ወፊሮም ገዝኦም ዘይተመልሱ (ካልኣይ ክፋል)

Thursday, 11 November 2010 00:20
http://assenna.com/index.php?option=com_content&view=article&id=3201:2010-11-11-00-25-56&catid=46:discussion&Itemid=100584

መስፍን ሓጎስ መን’ዩ?

ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ መስፍን ሓጎስ ንሓይልና ፋሕብትን ኣቢሉ ነቶም ናይ ቃልሲ መማህራንና ናበይ ከም ዝሰወሮም ከምዝጠፋና ገሊጸ ነይረ። ንሱ ስርሑ ሰሪሑ ጸብጻቡ ከቕርብ ናብ ኢሳያስ እዩ ዝጎዪ ዝነበረ።

ከም ኣጋጣሚ ኮይኑ ገለ ተጋደልቲ ስንቂ ካብ ሱዳን ናብ ሜዳ ዘመላልሱ ዝነበሩ ክልተ ዓበይቲ ካድራት፡ ነቲ ኣብ ልዕለና ዝወርድ ዝነበረ ግፍዒ ኣመልኪቶም ተቓውሞ የስምዑ ስለ ዝነበሩ፡  ኣብቲ ሓይልታትና ምስ በጽሑ መስፍን ምስ ሰራዊት ከይተራኸቡ ክኣስሮም መደብ ስለ ዝገበሮ ሃንደበት መጺኡ ኣከበና ።

ኣርእስቲ ናይቲ ኣኼባ ብዛዕባ እቶም እሱራት እዩ ነይሩ። ኣብ ሕቶን ርእይቶን ምስ ተበጽሐ ከኣ ገለ ተጋደልቲ ተሲኦም ኣብዚ ኣለው መሪሕነት ፈሪሕና እምበር እዚ ዝግበር ዘሎ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ቅኑዕ ኣይኮነን እንዳበሉ ዝዛረቡ ኣካላት መሪሕነት ክዛረቡ ዕድል ዘይትህብዎም ዝብል ኣቃጫጭ ዝዓይነቱ ዘላፊ ቃላት ዝተሓዎሶ  ርእይቶ ኣቕረቡ ። መስፍን ሓጎስ በዓል ዘርኣይ በዓል ኢሳቕ ድዮም እንዳ በለ ተዛረቡ ኣይትፍርሑ ዝብል ናይ ኣሽካዕላል ዘረብኡ ክይወድአ፡ ዘርኣይን ኢሳቕን በብተራ ተሲኦም ከምዚ በልዎ፡ ጉቡጥሽ ዝረኣናዮ አይተዛርበና በለት ይበሃል። እቲ ዘሕዝነና እኮ በዓል ዘርኣይ በዓል ኢሳቕ ዘለውዎን ዝተሰለፍዎን እንዳበሉ ብዙሓት መንእሰያት ክውሕዙ ምዃኖም እዩ። በዚ ብዙሕ ወጠጥ እኳ እንተነበረ መስፍን ናብቲ ቀንዲ ዘምጸኦ ጉዳይ ኣተወ። ንሱ ከኣ ብዛዕባናን ብዛዕባ እቶም ዝተኣስሩን ኮይኑ ዘረብኡ ቃል ብቃሉ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።  እቶም ተኣሲሮም ዘለው ንሰውራና ከዕንው ብሲ.ኣይ.አ. ዝተላእኩ ጀዋስስ እዮም። እዞም ምሳኹም ዝቕጽዑ ዘለዉ ከኣ ብከደዓት ደቂ ሃገር ዝተላእኩ እዮም። ሚዒድካ ከተቃልሶም ይከአል እዩ በለ። እቲ ኣብ ልዕለና ዝተበየነ መቕጻዕቲ ከምዚ ዝስዕብ ነበረ።

