ኣብ ሲና ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት መብዛሕትኦም ድማ ኤርትራውያን ብጅምላ ዝተቐብርሉ ቦታ ተረኺቡ

 

ቀዳማይ ክፋል

ላሕዛ ቢላሕዛ

እቲ መቓብር ናይ 4 ስደተኛታት 30 ኪሚ ደቡብ ናይ ነኽል እትብሃል ከተማ ኢዩ ተረኺቡ። ኣብ’ዚ ከባቢ’ዚ ኣልተያሃን ኣልናኽላውን ካልኦት ንኣሽቱ ቀቢላታት ይነብሩ። እታ ዝዓበየት ቀቢላ ኣልተያሂ፡ ነቶም ኣብ ንግዲ ደቂ ሰባትን ንግዲ ኣካላት ደቂ ሰባትን ዕጸፋርስን ተዋፊሮም ዘለዉ ገበነኛታት፡ ኣባላት ቀቢላ ነኽላውን ካልኦት ቀቢላታትን የሳጕጕዎም ኣለዉ።

ብመግለጺ መራሕቲ ቀቢላ ኣልተያሂ፡ ሰባት ተጨውዮም ኣብ ሲና ይቕተሉ ምህላዎም ኣብ እዋን ጾም ረመዳን ኢና ሰሚዕና ይብሉ። እቶም 4 ዝረኸብናዮም ሬሳታት፡ ኣብ ከባቢ ሱሌማን ዓብደላ ሱሌማን ዝተባህለ ሰብ ከም መኽዘን ዝጥቀመሉ ገዛ ኢዩ። ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ ካብ’ቲ ማእሰርቲ ሃዲማ ከምዝወጸትን፡ ኣብኡ ትዕመጽ ከምዝነበረትን ገሊጻትልና። ንሕና ድማ፡ ተቐቢልና ንመንግስቲ ኣረኪብናያ፣ እዚ እቲ ንሕና ዝረኸብናዮ ኢዩ። ካልእ መቓብራት ክህሉ ግን ይኽእል ኢዩ። ምስ’ቶም ገበነኛታት ገለ ምትዃሳት ከምዝገበሩን፡ ሓንቲ መኪናን ብረትን ከምዝሰለቡ፡ ሓደ ውን ከምዝወግእይን ድማ ይሕብሩ።

ኣብ’ዚ ንግዲ’ዚ ዝተዋፈሩ ሓካይምን ክኢላታትን ከምዘለዉ ውን ይሕብሩ። ሬሳታትን ብመጥባሕቲ ዝወጹ ኣካላት ደቂ ሰባትን ዝተሓዝሎም ዓበይቲ ረፍሪጀረይተራት መዐገሚታትን (sterilizers) ከምዝውንኑን ኣብ’ዚ ንግዲ’ዚ ሓካይም ናይ ግብጽን እስራኤልን ካልኦት ዜጋታትን ክህልዉ ከምዝኽእሉ ውን ኣይሓብኡን። እቶም ገበነኛታት ኣባላት ቀቢላታት ሲና ነቲ ኣካላት ሰብ ብሕሱር ኢዮም ዝሸጥዎ። እቶም ሓካይም ግን፡ ብዙሕ መኽሰብ ኢዮም ዝረኽብሉ ይብሉ።

እቶም ስደተኛታት በማእታት ብመራኽብ ገይሮም ኢዮም ኣብ ጥቓ ስዌስ ዘውርድዎም፡ ድሓር እቶም ገበነኛታት ይማቕልዎም ይብሉ እቶም መራሕቲ ቀቢላ ኣልተያሂ። ከምኡ ውን፡ ካብ 50 ዘይውሑድ ዝተነፍሐ ሬሳታት ኣብ’ዚ ከባቢ’ዚ ከምዝተራእየ ገሊጾምለይ ይብል ሓደ መራሒ ናይ’ቶም ነዚ ገበን’ዚ ዝዋግኡ ዘለዉ ቀቢላ።

ንሕና፡ ንመንግስቲ ነጊርና ኢና። መንግስቲ ግን ሓንቲ ኣይገበረን። ብኣንጻሩ ወተሃደራት መንግስቲ ከቢድ ብረት ሒዞም ነቶም ገበነኛታት ክሕልውን ክከላኸሉን ኢዮም ዝርኣዩ ይብሉ። ንሕና፡ መንግስቲ ብረት ክህበና፡ ንከባቢና ክንሕሉ ሓቲትና ዝሰምዓና ኣይረኸብናን። ብኣንጻሩ፡ ነተን ዘለዋና ብረት ንምግዳፍ፡ ካበይ ኣምጺእክምዎ፡ ናይ ኣልቃዒዳ ኢኹም እናበለኡ ኢዮም ዘሸግሩና።

