ዘይሕጋዊ ውሳነ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ልዕሊ ዓለም-ለኻዊ ምትእስሳር ኤርትራውያን (EGS)

Thursday, 08 March 2012 19:36 ዓለም-ለኻዊ ሓድነት ኤርትራውያን (EGS)
http://tig.asmarino.com/tig/press-releases/1189--egs

ጽላል ሲቪካውያን ማሕበራት ዓለም-ለኻዊ ምትእስሳር ኤርትራውያን (EGS) ናብ’ዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘሎና መዋእል ሃገራዊ ባይቶ ንምብጻሕ ኣብ ዝተኻየደ ነዊሕን ዝተሓላለኸን ጉዕዞ ታሪኻዊ ጉቡኡ ዘበርከተ ማሕበር እዩ። EGS ንመስርሕ ሃገራዊ ዋዕላ ብዕግበት ተቐቢሉ ኣብ ምድላው ይኹን ኣብ ግዜ ዋዕላ ዓቢ ግደ ከም ዝተጻወተ መዝገብ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ኣብ መጨረሻ ድማ ኣብ ምድላው ጉባኤ ይኹን ኣብ ምዕዋት ጉባኤ ልዑል ተራ ከም ዝነበሮ ምስክርነት ዘየድልዮ ጉዳይ እዩ። ማሕበርና ምስ’ተን ነዚ መስርሕ እዚ ንምዕዋት ዝተሰማምዓ ትካላት በዓል-ብርኪ ንኽኸውን ካብ ዘተባብዕዎ ነገራት ሓደ፡ “ውሁድ ቃልሲ” ንዓወትካ ከም ዘቀላጥፍ ስለ ዝኣምን እዩ። ምንም እኳ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ሃገራዊ ባይቶን ዘይምርዳዳእ ይፈጠር እምበር ኣብ ተሳኒኻ ምቅላስ ዘሎና ርእይቶ ግን ኣብ ቦትኡ ኣሎ።

ኣብ’ዚ ዝሓለፈ መዓልታት ኣቦ መንበር ሃገራዊ ባይቶ ንመንበር EGS ከም ዘደስከሎ ዝገልጽ ውሳኔ ኣሕሊፉ። መደስከሊኡ ምኽንያት ከኣ ኣብ ደብዳቤኡ ገሊጹዎ ኣሎ። ብወገንና ድማ ህዝቢ ሓቁ ክፈልጥ ኣሎዎ ኢልና ስለ እንኣምን ነታ ዝነበረት ኩነታት ከምዘላታ ነቕርበልኩም። ንሕጂ ነቲ መደስከሊ መንበርና ዘበገሶ ኩነታት ጥራይ ክንገልጽ ኢና። ኣስዒብና ኣብ ዝመጽእ ጽሑፍና ድማ ሲቪካዊ ማሕበርና ኣብ ጉባኤ ዝተጻወቶ መሪሕ ግደን ዘጓነፎ ተጻብኦታትን ከነስዕበልኩም ኢና።

