ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ : 6 ይ ክፋል - ብ ኣለና

Friday, 22 October 2010 00:08
Print PDF

Eritreaኣብ ሓሙሻይ ክፋል ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ ኣትየዮ ብዝነበርኩ መብጽዓ፣ ቅንጸላ Ibrahim afaተጋዳላይ ኢብራሂም ዓፋ ብዓቕመይ ክትርኽ እየ።

 

ካብቲ ብዓበይቲ ደንጎላታት ተደብዲቡ ዝነበረ ምስጢራት ኢሳይያስ፣ ሓንቲ እምኒ ጥራይ እየ ዝፍንቅል ዘለኹ’ሞ፣ ግዱሳት ዜጋታት ንዝተረፈ መድፈና ፈናቒሎም እታ ናይ ምስጢራት ጋህሲ ንህዝቢ ጋህ ከብልዋ ተስፋ እገብር።

ኣብ ጉዳይ ከበድቲ ምስጢራት’ምበኣር ካብ ብዙሓት ድግምጋማት፣ ሓንቲ ንእሽቶ ቁልዒ ኣብ እትረኽበሉ ግዜ፣ ንሓያሎ ዝረኣኻዮን ዝሰማዕካዮን እናኣጋጣጠምካ ናብ መደምደምታ ምብጻሕ ኣብ ዓለምና ብዙሕ ግዜ ተራእዩ ኢዩ።

ምስጢራት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንምጽሓፍ ግን፣ ዘሽግር ነገር የብሉን። እቶም ኣብ ጉዕዞ ዘዋህለልናዮም ምስጢራቱ ከክንዲ ቁልዒ ጥራይ ዘይኮኑስ፤ ከክንዲ ያሒት ኢዮም። ካብ ጽፍሪ እግሩ ክሳብ ጸጉሪ ርእሱ ብዓበይቲ ናይ እከይ ምስጢራት ዝመልአ ኢሳይያስ፣ ታሪኹ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ብጠቃር ቀለም ዝተጻሕፈ ኢዩ። እዚ ዘቕርቦ ዘለኹ ጥማዕ ካብ ምስጢራቱ ኢዩ’ሞ፤ ኣነ ኣቕራቢን ዘርዛሪን ዘይኮንኩስ ጀማሪ ጥራይ ምዃነይ ንዜጋታት ኤርትራ ክሕብር እደሊ።

ኢሳይያስ ጨካን፣ ሓራዲ፣ ውልቀ-ምልካዊ፣ ስሱዕ፣ በዓል ሕቡእ ኣጀንዳ፣ ወናኒ ሰፍ ዘይብል ቅቡር ምስጢራት ወ.ዘ.ተ… ኢለ ኣብዚ ናይ ኣፈና ግዜ ብጭቡጥ ዝጽሕፈሉ ዘለኹ ተኸታታሊ ምስጢራቱ፣ ኣብ ገበን መሻርኽቱን ጫሌዳ ሰልፉ ህግደፍን፤ ዝፈልጦ ዘበልኩ ናቱን ናይ መሻርኽቱን ክገልጽ እየ። ንሕስያ ይኣክል! ሎሚ ናይ ኢሳይያስን ናይቶም ምስኡ ዝወዓሉ ሰብ ፈረቕኡን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝተገብረ በደል፣ ይጽናሕ ምባል መመሊስካ ካልኦት ምስጢራት ንምድጓል ዝግበር ዘሎ ናይ ዕበጦ-ዕበጦ ቅድድም ኢዩ። ኣብ ገበናት መሻርኽቲ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ውሽጢ ይሃልዉ ኣብ ደገ፤ ሎሚ ደገፍቱ ይኹኑ ተቓወምቱ ብዘየገድስ ክግንጸል ኣለዎ። ይጽንሓለይ ንመዓስ’ዩ! ንዮም ኣልቕያማ?

ኣይፋል! ከምኡ ኣይኮነን ኢሉ ብጽሑፍ ተንቲኑ ‘ቅንዕና’ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንህዝቢ ኤርትራ ነጥቢ ብነጥቢ ዝትንትን ሰብ እንተሎ ከኣ፣ ብድሆ እብሎ ኣለኹ። ይኣክል ግርህናን ክቱር እምነትን! ሎሚ ኢሳይያስን ሰልፊ ህግደፍን ዕርቃኖም ዝወጽኡሉ መድረኽ ኢዩ። ግዜ ኣኺሉ ኢዩ! ይኣክል ክሳውዲ ጀጋኑ ንዝኾልሰሰ ናእዳ…ህዝቢ ንዘባደመ ጣቕዒት…ክሳብ መዓስ!

