ዛንታ ፖሊስ ኤሪትራ1941-1972

ንድፊ

ብሚእኬል ኣባትረግህ

 

 

 

1941


ዛንታ ፖሊስ ቀዳማይ ክፋል
ኤሪትራ 1941 - 1972 አነ ብአፈ ታሪኽ ዝተንግረኒ ::
እንግሊዝ ብ 1941 May ምስ አተወ ብ 1941 June ፖሊስ ኤሪትራ አቋቋሙ :: እቲ መጀመርያ ፖሊስ ትራይኒንግ ስኩል አብቲ ስኩላ ቪቶርዮ ፖሊስ ካምፕ ዩ ነይሩ ክሳብ 1950 ንደቅምሐረ ፕሎኮ ትዛወር ::
መጀመርያ እቶም ፖሊስ ባይ ምስ ጥልያን ካራብኔሪታት ዝነበሩን እቶም ጥልያን ውን አብ ፖሊስ ኤሪትራ ተመደቡ : ሽዑ ካልአይ ውግእ ዓለም ገና ይካየድ ስለ ዝነበረ: ጥልያን ከአ አብ ኢትዮጵያን ኤሪትራን እያ ተሳዒራ እምበር አብ ኤውሮጳ ምስ ጀርመንኮይና አብ ሊቢያን ሶማልያን ትዋጋእ እያ ነይራ : ተስፋ አይቆረጹን : ሕነ እብ ርእሲ ኤሪትራዊያን ከውጽኡ ንሕዝቢ ኤሪትራን ነታ ሐዳስ ፖሊስ ኤሪትራ ተጻረርዋ ::
ብዙሐት ኤሪትራዊያን አብ ስልጣን ዝነበሩ ብጥልያን ብእንስፐክቶራት ናብ ፖሊስ ኤሪትራ ሐለፉ :: ግን ከአ እቶም ጥልያን ገና ከም ጎይቶት ኮይኖም ሐለፋ :: አሸገርዎም ውን :: ካብ አቶም አስማት ክሮቅሕ :- እንስፐክቶራት
1-መሐመድ ናስር ኮሎኔል
2- ዑመር መጀር
3-ሀብተስላሰ አድኅኖም መጀር
4-ሰጠኝ ካቢታኖ
5-መርእድ መጀር ወዘተ
እቶም ጥልያን ፖሊስ ዋላ ነቶም እንግሊዛውያን አሕሉቅ አሸጊሮም እዮም :: ንምሳሌ ንእሽቶይ ዛንታ ምስ እዚአ ዝተታሐዘት ናይ አቦይ ሳጏ ( አባጥረግ ) ከመይ ገይራ ከም ዝመጸት : አቦይ ሐድሽ ፖሊስ ተኸቲቡ ካብቶም ቲ ግዜ ምሁራት ኩዋርታ ክላሰ ኢዩ ነይሩ አብ ፖሊስ ሸንትሮ እዩ ነይሩ እዞም ሰለስተ ፖሊስ ጥልያንነቦይ ማጆር ዑመርን አቦይ ኮሎኔል መሐመድ ናስርን ይቅጥቅጥዎም : አቦይ ዘርዩ ንዞም ጥልያን ቅጥቅጥ አቢልዎም ሐደ ርእሱ ደምዩ እቲ ሐደ ኢዱ ተሰይሩ እቲ ሳልሳይ ሀዲሙ ከይዱ : አቦይ ተአሲሩ 24 ሰዓት ብምስክርነት አቦይ ኮሎኔል መሐመድ ናስር አቦይ ነጻ ኮይኑ አባጥረግ ዘውጽእሉ ንሶም እዮም ::
ሕጂ አብ ታሪኽና ንመለስ :: ድሐር ጥልያን አብ ሊብያን አብ ሶማሊያ ምስ ተሳዕሩ ሲቺልያ ውን ምስ ከደት ስነስርዓት ገይሮም እቶም ጠላይን ክሰርሑ ጀመሩ : አብ አውቶቡሳት ልክዕ ከምቲ አብ ዘመን ጥልያን ዝግበር ዝነበረ ሐበሻ ብድሕሪት እቶም ጥልያን ብቅድሚት ይሳፈሩ ነይሮም : እቶም እንግሊዛውያን ውን ንዑታት ደጊፎሞ እዮም ባራት ክላባት እቶም ጥ ልያንን እንግሊዝን ብሐንሳብ ድሐር ግን ድሕሪ 1943 : ሽም እቲ አማሐሐዳሪ ናይ ሰራየ አብ መንደፈራ ዝነበረ ቅሩብትለይ ተታናጊሩኒ ሕጂ ሚስተር ስትራፎርድ እዩ መስለኒ :: ሕጂ ንእሽቶይ ዛንታ ምስአ ዝተታሐዘት ክነግረኩም :: ሻምበል አማን ዓንዶም ( ጀነራል ) ብ1943 ኤሪትራ ክርእይ ኢሉ ብጎንደር ገይሩ አብመንደፈራ ይአቱው : ናይ አርሚ ኢትዮጵያዩኒፎርም ለቢሶም :: አብ መንደፈራ አብ አውቶቡስ ንአስመራ ትኸይድ ይሳፈሩ : አብ ቕድሚት ኮፍ በሉ : እቲ ጥልያን ፖሊስ መጺኡ ብንዕቀት ( ቫይ ኢንድየትሮ ) አብ ድሕሪት ኮፍበል እብሎም አብኡባእሲ ይጅመር : ንሶም አብዮም እቲ አውቲስታ ጥልያን አይትነቅልን እያ : እቲ ፖሊስ ጥልያን አብእ ተስቂሉ ናብ እቲ ገዛ መንበሪ እቲ እንግሊዝ አማሐዳሪ ትኸይድ እቲ ኹሉ ሰብ አብአ ትጻዒኑ : እቲ አማሐዳሪ እንግሊዝ ካብ ገዝኡ ከይወጸ ብመስኮት ኮይኑ ሐበረታ ናይ አወንታ ሀቦም እቲ መብዝሕትኡ ኤሪትራዊ አብድሕሪት ትጸቃቂቱ ኮፍ ኢሉ ዝነበረ እቲ ቅድሚት ዳርጋ ጥርሑ ሰለስት ጣልያናት ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ እንዳአጣቅዑ አብ ቅድሚት ኮይኖም ተቀመጡ ንአስመራ : ሽዑ ህዝቢ አስመራ ውን እብ ቅድሚት ኾፍ ምባል ብዘይ ጽሑፍ አዋጅ ::
እቶም እንግሊዛዊያን መኮንናት ናይ ፖሊስ ካብ ሰሜናዊ ሮደስያ ( ዚምባብወ ) ካብኡ ዮምመጺኦምእቲ ፖሊሲ ናይ አባርታይድ አብ ሐንጎሎም ሒዞም ::
ብ 1945 ብ መርሒነት እንስፐክተር ገብረማርያምን ( ድሐር አብ ኢትዮጵያ ኮሎኔል ናይ ፅጥታ ) ምስ እንስፐክቶር መስፍን እምባየ ( ድሐር አብ ኢትዮጵያ ብሪጋድየር ጀነራል) ፖሊስ ኤሪትራ ሰለማዊ ሰልፊ ወጹ ( ማትኒ ) ሕጊ ከይእፍረሱ ብዙሕ ጋዕ ገልጠም ወዓለ :: እቲ ሕቶታት :-
ቆቢዕ ናይ ዛብጥያ ከም ናይ ቱርኪ ዝመስል አይንደልን::
አብ ትሕቲ ጠላይን አይንሰርሕን
ደሞዝ ይወሰኸልና ::
ኩሉ ተምማሊኡሎም :: ግንነቶም መራሕቲ ናይቲ አድማ ብቁራኛ ሐዝዎም : ድሐር ንኢትዮጵያ ከይዶም ኢትዮጵያ ውን ምኩራት ፖሊስ መኮንናት ትደሊ ስለ ዝነበረት መዓርግ እናወሰኸት እብ ጽቡቅ ቦታታት አትሐዘቶም : ብድሕሪኡ ብዙሐት ፖሊስ ኤሪትራ ኢትዮጵያ መሐከሊት ገበርዋ :: ትመጽእ ዘላ ሰሙን ክቅጽል እየ : ግን 10 ሰብ አንቢብናዮ ኢና እንተ ኢልኩምኒ feedback ክቅጽል እየ ::
አብ ዝመጽእ ሰሙን ብዛዕባ “ La Legge e uguale per tutti “ !መዓስ ከም ተጻሕፈ : ስለምንታይ ከ ብጥልያን ተጻሒፉ : አብ መን እዩ ዘተኮረ:: ወዘተ....