ኣብ መደምደምታ ጉባኤ ንቑጽሪ ኣባላት ባይቶ እትውዝዕ ኣምራጺት ሽማግለ ብዘይካ ካብ ሲቪላውያን ማሕበራት ካብ ኩለን ነቲ ጉባኤ ዘቖማ ኣካላት ተመርጸት። እዛ ኣካል እዚኣ ነናብ ዝወከለቶ ዞባ ተመሊሳ ነቲ ንዞባታት ዝተሰልዐ ቁጽሪ ንኽትሕብርን ምርጫ ናይ ህዝቢ ንኸተካይድን ተገብረ። በዚ መሰረት ናይ ሰሜን ኣመሪካ ኣምራጺት ሽማግለ ነቲ ዝተሰላዓላ ቁጽሪ ብኸምዚ ዝስዕብ ንተሳተፍቲ ጉባኤ ሰሜን ኣመሪካ ሓበረት። ንሱ ከኣ 20% ንደቀ-ኣንስትዮ፣ 20% ንመንእሰያት፣ 10% ንሲቪላውያን ማሕበራት፡ ዝተረፈ ድማ ህዝቢ ከም ዝመራረጸሉ እዩ ነይሩ። እቲ ንሲቪላውያን ማሕበራት ሰሜን ኣመሪካ ዝተዓደለ 10 ሚእታዊት ናብ ኣሃዝ ክልወጥ እንከሎ ሓደን ፈረቓን መጽዩ። ንሕና ድማ፡ በቲ ነዚ መስርሕ’ዚ ንምዕዋት ዝገበርናዮ ኣስተዋጽኦ እንተዝምዘን ብርግጽ ኣዝዩ ካብ ሓደን ፈረቓን ንላዕሊ ምበጽሓና፤ ኮይኑ ግን ከም’ዚ ዝበሃል ዘሎ ሓደን ፈረቓን ዝበሃል ሰብ ስለ ዘየልቦ ክልተ ክዋሃበና ሓቲትና። ዝተዋህበና መልሲ ግን ሓደ ጥራይ ከም ዝፍቀደልና ኢዩ ነይሩ። ደጊምና’ውን ንኣምራጺት ሽማግለ ሰሜን ኣመሪካ እቲ ዝተዋህበና ሓደን ፈረቓን ናታቶም ፍርቂ እንተፈቒዶሙልና ክልተ ክኾነልና ከምዝኽእል፤ ብኣንጻሩ ድማ ንሕና ናትና ፍርቂ ክንህቦም እንተወሲንና ድማ ንዓኣቶም ሓደ ሙሉእ ክኾነሎም ከም ዝከኣል ድሕሪ ምሕባርና፤ ክልተ ክወሃበና ሓቲትናኩም ካብ ኣበኹም እታ ናትና ፍርቂ ክትጥቀሙላ ድማ ኣይንፈቅድን ኢና እሞ  ከም ዘላታ ክትጸንሕ ኣሎዋ በልናዮም።

ኣብ ውሽጢ እቲ ኣኼባ ኴንካ ክትመኻኸር ኣጸጋሚ ስለ ዝነበረ ድማ ኣባላትና ንክንመኻኸር ንደገ ወጻእና። ካብ’ቶም ኣኼበኛታት ደድሕሬና ስዒቦም ብምውጻእ ነቲ ጉዳይ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ጻዕርታት ኣካየዱ። ሓደ ካብ’ቶም ዝሰዓቡና ዶክተር ማሓመድ በሽር ኢዩ ነይሩ። ዶክተር መሓመድ ጉዳዩ እንታይ እዩ ምስ በለና ድማ፡ ንሕና “ነታ በጺሓትኩም ዝብሉና ዘሎው ናይ ሓደን ፈረቓን ብጽሒት ክልተ ግበሩልና ኢና ንብል ዘሎና” ምስ በልናዮ፡ ዶክተር መሓመድ በሽር ድማ “ካብ’ዚ ዝቐልል የልቦን፡ የግዳስ ሽግርኩም ንሱ ጥራይ ይኹን እምበር ክልተ ድኣ ንህበኩም” ብማለት ናብ ውሽጢ ኣኼባ መለሰና።

