ዝኽሪ መበል 110 ዓመት ዕረፍቲ ክቡር ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን (ጎሚዳ)
RAESI WOLDEMICHAEL SOLOMON ZERAI 1823-21/01/1906
The Last Hero & Governor Of Mereb Melash (Eritrea)
Marks A 110 Years of His Death
ልክዕ 10 ዓመታት ቅድሚ እዚ ሕጂ ዘሎናዮ እዋን (21/01/2006) ንመበል 100 ዓመት ሓርበኛ ኣቦና ክቡር ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን (ጎሚዳ) ዝምልከት ጽሕፉ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ መደብ ሌላ ኣቕሪበ ነይረ። ነታ ሽዑ ዘዳለኹዋ ጽሕፍቲ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብ ፍላሽ ስካን ገይረ ሒዘያ ብምጽንሐይ ንኡሽቶ ምትዕርራይ ብምግባር ሕጂ እውን ብኣጋጣሚ መበል 110 ዓመት ዕረፍቶም ምኽንያት ብምግባር፡ ናብዚ ሓድሽ ወለዶ ከመሓላልፍ ክፍትን እየ እሞ፡ መኣረምታን ነቐፌታን እንተልዩ ብኽፉት ልቢ ዝቕበል ምዃነይ ኣቐዲመ ክሕብር እፈቱ።
ክቡር ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን (ጎሚዳ) ብ1823 ካብ ወላዲኦም ከንቲባ ሰሎሞን ከንቲባ ዘርኣይን ክብርቲ ወላዲቶም ወ/ሮ ኢለንን ኣብ ሃዘጋ ተወልዱ። ኣቦኦም ኣመሓዳሪ ዓዲ ብምንባሮም ድማ፡ ብግብሪን ካልእ መንገድታትን ብዝኣከቡዎ ብርክት ዝበለ ኣቕራሽ ብረት ዓዲጎም ከም ስርዓት ዓቀይቲ (ናይ ሓለዋ ወተሃደራት) ቆጺሮም እነብሩ ነበሩ እሞ፡ ጎሚዳ ገና ወዲ 16 ዓመት ዕድመ እንከሎ ድማ፡ ሓሚሞም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።
ድሕሪ ሞት ኣቡኦም፡ ጎሚዳን ዓቢ ሓዎምን ኣብ ቅርሕንቲ ኣተዉ እሞ፡ እቲ ጉዳይ ካኣ ንወላዲቶም ኣሸጋሪ ጉዳይ ኮነ። ኣቡኦም ከንቲባ ሰሎሞን ንቅርሕንቲ ደቆም ብምግንዛብ ካኣ ቅድሚ ሞቶም፡ ንዝነበሮም ኩሉ ብረት ኣይተ ወልደጋብር ንእተባህሉ (በዓል እምባደርሆ) ብሓደራ ኣረከቡዎ እሞ፡ ጎሚዳን ሓውን ካኣ ነተን ብረት ከረክቡዎም ንኣይተ ወልደጋብር ጸቕጢ ገበሩሎም። እንተኾነ ፍቓደኛ ኮይኖም ኣይተረኽቡን እሞ፡ ምፍጣት ሃዘጋን እምባደርሆን ድማ ጥርዚ በጽሐ።
