ሰለሙን ሃብቶም

ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብ 10 ሓምለ 2003 ካብ ዝእሰር ብዘይ ክስን ፍርድን ን 14 ዓመታት መመላእታ ኣብቲ ጽኑዕ ቤትማእሰርቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ካርሼሊ፣ ክሳቐ ዝጸንሐ ዳይረክተር ጀነራል ተለኮሙኒኬሽን ነበር ተጋዳላይ ሰለሙን ሃብቶም፣ ሎሚ ንጉሆ 18 ነሓሰ ኣብ ቤትማእሰርቲ ከምዝተሰውአ ምንጭታት ሓቢሮም።

እቲ ዕድሚኡ መወዳእታ ሱሳታት ዝበጽሕ፣ ኣብ ፈለማ 1970ታት ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ንናጽነት ከም ሓላፊ ‘ምልክት’ መራኸቢታት ኮይኑ ስለ ሃገር ግቡኡ ዝፈጸመ ገዲም ተጋዳላይ፣ ስድራቤቱ መስዋእቱ ኣብ ዝፈለጡሉ ህሞት ብዛዕባ ምኽንያት መስዋእቱ ብቑዕ ሓበሬታ ኣይተዋህቦምን።

ተጋዳላይ ሰለሙን ቅድሚ ናብ ሜዳ ምውጽኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ተማሂሩ። ቀጺሉ ኣብ ሽወደን ማህደረ ትምህርቲ ድሕሪ ምዝዛሙ፣ ምስ ሓርበኛ ኣቦና ወልደኣብ ወለደማርያም ብምርኻብ ንሰውራ ኣብ ዘገድሱ ንጥፈታት ተሳቲፉ። ኣብ ፈለማ 1970ታት ድማ ናብ ሜዳ ኤርትራ ብምውራድ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ ቃልሱ ቀጺሉ።

ቅድሚ ናጽነት ኣብቲ ‘ብምልክት’ ዝፍለጥ ዝነበረ ናይ መራኸቢታት ክፍሊ ከም ሓላፊ ኣብ ዝሰርሓሉ እዋን ብኣብነት ዝመርሐ ውፍይ ተጋዳላይ ምንባሩ ይንገር።

ተጋዳላይ ሰለሙን ብዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ውላድን እዩ።

እዚ ሕጂ ኣብ ቤትማእሰርቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ድሕሪ ምስቓዩ ተሰዊኡ ዘሎ ተጋዳላይ ሰለሙን፣ ምእንቲ ናጽነት ምስኡ ዝተጋደሉ ሰለስተ ኣሕዋቱ ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ከምዝተሰውኡ ‘ውን ይፍለጥ።

ንተጋዳላይ ሰለሙን ሃብቶም መንግስተ ሰማይ የዋርሶ፣ ንቤተሰቡን ደቁን ጽንዓት ይሃብ።

source http://assenna.com

Veteran freedom fighter and former Director General of Telecommunications, Mr, Solomon Habtom died today in Carchelli Prison.

Veteran freedom fighter and former Director General of Telecommunications; Mr. Solomon Habtom died today 18 August 2017, in the notorious Asmara prison, known as Carchelli. Mr. Solomon, believed to be in his late sixties, was arrested on 10

Veteran freedom fighter and former Director General of Telecommunications; Mr. Solomon Habtom died today 18 August 2017, in the notorious Asmara prison, known as Carchelli.

Mr. Solomon, believed to be in his late sixties, was arrested on 10 July 2003 and has been imprisoned by the dictatorial regime for 14 years without being charged or facing trial in the court of law.

When the family of Mr. Solomon Habtom learned of his death, no sufficient explanation was given to them about the cause and the circumstances of his death.

Before joining the armed struggle for Eritrea’s independence, Mr. Solomon studied at the University of Addis Ababa.  Later on, he did his further studies in Sweden. While in Sweden, he met the veteran Eritrean patriot Woldeab Woldemariam and got involved with Eritrean revolutionary activities. Soon after, he joined the Eritrean People’s Liberation Front (EPLF), in the early 1970s. During the armed struggle, he served in the Signal and Communications Department, where he led by example.

As many Eritrean compatriots, Mr. Solomon, whose three siblings had fallen for Eritrean independence, has become a victim of the very revolution he helped to succeed.

