<%@LANGUAGE="JAVASCRIPT" CODEPAGE="65001"%> Untitled Document
Home ትግርኛ ኣተኵሮ ስምረት መንእሰይ ኤርትራ ንለውጢ (ስመኤለ)

ስምረት መንእሰይ ኤርትራ ንለውጢ (ስመኤለ)

Thursday, 31 March 2011 20:46

ክንብርኵትከይንብርኵትቅድምቀዳድምኣብማይዘለዎንብጻሕ

ኤርትራዊ መንእሰይ ዝያዳ ኵሉ ክፋል ሕብረተሰብና ኣደራዕ ስርዓት ህ.ግ.ድ.ፍ ኣብ ነብሱ ዝጸሓየ ወለዶ ኢዩ፡፡ ስርዓት ህ.ግ.ድ.ፍ ነዚ ናጽነት ዝተረከበ ወለዶ ንምድሃኽን፡ ካቡኡ ሓሊፉ እውን “ እሺ” ኢሉ ዝንብርከኽ ሙኡዙዝ ግልያ ንምቕያር ፡ ሳዋ ዝበሃል ብቝዱስ ዕላማ ዝተለበጠ ተንኮል ኣሊሙ፡ ህይወቱ ብጕቡእ ከይመርሕ፡ ከይመሃር፡ ከይሰርሕ፡ ሓዳር ከይገብር፡ ዓዲ ዊዒል ገይሩ፡ ንዓስርተታት ዓመታት ብሽም “ ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ- ወፊሪ ባርነት” ሓንስብ ምስ ኣተኻዮ ዘየውጽእ ዳስ ሓውያ ሚሂዙ፡ ኣብ ጸቢብ መሸንቖቛ ብምእታው፡ ሰብኣዊ መሰላቱ ገፊፉ፡ ናብ ተራ ግዑዝ ነገር ቀይርዎ ይርከብ፡፡ ሎሚ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ገዛእ ሃገሩ መፈጠሩ ኣጽሊእዎ “ ካብ ተስፋ ዘይብሉ ህይወት፡ ተስፋ ዘለዎ ሞት” ዝብል ዓቕሊ ጽበት ዘንቐሎ ምስላ ምሂዙ፡ ዝረኸበ ይርከበኒ ኢሉ ንቕድሚኡ ገጹ ሃጽ ኢሉ ይጠፍእ ኣሎ፡፡ ምድረ-በዳ ሳህራ ዝበልዖ፡ መደተራኒያን ባሕሪ ዝወሓጦ፡ መላሲ ኣውያት ዘይብሉ ኣብ ጕዕዞ ስደት ዝማሰንን ዝጠፍኤን ማእለያ የብሉን፡፡ እቲ ፍኑው ስደት ገና ወሓዚ ስለ ዘሎ፡ ጽባሕ ንግሆ እታ ሃገር ንመን ሒዛ ክትተርፍ ኢያ ዝብል ርዱእ ስክፍታ ክነቕል ግደነት ኢዩ፡፡ እኵይ ውልቐ ምልካዊ ስርዓት ኢሰያስ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዝሃለወ ድማ እዚ ዋሕዚ ስደት መናእሰይ ኤርትራ ደው ዝብል ኣይኮነን፡፡ ሎሚ ሃገርና ኤርትራ ህላዊኣን ህላወ ሕዝባን ፍጹም ደቢኑ፡ ናብ ጥፍኣት ገጻ ተንከራሩ ከም ዘላ ዘይተዓዘበ ዜጋ ኣሎ ክብሃል ኣይድፍርን፡፡ጥፍኣት እዛ ኣሽሓት ቡሉጻት ደቃ ከፊላ ዝተጠረየት ሃገር፡ ኣእጋርካን ኣእዳውካን ኣጣሚርካ ምርኣይ ግና ካብቲ ቡኡንቡኡ ዘዝንበልካ ሕልናዊ ወቐሳ፡ ዘይሩ ዘይሩ ናይ ታሪኽ ተወቓሲ ካብ ሙዃን ስለ ዘይድሕነካ፡ ኵሉ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ዝሃሉ ይሃሉ፡ ሃገሩን ሕዝቡን ካብ ጥፍኣት ዘድሕነሉ እዋን ኣኺሉ ኣሎ፡፡