ምስ ከምዚ ኩነታት ካኣ፡ ጎሚዳ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እምባደርሆ ምጽንጻን ቀጸለ እሞ፡ ሓደ ዕለት ንሓደ ተወላዲ እቲ ዓዲ ብምሓዝ ቀተሉዎ። እቲ ጉዳይ ድማ ጥርዚ በጽሐ እሞ፡ ህዝቢ እምባደርሆ ድማ፡ ነተን ብረት ንደቂ ከንትባ ሰሎሞን (ኣቦ ጎሚዳ ኣረከቡዎም)።
ብድሕሪ’ዚ ጎሚዳ ዓብላልነቱ ኣንጊሱ፡ ዙፋኑ ብምጥጣሕ፡ ገባሪ ህዝቢ ሚናበ ዘርኣይ (ከም ሃዘጋ፡ ዓዲያቆብ፡ ዓዲ ቆንጺ፡ ዓዲ ቢደልን ዓዲ መነይን) ዝኣመሰላ ኮነ እሞ፡ ኣካይድኡ ድማ፡ ንደግያት ሃይሉ ተወልደመድህን - ጸዓዘጋ (ኣመሓዳሪ ተክለ ዓገባ) ስግኣት ኮነ። ምፍጣጦም ጥርዚ በጺሑ ድማ ናብ ኲናት በጽሑ’ሞ፡ ሶኒ ንግደት ሚኪኤል መዓልቲ ብ1879፡ ኣብ ወኪዲባ ገጠሙ እሞ፡ ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን (ጎሚዳ) በዓል ሃዘጋ ድማ ተዓወተ። ደግያት ሃይሉ ድማ ኣብቲ ኲናት ተቐትሉ እሞ፡ ጎሚዳ ድማ፡ ማዕርግ ደግያት ሰቐለ።
እቲ ብመሪሕነት ኣቢሲንያ ተቐባልነት ዝነበሮ ደግያት ሃይሉ ኣብ ኲናት ብምስዓሩ፡ ንሃጸይ ዮሃንስ ዘቕስን ኮይኑ ኣይተረኽበን። ሃጸይ ዮሃንስ፡ ንራእሲ ኣሉላ ኣባነጋ ስጉምቲ ክወስደሉ ተሪር መልእኽቲ ብዘመሓላለፈሉ ካኣ፡ ራእሲ ኣሉላ ንራእሲ ባይሩ ሰራዊት ኣኽቲቱ፡ ነቲ ናይ ደግያት ማዕርግ በጺሑ ዝነበረ ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን (ጎሚዳ) ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከውዕሎ ለኣኾ።
እዚ ይኹን እምበር ጎሚዳ፡ መሓውራቱ ብምስፋሕ ንዳርጋ መላእ መረብ ምላሽ ኣብ ትሕቲ ቁጹጹሩ ብምውዓልን ካብ ብሄራት ትግርኛ፡ ትግረ፡ ብሌንን ሳሆን እተዋጽኡን ኣሽሓት ፈረሰኛታት፡ ከባቢ 4 ሽሕ ብረት ዝዓጠቑ ዝርከቡዎም ኣስታት 20 ሽሕ ሰራዊት ብምቕራብ ንግጥም ተዳለዉ። ኣብ ርእሲ እዚ’ውን ጎሚዳ፡ ሓደ ለበንስ ኤች ሚካኤል እተባህለ ፖርቱጋላዊ እውን ከም ኣማኻሪ ሰራዊቶም ብምግባር ንዝኾነ ግጥም ተቐረቡ።
ኩነታት ከምዚ ኢሉ እንከሎ ድማ፡ ራእሲ ባይሩ ኣሽሓት ሰራዊት ኣኻኺቦም መረብ ከም ዝሰገሩ ብመንገዲ ኣሃዱ ስለያ ጎሚዳ ተበጽሐ።
ጎሚዳ ካኣ ነቲ ኲናት ንምምካት ኣብ ሰለስተ ግምባራት ዕርዲ ብምሓዝ ንሰራዊት ኣበሲንያ ተጸበዮም።
ቀዳማይ ዕርዲ - ኣብ ዙርያ ናይቲ ጎሚዳ ብኣዛዝነት ዝምእክሎ ዝነበረ ጎቦ እምባ ጠቐራ (ዝባን ዓዲ ገብራይ)