Mr. Solomon Habtom is survived by his wife and two children.

 

Voice of Assenna: ወዱ ነቲ ትማሊ ኣብ ካርሼሊ ዝተሰውአ ጅግና ተጋዳላይ ሰለሙን ሃብቶም ሳምሶን ሰለሙን መልእኽቲ የመሓላልፍ

ወረደ – ብ ሳምሶን ሰለሙን

ኡኡኡኡይ ዶ ክብል ኣታ ወረደ ሓወይ ኣታ ወረደ ሓወይ ወረደ
ሓውኻ በሊዩ ኣብ ማእሰርቲ ከይተፈርደ
ደሃዩ እኳ ኣይነበረን ሽዑ ምስተወስደ
ሕጂ እንደሞ ወሪዱና ካብኡ ዝገደደ
ኣብኡ ተኻሪጁ ኢሎሞ ንፋስ ከይ ወሰደ
ትሰምዓኒ ዶ ትህሉ ወረደ ሃብቶም
በዓል ፋረ በዓል ታንኪ ዝነበርካ ናቶም
ሓውኻስ ከይዱ እዩ ሎሚ ካብኣቶም
ኣዴኻስ ኬይዳ ኢያ ትማሊ ካብኣቶም
መጼሙኻ ዶ ይኾኑ ተኣኪቦም ኹላቶም
ትርጉም መስዋእትኻስ ተረሲዑ እዩ ግዲ
እንተ እቲ ሓውኻ ላድዩ ብዘይ ፍርዲ
ሎሚ እንዶሞ ከይዱ ራሕሪሕዋ ዓዲ
ተኾምቲሩ ተሪፉ ናይ ፈታዊኹም ከብዲ
ገዛኻ እውን ፈሪሳ ተሪፋ ብዘይ ዓንዲ
ታንክኻ `ውን መሪታ መን ከውድቐላ ዕንባባ
ፈታዊኻ ፋሕ ኢላ ጸጊባ ከርከባ
መጋየጺ ጠላማት ኮይና ኣብኡ ትረኽባ
ንፈተውቲ ነብሶም ትብል መርሓባ
ናይ ሽዑ ጉምብሕ ጉምብሕ ናይ ሎሚ ሰብ ካባ
ታሪኽ ጅግንነትካ `ወ ኣትዩ ናብ ብራንነቱ
ፈታዊኻ ኩሉ ኣቢሉ ናብ ጓንነቱ
ስቅያት ርኢናዮ ኣካ በብዓይነቱ
ኣረሜን መጸኣና ደቁ ዘይፈቱ
ነፍስኻስ ተበጅያ እያ ምስለኒ ንኾንቱ
ሂወትካ እንዳ ረኣኻ ሞት ፈሪድካላ
መሲሉካ ብድሕሬኻ ሰብካ ዝሓልፈላ
ኣይኮነን ግን ወረደ ስድራኻ ፋሕ ኢላ
ኣዴኻ ሞ ብጓሂ ደቃ ኢያ ጣዕ ኢላ
ሓብትኻ `ውን ተጓሒፋ ሕብራ ተበሊላ
እሞ ኸ ደኣ ወረደ ሕጂ እንታይ ይገበር
ህዝብስ ሓንጊዱ ኣብዩ ንኸይበራበር
ዘይትፈልጦ ቋንቋ ይብል ኣሎ ባዕሉ ፈልጥ ሃገር
ካንድዩ ኣኺልዎ ፈቐድኡ ክባረር
ካብ ዘለዉስ ተስፋ የልቦን ነዓባ ገለ ግበር!

 

 

ተጋዳላይ ሰለሙን ሃብቶም፡

( source Abede Tesfay https://www.facebook.com/abede.tesfay/posts/1652337758145033


ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስርዓት ኢሰያስ ን14 ዓመት ክማስን ድሕሪ ምጽናሕ ሕጂ መስዋእቱ ብመንገዲ ኣሰና ተቓሊሑ ርእየ። መጀመርያ ንሰለሙን መንግስተ-ስማይ የዋርሶ፣ ንደቁን በዓልቲ ቤቱን ስድራኡን ፈተውቱን ጽንዓት ይሃቦም፣ከምቶም ግዳያት ኢሰያስ ኮይኖም ዝሓለፉ ሓሊፉ ማለት እዩ፣ ካብ ልቢ ድማ ይሓዝን። ምስ ሰሎሙን ንፋለጥ ኢና፣ ካብ 1976 ክሳብ 1980 ብሓባር ሰሪሕና፡ ንሱ ቅድመይ ኣብቲ ቦታ ራሕባ ወይ ኢደስርሓትዝብሃል ትካልተመዲቡ እዩ ጸኒሑኒ፣ ሽዑ ግዜ ኣብ ኣካል ጽገና ሰዓትን ሬድዮን፡ ብፍላይ ድማ ጽገና ሬዴዮታት ርክብን ሬድዮታት ወረን ይጽግኑ ካብ ዝነበሩ ሓደ ኪኢላ እዩ ዝነበረ። ድሕሪ 1980 ናብ እንዳ መራኸቢታት-ምልክት ስለ ዝኸደ ጎፍ ኢልና ንራኸበሉ እንተዘይኮይኑ ብዙሕ ተራኺብና ኣይንፈልጥን፣ ድሕሪ ናጽነት በቲ ናቱ ሞያ ኣብ ተሌኮመኒኬሽን ከም ሓላፊ ተመዲቡ ይሰርሕ ምንባሩ ስሕት ኢልና ንራከብ ምንባርና ይዝክር፣ ኣነ ኣብ ኣስመራ ገዲፈዮ ምስ መጻእኩ ብድሕረይ ተኣሲቱ ሰሚዐ፣ ሕጂ ድማ ድሕሪ 14 ዓመት ሕልፈት ሂወቱ ምስምዐይ ካብ ልቢ ይሓዝን። ሰሎሙን ህርኩት ኪኢላ ትሑት ብዙሕ ዘረባ ዘይፈቱ ኩሉ ኣብ ከብዱ ዓቚሩ ዝኸይድ ሰብ ምንባሩ ይዝክሮ። 1976 ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ ፋሕ ዝተባህለ ቦታ መሪሕነት ኣብ ወወርሒ ናይ ተጋደልቲ ኣብቲ ከባቢ ዝሰርሑ ሰሚናር ይገብር ነበረ፣ እቲ ሰሚናር ብዛዕባ ውድባዊ ጉዳያት፡ ኣብ ውድብ ዝግበር ጌጋታት፡ዝረአ ዝምባሌታት ኣብኡ ኣውሪዱ ይምድርን ሰባት ድማ የዛርብን መንነት ዝተፈላለዩ ሰባትን ምሁራትን ከለሊ ይፍትን ነበረ፣ ተጋደልቲ ነታ ሰሚናር ክሰምዑ ድማ ይህወኹ ነበሩ፣ ኣነ ሓድሽ ሕዋይ ውጉእ ስለ ዝነበርኩ፣ ካባና ናይ ፍርቂ ሰዓት ርሕቀት ወይ 40 ደቒቕ ስለ ዝነበሮ ይሳተፍ ኣይነበርኩን፣ ግን እቲ ዝተባህለ እቶም ዝኸዱ ዝነበሩ ይነግሩኒ ነይሮም። ሓደ ምሸት ሰሎሙን ብድሕሪት ኮፍ ኢሉ ነይሩ፡ጾግሩ ኣዝዩ ጀብጀብ ከምኡ ዓይነት ተጋዳላይ ኣይነበረን፡ናይ መጀመርያ ጀብጀብ እዩ። ኢሰያስ ንሰለሙን ንዓስኪ በቲ ድሕሪት ዘለኻ ፡ሓፍ እሞ በል፡ንዓይ ዲኻ ኣወ ተጎልቢብካ ዘለኻ፡ ኣልግሶ እቲ ጉልባብካ ኣናበለ ንቕድሚት ኣምጺኡ ሰብ ከም ዝጥምቶ ምስ ገበረ፣ ኪድ ኮፍ በል ኢሉዎ። እቲ ሽዑ ንሰለሙን ብዘይፍቓዱ ኣብ ቅድሚ ሰብ ደው ምባሉ ርኣይዎ እዚ ሰብዚ ካብዞም ጨሓማት ማርክሲስትስ ኢና በሃልቲ ጥዑይ ኣይኮነን ዘስምዕ መልእኽቲ ነይሩዎ፣ ሽዑ ምሸት ኢሰያስ ንሰሎሙን ሃብቶም ተሓጽይዎ ነይሩ፡፡ ሰሎሙን ግን ብጥንቃቐ ይጓዓዝ ስለ ዝነበረ ዋላ ሓንቲ ከይተረኽቦ እዩ ካብ ሜዳ ግቡኡ ፈጺሙ ዝኣተወ፣ ከም ዝሰማዕክዎ ብምጥፍፋእ ገንዘብ ተኸሲሱ እዮም ዝብሉ ነይሮም። ምጥፍእ ደኣ ስራሕ ጀነራላቱ ኣምበር ሰለሙን ኣብ ሓደ ሓያል ቁጽጽር ዘለዎ ትካል ሳንቲም እኳ ኣይትጠፋን'ያ፣ ብናቱ ገንዘብ ጉልባብ ጌራ በዓልቲቤቱ ትሸቓቕጥ'ያ ዝብል ካልእ ጫሌዳ ኣውን ኣሎ። ኢሰያስ ቅርሕንቱ ኣይሓድግን እዩ ብፍላይ ምሁራት፣ ክሳብ ሕጂ ካብ 1971-ክሳብ 1973 ገና ኣብ ታርጌቱ ዘለዉ ገዳይም ገሊኦም ክሳብ ማእሰርቲ ዝበጽሖም ክሳብ ሕጂ ኣብ ሽቑረራ ዝነብሩ ኣለዉ፡ ካልኦት ካብ 1974-ክሳብ 1976 ዝተሰለፉ ድማ ምሁራት ድማ ካልኣይ ታርጌት ኢሰያስ፡ ከም በዓል ሰሎሙን፡ ተስፋንኬል ሸሪፎን(ተኣሲሩ ዘሎ) ካልኦት ሳልሳይ ደረጃ 1977-1980 ድማ ሳልሳይ ደረጃ ታርጌት ኢሰያስ እዮም። ኣነ ንሰሎሙን ፍልጠተይ ነዊሕ ዝገበረ እዩ እዚ ዳሕራይ ሂወቱ ኣብ ናጽነት ዝፈልጦ የብለይን።። ረድኢ መሓሪ- ኣለና ዝያዳይ ንሰሎሙን ይፈልጦ እዩ፡ ብሓንሳብ እውን ነዊሕ ሰሪሖም'ዮም፡ እንተሰሚዑስ ብዛዕባ ሰለሙን ሃብቶም ገለ ይብል ይኸውን እዩ፣ ደጊመ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ ስድራ ቤቱን ደቁን ጽንዓት ይሃቦም።

