እዋናዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ

source http://sacttism.com/817-2/

ኩሉ ሻዕ መስዋእቲ ከም በዓል ሃይለ ድሩዕ ዝኣመሰሉ፡ ምእንቲ ናጽነት ከይበቐቑ ንእስነቶም ዘወፈዩ ገዳይም ተጋደልቲ፡ ዘስካሕክሕ ስቅያትን ህልቂትን ዜጋታትና ኣብ በረኻታት ሲናይን፡ ማእከላይ ባሕርን፡ ዋሕዚ ምዑታት ዜጋታት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ብሉይ ጎስጓሳት “መኸተ” ዕሱባት ህግደፋውያን፡ ዘይተኣደነ ዝምታ ባህሪያዊ ጸጋታትና…ወዘተ እንዳሰማዕና ደም እንዳነባዕና ኣይክንነበርን፡፡ ዕርበት ህግደፍን ዘይተርፍ ሞት ኣባጓይላ ኢሳይያስ ውን ክንርእን ክንሰምዕን ክንምስክርን ኢና፡፡ ግዜ ለኩሉ!

ኣብ ፔጅ ሳክቲዝም፡ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ህልው ኩነታት እሱራት ዒራዒሮን ኣተኣላልዮኦምን፡ ዝምልከት ሓበሬታ ኣስታት ሰለስተ ሻዕ ፈኒየልኩም ኔረ፡፡ ንመስዋእቲ ገዲም ተጋዳላይ ሚኒስተር ሃይለ ድሩዕ ሓዊሱ፡ ኣብዛ ፔጅ ዝተፈነ’ውን ዝፍነውን መደባት፡ ብመርትዖ ክምክት ዝኽእል ዋላ ሓደ ሰብ ወይ ከኣ ትካል እንተሎ፡ ሕጂ’ውን ብጭብጥታት ክቐርብ ይኽእል’ዩ፡፡ ብዝኾነ፡ እቲ መዋእሉ ምእንተ ህዝብን ሃገርን ዝተቓለሰ ድሩዕ፡ ንሓዋሩ ከይምለስ ተሰዊኡ ኣሎ፡፡ ደጊመ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ንስድራቤት ድሩዕን ጽንዓት ይሃብኩም! እንዳበልኩ፡ ኣቐዲመ ዝፈነኹዎ ሓበሬታ፡ ኣብ ፔጅን መርበብ ሓበሬታ ሳክቲዝም፡ ክተንብቡ እንዳሓበርኩ፡ ንሎሚ ኣቐዲመ ካብ ዝፈነኹልኩም ሓበሬታ፡ ከም መበገሲ ገለ ጭብጥታት ብምድራኽ፡ ብዛዕባ እዋናዊ ኩነታት ቤት ማእሰርቲ መዓሙቕ በረኻታት ዒራዒሮ ተወሳኺ ሓበሬታ እፍንወልኩም፡፡

ካብ 17 ክሳብ 18 መስከረም 2001፡ ብትእዛዛት ኢሳይያስ ኣብ ምክትታልን ምልቃምን፡ ኣባላት “ጉጅለ-15ን ሰዓብቶምን”፡ ዝተሳተፉ ኣባላት ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ክፍሊ ውሽጣዊ ጸጥታ፡ ብጠቕላላ 33 ኮይኖም፡ ብ11 ላዕለዎት ሓለፍቲ ተመሪሖም፡ ነቶም ግዳያት ከካብ ገዝኦም፡ ካብ መገዲን ቤት ጽሕፈታቶምን ክቕይዱ ዝተመደቡ ድማ ሰሰለስተ ኣባላት ኔሮም፡፡ እዞም ኣብ መስርሕ ምክትታልን ምእሳርን ኣባላት “ጉጅለ 15” ዝመርሑን ዝተሳተፉን ላዕለዎት ሓለፍቲ፡ ውሽጣዊ ጸጥታ ዝስዕቡ ኔሮም፡፡

