Home arrow ትግርኛ arrow ዜና arrow ካብ ሰነዳት ገበናት ህግደፍ፡ - ግዳያት ርሸና ህግደፍ ይዘከሩ
ካብ ሰነዳት ገበናት ህግደፍ፡ - ግዳያት ርሸና ህግደፍ ይዘከሩ PDF Print E-mail
Sunday, 19 April 2009
ስርዓት ህግደፍ፡ ኣእሚኑን ኣብ ዜጋታቱ ድርኺት ፈጢሩን ዘይኮነስ፡ ብማእሰርትን ቅትለትን ዘመሓደር ጽዩፍ ስርዓት እዩ። ስልጣኑ ሕጋውነት ስለዘይብሉ፡ ርእሰ ምትእምማን የብሉን፡ ኣብ ቀጻሊ ስግኣት’ዩ ዝነብር። ስለዚ ነቲ ክሳብ ምሉእ ዕድሚኡ ዝምነዮ ፖለቲካዊ ስልጣን ብሓይልን ኣስገዳድን፡ ብራዕዲ-ሽበራን ምፍርራሕን እዩ ከጻንሖ ዝፍትን። ብሰንኪ እዚ ሕግን ሓሳብሎን ዘይብሉ ሽፍታዊ ኣካይዳ ኸኣ ብዙሕ ገበናት ኣዋህሊሉ ‘ሎ። ጥርዚ ናይዞም ገበናት፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ብዝያዳ ድማ ኣብ ልዕሊ መንእሰያትን ኣባላት ሰራዊትን ብትሕዞ ዝፍጽሞ ናይ ምርሻን ስጉምትን ቅትለትን እዩ።

ህይወት ወዲ ሰብ ክቡር እዩ። ኣብ ቅድሚ ‘ቲ ብስስዐ ስልጣን ዝሰብሐ ልቢ ህግደፍ ግን ዋጋ የብሉን። ህይወቱ ስልጣኑ ጥራይ እዩ። ንሰብ ከም ቁጽሪ እምበር ከም ህይወት ስለዘይጸብጸቦ ኸኣ መሰል ሰብ ብጅምላ ተጋሂሱ ክብረቱ ሓሲሩ፡ ሃገርና ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ትርከብ ኣላ። እቲ፡ እቶም ስሚ ደቆም ኮኑዎም ዘሎ ኣቦታትን ኣዴታትን ኤርትራ ወግሐ ጽብሐ ዝረግሙዎ ዘለዉ ስልጣን፡ እቲ ንእስነቶም ሰሪቑ መጻኢኦም ብኣግኡ ስለዘባኸነሎም ነታ ዝርካባ ኣብ ስደት ዳግማይ ህይወት ክዘርኡላ ብቓፍላያት ራሕሪሖሞ ንወጻኢ ዝውሕዙ ዘለዉ መንእሰያት ዝጸየኑዎ ስልጣን ንህግደፍ እንታይ እንታይ ይጥዕሞ ከምዘሎ መቸም ዘስደምም እዩ። ንዝቢ ኤርትራ ግን ብርግጽ ስልጣን ህግደፍ ካብ መግዛእቲ ንላዕሊ ኣርዒሩዎስ፡ ህጹጽ መብረ ሃንቀው ይብል ኣሎ። እቲ ስርዓት፡ ሓንሳብ ካብ ወንበሩ እልይ ኢሉ፡ ዕንደራኡን ገበናቱን፡ ንዝህቢ ኤርትራ ጽዒኑዎ ዘሎ ከቢድ ዕዳን ክመሚ ኣይከኣለን። በዚ ኸኣ እቲ ኣብ ሃገርና ፈጢሩዎ ዘሎ ቅልውላው መወዳድርቲ ስኢኑ ኸሎ፡ ኣብታ ብስስዐ ስልጣን ዝተባሕተት ጸባብ ኣእምሮኡ ዘለዎ ሚዛን ግን ፈኵስ እዩ። ስለዝኾነ፡ እቲ ስርዓት፡ ከምቲ ንጥፍኣቱ ባዕሉ ዝቐየሶ ባዕሉ ይመርሖ ‘ሎ። እንሆ ድማ፡ ትጽቢትን ድሌትን ህዝቢ ንለውጢ መመሊሱ ክዓርግ ከሎ፡ ስነኣእምሮኣዊ ጭንቀቱን ጽላለኡን መመሊሱ ይዓርግ። በዚ መንገዲ’ዚ ምስ ገበናቱ እናተቐዳደመ ኸኣ ‘ዩ፡ ሎሚ ደቂ 15 ዓመት ቆልዑ ብትሕዞ ኣብ ምርሻን በጺሑ።

