} --> ? include("header2.php") ?>

 

ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን

Raesi Woldemichael Solomon

"..............ብጥልመት ሃጸይ ዮሃንስ ኣብ ልዕሊ ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን ዝሕተት
ሃጸይ ዮሃንስ ባዕሉ'ዶ ራእሲ ኣሉላ ኣባነጋ!!!

ራእሲ ወልደሚካኤል ናብ ትግራይ ከምርሕ እንከሎ ብመንገዲ ጾሮና ኢዩ ኣምሪሑ። ንእግረ መንገዱ ካኣ ንምኽንያት መገሻኡ ኣመልኪቱ ንህዝቢ ጾሮና ብኣኼባ መልክዕ ውዕል ሰላም ንክፍርም ይኸይድ ከም ዘሎ ገሊጹሎም ነይሩ። ህዝቢ ጾሮና ብግርህነት ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን እምብዛ'ዩ ተደኒቑ። ዝበዝሑ ካብ ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ካኣ፡ ".....ጎይታይ እመኑና ብዝኸድኩማ ኣይትምለሱን ኢኹም! ንዑ ሕደጉ ብምባል ዝካኣሎም ለሚኖሞም ኢዮም።

ራእሲ ወልደሚካኤል ግና፡ "....እዞም ምሳይ ዘሎዉ ብሻለቃ ኣሉላ ዝምርሑ ልኡኻት ሃጸይ ዮሃንስ፡ ውዕል ሰላም ንምፍርራም ዳኣ'ምበር ኣብ ልዕለይ ዝኾነ ጥልመት ከም ዘይፍጸም ብኹሎም ኣማልኽቲ ምሒሎም ኢዮም!" ብምባል ንህዝቢ ጾሮና መለሱሎም። ህዝቢ ጾሮና ካኣ ከም እምነትኩም ይግበረልኩም ብምባል ነቶም ዘንቀዱ ራእሲ ማርያም ክትሕሉዎም ብምምናይ ኣፋነዉዎም።

እንተኾነ ማርያም ሸዊቶ (ትግራይ) ምስ በጽሑ፡ (ራእሲ ኣሉላ ኣባነጋ፡ ሽዑ ሻለቃ ነይሩ)፥ ".....ጎይታይ! ክሸይን ደልየ እሞ ካብ በቕለይ ክወርድ ይፈቐደኒ!" ብምባል ንራእሲ ወልደሚካኤል ሕቶ ኣቕረበሎም። ራእሲ ወልደሚካኤል ካኣ፡ ፈቐዱሉ እሞ፡ ኣሉላ፡ "....ኣንታ ዓይናን ሓማሼናይ፡ ኸዚ'ማ ተማሪኽካ እኔኻ ውረድ ካብ በቕልኻ!" በሎም።

ራእሲ ወልደሚካኤል ካኣ ትቕብል ኣቢሎም፥ "......ኣሉላ በዞም ኩሎም ኣማልኽቲ ምሒልካ'ስ ተማሪኽካ ትብለኒ ኣሎኻ!" በሉዎ።
ሻለቃ ኣሉላ ካኣ፡ ".....ሄሄ፡ ልደርሆ ቆሎ ላሃብኻ ልሓማሼናይ ካዓ ላማሓልኻ!" ክባሃል የሰማዕካይ'ዶ? በሎም።

ራእሲ ወልደሚካኤል ናብ ዘብሉዎ ከም ዘይብሎም ተገንዚቦም ካኣ ከምዚ በሉዎ። ".....በል እንቋዕ ዳኣ ኣብ ውግእ ስዒርካ ኣይማረኽካኒ እምበር፡ በዞም ኩሎም ኣማልኽቲ ምሒልካ ኣንተጠለምካን'ስ ምንም ኣይመስለን ኢዩ። በብተግባራትና ካኣ ህዝቢ ዘልኣለም ክዝክረና ክነብር'ዩ!" በሉዎ።

ብምራን ተኣሲሮም ካኣ ናብ ዓድዋ ናብ ሃጸይ ዮሃንስ ቀረቡ እሞ፡ ኣሉላ ከም ዓስቢ ተግባረ ጥልመቱ፡ ንኤርትራ ከመሓድር ክስየም እንከሎ፡ እቶም ብማሕላ ኣሉላ ተደናጊሮም ንለበዋ ህዝቢ ጾሮና ግዲ ከይገበሩ ናብ ትግራይ ዘምርሑ ክቡር ኣቦና ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን ካኣ፡ ክሳዕ ሃጸይ ዮሃንስ ብ1889 ኣብ ውግእ መተማ ዝመውት ን11 ዓመታት ዝኣክል ኣብ እምባሰላማ ተሓይሮም ሰፈር ጓህን ቁዞማን ኮይኖም ተረፉ።

እቲ ንራእሲ ወልደሚካኤል ".....እንተ ጠሊመኩም ውላድ ከይተውልደኒ ብስም ማርያም ኣስመረይቲ ይምሕለልኩም ኣሎኹ!" ብምባል ዘታለሎም ኣሉላ ካኣ፡ ብዝፈጸሞ ጥልመት ማዕርግ ራእሲ ተዋሂቡዎ መረብ ምላሽ (ኤርትራ) ከመሓድር ተሾመ። ድሕሪ'ቲ ምስቶም ናብ ከበሳ ክድይቡ ኣብ ዶግዓሊ ዝተጋጠሞም ከባቢ 500 ዝኾኑ ኢጣልያውያን ኲናት ገጢሙ ምዕዋቱ ካኣ፡ ነታ ብሃጸይ ዮሃንስ ከመሓድራ እተመዘዘላ ኤርትራ ሓዲጉዋ ፈርጢጡ ናብ ትግራዩ ተመልሰ።
ህዝቢ ኤርተራ ካኣ፡ ብሰሪ ጥልመት ሃጸይ ዮሃንስን ኣሉላን ግዳይ ወራር ባዕዲ ኮይኑ ተረፈ።
ኣሉላ ብዘይካ'ዚ ከም ዘይጠልመኩም ውላድ ኣየውልደኒ ብምባል ምሒሉ ነበረ'ሞ፡ ምስ ክንደይ ተጋሩን ደቀንስትዮ መረብ ምላሽን ከም ዘይዞረ ሓደ ውላድ ከይገደፈ ካብዛ ዓለም ተሰናበተ።

መተሓሳሰቢ
ብዙሓት ተጋሩ፡ ኣብዚ ዝወጽእ ዘሎ ጽሑፋት ንርክብ ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን ጎዳኢ'ምበር ሓጋዚ ኣይኮነን ብምባል ዘሎዎም ተቓውሞ ብውሽጢ መስመር ትገልጹለይ ኣሎኹም። ደጊመ ከስምረልኩም ዝደልዮ እንተልዩ ግን፡ ኣብ ልዕሊ ራእሲ ወልደሚካኤል ጥልመት ብምፍጻም ምምሕዳር መረብ ምላሽ (ሓማሴን) ብምፍራስ ንወራር ጣልያን ዘቃልዓና ሃጸይ ዮሃንስ እምበር ህዝቢ ትግራይ ኣይኮነን። ኣሉላ እንተኾነ'ውን ተላኣኺ እምበር ቀዳማይ ጠላሚ ኣይኮነን። ስለ ዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ክንብል ግን ንስኹም ድሌትኩም እናጸሓፍኩም ንሕና ኤርትራውያን ትም ክንብል ትጽበዩና እንተሊኹም የዋህነት ኢዩ።

ኣዳለውቲ!!!!!!!!