  1. ሌ/ኮ ዮናስ ዘርኣይ፡- በቲ እዋን ኣብ ጸረ ግብረ ሽብራ ተመዲቡ ይስርሕ ኔሩ ደሓር ዝደስከለ
  2. ሌ/ኮ ጸሃዬ የውሃንስ (ጭጉኒ)፡- በቲ እዋን ኣብ ምክትታል ትካላት መንግስቲ ዳህላክን ዝርከቡ ወጻእተኛታት ኣብ ምክትታልን ምትሕብባርን ተመዲቡ ዝነበረ
  3. ኮሎኔል ርእሶም ኣባይ (ወዲ ማርጋኖ)፡- በቲ እዋን ኣብ ክፍሊ ምክትታል ወጻእተኛታት፡ ዓፈናን ስጉምትን ዝነበረ፡ ኣብዚ እዋን ንዕደና ወርቂ ዛራ ንምክትታል ሬድሲ ሴኩሪቲ ዝብል ትካል ተኸፊትሉ ብጉልባብ ተመዲቡ ይስርሕ ኣሎ፡፡
  4. ሜጀር ሓጂ ኢብራሂም መሓመድ፡- ኣብቲ እዋን ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ኣኽሪያ ኣብ ትሕቲ ኣካል ብልሽውና ተመዲቡ ኔሩ፡ “ኣይነፋዕኻን” ተባሂሉ ደስኪሉ ኣብ ሰንከልከል ይርከብ፡፡
  5. ሜጀር ጎይቶኦም ሰጊድ (ወዲ ቢኒ)፡- ኣብ ፈተነ ቅትለት ብ/ጀነራል ስምኦን ተጠርጢሩ ኣብ ማይ ስርዋ ተኣሲሩ ኔሩ፡፡ ኣብ 2015 ተፊቲሑ፡ ንካልኣይ ግዜ ከኣ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ ኣሎ፡፡
  6. ሜጀር ብርሃነ ግርሙ፡- ኣብ ምክትታል ወጻእተኛታት ተመዲቡ ይስርሕ ኔሩ ሕጂ ኣብ ኣሃዱ ስጉምትን ዓፈናን ኣሎ፡፡
  7. ሜጀር ነጋሲ ኪዳነ፡- ኣብ ምክትታል ወጻእተኛታት ተመዲቡ ኔሩ ሕጂ ኣብ ኣሃዱ ስጉምትን ዓፈናን ይሰርሕ ኣሎ፡፡
  8. ሜጀር ሙሉጌታ ኣማረ (ሙለር)፡- በቲ እዋን ምክትል ሓላፊ ዞባ ሰ.ቀ.ባሕሪ ኔሩ ሕጂ ኣብ ክፍሊ ምክትታል ኣሎ፡፡
  9. ሜጀር ኢብራሂም ስዒድ (ወዲ ስዒድ)፡- ኣብ ኣስመራ ኣብ ትሕቲ ክፍሊ ምክትታል ኣብ ከባቢ ገጀረት ኔሩ፡ ብዝተፈላለየ ምስምሳት ተኣሲሩ ዝተፈትሐ’ዩ፡፡
  10. ሌ/ኮ መንግስትኣብ ተኽለ፡- ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ዕዳጋ ሓሙስ ኣብ ትሕቲ ኣካል ምክትታል ተዋፊሩ ዝነበረ፡ ድሕሪ 2001 ካብ ሃገር ዝተሰደ (ኣብ ኣሜሪካ ኣሎ ይበሃል)
  11. ሜጀር ግደ ዓንደወልድ (ወዲ ጅዱ)፡- ሓላፊ ምክትታል ላዕለዎት ትካላትን ሰበ-ስልጣናትን (VIP) እዮም፡፡

ካብዚኣቶም፡ ኣብ ቁጽሪ 7 ዝተገልጸ፡ ሜጀር ነጋሲ ኪዳነ፡ ኣብ ልዕሊ ሚኒስተር ሃይለ ድሩዕ ዝተኻየደ ስውር ምክትታልን ምቕያድን ዝመርሐ ኮይኑ፡ ቲራቬሎ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ሃይለ ድሩዕ፡ ምስኡ ተላኢኾም ንድሩዕ ናብ እምባትካላ ዘብጽሑ ኣባላት ድማ በርሀ ባሻይን ሃብቲላን ዝተብሃሉ ኣባላት ውሽጣዊ ጸጥታ’ዮም፡፡

ኣብ እምባትካላ፡ ኣቐዲሞም ዝኣተው እሱራት፡ እቶም “ቀንዲ ገበነኛታት” ዝተብሃሉ 11 ሓለፍቲ ኮይኖም፡ ካብ ኣባላት ውሽጣዊ ጸጥታ ተቐቢሎም፡ ብጽኑዕ ክሕልውዎም ዝጸንሑ ከኣ፡ ካብ ስርሒት ዞባ 04 (ኮር 491)ን ካብ ስርሒት ዞባ 05ን ዝተኣኻኸቡ ኣባላት ስለያ ግንባር ኔሮም፡፡ ነቶም ኣባላት ስርሒት 05 ዘዳለወን ዝወዘዐን ሓላፊ ድማ፡ ስታፍ ስለያ ስርሒት ዞባ 03 ዝነበረ፡ ኮ/ል ሓዱሽ ዓንዶም (ወዲ ወለላ) ኔሩ፡፡ ካብ እምባትካላ ጀሚሩ ክሳብ ዒራዒሮ፡ ከም ላዕለዋይ ሓለፊ እሱራት ዒራዒሮ ኮይኑ፡ ብኢሳይያስ ዝተመደበ ሌ/ኮ ኢሳቕ ኣርአያ (ወዲ ሓኪም) ምኻኑ ይፍለጥ፡፡ ብሰንኪ “ምሕሳም መግቢ” ዲሒሮም ካብ መደበራት ፖሊስ ዞባ ማእከል ዝመጹ ጋዜጠኛታት፡ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣሜሪካን ካልኦትን ድማ ቀስብቀስ ተለቒሞም፡ ናብ እምባትካላ ግዒዞም፡፡ ከምቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዝተገልጸ፡ ኣብ እምባትካላ ጀነራል ዑቕበ፣ ማሕሙድ ሸሪፎን ፍስሃየ ጀሽዋን ተሰዊኦም፡፡ ኣብ እምባትካላ፡ ኣብ ዝጸንሑለን 23 ኣዋርሕ፡ ኢሳይያስ፡ ንውጩ ኣባላት ሓለዋ ከዳሉ፡ ንሓለፊ ትካል ዕንጨትን ሓጺንን ሰምበል ኮ/ል ገረዝጊሄር ኣስመላሽ ድማ፡ ኣብ ዒራዒሮ ሼላታት ክሃንጽ ኣዚዝዎም፡፡ ሜ/ጀ ገረዝጊሄር ዓንደማርያም (ውጩ) ከኣ ካብ ስለያ ክፍላተ ሰራዊት 17፡ 26፡ 32ን 35ን ኣባላት ኣዳሊዩ ናብ እምባትካላ ብምልኣኽ ነቶም ዝጸንሑ ናይ ኮር 491ን ሓለውቲ ክትክኡ ተገብረ፡፡