ኣብ ውሽጢ ምስ ኣቶና እቲ ኣርእስቲ ተቐይሩ “ካብ ሓደ ንላዕሊ ቁጽሪ ምእንቲ ክትረኽቡ ብሽም ማሕበር ዝተዓደልትኩም ሓንቲ መንበር ገዲፍኩም ምስ ህዝቢ ተመራረጹ” ይብሉና። ንሕና ድማ ማሕበርና ፈንጢሕና ምስ ህዝቢ ኣይንምረጽን ንብል እሞ፡ ንርእይቶና ዋጋ ከይሃቡ ንምርጫ ንሕጸ ይብሉ። ንሕና ድማ ንዶክተር መሓመድ ክልተ ክንህበኩም ኢልካ ኣእቲኻናስ ንምንታይ ሕጂ ንሕጸ ትብሉ ኣሎኹም? ምስ በልናዮ፡ ዶክተር መሓመድ ድማ “ኣነስ ምእንቲ ክትኣትዉ ኢለ እየ ከምኡ ዝበልኩኹም” ይብለና። ጉዳዩ ከም’ዚ እንዳቐጸለ እንከሎ ክሓጽዩ ይጀምሩ እሞ ካብ’ቶም ሕጹያት ኣባላት EGS ድማ ተኽላይ ኣብራሃን ዶክተር ዮናስ መሓርን ነበሩ። ሕጹያት ፈቓደኛታት ምዃኖም ከይተሓተቱ ድማ ብተብተብ ናብ ምርጫ ኣምርሑ። ንሕና ድማ እቲ ኣገባብ ሕጹያት ፈቓደኛታት ምዃኖም ክሕተቱ ኣሎዎም ስለ ዝበልና ክንሕተቱ ተገብረ። ኣጋጣሚ ተኽላይ ኣብራሃ ሕጹይ ቁጽሪ ሓደ ስለ ዝነበረ ክምረጽ ፍቓደኛ እንተኾይኑ ተሓተተ እሞ መልሱ ድማ ከም’ዚ ዝስዕብ ነበረ። “ነቶም ዝሓጸኹምንን ንሕጸይ ዝደገፍኩምን ዝለዓለ ምስጋናይ የቕርብ።እትኽተልዎ ዘሎኹም ኣገባብ ግን መስመሩ ዝሰሓተ እዩ። ነዚ ኣገባብ እዚ እንተድኣ ተሰማሚዕናሉ ንውጽኢቱ ክንቃወሞ ኣይንኽእልን ኢና። ስለ’ዚ ማሕበረይ ፈንጢሐ ምስ ህዝቢ ክምረጽ ፍቓደኛ ኣይኮንኩን” ይብል። ዶክተር ዮናስ መሓሪ’ውን ተሓቲቱ ተመሳሳሊ ሓሳቡ ብድሕሪ ምግላጽ ክልቲኦም ሕጹያት ኣባላትና ካብ’ቲ  ቦታ ናይ ዞባዊ ምርጫ ወጹ።

ብድሕሪ እዚ ዘይተጸበናዮን ንሓድነትና ዝፈታትንን ኣሉታዊ ተረኽቦ ዘይዕግበትና ንሰክረታርያ ከነፍልጥ (Protest) ዝሓሸ ኣማራጺ ኮይኑ ስለ ዝረኸብናዮ ጥርዓንና ናብ ኣቦ መንበር ሰክረታርያ ብቓልን ብጽሑፍን ኣቕረብና። ኣብ’ዚ ክንጸር እንደልዮ ከም’ቲ ሓደ-ሓደ ‘ጉባኤ ረጊጾም ወጺኦም” ዝብልዎ፡ ካብ ጉባኤ ኣይወጻእናን። ዝወጻእናዮ ካብ ናይ ሰሜን ኣመሪካ ናይ ምርጫ መኣዲ እዩ። እዚ ድማ ጉባኤና ዝሃበና ጸጋ ተጠቒምና ውሒዱናን በዚሑናን ክንብል መሰልና ምዃኑ ስለ ዝኣመንና እዩ። ክዝንጋዕ ዘየብሉ ከም’ዚ ዓይነት ተመሳሳሊ ውጥረት ኣብ መንጎ ኣባላት ኪዳንን፡ ወጻኢ ካብ ኪዳን ዝኾና ፖለቲካውያን ውድባትን እውን ነይሩ እዩ። ኩልና ተሳተፍቲ ጉባኤ ሓደ መሰል ስለ ዝነበረና ድማ ናይ ሓዴና ቅኑዕ ኮይኑ፤ ናይ’ቲ ካልእ ጌጋ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።

..............ጥብቆ ደብዳቤና ተመልከት...........