(እምበይተይ እለን) - ስብኣይ ሰብኡት
ኣብ 18 ክፍለዘበን ቀዳመይቲ ሓርበኛዊት ኣደ (ራእሲ ወልደሚካኤል ሰለሞን) ጎሚዳ። ብሕጽር ዝበለ ከምዚ ይመስል።

“ እምበይተ እለን ድማ ሰይቲ ኣቶ ሰሎሞን ሃብሮም በዓልቲ ኒሕ ነበራ “ ክብሉ የዘንትውለን ዓበይቲ ጸዓዘጋን ሃዘጋን። ርግጽ፡ ብቑንጣሮ ድኣ ኰይኑ’ምበር፡እምበይተይ እለን ምዕቲ ሰበይቲ ምንባረን ዝሕብሩ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈሩ ሐበረታታት ኣለዉ። መቸም ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ብሂል ወይ ዛንታ ብኢደወነንካ ንኸተማሓይሾ ፣ ከተጋንኖ፣ ከተቓምሞ፣ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኢዩ ዝኾነካ። ስለዚ ካብ ሚእቲ ዓመት ንላዕሊ ዕድመ ዘለዎም ብትግርኛ ዝተጻሕፉ ሰነዳት ምርካብ ዓቢ ጻጋ ኢዩ። ናይ እምበይተይ እለን ዘይተጋነነ ምናልባት’ውን ካብ ቐዳማዊ ምንጪ ዝተረኽበ እንታዊነተን ዝገልጽ ጽሑፍ ምርካብ፡ ንፍልጠትና ኣዕሚቑ ፡ ቤዝን ወይ ከኣ ብኻልኦት ነዚኦም ዝአመስሉ ኣርእስትታን ንኽመራመሩ ዝደልዩ ሰባት ድማ መትባብዒ ይኸውን። ሓደ ከም ኣብነት ዝጥቐስ፡ እታ ብዶ/ር ግርማይ ነጋሽ ዝተጻሕፈ ‘ ናይ ደረስቲ ናጽነት’ ዘርእስታ መጽሓፍ ብኣፍ ክንገር ዝጸንሐ ማሰን፡ ኣውሎን ሰብ ምድረባሕሪ ገሊኡ ካብ ቐዳማዊ ገሊኡ ድማ ካብ ካልኣዊ ምንጪ ዝተረኽቡ መረዳእታት ተኣኪቡ ዝተጻሕፈ ኢዩ። ካብ ኩሉ ዘግረም ከበሳታ አርትራ ፥ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ወረቀት ወይ ብራና ተጻሒፉ ፡ ክዋሳኣሉ ዘኽእሎ ቋንቋ ይንበሮ’ምበር ፡ ንሕብረተሰብ ብኹሉ መዳዩ ጠሚቱ ንህብረተሰባዊ ኣነባብራ ዝእምት፣ ንግእዛዊን ረቒቓዊን ፍልጠት ዝድህስስ ፣ ንልቢ ኣርሒሱ ንኣእምሮ ዘስፍሕ ስነጹሑፍ ኣይፈጠረን። ስለዚ ብቋንቋታት ትግርኛ ዝተጽሕፉ ኣዝዮም ዉሱናት ከይኖም፣ ዝርካቦም ድማ ናብ ተውህዶ ሓይማኖት ዘተኮሩ፡ ካልእ ዓለማዊ ነገር ከም ዘይትንክፉ ጭብጢ ዘድልዮ ኣይኮነን። እምበኣርከስ ካብቲ ዝተርኽበ ጽሑፍ ታሪኽ እመበይተይ እለን ብሓጺሩ ከምዚ ይመስል።

እምበይተይ እለን፡ ሰይቲ ኣቶ ሰለሙን፡ ሰይቲ ወዶም ንኸንቲባ ዘርዐይ፡ ኣደ ራእሲ ወልደሚካኤል በዓልቲ ሃዘጋ ኢየን። ዝነበራሉ እዋን፡ እዋን ቕልውላው ኢዩ ዝነበረ። ዘመኑ፡ ዘመን ሕንፍሽፍሽ ኰይኑ፡ ንጉስ ክይተረፈ ተሽቈጥቒጡ ፡ ክብሩ ተገፊፉ፡ ብድኽነት ዝነብረሉ ዝነበረ ስርዐት ኣልቦ እዋን ኢዩ ዝነበረ። ኰታ ፋረ ዝለበሰ፣ዝናር ዝተዓጥቐ ጸባ ጸገብ ወዲ ዓዃይ’ውን ከይተረፈ፡ ዓሚጹ፡ ኣከባቢኡ ብኣልማማ ምስ ዝመልኽ፡ ተሓፊሩ ፡ተፈሪሁ ኣብ እንግድዓ ዓዃይ ሸይሸይ እንዳበለ ተጋይጹ ዝነብረሉ ዝነበረ ሑሱም ጊዜ ኢዩ ዝነበረ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኢዩ’ምበአር እቶም ደግያት ውቤ ፡ ንድፍን ምድረባሕሪ ምስናይ ምዕራባዊ ቖላታት ኤርትራ ብዘይ ምቕራጽ ካብ 5 ክሳብ 7 ቀውዒ ዝኸውን ከም ዝዘመትዎ ይንገር። ንኣብነት ብጉልቲ ምስሕሓብ ዝተላዕለ ኣብ ‘አናበታ’ ዝተባህለ ስፍራ ብ1859 አብ መንጎ ሰራዊት ማይ ጻዕዳን ደግያት ዉቤን ዝተኻየደ ሑሱም ውግእ ምጥቃስ ኣገዳሲ ይኸውን። ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምንብርካኽ ወኪል ግብጺ ኮይኑ ነቲ ቦታ ኣብ ምሕማስ ዓቢ ተራ ዝነበሮ ኣውሮጳዊ ዜጋ ሙንዚንገር ውጽኢት ናይቲ ኩናት ክገልጾ እንክሎ ኣስካሕካሒ አብ ርእሲ ምዃኑ ካብ ክልቲኡ ወገን 1200 ፍጡር ከምሃዝሀለቐ ይዝክር። ኣብዚ ጉዙፍ ዓውደኲናት’ዚ ካብ ክልቲኡ ወገን 20 ሽሕ ጠላዕ ከምዝተኻፈሎ’ውን ይጠቅስ።

ኣብቲ ክፍለ-ዘመን’ቲ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበሩ ክፍለ-ዘመናት ፈሊኻ ዘይርኤ ኮይኑ፡ ብርግጽ ናይ ወዲ ተባዕታይ ጽብለልታ ጎሊሑ ዝረኣየሉ፡ ናይ ጓል ኣንስተይቲ ግደ ኣብ ሃገር ምምሕዳር ድማ ኣዝዩ ድሩት ዝነበረሉ ምዃኑ ንኣንበብቲ ምስጢር ኣይኮነን። እምበይተይ እለን ለበዋ ሰብአየን ከይዓጀበን ድሕሪ ሞት አቶ ሰለሞን ፡ ሽመት ሃዘጋ ምስ ወዲሓሙተን ፍርቂ ፍርቂ ተኻፈለኦ። ኣብዚ ሃዋሁ’ዚ ዝተጻወተኦ ተፈላለዩ ገጸ ባህሪያት ማለት ከም ሒማ ሰበይቲ፡ ኣደ፡ እንሓጎ፡ ዕልምቲ ተዋሳኢት ኣብቲ መስፍናዊ ሽጣራ (feudal intrigue) ኣዝዩ ዘድነቕ ኢዩ።