👍🏿 ዛንታ ፖሊስ ኤሪትራ 2ይ ቅጻል ::
እቶም መጀመርያ ዝተኸትቡ ብዝቀልጠፈ እዋን ናይ መዓርግ እድገት ረኸቡ ምናዳኳ እቶም ትምህርቲ ራብዓይ ክፍሊ ዝበጽሑ :: ቀልጢፎም ኢንስፐክተራትተዋህቦም :: እቶም ናይ ጥልያን ካራቢኔርታት ከምቲ አብቲ ዝሐለፈ አስማቶም ዝገለጽክዎም ውን ኢንስፐክቶርታት ኮይኖም ናይ ፖሊስ ፖስት ሐለፍቲ ገይሮሞም ብዙሕ ትምህርቲ ናይ ፖሊስ እንግሊዝ አይተዋህቦምን ::
ካብቶም 1941 ዝተኸትቡ ከም
ስዩም ካሕሳይ ( ድሐር LtCol)
ተድላ ዑቅቢት (ድ BGen)
ረዘነ ብርሀነ ( ድ Maj )
ዘርእማርያም አዛዚ (ድ Maj Gen)
አለም ማሞ (ድ LtCol)
መንግስቱ ህብትዝጊ ድ Col
እዚኦም ቀልጢፎም እንስፐክቶራት ኮኑ :: አብቲ ናይ ኢንስፐክቶራት መዓርግ 3 ክፍልታት እዩ ነይሩ :: ብዓል ሐንቲ ሽራጥ : 2 ሽራጥ : 3 ሽራጥ እዩ ነይሩ ድሐር እዩ ናብ 2Ltenant , Lieutenant And Captain ተለዊጡ :: ብድሕሪኦም ውን ንዚኦም ዝስዕብዎም እንስፐክቶረታት ነይሮም ከም ብዓል
ይግዛው በራኺ
ገብረመድህን አስሄል
ገብረኪዳን ተስፋይ
አርዳቸው እማቸው
ተኽለ እምስገን
ተኽለ ዓንደለ :: ከከም ክእለቶም አብ Administration, Investigations , Rural , Field Forces , Striking Forces , Police Posts , Station Officers, Traffic Police , State Guards , Signals , Prison Police , Community Police , Criminal Investigations Branch, ClB ), Criminal Investigations Department ( ClD ) , Quarter Master , Pay Master , Internal Affairs , Vice Squad ( Censorship, Hotels , Cultural ,Forensic 🔬 laboratory’s ) and Staff Officers !እዘን ኩለን ክፍልታት ነይረን :: እተን ብዙሕ ሰብ ዘይፈልጠን ዝመስላኒ ብዓለይ መመሪጸ ክገልጸልኩም እየ :: እስኻትኩም ክትፈልጥወን ትደልዩ ኽአ ሕተቱኒ ::
CID አብ ሙሉእኤሪትራ ክኸይድ እኽእል ክአስር ይኽእል :: Jurisdictions የብሉን
CIB አብ ሐደ አውራጃ ጥራይ መዝነት ዘለዎ ( አስመራ ሐማሴን ፖሊስ ClB )
ClB ማሳዋ ቀይሕ ባሕሪ ማለት ዓሰብ ሐዊስካ :
ClB ከረን ሰንሒት አውራጃ :: አብዘን 3 አውራጃታት ጥራይ እዮም ነይሮም : እተን ካልኦት አውራጃታት ብክፍሊ መርመራ እየን እቲ ዘይክአልዎ ናብ ClD የሕልፍዎ ::
Rural Police ናይ ገጠር ፖሊስ አብ አስመራ ፎርቶ እዩ ቤት ጽሕፈቶም ምስቶም ናይ ክፍሊ ራድዮ Signal ንምሉእ እተን ፖሊስ አውራጃ ነቅጣጣት የማሐድሩ ::
State Guard ሐለዋ ከተማ እንዳ ዓበይቲ : ቆንስላታት : ቤት መንግስቲ ሺነማታት እንዳ ሐለፍቲ ፖሊስ : ሚንስትራትን:
Internal Police እዚኦም ናይ Corruption ናይ ፖሊስ ዝከታተሉ እዮም :: ምሳሌ ሐደ ወትሀደር ፖሊስ : ሐዳስ ቢችግለታ ክዝውር እንተርእዮሞ : ወይም ሐድሽ ባኖ ተኸዲኑ እንተርእዮሞ : ወይ ሐድሽ አቅሑት አብ ገዝኡ እንድሕር ዓዲጉ : ወይ ጠገለ ዘይብሉ አብ ባራት ወይ ቤት መግቢ ክሕሽሽ እንተተራእዩ : ጸዊኦም ርቸቩታ ከርኢ አለዎ : ርቸቩታ አርእዩ ውን ምስ ደሞዙ ዘይመጣጠን እንተኾይኑ : ሽዑን ሽዑን ካብ ስርሑ ደው ይብል : ይቅየር : ይቅጻዕ : ይሕደግ ውን :: ብዙሐት ሐፍተይ ካብ ጅዳ ሊኢኻትለይ : ሐወይ አውቲስታ ወይ ነጋዳይ አምጺኡለይ ኩሎም ይሕተቱ :: እንዳ ፖስታ ውን ::
Vice Squad ClD ሰንሱር ናይ ትያትር : መጻሕፍቲታት : ፍቃድ ናይ አኸባታት : ሆተላት አስማታት መን ከምዝሐደረ : ሺነማታት ዝርአይን ዘይርአይን ዝቆርጹ ::
Forensic Laboratory ClD አሸራ ናይ ኢድ : ስእሊ ገበነኛታት Evidences :
Field Forces ናይ ውግእ ፖሊስ ሰምበል ናብ ሙሉእ ኤሪትራ ዝኸዱ ::
Striking Forces ሰምበል እዚኦም ውን ናይ ከተማታትን ገጠራትን ሸበሮታት ወይ ክልተ ዓድታት እንተተባኢሰን ብዝቀልጠፈ አህዲኦም ነቶም ጭቃ ዓድን ሐለቃ ፖሊስ እታ ወረዳ ይከታተላ : እብ ሐደ ወረዳ 6 ፖሊስ ጥራይ ዘካይድዋ : :
ሕጂ ነተን ዝሰገርኩወን ሕተቱኒ ::
ናብ እቲኦም 4 እንስፐክቶርታት ክምለስ : እሳቶም ቀልጢፎም ማጆራት በጽሑ 1953 ናብ ዓዲ እንግሊዝ ንክምሀሩ ን6 ወርሒ ተላእኹ :
መጀር ስዩም ካሕሳይ
"""" ተድላ ዑቅቢት
""""ዘርእማርያም አዛዚ
"""""ረዘነብርሀነ
ሽዑ እንግሊዛዊ LtCol Right ዝብሀል ናይ ፖሊስ ኤር አዛዚ ነይሩ : ኤር ሐድሽ መንግስቲ ትምስርት ደግያት ተድላ ባይሩ መራሕ መንግስቲ ኾኑ :: ነዞም 4 ካብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ተመልሱ LtColኮሎኔላት ሸይሞም : : አብቲ ቅዋም መንግስቲ ኤርትራ ግን ፖሊስ ኤርትራ ሐደ ም/ ኮሎኔል ጥራይ ዘፍቅድ :: ሕጂ ደ/ ተድላ ባይሩ ንም ኮሎኔል ስዩምካሕሳይ ናይ ኤርትራ ፖሊስ ኮሚሽነር ይመርጽዎም :
ም/ኮሎኔል ተድላ ዑቅቢት ናብ ዲይረክተር ናይ ክፍሊ መጏዓዚያ
ም/ኮ ረዘነ ብርሀነ ( ረሲዔያ ከይከውን እንበር PWD( Public Works Department) እዮምመስለኒ ተቀይሮም:
ም/ኮ አለም ማሞ Interior
ም/ኮ መንግስቱ ህብትዝጊ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዘይከዱ ሐለቃ ፖሊስ ድጏና ክፍሊ ቤት ማእሰርቲ ኤርትራ ( ሽዑ አብ ምሉእኤርትራ ዝነበራ ቤት ማእሰርቲ 1: አስመራ ማእከላይ
2:ጸጸራት 3: ሐዝሐዝ ናይ ደቂ አንስትዮ ::4: ደቀምሐረ 5 :ዓዲ ቀይሕ 6: ዓዲ ኻላ 7: ምፅዋዕ 8: ምፅዋዕ ናይ ደቂ አንስትዮ ::
Lockup ን24 ሰዓት አብ ነፍሰ ወከፍ Police Station ነይሩ ::
ም/ኮ ተድላ ዑቅቢት ( አንሻፎረይ ) ኢሎም ናብ ራስ አንዳርጋቸው መሳይ ክጠርዑ ይኸዱ : ደ/ ተድላ ባይሩ ይርፍትዎም ብዘይ ስራሕ 1 ዓመት አቢሎም መቅነን 80 ቅርሺ ንወርሒ ካብ ኢትዮጵያ እንዳወሰዱ አብ ፐንዮነ ዲያና ጥቃ ባላ ካነስትራ ኤርትረያ : እቶም ራስ አንዳርጋቸው መሳይ ለሚኖምሎም ክመልስዎም ::
ይቅጽል እዚ ዝጽሕፎ ዘለኹ ብዘይ ሐደ ኖት ምጽሐፍ ቅድሚ 50 ዓመት ዝሰማዕክዎ እዩ ::
ዝሐለፈ ሰሙን ፕሮሚስ ዝአተኹልኩምንናይ ጀ ተድላ ዑቅቢት ከመይ ገይሮም ናብ ፖሊስ ከምተመልሱ