ናብ ኣቶ ሳልሕ ዑመር ኣቦ መንበር ሰክረታርያ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፤
ክቡር ኣቦ-መንበር፡-

ሰላምታና ብምቕዳም ትማሊ ምሸት ኣብ ኣገባብ ኣተዓዳድላን ምርጫን ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ዘይምርድዳእ ከም ዝተኸሰተ ክንሕብረካ ንፈቱ። ብመሰረት ብጽሒት ሰሜን ኣመሪካ ኣምራጺት ሽማግለ ንሲቪካውያን ማሕበራት 10% ካብ ሚእቲ ከወሃብ ምስ ሓበረት፡ እዚ ናብ ኣሃዝ ተቐይሩ ሓደን ፈረቓን ምዃኑ ኣረጋገጽና። ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ንኣምራጺት ሽማግለ ሓደን ፈረቓን ዝበሃል ሰብ ስለ ዘየለ ክልተ መናብር ክወሃበና ሓተትና። ኣምራጺት ሽማግለ ግን ንሕቶና ብምንጻግ ሓደ እዩ ዝግባኣኩም ብማለት መለሰትልና።  ሓደን ፈረቓን ብርግጽ፡ ሓደ ወይ ክልተ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ግን ሓደን ክህብ፡ ሓደን ድማ ክወስድ ሕድገታት ምስ ዝህሉ ጥራይ እዩ። ጉዳዩ ኣከራኻሪ ኮይኑ ንሓጺር ግዜ ምስ ቀጸለ እንደጌና ካልእ ሓሳብ ከም ኣማራጺ ሂቦሙና። ንሱ ከኣ “እቲ ሲቪካዊ ማሕበር ዝበሃል ገዲፍኩም ምስ ህዝብኹም ተመራረጹ እሞ ካብ ሓደ ንላዕሊ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም” ዝብል እዩ። በዚ መሰረት እውን ከይተሰማማዕናሉ እንከሎና ምስ ህዝቢ ክንመራረጽ ንኽልተ ኣባላት EGS ሓጸዩ። ሕጹያት ንኽንምረጹ ፈቓደኛታት እንተኮይኖም ኣብ ዝተሓተትሉ እዋን ድማ፡  “እዚ እትኽተልዎ ዘሎኹም ኣገባብ ሕጋዊ ኣይኮነን። ነዚ ጉጉይ ኣገባብ ሕጂ እንተዳኣ ተቐቢልናዮ ድማ ንውጽኢቱ ክንቃወሞ ኣይንኽእን ኢና። ብማሕበር ደረጃ ተሳቲፍና ምስ ህዝቢ ወሪድና ዘመራርጽ የብልናን ካብ ዝብል ጽኑዕ እምንቶና ተበጊስና ካኣ “ማሕበርና ፈንጢሕና ምስ ህዝቢ ክንመራረጽ ፈቓደኛታት ኣይኮንናን” ብማለት ነቲ ናይ ምርጫ መስርሕ ኣይተኻፈልናዮን።

ዝከበርካ ኣቦ መንበር፡ EGS ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዋዕላ፡ ሕጂ’ውን ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ጉባኤ ዘበርከቶ ኣስተዋጽኦ ኣብ ግምት ኣእቲና ካብ ክልተ መናብር ንላዕሊ ምተገባኣና ንብል። ግን ከኣ ቃልሲ ስለ ዝኾነ ነቲ ኣብ መስርሕ ጉባኤ ይኹን ሕጂ ኣብ ርእሲ ስቪካዊ ማሕበርና ክግበር ዝጸንሐን ዘሎን ጸቕትታት በቲ ሕጋዊ እዩ ኢልና እንኣምነሉ ኣገባብ ንኻልኣይ ግዜ ተቓውሞና ብጽሑፍ ነቕርበልካ ኣሎና። ተሸኪምካዮ ዘሎኻ ሓላፍነት ከቢድ ምዃኑ ይርዳኣና እዩ፤ እንተኾነ ነቲ ብጉባኤ ዝተወሰነልና ሓደን ፈረቓን መንበር ክልተ ኮይኑ ክወሃበና ንኽትታሓባበረና ብትሕትና ንሓትት።
ተኽላይ ኣብራሃ
ዓለም-ለኻዊ ሓድነት ኤርትራውያን (EGS)
December 1, 2011