ኤርትራዊ መንእሰይ ሽሕ እኳ ካብታ ዝፈትዋን እትፈትዎን ሃገሩ ተፈልዩ ክነብር ኣብ ስደት ክሰፍር እንተተቐስበ፡ ንሓንቲ ለይቲ እውን እንተኾነ ቀሲኑ እፎይ ኢሉ ዝሓደረላ ለይቲ የላን፡፡ ኣብቲ ንደሞክራሲያዊ ዓወት ዝግበር ዘሎ ግብግብ ምስ ስርዓት ህ.ግ.ድ.ፍ እጃሙ ካብ ምብርካት ዓዲ ኣይወዓለን፡፡ ኮይኑ ግና ዲያስፖርዊ ደምበ ተቛውሞ ክንዲ ኣንጻር እቲ ዕጫን ሃገርን ሕዝብን ጨቢጡ ሒዙ ዘሎ ስራዓት ህ.ግ.ድ.ፍ ዝምክት፡ ኣብ ነሕድሕዱ  ክመናጨትን፡ ክፈናጨልን ሓይሊ ጸዓቱ ስለ ዘህልኽ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት ድማ  ክንዲ ኣብቲ እዋናዊ ሕቶታት ሕዝቢ ኣተኵሩ ንስርዓት ህ.ግ.ድ.ፍ  ካብ ስልጣን ንምእላይ ዝጽዕት፡ ኣብ ጓል መንገድታት እንዳድሃበ ንቃልሲ ኣንጻር ምልኪ ጫሌዳ እንዳፈጠረ ኣብ ሸንኮለል ስለ ዘእትዎ፡ ኣብ ስደት ዝቐመጥ ኤርትራዊ መንእሰይ ከምቲ ዝድለ ኣብ ቃልሲ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ከይሳተፍ ካብቶም ሓኒቖም ዝሓዝዎ ምኽንያታት ሓደ’ዩ ክብሃል ይከኣል፡፡ እዚ ምፍንጫላት ደምበ ተቛውሞ ኣብ ሕዝብና ብሓፈሻ፡ ኣብ መንእሰያት ኤርትራ ድማ ብፍላይ ዝፈጠሮ ናይ ተስፋ ምቝራጽ ስምብራት ብቐሊል ዝግመት ኣይኮነን፡፡ እንተኾነ ኣብ ናይ ካልኦት ድኽመታት ነብስኻ ወሺልካ፡ በደላት ካልኦት ክትጽብጽብ ምውዓል ተዓዋቲ ስለ ዘይገብረካ፡ መንእሰይ ኤርትራ ኣያ ታሪዅ ኮይኑ : እቲ ዝግብኦ ተራ ክጻወት: እቲ ብኡዱድ መግዛእቲ ህ.ግ.ድ.ፍ መፈጠሩ ዝጸልኤ ውጹዕ ሕዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ረመጽ መጋሪያ ሓዊ ኮይኑ ድምጹ ብዓውታ ንቅሉጡፍ ለውጡ ይድሄ ኣሎ፡፡

