ስርዓት ህግደፍ ሕጂውን ዜጋታት ይኣስር። PDF Print E-mail
Friday, 04 June 2010 22:32

ኣባላት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ሰፊሕ ናይ ማእሰርቲ ዘመተ ከምዘካየደ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። በቲ ዝመጻና ሓበሬታ መሰረት እዞም ዝስዕቡ ዜጋታት ኣብ ጥህቲ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለው ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ካብቶም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለው ድማ

 

  1. ውሩይ ተጻዋታይ ኩዑሶ እግሪ ዝነበረ ዓብዱ ዓብድሰላም
  2. ሰላሓዲን ዓብደልሓይ
  3. ስራጅ ኑርሑሴን
  4. ሳሚ ዓብደልኻልቕ
  5. ዓብደልረሒም ዓብደልዋስዕ
  6. ሑሴን ስዒድ
  7. ዓብደልሪሒም ሑሩይ ይርከብዎም።

ስርዓት ህግደፍ ነዞም ዜጋታት ድሕሪ ምእሳሩ ኣብ ገዛውቶም ዝነበረ ጥረ ገንዘብን ወርቅን ከምዝወረሶ ኣውን ተፈሊጡ ኣሎ። ብተመሳሳሊ ኩነታት ቅድሚ ቁሩብ ኣዋርሕ ተኣሲሮም ዝነበሩ ካልኦት ዜጋታትውን ብዝሕ ዝበለ ገንዘብ ክኸፍሉ ተገዲዶም ኣለው፥ እሳቶም ድማ

  1. ኣደም ኢብራሂም ሓደ ሚእቲ ሽሕ ናቕፋ
  2. መሓመድኑር ሰለስት ሚእቲ ሽሕ ናቕፋ
  3. ዓብደልሓፊዝ ዓብደልኣወል ሓሙሽተ ሚእቲ ሽሕ ናቕፋ ክኸፍሉ ከምዘገደዶም ተፈሊጡ ኣሎ።

ስርዓት ህግደፍ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊኡ ዘንብዩ ዘሎ ሓደጋ ናይ ማዕቀብ፤ ቁጠባዊ ዓቕምታቱ ድሮ ኣብ ሓደጋ ስለዝወደቐ፤ ካብ ዜጋታት ዝተፈላለየ ምስምስ እንዳገበረ ገንዘብ ክዘርፍ ደይመደይ ኢሉ ተታሓሒዝዎ ከምዘሎ ምንጭታትና ብተወሳኺ ሓቢሮም።

 

National Conference