ኣቶ ሰለሙን ካብ ምዑት ከንቲባ ዘርዐይ ድኣ ይወለዱ’ምበር፡ ሚሒር በዓል ቕያ ኣይነበሩን’። ሓደ መዓልቲ ሰበይቶም “ምሳሕ ኣዳልውለይ ‘ምስ ዓቀይቶተይ ጸዓዘጋ ወሪደ ክጎብጣ ኢየ’ በልወን”። ንሰን ከኣ ትቅብል ኣቢለን ‘ኣብ ጽዓዘጋ ኬድኩም ተመስሑ’ ክብላ መለሳሎም። ምናልባት ከምዚ መበሊኤን ጸዓዘጋ ንምውራር ብዙሕ ይወሳወሱ ስለ ዝነበሩ ይኸውን፣ እሞ ‘ሃየ’ ንጸዓዘጋን፡ ግዝኣታ ዘበለ ኵሉን፡ ኣብ ትሕቲ ሃዘጋ ንምእታው መዓንጣኻ ሸጥ ኣብሎ’ ንምባል ይኸውን፣ ኣብ ጽዓዘጋ ከድካ ‘ተመሳሕ’ መበሊኤን። ንጸዓዘጋ ሓመድ ድፋጭኣ ንምስታይ እንተኾነ፡ ናይ ወዶም ናይ ራእሲ ወልደንኪኤል ድኣ’ምበር ናይ ኣቶ ሰለሞን ዕጫ ከም ዘይኮነ፡ ካብ ታሪኽ ክንርዳእ ንኽእል። ናይ 1877 ውግእ ወኪዱባ ሞት ደግያት ሀይሉ ዘኸተለ ንሐጺር እዋን ይኹንምበር ዕብለላ ራእሲ ወልደሚካኤል ዘረጋገጸ ምዃኑ ካብ ኣንባቢ ዝተሰወረ ኣይኮነን። ኣቶ ሰለሞን ከኣ ንጸዓዘጋ እናተሐንሐኑ ከይጥቅዕዋ ዓዲ ኩልና ከዱ።

እምበይተይ እለን ሹት በሃሊት ጥራይ ዘይኮናስ፡ባዕለን ድግድጊት ተዓጢቐን ኣብ ረምጺ ኵናት ዝካፈላ ሓየት ሰበይቲ ነበራ። ኣብ ኵናት ዓዜን፡ ሰብኡት ሃዘጋን፡ ሓያሎ ኣባጽሕ ካብ ካርነሽም ኣኻኺበን ምስ ከንቲባ ወልደጋብር ተጋጠማ። ንኸንቲባ ወልደጋብር ድማ፡ ስዓረኦም። ድሕርቲ ኵናት፡ ሰብ ዓዲ ተከለዛን ብስዕረት ንዓዶም ተመልሱ፡ እንተኾነ ግን እዚ እቲ ናይ መጀመርያ ምዕራፍ ናይ ሃዘጋን ዓዲ ተክለዛን ናይ ሓድ-ሕድ ምብራስ ይኸውን። አቐድም ኣቢሉውን ምስ ኣይተ ኣላ ሐው ደግያት ሀይሉ በዓል ጽዓዘጋ ኣብ ምስጓጓ ተጋጢመን፡ ኣብቲ ዝተገብረ ውግእ እምበተይ እለን ተሳዕራ። ነብሰንን ነብሲ ደቐንን ንምድሓን ድማ ካብ ሀዘጋ ኣርሒቐን ሃደማ። ኵሉ ግዜ መራሒት ውግእ’ኳ እንተዘይነበራ፡ብርግጽ ብዛዕባ ኵናት ወይ ንከባቢኤን ዝምልከት ፖለቲካ ኣብዝዝተየሉ ኣጋጣሚ፡ ከም ተራ መበለት፡ተቐማጢት ውሻጠ ከምዘይነበራ ዝሳሐት ኣይኮነን ። ካብዚ ብምብጋስ ኢዩ ድማ ‘ኵናት ዘይወዓለ በሊሕ’ ዝብል ናይ ኣቦታት ምስላ ንወይዘሮ እለን ኣይምልከትን ዝብል።

እምበይተይ እለን ፡ ኣብቲ ብ ‘ዘመነ ጭቃታት’ ዝፍለጥ ሰላም ዝረሓቖ፣ ሓረስታይ ሓሪሱ ናብራኡ ዘይመሓይሸሉ፣ ኣርባሕ ከብቲ ዝተሰቓየሉ፥ ነጋዳይ ኣደዳ ጓሓላሉ ኮይኑ ማሕፍዳኡ ዝነገፈሉ፣ ክረምቲ - ሓጋይ ከይዓጀአቦም ወግሐ ጽብሐ ናይ ሓድሕድ ውግእ ዘካይዱ ዓበይትን ናእሽቱን መሳፍንቲ ብስርግፎኣ ዝበዝሕሉ እዋን እየን ዝነበራ። ኣብቲ እሾኽ ዳንደር ዝተዘራአሉ መስፍናዊ ናይ ፖለቲካ ምፍሕፋሕ፡ ሓንሳብ ብሜላ ሓንሳብ ብሸፈጥ ከይተሓለላ ንነዊሕ እዋን ክጻወታ ጸንሐን እየን።

 

ተጋሩ
ንዓወት ዶግዓሊ ክምንጥሉና ሕጂ'ውን ኣብ ሓያል ጎስጓስ
ኤርትራውያን ኣብ ትኻስ!!! [source Raesi Woldemichael Solomon 4 February at 14:01

 

27 ጥሪ 1887 ኣስታት 500 ቁጽሪ ከም ዝነበሮም ዝንገረሎም ኢጣልያውያን ወተሃደራት ካብ ባጽዕ ተበጊሶም ናብ ኣስመራ ገጾም ኣብ ዘቕንዕሉ ዝነበሩ ህሞት እቶም ኣሽሓት ወተሃደራት ኣብ ጎድኖም ኣሰሊፎም ኣብ ጫካታት ፍልፍል ሰሎሙና ተዓቒቦም ኣንጻር ኣሉላ ዝቃለሱ ዝነበሩ ደጃዝማች መስፍን ወልደሚካኤል ምንቅስቓስ ጣልያን ንምዕጋት ኣንፈቶም መንገዲ ባጽዕ ሓዙ። ራእሲ ኣሉላ እውን ናቶም ሰዓብቲ ሒዞም ኣንፈቶም ናብ ባጽዕ ኣምርሑ'ሞ ብኸመይ መልክዕ ተረዳዲኦም ክሳብ ሕጂ ዘይፍለጥ ሓይሊ ጥልያን ብሓደ ገጠሙዎ። ሰራዊት ጣልያን እውን ምሉእ ብምሉእ ተደምሰሰ።
ብዙሕ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ከም ዘረጋግጾ 75 % ካብቶም ኣብቲ ውግእ እተኻፈሉ ወተሃደራት ደጃዝማች መስፍን ወልደሚካኤል ሰሎሞን እዮም ዝነበሩ።
ደጃዝማች መስፍፍን ወዶም ንራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን ኮይኖም፡ ራእሲ ኣብ ውግእ ጉንደት ኣንጻር ግብጻውያን ውግእ ገጢሞም ድሕዲ ምዕዋቶም፡ ምስ ግብጻውያን ንሓድሕዶም ከይጠቓቕዑ ብምስምማዕ ዝነበሮም ፍሕፍሕ ብሰላም ከም ዝዓርፍ ብምግባር ወዶም ደጃዝማች መስፍን ኣብ ግብጺ ውትህድርናን ቋንቋ ዓረብን ንክልተ ዓመታት እተማህሩን፡ ትምህርቶም ድሕሪ ምክትታሎም ብግብጻውያን ማዓርግ ጀነራል ተዋሂቡዎም ናብ ሃገሮም እተመልሱ ቀዳማይ ኤርትራዊ ጀነራል ኢዮም።
እኒ ደግያት ባህታ ሓጎስ፡ ደግያት ሓድገምበስ ጉልበትን በለምባራስ ካፍልን ንጣልያን ኢዶም ክህቡ እንከሎዉ፡ ደጃዝማች መስፍን ንጣልያን ንክልተ ዓመታት ክዋግኡዋ ጸኒሖም ካኣ፡ ኣብ መወዳእታ 1889 ኣብ እተገብረ ውግእ፡ ተማረኹ። ጣልያን ካኣ፡ ብፍሉይ ናብ ሮማ ብምልኣኽ፡ ብኡ ጌሮም ሓቒቖም ተረፉ።
እቲ ሓቂ እዚ ክንሱ ግና፡ ሃይለስላሴ ፈደሬሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን መታን ክሰምረሎም ነቲ ናይ ዶግዓሊ ዓወት ክረዲት ወይ ኣፍልጦ ንራእሲ ኣሉላ ኣባነጋ ኣዮም ሂቦሞም። ክሳብ ሎሚ ድማ፡ ዓወት ዶግዓሊ ብስም ኣሉላ እዩ ክስመ ጸኒሑን ካብ ዝመጽእ ዓመት ኣትሒዞም ድማ ኻኣ፡ ባዓል ዓድዋ ሓዲጎም ንዶግዓሊ ኣብ ትግራይ ክጽንብሉዎ ከም ዘሎዎም ክጉስጉሱሉ ጀሚሮም ኣሎዉ። ነዚ ንምርግጋጽ ካኣ፡ ዩትዩባት ሎሚ ቅነ ሃሰስ ምባል ከም ዘድሊ ከየዘኻኸርና ክንሓልፍ ኣይንደልን።
ብወገን ኤርትራውያን ማዕረ ክንድዚ ስቕታ ዘተባበዖም ተጋሩ፡ ኣብ ሰሜን ኣሜሩካ ብዝነብሩ ካብ ኣምሓሩ እተወልዱ ወነንቲ ፓልቶካት፡ ኢሰፓታት ደርግን ሰለይቲ ወያነ ዝነበሩን እኽቲትካ ዝግበር ዘሎ ሓያል ናይ ውሽጠ ውሽጢ ሰራሕ ብምዃኑ ሓያል ኣስተብህሎ ኣብ ዘድልየሉ መድረኽ በጺሕና ከም ዘሎና ኩሉ ወዲ ሃገር ከስተብህለሉ ዘሎዎ ይጽናሓለይ ዘይባሃሎ ዕዮ ገዛ ምዃኑ ነስምረሉ።
ሓደ ካልእ ስግንጢር እውን ኣሎ? 500 ወተሃደራት ጣልያን ዝተደምሰሱሉ ውግእ ዶግዓሊ ብተጋሩ እምብዛ ክጋዋሕ እንከሎ፡ 300 ወተሃደራት ጣልያን ብደጃዝማች ኣበራ ሃይሉ ኣብ ዋልታ መድሓኒት (ዓዲ ንኣምን) ዝተደምሰሱሉ ገዚፍ ዓወት ንምንታይ ኢና ክንዝክሮ ዘይንመርጽ?
ብዝኾነ ታሪኽና ከምቲ ብብዝሒ ዝተጻሕፈሉን ዝተዘንተወሉን ካብ 1941 ጥራሕ ዝፍልም ኣይኮነን። ነዚ ዳሕረዋይ ፍጻሜ ጥራሕ ኣተኩሮ ሂብና ክንዕቅብ 30 ዓመት ስለ ዝወሰደልና ካኣኣ'ዩ ጎሮባብትና ክውሕጡና ባዕልና ንዕድኖም ዘሎና።
እቲ ሓቂ ኣዚ ምዃኑ ተረዲእና ድማ፡ ወርቃዊ ታሪኽና ተበርቢሩ፡ ኣብ ካሪክለም ምኒስትሪ ትምህርቲ ብዝግባእ ሰፊሩ ናኣሽቱ ወለዶ ብዝግባእ ክማሃሩሉ ምኒስትሪ ትምህርቲ ብዝሓየለ መልክዑ ክሰርሓሉ ይጽናሓለይ ዘይባሃሎ ዕዮ ገዛ ኣሎዎ።