ኣባላት “ጉጅለ 15ን ሰዓብቶምን”፡ ናብ መዓሙቕ እቶን ዒራዒሮ ንምስግጋር፡ ኣብ ዝተሓሰበሉ እዋን፡ ኣብ ኣስመራ ድማ፡ የማነ ገብረኣብ፡ ዘምህረት የውሃንስን ኣሕፈሮም ተወልደን ንህዝብን ንካድራት ቤት ትምህርቲ ስነፍልጠት ናቕፋ ዝኸውን፡ ኣብ ምድላው ጎስጓሳዊ ጽሑፋት ተጸሚዶም ኔሮም፡፡ ከም ውጽኢቱ ከኣ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤ/ት ካድር ናቕፋ ከም ሓደ ኮርስ፡ ብኣሕፈሮም ተወልደ ዝወሃብ ናይ ኣስታት 2 ሰዓት ሞጁል ኣዳሊዮም ’ዮም፡፡

ኣብቲ ንካድራት ዝንበበሎም ሞጁል፡ “ገበናት ጉጅለ-15” ተባሂሎም ብዝርዝር ዝግለጹ፡ ብተንኮልን ምህዞን ዝተብዓጡ፡ ብናይ በዓል የማነ ማንኪ ጠቐነታት ዝተምለኡ፡ ሰፋሕቲ ትንታኔታት ዝሓዙ ጽሑፋት ቀጺሎም ኣብ ዝተገልጹ ኣምራት ዝተደረኹ’ዮም፡፡

  1. ኣብ ህዝቢ ናይ ተስዓርነት ስምዒት ከምዝላባዕን ሓይልታት ምክልኻል ዕጥቁ ከምዝፈትሕን ብረቂቕ ብምስርሖም፤
  2. ነቲ ምዝላቕ ከም ስዕረት ብምቑጻር፡ ንህዝቢ “ኦሮማይ ተሳዒርና ኢና! ምስ ኢትዮጵያ ደጊም ኩናት ዘዋጸና ኣይኮነን” ኢሎም ስረ ከፍትሑ ብምፍታኖም፤
  3. ብ “ኽሕደት ሃገር” ማለት ኩናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ በጺሑ፡ ኤርትራ ብዝገበረቶ ስትራተጅካዊ ምዝላቕ፡ መብዛሕትኡ ምዕራባዊ ዕርድታት ኣብ ትሕቲ ጸላኢ ወዲቑ እንዳሃለወ፡ ምስ ወያነ ብሕቡእ ኣብ ድርድር ክኣትው ብምፍታኖም፤
  4. ሃገር ኣብ ከቢድ መኸተ ኣብ ዝነበረትሉ፡ ሙሉእ ዓቕምን ሃብትን ሃገር ኣንጻር ወራር ከቲትሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ዘይግዝያውያነን ዘዘናብሉን ሕቶታት ብምልዓሎም፡ ከምኡ ውን ሃገር ኣብ ከቢድ ናይ ህላወን ዘይህላወን ሕቶ ተወጢራ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ሕቶ ቅዋም፡ ዲሞክራሲ፡ ምርጫ፡ ምውሳን ስልጣን፡ ምፍናው ሰራዊት፡ ሕቶ ሃገራዊ ኣገልግትን ካልእን ግዚኡ ዝሰሓተ ሕቶታት ብምልዓል፡ ንወፍሪ መኸተ ከዘናብሉን ንላዕለዎት ሰበ-ሰልጣንን ፕረሲዳንትን ብምፍርራሕ፡ ካብ ሃገራዊ ግዴታኦም ከዘናብሉዎም ብምፍታኖም፤
  5. ካብ ከቢድ ናይ ወራር ህላወን ዘይህላወን ሕቶ፡ ብመኸትኡ ተገላጊሉ፡ ኣብ ሕወየት ዝርከብ ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናብ ፍጹም ሻቕሎትን ቅልውላውን ዝመልስ፡ ፖለቲካዊ መርገጺታቶም ኣብ ጋዜጣታት ብሕቲ ብምፍናውም፤ ከምኡ’ውን
  6. ብስልጣኖም ተጠቒሞም፡ መንእሰያት ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምዝሃድሙ ምግባሮምን፡ ናይ ህዝብን መንግስትን ንብረት ናብ ናይ ብሕቲ ስሱዕ ድሌታቶም መርወይ ምግባሮም ዝብሉ’ዮም፡፡

ብካልእ ገጽ ድማ፡ ህዝቢ ክጉስጉሳን ብዝብል ንኣንስቲ ኣባላት “ጉጅለ -15” ዝርከብኦም ከካብ ምምሕዳር ከባቢታት ዝተወጽኣ ኣዴታትን ኣባላት ሃማደኤን፡ ኣብ ኣስመራ (ኣደራሽ ምምሕዳር ዞባ ማእከል) ብምእካብ፡ ጎስጓስ ክገብራለን ብኢሳይያስ ዝተመርጻ ሓለፍቲ ልኡላ ገብረኣብን ፋና ተስፋማርያም (ርእሲ ኣድጊ)ን ኔረን፡፡ ንሳተን ውን ድሌት ኢሳይያስ ከማልኣ ዕዮታትን ፈጸመን እየን፡፡

ኣብ ህዝብን ካድራትን ሓያሎ መደባት ጎስጓስ ኣብ ዝካየደሉ እዋን ማዕረ ማዕሪኡ ምህናጽ ቤት ማእስርቲ ዒራዒሮ ይቕጽል ነበረ፡፡ ካብ ዕለት 6 ክሳብ ዕለት 9 ሰነ 2003፡ ነቶም እሱራት ብጸላም ካብ እምባትካላ ናብ ዒራዒሮ ዘጓዓዓዙ ሓለፍቲ ድማ፡-

