ካብ አብ ሱዳን ዝነብር ስደተኛ ኤርትራዊ ዝተላእኸት ናይ ሕድሪ መልእኽቲ

መብጽዓይ ከብጽሕ

 

መጀመርታ ዝኸበረ ሰላምታይ ይብጽሕኻ
ኣነ አብ ሱዳን ዝነብር ስደተኛ ኤርትራዊ እዬ፤
ካብዚ ቀጺሉ ንዘሎ ጽሑፈይ ናብ ሓፋሽ ክተቅርበለይ ብትትና ይሓትት የቐንየለይ

 

መንግስቲ  ኤርትራ ሕጅ እዋን ኣዝዩ ተረቢሹን ዓቅሉ ጸቢብወን ይረከብ ኣነ ሽመይ ክተቅስ ዘይደለኩ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎትን ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ጎዳጉዲ ተኣሰርኩ፣ ተከትከትኩ፣ መግቢ ተሃረምኩ፣ ኩሉ ኣሎ እተብህለ ኢ- ሰብኣዊ ግፍዒ ዝወረደኒ ብጀካ ኤርትራውነተይ ካልእ ገበን ዘይብለይ ሰብ ኢየ፤ ሕጅ ኣብ ሱዳን ይርከብ፤ ኣብ ማእሰርቲ ከሎና ሓደ ዓብይ ቃል ኪዳን ምስ እሱራት ብጾተይ ኣተና ኔርና ንሱ ድማ “ ካብዚ ቦታ ዝወጽአ ንዝወረደና ግፍዒ፣ ስንክልና፣ መስዋእቲ ኩሉ ኣብ ዓለም ንዝርከብ ህዝብና ምቅላሕ” ኔሩ፤ ኣነ ድማ ነት መብጽዓይ ከብጽሕ ምሳይ ዝሳቄዩ ናይ ዝነበሩ፣ ዘለው፤ ሃለዋቶም ዝጠፍአ፤ ኣብ ቅድም ዓይንና ዝሓለፉ፤ ብዝወረዶም ምቕጥቃጥ ዝሰንከሉን ናይእምሮ ጸገም ዘጋጠሞምን፤ የሕዋተይ ብዝርዝር የቅርቦለኹ

 

ካብዚ ዓለም ተፈለዩ (ስውኣት)
1-ሰመረ ካሕሳይ
2- ኣብርሃም ወድ ቐሽ
3- ኪዳነ ግርማይ
ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ፦
1-ቴድሮስ ተወልደ
2-ዳንኤል ገረመድህን
3-ዘካርያስ ሳሙኤል ኣርኣያ
4-ጀማል ወድ ሓጅ
ኣብ ጎዳጉድ ማእሰርቲ ዘለው፦
1-ሰናይ ባህልቢ
2-ረዳእ ወድ ሰንበል
3-ሃይለ በረቐ
4-ክብሮም ወድ ቐሽ
5-ኣፍርቂ ክፍሎም
6-ግርማይ ቀላቲ
7-ዮናስ ምስግና




እዮም፤ እዚኦም ዝጠቐስኩወም ካብ ባሕሪ ብማንካ እዮም፤ ኣብ ፈቐዶ ቦታ ተኣሲሮም ዘለው በኣሉ እዝጊ ጥራይ እዩ ፈላጢኦም፤ ስለዚ ነዞም ተሪፎም ዘለው የሕዋትና ካብ ዘለውወ ግፍዒ ንኽወጽኡ ዘዝኽእለትና ንግበር፤ አብ ዝመጽእ እዋን ናይ ዝተወሰኑ ሰባተ ፎቶ ክሰድድ እየ፤
ዘዳግም ኻርቱም

03/09/09

 

ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com