መንእሰይ ኤርትራ ካብቲ ኣብ ሰሜን ኣፊሪቃ ዝተቐልቐለ ባርዕ ሕዝባዊ ናዕቢ ዝመሃሮ ነገር እንተሎ፡ መንእሰይ ዝተጸምበሮ ቃልሲ ስሉጥ ፡ ቍልጡፍ ኣድማዒ ሙዃኑ ኢዩ። እዚ ተረኽቦ እዚ፡ ነቲ ተዳኺሙን ፡ ለሽ ኢሉን ዝጸንሔ ኒሕ መንእሰይ ኤርትራ ከምብሓድሽ ከም ዝዅሉዖን ከምዘበራብሮን ኣይንማትኣሉን፡፡ በዚ ኢዩ ድማ ኣብ ስደት ዝቕመጡ ኤርትራውያን መንእሰይት፡ ዘመናዊያን መራኸቢ(social network) ከም በዓል ፌይስ ቡክ ፡ ቲውተር ብምጥቓም፡ መንእሰያት ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል “ ስምረት መንእሰይ ኤርትራ ንለውጢ” ብምጥርናፍ ንወሳኒ ቃልሲ ተበጊሶም ዘለው፡፡ መንእሰያት ቱኒዚያ፡ ግብጺ፡ ከሙእውን ካልኦት ሃገራት፡ ንዘመናዊ መራኸቢታት (Social network) ከም መራኽቢ ድልድልይ ተጠቒሞም ቅልጡፉን ስሉጥን ጥርናፈ ብምፍጣር፡ ውልቐ መለኽቲ ፡ኣብ ወርሒ ዘይመልእ ግዜ ክቕይሩ ተዓዚብና ኢና፡፡ ሽሕ እኳ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ስርጋሔ ኢንተርነት ዱሩት ሙዃኑ ዘይንዝንግዕ እንተኾና፡ ዘሎ መራኸቢ ብዙሓን ከም ሳታላይት ረድዮ  ዝኣመስሉ ተጠቒምና መልእኽትና ናብ ውሽጢ ዓዲ ብምዙራቕ፡ ምስቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝንቐሳቐሱ መንእሰያት ኣሕዋትና ቀለቤት ብምፍጣር፡ ደረኽቲ ለውጢ ካብ ሙዃን ግና ዝዓግተና ሓይሊ የልቦን፡፡ ድሮ እኳ እዚ ብ( Eritrean Youth Solidarity for Change – EYSC) ዝፍለጥ ፌስ ቡክ ዝመደበሩ ደምበ መንእሰያት ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ዘይመልእ ግዜ ልዕሊ 3000 ተጸምቢሮሞ፡ ክሳብ 40% ኣብ መዓልቲ ወሰኽ እንዳርኣየ ንቕድሚት ገጹ ይውንጨፍ ኣሎ። ምናልባት እቲ ትማሊ “ ናይ ኢንተርነት ኣናብር” እንዳተባህለ ዝሕጨጨሉ ዝነበረ ባይታ፡ ሎሚ ኣብ ውሽጢ ወርሒ ዘይመልእ ግዜ ናይ ሰላሳ ዓመታት ውልቐ-መለኽቲ ነበረ ያ ነበረ ዝገበረ፡ መስተንክራዊ ሓይሊ ክፈጥር ከም ዝኽእ ስለ ዘመስከረ “ ናይ ኢንተርነት ሰውራ” ዝብል ስም ክወርስ ኪኢሉ ኣሎ፡፡ ስለዚ መንእሰያት ኤርትራ በዚ ለውጢ እዚ ክጽለውን ክበራቱዑን ናይ ግድን ስለ ዝኾነ፡ ምስ ግዜን ኵነታትን ተዓጻጺፎም፡ ሃገሮምን ሕዝቦምን ካብ መንጋጋ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣናጊፎም፡ ኵለንትናዊ መሰላት ሕዝባ እተኽብር ብልጽግትን ምዕብልትን ሃገር ንምፍጣር ሎሚ ዝያዳ ኵሉ እዋን ክዕጠቝሉ ከም ዝግባእ ምዝኽኻር ኣየድልዮምን፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ኵሉ ፈታዊ ሕዝቡን ሃገሩ ዝኾነ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ፡ ነዚ ሰናይ ተበግሶ እዚ ክጽንበሮን ፡ከሕይሎን፡ ክድርዖን፡ ደምበ ስምረት መንእሰይ ኤርትራ ንለውጢ ብኣኽብሮት ይጽውዕ፡፡

ዕላማታት ስምረት መንእሰያ ኤርትራ ንለውጢ፡

ሀ.  ኢሰያስ ኣፈወርቂ ካብ ስልጣኑ ብዘይ ቅድመ ኵነት ክወርድ

ለ. ኵሎም ናይ ሕልና ከሙኡ እውን ናይ ፖለቲካ ኡሱራት ብዘይ ቅድመ ኵነት ክፍትሑ

ሐ. እቲ ብወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ዝፍለጥ ወፍሪ ባርነት ብቅጽበት ደው ክብል፡፡