ንሎሚ እምብኣር፡ እቲ ትማሊ፡ ንህዝቢ ኤርትራ “ቆጺረ ዝወሰድኩዎም ደቅኻ ቆጺረ ከረክበካ እየ” ብምባል ንህዝቢ ክሽሕጥ ዝፈተነ ስርዓት ህግደፍ፡ ብፍላይ ከኣ ‘ፕረዚደንት’ ኢሳይያስ፡ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ተጋደልትን ዝፈጸሞ ናይ ምርሻን ስጉምታት ዝምስክር ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝረኸብናዮ ጭቡጥ ሰነዳት ከነቕርበልኩም ኢና። እወ፡ ደም ንጹሃት ኣይሰድድን ‘ዩ። እቶም በቲ ጽዩፍ ስርዓት ኣብ ጽመዋ ተረሺኖም ኣብ ጽመዋ ዝተቐብሩ ንጹሃት ኤርትራውያን ብሰነዳቶም ክዛረቡ እዮም።

ስርዓት ህግደፍ፡ ብዓቢኡ ዕንደራኡ ንምርዋይ ዝኣተዎ ኵናትን እቲ ደረት ግዜ ዘይብሉ ብሃገራዊ ኣገልግሎት ዘመኽንዮ ጊላነትን፡ ልዕሊ ኹሉ ኸኣ እቲ ሕግን ስርዓትን ዘይብሉ ኣተሓሕዛኡ፡ ኣብ ኣባላት ሰራዊት ጽልኣትን ጭንቀትን ፈጢሩ ክርሕርሑዎ ከምዘገድዶም ክእመነሉ ኣይደልን ወይ ከኣ ኣይስቆሮን እዩ። ንርእሱ ገበነኛ ስለዝኾነ፡ ንንጽህና ካልኦት ገበን ገይሩ ክገልጾ ግን ጸገም የብሉን። በዚ ቅጥዕን ርትዕን ዘይብሉ ኣረሚናዊ መንገዲ ‘ዚ ኸኣ ‘ዩ፡ ነቶም “ቆጺሩ ዝተቐበሎም” ከም ኣፉ ቆጺሩ ኣብ ክንዲ ዝመልሶም፡ ቆጺሩ ዝቐትሎም ዘሎ።

እዚ ክታምን ማሕተምን ፈጸምቱ ዘለዎ ናይ ምርሻን ሰነዳት፡ ካብ 1999 –2000 ዓመተ ምህረት ኣብ ክፍለሰራዊት 18 ካብ ዝተፈጸሙ ቅትለታት ንጭብጥን መርኣያን ተባሂሉ ብኸፊል ዝተልእከልና እዩ። በብኣሃዱኡ ክንደይ ንጹህ ኤርትራዊ ጠፊኡ ከምዘሎ ኸኣ ምግምቱ ኣየጸግምን። እዚ ጭቡጥ ሰነዳት ‘ዚ እቶም ሰባት ከምዝተረሸኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ስለምንታይ ከምዝተረሸኑን ብኸመይ ኣገባብን ቅጥቕን ህይወቶም ከምዝጠፍአን ዘመሳኽር እዩ። እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን፡ ነዚ ክቡር ህይወት ዝለከመ ስጉምታት እቶም ክሳብ ደረጃ ጋንታ ዘለዉ ታሕተዎት ሓለፍቲ በብኣጋጣሚታቱ ተጋግዮም ዝፈጸሙዎ ዘይኮነስ፡ ኢሳይያስ ከም ድላዮም ክቐትሉ ንዝሃቦም ዕዉር መምርሒ ተኸቲሎም ኮነ ኢሎም ዝፈጸሙዎ ምዃኖም እዩ። ነቶም ግዳያት ከኣ፡ ከም እንስሳ፡ “ኣብ ርእሱ ተሃሪሙ፡ ኣብ ግንባሩ ተደጊሙ” እናበሉ፡ ብትሕዞ ህይወቶም ኣጥፊኦም ኣብ ጸብጻቦም ኣስፊሮሞም ኣለዉ። እዞም መሳኪን ኤርትራውያን፡ ኣብታ “ኣዴታቶም ደቅና ኣለዉ” ኢለን ብተስፋ ዝዛነያላ፡ ህጻናት ደቆም “ኣቦና ክበጽሓና እዩ” እናበሉ ብተስፋ ዝጽበዩላ ዝነበሩ፡ ንዓኣዓቶም ግን ብጽመዋን ጭካኔን ዝሕልሕል እትብሎም ዝነበረት ናይ መወዳእታ ህሞት ሓዲሩዎም ዝነበረ ስምዒት መቸም፡ ብንብዓት እምበር ብዘረባ ክግለጽ ኣይክእልን እዩ።