.ኣቦ መንበር ሰክረታርያ ድማ ምስ ኣባላት ሰክረታርያን ኣምራጺት ሽማግለን ክዘራረበሉ እየ ኢሉ ኣፋነወና። ኣብ ካልኣይ መዓልቲ እቲ ዝነበረ ናይ ምዕዳል መናብር ዘይምርድዳእ ምስ ሃድአ ድማ፡ ሓደ ሽማግለ ምዕዳል መናብር ብተሌፎን እታ ዝሓተትናያ ካልኣይቲ መንበር ከም ዝረኸቡልና ሓበረና። ንሕና’ውን ኣመስገንናዮ። ብድሕሪ ሓደ ሰዓት ኣቢሉ ይኸውን ጸኒሑ ድማ እታ መጀመርያ ዝተዓደለትና መንበር ሰሜን ኣመሪካ ከም ዝተመራረጹላ ንፈልጥ እንተኔርና ሓሓተና። ንሕና ግን ንፈልጥ ስለ ዘይነበርና ኣይንፈለጥን በልናዮ። ደጊምና’ውን እንተድኣ ከም’ዚ ትብለና ዝሎኻ ተገይሩ ገበን እዩ በልናዮ። ጉባኤ ዝሃበና ማንም ክወስዶ መሰል የብሉን፡ ስለ ዝኾነ ድማ ንምምላሳ ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣሎዎ በልናዮ። ኣባላት ሰክረታርያ ብመንገዲ ሃይለማርያም ተስፋይ ኣቢሎም ነታ ሰሜን ኣመሪካ ብዘይ ሕጊ ዝወሰድዋ መንበር EGS ንኽመልስዋ ጻዕሪ የካይዱ እምበር ውጽኢት ኣይተረኸቦን።

እቲ ኣባል ኣምራጺት ሽማግለ ተመሊሱ  ነታ ሰሜን ኣመሪካ ዝወሰድዋ መንበርና ንምምላስ ጻዕሪ ከም-ዝገበሩ ግን ከኣ ክመልሱዋ ከም ዘይከኣሉን ይሕብረና። ቀጺሉ ድማ “ኣብ ኢድና ዘላ እታ ካብ ፖለቲካውያን ሓይልታት ዝረኸብናልኩም ሓንቲ ጥራይ እያ’ሞ ቃልሲ ስለ ዝኾነ ውሰድዋ ወኪልኩም ድማ ሃቡና ይብለና። ንሕና ድማ ናብ ኣመሪካ ብድሕሪ ክልተ መዓልቲ ክንምለስ ኢና እሞ መሪሕነት EGS ወሲኑ ወኪሉ ክሕብረኩም እዩ ንብሎ። በሉ ከይደንጎኹም ሓብሩና ይብለና እሞ፡ ቅድሚ-ሕጂ ኣብ ዋዕላ’ውን ተመሳሳሊ ኣገባብ ከም ዝተጠቐምና ብድሕሪ ምሕባርና በዚ ስምምዕ እዚ ተፈላሊና። ናብ ሰሜን ኣመሪካ ምስ ተመለስና ኣብ ውሽጢ ውሑድ መዓልታት ኣኼባ ብምክያድ ወካሊና መን ምዃኑ ንኣቦ መንበር ፈጻሚት ቤት-ጽሕፈት ዶክተር ዮሱፍ ብርሃኑ ብኣቦ-መንበር EGS ሓው ስዩም ተስፋይ ብኢመይል ይሕበር። ዶክተር ዮሱፍ እውን EGS ዝወሰደቶ ሃናጺ መርገጽ ከም ዘመጎሶ ናይ ኢመይል መልእኽቲ ሰዲዱልና።
>
From: yusuf ahmedin
Date: Sat, Dec 10, 2011 at 3:30 PM
Subject: Re: EGS accepts it one seat at the new assembly
To: seyoum tesfaye