 

 

ውዕሎ ብላታ ተስፉ ነጻራይ (ሕምብርቲ)
ኣብ ውግእ ዓዲ ተኽላይ (1877)ን
ፎርቶ ሰኒታ (ኣስመራ - 20 ግንቦት 1878)ን [7 February at 02:08

ውግእ ዓዲ ተኽላይ፡ ንውግእ ወኪዱባ ሓምለ 1877 ስዒባ ዝመጸት ውግእ ኮይና፡ ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን (ሽዑ ደጃዝማች ኔሮም)፡ ኣብ ውግእ ወኪዱባ ድሕሪ ምዕዋቶም መላእ ሰራዊቶምን ህዝቦምን ሒዞም ናብ ሓባብ ኣምሪሖም ነበሩ፡፡ ነዚ ዘስተብሃለ ሃጸይ ዮሃንስ (ትግራይ) ካኣ ዘሎዎ ሓይሊ ኣኻኺቡ ናብ ማእከል ሃገር ብምዝማት ንሃዘጋ ኣቃጸላ።
ብድሕሪ'ዚ ሃጸይ ዮሃንስ ንደግታት ተሰማ ወዲ ደግያት ኢማም (ጉራዕ)ኒ፡ ሻለቃ ኣሉላ ኣባነጋን (ዳሓር ራእሲ) ኣብ ዓዲ ተኽላይ ኣስፊሮም መላእ ሓማሴን (መረብ ምላሽ) ከመሓድሩ ኮፍ ኣቢሉዎም ናብ ትግራይ ተመልሰ።
ድሕሪ ኣዋርሕ ድማ፡ ራእሲ ወልደሚካኤል ብሕማም ምኽንያት ኣብ ውግእ ዓዲ ተኽላይ ክሳተፉ ኣይካኣሉን እሞ፡ ኣብ ክንዳኦም ድማ፡ ንብላታ ተስፉ ነጻራይ (ሕምብርቲ) ዘሎ ሰራዊቶምኒ ኣጽዋራቶምኒ ኣኽቲቶም ክዋጋኡ፡ መሪቖም ኣፋነዉዎም።
ብብላታ ተስፉ ነጻራይ ዝተመርሑ ከባቢ 20 ሽሕ ዝግመቱ ደቂ ሃገር እምባኣር፡ ሰራዊት ትግራይ ንምድምሳስን ኣሉላ ኣባነጋ ድማ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምውዓልን፡ ናይ ሰለስተ መዓልታት ጉዕዞ ብምትሕሓዝ ደሰብኣይ በጽሑ።
ወጋሕታ ኣብ ዓዲ ተኽላይ ኣብ እተገብረ ውግእ ድማ፡ ሰራዊት ትግራይ ምዉትን ቁሱልን ኮይኑ፡ እኒ ኣሉላ ግና ኣፍራስ ስለ ዝነበሮም ኣምሊጦም ናብ ትግራዮም ኣምርሑ።
እታ ኣብ ታሪኽ ዝተረሰዐት ውግእ ዓዲ ተኽላይ እምባእር፡ ብመሪሕነት ሓርበኛ ብላታ ተስፉ ነጸራይ ብዓወት ተሰምደመት።
ሓርበኛ ብላታ ተስፉ ነጻራይ፡ ባዓል ሕምብርቲ ኮይኖም፡ መንግስቲ ራእሲ ወልደሚካኤል ብጥልመት ኣሉላ ድሕሪ ምፍራሱ፡ ምስ ደጃዝማች መስፍን ወልደሚካኤል፡ በላምባራስ ካፍልን፡ ሃይሉ ዓዲ ባሮን ብምውህሃድ፡ ፋሕ ኢሎም ንዝነበሩ ሰራዊት ወልደሚካኤል፡ ብምጥርናፍ ኣንጻር ኣሉላ ንልዕሊ 6 ዓመት ከይሰልከዩ ብትብዓት እተዋጋኡ እዮም ኔሮም።
ጣልያን ናብ ኤርትራ ብዝኣተወ እውን፡ ኢዶም ክህቡ ኣይመረጹን፡፡ ብ1889 ኣብ እተገብረ ውግእ ተማሪኾም ድማ ናብ ናኹራ ኣምርሑ። ካብ ቤት ማእሰርቲ ደሴት ናኹራ ብእተገብረ ታሪኻዊ ናይ ምምላጥ ስርሒት ከም ሰቦም ኣምሊጦም እውን ናብ ትግራይ ኣምርሑን፡፡
ብላታ ተስፉ ነጻራይ (ሕምብርቲ) ኣብቲ ብ20 ግምቦት 1878 ኣብ ማእከል ኣስመራ እተገብረ ውግእ እተሳተፉ ክኮይኖም፡ ንትግራዋይ መራሕ እቲ ውግእ ዝነበረ ራእሲ ባይሩ ገብረጻድቕ፡ ብምቕታል ውግእ ፎርቶ ሰኒታ ብዓወት ራእሲ ወልደሚካኤል ክዛዘም ዝገበሩ እውን ኢዮም'።

