ንሜዳ ይአቱ፤ አብ ሓድሕዶም ምስምማዕ ይስአን፤ በዓል ቶቲል፡ ዘምህረት፡ ስውእ ብርሃነ ሃይለ፡ አብርሃለይ ፡ ገበሬ..ዘለዎም ናብ ህግ ይኸዱ፡፡ እዚ ሕጂ አቦ ወንበር ኪዳን ዘሎ፡ ተወልደ ገብረስላሴ ዝመርሖም ክፋል ሳግም፡ ምስ ወያነ ስምምዕ ብምግባር አብ ከባቢ1983-1984 ናብ ትግራይ ይሶልኩ። ሰውራዊ ባይቶ አብ ሱዳን ይንቀሳቐሱ፡ ብኽሲ አንዳ ዓብደላ ኸአ ብዙሓት ካድራቶም ብመንግስቲ ሱዳን ይእሰሩ። እንዳ ዓብደላ፡ ደቂ ከበሳ ዘይብላ ጽርይቲ ጀብሃ ፈጢርና ኢሎም አምባሕ በሉ። ንይምሰል ግን፡ ነዞም ተዳሙን ክምስርቱ ኸለዊ ዝሰጎጉዎምን ከምኡ እውን ስዉእ ወልደ-ዳዊት፡ ተስፋይ ገብረመደህን ይሳቕን ካልኦትን ሒዞም ገጾም ማስከራ ኽገብርሉ ፈተኑ። መስዋእቲ ወልደ-ዳዊትን ካልኦትን ይስዕብ። ቅንጸላ ወልደ-ዳዊት፡ ምስ ኩነታት ናይቲ አብ ራሳይ ዝተቐትለ ጦፉ ዘተአሳሳርዎ አይሰአኑን። እወ። እቲ ጦፍ ናይ ወልደ ዳዊት፡ ካብ ራሳይ ክሃደም ተረኺቡ ተባሂሉ፡ ብጥይት ተዅሲ ከይስማዕ ብእምኒ ጨፍጪፎም ዝቐተልዎ እዩ ኢሎም አብ ራሳይ የዕልሉ ከም ዝነበሩ ይጽወ። ስዉእ ወልደ-ዳዊት በዚ ጉዳይ ጉህዩ ከም ዝነበረ አውን ይዕለል እዩ። እዚ ኹሉ ኣብ ራሳይ። ዘተሓትት ነገር ዘለዎ ይመስል። አብ ጊዚኡ።

ኣሕመድ ናስር ምስ ሰውራዊ ባይቶ ይውግን። መራሒ ሰውራዊ ባይቶ ኰይኑ ኸአ ንነዊሕ ይጸንሕ። ድሕሪ ስደት፡ ንቑሩብ ጊዜ ካብ ቃልሲ የዕርፍ። ጸኒሑ ናብ ቃልሲ ይምለሰ። ደጊሙ ኸአ አቦ ወንበር ሰውራዊ ባይቶ ይኸውን። ድሕሪ 5ይ ጉባኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ሰውራዊ ባይቶ ይፍንጨል። ኣሕመድናስር ምስ’ታ ደሓር ተ.ሓ.ኤ. ሃገራዊ ገባኤ ተባሂላ ዝተሰምየት ክፋል ሰውራዊ ባይቶ ይውግን። ተ.ሓ.ኤ ሃገራዊ ባይቶ ውድቡ ኣፍሪሱ አካል ናይቲ ዝሰመረ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ይኸውን። አብዚ ቀረባ ጊዜ፡ እቶም ብብርሃነ ሃንጀማን ዓብደላ ሱለማንን ዝመርሑ ዝነበሩ አካላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ እንተ ብኸፊል አንተ ብምልአቶም ካብ ድሕነት ግንባር ይፍለዩ እሞ ብተግባር ግንባር ድሕነት በቶም መሪሕነትን አባላትን ተ.ሓ.ኤ ሃገራዊ ግንባር ዝቐመት ኰነት። ከም ኣቦ ወንበራ ኸአ ኣሕመድ ናሰር ተመርጸ። ኣሕመድ ናስር፡ ካብ 75 ኣተሒዙ፡ ኣቦ ወንበርነት ከይተፍልዮ፡ ሎሚ ንድሕነት ግንባር ከም ኣ/ወ ክመርሕ ይርከብ።

ኣሕመድ ናስር፡ ሎም ዘበን ግን አይግድን።

ኣሕመድ ናስር፡ ሓርበኛ፡ብጉዳይ ልዕላውነት ሃገርን ብሓድነት ህዝቡን ፈልከት ዘይብል መርገጽ ዘለዎን፡ ብትሪ ዝቃለስ አብነታዊ መራሒ አዩ ነይሩ ዝብሉ ብዙሓት ነይሮም። ሎም ዘበን ግን እንድዒ።

 Source http://www.meskerem.net/Telmet.htm