ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ብተላገብቲ ሕማማት ይሳቐዩ

Monday, 21 June 2010 12:14 administrator
E-mail Print PDF

ኣብ ከባቢ መፈተሺ ንቑጣ መንደፈራ-ዓረዛ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ እሱራት፣ ብዝተፈላለዩ ተላገብቲ ሕማማት ይሳቐዩ ከምዘለዉ፣ ልኡኽ ሬድዮ ኤረና ሓቢሩ።
ብፍላይ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ እዋናት ምልክታት ሕማም ቆርበት ዘለዎ ተላባዒ ሕማም ብዘምጸኦ ሳዕቤን፣ ብዙሓት እሱራት ይሳቐዩ ከምዘለዉን፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ሰለስተ ከምዝሞቱን ልኡኽና ብተወሳኺ ሓቢሩ።
እቶም ዝሞቱ እሱራት፣ ገራሪ ገያ ዕድመ 34 ዓመት፣ ኪኒ ሉዊጂ ዕድመ 37 ክልቲኦም ካብ ብሄረ ኩናማ ክኾኑ እንከለዉ፣ እቲ ሳልሳይ፣ ሳሙኤል ጸጋይ ዝተባህለ ወዲ 22 ዓመት ከኣ ኣባል ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ እዩ።
እዚ ኣብ እሱራት ኮነ ኣባላት ሓለዋ እቲ ቤት ማእሰርቲ ኣሰካፊ ጉዳይ ኮይኑ ዘሎ ተላባዒ ሕማም ቆርበት፣ ካብ ዝጅምር ድሮ ክልተ ኣዋርሕ ኣሕሊፉ እኳ እንተሎ፣ ብዘይካ ቀዳማይ ረዲኤት ካልእ ዝረኸብዎ ሕክምናዊ ሓገዝ ከምዘይብሎም ተፈሊጡ።
ካብ ሓለዋ እቲ ቤት ማእሰርቲ እውን ሰለስተ ኣባላት፣ በቲ ሕማም ተለኺፎም ኣለዉ።
ኣብዚ ብቑዕ ሕክምናዊ ኣገልግሎትን ግቡእ ኣመጋግባን ይትረፍ፣ ንጹህ ኣየር ንምስትንፋስ እውን ብዓቐን፣ ብናይ ጩራ ብርሃን ዝኣቱ እንተዘይኮኑ እኹል መእተዊ ንፋስ ኣብ ዘይብሉ ተኣሲሮም ዘለዉ ዜጋታት፣ እቲ ተላባዒ ሕማም እናገደደ ክኸይድ ከምዝኽእል ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን ክብል ልኡኽና ብተወሳኺ ሓቢሩ።
ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ብጠቕላላ 186 ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል 55 ድማ ሰላማውያን ሰባት ዝርከቡ ክኾኑ እንከለዉ፣ ኣብ ሰሙን ሓንሳብ ጥራይ ኣካላቶም ክሕጸቡ ይፍቀደሎም።

Source http://erena.org/index.php?option=com_content&view=article&id=461:2010-06-21-11-16-41&catid=71:zena-ertra&Itemid=263