 

 

 

ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢጣልያ ንኽትቁረን ዘምረሐ መንገዲ ብግቡኡ ምስ ዝፍተሽ
እዚ’ዩ እቲ ሓቂ!! 9 February at 18:18

1ይ ክፋል
ኣብ ሕዳር 1875 ራእሲ ወልደሚካኤል ኣብ ጉንደት ምስ ግብጻውያን ክዋግኡ እንከሎዉ ብድምሩ ካብ ከባቢ 4 ሽሕ ዝሓልፍ ጠመንጃ ኣይነበሮምን። ኣብ ውግእ ጉንደት 3 መዓልታት ደማዊ ውግእ ብምክያድ ንግብጻውያን ስዒሮም ክሳዕ ገማምግ ባሕሪ ምጽዋዕ ድሕሪ ምድፍኦም ግዳ ምስቲ ካብ ግብጻውያን ዝማረኹዎ ብረት ተደማሚሩ፣ ብዝሒ ጠመንጃኦም ናብ ከባቢ 7 ሽሕ ብምድያብ ጎብለል ሓማሴን (ምድረ ባሕሪ) ንምዃን በቒዖም እዮም። ብድሕሪ’ዚ ግብጻውያን ምስ ራእሲ ወልደሚካኤል ውዕል ሰላም ብምኽታም፣ ራእሲ ወልደሚካኤል ኣንጻር ተጋሩ ኣብ ዝገብሩዎ ውግኣት፡ ኣድላዪ ዘበለ ምትሕግጋዝ ክገብሩሉ ምዃኖም መብጽዓ ብምእታው፣ ተወሳኺ ጠበናጁ ብምሃብ ራእሲ ወልደሚካኤል ብቐሊሉ ዘይድፈር ዓቕሚ ንክውንኑ ካብ ግብጻውያን ምሉእ ምድግጋፍ ተገብረሎም።
ብኸምዚ መልክዕ ጎልቢቶም ኣብ ዝነበሩሉ ኣጋጣሚ ካኣ፡ ራእሲ ኣብ ወርሒ ሓምለ 1877 ኣብ ወኪዱባ ምስ ደጃዝማች ሃይሉ ተወልደመድህን ውግእ ብምግጣም፣ ንመሪሕነት ደጃዝማች ሃይሉ መኸተምታ ገበሩሉ።
ሃጸይ ዮሃንስ ብርእዮ ጎብለልነት ራእሲ ወልደሚካኤል ስግኣት ተሰመዖም እሞ፡ ብትግራያ ጠርኒፎም ድማ መረብ ሰጊሮም ሃዘጋ በጽሑ። እንተኾነ ራእሲ ናብ ምድሪ ብሌን (ዓዲ ዕመር) ገጾም ብምምራሕ ንግዚኡ ኣብ ሓባብ ክዓርዱ ወሰኑ።
ሃጸይ ዮሃንስ ድማ፣ ንሃዘጋ ኣንዲዶም ንደግያት ተሰማ ኢማምን ሻለቃ ኣሉላ ኣባነጋን (ደሓር ራእሲ) ንምድሪ ሓማሴን ከመሓድሩ ብምምዛዝ መቐመጢኦም ኣብ ዓዲ ተኽላይ ብምስፋር ናብ ትግራዮም ተመልሱ።
ራእሲ ወልደሚካኤል ነዚ ፍጻሜ ብስለላኦም ክከታተሉዎ ጸኒሖም፡ ንደግያት ተሰማ ወዲ ደግያት ኢማምኒ፣ ሻለቃ ኣሉላ (ትግራዋይ)ኒ ንምጥቃዕ ንብላታ ሰራዊት መራሒ ጌሮም ላኣኹዎም። ራእሲ ብሕማም ምኽንያት ኣብቲ ውግእ ኣይተኻፈሉን። እኒ ባሻይ ደባስን ባሻይ ተስፈ (ዓዲዃላን) ዝኣመሰሉ ሓርበኛታት ደቂ ሃገር ድማ ኣብ ትሕቲ ብላታ ተስፉ ነጸራይ ብምዃን ኣንፈቶም ብሩባ ሩባ ዓንሰባ ኣቢሎም ደምሰብኣይ በጽሑ እሞ፡ ካብ ደምሰብኣይ ብወገን ዓዲ ያቆብን ብወገን ዓዲ ገብሩን ኣብ ክልተ ተኸፊሎም ንዓዲ ተኽላይ ሓደጋ ወደቑዋ።
እቲ ውግእ ካኣ ብዓወት ሰራዊት ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን ተዛዘመ። ብዙሓት ተጋሩን ደቂ ሃገርን ኣብቲ ውግእ ክቕዘፉ እንከሎዉ፣ ወከልቲ ሃጸይ ዮሃንስ ዝነበሩ እኒ ደግያት ተሰማ ኢማምኒ፣ ሻለቃ ኣሉላኒ ዝርከቡዎም ብዙሓት መራሕቲ ውግእ ግና ሃዲሞም ናብ ትግራይ ኣምርሑ።
በዚ ዳሕረዋይ ውግእ እውን ራእሲ ወልደሚካኤል ኣሽሓት ጠበናጁ ክማርኹ ካኣሉ እሞ፣ ብዝሒ ናይቲ ብሰራዊቶም ዝውነነ ዝነበረ ጠበናጁ ካኣ ናብ ልዕሊ 10 ሽሕ ክብ በለ።
ሃጸይ ዮሃንስ ብድሕሪ’ዚ ዝሕዙዎን ዝጭብጡዎን ጠፍኦም፡ ነቲ እሙን ወተሃደሮም ዝነበረ ራእሲ ባይሩ ገብረጻድቕ ዝርካቦም ሰራዊትን ብረትን ኣሰሊፎም ካኣ፡ ራእሲ ወልደሚካኤል ንምስዓር መረብ ክሳገር ላኣኹዎ።
ራእሲ ባይርኡ እዉን ሕማቕ ዕጭኡ ንምልዓል ልዕሊ ካብ 10 ክሳብ 15 ሽሕ ዝግመቱ ዘመትቲ ኣኽቲቱ ገፈፍ እናበለ ብሸነኽ መራጉዝን ጾሮናን ኣቢሉ ናብ ከበሳ ደየበ። እንተኾነ እቲ ብብላታ ተስፉ ነጸራይ (ሕምብርቲ) እናተመርሐ ኣብ ውግእ ዓዲ ተኽላይ እተዓወተ ሰራዊት ብራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን ድሕሪ ዝተዋህቦ ትእዛዝ፡ ብዝመጾ ሩባ ዓንሰባ ኣቢሉ ናብ ናብ ሓባብ ተመለሰ እሞ፡ ትግራዋይ ራእሲ ባይሩ ገብረጻድቕ ድማ፡ ዝኾነ ተቓውሞ ከየጋጠሞ፡ ናብ ማእከል ሓማሴን ብምእታው፡ ካብ ሃዘጋ ክሳብ ዓዲ ንኣምን ንዘሎ ኩሉ ዓድታት 7 ዓንሰባ ብሓዊ ብምቅጻል ንጥሪት እተን ህዝቢ እውን ዘረፈን።
ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን እዚ ዜና እዚ ብዝበጽሖም እምብዛ ጉሃዩ እሞ፡ ኣስታት 30 ሽሕ ዝተገመተ ሰራዊቶም ኣኽቲቶም ብወገን ዓዲ ንፋስ ኣቢሎም ቤት ገርግሽ በጽሑ። ራእሲ ባይሩ ገብረጻድቕ
“ወልደሚካኤል ይመጾ እምበይ የመጻንይ!” እናበለን ብትዕቢት ተዋጢሩን ኣብ ፈኽራን ነበረ።
እንተኾነ ምምጻእ ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን ብዝግባእ ብዘረጋገጹ ግና፣ ንሰራዊቶም ክተት ብምባልን ንደቂ ጸዓዘጋን ከባቢአን ዘሎዋ ዓድታት እውን ብሓይሊ ከም ዝዓጥቁ ብምግባርን ንውግእ ተዳለዉ።
በዚ ፍጻሜ እዚ ድማ እቲ ብውግእ ሓማሴን ምስ ተጋሩ ዝፍለጥን ዛጊት ኣስመራ ኣብ ታሪኻ ዘአንገደቶ ልዕሊ 50 ሽሕ ህዝቢ እተኻፈሎ ዝዓበየ ውግእ ተባርዐ።