ይቕሬታ! እቲ ኣብ ወዲ ሰብ ጥራይ ዝዝውተር ልቢ መረስረሲ ተርእዮ፤ ብምንም ተኣምር ንኢሳይያስ ኣይግበኦን ኢዩ። ሎሚ ኢሳይያስ መጥሓን ተሰኪሙ’ውን ንህዝቢ ኤርትራ ዝድብሰሉ ቃላት የለን። ሎሚ እቲ ንዓና ንህዝቢ ኤርትራ  ምስኡ ዘራኽበና ዝነበረ ገመድ ከኣ ብቱኽ ኢዩ። እቶም ኣብቲ ሓልቃም ሔሮ ምስኡ ጠልጠል ኢሎም ዝነበሩ ሰብ ሰንኮፍ ልብታት’ውን ሎሚ ብቱኻት ኢዮም።

“… ለካስ ስም ይመርሕ ጥዋፍ የብርህ፣ ኢብራሂም ዓፋ’ውን ኢዱ ተነጺፉ ኣብ ጸፋር ኣኻውሕ ዓጋመት ገንሸል ኮይኑ ራዕ ኢሉ። ኢብራሂም ድሕሬኻ ኣብ ኣፍዓበት፣ ሽዕብ፣ ባጽዕ ጸላኢ ህልቂት ፈጺሙ። እቶም ዝሰዓቡኻ ስዉኣት ነጊሮሙኻ ይኾኑ፤ ንጋሕያት፣ ቦንሮስፒሮ፣ ኣምሁር፣ ደቀምሓረ ሕንጫላት ከይተረፉ ከፊልና ሰጊርናዮ … ኣብ መወዳእታ ድማ ሓደ ስጉሚ፣ ሓደ ቋንቋ፣ ሓደ ላህጃ፣ ሓደ ልቢ ኮይንና፤ ሓሳብ ልብኻ ሰሚሩልካ ንሰብ ደምካ ኢዶም መሊስናሎም። ከምቲ ክኣትዉ ዝነበርዎ ቀራናት ዘይኮኑስ ጓዕማማት ኮይኖም ኢዮም ወጺኦም። ንሕና ድማ፣ እንቋዕ ጓኖትካ ኣይኮንና’ ኢልና ብሓበን ተምባእ ኢልና…!”

ኣብ ጋዜጣ ‘ሓዳስ ኤርትራ’  ጥሪ 15 1994 ዓምዲ ‘መስዋእቲ ዋጋ ሓርነት፤’ በቲ ብናይ ብርዒ ስም ‘ጽገሬዳ’ ዝብል  ዝጽሕፍ ዝነበረ ዓሊ ዓብዱ ዝተጻሕፈት፣ ብኢሳይያስ ድማ ምኩሕሓል ዝተገብረላን ጽሕፍቲ፤ እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ናይ ኣምሰሉ ቁንጫል ሕጥቦ-ጽሑፍ ተጻሒፉ ነበረ።  በዓል ደም ኢብራሂም ዓፋ ግን ናይ ጸላኢ ኣሃዱ ስለያ ዘይኮነስ፣ ባዕሉ እዚ ኮሓሓሊ ናይታ ጽሕፍቲ ዝኾነ ኢሳይያስ ምዃኑ ካብ እንፈልጥ ሓያለይ ዓመታት’ኳ እንተሓለፈ፣ ብሰንኪ ውሕስነት ህይወት ንነዊሕ ዓመታት ተጠኒሱ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ንምጽሓፍ በቒዑ።

ንሰባት ከም መለኮት ኣብ ዝኣመንካሉ ግዜ፣ እዚን ከምዚን ዝኣመሰለ ናይ ታሪኽ ሓተላ እናሰተኻ ኢኻ እትነብር። እቲ ዘገርም ኣቀታትላ ወዲ ዓፋ ረቂቕ ብዘይኮነ ስልቲ ተቐቲሉ ክነሱ፣ ካብ ትሒም-ትሒም ሓሊፉ ሃህ ኢሉ ዝተዛረበ ሰብ ዘይምንባሩ ኢዩ። ኣቀማምጣ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ንዝፈልጥ ከኣ’ሞ እቲ ኢሳይያስ ኢብራሂም ዓፋ ንምጥፋእ ዝወሰዶ ኣዕናዊ ስጉምቲ ንምርዳእ ናይ ምምርማር ሀ…ሁ  ዘድልዮ ጉዳይ ኣነበረን። ጎቦ ዓጋመት ሰራዊት ጸላኢ ኣብቲ ዝጸንከረ ወራራትን ብዙሕን ሓያልን ዓቕሚ ዝነበረሉን ግዜ ሓሙሻይን ሻድሻይን ወራራት’ኳ ኣይደየቦን።

