ሽማግለ ኣቦታት ሓሰን ኬክያን ዓብዱ ዮኑስን ብህግደፍ ከምዝተኣስሩ ምንጭታት ሓቢሮም።
ማግለ ኣቦታት ሓሰን ኬክያን ዓብዱ ዮኑስን ብህግደፍ ከምዝተኣስሩ ምንጭታት ሓቢሮም።
Wednesday, 17 June 2009


ሰማንያታት ዝዕድሚኦም ፍሉጣት ሽማግለ ኣቦታት ሓሰን ኬክያን ዓብዱ ዮኑስን ትማሊ ቐዳም 13 ሰነ ብህግደፍ ካብ ኣባይቶም ተለቒሞም ከምዝተኣስሩ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ምኽንያት መእሰሪኦምን ኣበየናይ ቤትማሕቡስ ተኣሲሮም ከምዘለዉን ዛጊት ኣይተፈልጠን።

ክልቲኦም ኣቦታት፡ እቶም ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ብ2001 ዓ.ም. ንኢሳይያስ ብጋህዲ ክነቕፉን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ክጽውዑን ምስ ጀመሩ፡ ንኽልቲኦም ወገናት ናይ ምትዕራቕ ተበግሶ ስለዝወሰዱ ንሓያለ ዓመታት ከምዝተኣሰሩ ይዝከር።

ኣብ ግዜ ቓልሲ ንህዝባዊ ግንባር ብምድጋፎም ዝያዳ ዝፍለጡ ውሩይ ነጋዳይ ሓሰን ኬክያ ብፍላይ፡ ኣብ 2005 ካብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምውጽኦም እንደገና ተኣሲሮም ከምዝነበሩ ‘ውን ይፍለጥ።

ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ዝያዳ ሓበሬታ ምስ ረኸብና ከነስዕበልኩም ኢና።
Last Updated ( Friday, 19 June 2009 )