  1. ብርጋዴር ጀነራል ሚኪኤል ሓንስ (ወዲሓንስ)፡- ኣብቲ እዋን ኣዛዚ ክ/ሰ 32ን ሓላፊ ሓለዋ ዙርያ ከባቢታት ዒራዒሮን ኔሩ፡፡ ወዲ ሃንስ ካብ ዝመርሐን በራጊድ ብፍላይ ብወዲ ኣርአያን ወዲ ክንፈን ዝመርሕወን ቦጦሎኒታት ኣብ ሓለዋ ንጡፋት ኔረን፡፡ ወዱ ሃንስ ሓለዋ ዙርያ ዒራዒሮ ንኣዛዚ ክ/ሰ 22 ኮ/ል ሓረጎት ፍርዙን (ወዲ ፍርዙን) ኣረኪቡ ናብ ኣዛዚ ክ/ሰ 26 ኮይኑ ተመዲቡ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከኣ ብሕማም ደስኪሉ፡፡
  2. ኮ/ል ሓዱሽ ዓንዶም (ወዲ ወለላ)፡ ኣዛዚ ስለያ ስርሒት ዞባ 05 ዝነበረ ኣብዚ እዋን ስታፍ ስለያ እዝታት ማእከልን ተወርዋሪን
  3. ሌ/ኮ ኢሳቕ ኣርአያ (ወዲ ሓኪም)፡ ሓላፊ ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ (ኣብ ቀረባ ዝሞተ)
  4. ሌ/ኮ ገረዝጊሄር ኣስመላሽ፡ ኣካያዲ ትካል ጽርበት ሓጺንን ዕንጸይትን ሰንበል (ዝሞተ)
  5. ኑረዲን ሓምድ (ወዲ ሓምድ)፡ ኣውቲስታን ኣባል ሓለዋን ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮን
  6. ሃብተኣብ ዝተብሃለ ኣውቲስታ ናይ ሜጀር ጀነራል ውጩን ደሓር ከኣ ናይ ወዲ ወለላ ዝነበረ እዮም፡፡

ብሜ/ጀነራል ውጩ ተሓሪዮም፡ ንሓለዋ እሱራት ዝተመደቡ ኣባላት ዒራዒሮ፡ ኣብ ክልተ ሓይሊ ዝተወዝዑ ኮይኖም፡ ኣብ ትሕቲ 6 ጋንታታትን 12 መሳርዕን ኔሮም (ጋንታ ብ2 መሳርዕ ዝቖመት ኔራ)፡፡ ካብኣቶም መራሒ ጋንታ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ፡ ናብ ኢትዮጵያ ኣቲዩ ብዝተፈላለዩ ሚዲያታት፡ ንማሕበረሰብ ዓለም ዘፍለጠ፡ ኣባል ክፍሊ ሓለዋ ዒራዒሮ ነበር፡ እዮብ ባህታ፡ ነቲ ጉዳይ ምስ ኣቃለሐ፡ ኢሳይያስ ሓያል ስንባደን ሻቕሎትን ኣሕዲሩ ኔሩ፡፡ በቲ እዋን፡ ንጀነራል ፍሊጶስ ናብ ዒራዒሮ ከይዱ፡ ነቶም ኣባላት ሓለዋ ክጉስጉስ ሊእኹዎ ኔሩ፡፡ ድሕሪኡ ኣብ ኣተሓዛ እሱራት ዝተለወጠ ነገር እንተሎ፡ እቶም እሱራት ኣብ ሰሙን ክልተ ሻዕ፡ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ሼላ ኣብ ዝርከብ ናሕሲ ዘይብሉ ክፋል፡ ን30 ደቓይቕ ጸሓይ ክጽለዉ ምፍቃዱ፡ ጽኑዕ ሓለዋ ክቕጽልን፡ ዝኾነ ኣባል ብምኽንያት ዕረፍትን ማሕበራዊ ፍታሕን ናብ ዓዱ ከይከይድ ምኽልካሉ ጥራይ እዩ፡፡ ብጀካ እዘን መምርሒታት ክሳብ ሕጂ ዝተርኣየ ዋላ ሓደ ፍታሕ የልቦን፡፡

ሕጂ ‘ውን፡ እቶም ልዕሊ ምውታት ትሕቲ ህልዋት ኮይኖም ዝርከቡ እሱራት፡ ኣብ ታሪኽ ዓለም ይትረፍ’ዶ ነቲ ኩቡር ወዲ ኣዳም፡ ንሰይጣን እኳ ዘይትምነዮ፡ ኣዚዩ ንምእማኑ ዘጸግም ዓይነት ኣተሓሕዛ እንዳተገብረሎም፡ ከቢድ ክሌማ ተጻዊሮም ሞት ይጽበዩ ኣለው፡፡ ቀትሪ ብላዕሊ ሓዊ ብታሕቲ ሓዊ ኣብ ዘቃጽል፡ ለይቲ ብቀዝሕን ሃለፍታን ኣብ ዘንቅጽ መሬታዊ ሲኦል፡ ክንዲ ቀዳድ ጃሎን ትኣክል መተንፈሲት ፊኒስትራ ኣብ ዘለዋ፡ ሰለስተ ብሰለስተ ሜትሮ ጸልማት ሼላ፡ ንዓመታት ተሓይሮም፡ ኮራርምቲ ዝነድል ወዲ ዓከር እንዳተዓደሎም፡ ኣብ ውሽጢ’ታ ሼላ ኣብ ትርከብ ነኻል ሽቓቕ እንዳተጠቐሙ፡ ኣብኣ እንዳበልዑ፡ ኣብ ወርሒ ክልተ ግዜ፡ ኣብ ውሽጢ’ታ ሼላ ነብሶም እንዳተሓጸቡ፡ ንዓመታት ኣብ ቅዳድ ኮበርታ ደቂሶም፡ ክልተ ክሬሽን ክዳን ለቢሶም፡ እንሆ መዓልታት… ኣዋርሕ… ዓመታት ቆጺሮም በቢእዋኑ ይጸንቱ ኣለው፡፡