Dear Seyoum Tesfaye
I appreciate the EGS's constructive stand. I wish you all the best, Thankyou.
Greetings
Yusuf Berhanu

From: seyoum tesfaye
To: Tderes@live.co.oe This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it ; yubeah71@yahoo.com This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it ; EGS-Officials@googlegroups.com This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it
Sent: Saturday, December 10, 2011 10:43 PM
Subject: EGS accepts it one seat at the new assembly
To Mr.Tsega Yohnnes
To Dr. Yosuf Berhanu
Please allow us to extend our congratulation for being elected to the pivotal leadership position of the newly constituted ENCDC.
We wish you complete success in the successful implementation of the overwhelmingly approved program for change.
We take this opportunity to convey to you that EGS will accept the one seat assigned to it in the newly formed assembly.
Our official representative will be Mr. Teklai Abreha.
We here by kindly request that all members of the newly elected leadership be duly notified of our official response.
Thank you helping process our request.
Seyoum Tesfaye
Chairman of Eritrean Global Solidarity
XXX-XXX-4285 cell

08/01/12
Dear   Mr Teklai Abraha

Ref:   Membership of the Eritrean National Council for Democratic Change (ENC for Democratic Change).
Happy Eritrean Festive days, and Greetings to all members of your family.  May 2012 bring peace, stability and prosperity to our people.
Following the exchange of information concerning your membership of the ENC for Democratic Change, and after establishing the relevant evidence from two members of the Council including Mr Yohannes Asmelash, the Deputy Chair of the Executive Committee, and Mr. Kahsai Gufla, member of Executive committee, now,   I am pleased to inform you that your case has been successful, and your name included in the list of the members of the ENC for Democratic Change in North America and Canada.
Dr Yusuf Birhanu, who is the Chair of the Executive Committee, has also supported your case.
Members of the Leadership of the council including Mr.Maar and Freweyni Habtemariam both Deputy Chairpersons of the National Council, have also effectively coordinated their efforts to complete the process.
Thank you for your patience
Tzeggai Yohannes,
Chairman
ENC for Democratic Change

ጉዳዩ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ ገለ ሰሙናት ብድሕሪ ጉባኤ “ሕጋውነት መንበር EGS ከምይ ኢዩ”? ዝብል ሕቶ ኣብ ህዝብን? ኣባላት ባይቶን ይለዓል። ንሕና’ውን ህዝቢ ግቡእ መልሲ ክረክብ ኣሎዎ ካብ ዝብል እምነት ንኣቦ-መንበር ባይቶ ብተደጋጋሚ ንኣቦ-መንበር ፈጻሚት ኣካል ድማ ሓደ ግዜ ሓቲትና። ክወሃበና ዝጸንሐ መልስታት ግን “ባዕልና መልሲ ክንህበሉ ኢና፤ ክሳብ ሽዑ ግን ካብ ዝኾነ ይኹን መልሲ ምሃብ ክንቁጠብን ብዓቕሊ ክንጽበን” እዩ ነይሩ። ንሕና በቲ ዝተዋህበና መምርሒ መሰረት ነቲ ብቓል ኣብ ኣኼባታት ይኹን ብጽሑፍ ኣብ መርበብ ናይ ሓበሬታት ዝዝርጋሕ ዝነበረ መሰረተ-ኣልቦ ጸለመታት ከይመለስናሉ ጸኒሕና። ኮይኑ ግን “ሓጺራትኒ እንተበልኩስ ተደቢራ ትስዕስዕ” ከም ዝብልዎ፡ ሓንቲ ውሒዳትና እሞ ክልተ ሃቡና እንተበልናስ ነታ ሓንቲ’ውን ዘደስክል ውሳነ በጺሑና።

