ከም ሽምዓ እንዳመኸኸት ትዓርብ ዘላ ኮኾብ

እቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተወልደ ሓድሽ ወለዶ እንተዘይኮይኑ ንዓኣ ዘይፈልጥ ኤርትራዊ ኣይክህሉን - ንተጋዳሊት ሰናይት ደበሳይ፡፡ ኣብ ሜዳ ኣብ ክፍሊ ሕክምናን ባህሊ ውድብን፡ ድሕሪ ናጽነት ከኣ ኣባል ኣመራርሓ ሃማደኤ ከምኡ ‘ውን ሰራሕተና ሚኒስትሪ ቱሪዝም ኮይና ኣገልጊላ ‘ያ፡፡ በቲ ፍሉይ ናይ ጊታር ክእለታን ድምጻን ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ኣበርክቶኣ ከም ውልቀ ሰብን ከም ተጋዳሊት ህዝባዊ ግንባር ኣዚዩ ዕዙዝ’ዩ፡፡ ክሳብ ሕጂ ካብ ኣእምሮና ዘይሃስስ ምስቲ ውቅብ መልክዓ ጊታራ ሒዛ “ኩሉንትናይ ንዓኺ ንሃገረይ ንህዝብይ” እናበለት ኣብ ባህሊ ውድብ ኮይና ትሓንን ዝነበረት ሰናይት ሎሚ ዘይከም ትማል ኣብ ጸልማት ካርሸሊ ተዳጊና ጽብጽባዕ እንዳዓረብት ትርከብ፡፡

ካብ ሓደ ቤተሰብ ክልተ ውፉያት ገዳይም ተጋደልቲ ታሪኾም ተደብዩ ዘይምሱል መሲሎም ብዘይዝኾነ፡ ምኽንያትን ፍርዳዊ መስርሕን ኣብ ጉድጓድ ተደርቢዮም ምርኣይ ካብቶም ኣብ ዘመነ ስርዓት ኢሳይያስ ብጸሊም ዝስነዱ ታሪኽ ሃገርና ሓደ ‘ዩ፡፡ ካብ ኣብራኽ ኣቦይ ደበሳይን ወ/ሮ ለተንኪኤል ንግሩን ዝተወልዱ ተጋደልቲ እርምያስ ደበሳይን ሰናይት ደበሳይን ከም ካልኦት ምዑታት ብጾቶም ካብ ማሙቕ ጎጀኦም ተሓሪፎም ኣብ ጸላም ጎዳጉዲ ካብ ዝዳጎኑ ዓመታት ኣሕሊፎም፡፡ ኣብ ዘመነ ኢሳይያስ ብዘይንሕስያ ሙሉእ ስድራ ብምቕያድ ወለዲ ናብ ጎዳጉዲ፡ ውላድ ናብ ስደት ከቕሰቡ፡ ብምግባር መሰረት ሃገር ዝኾነት ስድራቤት ብምፍራስ መዳርግቲ ዘይብሉ ግፍዕታት ተራእዩ፡፡ ከም ታሪኽ ደቂ ኣቦይ ደበሳይ ብተመሳሳሊ ኣብ በዓል ብርጋዴር ጀነራል ስቲፋኖስ ስዩምን ሓው ኮ/ል ተስፋልደት ስዩምን፡ ጴጥሮስ ሰሎሙንን በዓልቲ ቤቱ ኣስቴር ዮውሃንስን፡ ከምኡ’ውን መሓመድ ሸሮፎን ኣስቴር ፍስሃጽዮንን ምጥቃስ ይከኣል፡፡

ንሎሚ ብምኽንያት ማርች 8 ታሪኽ’ቶም ካልኦት ንግዜ ገዲፈ ብዛዕባ ሰናይት ደበሳይ ገለ ክብለኩም፡፡ ድሕረ ባይተኣ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጦ መገሻ ንኣመሪካ ሓዲጋ ካብ ሱዳን ናብ ህዝባዊ ግንባር ዝተሰለፈት ሓርበኛዊት ተጋዳሊት ሰናይት ደበሳይ ካብ ቀዳም ዕለት 15 ሕዳር 2003 ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ኣብ ካርሸሊ ካሜራ ቁጽሪ 6 ተቐይዳ ትርከብ፡፡ ንመብዛሕትና ስጊንጢር ዝኾነ ምኽንያት መቐዬዲኣ ኣቦ 3 ደቃ ኣምባሳዶር ኤርትራ ኣብ ኬንያ ኮ/ል በየነ ርእሶም (ወዲ ርእሶም) እዩ፡፡ ኣብ 2003 ብፋሉላዊ ባህሪያት በየነ ርእሶም ዝተማረረት ሰናይት ደበሳይ ብወግዒ ፍትሕ ሓቲታ ቤት ፍርዲ ትመላለስ ኔራ፡፡ ብኣንጻሩ ሰብኣያ ኮ/ል በየነ ርእሶም ብተደጋጋሚ ንጻውዒት ቤ/ፍርዲ ነጺጉ ነቲ ጉዳይ ብዓርኩ ኮ/ል የማነ ኣፈወርቂ (ወዲ ኣፈወርቂ- ኣብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ክፍሊ ውሽጣዊ ጸጥታ ሓላፊ ዞባ ማእከልን ጸረ ግብረ-ሽበራን ዝነበረ) ክውድኦ እዩ ተረባሪቡ፡፡ ኣብቲ እዋን ሓው ሰናይት ገዲም ተጋዳላይን ኣምባሳዶር እርምያስ ደበሳይ (ፓፓዮ) ከኣ ድሕሪ 7 ዓመት ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሑ ነይሩ፡፡