ኣቀማምጥኡ ብወገን ምብራቕ ኣዝዩ ጸዳፍ ዝኾነ ጎቦ ዓጋመት፣ ካብ ጎቦ ደብረ-እበን ንወገን ሰሜን ኣዝዩ ዝረሓቐ ኢዩ። ኣብ እዋን ሓያል ግጥማት እቲ ግንባራት ሓዊ ዝተፍኣሉ ዝነበረ ግዜ፣ ካብ ታባ ዎድጋን ክሳብ ሩባ ሽግለት /ኣልጌን፣ ታብ ወዲ ገብሩ፣ ባዶ እኩብ፣ ማይ ክላሽን፣ ጉዋ፣ ታባ ፍረወይኒ፣ ማሕበርነት፣ ቀጠር፣ ደብረ-እበን/ ጥራይ ኢዩ ዝነበረ እቲ ሓያል ውግኣት።

እሞ ከኣ ኣብ 1985 ብድሕሪ’ቲ ጀነራል ሑሴን ኣሕመድ ዋና ኣዛዚ ‘ካልኣይ ኣብዮታዊ ሰራዊት’ ዝመርሖ ዝነበረ ዝተደምሰሰ፤ ግንባር ‘ውቃው እዝ’ ስለያ ጸላኢ ክድይቦ ዘይሕሰብ ኢዩ። ግንባር ሰ.ም.ሳሕል ኣብቲ ርሱን ዝነበረሉ ዓመታት፣ እቲ ንተጋደልቲ ተኸኽ ኣቢሉዎም ዝነበረ ስለያ ‘23ኛ ክፍለጦር’ ይኹን ካብ ግንባር ሓል-ሓል ናብቲ ግንባር ተቐይሩ ዝነበረ ኣየር ወለድ ሰራዊት’ውን ናብ ከባቢ ዓጋመት ናይ ምድያብ ፈተነ ገይሮም ኣይፈልጡን ኢዮም።

ኣብ ኣሰራርሓ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ብድሕሪ’ቲ ሓያል ተወፋይነት ሰራዊትን ህዝቢን ዓቢ ተራ ዝነበሮ ስለያ /ክፍሊ 72/፤ ኣይሽንኳይዶ ካብ ማህሚመት ናብ ዓጋመት /ኣስታት 40-50 ኪ.ሜ./ ዝተበገሰት ጋንታ ስለያ ጸላኢ፣ ሓንቲ ኣሃዱ ካብ ኣስመራ ክትብገስ እንከላ ኢያ ትፍለጥ ዝነበረት።

ኣብ ጠለፋ ዝለዓለ ክእለት ዝነበሮ ክፍሊ 72፣ ነቲ ብቕልል ዝበለ ኮዳት ጥራይ ዘይኮነስ፤ ነቶም ብሞርስ ኮዳት /ብኣዝዩ ዝተሓላለኸ ማዕበል/ ዝመሓላለፉ ዝነበሩ መልእኽቲን ብድሕሪ ምድምሳስ ግንባር ናቕፋ ዝተማረኸ ብዝለዓለ ተክኖሎጂ ዝተሰርሐ ኣር.ዲ.ኤፍ. /RDF/ ዝተባህለ ስርሓት ሩስያ ዝኾነ መራኸቢታት’ውን ኣብ ጥቕሙ ኣውዒሉዎ ኢዩ።

ሓደ ሓደ ግዜ ነፈርቲ ኲናት ከም ዝብገሳን፣ ኣበየናይ ከባቢታት ክድብድባ ምዃነንን ይፍለጥ ነይሩ ኢዩ። ደርግ ነቲ ኣብ ግንባር ሓልሓልዝኸፈቶ ወራር ‘ባሕሪ ነጋሽ’ ጸቕጢ ንምግባር ጥራይ ብማህሚመት ዝተቐልቀለ ውሑድ ቁጽሩ ሰራዊት፣ ኣብቲ ብረሾ 12 ጦር-ሰራዊት ንሓደ ተጋዳላይ ዝብጽሖ ዝነበረ እዋን፣ ሓያል ዝነበረሉ ግዜ’ኳ ዘይደየቦ ጎቦ ዓጋመት፤ ደይቡ ንኢብራሂም ዓፋ ቀቲሉዋ ክበሃል፤ እንታይ ዓይነት ስራይ ከም ዝተገብረሉ ንተጋዳላይ እንድዒ!