 

 

 

ዝኽሪ መበል 110 ዓመት ዕረፍቲ ክቡር ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን (ጎሚዳ)
RAESI WOLDEMICHAEL SOLOMON ZERAI 1823-21/01/1906
The Last Hero & Governor Of Mereb Melash (Eritrea)
Marks A 110 Years of His Death
ልክዕ 10 ዓመታት ቅድሚ እዚ ሕጂ ዘሎናዮ እዋን (21/01/2006) ንመበል 100 ዓመት ሓርበኛ ኣቦና ክቡር ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን (ጎሚዳ) ዝምልከት ጽሕፉ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ መደብ ሌላ ኣቕሪበ ነይረ። ነታ ሽዑ ዘዳለኹዋ ጽሕፍቲ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብ ፍላሽ ስካን ገይረ ሒዘያ ብምጽንሐይ ንኡሽቶ ምትዕርራይ ብምግባር ሕጂ እውን ብኣጋጣሚ መበል 110 ዓመት ዕረፍቶም ምኽንያት ብምግባር፡ ናብዚ ሓድሽ ወለዶ ከመሓላልፍ ክፍትን እየ እሞ፡ መኣረምታን ነቐፌታን እንተልዩ ብኽፉት ልቢ ዝቕበል ምዃነይ ኣቐዲመ ክሕብር እፈቱ።
ክቡር ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን (ጎሚዳ) ብ1823 ካብ ወላዲኦም ከንቲባ ሰሎሞን ከንቲባ ዘርኣይን ክብርቲ ወላዲቶም ወ/ሮ ኢለንን ኣብ ሃዘጋ ተወልዱ። ኣቦኦም ኣመሓዳሪ ዓዲ ብምንባሮም ድማ፡ ብግብሪን ካልእ መንገድታትን ብዝኣከቡዎ ብርክት ዝበለ ኣቕራሽ ብረት ዓዲጎም ከም ስርዓት ዓቀይቲ (ናይ ሓለዋ ወተሃደራት) ቆጺሮም እነብሩ ነበሩ እሞ፡ ጎሚዳ ገና ወዲ 16 ዓመት ዕድመ እንከሎ ድማ፡ ሓሚሞም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።
ድሕሪ ሞት ኣቡኦም፡ ጎሚዳን ዓቢ ሓዎምን ኣብ ቅርሕንቲ ኣተዉ እሞ፡ እቲ ጉዳይ ካኣ ንወላዲቶም ኣሸጋሪ ጉዳይ ኮነ። ኣቡኦም ከንቲባ ሰሎሞን ንቅርሕንቲ ደቆም ብምግንዛብ ካኣ ቅድሚ ሞቶም፡ ንዝነበሮም ኩሉ ብረት ኣይተ ወልደጋብር ንእተባህሉ (በዓል እምባደርሆ) ብሓደራ ኣረከቡዎ እሞ፡ ጎሚዳን ሓውን ካኣ ነተን ብረት ከረክቡዎም ንኣይተ ወልደጋብር ጸቕጢ ገበሩሎም። እንተኾነ ፍቓደኛ ኮይኖም ኣይተረኽቡን እሞ፡ ምፍጣት ሃዘጋን እምባደርሆን ድማ ጥርዚ በጽሐ።
ምስ ከምዚ ኩነታት ካኣ፡ ጎሚዳ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እምባደርሆ ምጽንጻን ቀጸለ እሞ፡ ሓደ ዕለት ንሓደ ተወላዲ እቲ ዓዲ ብምሓዝ ቀተሉዎ። እቲ ጉዳይ ድማ ጥርዚ በጽሐ እሞ፡ ህዝቢ እምባደርሆ ድማ፡ ነተን ብረት ንደቂ ከንትባ ሰሎሞን (ኣቦ ጎሚዳ ኣረከቡዎም)።
ብድሕሪ’ዚ ጎሚዳ ዓብላልነቱ ኣንጊሱ፡ ዙፋኑ ብምጥጣሕ፡ ገባሪ ህዝቢ ሚናበ ዘርኣይ (ከም ሃዘጋ፡ ዓዲያቆብ፡ ዓዲ ቆንጺ፡ ዓዲ ቢደልን ዓዲ መነይን) ዝኣመሰላ ኮነ እሞ፡ ኣካይድኡ ድማ፡ ንደግያት ሃይሉ ተወልደመድህን - ጸዓዘጋ (ኣመሓዳሪ ተክለ ዓገባ) ስግኣት ኮነ። ምፍጣጦም ጥርዚ በጺሑ ድማ ናብ ኲናት በጽሑ’ሞ፡ ሶኒ ንግደት ሚኪኤል መዓልቲ ብ1879፡ ኣብ ወኪዲባ ገጠሙ እሞ፡ ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን (ጎሚዳ) በዓል ሃዘጋ ድማ ተዓወተ። ደግያት ሃይሉ ድማ ኣብቲ ኲናት ተቐትሉ እሞ፡ ጎሚዳ ድማ፡ ማዕርግ ደግያት ሰቐለ።
እቲ ብመሪሕነት ኣቢሲንያ ተቐባልነት ዝነበሮ ደግያት ሃይሉ ኣብ ኲናት ብምስዓሩ፡ ንሃጸይ ዮሃንስ ዘቕስን ኮይኑ ኣይተረኽበን። ሃጸይ ዮሃንስ፡ ንራእሲ ኣሉላ ኣባነጋ ስጉምቲ ክወስደሉ ተሪር መልእኽቲ ብዘመሓላለፈሉ ካኣ፡ ራእሲ ኣሉላ ንራእሲ ባይሩ ሰራዊት ኣኽቲቱ፡ ነቲ ናይ ደግያት ማዕርግ በጺሑ ዝነበረ ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን (ጎሚዳ) ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከውዕሎ ለኣኾ።
እዚ ይኹን እምበር ጎሚዳ፡ መሓውራቱ ብምስፋሕ ንዳርጋ መላእ መረብ ምላሽ ኣብ ትሕቲ ቁጹጹሩ ብምውዓልን ካብ ብሄራት ትግርኛ፡ ትግረ፡ ብሌንን ሳሆን እተዋጽኡን ኣሽሓት ፈረሰኛታት፡ ከባቢ 4 ሽሕ ብረት ዝዓጠቑ ዝርከቡዎም ኣስታት 20 ሽሕ ሰራዊት ብምቕራብ ንግጥም ተዳለዉ። ኣብ ርእሲ እዚ’ውን ጎሚዳ፡ ሓደ ለበንስ ኤች ሚካኤል እተባህለ ፖርቱጋላዊ እውን ከም ኣማኻሪ ሰራዊቶም ብምግባር ንዝኾነ ግጥም ተቐረቡ።
ኩነታት ከምዚ ኢሉ እንከሎ ድማ፡ ራእሲ ባይሩ ኣሽሓት ሰራዊት ኣኻኺቦም መረብ ከም ዝሰገሩ ብመንገዲ ኣሃዱ ስለያ ጎሚዳ ተበጽሐ።
ጎሚዳ ካኣ ነቲ ኲናት ንምምካት ኣብ ሰለስተ ግምባራት ዕርዲ ብምሓዝ ንሰራዊት ኣበሲንያ ተጸበዮም።
ቀዳማይ ዕርዲ - ኣብ ዙርያ ናይቲ ጎሚዳ ብኣዛዝነት ዝምእክሎ ዝነበረ ጎቦ እምባ ጠቐራ (ዝባን ዓዲ ገብራይ)
ካልኣይ ዕርዲ - ብወገን መንጉዳ ዝኽርድን
ሳልሳይ ዕርዲ - ድሕሪ እዚ ክልተ ድፋዓት ናብ ክሳብ ከተማ ኣስመራ ዝዝርጋሕ
