ሓደ ካብ ወነንቲ፡ መራሕቲን ኰስኰስቲን’ዚ ክብርታት’ዚ ዝነበረ ክቡር ብጻይ ነፋኑ ኣሎና። ብተወፋይነቱን ብቕዓት መሪሕነቱን ንዓወት ሓርነታዊ ቃልስና ዓቢይ ኣበርክቶ ዝገበረ፣ ገዲም ተቓላሳይን ኣብነታዊ መራሕን፡ ቀዳማይ ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተጋዳላይ ሮሞዳን መሓመድኑር፡ ፍሉይን ዕዙዝን ታሪኹን ሃገራዊ ፍቕሩን፡ ብልዑል ክብሪ እናዘከርና ንሰናበቶ ኣሎና።
ብጻይ ሮሞዳን፡ ኣብ መስከረም 2003 ምስ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፡ “ካብ ኩሉ ኣብሊጽካ እትፈትዎ ነገር እንታይ’ዩ” ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ “ብዘይካ ኤርትራ እንታይ ክህሉ፣ ኩሉ ነገር ድሕሪ ኤርትራ’የ ዝሰርዖ” ክብል መሊሱ። “ኣብ ቃልሲ መዓስ ተሳቲፍካ” ምስ ተባህለ ከኣ፡ “እቲ ንሜዳ ዝወጻናሉ፡ ካልእ መድረኽ ናይ ዕጥቃዊ ቃልሲ’ዩ ነይሩ። ሃገራዊ ቃልሲ ግን፡ ምስ መዛኖይ ቆልዑ ከለና፡ ኣብ ከባቢ 1952 ኢና ጀሚርናዮ” ክብል ገና ብንእስነቱ ሓያል ሃገራዊ ፍቕሪን ናይ ምቅላስ መንፈስን ከምዝሓደሮ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ 1938 ዓ.ም.፡ ካብ ኣቦኡ ኣቶ መሓመድኑር ሮሞዳንን ኣዲኡ ወይዘሮ ስቶም እድሪስ ኢብራሂምን ኣብ ሕርጊጎ ዝተወልደ ሓርበኛ ተጋዳላይ ሮሞዳን፡ ካብ ሰለስተ ኣሕዋቱ መበል ካልኣይ እዩ። ኣብ 5ይ ዓመቱ፡ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ቁርኣን፡ ቀለማውን ስነ-ምግባራውን ትምህርቲ ዝጀመረ ብጻይ ሮሞዳን፡ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ሕርጊጎ’ዩ ተማሂሩ። ድሕሪኡ፡ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ንምቕጻል ናብ ኣስመራ ብምግዓዝ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣልጃልያ ኣልዓረብያ ተጸንቢሩ። እቲ እዋን’ቲ ምስ ውሳነ ፈደረሽን ተኣሳሲሩ፡ ፖለቲካዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጓሃሃረሉ ግዜ ብምንባሩ፡ ንመንእሰይ ሮሞዳን ጽኑዕ መሰረት ፖለቲካውን ሃገራውን ንቕሓት ኮይኑዎ እዩ።
ኣብ ትምህርቲ ብዝነበሮ መንፋዓት ካብ መማህራኑ ሞጎስ ዝረኸበ መንእሰይ ሮሞዳን፡ 9ይ ክፍሊ ድሕሪ ምውድኡ፡ ብዝረኸቦ ዕድል ማህደረ-ትምህርቲ ኣብ መፋርቕ 50ታት ናብ ካይሮ ብምምራሕ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ካይሮ’ዩ ዛዚሙ።

ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ነጥቢ ስለዝረኸበ ከኣ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካይሮ ኰለጅ ምህንድስና ተጸንቢሩ። ኣብ ሓምለ 1960 ኤርትራውያን ተማሃሮ ካይሮ፡ ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዝመስረትሉ እዋን፡ ሓደ ካብቶም ብመጀመርያ ዝተወደቡ፡ ተጋዳላይ ሮሞዳን መሓመድኑር’ዩ ነይሩ። ኣብ 1961 ዕጥቃዊ ቃልሲ ምስ ተወልዐ ከኣ፡ ካብቶም ቀዳሞት ናብ ሰውራ ክጽንበሩ ዝተሃንጠዩ መንእሰያት’ዩ ነይሩ። “ሓንሳብ ጽንሑ” ስለዝተባህሉ ግን፡ ንሱን ብጾቱን ትምህርቶም ቀጺሎም። ኣብ ካልኣይ መፋርቕ 1963 ግና፡ ንዕኡን ብጾቱን “ትምህርትኹም ኣቋሪጽኩም ንሜዳ ክትከዱ ድልዋት ዲኹም? ዝብል ሕቶ ቀሪቡሎም። “ትምህርቲ ቅድሚ ሃገር ኣይንሰርዖን ኢና” ስለዝበሉ ከኣ፡ ወተሃደራዊ ስልጠና ክወስዱ ናብ ሶርያ ተላኢኾም።

ብጻይ ሮሞዳን ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ወተሃደራዊ ስልጠና ኣብ ሶርያ ድሕሪ ምቕሳም፡ ኣብ ሚያዝያ 1964 ንሜዳ ካብ ዝኣተዉ ኣስታት 20 ኣባላት ቀዳማይ ዙርያ ተዓለምቲ ሶርያ እዩ።