ደሓር ቀሰይ ኢልካ ኣብ ትትንትነሉ ግዜ፣ “ናይ ጸላኢ ስለያ ኣብ ዓጋመት ደይቡ ንወዲ ዓፋ ቀቲሉዎ። ግን ካብቲ ንስለያ ዝወፈረ ሓይሊ ወላ ሓደ ሰብ’ውን ኣይተመልሰን። ኩላቶም ተቐቲሎም ኢዮም!”  ዝብል ጥበብ ከኣ ተማሂዙ። ሽዑ ኣብ ታባ ዓጋመት ምስ ወዲ ዓፋ ዝተቐትለ መብራህቱ ተወልደመድህን ዝተባህለ ተጋዳላይ ነይሩ’ዩ። ሓደ ካብ ኣባላት ክፍሊ ታዕሊም ከኣ ነቲ ዝተገብረ ርኡይ ቅንጸላ ምስ ተዓዘበ፣ ደድሕሪ ወዲ ዓፋን መብራህቱን ጥይት ናብኡ ከም እትቐንዕ ስለዘይሰሓቶ፤  ኣብ ወጋሕታ ከም ኢራብ በሪሩ ምስ ጠፍአ ኣይተረኽበን። ስለዚ ንኢሳይያስን ደቀ-መዛሙርቱን ኣዝዩ ዘሻቕሎም ጉዳይ ኮነ።

መብራህቱ ኣብ ስርዓት ኢትዮጵያ ሻምበል ዝነበረ፣ ምስ በዓል ሻለቃ ነጋሽ ተስፋጼን /ሎሚ ብሪጋደር ጀነራል/ ዝተሰለፈ፤ ምኩር ወተሃደር ኢዩ ዝነበረ። ሻምበል ኣብ ስርዓት ኢትዮጵያ ዓላሚ ክቡር ዘብዐኛ ዝነበረ፣ ዝለዓለ ወተሃደራዊ ጥበብ ዝነበሮ፣ ኣብ ዓራግ /ሳሕል/ ድማ ነቶም ኢብራሂም ዓፋ ዝመስረቶም ቀዳሞት ኮማንዶ ህዝባዊ ግንባር ዝዓለመ ምኩር ወተሃደር ኢዩ ነይሩ። ሽዑ ምስቶም ናብ ታባ ዓጋመት ዝደየቡ ኣባላት ክፍሊ ታዕሊም፣ ደይቡ ነይሩ።

እቲ መደንጾ ጉዳይ ከኣ ህዝባዊ ግንባር ካብ ጸላኢ ዝሰለቦ ንብረት ከም ብረት፣ ቦምባ፣ ብራሾ ወ.ዘ.ተ…ኣድቂቑ ዝጸባጸብ ውድብ ክነሱ፣ ጫማ ይኹን ቀጠልያ ክዳን ጦር-ሰራዊት ኣይተራእየን። ህዝባዊ ግንባር ኣብ ተመኩሮኡ ንዝሞቱ ወተሃደራት ጸላኢ ቀቢሩ ኣይፈልጥን ኢዩ። ኣብ ዝባን ዓጋመት ሰባት ምስ ደየቡ ግን ወላ ሓደ ናይ ጸላኢ ሬሳ ወይ ደም ዝተጸየቐት እምኒ ኣይረኣዩን። እቲ ፊልም ኣዝዩ ነዊሕ ኢዩ። ኣባላት ክፍሊ ታዕሊም በዓል ወዲ በላይን ፣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዊና ተክኒካዊ ትምህርቲ ዝመሃሩ ዝነበሩ ተጋደልቲን፣ ወጋሕታ ሰዓት ኣርባዕተ ኣብ ጥርዚ ዓጋመት ኣድራጋ ጠያይት ምስ ተተኮሰ፤ ንረዳት ደይቦም ኢዮም።

ግን ካብቲ ጥቓ ቦታ ፍጻሜ “ተመለሱ” ተባሂሎም ከም ዝተመልሱ ህሉዋት ሰባት ዝገልጽዎ ሓቂ ኢዩ። ሓደ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝነበሩ ተጋደልቲ ጉርጃ ዝተባህለ፣ መምህር ተመሃሮ ዊና፤ ብዙሕ ምትእስሳራት ተዓዚቡ ነይሩ ኢዩ። ጉርጃ ዓው ኢሉ ዝዛረብ ግሩህ ተጋዳላይ ምንባሩ ዘይፈልጥ ተጋዳላይ የለን። እቲ ዘገርም ከኣ ተጋዳላይ ጉርጃ ኣብ ፈለማ ዓመታት ናጽነት ‘ሃንደበታዊ መስዋእቲ’ ብዝተባህለ መርድእ ኣብ ኣስመራ ተሰዊኡን ተቐቢሩን። ኣብ ኤሮውሮጳ ንነዊሕ ዓመታት ኣባል ሓፋሽ ውድብ ዝነበረ ሓዉ ንጉርጃ ከኣ ኣብ ኣስመራ ተኣኢሩ ነይሩ’ዩ። ማእሰርቱ ምስ ጉዳይ ሓዉ ምትእስሳር ነይሩዎ’ዶ ኣይነበሮን ግን ዝፈለጥኩዎ ነገር ኣይነበረን።