 

1944


ዛንታ ፖሊስ ኤርትራ 3ይ ቅጻል :
La Legge e Uguale per tutti ! እዚ አብ ኩሉ ቤት ፍርዲ ኤሪትራ ተጻሒፉ ዘሎ ብዓቢ ብቋንቋ ጥልያን እንግሊዝ እዩ ጽሒፍዎ : እቲ ሕጊ ካብ ሎሚ ጀሚሩ እቶም ጥልያንውን ልክዕ ከምቶም ጸለምቲ ኤሪትራዊያን አብ ቅድሚ ሕጊ ሐደ እዮም ዝብል ሕጊ ወጸ :: ጥልያን ብጭራሽ አብ ኤውሮጳ ምስ ተሳዕረት :: ቅድሚኡ Court Nativi ዝብሀል ንኤርትራዊያን ጥራይ ነይሩ Court Civile ናይ ጥልያንነይሩ :: ሽዑ 1944 አቢሉ British High Court ተጀመረ : እቲ መጀመርያ ኤሪትራዊ አኽባር ሕጊ አብ ናይ እንግሊዝ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከእአቦይ ሰርጀንተ ገብረእግዚኣብሔር ተወልደ (አባጥረግ ) ኮነ አብ ትሕቲኡ ሰርጀንተ በርሄ ሰቋር ( ድሐር ቀኛዝማች በርሄ ሰቋር ፕረሲደንት ናይ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝኾኑ )::
አብ ትሕቲኦም 3ይ አኽባር ሕጊ ኸአ ስርጀንተ እምባየ ገብርእምላኽ ( ድሐር ፊተውራሪ እምባየ ገብረእምላኽ SDO አማሐዳሪ ናይ እውራጃ ሰንሒት ከረን ድሐር ናይ አውራጃ ሐማሴን እዚኦም 3 ፖሊስ ዝነበሩ እዮም :: 4ይ አቶ ግደይ በርሄ ( ጽሐፋይ ናይ ፖሊስ ነይሮም ናብ አኽባር ሕጊ ድ ሐር DO :5ይ ሰርጀንተ አስገዶም ካፍል ( ድሐር መጀር ናይ ቤት ትምህርቲ ፖሊስ ኤርትራ ሐለቃ አብ ደቀምሐረ :: ከምዚ ኢሉ እዩ ናብ ኤርትራዊያን ዝሐለፈ ::
ካሎኦት ውን ፖሊስ ዝነበሩ ናብ ሲቪል ዝሐለፉ ::
እንስፐክተር እምባየ ይፍጠር ፖሊስ ናብ ናይ ኮመርሻል ባንክ ናይ ኢትዬጵያ ማናጀር :

 