ካልኣይ ዕርዲ - ብወገን መንጉዳ ዝኽርድን
ሳልሳይ ዕርዲ - ድሕሪ እዚ ክልተ ድፋዓት ናብ ክሳብ ከተማ ኣስመራ ዝዝርጋሕ
ኲናት ተጀሚሩ። እልቢ ዘይብሉ ህዝቢ እውን ሃሊቑ፡ እቶም ብራእሲ ኣሉላ ኣባነጋ እተላእኩ ራእሲ ባይሩ ድማ፡ ንቀዳማይን ካልኣይን ድፋዓት ጥሒሶም ክሳብ ከባቢ ኣስመራ በጽሑ። እቲ ጥምጥም ካኣ ካብ ከባቢ ሰምበል ክሳብ ፎርቶ ከምኡ’ውን ክሳብ ዓዲ ሶግዶን በጽሐ እሞ፡ ራእሲ ባይሩ ካኣ ብላታ ተስፉ ነጸራይ (በዓል ሕምብርቲ) ብዝእዝዞ ጉጅለ ሰራዊት ተቐትሉ። እቲ ኲናት ካኣ በዚ ዓቢ ፍጻሜ ኣብቀዐ።
እቶም ንደግያት ሃይሉ ኣብ ኲናት ወኪዲባ ብምስዓር ናይ ደግያት ማዕርግ እተሰለሙ ጎሚዳ ካኣ፡ ኣብዚ ዳሕረዋይ ግጥሞም እውን፡ ንራእሲ ባይሩ ብምስዓሮም ማዕርግ ራእሲ ተቐብኡ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ጎሚዳ ቅድም ክብል እውን ምስ ግብጻውያን ብምዃን ኣብ ኲናት ጉንደትን ጉራዕን ኣብ እተገብረ እውን ጎሊሖም ብምውጻእ ሚዛኖም ኣበሪኾም ብምንባሮም፡ ገስጋስ ጎሚዳ ንመራሒ ኣበሲንያ (ሃጸይ ዮሃንስ) ዘቕስን ኮይኑ ኣይተረኽበን። በዚ ኢሉ በቲ ካኣ ጎሚዳ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክውዕል ዳግማይ ሓበሬታ ናብ ራእሲ ኣሉላ ኣባነጋ ለኣኹ’ሞ፡ ራእሲ ኣሉላ፡ ነቲ ኣብቲ እዋን እቲ ኣንጻር ማህዲ ንዝግበር ዝነበረ ግጥማት ብሓባር መታን ክንምክት ብሃጸይ ዮሃንስ ተዓዲምኩም ኣሎኹም ብምባል ቡስጣ ኣቐበሉዎም።
ጎሚዳ ድማ በዚ ውዕል እዚ ንምዝርራብ ብ1879 ናብ ትግራይ ኣምርሑ። ብኡ ኣቢሎም ድማ ተኣሲሮም ተረፉ’ሞ፡ ራእሲ ኣሉላ ኣባነጋ ድማ፡ ኣመሓዳሪ ኤርትራ ብምዃን ኣብ ከተማ ኣስመራ ቤት ጽሕፈት ኣጣዪሾም ስርሖም ፈለሙ።
መሪሕነት ጎሚዳን ሃገረ መረብ ምላሽን ካኣ ብእኡ ኣብቀዐ። ህዝቢ መረብ ምላሽ (ኤርትራ) ካኣ ንራእሲ ኣሉላ ክግብር ጀመረ’ሞ፡ ብብዙሕ ግጥምታትን ማሰተታትን ካኣ ክቑዝም ጀመረ። ሓንቲ ካብተን ህዝቢ ኤርትራ ዘቖዙመለን ዝነበረ ማሰታት ከምዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ነበራ።
ሰረወታይ’ዶ ኢሉካ ኣይከትትን
ከለጉዘታይ’ዶ ኢሉካ ኣይከትትን
ባርካታይ’ዶ ኢሉካ ኣይከትትን
ሓማሴናይ’ዶ ኢሉካ ኣይከትትን
መንስዓታይ’ዶ ኢሉካ ኣይከትትን
ሳሆታይ’ዶ ኢሉካ ኣይከትትን
ትግረታይ’ዶ ኢሉካ ኣይከትትን
ክትረክብ ክትስእን ግዳ ዘይትፍትን