 ኣብ 1965 ምስ ምቛም ክፍልታት ተ.ሓ.ኤ.፡ ፖለቲካዊ ኮምሽነር 4ይቲ ክፍሊ ኮይኑ ዝተመደበ ብጻይ ሮሞዳን፡ ኣብ 1967 ካብ ሜዳ ቃልሲ ንትምህርቲ ናብ ሃገረ ቻይና ካብ ዝተላእኩ 5 ኮሚሽነራት ክፍልታት ተጋደልቲ ሓደ’ዩ።

ተጋዳላይ ሮሞዳንን ብጾቱን ካብ ቻይና ዝተመልስሉ እዋን፡ ተሓኤ ብውሽጣዊ ቅልውላው ትሕመሰሉ ዝነበረት ግዜ እዩ። ነቲ ብጉድለት ብቑዕ ኣመራርሓ፡ ናይ ምድኻም ኣንፈት ሒዙ ዝነበረ ሃገራዊ ቃልሲ፡ መስመሩ ንምስትኽኻል ብመሰረታውያን ተጋደልቲ ኣብ ዝተላዕለ ናይ ምእራም ምንቅስቓስ ድማ፡ ብጻይ ሮሞዳን ንጡፍ ግደ ነበሮ። በዚ መሰረት፡ ኣብ ዋዕላ ዓንሰባ - መስከረም 1968 ኣብ መሪሕነት ስሙር ሓይሊ ተመርጸ።

ቀጺሉ ከኣ፡ ኣብቲ ኣብ ነሓሰ 1969 ዝተኻየደ ዋዕላ ኣዶብሓ፡ ኣባል ጠቕላሊ መሪሕነት ኰይኑ ተመርጸ። ይኹን’ምበር፡ እቲ ናይ ምእራም ምንቅስቓስ ተስፋ ምስ ተሳእኖ፡ ብጻይ ሮሞዳን ኣብ 1970 ምስ ብዙሓት ተቓለስቲ ብጾቱ ካብ ጠቕላሊ መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ ተፈልዩ፡ ሓደ ካብ መስረትቲት ቀዳማይ ወገን ህዝባዊ ሓይልታት ኰነ። ኣብ’ቲ ኣብ ሓምለ 1971 ዝተኻየደ ዋዕላ እምባህራ፡ ኣባል መሪሕነት ቀዳማይ ወገን ህዝባዊ ሓይልታት ክኸውን በቒዑ። ብጻይ ሮሞዳን፡ እተን ክልተ ወገናት ሰሚረን ንህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ክምስርታ ልዑል ግደ ዝተጻወተ መራሒ’ዩ። ድሕሪ ስምረት ክልቲኡ ወገናት ከኣ ኣባል ላዕለዋይ መሪሕነት ህዝባዊ ሓይልታት ብምዃን ቃልሱ ቀጺሉ።
ብጻይ ሮሞዳን፡ ካብ 1970 - 1976 ኣብ ዝነበረ ዓመታት፡ ብደረጃ ላዕለዋይ መሪሕነት፡ ኣብ ሜዳ ቃልሲን ወጻኢ ሃገርን እናተንቀሳቐሰ፡ ናይ መሪሕነት ተራኡ ብብቕዓት ድሕሪ ምፍጻም፡ ኣብ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር- ጥሪ 1977፡ ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈትን ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባርን ኮይኑ ተመሪጹ።
ድሕሪ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ፡ ብጻይ ሮሞዳን፡ ብደረጃ ዋና ጸሓፊ ውድብ ህ.ግ. ካብ ሜዳ ኤርትራ ናብ ወጻኢ ሃገር እናተንቀሳቐሰ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነትን ፍትሓውነቱን ኣብ ምፍላጥ፣ ዝምድና ውድብ ህዝባዊ ግንባር ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ኣህጉራዊ ውድባትን ኣብ ምስፋሕ፣ ደገፋት ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምዕዛዝ፣ ኣብ ወጻኢ ዝነበሩ ዜጋታት ኣብ ምውዳብን ኣበርክቶኦም ኣብ ምሕያልን፡ ልዑል ስራሕ ዝሰርሐ ኣብ ታሪኽ ደሚቑ ዝዝከር ዕማማት ዝፈጸመ ብጻይ እዩ።
ሓርበኛ ተጋዳላይ ሮሞዳን ኣብ 1987፡ ኣብ ካልኣይን ሓድነታዊን ጉባኤ ህዝባዊ ግንባርን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ሳግም)፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈትን ኮይኑ ተመርጸ። ብደረጃ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት፡ ሓላፊ ናይ’ቲ ሽዑ ዝቘመ ክፍሊ ፍትሒ ብምዃን ድማ፡ ፍርዳዊ ትካልን ሕግታትን ኣብ ምምስራትን ምምዕባልን መሪሕ ግደ ተጻዊቱ።