1950s

ዛንታ ፖሊስ ኤርትራ 4ይ ክፋል : እቲ ፖሊስ ኤር ብደምቢ እዩ ዝሰርሕ ነይሩ ክሳብ 1954 እንግሊዝ አሕሉቅ አብ ዝነበርዎ ግዜ : ብመንፍዓት እዩ ነይሩ : ንምሳሌ ክጠቅስ እቲ ኮምሽነር ናይ ፖሊስ 6 አብትሕቲኡ ምኽትላት ነይሮሞናይ ተፈላለዩ ደፓርትመንት :: አብትሕቲ ናይ ኮምሽነር ቤት ጽሕፈት ብቀጥታነቲ ኮምሽነር ሪፖርት ትገብር Staff Officer ትብሀል ነይራ :: ስርሐ ድማ Force Orders እዩ ሕግታት ብኮምሽነር ተሐጊጉ አብ ኩሉ ዲፓርትመንት ዘምሐላልፉ ከመይ ገይሩ ከምዝሰርሕ ዘሎ :: እቲ ሐላፊ ስርሑ ዝግምግሙ : መዓርግ : ዝቅይሩ እዛ ክፍሊ እዚአ እያ : ብጣዕሚ ትፍራሕ ክፍሊ እያ ነይራ ብቀጥታ ፖሊስ እተመርሐ እዚአ ክፍሊ እያ :: እቶም መጀመርታ ኤር ሐላፊ ናይ S Officer Inspector Tedla Oqbit እዮም ነይሮም :: ዳርጋ ሐላፊ ናይ ፖሊስ ኤርትራ ኩሉ ፖሊስ ሐላፊ ነዚአ ድፓርትመንት እዩ ሪፖርት ዝገብር ንምምይያጥ ብዛዕባ ዕብየት ናይ ፖሊስ ዘድልይ :: ብዛዕባ ናይ ገበናት ወይ ማዐልታዊ አሰራርሐ አይኮነን ብዛዕባ ፖሊሲ አገባብ ዲስብሊን :: ኢንስፐክቶር ተድላ ዑቅቢት ህርኩት ስራሕ ንፉዕ ነበሩ :: ፖለቲካ ዓደየ ዓደይ ዝነበረሉ ግዜ ሻራ ከርእዩ ጀመሩ :: አብ ኤርትራ ፖሊስ አብፖለቲካ ናይ ዝኾነ ምክፉል በፍጹም ክልኩል እዩ : እንተ ተረኺቡ ተአሲሩ ርፍትያ : እዚኦም ተድላ ዑቅቢት ብታሕቲ ታሕቲ ምስ ፊተውራሪ አስፍሀ ወ ሚካኤልን ቀሺ ድሜጥሮስ ራስ አንዳርጋቸው መሳይ ም/ ኮ ነጋ ኃይለሥላሴ ኮይኖም ነቲ ናቶም መዝነት አሚኖም ነቶም ፖሊስ አብ ማሕበር ፍቅሪ ሀገር ተጸምበሩ እና አተባብዑ ነቶም ዘይተፅምበሩ እናአፈራርሑ ወይ እንዳቀየሩ አሸገርዎም ( እዚ አውራጃውነት አይነበረን ፓርቲታ Political Party :: ድሐር ደ ተድላ ባይሩመራሕ መንግስቲ ምስ ተመርጹ ናቶም መሳርሕቲ ምስ መረጹ ( ኢትዮጵያ ወይ ሞት ) CABINET ናቶም ዝመረፅዎም ኩሎም ካብዛ ጉጅለ ሐማሴንን ከኒሻን ዝበዝሕዎም መረፁ : ናቶም ደፋክቶ መንግስትን ባርቲን እዩ : ከም ንምሳሌ Donald Trump ናይ ሕ መ አ Republican መንግስቲ ናቱ ባርቲ እዩ ዝመርፅ : ህዝቢ ኤርትራ አይተረድኦምን ሽዑ ን ደግ ተድላ ባይሩ ጸመድዎም :: ነቶም ናይ ፖሊስ ኤርትራ ዝመረጽዎም ውን ም/ ኮ ስዩም ካሕሳይ ንፉዕ ፖሊስ ካብ ኩሎም ብምምሕዳር ክእለት ጸብለል ዝበሉ እዮም ነይሮም ግን ከ ሐማሴናይ :: ሕጂ ህዝቢ ኤርትራ መንግስቲ ኤርትራ ምባል ገዲፉ መንግስቲ ሐማሴን ክብል ጀሚሩ እዚ ግን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ጉድለት ትምህርቲ እዩ እምበር ጌጋ አይነበረን : ንምሳሌ Director General ናይ ጥዕና ምሁር ተሳኢኑ ስርጀንተ መብራህቱ በርሄ ፈርሜየረ አብ ሐዝሐዝ ፖሊስ ክሊኒክ ዝነበሩ ዶክቶር መብራህቱ በርሄ ተባሂሎም ናይ ፓብሊክ ሄልዝ ሚኒስ ተር ኮኑ : ንሶም ሰረወታይ እዮም ንሆስፒታል ኤርትራ ብደቂ ሰራየ መልእዎም ገሊአቶም እኩዋ ድአ ማሕረስን ጋስነትን ገዲፎም 6 ወርሒ አብ ሆስፒታል ኢተገ መነን ናይ ፈርምየሪ ሞያ አምሂሮም ፈርመሪታት ኮኑ : እዚ ግን ብፍላጥ አይመስለንን ጉድለት ትምህርቲ እዩ :: ዘመድካ አብ ገዛኻ መጺኡ አነ ንዓኻ ሒዘ አብ ድኽነት ደቂ ዓድና ብአኻ እዮም ዛረቡ ዘለው እናበሉ አብ ሽግር የእትዉዎም :: ህዝቢን ፖሊስን ይዕዘብ ::