ኲናት ተጀሚሩ። እልቢ ዘይብሉ ህዝቢ እውን ሃሊቑ፡ እቶም ብራእሲ ኣሉላ ኣባነጋ እተላእኩ ራእሲ ባይሩ ድማ፡ ንቀዳማይን ካልኣይን ድፋዓት ጥሒሶም ክሳብ ከባቢ ኣስመራ በጽሑ። እቲ ጥምጥም ካኣ ካብ ከባቢ ሰምበል ክሳብ ፎርቶ ከምኡ’ውን ክሳብ ዓዲ ሶግዶን በጽሐ እሞ፡ ራእሲ ባይሩ ካኣ ብላታ ተስፉ ነጸራይ (በዓል ሕምብርቲ) ብዝእዝዞ ጉጅለ ሰራዊት ተቐትሉ። እቲ ኲናት ካኣ በዚ ዓቢ ፍጻሜ ኣብቀዐ።
እቶም ንደግያት ሃይሉ ኣብ ኲናት ወኪዲባ ብምስዓር ናይ ደግያት ማዕርግ እተሰለሙ ጎሚዳ ካኣ፡ ኣብዚ ዳሕረዋይ ግጥሞም እውን፡ ንራእሲ ባይሩ ብምስዓሮም ማዕርግ ራእሲ ተቐብኡ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ጎሚዳ ቅድም ክብል እውን ምስ ግብጻውያን ብምዃን ኣብ ኲናት ጉንደትን ጉራዕን ኣብ እተገብረ እውን ጎሊሖም ብምውጻእ ሚዛኖም ኣበሪኾም ብምንባሮም፡ ገስጋስ ጎሚዳ ንመራሒ ኣበሲንያ (ሃጸይ ዮሃንስ) ዘቕስን ኮይኑ ኣይተረኽበን። በዚ ኢሉ በቲ ካኣ ጎሚዳ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክውዕል ዳግማይ ሓበሬታ ናብ ራእሲ ኣሉላ ኣባነጋ ለኣኹ’ሞ፡ ራእሲ ኣሉላ፡ ነቲ ኣብቲ እዋን እቲ ኣንጻር ማህዲ ንዝግበር ዝነበረ ግጥማት ብሓባር መታን ክንምክት ብሃጸይ ዮሃንስ ተዓዲምኩም ኣሎኹም ብምባል ቡስጣ ኣቐበሉዎም።
ጎሚዳ ድማ በዚ ውዕል እዚ ንምዝርራብ ብ1879 ናብ ትግራይ ኣምርሑ። ብኡ ኣቢሎም ድማ ተኣሲሮም ተረፉ’ሞ፡ ራእሲ ኣሉላ ኣባነጋ ድማ፡ ኣመሓዳሪ ኤርትራ ብምዃን ኣብ ከተማ ኣስመራ ቤት ጽሕፈት ኣጣዪሾም ስርሖም ፈለሙ።
መሪሕነት ጎሚዳን ሃገረ መረብ ምላሽን ካኣ ብእኡ ኣብቀዐ። ህዝቢ መረብ ምላሽ (ኤርትራ) ካኣ ንራእሲ ኣሉላ ክግብር ጀመረ’ሞ፡ ብብዙሕ ግጥምታትን ማሰተታትን ካኣ ክቑዝም ጀመረ። ሓንቲ ካብተን ህዝቢ ኤርትራ ዘቖዙመለን ዝነበረ ማሰታት ከምዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ነበራ።
ኣንታ ጎሚዳ!
ሰረወታይ’ዶ ኢሉካ ኣይከትትን
ከለጉዘታይ’ዶ ኢሉካ ኣይከትትን
ባርካታይ’ዶ ኢሉካ ኣይከትትን
ሓማሴናይ’ዶ ኢሉካ ኣይከትትን
መንስዓታይ’ዶ ኢሉካ ኣይከትትን
ሳሆታይ’ዶ ኢሉካ ኣይከትትን
ትግረታይ’ዶ ኢሉካ ኣይከትትን
ክትረክብ ክትስእን ግዳ ዘይትፍትን
እንተሒሹካ’ስ ሕጂ ረኸብካያ ንመዋእልካ ክትቁዝም ከተስተንትን
ስዒቡ ዝመጸ ፍጻሜ፡ ወራር ኢጣልያ ንኤርትራ እዩ። ካብ 1869 ኣትሒዙ ዝጀመረ ፍሑኽታ ጠላይን ካኣ ብ1885 ባጽዕ በጽሐ እሞ፡ እቲ ኩነታት ካኣ ብ1887 ናብ ርኡይ ረጽሚ ሰራዊት ራእሲ ኣሉላን ጠላይንን ኣብ ዶግዓሊ ኣምረሐ። እቲ ኲናት ካኣ ብዓወት ራእሲ ኣሉላ ተፈጸመ። እንተኾነ ራእሲ ኣሉላ ተዓዊቶም ከብቅዑ፡ ሰራዊቶም ኣሰንዮም ናብ ከበሳ ኣዝለቑ’ሞ፡ ጠላይን ካኣ ናብ ማእከል ኤርትራ ብቐሊሉ ከስፋሕፍሑ ካኣሉ።
ብ1889 ካኣ ጠላይን ነቲ ከተማ ከረን ቤት ጽሕፈቱ ብምግባር ኣንጻር ራእሲ ኣሉላ ዝገጥም ዝነበረን ድሕሪ ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን (ጎሚዳ) ሃገር ከመሓድር ትጽቢት ተነቢሩሉ ዝነበረን በለምባራስ ካፍል ንበረኻ ወፊሩ ኣብ ዝነበረሉ ኣጋጣሚ ንከረን ሓዙዋ። ኣብቲ ዓመት እቲ ድማ፡ ድሕሪ’ቶም ኣንጻር ማህዳውያን ኣብ እተገብረ ኲናት ኣብ መተማ እተቐትሉ ሃጸይ ዮሃንስ መሪሕነት ኣበሲንያ ተረኪቦም ዝነበሩ ሃጸይ ምኒሊክን ጠላይንን ኣብ ውጫለ ውዕል ተገብረ እሞ፡ ሃጸይ ምነሊክ ድማ፡ ንግዝኣት ኢጣልያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተቐበሉ።
ባሕቲ ጥሪ 1890 ካኣ፡ ጥልያን ኣስመራ ዝርእሰ ከተማኣ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽራ ከም ዝኣተወት ንዓለም ኣወጀት።
እንተኾነ ሸውሃት ጠላይን በዚ ኣየብቀዐን። ምስፍሕፍሖም ብምቕጻል ብ1896 መረብ ብምስጋር ምስ ሰራዊት ሃጸይ ምኔሊክ ኲናት ንምግጣም ኣብ ምሽብሻብ ተጸምዱ እሞ፡ ሃጸይ ምኒሊክ ድማ፡ ነቲ ኲናት ብዓወት ንምውጻእ ኣሎ ዘበለ ምድላዋት ዓቕሚ ሰብ ገበሩ። በዚ ኣጋጣሚ ካኣ፡ እዞም በዚ ሎሚ ዕለት መበል 110 ዕረፍቶም ብኽብሪ እንዝክሮም ዘሎናን ኣብቲ ግዜ’ቲ ድማ፡ ኣብ እምባሰላማ ተሓዪሮም ዝነበሩ ሓርበኛ ኣቦና ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን (ጎሚዳ) ዝርከቦም ከም ደጀዝማች ሃይሉ ኣበራ፡ ድሒሮም ማዕርግ ራእሲ እተቐብኡ ‘ራእሲ ተሰማ ኣስበሮም’ (ማዕረባ)ን ካልኦት ኤርትራውያን ድማ ወገን ሰራዊት ኢትዮጵያ ብምዃን ኣብቲ ኲናት ብምስታፍ ወሳኒ ተራ ተጻወቱ።
10 ዓመት ድሕሪ ኲናት ዓድዋ ካኣ፡ ጎሚዳ እታ ዝምነዩዋ ዝነበሩ ስምርትን ስልጥንት ኤርትራ መጻወቲ እተፈላለዩ ገዛእቲ ሓይልታት ብምዃን ህዝባ ግዳይ ሞትን ከርፋሕ ናብራን ክኸውን ምብቅዑ ብዝወረዶም ጭንቀትን ሓሳብን ተበሊዖም፡ ሰፈር ጓህን ሕርቃንን ኮኑ እሞ፡ ኣብ መበል 83 ዓመት ዕድሚኦም ድማ፡ ኣብ ኣኽሱም ዓረፉ።
R.I.P Raesi Woldemichael Selomon (Gomida) (Embi Yale Weldu)
1823-1906
ዝበዝሕ ምንጪ - መጽሓፍ ዛንታ ህይወት - ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን (ጎሚዳ)
ብመምህር ይስሓቕ ዮሴፍ
ዕላል ምስ ኣቶ ድራጎን ሃይለመለኮት ራእሲ ወልደሚካኤል (ወዲ ወዶም ንጎሚዳ)