  1. ሕጂ ውን ብዘይሰማዒ ኣውያት፡ ብዘይፍርዲ፡ ብዘይሓታቲ ሞቶም ይጽበዩ ኣለው፡፡ ኣሰቃቒ ህይወትን ህልቂትን እሱራት ዒራዒሮ ንምግላጽ፡ ምናልባሽ ዕድል ጌሮም ክሳብ መወዳእታ ዝጸንሑ ወይ ካብቶም ኣባላት ሓለዋ ወይ ከኣ ካብቶም ብህይወት ዝተርፉ እሱራት ሓደ መዓልቲ ንሰምዕን ንኸውን፡፡ ብዝኾነ፡ ህይወት ዒራዒሮ ክንደየኡናይ ከምዘስካሕክሕ፡ ብቃላት ካብ ምግላጽ ንባዕሎም ዳርጋ እሱራት ተለዊጦም፡ ኣሰቃቒ መቕዘፍቲ ኣያታቶም ክዕዘቡ ዝተፈረዱን፡ በቲ ሕሱም ኣተሓሕዛ ሰኪሖም ካብ ዝተጸለሉን ነብሶም ካብ ዘጥፍኡን ኣባላት ሓለዋ ምርዳእ ይቐልል፡፡ ክሳብ ሕጂ፡ ተከስተ መረጸ (ወዲ ማይጻዕዳ)ን ተስፋይ ገብረሂወት (ወዲ ገዛ ሓምለ)ን ዝተባሃሉ ኣባላት፡ ነብሶም ኣጥፊኦም እዮም፡፡ ዑስማን ኣደም ዝተብሃለ ኣባል ድማ ኣቐዲሙ ተጸሊሉ ዝነበረ ኮይኑ “ፈሊጡ እዩ” እንዳተብሃለ ጸኒሑ ደሓር ብግዚያዊነት ተፋኒዩ፡፡ ንካልኣይ ግዜ ተታሒዙ መጺኡ ደጊሙ ተጸሊሉ ናብ ቅድስትማርያም ተወሲዱ ብኡንብኡ ሞይቱ እዩ፡፡ ዘርኦም ኣምቸ ዝተብሃለ ኣባል ሃ/ኣገልግሎት ውን ኣብ ትሕቲ ስታፍ ምልክት ተወዚዑ ኔሩ ደሓር ተጸሊሉ ናብ ቅድስት ማርያም ተወሲዱ እዩ፡፡

ደድሕሪ እዮብ ብዝወረደ መምርሒ መሰረት፡ እቶም እሱራት ምስ ሓለውቶም ከየዕልሉን፡ ሓበሬታ ከይለዋወጡን፡ ነታ ጸሓይ ንምጽላው ክወጹ ከለው እኳ፡ ብሰለስተ ኣባላት ሓለዋ (ሓደ ብረት ዝሓዘ፡ ሓደ ማዕጾ ዝኸፍትን ሓደ ድማ ከም ተዓዛቢ) ክኸውን ተጌሩ ኣሎ፡፡ እተን ሓይልታት ውን ዛጊት 3 ግዜ ተኽሊጥ ጌረን ኣለዋ፡፡

እተን ኣብ ሰለስተ ብሎካት ዝተደኮና 60 ሼላታት፡ እሱራት በቢእዋኑ ስለ ዝተቐዝፉ መብዛሕትአን ጥርሐን ተሪፈን ኣለዋ፡፡ ብጀካ ቁጽሪ 17፡ 18፡ 19፡ ካብ 01 ክሳብ 36 መለለዬ ቁጽሪ ተዓዲልዎም፡ ናብ ዒራዒሮ ካብ ዝኣተው እሱራት ዳርጋ መብዛሕትኦም ተሰዊኦም እዮም፡፡ እቶም ዝተረፉ ውን ኣብ ከቢድ ስነ-ኣእመራዊ፡ ኣካላዊን ጥዕናዊን ጸገማት ይርከቡ፡፡