ናብ ም/ኮ ተድላ ዕቅቢት ንመለስ : ሰብአይ ብዘይካ ፖሊስ ካልእአይደልይን ኢሎም ነቶም ናይ ኢትዮጵያ ዝተአማምንዎም ዝነበሩ አቸገርዎም ደግያት ተላ ድምብርፅ ከ : እሶም ዝሀዙ ሒዞም ፀሐፊ ትእዛዝ ወልደጊዮርጊስ ወልደዮውሀንስ : untouchable ድሐር ግን 1955 ደግያትተድላ ካብ መራሕ መንግስቲ ኤርትራ ብገዛእ ርእሶም ምኽኒያታት ገይሮም ካብ መዝነቶም ወረዱ :: ፊተውራሪ አስፍሀ መራሕ መንግስቲ ምስ ተመርፁ ካብ ስራሕ መንግስቲ ናብ ናይፖለቲካ አድሀቡ : ብግዜ ደግያት ተላ ባይሩ 5 ስክረታሪ እዮም ነይሮም Secretary ሚኒስተራት ( ሺንኮ ጋቲ ) ህዝቢ ዝብሎም ዝነበሩ :: አስፍሀ ግን አብ 6 ገበርዎም ከዛንቁ 3 አስላም 3 ክርስትያን ናይ ስራሕ አይገደሶምን : ከመይ ገይረ ነስላም መታሕት ይጥርንፎም ክርስትያን ከበሳን አስላም ባፅዕ ክብሉ አብ ፖለቲካ ግዜኦም አሕሊፎማ ግን እቲ ህዝቢ ብልዝብን ብሕጊ እንዳባ ገይሩ እዳነይ ነይሩ ::
ራስ አንዳርጋቸው መሳይ ንፊተውራሪ አስፍሀ ንተድላ ዑቅቢት ናብ ፖሊስ ክመልስዎም ይልምኑሎም : ፊተውራሪ ክአ ምስቲ ቅድመይ ዝነበረ መንግስቲ አሻንፎረይ ስለ ዝበለ ቀጺኤ ክመልሶ እየ በሉ : ካብ ም/ ኮ ናብ መጀር ገይሮም መለስዎም : እብ ትሕቲ ኮሎኔል ራይት : ራይት ሽዑ ንሀገሩ ተመልሰ :: ሕጂ ብውዲት ኢትዮጵያ ሐለቃ ፖሊስኤርትራ ኾኑ ም/ኮ መዓርጎም ተመልሰሎም :: ካብአ መዓልቲ መርየት አይትጽርኒ " ሕነ " ጀመረ አብ ፖሊስ ኤርትራ ኩሎም እቶም ናይ ኮሎኔል ስዩም ካሕሳይ ዝነበሩ ገሊኦም ረፈትዎም ገሊኦም ከይወዓልካ ከይሐደርካ ጥርዝያ :: ንምሳሌ ካፒታኖ ሀይለ ንጉሰ :
ካፒታኖ ገረሱስ መብራህቱንብዙሐት አስማቶም ዝረሳዕክዎም :: ግን ድሕሪ ሞት ጀ ተድላ ጀ ር ዘርእማርያም አዛዚ ማዓርግ ወሲኾም አብ ፖሊስ መለስዎም: አቦይ ሰርጀንተ ገብርአብ ወልደስላሴ ዝብሀሉ " ተድላ ዑቅቢት ሰራየ ዓዲ አዲኡ እዩ እምበር ዓዱ ሀሬን ወረዳ ደቅምሐረ አከለ ጉዛይ እዪ ዓዱ እቲ ገዝኡ ፈሪሱ ንሕና ቲ ዕንጨይቲ ገዝኦም ነንድዶ ለና" ኢሎም ተባሂሉ 6 ወርሒ ብዘይ ፍርዲ አብ ናይ ፖሊስ እስርቤት ብዘይ ፍቃድ አሲሩረፈቶም : ሽዑዑ አብ ፖለቲካ ኩሉ አጸግዖ ::ነቦይ ወላድየይ ሰርጀንተ ገብረእግዚኣብሔር ተወልደ ( አባጥረግ )ምኽትል ናይ ClB እብ ትሕቲ መጀር ኩፐርን መጀር ዑመርን : 1954 ካብ ማሕበር ፍቅሪ ሀገር ወጺኡ ናብ Eritrean Progressive Party አትዩ ተስሚዑ አብ 24 ሰዓት ካብ ከመይ ዝአምሰለ መዝነት ከይወዓልካ ከይሐደርካ ንቆላ ሰራየ ዑበል : ቅድሚኡ ካብ ከተማ ወጺኡ ዘይፈልጥ ብጀካ ከተማ ኸረን 9 ወርሒ ፖሊስ ClB ከተዓራሪ ካብ አስመራ ወጺኡ አይፈልጥን : አውራጃ ሰራየ በቲ እዋን ብዙሐት ሸፉቱ ዮም ነይሮም :: አቦይ ዝአተወላ ምሸት ውግእ : እቲ ዕሉል ቀኛዝማች ገብረስላሴ ወይ ብዓል አድያቦ ደምበላስ ምስ 3ይ ርእሱ ማረኾ ናይ አቦይ ቦኽሪ ውግእ : አብ ጋዜጣታት ዘመን ኮቲድያኖ ኤሪትረዮ ክወ ጽእ ጀመረ : ዓወት አብ ርእሲ ዓወት : ባዕሎም ኮሎኔል ተድላ ዕቅቢት : አነ ድአ እብ ከተማ ጥራይ እንዴ ጅግና ወዲ ከተማ ዝገብረካ ነይረ እብ በረኻ ውን ጅግና ንህዝቢ ሰራየ ዘዛረብካን ዘድረፍካን ኢሉ ካብ ጅቡኡ እውጺኡ 100 ቅርሺ ማሀያ 2 ወርሒ ዳርጋ አቢሉ ምስ ስድራቤትካ 15 መዓልቲ ዕረፍቲ ውሰድ ተባህለ ንመጀመርያና ማይ ውዑይ ዝኸድናሉ :: ካብኡ ብዘይካ አቦይ ምስ ሂወተይ ማይውዑይ ዐምት ንሐንሳብ አብ ክልተ ዓመት ክንከይድ ጀሚርና ::
እብት መጽእ ስሙን ካብ 20 አንበብቲ " እወ " እንተ ይልኩም ናይ ተድላ እቅቢት : 8 ዓመት አብ ስልጣን :
ርክብ ቆንስል እንግሊዝን ተድላ ዑቅቢትን ::
ግራዝማች በዛበህ ዘረአብሩኽን ስበይቲ ቆንሱል እንግሊዝን :
አብታ መጨርሽታ መዓልቲ ሰሉስ አብታ አፍደገ ቤት ጽሕፈቱ አቦይን ባሻይ ዓይነታን :: ይቅጽል ::

