Tecleberhan Tesfamicael

10 hrs

ከመይ ጌረ ክርስዓካ ፡ ጅግና ኪሮስዶ ትርሳዕ ኢኻ።
ካብታ ዝተሰለፍናላ ዕለት ጀሚረ ተዘክሮታተይ ብዛዕባኻ ብዙሕን ዘይሃስስን ኢዩ።
-1973 ኣብቲ ገስጋሲ ናይ ምሁራት ናይ ምእራም ምንቅስቓስ ( ብበዓል ሙሴ ዝምራሕ ዝነበረ ) ዝነበረና ናይ ሓባር መርገጺ።
-1991 ኣብ ኣስመራ ቀጥታ ብዛዕባ እታ ሰልፊ እኳ እንተዘይነገካኒ ፡ ዘረባታተይ ይበጽሕ ከምዘሎን ፡ ክጥንቀቕ ከም ዘሎኒን ክትሕብረኒ ከሎኻ።
-1997 ብዝተዋሕበኒ መዓርግ ኣንጸርጺርካ፡ እዝስ ንዓኻ ኢልካ ክትሓርቕ ፡ ብኣይ ክትሓምም።
-ኣብ 2001 ድሩዕ ዝሰምዓካ እንትኾይኑ ኢሰያስ ከይቀደመና ክንቅድሞ ንገሮ ክትብለኒ።
-ቅድሚ ጨሪስካ ምስዋርካ ፡ እቶም ናይ ጸጥታ ምስ ኣሰሩኻ ክለቁቓ ከለው ዝበልካዮም " ሎሚ ዕድመ ደፊእና ኢና ፡ በረኻ ወጺእና ኣይንዋግኤኩምን ንኸውን ግን ናይ ከተማ ደባይ ውግእ (urban gurilla ) ክንገጥመኩም ዓቕሚ ኣሎና "፡ ብምባል ክትምልሰሎም
ጅግና ኪሮስ ኩሉ ግዜ ኣብ ልብና ኣሎኻ።
ንፍትሕን ንሓቅን ኩልግዜ ደው ምስ በልካ ኢኻ። ታሪኽካ ብወርቂ ቀለም ተጻሒፉ ይርከብ።

Abede Tesfay ኪሮስ ዓወር ተጫራቓይ፡ሓጫጫይ ጨርቂ እዪ ዘእስረካ፡ምስ ለመድካይዮ ጥዑምን መስተውዓልንዩ፡ ኣግሂድካ ምዝራብ የዘውትር፡ምስ መራሕቲ ተመሳሲሉ ዘይከይድ ሰብ እዩ። ኣብ ምንቅስቓስ ጉጅለ-15 ንግሆ ንግሆ ስራሕ ክንወፍር ንራኸብ ኢና፡15 ብደውና ኣብ ኣፍደገ እንዳ ኣርተክት ገ/መስቀል ተዓረ ነዕልል፡ ምርስፍን ኣድሓኖም ጽቡቕ ይኸዱ ኣለዉ፡ምሉእ ተስፋ ኣሎ ይብለኒሞ ክንገብሮ ዘለና ተዛራሪብና ንኸይድ፡ኣብድን ዓወር ተራኺቦም ኢሉ ናብ whitehouse እንዳ ጸጥታ ሪፖርት ዝገብረልና ሓደ ሳምሶም ዝብሃል ኣባል ጉምሩክ ከም ዝነበረ ሓበሬታ ይረክብ ነይረ፡ ክልተ ቀረባ ፈተውተይ ዝነበሩ ስለምንታይ ምስ ዓወር ትቐርብ ይብሉኒ ነይሮም፡ዓወር ዓበቕ ኣለዎ ድዩ፡ምስ ዓወር ክቐርብ ዝኽልክለኒ ዋላ ሓደ ሰብ የለን ፡እንባትካላ ንትምህርቲ ምስ ከድና ብተማሳሳሊ ኣጋጢሙኒ፡ስራጅን ኢብራሂምን ዓወርን መብዝሕትኡ ኣብ Top five ኢኻ ትረኽቦም፡ኣይፋላለዩን ነይሮም፡ክልቲኦም በቲ ጨካን ስርዓት ናብ ማእሰርቲ ዒራዒሮ ኣትዮም ብስቓይ ከም ተስውኡ ክውረ ጸኒሑ፡ኢሰያስ ኢዱ ኣይስኣን።