እቲ ዘጥቅዐ ስለያ ብሙሉኡ ተቐቲሉ ኢዩ ተባሂሉ፣ ምኽንያቱ ሃዲሙ እንተተባሂሉ ድማ ስለምንታይ ደኣ ደርግ ዘይዛረበሉ ከይበሃል። ኣብ ግዜ ለይቲ ዝንቀሳቐስ ሰላሕታ ኣሃዱ ስለያ፣ መሬት ከይወግሐ ናብ ደጀኑ ክምለስ ስለዝግብኦ፣ ኣብቲ ግዜ’ቲ ጥርዚ ዓጋመት ንምብጻሕ ነቲ በብስጉምቲ ክኸይድ ዝነበሮ ኣሃዱ ስለያ ዝበሉዎ በዓል ኢሳይያስ፤ ካብ ጎላጉል ኣውገት ብቐትሪ ክብገስ ነይሩዎ። ጸላኢ ንምክትታል ኣብ ጠረዚት እቲ ግንባር ዝነበረ ናይ ህዝባዊ ግንባር ቢኒኮሎታትን /ክሻፋታት/  ኣብ ጫፍ ታባ ቀጠር ዝነበረ ፍሉይ መቆጻጸሪ ክሻፋን /ተለስኮፕ/ ነቲ ዝተበገሰ ስለያ ዘይርእያ እንተድኣ ነይረን እንታይ ኢየን ዝሕልዋ ነይረን? ኣብቲ ዓይኒ እንከለና ዕዉራት፣ እዝኒ እንከለና ድማ ጸማማት ዝነበርናሉ ሰዓት ብምሒር እምነት ንኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንከምዚ ዝኣመሰለ ቀሊል ተዋስኦ’ውን ክንዕዘቦ ኣይከኣልናን።

ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፣ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ድማ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዝነበሮ እምነትን ኣምልኾን ኣሽካዕላል ተፈድዩ። ብሰንኪ ፋሉላዊ ኣከያይድኡ ናብ ህዝብናን ሃገርናን ዝወረደ መሰክሕ ኣረመንነትን ስደትን ድማ ዕረ እናጠዓመና ኣስተማቒርናዮ። እቶም ብዙሓት ኣቐዲሞም ዝፈለጥዎ በላሕቲ ዜጋታትና ኣደራዕ ማእሰርቲን መስዋእቲን ኮኑ። ሎሚ ግን ኣይከም ትማሊን፣ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣለልዩዎ ስለዘሎ ጸወታ ቃርሳ ብጀጋኑ የለን።

እምበኣርከስ ኢሳይያስ ኣንጻር ምንቅስቓስ ተስፋምህረት ህጹጽ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ንክውሰድ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ “ኣብ ረርብዒ ሰዓት ቀልጥፉ…ቀልጥፉ! ተስፋምህረት ከየምልጠኩም…ተጠንቀቑ! ዝኾነ ዋጋ ክፈሉ…ቀልጥፉ…” እናበለ ነቲ ውግእ ይመርሕ ንዝነበረ ብርሃነ ይህውጸሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ፤ ምስ ተስፋምህረት ገለ ሚስጢራት ስለዝነበረ ኢዩ። እቲ ግዜ ኣብ ምቕንጻል ኢብራሂም ዓፋ ኣብ ዓጋመት ወጋሕታ ከም ኢራብ ሃዲሙ ዝበረረ ኣባል ክፍሊ ታዕሊም ተጋዳላይ፣ ብሱዳን ገይሩ ናብ ተስፋምህረት ተጸንቢሩ ከም ዝነበረ ወረ ተናፊሱ ነይሩ።