እቶም ግዳያት ገሊኦም ናብራ ዘይፈተኑ ለይለይ መንእሰያት፡ ገሊኦም ሰለስተ -ኣርባዕተ ዕሸላት ቆልዑ ብድሕሪኦም ዝገደፉ ሰብ ሓዳር እዮም። ገሊኦም ኣሕዋት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ተጋደልትን ስዉኣትን እዮም። ነታ በጃ ስልጣን ንኹሉ ከም ዓሳ ምጥሓን ጥራይ እትፈልጥን ማሽን ቅትለት ኢሳይያስ ግን፡ እዚ ኹሉ ነጸብራቕ ህይወት ኣይንታያን እዩ። ገበናታ ረዚኑዋ፡ ሕነ እዞም ንጹሃት ግዳያትን ስቅያት ህዝቢ ኤርትራን ነብሳ እትሕነሉ ግዜ ግን ርሑቕ ኣይክኸውንን እዩ። ፍትሒ ግድን ኪረጋገጽ እዩ። ንጹህ ዘይትንከፈሉ፡ ገበነኛ ኣብ ፍርዲ ቐሪቡ ብመስርሕ ሕጊ ንጽህናኡን ገበኑን ዝምምመየሉ መድረኽ ናይ ግድን ክመጽእ እዩ። ነዚ ኩነታት’ዚ ዘውሕስ ፖለቲካዊ ስርዓት እንተዘይሃኒጽና፡ ንህዝቢ ዝውክል ባይቶ፡ ነጻ ቤትፍርዲ፡ ነጻ ጋዜጣ፡ ተሓታትነት ዘለዎ መንግስቲ ተኺልና፡ ሰብ ኣብ ዲሞክራስያዊ ትካላትን ሕግን ተኣማሚኑ ዝነብረሉ ቀሲኑ ዝሓድረሉ፡ መድረኽ እንተዘይፈጢርና፡ “ሃገር ኣለና፡ ህዝቢ ኢና” ክንብል ኣይንኽእልን። ካብዚ ፍሽለት’ዚ ንምድሓን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ቀዳምነት ሂብና ብሓባር ምስራሕ ከኣ ቀስትና ክኸውን ይግብኦ።

ነዚ ሰነድ ‘ዚ ንህዝቢ ከነቕርቦ ኸለና፡ ነቶም ካብ ቱሽቱሽ ናይቲ ቀታሊ ስርዓት ነዚ መስካሪ ሰነዳት ‘ዚ መዝሒቖም ክልእኩልና ልዑል ትብዓትን ተወፋይነትን ዘርኣዩ ሰብ ሕልና ብስም ኣሰናን ተኸታተልትናን፡ እቶም ግዳያትን ነመስግኖም። “ሎሚ ምዉታት ኣዛሪብኩም ኣለኹም ‘ሞ ጽባሕ ድማ ንስኻትኩም ብሓበን ክትዛረቡ ኢኹም” ንብሎም። ኣብ ዝተፈላለያ ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻል ዝርከቡ ኤርትራውያን ተመሳሳሊ ትብዓትን ሕልናን ብምርኣይ ንጭካኔን ገበናትን ህግደፍ ኣብ ምቅላዕ ክተሓባበሩ ድማ ብትሕትና ንጽውዕ።

ኣሰና

ሰነዳት ብህግደፍ ዝተረሸኑ ኣባላት ክፍለ ሰራዊት 18  
(ንሎሚ ናይ ሰለስተ ካብኣቶም ግዳያት ከነቕርበልኩም ኢና - መንግስተ ሰማይ የዋርሶም)


1.  ኣብርሃለይ ተኽለ ኣስፍሃ  

ቀዳማይ ሰነድ

ካልኣይ ሰነድ

 2.  ሃይለ ብስራት ጋሎ

  • ቀዳማይ ሰነድ

    ካልኣይ ሰነድ

  • ሳልሳይ ሰነድ

3.  ስዩም ተስፋማርያም ተወልደ

(መብርሂ፡ ናይ ስዩም ሓበሬታ ብጽሕፈት ኢድ ዝተቐድሐ ስለዝኾነ ኣብ ገሊኡ መልሲ ጥራይ እዩ ተጻሒፉዎ ዘሎ፡ስለዚ ምስቲ ናይ ጋሎ ፎርም ብምንጽጻር ብቐሊሉ ንምርድኡ ይከኣል)

Last Updated ( Monday, 20 April 2009 )
 
Next >

Loading...