ሳዕቤናት ኩናት ምስ ኢትዮጵያን ጉዳይ ቀይዲ ኣባላት “ጉጅለ 15ን” ሓያል ስግኣት ስለ ዘሕደረ ብፍላይ ካብ 2001- 2003 ኣብ ዝነበረ ዓመታት ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ብስም “ጸጥታን ትሕቲ ሃገራዊነትን” ንዝጠርጠሮ ሰብ ክቕይድ ሙሉእ ሓላፍነት ብቤ/ጽ ፕረሲደንት ተዋሂብዎ ነይሩ፡፡ ሰናይትን እርምያስን ከኣ ብጥቆማ ወዲ ርእሶም ኣብ ጠመተ ሃገራዊ ድሕነት ኣትዮም፡፡ ንዕለት 20 ሕዳር 2003 ንጉሆ ናይ ቤት ፍርዲ ቆጸራ እንዳሃለዋ 5 መዓልቲ ቀዲሙ ሓላፊ ሃ/ድሕነት ዞባ ማእከል ዝነበረ ኮ/ል የማነ ኣፈወርቂ (ወዲ ኣፈወርቂ) ንሜጀር ነጋሲ ኪዳነ፡ በርሀ ባሻይን ጎይቶም (ቀይሕ) ዝተብሃሉ ሰለስተ ኣባላት ጉጅለ ዓፈናን ስጉምትን ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ኣዚዙ ዓርቢ ዕለት 15/11/2003 ብምስምስ “ተደናጋጺ ጉጅለ 15ን ትሕቲ ሃገራዊነትን” ሰናይት ደበሳይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትያ፡፡ ምስ ኢሳይያስ ካብ ሜዳ ጀሚሩ ጥቡቕ ምሕዝነት ዝነበሮ ሓዋ እርምያስ (ፖፓዮ) ካብ ዝፍታሕ ውሑድ ኣዋርሕ ይግበር እምበር “ገለ ቅሬታታት ክህልዎ እዩ” ተባሂሉ ስለ ዝተጠርጠረ ብኣባላት ውሽጣዊ ጸጥታ ሕቡእ ክትትል ይካየደሉ ነይሩ፡፡ ኮ/ል በየነ ርእሶም ነዚ ሃጓፍ ተጠቒሙ ብስም “ትሕቲ ሃገራዊነትን ተደናጋጽቲ ጉጅለ 15ን” ንክልቲኦም ኣሕዋት ዝምልከት ፈጠራዊ ጸብጻብ ናብ ቤ/ጽ ፕረሲደንት’ውን ኣቕሪቡ’ዩ፡፡ ኣብ ዝንቡዕ ውሳነታት ተሸመመ ኢሳይያስ ንጸብጻብ ኮ/ል በየነ ርእሶም ብቀጥታ ተቐቢሉ ንትግባረኡ ናብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ኣውሪድዎ፡፡

ትማል እታ “ኩሉ እንትናይ ንዓኺ፡ ንሃገረይ ንህዝበይ!!” እናበለት ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ብምጉስጓስ ንናጽነት ዕዙዝ ተራ ዝተጻወተት ሓርበኛዊት ተጋዳሊት፡ ከም ዘይ ጓል ሃገር ተቆጺራ፡ ሞሶኣ ተሪሲዑ፡ ኣብ ጸላም ተዳጊና፡ ከም ሽምዓ ትመክኽ ኣላ፡፡ ካብ ትእሰር ዛጊት ኣስታት 13 ዓመታት ኮይኑ ብሰሪ ዝወረዳ መግረፍትን ስቓይን ኣብዚ እዋን እዚ ግዳይ ውሽጣዊ ሕማማት ኮይና ኣብ ጥዕናኣ ወሪዱዋ ዘሎ ጸገም ማእለያ የብሉን፡፡ ነብሳ ማህሚኑ እታ ከም ክላሽን ተሓንጊጣ ትሃርማ ዝነበረት ቫይዝ ጊታር ሎሚ ኣይኮነን ክትሕንገጣ ዘይንሳ መሲላ ንገዛእ ነብሳ ካብ መሬት’ውን ክትትስእ ኣይትኽእልን፡፡

ማርች 8 ብደረጃ ዓለም ዝኽበር መዓልቲ ደቂኣንስትዮ’ዩ፡፡ ብምኽንያት መዓልቲ ደቂንስትዮ ከም በዓል ሰናይት ደበሳይ ብጣልማይ ኢሳይያስ ታሪኸን ተደብዩ፡ ፈቐዶ ጎዳጉዲ ብእህህታን ስቓይን ንዝነብራ፡ ትሕቲ ህልዋት ተጋደልትን ስውኣትን ብምዝካር፡ ህዝብና ሰሚሩ ንዳግማይ ቃልሲ ንሓርነት ክለዓዓል እላቦ፡፡
( ስእሊ 1. ሰናይት ደበሳይ 2. በየነ ርእሶም 3. ኮ/ል የማነ ኣፈወርቂ 4. ካርሸሊ)

+3