ኣብ ትሕቲ 1ይ ሓይሊ ኮይኑ፡ ብመለለዬ ቁጽሪ 04 ዝርቋሕ ሚኒስተር ሃይለ ድሩዕ፡ ካብ 2009 ጀሚሩ ብዝተፈላለዩ ሕማማት ክሳቐ ጸኒሑ እዩ፡፡ ብፍላይ ብሕማም ሽኮርያ ስለ ዝተጠቐዐ፡ ንዕኡ ስዒቡ ሙሉእ ብሙሉእ ዓይኑ ዓዊሩ፡ መሓውራቱ ጠሊሚዎ፡ ዋላ ነታ ጸሓይ ክጽሎን ሽቓቕ ክጥቀምን እንዳተፋሓኸን ብዳህሳስን፡ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ዓኽ! እንዳበለ ብኒሕ እዩ ጸኒሑ፡፡ ብሰንኪ ሕሱም ኣተኣላልያን፡ ስእነት ክንክንን፡ ብፍላይ ድሕሪ 2013 ሕማሙ እንዳተጋደደ ከይዱ እዩ፡፡ ኣብ ዒራዒሮ ብብርጋዴር ጀነራል ዶ.ር ሃይለ ምሕጹን፡ ኣብ 2011 ወርሒ 5፡ ካብ ፋብሪካ መፍረ መድሓኒት ኣዘል፡ ዝተለኣኸ ናይ ቀለልቲ ሕማማት መድሓኒት ኣሎ፡፡ ከም ስውእ ሲራጅን ስውእ ሚኒስተር ሃይለ ድሩዕን ከምኡ’ውን ሰራሕተኛ ኢምባሲ ኣሜሪካ ነበር ክፍሎም ገብረሚካኤል ዝኣመሰሉ ሕሙማት ሽኮርያ ድማ ኣብ 2010 ዝተልኣኸ ናይ ሽኮርያ ከኒና በቢዕለቱ ብፊኒስትራ እንዳተዓደሎም ክወስዱ ጸኒሖም እዮም፡፡ ክሳብ ሎም ዕለት ናብ ዒራዒሮ ንሕክምና ዝተልኣኸ ሓላፊ ዶ/ር ሃይለ ምሕጹን ጥራይ ኮይኑ ኣብ ውሽጢ 17 ዓመታት 3 ግዜ ጥራይ እዩ ዝረኣዮም፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ወርሒ 5/2010 ምስ ሃይለ ምሕጹን ናብ ዒራዒሮ ብዘይንቡር ኣገባብ ዝተልኣኹ፡ ኣባላት መኮነን ጥዕና ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ሌ/ኮ የውሃንስ (ክሪዝ)ን ዘካርያስ (ወዲ ቀጢን) ን ዝተብሃሉ ምንባሮም ክገልጸልኩም እፈቱ፡፡

ኢሳይያስ፡ ልዕሊ ኩሉ ነቶም ስርናይ ዘሪኦም ንክርዳድ እኳ ዘይበቕዑ እሱራት ዒራዒሮ፡ “ሞይቶም” ክበሃል እንከሎ ዘይኮነስ፡ “መሊቖም… ሃዲሞም”… ከይበሃል እዩ ዝፈርህ፡፡ ንኣብነት ኣብ መፋርቕ 2007 ሓደ ኣባል ሓለዋ ተሓባቢርዎ፡ ብጸልማት ካብ ሼላ ሃዲሙ፡ ቦታ ጠፊእዎ ተኳሊሉ ኣብ መወዳእታ፡ በቶም ካልኦት ኣባላት ዝተተሓዘ ጋዜጠኛ ስዩም ጸሃየ፡ ዝምልከት ሓበሬታ ናብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ምስተልኣኸ፡ ኢሳይያስ ዳርጋ ክጽለል እዩ ዝበጽሐ፡፡ በቲ እዋን ብቕልጡፍ ንወዲ ሓኪም ጸዊዑ፡ ኣብ ማይስርዋ ን3 መዓልቲ ክእሰር ጌርዎ ኔሩ፡፡ ኣብ 2007 ንሓላፊ ውሽጣዊ ጸጥታ ብ/ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል ህይወት ንምድሓን ዝነበረ ተብተብ፡ ምስ ኣተሓሕዛ ነቶም ንእስነቶም ወፊዮም ዘይስገር ሰጊሮም፡ ዘይጽወር ተጻዊሮም ሃገር ዘምለሱ ከም በዓል ድሩዕ ዝኣመሰሉ እሱራት ክተነጻጽሮ ከለኻ ብሓቂ ደም ዘንብዕን ዘሕዝንን እዩ፡፡

ብፕረሲዳንት ተሓሪዩ፡ እሙን ተሰሚዩ፡ ንዝሓለፉ ኣስታት 17 ዓመታት፡ ትእዛዛት ኢሳይያስ ከተግብር ዝጸንሐ ፓፓጋሎ፡ ሓላፊ ቤት ማእስርቲ ዒራዒሮ ወዲ ሓኪም፡ በቢእዋኑ ደም ዘንብዕ፡ ሕማቕ ታሪኽ፡ ኣብ ዒራዒሮ እንዳሰምዐን፡ እንዳተዓዘበን፡ ንሓንቲ መዓልቲ ነቶም እሱራት ገጾም ከይረኣዮም፡ መሻርፎም እንዳመንዘዐ ጸኒሑ ብዕለት 26 ጥቅምቲ 2017 ከም ዝሞተ ይፍለጥ፡፡ ሕልንኡ ሸይጡ፡ ንዓመታት ንወለዶ ዝሓልፍ ናይ ደም ታሪኽ ጺሒፉ ዝሓለፈ ወዲ ሓኪም፡ ከምቶም ካልኦት “እሙናት” ብዘይነጋሪን ዘካሪን ናብ መቓብር ምስተጓሓፈ፡ ንዕኡ ተኪኡ ከም ግዝያዊ ሓላፊ ኮይኑ ዘሎ ሚኪኤለ ወረደ ዝተብሃለ ኣዛዚ ሓይሊ እዩ፡፡

ብሓፈሻ ጽባሕ ንባዕሎም ብህይወት እንተጸኒሖም፡ ምእንቲ ታሪኽን ፍትሕን ኢሎም፡ ኣፍ ናይቶም ብዘይነጋሪ ዝጸነቱ ዜጋታትና ብምኻን፡ ብዛዕባ ዒራዒሮ ንህዝቢ ኤርትራን መጻኢ ወለዶታትን ክሕብሩ ዝኽእሉ፡ እቶም ኣብዚ እዋን ዘለው ቀንዲ ንጡፋት ኣባላት ዒራዒሮ ዝስዕቡ’ዮም፡፡

