ሰናይ (ፋርማሲ)

courtesy photo Samson Solomon

ይህሎ'ዶ ግርማኻ ባባ ሰናይ (ፋርማሲ)?
ታሪኻ'ኮ ለኒ ዝጀመርካዮ ቅያ
ገና ከለኻ ገባር በዓል ሞያ
ትብላን ትገብራን ኩላ ሓንቲያ
ሰውራ'ኮ ዝመቀረት ሳላኻ'ያ
ታኣምር ሰውራ ንኽትኣምኖ ዘሸግር
ካብ ጨዓ ፍረ ከተብቁል
ሓደ መዓልቲ ደኾን ታሪኻ ይንገር
ክፈልጥ ወለዶ ምስጢር ዓወት'ዛ ሃገር
ብኹሉ'ሞ እንታይ ይወጸካ ባባ ሰናይ
ኣስሊ ኣዝማሪኒ ግሩም ምዕሩግ ሓለንጋይ
ዋዒ'ካ ታሓወሶ ርእሰ ታኣማንነት ማራ
ታይ'ሞ ክንብል ደቂ ኣስመራ ይመስክራ
ሰሚዐ ታሪኽ ናይ ካርቸሊ ሂይወት
መማኽርቲ ኣቦይ ኔርካ ምስ ኩሉ ትብዓት
ገዲፉካ ከይዱ እንዶ'ሞ ሓዲጉልካ ንብዓት
ዘኢትነገር ኮይኑና ናይ ዓለምና ብልሓት
ንራኸብ'ዶ ኾን ንኸውን መወዳእትኡ
ታሪኽ ኣቦይ ከተዘንትወለይ ብምሉኡ
ይሽትት ኣሎ ለውጢ ክኸውን ሓዲኡ
ይነጉድ ኣሎ ተስፋ ክበሃል ሰናይ መጺኡ
በል ክትፈልጥ እንኮ ወደይ ስምካ ዓዲለዮ
ከማኻ ተኾነለይ ካብ ልቢ ቢሂገዮ
ክንደየናይ ከማኻ'ኳ ግን ቁሩብ'ዩ ዘድልዮ
ገለ ካብቲ ግርማ፡ገል ካብ ትብዓትካ ምኣኸሎ!
ንዝኽሪ ሰናይ ፋርማሲ ብዘይ ክሲን ፍርድን ኣብ ካርሸሊ ካብ መስከረም 2011 ዝርከብ ዘሎ ሓርበኛን ሓላዪ ሃገሩን ዝኾነ ኤርትራዊ ኣቦና
ካብ ሳምሶን ሰለሙን

source Samson Solomon

  • ehrea
     

                          ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com