 

Late 1950s


ዛንታ ፖሊስ ኤርትራ 7ይ ክፋል : ብናይ ማህበር ሰራሕተኛታት 1958 ዝተገብረ 80 ሰብ ሞይቶም ዝብሀል ሐሶት : ሐደ ሰብ ተወጊኡ 10 ዝኾኑ ተፈጊኦም : እታ ጥይት ከአ ተባሪ ቃቶም እያ ሰርጀንተ ሱለይማን ፍሊ ( ወዲ ፍሊ ) አብ ቺቸሮ እውን አልቢትሮ ኮይኖም ዘጻውቱ ዝነበሩ ጽቡቅ ሐለንጋይ ሰብአይ : እቲ ዝተወግኤ ሕጂ ኮሎኔል ናይ ህዝባዊ ግንባር አሎ ( ስሙ ረሲዔያ ከይከውን እምበር አማረ እዩ መስለኒ ብዓል ዓዲ ኽላ : ወዲ ሐዎም ንፊተውራሪ ሀውኪ :: ደቂ ዓዲ ኹላ ነዚ እንተ እንቢብኩሞ ስሙ ትፈልጥዎ ትኾኑ : ንሜዳ ክአቱ ኸሎ ካብ ህንጻ ኮለጅ ጨሪሱ እዩ ከይዱ ::
እቶም ዝተፈግኡ ፖሊስ ሽዑ ተለንተ ወልደስላሴ ይብሀሉ ድሐር ኮሎኔል በጺሖም ናይ ልዑል ራስ አስራተ ካሳ ናይ ጥበቃ ሐላፊ ዝነበሩ :: እቲ ሰማንያ 80 ሰብ ሞይቶም ኢሉ ዘተሐላለፈ ወረ ራድዯ አልአህራም ካብ ካይሮ ድ ሐር ኢል ኮቲድያኖ ኤሪትረዮ : ኢል ራድዮ ካይሮ ዲቸ ኢሉ እብ ጋዜጣ : ወጺኡ :: ዝሞተ የልቦን: ቀብሪ ውዒለ ዝብል የልቦን : ሐወይ አቦይ አደይ ሐፍተይ ሞይቱኒ ዝብል የለን ፈጠራ ሐሶት : አብታ መዓልቲ ውዒልና ነይርና ዝብሉ እንተለው ሕተትዎም :: ሐደ ኢንተርቪው ክገብር ስሚዐዮ አብ ዩቱይብ : ሰለስተ መዓልቲ ሐሐሊፉ ተኹሲ ነይሩ ኢሉ ገጋ : እንደገና ባንዴራ ኤርትራ 1958 ወሪዳ ኢሉ ገጋ : ባንዴራ ኤርትራ 1960 እያ ወሪዳ : ካብ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ምምሕዳር ኤርትራ ብ1958 ኢሉ ገጋ ብ1960 እዩ :: አብ 8ይ የራኽበና
Early 1960
ዛንታ ፖሊስ ኤርትራ 8ይ ክፋል : ጋዘል (ጠሌቤዱ ) ከመይ ገይራ አርማ ፖሊስ ኤርትራ : 6 ፖሊስ ንፓትሮል ምስ ከዱ አብ በረኻ : መገ ዲ ጠፊኢዎም ሰለስተ መዓልትን ለይትን ይገብሩ ብጥሜትን ጽምአት ማይን : ሽዑ በተግ ኢላ ሐንቲ ጠሌበዱ ካብቲተሐቢአቶ ዝነበረት ትወጽእ : መግቢ ረኺብና ኢሎም ክትኩስ ላ እቶም ክልተ ግደፋ ንከተላ ኢሎም ተኸተልዋ ናብ ማይ ሒዛቶም ከይዳ ድሒኖም :: ካብአ ግዜ እያ ንባንዴራ ተመሪጻ አብ ቆቢዖም እውን ክሳብ 1960 አቢላ ነይራ ::
ሕጂ ውን እቶም ፖሊስ ናይ ሐዳስ ኤርትራ ዘሰልጠንዎም ኮሎኔል ተስፋሚካኤል ገብረመድህን ሻምበል ዘርአይ ሀብተስላሴ ተኸራኺሮም አብ ክንዲ ገመል ጠሌበዱ ገይሮማ :
Michael Abatregh
5 July at 12:12 ·
Yemane Yohannes የቐንየልና ሚኪኤል፣ ኣቕዲመ ንዘለካ ናይ ምዝካር ክእለት ዓቕሚ ኣድናቖተይን ምስጋናይን ክገልጽ እፈቱ ። ቀጺለ ውን ኣነ ከም ሓደ ወዲ ፖሊስ ናይ ሬድዮ ሲግናል ነበር፣ ኣብቲ ቁልቁለት ኣብ ሞንጎ ትሕቲ ፎርቶ ባልደሰራ፣ ጥልያን ገዲፎሞ ዝኸዱ፣ ደሓር ወተሃደራት እንግሊዝ ዝቕመጥሉዝነበሩ፣ እንግሊዝ ምስ ከዱ ድማ ብ52 ናይ ኢትዮጲያ 2ይ ዲቪጅን ክ/ጦር ሰራዊት ሒዞምዎ ዝነበሩ ከባቢ ስለ ዝዓበኹ፣ ካብ በዓል ኣቦይ ዘዕልልዎ ዝነበሩ ዕላላት ዝሰምዖ ዝነበርኩ ብምዃኑ ታሪኽካ ጽቡቕ ጌሩ ኢዩ ትዝ ይብለኒ። ግን ኣብቲ ዕላላቶም፣ ብሰንኪ እቲ ኣብ 40ታት ዝነበረ ፍልልያት መርገጻት ናይ ማሕበራት ዓደይ ዓደይ ጽልዋታት፣ ማለት እቲ ኣመሰራርታ ሓይሊ ፖሊስ ውን ኣሰሓሓቢ ከምዝነበረ ይስማዕ ኔሩ ኢዩ´ሞ ብዝዕብኡ ገለ ትፈልጦ እንተለካ ጽቡቕ ኔሩ። ንኣብነት፣ እቲ ኣብቲ ግዜቲ ሓልፍነት ምምስራት ሓይሊ ፖልስ ሒዙዎ ዝነበረ ኮሚሺነር Lieutenant David P. Crackel ዝበሃል እንግሊዛዊ ከም ንበዓል ኣለም ማሞን ፣ ንእርዳቸው እመሻውን ዝኣመሰሉ ከም ሓለፍቲ ክዀኑ ዕድላት ብምሃቡ ገለ ገለ ዘይሕጉሳት ምንባሮም ይዕለል ስለ ዝነበረ ኢየ ክጠቕሶ ዝደለኹ።

 

1960s

 