ብጻይ ሮሞዳን፡ ክሳብ ናጽነት፡ በዚ ዝተጠቕሰ ጽፍሒ ናይ መሪሕነት ንሃገሩን ህዝቡን ብተወፋይነት ድሕሪ ምግልጋል፡ ድሕሪ ናጽነት ክሳብ 1994 ኣብ ዝነበረ ዓመታት ጸሓፊ ክፍሊ ፍትሒ፡ ኣማሓዳሪ ኣውራጃ ደንካልያ፡ ሚኒስተር ፍትሕን ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳራን ኮይኑ ኣገልጊሉ። ኣብ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር 1994 ከኣ፡ ብፍቓዱ ካብ ምርጫ መሪሕነት’ኳ እንተወረደ፡ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ቃልሱ ንዳግመ ህንጸት ሃገርን ምክልኻል ልዑላውነትን ኣየቋረጸን።

ስውእ ተጋዳላይ ሮሞዳን መሓመድኑር፡ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲን ድሕሪ ናጽነትን ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ናይ መሪሕነት ተመዲቡ ኣብ ዝሰርሓሉ፡ ኣብ ምምዕባልን ምድላብን ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን፡ ቁጠባዊን ዲፕሎማሲያውን ዓቕምታት ውድብ ህ.ግ.፡ ከምኡ’ውን ኣብ ህንጸት ትካላዊ ብቕዓትን ምኹስኳስ ካድረታትን ዝነበሮ ኣበርክቶ ልዑል ክብሪን ኣድናቖትን ዝወሃቦ እዩ።

ሓርበኛ ተጋዳላይ ሮሞዳን መሓመድኑር፡ ኣብ ርእሲ ትምህርቱ፡ ብውልቃዊ ጻዕሪ፡ ነብሱ ብምምዕባል ልዑል ፖለቲካዊን ፍልስፍናዊን ፍልጠት ከጥሪ ዝኸኣለ መራሒ እዩ ነይሩ። ቁንቋታት ትግረ፡ ዓረብ፡ ትግርኛን እንግሊዝን ዝፈልጥ ብጻይ ሮሞዳን፡ ንህዝቢን ተጋደልቲን ብፍልጠት ክምልምልን ከማዕብልን ከይተሓለለ ዝጽዕር፡ ብርቱዕ ፍቕሪ ህዝቢን ሃገርን ዝነበሮ ብጻይ ኢዩ ኔሩ።

ስውእ ተጋዳላይ ሮሞዳን መሓመድኑር፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሽድሽተ ውሉዳትን እዩ።
ከምዚ ዝኣመሰለ፡ ኣብ ቃልሲ ንናጽነትን ድሕሪኡን መሪሕ ግደ ዝነበሮ ዓቢይን ክቡርን ተቓላሳይ፣ ምቕሉልን ኣብነታዊን መራሒ ንሓዋሩ ብኽብሪ ኣብ እነፋነወሉ ህሞት እምበኣር፣ ከም ሃገራውያን ዝስምዓና ሓዘን ርዝነቱ ቀሊል ኣይኮነን።

ተጋዳላይ ሮሞዳን መሓመድኑር ብልዑል ፍቕሪን ተወፋይነትን፡ ምሉእ ዕምሩ፡ ስለ ህዝቢን ሃገርን ተበጅዩ ድሕሪ ምግልጋል፡ ብዘጋጠሞ ሕማም፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን ሕክምናዊ ክትትል ክገብር ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ29ታሕሳስ 2021፡ ኣብ ሱዳን ተሰዊኡ። ሎሚ 02 ጥሪ 2022 ድማ፡ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲን ግንባርን፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ቤተሰቡን መቓልስቱን ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ኣብ መካነ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ፡ ብኽብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።
ዕረፍቲ ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ላዕለዋይ መራሒን ክቡር ብጻይን፡ ንሃገርን ህዝቢን ዓቢ ክሳራ’ኳ እንተኾነ፡ ብጻይ ሮሞዳን መሓመድኑር፡ ኣብ’ቲ ዝተዋህቦ ዕምሪ፡ ብምሉእ ዓቕሙን ብልሑን፡ ንሃገሩን ህዝቡን ተወፍዩ ዝሰርሐ፡ ኣብነት ኮይኑ ዝመርሐን ዘቃለሰን፡ ሃገራዊ ግቡኡ ብምልኣት ዝፈጸመ ተቓላሳይ ብምዃኑ፡ ነቲ ብዙሕ ዝዓመመሉን ዘፍረየሉን ጉዕዞ ህይወቱ ብሓበንን ዓቢይ ክብርን እናዘከርና ኢና ንፋነዎ ዘለና።
መንግስቲ ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሒን፡ ብመስዋእቲ ናይዚ ገዲምን ውፉይን ተቓላሳይን ኣብነታዊ መራሒን ዝተሰመዖም መሪሕ ሓዘን እናገለጹ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ስድራቤቱን መቓልስቱን “ጽንዓት ይሃብኩም! ጽንዓት ይሃበና!” ይብሉ።
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!
ዓወት ንሓፋሽ!