PFDJ Crimes: Families Received a call to take a deceased body after 14 years

[source tesredie.blog/

On August 18, 2017, I have read news from www.assenna.com about the death of a former veteran Freedom Fighter who was kept in prison since 2003 by PFDJ security agent.

Assenna reported that Veteran freedom fighter and former Director General of Telecommunications; Mr. Solomon Habtom died on August 18, 2017 in the notorious Asmara prison, known as *Carchelli*. 

Families of Solomon Habtom had no prior information about their beloved son until PFDJ Security Agent called them to collect deceased body of their son. It is a heart breaking to receive a call and be ordered to take a died body without questioning what happened.

Mr. Solomon Habtom was among those few highly educated professionals who joined the armed struggle in the 1970s. He studied at the University of Addis Ababa.  Later on, he did his further studies in Sweden. 

He had two sisters and one brother who were martyred during the armed struggle for independence.

His brother, Martyr Werede habtom, is among those freedom fighters who was martyred in the 1978 war to liberate of massawa from Ethiopian occupation while driving a tank. He was burned with his tank after Derge attcked them. Today, his tank is among those three tanks erected as a monument to tell the story of sacrifice paid to liberate Massawa. 

In 2003, he was arrested by PFDJ Security Agents and since then he was not brought to court. No one knows what his crimes was.

His families had no contact with him and did not know where he was kept. 

*Carchelli* is one of the most secretive and notorious underground prison centers found in the heart of Asmara. THough almost every Eritrean has heard about its existence, almost no one knows about its the exact location. It is a place where most Eritrean political prisoners are tortured on daily bases. reamored