ንሱ ንኩሉ ኣቀታትላ ኢብራሂም ዓፋን ሻምበል መብራህቱ ተወልደመድህንን ምስ ተስፋምህረት ኮይኑ ሰኒዱዎ ነይሩ ኢዩ። ግን ከኣ ዕድል ኣይገበረን፣ ኣብቲ ኣብ ከባቢ ሓፊር /ሱዳን/ ምስ ካልኦት ጉጅለታት ዝተገብረ ሓድሕዳዊ ወተሃደራዊ ግጥም ዓሪፉ ዝብል ሓበሬታ’ውን ስዒቡ። ስለዚ ኢሳይያስ ነቲ ካብ ዓጋመት ዝሃደመ ተጋዳላይ ከምቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝነበረ ተስፋንኪኤል ጆርጆ ብሪሞት ኮንትሮል ይቆጻጸረሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ፤ ንሱ ከም ዝሞተ፣ ሰነድ ግን ኣብ ኢድ ተስፋምህረት ከም ዝነበረ ጸብጻብ በጺሕዎ ነይሩ። ብዛዕባ ኣቀታትላ ኢብራሂም ዓፋ ዝምልከት ኣገዳሲ ሰነድ ኣብ ኢድ ተስፋምህረት ከም ዝተራእየ ምስ ሰምዐ ኢዩ’ምበኣር ዕሉም ኢሳይያስ ንተኪአ /ሽፍታ/ ድርብ ተልእኾ /Double Agent/  ሂቡ ናብቲ ውድብ ከም ዝኸድዐ ኣምሲሉ ዘፋነዎ።

“ምስጢር ዝፈልጥ ሰብ ብሂወቱ ኣሎ” እትብል ወረ ንኢሳይያስ ፈጺማ ዘይተደቅሶ ወረ ኢያ።

እቶም ኣብ ሓያሎይ ገበናት ምስ ኢሳይያስ ዝወዓሉን፣ እቶም ‘ሓንቲ ምስጢር እንተኣምሊቑኩም ኣብኣ ትረኽቡዋ’ ዝተባህሉን ሰባት፤ ሕቡእ ምስጢራት ኢሳይያስ ክነግሩና ዝሕሰብ ኣይኮነን። ንሕና እዞም ኢሳይያስ ሞይቶም ይኾኑ’ዮም ዝበለና፣ ግን ከኣ ዘለና ኤርትራውያን ካብ ሓደ ዝጎደለ ካልእ እናመልአ ሰማእታት ዘሰከሙና ሕድሪ ናብ ወለዶና ከነስግሮ ኢና። ኤርትራ ግምጃ ታሪኻ ብመስተንክራት ዝመልአ ክነሱ፤ ሎሚ ኢሳይያስ ነቲ ታሪኽ ህዝብና ማዕረ ገበናቱ ገይሩ ኣብ ሓደ መቓብር ንምድፋኑ ክሰርሕ ጸኒሑ። ግን ምዃን ኣብዩዎ፣ ሎሚ ንሕና ነቶም ብኢሳይያስ ብቓጻ ዝተመንከሉ ዜጋታትና ምንም እንተጸሓፍናን እንተጸለናን ክንመልሶም ኣይንኽእልን ኢና። ሓደ ክንመሃረሉ ዝግባኣና ነገር ግን ኣሎ። ኢሳይያስ መን’ዩ? ስለምንታይ’ከ ክንድዚ ቅንጸላታት?

ስለምንታይ ኢዩ ክሳብ ክንድዚ ኣንጻር ኤርትራውያን ጨኪኑ? ስልጣን ንምብሓት ድዩ? ንኣርብዓ ዓመታት ሓላፊ ኮይኑ ኣብ ዝተጓዕዘሉ መን’ዶ ተጫራታይ ነይሩዎ’ዩ! ናብ ሕቡእ ኣጀንዳ ንምብጻሕ ግድን ከምኡ ዝግበር እንተኣ ኮይኑ ድማ በብቑሩብ ንኩሉ ኤርትራዊ ክሳብ ዝጭርስ እንታይ ኢና ክንገብር? ምኽንያቱ ኣብ ቅድሚ ዋና፣ ንዘይ ንብረትካ ዋጋ ዕዳጋ ክትገብር ስለዘይከኣል፣ ኤርትራ ሓደ ሰብ ክሳብ ዝተርፋ ነንዝጠመቶ ክቕርድድ ኢዩ። ስለዚ ትም’ዶ ንበል ስለ ሃገርን ህዝቢን ኣንጻሩ ንምከር? ተደጋጊሙ ከም ዝተጻሕፈ ካብ ሰብዓታት ክሳብ 2001 ነቶም ክዕንቅፉኒ ይኽእሉ’ዮም ዝበሎም ደቀባት ኤርትራውያን ኣጥፊእዎም ኢዩ። ገለ ካብ እዞም ካብ ቀደም ክሳብ ሎሚ ኣብ ጎድኑ ዘለዉ ዝለዓሉ ጀነራላትን ሰበ-ስልጣናትን ከኣ ኣብ ምቕንጻል በዓል ወዲ ዓፋን /ትያትሮ ዓጋመት/ ካልኦትን ተለኣኣኽቱን ፈጸምቲ ገበናትን ዝነበሩ ስለዝኾኑ፤ መንገዶም ብሓደ ኢዩ።