ዝብሉ ጠለባት ዝሓቖፉ ኢዮም፡፡ እዞም ጠለባት እዚኣቶም ክሳብ ዝዕወቱ ድማ ቃልሱ ኣበርቲዑ ክቕጽሎ ሙዃን ቃል ይኣቱ፡፡ እዚ ቃልሲ እዚ ነቲ “ ጭራ ነብሪ ኣይትሓዝ ፡ሓንሳብ እንተሒዝካ ግና ኣይትግደፍ” ዝብል ምስላ ኣቦታትና ኣብ ግምት ዘእተወ፡ ናይ ሞትን ሕየትን ግብግብ ሙዃኑ፡ ደምበ ስምረት መንእሰይ ኤርትራ ንለውጢ ኣንዳዕዲዑ ይፈልጥ ኢዩ፡፡

እምበኣር ኵልና መንእሰያት ኣብ ዝሃለና ንሃሉ፡ ዝተፈለላዩ ፖለቲካውን፡ ስነ-ሓሳባውን ፍልልያት ከይዓጕቱና፡ እቲ ቅድም ክመጽእ ዘለዎ ቅድም ክመጽእ ስለ ዘለዎ፡ ሃገርናን ሕዝብናን ካብዚ ደይመደይ ኢሉ ዘጥፍኣና ዘሎ ውልቐ-መላኺ ኢሰያስ ኣፎወርቂ ዝመርሖ ጕጅለ ህ.ግ.ድ.ፍ ብሓደ ድምጺ “ ይኣክል በቃ” ኢልና ክንምክት ግዜ ይጽውዓና ኣሎ፡፡

ኣብ  ሓጺር እዋን ክዕመሙ ካብ ዘሎዎም መደባት ስምረት መንእሰይ ኤርትራ ንለውጢ( ስመኤለ) ፡

ሀ.  ቍጽሪ ኣባላትና (ስመኤለ) ኣብ ፌይስ ቡክ ምውሳኽ

ለ. ካብ መጋቢት 21 ጀሚሩ ሚያዝያ 17 ዝዛዘም ዝዛዝተፈላለዮ ጭርሖታት ዝሓዘ ናይ ሳይበር ሰለማዊ ሰልፊ ምክያድ፡፡

ሐ. ምስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮይኖም ዝንቐሳቐሱ መንእሰያት ኣሕዋትና ርክባት ምፍጣር፡፡

እዚ ብመንእሰያት ዝምራሕ ፌይስ-ቡክ ዝመደበሩ ምንቕስቓስ እዚ ናይ ዝኾነ ይዅን ፖለቲካዊ ውዱብ ይዅን በርጌሳዊ ማሕበር ጸግዒ ከምዘይብሉ፡ ካብቲ ንደምበ ተቛውሞ ሓላሊዅ ዝሓዘ ፖለቲካዊ ይዅን ስነ-ሓሳባዊ ቍርቍሳት ነብሱ ሓራ ብምግባር፡ ንእዋናዊ ጠለባት ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ብምእታው ትርግታ መንእሰያት ብምምዛን ወሳኒ ዝኾነ ናይ ሃገር ኣድሕን ለውጢ ብቍልጡፍ ንምስላጥ ክቃለስ ኢዩ፡፡ ዝበዝሔ ምንቕስቓሳቱ  ንውሽጢ ሃገር ዝዓለሙ ይዅኑ ድኣ እምበር፡ ካብ ሳይበር ሓሊፉ ኣብ ባይታ ንዝግበሩ ሰለማዊ ሰልፍታት ክሳብ መርገጾም ብንጹር ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝተቐመጠ ሕዝባዊ ጠለባት ዘማልኤ፡ ክንድግፎን፡ ከነበራቱዖን ቍሩባት ሙዃና ንሕብር፡፡ ስምረት መንእሰይ ኤርትራ ንለውጢ ( ስመኤለ)፡ እምንቱኡ ኣብ ሕዝብን ሰራዊትን ብምግባር፡ ደሞክራሲዊ ለውጢ ብኤርትራዊያን ብዘይ ኢደ-ኣታውነት ናይ ግዳም ክዕወት ከም ዝኽእል ሙሉእ ብሙሉእ ይኣምን፡፡

ንዝያዳ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ኢ-መይል ክትረኽብና ትኽእሉ

\n eysforc@gmail.comeysforc@gmail.com This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it

ስምረት መንእሰይ ኤርትራ ንለውጢ( ስመኤለ)

ለውጢ ብተግባር እምበር ብዘረባ ኣይመጽን

ሕድሪ ስውኣትና ብስሙር ቃልስና ከነረጋግጾ ኢና