እንተሒሹካ’ስ ሕጂ ረኸብካያ ንመዋእልካ ክትቁዝም ከተስተንትን
ስዒቡ ዝመጸ ፍጻሜ፡ ወራር ኢጣልያ ንኤርትራ እዩ። ካብ 1869 ኣትሒዙ ዝጀመረ ፍሑኽታ ጠላይን ካኣ ብ1885 ባጽዕ በጽሐ እሞ፡ እቲ ኩነታት ካኣ ብ1887 ናብ ርኡይ ረጽሚ ሰራዊት ራእሲ ኣሉላን ጠላይንን ኣብ ዶግዓሊ ኣምረሐ። እቲ ኲናት ካኣ ብዓወት ራእሲ ኣሉላ ተፈጸመ። እንተኾነ ራእሲ ኣሉላ ተዓዊቶም ከብቅዑ፡ ሰራዊቶም ኣሰንዮም ናብ ከበሳ ኣዝለቑ’ሞ፡ ጠላይን ካኣ ናብ ማእከል ኤርትራ ብቐሊሉ ከስፋሕፍሑ ካኣሉ።
ብ1889 ካኣ ጠላይን ነቲ ከተማ ከረን ቤት ጽሕፈቱ ብምግባር ኣንጻር ራእሲ ኣሉላ ዝገጥም ዝነበረን ድሕሪ ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን (ጎሚዳ) ሃገር ከመሓድር ትጽቢት ተነቢሩሉ ዝነበረን በለምባራስ ካፍል ንበረኻ ወፊሩ ኣብ ዝነበረሉ ኣጋጣሚ ንከረን ሓዙዋ። ኣብቲ ዓመት እቲ ድማ፡ ድሕሪ’ቶም ኣንጻር ማህዳውያን ኣብ እተገብረ ኲናት ኣብ መተማ እተቐትሉ ሃጸይ ዮሃንስ መሪሕነት ኣበሲንያ ተረኪቦም ዝነበሩ ሃጸይ ምኒሊክን ጠላይንን ኣብ ውጫለ ውዕል ተገብረ እሞ፡ ሃጸይ ምነሊክ ድማ፡ ንግዝኣት ኢጣልያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተቐበሉ።
ባሕቲ ጥሪ 1890 ካኣ፡ ጥልያን ኣስመራ ዝርእሰ ከተማኣ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽራ ከም ዝኣተወት ንዓለም ኣወጀት።
እንተኾነ ሸውሃት ጠላይን በዚ ኣየብቀዐን። ምስፍሕፍሖም ብምቕጻል ብ1896 መረብ ብምስጋር ምስ ሰራዊት ሃጸይ ምኔሊክ ኲናት ንምግጣም ኣብ ምሽብሻብ ተጸምዱ እሞ፡ ሃጸይ ምኒሊክ ድማ፡ ነቲ ኲናት ብዓወት ንምውጻእ ኣሎ ዘበለ ምድላዋት ዓቕሚ ሰብ ገበሩ። በዚ ኣጋጣሚ ካኣ፡ እዞም በዚ ሎሚ ዕለት መበል 110 ዕረፍቶም ብኽብሪ እንዝክሮም ዘሎናን ኣብቲ ግዜ’ቲ ድማ፡ ኣብ እምባሰላማ ተሓዪሮም ዝነበሩ ሓርበኛ ኣቦና ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን (ጎሚዳ) ዝርከቦም ከም ደጀዝማች ሃይሉ ኣበራ፡ ድሒሮም ማዕርግ ራእሲ እተቐብኡ ‘ራእሲ ተሰማ ኣስበሮም’ (ማዕረባ)ን ካልኦት ኤርትራውያን ድማ ወገን ሰራዊት ኢትዮጵያ ብምዃን ኣብቲ ኲናት ብምስታፍ ወሳኒ ተራ ተጻወቱ።
