<%@LANGUAGE="JAVASCRIPT" CODEPAGE="65001"%> Untitled Document

ኣብ ኢትዮጵያ 50,718 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ ተሓቢሩ

Thursday, 24 June 2010 11:06 administrator
E-mail Print PDF

ቁጽሪ ናብ ኢትዮጵያ ዝውሕዙ ዘለዉ ስደተኛታት እናወሰኸ ኣብ ዝመጻሉ ዘሎ እዋን፣ ዝበዝሑ ካብ ኤርትራን ሶማልያን ዝመጹ ምዃኖም ዝንገረሉም፣ ኣስታት 150,366 ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ተዓቚቦም ከምዘለዉ፣ ትካል ስደተኛታት መንግስቲ’ታ ሃገር ገሊጹ።
ብመሰረት እቲ መግለጺ፣ ኣስታት 70 ሽሕ ሶማላውያን፣ 50 ሽሕን 718 ኤርትራውያን፣ ኣስታት 24 ሽሕ ድማ ሱዳናውያን ኣብ 12 መዓስከራት ስደተኛታት ከምዘለዉ ተሓቢሩ።
ዳይረክተር ትካል ስደተኛታት ኢትዮጵያ ኣቶ ኣያሌው ኣወቀ ከምዝገለጾ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኣህጉራዊ ተጸዋዒ ስደተኛታትን፣ ዓለማዊ ውድብ መግቢን ብምትሕብባር ነቶም ስደተኛታት ኣድላዪ ሓገዝ የበርክተሎም ከምዘሎን፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ተወሰኽቲ ክልተ ሓደስቲ መዓስከራት ከምዝሃነጸ ኣብሪሁ።
ብገምጋም ኣስታት 2 ሽሕ ኤርትራውያን ወርሓዊ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝሰግሩ እውን ኣብቲ መግለጺ ተሓቢሩ።

Source http://erena.org/index.php?option=com_content&view=article&id=464:--50718----&catid=71:zena-ertra&Itemid=263