The fighter Ramadan Muhammad Noor, after six decades of struggle in Khartoum, died in Khartoum in the city, which was an important station in his life, and Ramadan Mohamed Noor, one of the founders of the Arterian National Movement and joined the revolution in 62 and He was a student in Cairo, the branch of Etihad asked for Eritrea from Cairo. Who was one of the founders of the Eritrea Liberation Front, the deceased and the fighter

He joined the Arthritis Liberation Front in the year 2020 and worked as the deputy commander of the fourth region and then joined the China Tour with his friends, including the current President Isayas Afroki and participated in the establishment of the People's Front forces which later turned into a popular front to liberate Eritrea and the position of the Secretary General A year for the People's Front for Liberation Eritrea ١٩٧٦ to ١٩٨٧ and after the liberation, he was appointed as the Minister of Justice and resigned in 1994 and is the first leader to resign and he is at the top of giving regardless of what was said during that period, should be resigned or resigned at the third conference of the People's Front for the liberation of Eritrea the ruling, I have followed This event Up close and in a long journey I got to know Ramadan Muhammad Noor in different stations I had frequent meetings with him and I was hesitating to visit him in a house and we were together starting from Asmra to Mousua and then to our village Hraghi, I was talking to him honestly that there is no boundaries, and Ramadan Muhammad Noor has a long experience in the process of the Eritrean Revolution and the storm of the Eritrea Liberation Front and the People's Liberation Forces, and after independence he lived in Eritrea until his death was absent yesterday, the other side that he was revolted, Ramadan was a simple and hospitable person and so on Forgiveness and it wasn't Saddamian, he was a competitor, he was smiling and wacky, he was not changed by the temptations of power, and he was not spoiled by the money of power, he was a simple person, his opponents accuse him of not taking decisions, he was not facing many accusations, but he was civilized and called him Baba Ramadan, in the middle of simplicity, he was a more path Shame In the middle of the elites, it was a controversial path, he lived quietly and left quietly for a long age, and I knew Ramadan closely and my relationship with him remained close, we may disagree or agree with Ramadan, but he left his mark in the ambitious project, Ramadan remains a prominent leader, even if our vision crossed with his vision, Um What I took from a program and vision does not remain his choice, and recently he was receiving treatment in Khartoum, despite the distances and differences of views, we used to exchange respect and make sure to communicate with him especially in social events, and my last meeting with him in Khartoum several years ago, a day my attitudes did not change and I put my eyes on Ramadan man and brother despite all the changes and developments and after distances, and what I remind myself and others to remember the virtues of our deaths, especially when our deaths are people who gave their lives to this country and made sacrifices and any struggle that has wrong and right, and these are from the generation who gave all Something to be in this country where no two are different.. May Allah have mercy on him, and our sincere condolences to his family and relatives .. To Allah we belong and to Him we shall return.

Merhawi Tesfu

3mt205 po1Dehcet44mf07b9fehr 28021 at9o 23:35f  · 
እቲ ጉዕዞ ሓርበኛ ተጋዳላይ• ሮሞዳን መሓመድ ኑር፡ ንሰውራ ዝተፈጥረ ሰውራዊ እዩ !!!
ኣስመራ 30 ታሕሳስ 2021 ብህዝባዊ መንግስትኣብ
ካብ ሰነዳት ቤ/ጽሕፈት ህግደፍን ከም'ኡ'ዉን ሚኒስትሪ ዜና ምርኩስ ብምግባር ዝተዳለዉ ጽሑፍ እዩ !!!
• ተማሃሮ ኣብ ካይሮ፡ ኣብ መጀመርያ 1960ታት፡ “ናጽነት ኤርትራ ብብረታዊ ቃልሲ ንምርግጋጽ ውሑዳት ተጋደልቲ ሰውራ ጀሚሮም ኣለዉ” ዝብል ወረ ነቶም ኣብ ግብጺ ዝምሃሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን ሃሞምን ቀልቦምን መሰጦም። ብኸመይ ናብ’ቲ ዝተጀመረ ሰውራ ኣበርክቶ ከምዝገብሩ ወይ ከምዝጽንበሩ ግን ሕርብት በሎም። ሮሞዳንን ገለ ውሑዳት መማህርቱን ቀንዲ መራሕቲን ወደብቲን ኤርትራውያን ተማሃሮ ኣብ ካይሮ ብምዃን ላዕልን ታሕትን በሉ። ምስ’ቶም ኣብ ስደት ዝነበሩ መሪሕነት ተሓኤ ርክብ ብምፍጣር ድማ፡ ሓሳብ ልቦም ዝሰምረሎም መሰለ።
• ርክብ ሮሞዳንን ዑሱማን ሳልሕ ሳበን፡ ሮሞዳን ኣቐዲሙ ኣብ ሕርጊጎ ተማሃራይ ናይ ሓደ ካብ’ቶም ቀንዲ መራሕቲ ተሓኤ ኰይኖም ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ብምንባሩ፡ ንርክቡን ፖለቲካዊ ድሌታቱን ጥጡሕ ባይታ ዝፈጠረ ነበረ። መሪሕነት ተሓኤ፡ ቁጽሪ ናይ’ቶም ናብ ሰውራ ብኣካል ክስለፉ ዝደልዩ መንእሰያት እናበዝሐ ብዝኸደ፡ ምስ ሰውራውያን ሰልፊታት ዓረብ (ብቐንዱ ሰልፊ በዓስ ሶርያን ዒራቕን) ብዝነበሮ ዝምድና ተጠቒሙ 30 ተማሃሮ ቅድሚ ናብ ኤርትራ ምኻዶም፡ ወተሃደራዊ ታዕሊም ንምውሳድ ካብ ካይሮ ናብ ሶርያ ሰደዶም። ኣብ’ቲ እዋን ወዲ 25 ዓመት ዝነበረ ሮሞዳን መሓመድ ኑር ድማ ሓደ ካብ’ዞም ተማሃሮ ነበረ።
• ጉዕዞ ናብ ሜዳ ኤርትራ፡ እዞም ተማሃሮ ታዕሊሞም ድሕሪ ምዝዛም፡ ኣብ 1964 ናብ ሜዳ ኤርትራ ብምምጻእ ኣብ መሳርዕ ተሓኤ ተሰለፉ። ሮሞዳን፡ ብዝነበሮ ኣዝዩ ገስጋሲን ሰውራዊን ኣተሓሳስባታት፡ ኣብ ብጾቱ ልዑል ተቐባልነት ኣኽብሮትን ክረክብ ግዜ ኣይወሰደን። ከም ውጽኢቱ’ውን፡ መሪሕነት ተሓኤ ኣብ 1965 ንኣወዳድባ ሓይልታት ሰውራ ኤርትራ ናብ ሓሙሽተ ክፍልታት ምስ መቓቐሎ፡ ሮሞዳን ፖለቲካዊ ኮሚሳር 4ይቲ ክፍሊ (ንሰምሃርን ደንከልን ትውክል ዝነበረት) ኰይኑ ተመዘዘ።