1) ሳዕሲዒት ራሻ ዝበሃል ናይዝጊ ክፍሉ ዝመሃዞ።

2) ከቢድ እምኒ ተሸኪምካ (ደንጎላ) ነዊሕ ጎቦ ምድያብ ከም ገለ ኣብ ፍርቂ ወይ ክትድይብ ወይ ክትወርድ እታ እምኒ ምስትወድቕ ተመሊሽካ ከምሓድሽ ትስከማ።

3) ናይ ሓይሊ ምሉእ መጋባይ (ኣዳላዊ መግቢ ምዃን)

4)ብብርኪ እግርኻን ብብርኪ ኢድካን ኣብ ኳኺቶ ዘሎዎ ቦታ ምንብርካኽ ።

5)ኣብ ጸሓይ ን30 ደቒቕ ደው ምባል።

6)እታ ካብ ኩሉ ዝኸፈአት መሰልናን ማዕርነትናን ግፉፋት ስለ ዝነበርና ይትረፍ ክንሓትትን ርእይቶ ከነቕርብን ምስ ዝኾነ ተጋዳላይ ከይነዕልል ውጉዛት ኔርና። ካብ ኩሉ ጸብሒ እንዳ ሰራሕና ወይ እንዳ ሰንከትና ሓደ ተጋዳላይ መጺኡ ነቲ ጀረካን ማይ ይወስደልካ እንተ ተዛረብካዮ መን መሰል ሂቡካ ምሳይ ክትዛረብ ኢሉ የፋጥጠልካ። በዚ ብዙሕ ግዜ ኣብ ምጉሳጥ ዝእተወሉ ኩነታት ኔሩ።

ክቡር ኣንባቢ እዚ ኣብ ሓይልና ጥራይ ነቶም ናይ ቃልሲ ናይ ጽንዓት ናይ ጅግንነት ናይ ሓቦን መማህራንና ስለ ዝተኣስሩ ልክዕ ከምዛ ጉጅለ 15 ዝገበርዋ ስለዝገበርና ኢና እዚ ኩሉ ፍዳና ሰቲና።

ኣብ ካልኦት ሓይልይታት በብግሊ ዝግረፉን ዝቕጽዑን ዝነበሩ ንኣብነት ዳዊት ዝተባለ ኣብ ባህርዳር ብኤለትሪክ ዝተመረቐ፡ ሓደ ሽሙ ዝረሳዕኩዎ ወላዲ ኣብ ኣስመራ ጠበቓ ዝነበረ፡  ከምኡ ‘ውን ጀነራል ኮይኑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህግደፍ ዝቐተልዎ ብርሃነ ገረዝጊሄር ኔሮም።

ከምኡ በዓል ዑቕበ ኣብርሃ፤ ጴጥሮስ ሰለሙን፤ ጸጋዝኣብ ወደባቴ፤ ብጻይ ጎትኦም፤ ዘለውዎም ኣብ ዘለውዎ መስፍን ሓጎስ እንዳዘረ ማዕረ ኣካሎም  ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ዝኮኑ ብዙሓት እዮም። እዚኦም ካብ ዝዝክሮም ጥራይ እዮም።