ኣስመራ source Raesi Woldemichael Solomon

20 ግንቦት 1878 ልዕሊ 20 ሽሕ ዝተገመተ ወራሪ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ፎርቶ፡ ጸጸራት፡ ቤት መኻእ፡ ሓዝሓዝ፡ ሰምበልን ዓዲ ሶግዶን ኣብ እተገብረ ሰፊሕን ናይ ሞትን ሕየትን ውግእ ምሉእ ብምሉእ ተደምሲሱ ብዓወት ኤርትራውያን ዝተፈጸመትላ

ወይዘሮ ኢለን ሓጎስ ሰይቲ ከንቲባ ሰሎሞን ገብራይ ማለት ኣደ ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን (ጎሚዳ) ኮይነን፡ በዓል ቤተን ኣብ 1851 ድሕሪ ምዕራፎም፡ ባዕለን መራሒት ጥንታዊት ሃገረ ሓማሴን (ምድረ ባሕሪ) ንምዃን ቆሪጸን እተላዕላ ነበራ፡፡ ብምሉኦም ኣጓብዝ ዛግርን ከባቢኡን ብምኽታት ካኣን ኣንጻር ዓዲ ተከሌዛንን ኣብ ዓዲዜን ብምውጋእ ክዕወታ ምኻኣለን ብጽሑፍ ዝሰፈረ ታሪኽ ህይወተን የነጽረልና፡፡
ወይዘሮ ኢለን ኣብ ዳሕራይ ውግእ ኣንጻር ጸዓዘጋ እውን ወደን ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን ኣኽቲተን ኣብ ምስጓግ እንደገና ውግእ ገጠማ። ኣብዚ ዳሕራይ ውግእ ግና ተሳዕራ እሞ፡ እንደገና ሰራዊተን ኣብ ምምልማል ብምእታው ክሳዕ ወደን ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን ስልጣን ዝርከበን ሃገረንን ህዝበን ባዕለን ኣብ ምምራሕ ነበራ።
መወዳእትኡ ብጸዓዘጋ ምስ ተሳዕራ ግና፡ ከንቲባ ጊለት (ዓዲ ተከሌዛን) ንወይዘሮ ኢለንን ሓደ ህጻን ወዲ ራእሲ ወልደሚካኤልን ሓደ ድማ ወዲ ደግያት መርእድን ማለት ምስ ክልተ ደቂ ደቀን ካብ ተዓቚቦናሉ ዝነበራሉ ከንቲባ በኺት ተረኪቡ ቀተለን። source Raesi Woldemichael Solomon

 

ወይዘሮ ጥሩ
ጓል ክቡር መራሒና ነበር
ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን እዚኤን ነበራ።

እቲ ፍሉጥ ዓስከርን ተዋጋኣይን ራእሲ ወልደሚካኤል ዝነበረ ንጉሰ ወዲ እልፉ፡ ኣብ ደምሰብኣይ ምስ ኣምበሳ ገጢሙ ብሴፍ መቲሩ ርእሲ ኣምበሳ ናብ ራእሲ ወልደሚካኤል ከም ህያብ ድሕሪ ምብርካቱ'ዩ ኣብ ዓይኒ ራእሲ ንምእታው ዝበቐዐ። በዚ ምኽንያት ካኣ፡ ኣሽሓት ወተሃደራት ራእሲ ወልደሚካኤል መሪሑ ኣብ ጉንደት ኣንጻር ግብጻውያን ክዋጋእ ሓላፍነት ተዋህቦ።
ወዲ እልፉ ብእተነብረሉ እምነት መሰረት ጎብለል ኲናት ጉንደት ሕዳር 1875 ኮይኑ ብምውዓሉ እተመሰጡ ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን ድማ፡ ኣብቲ ናይ ዓወቶም ከብካብ፡ ንወዲ እልፉ፡
".....ወዲ እልፉ፡ ብጅግንነትካ እምብዛ ተመሲጠ'የ እሞ፡ ካባይ እንታይ ትደሊ!" ብምባል ሓተቱዎ።
ወዲ እልፉ ድማ፡ ኣዝዩ ደፋርን ተባዕን ብምንባሩ ብድፍረት "......ንጥሩ ጓልኩም ሂብኩም ዓደቦይ ከመሓድር ሸይሙኒ!" በሎም።
ላዕለዎት ሹማምንትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ራእሲ ወልደሚካኤል፡ ብድፍረት ወዲ እልፉ ተገሪሞም፡ ብሰሓቕ ክርትም በሉ፡፡
ራእሲ ወልደሚካኤል ድማ፡ "....እንታይ ኮይንኩም ትስሕቁ! ዘይግቦኦ ኣይሓተተን። ሃየ ወዲ እልፉ ካብዘን ደቀይ መሪጽካ ውሰድ፡ ዓስቢ ጂግንነትካ እውን ማዕርግ ደግያት ሂበ ዓደቦኻ ከተመሓድር ሸይመካ ኣሎኹ!" በሉዎ።
ወዲ እልፉ ንወይዘሮ ጥሩ መሪጹ፡ ናብ ፈረሱ ብምስቃል ዓደቡኡ ንምምሕዳር ንእተዋህቦኦ 100 ሰናድር'ውን ጽዒኑ ካብ ሃዘጋ ተላዒሉ ናብ ኮዓቲት ኣምረሐ።
ብኡ ንብኡ ድማ ንዓደቡኡ ኣኪቡ፡ ብራእሲ ወልደሚካኤል ንእተዋህቦ መዝነት ንዓደቡኡ ሓበሮም። ዓደቡኡ ድማ ብሓጎስ ተቐበሉዎ። እንተኾነ ወዲ እልፉ ምስ ዓደቡኡ ብብዙሕ ምኽንያታት እናተሰሓሓበ መጸ። ምስሕሓቡ ናብ ውግእ ብምዕራጉ ድማ፡ ዓደቡኡ ውግእ ገጢሞሙሉ። ኣብቲ ውግእ'ውን ሞተ።
ራእሲ ወልደሚካኤል ብሞት ወዲ እልፉ እምብዛ ምሕዛኖም እምበር፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ህዝቢ ዝወሰዱዎ ስጉምቲ ከም ዘይነበረ'ዩ ዝዝንቶ።
እንተ ጓሎም ወይዘሮ ጥሩ ግዳ፡ በዓል ቢተን ደግያት ንጉሰ ወዲ እልፉ ብምዕራፉ ሓያም ኮይነን ተረፋ። ዳሕራይ ግና ኣብ ወቐርቲ ኣትየን ከም እተፋረያ ብመጽናዕቲ እተረጋገጸ ጽሑፋት የረድእ።

source Raesi Woldemichael Solomon

  ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com