ኣብ’ቲ ዝተላእከልና ቅዳሕ ናይ ውሳነ ደብዳበ፡ ኣቦ መንበር ባይቶ ናብ ውሳነ ክበጽሕ ዘኽኣሎኦ ክልተ ነገራት ምዃነን ይሕብር። ንሳተን ድማ፡-
1. ቀዳማይ ምስግጋር ወይ ምቅብባል ናይ ወንበር ካብ ፖለቲካዊ ውድብ ናብ በርጌሳዊ ማሕበር ሕጋዊ ሰለ ዘይኮነ ፡ ኮምኡ ውን እቲ ወንበር ጉባኤ ምስ ተወድአ ዝተዓደለ ስለ ዝኾነ እዩ፡፡
2. ጉዳይ ICP ኤርትራዊ እስላማዊ ሰልፊ ዝምልከት ግን፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ጉባኤ፡ ብስምምዕን ኣብ ቅድሚ ህዝብን ዝተፈጸመ ኔሩ።

መደስከሊ መንበርና እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ እዩ ካብ ተባህለ፡ እዚ ኣብ ቁጽሪ ሓደ ተጠቒሱ ዘሎ ሕጊ ኣበየናይ ዓንቀጽ ሰፊሩ ዘሎ ሕጊ ጉባኤና እዩ? ብዛዕባ ሕጋውነት ክንዛረብ እንተኴንና ግን ነታ EGS ብሕጊ ዝተዓደለቶ መንበርን ፈረቓን ልዕሊ ጉባኤ ስልጣን ተጠቒሙ መን ወሲዱዎ ተባሂሉ እዩ ክሕተት ነይሩዎ። እዚ ከኣ ብእዋኑ ሓቲትናስ መልሲ ንጽበየሉ ዝነበርና ጉዳይ ኢዩ። “ናይ ICP ኤርትራዊ ኣስላማዊ ሰልፊ ግን ኣብ ውሽጢ እቲ ጉባኤ ብስምምዕ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝተፈጸመ እዩ ንዝብል” ግን፡ መንበር ICP መዓስን በየናይ ኣገባብን ተዓዲሉ? ሕጂኸ ኣበየናይ ኩነታት ኣሎ? ንዝብል ጓል-ነገር ንድሕሪት ገዲፍና መንበር EGS ቅድሚ ICP ከም ዝተዓደለ ገሊጽና ምሕላፍ ዝሓሸ እዩ ንብል።

መጎገና፡ ኣንጻር ማሕበርና ዝተመስረተ ክሲ መሰረት የብሉን ጥራይ ኣይኮነን። ናባና ዘቕንዐ ክሲ ክምስረት እንከሎ፡ ክስናን ከሳሲናን ክንፈልጥ ምተገበአ። ልዕሊ ኩሉ ግን ቅድሚ ኣብ ውሳነ ምብጽሖም  ናይ ነብስና ምክልኻል መሰልና ተሓልዩ ንጉዳይና መግለጺ ክንህበሉ ክንሕተት ነይሩና። ብኣጠቓላሊ መሪሕነይ ባይቶ ነዚ ኩሉ ኣብ ግምት ከየእተወ ዘሕለፎ ውሳነ ቅኑዕ ስለ ዘይኮነ ህጹጽ ዳግመ-ርእይቶ ክገብረሉ ንጽውዕ።………………….ይቕጽል።

ዓለም-ለኻዊ ሓድነት ኤርትራውያን (EGS)
ፈጻሚት ኣካል
March 5, 2012

window.fbAsyncInit = function() { FB.init({appId: 144746305592872, status: true, cookie: true, xfbml: true});};(function() { var e = document.createElement("script"); e.type = "text/javascript"; e.src = document.location.protocol + "//connect.facebook.net/en_GB/all.js"; e.async = true; document.getElementById("fb-root").appendChild(e); }());
  var jcomments=new JComments(1189, 'com_content','http://tig.asmarino.com/index.php?option=com_jcomments&tmpl=component'); jcomments.setList('comments-list');