• ምንቅስቃስ እስላሕ (ምእራም)፡ መጥቃዕቲ ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዘውረዶ ግፍዕን ኣብ ልዕሊ ተ.ሓ.ኤ ዝነበሮ ኣሉታዊ ወተሃደራዊ ጽልዋን፡ ንመሰረታዊ ድኽመታት "ዘመነ ክፍልታት" ብንጹር ኣርኣየ። ኣብ መንጎ ክፍልታት ዝነበረ ዘይምውህሃድ፣ ሰራዊት ተ.ሓ.ኤ ንነብሱን ንህዝብን ክከላኸል ኣየኽኣሎን። ንኣብነት 3ይቲን 5ትን ክፍልታት ነቲ ካብ ከባቢአን ዝተበገሰ ሓይሊ ኢትዮጵያ ጠጠው ከብልኦ ስለዘይከኣላ ናብ ካልኦት ክፍልታት ከይደን ክዕቆባ እንከለዋ፣ እተን ዝተረፋ ክፍልታት እውን ንጸላኢ ክከላኸላሉ ዘኽእለን ወተሃደራዊ መደብን ስትራተጂን ኣይነበረንን። ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓፈሻዊ ቅልውላው፣ ሃገራውያንን ደሞክራስያውያንን ተጋደልቲ ለውጢ ንምምጻእ ምንቅስቓስ እስላሕ