ኢብራሂም ዓፋ ቅድሚ ምስውኡ ብዛዕባ ወተሃደራዊ ቅሩብነት ብዝምልከት ምስ ኣባላቱ ኣኼባ ሒዙ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፣ ህድኣት ኣምለሶም (ጓል ኣርባዕተ) ምስቲ ሳጢር ብዝብል ሳጓ ዝጽዋዕ፣ ክልቲኦም ኦፐረተራት ካብቲ ቦታ ኣኼባ ፍንትት ኢሎም መልእኽቲ ካብ ስምኦን ገብረድንግል ይቕበሉ ነይሮም። ብድሮኡ ከኣ ወዲ ዓፋ ምስቲ ብጽርግያ ብድሆ /ዓምበርቦብ-ሓሊበት/ ዘንቆልቆለ ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ተራኺቡ ነይሩ ኢዩ። መስፍንን ኢብራሂምን ኣብ ዓራግ ብሓደ ንምሕዳር መዲቦም ምስ ተረዳድኡ፣ መስፍን ሓጎስ “…ፊሊጶስ ናይ ግድን ምሳይ ሕደር ስለዝበለኒ፣ ምስኡ ክሓድር እየ” ኢሉ ሽዑ ለይቲ ምስ ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ ከም ዝሓደረ ጭብጢ ሰነድ ኣሎ።

ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ ከኣ ቅድሚ ቅንጸላ ኢብራሂም ዓፋ ፍሉይ ድምጺ ዘይብሉ ጠበናጁ /ሳይለንሰር/ ዝዓጠቑ ሓሙሽተ ሰባት ናብ መደበር ክፍሊ ታዕሊም ሓላፊ ጋንታ ዝነበረ ድራር ዝተባህለ ብሕድሪ ንክጸንሑሉ ኣረኪቡዎ ነበሩ ኢዩ። እቲ ሳይለንሰር ጠበናጁ ባዕሉ ኢብራሂም ምስ ምቛም ኣሃዱ ኮማንዶ ናብ ደገ ከይዱ መሪጹ ዘምጽኦ ብረት ኢዩ። ብድሕሪ መርዕኡ ምስ ኑራ መሓመድ ኣብ 1980 ካርቱም፤ ናብ ደገ ምስ ተላእከ ድማ ኣብቲ ኣብ ምስሪ /እስክንድርያ/ ዝነበረሉ ግዜ ኢዩ ነቲ ብረት ኣእትዩዎ።

እቶም ሳይለንሰር ዝዓጠቑ ተጋደልቲ፣ ልክዕ ሰዓት ሓሙሽተ ድ.ቀ. ናብ ታባ ዓጋመት ክድይቡ እንከለዉ ዝረኣዮም ናይ ዓይኒ ምስክር /ጽባሕ ንግሆ ብኣካል ዝምስክር/ ኣሎ። ሻቡ ኢብራሂም ነታ ሰዓት ኣርባዕተ ድ.ቀ. ዝጀመራ ቡን ኣስታት ሰዓት ሽዱሽተ ወዳዲኡ፣ ምስ ክልተ ኦፐረተራቱን ሓደ መኻይድቱን ሒዙ ሰዓት ሽዱሽተ ንምዕራባዊ ጎቦ ዓጋመት ተተሓሓዞ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ገሊጸዮ ዘለኹ፣ ኣብ ምቕንጻል ወዲ ዓፋ ኢሳይያስ ንበይኑ ጥራይ ክፍጽሞ ኣይክእልን ኢዩ። ስለዚ ናብታ መዓልቲ እቲኣ ንምብጻሕ ብዙሓት ምስጢራውያን ኣኼባታት ምስ ሓያሎይ ሰባት ይገብር ከም ዝነበረ ፍሉጥ ኢዩ።