ንሕና ኣብ ምድረበዳ እንነብር ሰባት ነብስና ንምክልኻል ብረት የድልየና ኢዩ። ኣብ መንጐ ቀባይል ዝፍጠር ጐንጽታት ኣሎ። ካብ’ዚ ሓሊፍና ንኻልእ ዕላማ ኣይንጥቀመሉን ኢና። ንምብራቓዊ ማዕጾ ግብጺ እንሕሉ ከኣ ንሕና ኢና። ህዝባዊ ናዕቢ ምስ ተጀመረ፡ ኣብ’ዚ ከባቢ ዝነበሩ ሓይልታት ፖሊስ ሃዲሞም ኢዮም። ንሕና ኢና ንጸጥታ ናይ ሲና ዝተኻላኸልና። ስለ’ዚ፡ ኣብ መንጐናን ኣብ መንጐ ሰራዊት ግብጽን ምትእምማን እንተዘይተፈጢሩ፡ ጸጥታን ርግኣትን ናይ ሲና ክሕሎ ኣይክእልን ኢዩ ይብሉ እቶም መራሕቲ ቀቢላ ኣልተያሂ።

ንዝያዳ መብርሂ ነዚ ዝስዕብ ሊንክ ጠውቑ

http://www.harnnet.org/index.php/articles-corner/tigrinia-articles/2584-2011-10-31-08-44-28

 

 

ካልኣይ ክፋል

ላሕዛ፡ ቢላሕዛ ዝብሃል መደብ ተለቪዥን ግብጺ፡ ኣብ ደቡባዊ ሲና፡ ብበደዊን ጨወይቶም ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ተኣሲሮም ብግፍዒ እተቐትሉን፡ ከብዶም ተጓሕጊሑ እተወሰድ ሬሳታት ካብ እተቐብርሉ ቦታ ኣውጺኡ ንህዝቢ ከምዝርአ ገይሩ። ኣብ’ቲ እቶም ስደተኛታት ተኣሲሮምሉ ዝነበሩ ቦታታት ናይ መደንዘዚ መድሃኒታት፡ ግሉኮዝ ዝተሓዘሉ ፕላስቲካት፡ ጠያይቲ፡ ናይ’ቶም ስደተኛታት ናይ መንነት ወረቐት …ወዘተ ተረኺቡ።

እቶም ነዚ ግፍዕታት’ዚ ዘቃልዑ ቀቢላ ናይ በደዊን፡ እቲ ግፍዒ ዝተኻየደሎ ቦታን ገዛን ናይ ሱሌማን ዓብደላ ምዃኑ፡ ከምኡ ውን፡ እዚ ሰብ’ዚ ኣብ ሆስፒታል ዝሰርሓ ደቁ ከምዘለውኦን፡ እቲ ናይ ሕክምና መሳርሒታትን መድሃኒትን ብኣአን ኣቢሉ ተረኺቡ ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሮም።

እቶም ገበነኛታት ጕዶም ምስ ተፈልጠ ካብ’ቲ ቦታ ከምዝተሰወሩ እቶም ነቲ ግፍዒ ዘቃልዑ ቀቢላ ሓቢሮም። ከምኡ ውን፡ ንስበስልጣን ናይ’ቲ ከባቢ ብዛዕባ’ቲ ኣብ’ቲ ቦታ እተፈጸመ ግፍዕታትን ብዛዕባ ሱሌማን ዓብደላን ከም ዝሓበሩ ገሊጾም።

ኣብ’ቲ ስደተኛታት ተኣሲሮምሉ ዝነበሩ ቦታታት ከኣ፡ ገለገለ ኣስማት ናይ’ቶም እሱራት ኣስማትን ትምኒታትን ኣብ ከውሒ ብትግርኛ ተጻሒፉ ይርአ።

ነዚ ኣሕዛንን ኣሰቓቕን ተረኽቦ ንምክትታል ነዚ ዝስዕብ ሊንክ ተጠቐሙ።

http://www.youtube.com/watch?feature=player_embedded&v=Tk5MWuRk2gg