ዛንታ ፖሊስ ኤርትራ 5ይ ክፋል ኩሎም
ፖሊስ
ትራፊክ
ኮማንዶስ
ፈረስኛ
ኩሎም 3326 እዮም ነይሮም
ኮማንድስ ናይ ኤርትራ ናይ ሻምበል ያሲን በሺር ሻለቃ እያ ትብህእል ነይሪ 600 እዮም ነይሮም ብመጀመርያ ክትቋቋም ከላ ብመሪሕነት ም/ ኮሎኔል ዘካርያስ ዮውሀንስ : : ሻምበል ነጋሽ ኃይሎም ምኽትል
ሻምበል በላይ ሐጎስን ሻምበል አስገዶም ዘርኤ ሐለፍቲ ውግእ እዮም ነይሮም : ኩሎም እቶም አዘዝቲ ናይ ፍይልድ ፎርስን ናይ ስትራይኪን ፎርስ እዮም ነይሮም እቶም አህሉቅ ብእንግሊዝ ዝሰልጠኑ እዮም ነይሮም : እዚ መዓርጋት ኮማንዶስ 1965 ክትጅምር ከላ እዩ : ድሐር ወሲኾም እዮም :: ብ1968 ከአ 400 አሰልጢኖም :: ግዜ ምስ ረኽብኩ አስማት ናይቶም መርሕቶም ክጽሕፈልኩም እየ :: መጀመርያ አብ ውግእ ዝሞቱ አብ ድርፎ ተልንተ በርሄ አባይ ::
ባንዴራ አብ እንዳ ፖሊስ ትስቀል ዝነበረት ጋዜላ ( ጤለበዱ ) እያ ነይራ : ጀነራል ተድላ ዑቅቢት ብ1960ባንዴራ ኢትዮጵያ ስቀሉ ኢሉም አዚዙ :: እዚ ባንዴራ አይትወርድን እያ ኢሎም ፈኪሮም ዝብሀል ሐሶት :: ባንዴራ ኤርትራ አብ እንዳ ፖሊስ ተሰቂላ አይትፈልጥን ብጀካ ጤለበዱ እርማ ናይ ፖሊስ ኤርትራ : ሕጂ እውን ጠለቤዱ እያ :: እቶም ሻዕብያ ገመል መሪ ጾም ነይሮም : ኮሎኔል ተስፋንኪኤል ን ሻምበል ዘርአይ ሀብተስላሰ መምሀራን ሐድሽ ፖሊስ ኤርትራ አይከውንን ኢሎም ጠለቤዱ ገይሮማ :: ዛንታ ጠሌቤዱን ዛንታ ፖሊስ ኤርትራ ከመይ ገይሩ ከምተተሐዘ ከዘንትወልኩም እየ ንዝቅጽል 6ይ ክፋል
Yemane Yohannes መርሓባ ምኪኤል፣ ብጣዕሚ ዘይተዛብዐ ሚዛናዊ ተሪኽ ኢዩ ። ኰማንድስ ልክዕ ክምቲ ዝገልጽካዮ ብ1965 ዓ/ም ኢዩ ተመስሪቱ። እቲ ንምምስራት ቀንዲ ምኽንያት ዝዀነ ቁሩብ ክምለኣልካ፣ እቶም ካብ ግዜ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ ጀሚሮም፣ ኣብ ሰምበል ዝመደበሮም ብዛዕባ በረኻታት ኤርትራ ጽቡቕ ኣፍልጦ ዝነበሮም፣ ስትራኪን ፎርስ ብዝብል ስም ዝጽወዑ ዝነበሩ፣ ካብ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ብ1961 ጀሚሮም ብዘጋጥሞም ዝነበረ ጽዕጹዕ ናይ ደባይ ውግእ መጥቃዕትታ ምስ ተዳኸሙ እንዳወሓዱ ብምኻዶም ኢዩ ኔሩ።
ቅድሚ ኰማንድስ ምኽታቦም ግን ክሳብ ዝስልጥኑ ሓደ ተወሳኺ ሓገዝ ስለ ዘድለየ ካብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ኰልፌ ዝመደበሩ ፈጥኖ ደራሽ ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ሓደ ደጋፊ ሓይሊ ንስምበል ምጺኡ ንስትራኪን ፎርስ ክሕግዝ ፈቲኑኳ እንተነበረ፣ ኣብቲ ብ1964 ዝተኻየደ ውግእ ናይ ተጐርባ ተኻፊሉ ኢዩ። ነቲ ቃልሲ ከይማዕበለ ከሎ ንምብርዓኑ ዝነበረ መደብ ስለ ዝፈሸለ ድማ ብመራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጲያ ህጹጽ ኣኼባ ድሕሪ ምክያድ ፣ ብትእዛዝ ብ/ጀነራል ዘርኢማርያም ኣዛዚ ንኹሉ ዓድታት ብጋዜጣ ሕብረት መጸዋዕታ ንስንበል ከም ዝመጽእ ተገይሩ፣ ብሓደ ኣሽኰል ዝስሙ እስራኤላዊ ድማ ስልጠና ተኻየደ። ልክዕ ከምቲ ዝበልካዮ ናይ ሰምበል ሓላፊ ኣብቲ እዋንቲ ውን ኰሎኒል ዘካርያስ ኢዩ ሓላፊ ኔሩ። ብዝዕባ ስልጠና ኣካይዳ ውግእ ግን ናቱ ስራሕ ኣይነበረን

 

 

 

 

Mr Reasom Kidane !አቶ ኪዳነ ሚኒስተር ወልደንኪኤል አብርሀ ዓንድኪኤል ንዓይ ከም ዓቢ ሐወይ እዩ ምስ አዲኡ ማማ ትዕበ ናይ ዓለም ጽብቕቲ ወረጃ ሰበይቲ : ሰብአይን ሰበይትን ጎይቶት ጠባይ ነቅኒቅቃ ዘይዛረቡ: ወልደንኪኤል ውን ተዛራባይ አይኮነን ብጀካ ፍሽኽታ : ተአሲሩ ከሎ ክልተ ግዜ ምስ አደይ ትዕበ አድኡ ከይደ ርእየዮ : ሐቁፍና አዕሊልና ንሕና በኺና : አነን አማኑኤልን ወዲ ሐው ድሐር አቦይ ጀነራል ተድላ ዑቅቢት ኪዱ ገዛኹም ወይዘሮ ትዕበ ሒዝኪዮም ኪዲ ኢልወን ኩሎም ኢለንኦም . ንወልደንኪኤል ብበትሮም እናእመልከቱ እዚስ ድሐን ባዕለይ አለኽወ ኢሎመን ከይድና : ንጽባሕቱ ወልደንኪኤል ገዛ መጺኡ :: ፖሊስ ኤርትራ ክአስሩ ይኽእሉ ነይሮም እምበር ፈረዲ አይነበሩን ::
To add to the story arround five staff members from police were sent to Britain for trainning Mr tedla ogbit Seium Ato Alem Mamo Ato Rezane berhane and Ato kidane kahsai my contribution to the story my hamble memory go on mike