Negash Haile

ተጋዳላይ ኪሮስ ሃብተሚካኤል(ዓወር) ከም ዋዛ ዝበልካያስ ትቀላቐል ኣላ። ሓርበኛ ኪሮስ ቅድሚ 23 ዓመት ንወዱ እተዛረቦ ነዚ ኢሳያስ ስልጣን ናብ ወዱ ከመሓላልፍ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ኣቐዲሙ እተገንዘቦ መሲሉኒ ክዝክሮ ተገዲደ። ወዱ ንኪሮስ ዓወርን ኣብርሃም ኢሳያስን መማህርቲ ኢዮም ነይሮም። ሽዑ ደቂ ዓሰርተ ዓመት እኳ እንተነበሩ ወዱ ንኪሮስ ኣብ ገዛ : ብዛዕባ ኣብርሃም ኢሳያስ ከምዚ ገበረ እናበለ ንኪሮስ ዓወር ደጋገመሉ።ኪሮስ ሽዑ”ኣንታ ግደፈና ስኪ:ንሕና መዋእልና ኢሳያስ ክንብል ዘሕለፍናዮ ከይኣኽለናስ ንስኻ ኸኣ ሕጂ ኣብርሃም ክትብል ተትክኸና”ከም ዝበሎ እዝክር።ኪሮስ እተራእዮ ዝዛረብ ግን ከኣ ኣብ ሓቂን ፍትሕን ዝኣምን ኢዩ። 1994 ኣብ ናቕፋ 3ይ ጉባኤ ህግሓኤ ምስ ኢሳያስ ተራኺቦም ኢሳያስ ንዓወር ”እዚ ቦታ ደኣ ትፈልጦ ዲኻ” ኢሉ ብኣስተሓቀር ሓተቶ። ዓወር ተቐቢሉ ”ንስኻ እኳ ፈሊጥካዮ ኣለኻ”ክብል መለሰሉ።ኪሮስ ኣብ እዋን ወራራት ደርግ ኣብ ማእከላይ ሕክምና ጣብራ ከባቢ ናቕፋ ብሓላፍነት ከም ዘገልገለ ኢሳያስ ዘይፈልጥ ኣይኮነን። ኪሮስ ሃብተሚካኤል( ዓወር ): ኣብ 1973 ዓ.ም ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ተሰሊፉ። ንሱ ኣብ ትምህርቱ ብሉጽ ምንባሩ መማህርቱ የዘንትው።ትምህርቱ ብብቕዓት ዛዚሙ :ነተን ዓይኑ ዓይኑ እናረኣያ ብጉልበተን ዘዕበያኦ ኣዲኡ ክድግፈን ሃረርታን ድሌትን ነበሮ። እንተኾነ ንወላዲቱ ድሕሪ ሃገር ሰሪዑ ንስርዓት ሃይለስላሴ ብዕጥቂ ክምክት ተበገሰ። ኪሮስ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ብእተፈላለየ ጽፍሒ ሓላፍነት ኣገልጊሉ።ብጋህዲ ምዝራብ:ትብዓት:ቅንዕና መለለይኡ ኢየን።ኣብ እተፈላለየ ኣርእስቲ ኣብ ፖለቲካ:ታሪኽ ስነ-ፍልጠት ብሱል ምጉት ከቕርብ ዓቕሚ ነይርዎ ኪሮስ። ኪሮስ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ሚኒስትሪ ዜናን ሚኒስትሪ ቱሪዝምን ብሓላፍነት ኣገልጊሉ።ንለውጢን ዲሞክራሲን እናተቓለሰ ብ2001 ተጨውዩ ምስ ተወስደ ከም ብጾቱ ሓርበኛታት ኣስታት 150000 ሰዓታት ኣብ ጸልማት ተደፊኑ። ሓርበኛ ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ መጽሓፉ”ማእሰርቲ ኣዝዩ ከቢድ ዓይነት መቕጻዕቲ`ዩ። ንእሱር ሰብ እታ ንዘይተኣስረ ሰብ ሓጻር ትመስሎ ሓንቲ ሰዓት እኳ ማዕረ ናይ ብዙሕ ዓመታት ናይ ጭንቀትን ስቅያትን ሂወት ኢያ። ስርዓት ኢሳያስ ግን ንማእሰርቲ ከም ዋዛን ቀሊልን ጉዳይ ገይሩ ኢዩ ዝጥምቶ ኣይስከፈሉን እዩ” ክብል ኣስፊሩ። እቲ ጭካነን ግፍዕን ስልጣን ገቢትካ ናብ ውሉድ ወለዶኻ ምትሕልላፍ ምዃኑ ተጋሂዱ። ኣብርሃም ኢሳያስ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ስዑድያን ኢማራትን ክፈራረም እንተዝርእዮን ድሮ እውን ሰባት ብዛዕባኡ ክዛረቡን እንተዝሰምዕስ ሓርበኛ ኪሮስ ኣይበልኩን ዶ ምበለ።