ወይ ናይ ምእራም ስጉምቲ ጀመሩ። ሮሞዳን ዝርከቦም ኣብ 3ይቲ ክፍሊ፡ 4ይቲ ክፍሊን 5ይቲ ክፍሊን ዝነበሩ ተጋደልቲ ነቲ መሪሕነት ተሓኤ ዝኽተሎ ዝነበረ ንሰውራ ኤርትራ ንድሕሪት ዝመልስ፡ ንጸላኢ ድማ ዕድል ዝህብ መቓቓሊ ኣወዳድባ ምቕባሉ ስለዘጸገሞም፡ በብወገኖም ተቓውሞታትን ኣራሚ ስጕምታትን ክወስዱ ጀመሩ።
• ጉዕዞ ናብ ቻይና - ቤ/ትምህርቲ ናንጂን፡ ይኹን’ምበር፡ መሪሕነት ተሓኤ ንገለ ካብ’ቶም ጸላዊ ተራ ዝነበሮ መንእሰያት ወተሃደራዊ ትምህርቲ ንምቕሳም፡ ኣብ 1967 ብሓሙሽተ ሰባት ዝቘመት ቀዳመይቲ ጉጅለ ንቻይና ሰደደት። እዛ ጉጅለ፡ 5 ኮሚሳራት ናይ 5-ክፍልታት ዝጠርነፈት ኮይና፡ ንኢሰይያስ ኣፈወርቂ፡ ማሕሙድ ኢብራሂም ቸኪኒ፡ ሮሞዳን መሓመድ ኑር፡ ኣሕመድ ኣድም ዑመርን፡ ኣሕመድ ኢብራሂም ኣሕመድን ዝሓቘፈት ነበረት።
• ምድራዕ ምንቅስቃስ እስላሕ፡ እዞም ኣብ ወተሃደራዊ ቤት ትምህርቲ ናንጂን ንሓደ ዓመት ብሓባር ወተሃደራዊን ፖለቲካዊን ትምህርቲ ዝወሰዱ መንእሰያት፡ ስምረትን ውህደትን ስለዝፈጠሩ፡ ነቲ ድሒሩ ሓይሊ ዝደለበ ንኣካይዳ መሪሕነት ተሓኤ ዝነቅፍን ዝእርምን ምንቅስቓስ እስላሕ ተጋደልቲ ሕመረት ኰኖ። በዚ ድማ፡ ኣብ 1968 ኣብ እምባሃራ ቀዳማይ ኣኼባ ስሙር ሓይሊ (3ይቲ፡ 4ይቲን 5ይቲን ክፍሊታት) ክካየድ እንከሎ እዞም ተጋደልቲ መሪሕ ተራ ነበሮም። ሮሞዳን መሓመድ ኑር፡ ኣዝዩ ውዑይን ሓያል ሰውራዊ ስምዒታቱን ኣተሓሳስብኡን ብጋህዲን ብዓውታን እናተዛረበ ዝኸይድ ተጋዳላይ ምንባሩ፡ ናይ’ቲ እዋን ብጾቱ ይዝክሩ።
• ታሪኻዊ ጉባኤ ኣዶብሓ፡ ኣብ ዝቐጸለ ዓመት 1969፡ ተሓኤ ጉባኤ ኣዶብሓ ምስወደበት፡ ሽሕኳ ሮሞዳን ኣብ’ቲ ኣኼባ ከምዘይተሳተፈ ዝንገር እንተዀነ፡ መሪሕነት ተሓኤ ግን ዋና-ጸሓፊ ናይ ምሉእ ተሓኤ ክኸውን ከምዝመረጸቶ ይዝንቶ። እቲ ኣብ ዓዲ ሹማን ከባቢኡን ህዝቢ ኣብ ምንቃሕን ምውዳብን ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ተጋዳላይ ሮሞዳን ግን ነቲ ተሓኤ ዝሃበቶ መዝነት ከምዝይቅበሎን፡ መሰረታዊ ለዉጢ ከም ዝጠልብን፡ ብደብዳቤ ከምዝሓበረ ነባራት ተጋደልቲ የዘንትዉ። ኣብ መወዳእታ 1960ታት መጀመርያ 1970ታ እቲ ናይ ምእራም ምንቅስቓስ እናሓየለን ንብዙሓት ተጋደልቲ እናጸለወን ብዝኸደ፡ መሪሕነት ተሓኤ ነቶም ብውሽጢ ውሽጢ ነዚ ምንቅስቓስ ዝመርሑን ዝተጸንበርዎን ተጋደልቲ ክትቅንጽል ምስጀመረት፡ ኣብ መሳርዕ ሰውራ ኤርትራን ተጋደልቱን ምብትታን ክስዕብ ከኣለ፡፡
• ምዉላድ 1ይ፡ 2ይ፡ 3ይ ወገን ህዝባዊ ሓይልታት፡ ገሊኦም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ናብ ዓላን ሰሜናዊ ባሕሪን (ኢሰይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብርሃም ተወልደ፡ ሰለሙን ወልደማርያም፡ ኣስመሮም ገርዝግሄር ከም መሪሕነት ዝመረጸ ካልኣይ ወገን ህዝባዊ ሓይልታት) ከይዶም ክዕቈቡ እንከለው፡ ገሊኡ ክፋል ድማ (ሮሞዳን መሓመድ ኑር፡ ዓሊሰይድ ዓብደላ፡ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ ኢብራሂም ዓፋ፡ መስፍን ሓጎስ፡ ዑማሮን ካልኦትን ከም መሪሕነት ዝነበርዎ ቀዳማይ ወገን ህዝባዊ ሓይልታት) ብሱዳን ገይሮም ናብ ዓደን (የመን) ካብኡ ድማ ብጀላቡ ናብ ደንከል (ደቡባቢ ቀይሕ ባሕሪ) ሰገረ። ካብ'ዚ፡ መስፍን ሓጎስ ድሒሩ ናብ ካልኣይቲ ወገን ሰገረ። ኣቡጥያራ ዝመርሓ ዝነበረ፡ ብሳልሳይ ወገን ህዝባዊ ሓይልታት ትፍለጥ ዉን ኔራ ኢያ፡ ቀዲማ ካብ'ቲ ብዑሱማን ሳልሕ ሳበ እንዳተመርሐት፡ ብ"ኣምና ዓማ" ትፍለጥ ከም ወኪል ናይ ወጻኢ ዝምድናታታት እዘን 3-ክፍልታት ኮይና፡ ክሳብ 1976 ትዓዪ ዝነበረት ምጥርናፍ፡ ድሕሪ ብወግዒ ምግላላ፡ ጸኒሓ ብተሓኤ ኣብ ዑበል ብፍጹም ተደምሰሰት።