  1. ተለንተ ተስፋኣለም ሃብተ (ወዲ ሃብተ)፡- ናይ 1984 ተጋደላይ፡ ትውልዲ ዓዲ ሊባን፡ ኣዛዚ 1ይ ሓይሊን ምክትል ሌ/ኮ ኢሳቕ ኣርኣያ (ወዲ ሓኪም)ን ነይሩ፡፡ ሓላፊ ወጻእ ስለያ ኮ/ል ጋይም ተስፋንኪኤል ካብ ዒራዒሮ ኣውጺኡ ናብ ወኪል ሃ/ድሕነት ጨንፈር ወጻኢ ስለያ ክምደብ ብምግባር ካብ ሃገር ክወጽእ ኣሳሊጥሉ እዩ፡፡
  2. ም/ኮፕራል ሚኪኤለ ወረደ፡- ትውልዲ ከባቢ ዓዲ ደቂምሓረ፡ ኣዛዚ 2ይ ሓይሊ ኔሩ ሕጂ ከም ግዝያዊ ሓላፊ ቤት ማእስርቲ ኮይኑ ኣሎ፡፡
  3. ትንስኡ ተወልደ፡- ዕባይ ቤ/ት ሰውራ፡ ትውልዲ ዓዱ ከባቢ ሻምቡቆ ምክትል ኣዛዚ ሓይሊ
  4. መድሃነ መሓሪ (ወዲ መሓሪ)፡- ኣባል ሃ/ኣገልግሎት ዓዱ ገርጠጢ (ድባሩዋ)፡ ምኽትል ኣዛዚ ጋንታ
  5. ዑስማን ዑመር፡- ናይ 1989 ተጋዳላይ፡ ዓዱ ሃበሮ ኣዛዚ ጋንታ
  6. ከዋኒ ኣስመላሽ (ደንጋጎ)፡- ናይ 90 ታጋደላይ ዓዱ ከባቢ ማይምነ ኣዛዚ ጋንታ
  7. ዘርኣይ ገረዝጊሄር፡- ናይ 90 ተጋደላይ ዓዱ እምባብድሓን (ሰንዓፈ) ኣዛዚ ጋንታ
  8. ዮናስ ግደ፡- ናይ 90 ተጋደላይ ዓዱ ወኪዛግር ኣዛዚ ጋንታ
  9. ተስፋንኪኤል ኣማኑኤል፡- ኣባል ሃ/ኣገልግሎት ዓዱ ጻዕዳ ክርስቲያን ምኽትል ኣዛዚ ጋንታ
  10. ገብረመስቀል የማነ፡- ናይ 91 (ወጋሕታ) ተጋደላይ ዓዱ ከባቢ ዓዲኻላ ም/መ/ጋንታ
  11. እድሪስ ዓብደላ (ወዲ ዓብደላ)፡- ናይ 90 ተጋደላይ ዓዱ ከባቢ ኣስማጥ ም/መ/ጋንታ
  12. ምሕረትኣብ ሰለሙን፡- ኣባል ሃ/ኣገልግሎት መዝነቱ ኣዛዚ ጋንታ
  13. ኣብርሃለይ ገዳም (ወዲ ገዳም)፡- ኣባል 8ይ ዙርያ ሃ/ኣገልግሎት ተራ ኣባል
  14. ጎይቶኦም ሽሞንዲ (ወዲ ሽሞንዲ)፡- ኣባል ሃ/አገልግሎት ተራ ኣባል
  15. ኣብርሃለይ ዕቑቡ፡- ኣባል ሃ/ኣገልግሎት ዓዱ ዱባሩዋ መራሒ መስርዕ
  16. ጅምዕ ኣሕመድ፡- ኣባል ሃ/ኣገልግሎት ዓዱ ጊንዳዕ መራሒ መስርዕ
  17. ዓብደላ ኣሕመድ፡- ኣባል ሃ/ኣገልግሎት ዓዱ ገለብ መ/መስርዕ
  18. ከሊፋ መሓመድ፡- ኣባል ሃ/ኣገልግሎት ዓዱ ማይፈረስ (ዓዲቀይሕ) መ/መስርዕ
  19. ዑስማን ዓሊ፡- ኣባል ሃ/ኣገልግሎት ዓዱ ዓሬታይ (ዓንሰባ) መ/መስርዕ
  20. ሃብቶም ገብረክርስቶስ፡- ኣባል ሃ/ኣገልግሎት ዓዱ ዓዲጉረቶ መ/መስርዕ’ዮም፡፡

ኣባላት ስታፍ ሓለዋ ዒራዒሮ

1.ስዩም እስቲፋኖስ፡- ኣባል ሃ/ኣገልግሎት ዓዱ ከባቢ ጻዕዳክርስቲያን መዝነቱ ም/መራሒ ጋንታ ስታፍ ፋይናንስን ምክትል ኣዛዚ 2ይ ሓይልን እዩ፡፡

  1. ኣብርሃለይ ግደ፡- ናይ 90 ተጋደላይ ስታፍ ቁጠባ
  2. ባህልቢ ባራኺ፡ ዓዱ ከረን ስታፍ ሕርሻ
  3. ሳሚኤል ኣስመላሽ፡- ኣባል ሃ/ኣገልግሎት ምልክት ወዲ ሓኪም ዝነበረ መዝነቱ መ/ጋንታ
  4. ተኽለ ተስፋጽዮን፡- ኣባል ሃ/ኣገልግሎት፡ ዓዱ ደረላሰ ኣባል ምልክት
  5. ተስፋጽ ዮን ኣስገዶም፡- (ተጋደላይ) ስታፍ ሓኪም
  6. ተስፋይ፡- (ተጋደላይ) ካልኣይ ስታፍ ሓኪም ዓዱ ማይ ዓይኒ፡፡ ኣብ ትሕቲ ስታፍ ሕክምና ገብረብርሃን ጸጋይ፡ ተኽለስላሰን ደስበለን ዝበሃሉ ኣጋር ሓካይም ዝተመደቡ ኮይኖም እቲ ደስበለ ዝተብሃለ ናይ ኣእምሮ ጸገም ጌሩ ብግዝያዊነት ተፋኒዩ ኣሎ፡፡
  7. ኑረዲን ሓምድ (ወዲ ሓምድ)፡- ኣባል ሃ/ኣገልግሎት ኣወቲስታ ወዲ ሓኪም ከምኡ’ውን መድሃንየ ዝተብሃለ ናይ ማይ ቦጥ ኣውቲስታ’ዮም፡፡

