ሰለስተ
መማህራን ተኣሲሮም
ካብ ዝሓለፈ ቅነ ጀሚሩ ኣባላት
ረድዮ ባና ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝኣተዉ ዝፍለጥ እዩ። ጥኑሳት ኣይገደፈ ወጻእተኛታት፣
ብዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ኣሲሩ፣ በብሓደ ድሕሪ ብዙሕ ምርመራ ገለ ወጻእተኛታት ከምዝለቐቐ ይዝከር።
እቲ ናይ ምእሳር መስርሕ ግና ገና ይቕጽል እዩ ዘሎ። ምኽኒያት መእሰሪ ኣባላት ረድዮ ባና ክሳብ ሕጂ ንጹር
እኳ እንተዘየለ፣ ብዝተኣሳሰረ ጉዳይ ግን ሰለስተ መማህራን ተኣሲሮም ኣለዉ።
እዞም ብዕለት 3/03/09 ብሃንደበት ካብ ገዝኦም ዝተወስዱ መማህራን ‘’ምስ ረድዮ ባና ምትእስሳር ኣለኩም’’
ተባሂሎም ምዃኖም ምንጭታት ኤሪትረያ ዎች ሓቢሮም።
እዞም ናይ ስራሕ ቦትኦም ኣብ ባረንቱ ዝኾነ ሰለስተ መማህራን፣ እዞም ዝስዕቡ እዮም።
- ተመስገን ተስፋጼን
- ዓብዱራሕማን ማሕሙድ
- ዳንኤል ስባህቱ
ኣብዛ ገፋሕ ቤት ማእሰርቲ ኮይና ዘላ ኤርትራ፣ ብዘይ ፍርዲ ካብኡ ሓሊፉ ብዘይምኽኒያት ዜጋታት ምእሳር
ከም ተራ መዓልታዊ ስራሕ ህግደፍ ኮይኑ ኣሎ።
Posted: 06/03/09
<back
Home next>