ስምረት ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ፡ መሪሕነት ተሓኤ ነዘን ክልተ ዝተረፋ ጉጅለ ፈላልያ ክትወቕዖን ከተሕቅቖን ስለዝተበገሰት፡ ክልቲኦም ወገናት ህዝባዊ ሓይልታት ስሙር ግንባር ብምፍጣር፡ ንኣድሓርሓሪ ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን ኣካይዳ ተሓኤ ክቃለስዎ ወሰኑ። እዞም ክልተ ወገናት ህዝባዊ ሓይልታት ንነዊሕ እዋን ብሓባር ፖለቲካውን ወተሃደራዊን ዕማማት ድሕሪ ምክያድን ውሽጣዊ ናይ ጽርየት ቃልሲን ምስሓለፉ፡ ኣብ 1973 ስምረት ድሕሪ ምግባረን፡ ምስ ተሓኤ ከቢድ ዉግእ ሓድሕድን ከበባ ገራግር ሱዳን ኣጋጠመ፡፡
• ምምጻእ ሮሞዳን መሓመድ ኑር ከም ዋና-ጻሓፊ ግንባር ኣብ 1977 ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ብምክያድ፡ ነቲ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ስሙ ብወግዒ ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብምልዋጥ፡ ንተጋዳላይ ሮሞዳን መሓመድ ኑር ከም ቀዳማይ ዋና-ጸሓፊ ህግሓኤ መረጾ።
ሮሞዳን እምበኣር፡ ነቲ ንፖለቲካዊን ወተሃደራዊን ኵነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘንቀጥቀጠ፡ “ዓወት ንሓፋሽ!” ዝጭርሖኡ፡ ርእስኻ-ምኽኣል ዝመትከሉ ህዝባዊ ግንባር ከም ቀዳማይ ዋና-ጸሓፊ ኰይኑ ን10 ዓመታት (1977-1987) ክመርሕ ዝበቕዐ ሓርበኛ ኣፍሪቃዊ ተቓላሳይ እዩ።
"መሬትን ህዝብን - በብቅሩብ ሓራ ምዉጻእ" ኣብ ትሕቲ ዝብል መርሓ ጎደና ህግሓኤ፡ ካብ ምሕራር ታሪኻዊት ኣደ ጽንዓት ከተማ ናቕፋ፡ ክሳብ ከበባ ኣስመራ፡ ስትራተጂካዊ ምዝላቅ፡ ምፍሻል 8-ወራራት፡ ምህናጽ ሳሕል ከም ሃገር፡ ኮታ ህዝባዊ ግንባር ብኩሉ መዳዩ ኣብ ርእሱ ተኣማሚኑ ብቁዕ ኮይኑ ክሳብ ዝወጽአን፡ ንካልኣይን ሓድነታዉን ጉባኤ ብምብቃዕ፡ ናብ ስትራተጂካዊ መጥቃዕቲ ምሕራር ኤርትራ ክሳብ ዝሰግርን፡ ዘሳገረ ሓርበኛ መሪሕ እንተኔሩ፡ ሮሞዳን መሓመድ ኑር ኢዩ።

ካልኣይን ሓድነታዉን ጉባኤ፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ከም ነጥበ መቀይሮ ዝወሰዶ ኣብ 1987 ካልኣይን ሓድነታዉን ጉባኤ ኣካየደ። ኣብ'ዚ ዕዉት ጉባኤ እንበኣር፡ ናይ ሎሚ ፕረዚደንት ተ/ጋ ኢሰያስ ኣፈዎርቂ ከም ዋና-ጸሓፊ ኮይኑ ክመጽእ ከሎ፡ ሓርበኛ ሮሞዳን ድማ ዳግም ከም ምክትል ዋና-ጸሓፊ ኮይኑ ተመረጸ። ክሳብ ዕለተ ናጽነት ድማ ብምክብባርን ብኣብነትን ንሰራዊት ሓርነት መርሐ።
• ድሕሪ ናጽነት፡ ሓርበኛ ሮሞዳን መሓመድኑር፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ሚኒስተር ፍትሒን ብምዃን ንህዝቡን ሃገሩን ብተወፋይነት ዘገልገለን ብኣርኣያነት ዝመርሐን ሓርበኛ’ዩ።