እዮብ ባህታ ብስግረዶብ ድሕሪ ምኻዱ፡ ብዙሓት ኣባላት ሓለዋ፡ “እቶም እሱራት ምስ ሃለቑ ንዓና ’ውን ከጥፍኡና እዮም” ካብ ዝብል ስግኣት ሃዲሞም እዮም፡፡ ብድሕሪኡ ብትእዛዝ ፕረሲዳንት፡ ኣብ ዓዲ ጓዕዳድ ቤ/ጽ ተኸፊቱ፡ “ንሃድምነትን ኩብለላን” ኣባለት ሓለዋ ዒራዒሮ ዝከታተሉ፡ ዓንዶም ሃብተ ዝተብሃለ ዝመርሖም 8 ኣባላት ተመምዮም ሓንቲ መስርዕ ቆይማ እያ፡፡ እዞም ኣባላት ናይቶም ዝድለዩ ሰባት ኣሃዱ ኣበይ ምኻኑ ከይተሓበሮም ኣስማት ጥራይ ብምሓዝ፡ ናብ ዝተፈላለዩ ዓድታት ዝዋፈሩ ኮይኖም፡ ክሳብ ሕጂ ናይ’ዞም ዝስዕቡ ኣባላት ዒራዒሮ ዝርዝር ከምተዓደሎም ተፈሊጡ ኣሎ፡፡

  1. ሙሉብርሃን ገብረህይወት፡- ናይ 90 ተጋደላይ ዝደለየሉ ከባቢ ሰንዓፈ
  2. ሙሳ መሓመድ፡- (ኩናማ) ሃ/ኣገልግሎት ዝደለዩሉ ከባቢ ባረንቱ
  3. ዓሊ ጋምባ፡- (ኩናማ) ሃ/ኣገልግሎት ዝድለየሉ ከባቢ ባረንቱ
  4. በኽሪ መሓመድ፡- (ናራ) ሃ/ኣገልግሎት ዝድለየሉ ከባቢ ተሰነይ
  5. ወረደ ብርሃነ፡- ኣባል ሃ/ኣገልግሎት ዝድለየሉ ከባቢ ን/ዞባ ሻንቡቆ
  6. ፍስሃየ ብርሃነ (ፍሽ)፡- ሃ/ኣገልግሎት ዝድለየሉ ከባቢ መንደፈራ (ኩዶፈላሲ)
  7. መንግስ ተኽላይ፡- ሃ/ኣገልግሎት ዝደለየሉ ከባቢ ቁሸት
  8. ነጋሲ በርሀ፡ ሃ/ኣልግሎት ዝድለየሉ ከባቢ ሰንዓፈ
  9. ገብረመድህን ተስፋይ፡- ናይ 90 ተጋዳላይ ዝድለየሉ ከባቢ ጾሮና
  10. እዮብ ደሴ፡- ኣባል ሃ/ኣገልግሎት ዝድለየሉ ከባቢ ቁሸት
  11. ሰመረ ተወልደ፡- ኣባል ሃ/ኣገልግሎት ዝድለየሉ ከባቢ ከረን
  12. ተስፋለም ሃብታይ፡- (ብፈተነ ስግረ ዶብ ተታሒዙ ምስእሱራት ከይራኸብ ተባሂሉ ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ብእሱሩ እንዳፈርኖ ይስርሕ ኔሩ)
  13. ተኽለ ተስፋጽዮን፡- ኣባል ፋይናንስ ዝነበረ ብፈተነ ስግረ ዶብ ተታሒዙ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ
  14. ስምረት ፍረ፡- ኣባል ሓለዋ ዝነበረ ብፈተነ ስግረ ዶብ ተታሒዙ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ‘ዮም፡፡

ክቡራት ተኸታተልቲ!

እዞም ብ “ኩብለላን ሃዳምነትን” ዝድለዩ ዘለው ዜጋታት ውን፡ ብዛዕባ ዒራዒሮ እኹል ሓበሬታ ስለዘለዎም በቢወገና ክንደሊዮምን ዘለዎም ሓበሬታ ንማሕበረ ሰብ ዓለም ንኽሕብሩ እላቦ፡፡ ኣብ ዒራዒሮ፡ ዝኾነ ዓይነት ኤሌክትሮኒካዊ መሳርሒ ምሓዝን፡ ጋዜጣን ሚዲያን ምክትታል ኣይፍቀድን፡፡ ብጀካ ንኣስልጦ ስራሕ ተባሂሉ ዝተፈቕደሎም ሰለስተ ኣባላት ሞባይል ዘለዎ ሰብ የለን፡፡ ናይ’ቶም ሰለስተ ኣባላት ቁጽሪ ቴሌፎን ከኣ፡ ናይ ወዲ ሓኪም 07110908፡ ናይ ተስፋለም ሃብተ 07110902፡ ናይ ኣብርሃለይ ግደ (ቁጠባ) 07224804 ምኻኑ ክሕብር እፈቱ፡፡

 

ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com