10 ዓመት ድሕሪ ኲናት ዓድዋ ካኣ፡ ጎሚዳ እታ ዝምነዩዋ ዝነበሩ ስምርትን ስልጥንት ኤርትራ መጻወቲ እተፈላለዩ ገዛእቲ ሓይልታት ብምዃን ህዝባ ግዳይ ሞትን ከርፋሕ ናብራን ክኸውን ምብቅዑ ብዝወረዶም ጭንቀትን ሓሳብን ተበሊዖም፡ ሰፈር ጓህን ሕርቃንን ኮኑ እሞ፡ ኣብ መበል 83 ዓመት ዕድሚኦም ድማ፡ ኣብ ኣኽሱም ዓረፉ።
R.I.P Raesi Woldemichael Selomon (Gomida) (Embi Yale Weldu)
ዝበዝሕ ምንጪ - መጽሓፍ ዛንታ ህይወት - ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን (ጎሚዳ)
ብመምህር ይስሓቕ ዮሴፍ
ዕላል ምስ ኣቶ ድራጎን ሃይለመለኮት ራእሲ ወልደሚካኤል (ወዲ ወዶም ንጎሚዳ)
ኣስመራ source Raesi Woldemichael Solomon
20 ግንቦት 1878 ልዕሊ 20 ሽሕ ዝተገመተ ወራሪ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ፎርቶ፡ ጸጸራት፡ ቤት መኻእ፡ ሓዝሓዝ፡ ሰምበልን ዓዲ ሶግዶን ኣብ እተገብረ ሰፊሕን ናይ ሞትን ሕየትን ውግእ ምሉእ ብምሉእ ተደምሲሱ ብዓወት ኤርትራውያን ዝተፈጸመትላ
ወይዘሮ ኢለን ሓጎስ ሰይቲ ከንቲባ ሰሎሞን ገብራይ ማለት ኣደ ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን (ጎሚዳ) ኮይነን፡ በዓል ቤተን ኣብ 1851 ድሕሪ ምዕራፎም፡ ባዕለን መራሒት ጥንታዊት ሃገረ ሓማሴን (ምድረ ባሕሪ) ንምዃን ቆሪጸን እተላዕላ ነበራ፡፡ ብምሉኦም ኣጓብዝ ዛግርን ከባቢኡን ብምኽታት ካኣን ኣንጻር ዓዲ ተከሌዛንን ኣብ ዓዲዜን ብምውጋእ ክዕወታ ምኻኣለን ብጽሑፍ ዝሰፈረ ታሪኽ ህይወተን የነጽረልና፡፡
ወይዘሮ ኢለን ኣብ ዳሕራይ ውግእ ኣንጻር ጸዓዘጋ እውን ወደን ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን ኣኽቲተን ኣብ ምስጓግ እንደገና ውግእ ገጠማ። ኣብዚ ዳሕራይ ውግእ ግና ተሳዕራ እሞ፡ እንደገና ሰራዊተን ኣብ ምምልማል ብምእታው ክሳዕ ወደን ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን ስልጣን ዝርከበን ሃገረንን ህዝበን ባዕለን ኣብ ምምራሕ ነበራ።
መወዳእትኡ ብጸዓዘጋ ምስ ተሳዕራ ግና፡ ከንቲባ ጊለት (ዓዲ ተከሌዛን) ንወይዘሮ ኢለንን ሓደ ህጻን ወዲ ራእሲ ወልደሚካኤልን ሓደ ድማ ወዲ ደግያት መርእድን ማለት ምስ ክልተ ደቂ ደቀን ካብ ተዓቚቦናሉ ዝነበራሉ ከንቲባ በኺት ተረኪቡ ቀተለን። source
Raesi Woldemichael Solomon