ሽዑ ምሸት ኢብራሂም ገንሸል መስዋእቲ ንምግባር ኩላቶም ተዋሳእቲ  ወዛሕዛሕ ዝብልሉ ዝነበሩ ምሸት ኢዩ። መስፍን ሓጎስ ምስ ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ ድሕሪ ምሕዳሩ ናብ ዓራግ ላዕላይ፣ ፊሊጶስን ኢዮብ ሓሊባይን ናብ ታባ ደብረ-እበን፤ ኣላዪ መድረኽ እቲ ዓቢ ስርሒት ኢሳይያስ ከኣ ንኦፐረተሩ “ርክብኪ ምስ ወዲ ዓፋ ኣብ ሰሰዓት ኢዩ። ንዕኡ ምስ ረኸብኪ ከኣ ብቐጥታ ናባይ መልእኽቲ ስደዲ” ዝብል መምርሒ ስራሕ ድሕሪ ምሃቡ፤ ምስ ጊላይ መራሕ መኪንኡ ጉዕዞ ናብ ፖርት-ሱዳን።

ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ጽሑፈይ ኢሳይያስ ካብ ካርቱም ናብ ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ ሮሞዳን መሓመድ ኑር ናብ ደማስቆ /ሶርያ/ ዝሰደዶ መርድእ ወዲ ዓፋን፣ ህሉው ምክፍፋል ጀነራላት ህግደፍን ከቕርብ ምዃነይ ተዛሪበ ነይረ፣ ግን እቲ ታሪኽ መመሊሱ ይነውሕ ስለዘሎ፣ ኣብ ሓደ ክፋል ክጠቓለል ዝከኣል ኣይኮነን።

ኣብ ዝመጽእ ክፋል ቅንጸላ ኢብራሂም ዓፋ፣ ዝምድንኡ ምስ ኢሳይያስ ካብ ግዜ ሰብዓታት፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዞባ ደቡብ ቦጦሎኒታት 4 ን 5 ን /ኣሃዱታት ናይ ወዲ ዓፋን ናይ ወልደንኪኤል ሃይለን/ ዓበይቲ ዓወታት ይገብራሉ ኣብ ዝነበራ ግዜ፤ ኢብራሂም ምስቲ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣዛዚ ናይቲ ግንባር ዝነበረ ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ፤ ዝነበረ ስሉሳዊ ዝምድናታቶምን ርክቦም ምስ ኢሳይያስ እንታይ ይመስል ከም ዝነበረን፤ ከምኡ’ውን ኢብራሂም ዓፋ ኣብ ጉዳይ ስምረት፣ ኣብ ጉዳይ ምዝላቕን ጉዳይ ዝርርብ ሰላም ምብራቕ ጀርመንን ምስ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝነበሮ ናይ ኣረኣእያ ፍልልያትን ዝቕልቀሉ ዝነበሩ ሰበባትን ክንርኢ ኢና።

ክሳብ ሽዑ ግን ነዚ ታሪኽ’ዚ ክውስኹሉ ዝደልዩ ሰባት እንደኣ ሃልዮም ኣዝዩ ምጸበቐ። ንዓይ ዝወሃብ ሓበሬታ፣ ርእይቶን ነቐፌታን እንተሎ ድማ ሓንጎፋይ ኢለ እቕበሎ።

ክሳብ ሽዑ ከኣ ሰናይ ቅነ

ሞት ክናና ኢኢሳይያስ!

ይቕጽል…http://assenna.com/index.php?option=com_content&view=article&id=3123:-6-&catid=46:discussion&Itemid=100584

source

 

Shaleka Mebrahtu Teweldemedhin’s wedding photo

Saturday, 23 October 2010 02:04
Print PDF

Shaleka MebrahtuThis is a wedding photograph of Shaleka Mebrahtu Teweldemedhin, who was killed in a mysterious circumstance during the armed struggle for Eritrea’s independence.

Shaleka Mebrahtu was found dead in 1985, alongside Ibrahim Afa, a politburo member and senior commander of the EPLF, in a mountain top called ‘Agamet’; not far from the strong hold of the EPLF in Sahil.

The contributor of the photograph says, he was reminded about the photograph and encouraged to share it with assenna.com readers after the recent article by Alena, who wrote extensively about the suspicious circumstance surrounding the death of Ibrahim Afa and Shaleka Mebrahtu Teweldemedhin. Ibrahim Afa and his colleagues’ death has been one of the greatest unresolved mysteries of the armed struggle era. The current ‘president’ of Eritrea, Isaias Afewerki, is mostly suspected for the disappearances which occurred within the EPLF.

In the remote mountains of Sahil, killing those who wittingly or unwittingly obeyed his orders to kill had been his main weapon in suppressing the truth. These days however, the truth seems to come out of the dead. He must be cursing himself for becoming an old-fashioned dictator in the internet age

 

  http://assenna.com/index.php?option=com_content&view=article&id=3129:shaleka-mebrahtu-gebremedhins-wedding-photo-&catid=46:discussion&Itemid=100584