መደምደምታ፡ ከም’ቲ ተደጋጋሚ ዝበሃል፡ መወዳእታ 1960ታትን መጀመርያ 1970ታትን፡ ሰውራ ኤርትራ ናብ ዝኸፍአ ደረጅኡ ዘንቈልቈለሉ መድረኽ’ዩ። ይኹን ግን ኪንዮ’ቲ ዝነበረ ጸሊም ደልሃመት ኣርሒቖም ዝጥምቱ፡ ካብ ጸቢብ ትሕተ-ሃገራዊ ስምዒታት ርሒቖም ኩሉ ዓይነት ዋጋ ብምኽፋል ንሰውራ ኤርትራ ናብ ሃገራዊ መስመሩ ዝመለሱ ሰውራውያን ተቓለስቲ ኣብ ዝድለይሉ ዝነበሩ እዋን፡ ሮሞዳን ሓደ ካብ’ቶም ነቲ መድረኽ ብብቕዓት ዝመለሱ፡ ኣብ’ቲ ክልተ ብልሒ ንዝነበሮ በሊሕ መላጸ ረጊጾም ንሰውራ ህይወት ዝዘርኡ ንዘልኣለም ብክብር ክንዝክሮምን ከም መወከሲ ሰውራውያን ተቓለስቲ ክንመሃሮምን ዘለና ሓርበኛታት’ዩ።
ሓርበኛ ሮሞዳን መሓመድ ኑር፡ ኣብነት ተወፋይነት ኣብ ዕላማ፡ ካብ ነብሶም ንካልእ ይጣዓሞ በሃላይ፡ ካብ 83 ዕድሚኡ፡ ነተን 57 ንሃገራዊ ቃልሲ፡ንሓርነት፡ ንክብረት፡ ንሰብኣውነት፡ ንማዕርነት፡ ንፍትሒን ናጽነትን ህዝቢ ዝወፈየ ሰውራዊ ተቓላሳይ'ዩ። ቁም-ነገር ወዲ-ሰብ ብህይወት ምንባር ኣይኰነን፡ ሞት ዘይተርፍ ዕጫ ወዲ-ሰብ ስለዝዀነ። እቲ ቁም-ነገር፡ ዘይመውት ታሪኽ ብምስራሕ፡ ነባሪ ምዃን’ዩ።
ኣቦ 6-ዉሉዳት ዝኮነ ሓርበኛ ብጻይ ሮሞዳን መሓመድኑር፡ ኣብ መበል 83 ዓመት ዕድመኡ ኢዩ፡ ብ29 ታሕሳስ 2021 ኣብ ሱዳን ሕክምናዊ ክንክን እንዳተኻየደሉ ከሎ ተሰዊኡ።
መንግስቲ ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሒን፡ ብመስዋእቲ ኣብነታዊ መራሒን ገዲም ተቓላሳይን ተጋዳላይ ሮሞዳን መሓመድኑር ዝተሰመዖም መሪር ሓዘን ገሊጾም ኣለዉ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንስድራቤቱን መቓልስቱን “ጽንዓት ይሃብኩም” ይብሉ።
ንስነ-ስርዓት ቀብሪ ዝምልከት ሓበሬታ፡ ኣብ ቀጻሊ ክወሃብ’ዩ።
ዘልኣለማዊ ክብሪን ዝኽሪን ንሰማእታትና!!!

Romodan Mohammed Nur – Eritrean freedom fighter (1938 – 2021)

DECEMBER 30, 2021 MARTIN PLAUT NEWS
The death has been announced of Romodan Mohamed Nur.
The official obituary simply says that “Mr. Romodan Mohammed Nur has passed away at the age of 83 due to illness.” Unofficial sources suggest he died in Sudan, but this has not been confirmed.
Below is information from the Historical Dictionary of Eritrea by Dan Connell and Tom Killion, but first some personal reflections from Feruz Kaissey – the daughter of a fighter, who knew him in the field.
“My earliest memory of Romodan dates way back to the mountain of Sahel, and specifically an area called Hishkib.
He was a very loved, respected and admired man by many. We, the children, saw him as a father figure and someone who would spoil us if we went to see him. He was extremely cool and collected as a person.
I know he was the chairman of EPLF from 1977 till 1987 and I can see why he was chosen to lead the revolution.
However I also remember he famously resigned in 1994. I personally feel that he was pushed to make that decision.
Romodan would have been capable of many things, had he been given the chance. However although he was the original father of EPLF, he stepped away from politics in 1994 and has lived a somewhat civilian life since then. He had two homes: one in Massawa and the other in Asmara. He refrained from smoking and drinking and lived a quiet life, although participating in Party celebrations.”
From the Historical Dictionary of Eritrea

An early member of the Eritrean Liberation Front (ELF), a founding member of the Eritrean People’s Revolutionary Party (EPRP), and first secretary-general of the Eritrean People’s Liberation Front (EPLF), Romedan was born in Hirghigo in 1941 to a Tigre speaking merchant family.
He attended Kekiya School, and in 1957 went to Cairo for secondary school. In 1960 he and Mohamed Ali Omero were the first generation to join the ELF, and in 1963 Romedan went with the first group to receive military training in Syria. He rose to become political commissar of Zone 4 in 1965, and was one of the original group of five sent for training in China in 1967, together with Isaias Afwerki.

He was involved in the Eslah (reform) movement and Tripartite Unity Forces, and maintained ties with his former teacher, Osman Saleh Sabbe.
In 1970, Romedan was among the founders of the People’s Liberation Forces (PLF) at Sudoha Ila, and in 1971 he was elected to lead the PLF, after which he developed close links to the Ala group lead by his colleague, Isaias.
Together with Isaias and others, Romedan created the nucleus of what was to become the EPLF within the Eritrean Liberation Forces – People’s Liberation Forces (ELF-PLF).

At the EPLF’s First Congress in 1977, he was elected secretary general – a position he held until 1987, when he became vice secretary-general, with Isaias’s assumption of public leadership. Romedan’s self-effacing humility and commitment to social revolution made him a model fo the EPLF’s “fighter culture”.
After liberation, he served in a number of crucial positions, including a brief spell as governor of Denekel in 1993, but at the EPLF’s Third Congress, under pressure from Isaias, he announced his retirement from political life in a stirring address drafted by Haile Woldentensa’e.
Since then, he has assumed specific tasks for the ruling party at Isaias’s request, but he has not held an official position within the ruling party or any public office.