ታሪኽ ኣይንረስዕ፡ ጉዕዞና ክቐንዕ
ካልኣይ ክፋል
1.4 ካልኣይ ጉባኤ ጀብሃን ውዲታት ዓብደላን

 

1.6 ድሕሪ 2ይ ጉባኤ
ኣቐዲመ ከምዝጠቐስክዎ፣ 2ይ ጉባኤ ተ.ሓ.ኤ. ብዙሕ ጸገማት ዝነበሮ እዩ። ክንዲ ዝኾነ ፖለቲካዊ ኩነታት ጀብሃ ድሕሪቲ ጉባኤ መሊሱ እናኸፍአ ከይዱ እምበር ኣይጥዓየን። እቲ ሓድሽ ሓይሊ ነቲ ዓቃባዊ ሓይሊ ይቕበሎ ኣይነበረን። እቲ ዓቃባዊ ወገን እውን ከምኡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓድሽ ሓይሊ ጥዑይ ኣጠማምታ ኣይነበሮን። ድሕሪ’ዚ ጉባኤ’ዚ፣ ኣብ ሜዳ ወሳኒ ተራ ሒዙ ዝቐጸለ ዓብደላ እድሪስ እዩ። ኣቦ መንበር ኣሕመድ ናስር እኳ እንተኾነ፣ ኣሕመድ ግን ኣብ ሜዳ ዳርጋ ኣይነበረን። ካብ 1975 ክሳብ 1981 ኣሕመድ ኣብ ሜዳ ዝተራእየለን ተደማሚረን ካብ ኣዋርሕ ዝሓልፋ ኣይኮናን። ካብ ግዳም ንኣኼባታት ተጸዊዑ ንሜዳ ክመጽእ ከሎ፣ ቀልጢፉ ምእንቲ ክምለስ ኩሉ ሳዕ መምለሲ ዝኾኖ ቆጸራታት ገዲፉ ምስ መጸ እዩ። ድሕሪ ኣኼባ ድማ፣ “ከምዚኣ ዝኣመሰለት ቆጸራ ኣላትኒ” ኢሉ ይኸይድ። ኣብ ሜዳ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ኣቦ-መንበር፣ ምክትል ኣቦመንበር ዝነበረ ኢብራሂም ቶቲል እዩ ዘካይዶ ነይሩ። ኣብቲ ውድብ ዝለዓለ ስልጣን ዝነበሮ ግን ዓብደላ እድሪስ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፣ መራሒ ናይ ጀብሃ ኣሕመድ ናስር ዘይኮነ ዓብደላ እድሪስ እዩ ነይሩ። ብዓንተቦኡ እውን፣ ነዚ ገምጊሙ እዩ ንኣሕመድ ናስር ኣብ ቅድሚት ኣምጺእዎ።
ዓብደላ ብግብሪ እቲ ቀንዲ መራሒ ናይ ጀብሃ ይኹን እምበር፣ ብሓደስቲ ተጋደልቲ ብፍላይ ኣብ ሰራዊት ኣዝዩ ዝተጸልአን ዝተፈንፈነን ሰብ እዩ ነይሩ። ዓብደላ ጸረ-ስምረት፣ ጸረ-ሓድነት ወገናዊ ሰብ ምዃኑ ኩሉ እዩ ዝፈልጥ። ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ኣብ መፋርቕ 1975 ምስ ጉጅለ ሳልሕ ሳበ ኣብ ባቕዳድን በይሩትን ርክባት ምግባሩ
9
ተጋዳላይ ኣይተቐበሎን። ድሕሪኡ፣ ኣሕመድ ናስርን ካልኦትን ኣብ መስከረም 1975 ነቲ ስምምዕ ኣብ ካርቱም ክታሞም ኣንቢሮምሉ። ነቲ ዝፈርምዎ ስምምዕ ግን ኣብ ሜዳ ዝነበረ ተጋዳላይ ፍጹም ኣይተቐበሎን። ተጋዳላይ ጀብሃ ምስ ሻዕብያ ብዛዕባ ዝግበር ርክባት ጥራይ እዩ ክሰምዕ ዝደሊ ነይሩ። ብኣንጻሩ ዓብደላ ምስ ሻዕብያ ልዝብ ክግበር ድሌት ኣይነበሮን። ኣብ ተጋደልቲ ናይ ጀብሃ ዝነበረ ስምዒት የንብቦ ስለዝነበረ፣ ኣናብባኡ ድማ ወገናዊ ብምንባሩ፣ ነቲ ኣብ ተጋደልቲ ዝነበረ ናይ ስምረት ጠለብ ክደፍኣሉ ይደሊ ኣይነበረን። ከም ውጽኢት ናይዚ ኣብ መሰረታውያን ተጋደልቲን መሪሕነትን ዝነበረ ዝተፈላለየ ባህግን ድሌትን፣ ኩሉ ኣድህቦ መሪሕነት ጀብሃ ኣብ ክንዲ ናብ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ስራሕ ናብ ደገ እዩ ኮይኑ። ብፍላይ ድማ ዓብደላ እድሪስ ውጽኢት ጉባኤ ንፈተውቲ ሃገራት ንምግላጽን ካልእን ብዝብል ምስምሳት ናይ ሜዳ ስርሑ ጠንጢኑ ኣብ ደገ ኰለል ዝብለሉ እዋን ብዙሕ እዩ ነይሩ።

 

ታሪኽ ኣይንረስዕ፡ ጉዕዞና ክቐንዕ
ካልኣይ ክፋል