እምብኣር ነገር እንዳከረረ ምስ ከደ ኢሳያስ ንመሪነት ኣኪቡ እንታይ ንግበር  ዝብል ሕቶ ኣምጸአ። ሓደ ተወልደ እዮብ ጥራይ ከኣ እዚ ሕቶ ቅኑዕ ሕቶ እዩ ብምባል። ወተሃደራዊ ጉባኤ ይገበር መሪሕነት ይመረጽ ሰብ ሰስርሑ ይፍለጥ ዝብል ርእይቶ ኣቕረበ። በዚ ምስ ኢሳያስ ስለ ዘይተሰማምዑ፤ኢሳያስ ነቶም ሰለስተ መሪሕነት ማለት ንመስፍን ሓጎስን፤ ሰለሙን ወልደማርያምን፤ ኣስመሮም ገረዝጊሄርን፤ ንበይኖም ኣኪቡ ተወልደ እዮብ ጉባኤ ዝብል ዘሎ ጀብሃ ንወጻኢ ልኢኻ ኣሰልጢናቶ እያ። ወተሃደራዊ ኪኢላ እዩ፤ ንስኻትኩም ግን ግድምና እንተ ዘይኮይኑ ብወተሃደራዊ ይኹን ብኣካድይምያዊ ትምህርቲ የብልኩምን። ኣብ ጉባኤ ምስዞም ተመሃሮ ክትወዳደሩ ኣይትኽ እሉን ኢኹም። ረኣይዎም ዘርእይዎ ዘለው ወተሃደራዊ ምትዕጽጻፍ፡ንስኹም ደቂስኩም ኢኹም ዘለኹም።  ውሽጣዊ ጎንጽኩም ገዲፍኩም ምስዞም ተመሃሮ ተቋራቖሱ ኢሉ ዓረቖም።

በዚ ወዮ ከይቕተል ዝፈርሕ ዝነበረ ሰለሙን ወልደማሪያም  ሰባት እንዳ ለኣኸ፡ ናብ ሓይልታት እቶም ደቂ ሰራየ ኢድኩም ሕጸቡ ። እዚ ጉዳይ ኣብ ሞንጎይን ኣብ ሞንጎ ተወልደ እዮብን እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ኣብ መንጎ ኣከለጉዛይን ሓማሴንን እናበለ ጎስጓሱ ቀጸለ። ማዕረ ሕሉፍ ሓሊፉ ዓው ኢሉ ቪቫ ሓማ ሓማሴን ሲዒራ ደንከል ተደሪራ ኣከለ ጾማ ሓዲራ ሰራየ እንታይ ኮይና እናበለ ምስ ጨደረ ኢሳያስን መስፍን ሓጎስን ሰራዊት ክጋማማዕ እንዳረኣዩ ተዓዘብቲ ኮይኖም ክርእዩ መረጹ።

ኣነ ኣጋጣሚ ተኽሊጥ ተገይሩ ኣብ ሓይሊ ወድዓፋ ተመዲበ ስለ ዝነበርኩ፡  ስዉእ ወዲ ዓፋ (ኢብራሂም ዓፋ) ኩነታተይ ርእዩ ሕክምና ክሰደኒ ንሓኪም ሓይልና ተዛሪቦ። መሰነይታ ኤርምያስ ደበሳይ (ፓፓዮ) ተዋሂቡኒ ኣነ ኣብ ሕክምና ከይተኣለኹ ብዛዕባቲ ቀንዲ ዘገድሰኒ ዝነበረ ኩነታት ብጾተይ ንምፍላጥ ስለዝኾነ ብማዕዶ ንጴጥሮስ ሰለሙን ምስ ረኣኹዎ ከይደ ረኸብኪዎ። ሓበረታ ንምውዋጥ ዕድል ረኸብኩ። ኣጋጣሚ ግን ኣብ ስግርና ኣድሓኖም ገብረማርያምን  ኢሳያስ ተወልደ ( ወዲፍላንሳ) ኣብ ሓደ እግሪ ከውሒ ጭብጥ ኢሎም ረኣኹዎ ‘ሞ፡ ‘እቲኣቶም ደኣ እንታይ ረኸቦም’ በልኩዎ ንጴጥሮስ። እዚኦም  ነዚ ምንቅስቃስና ኣውራጃዊ ኣይኮነን እዚ ሕሉፍ ጸጋምነት እዩ ስለ ዝበሉ መስፍን ሓጎስ ብረት ኣውርዱ ኢሉ ሓይርዎም ኣሎ በለኒ። ከምኡ ‘ውን በራኺ ወዲፈንቅልን ግርማይ መሓርን በቲ ስግር ይፍክሩ ኣለዉ። ማዕረ ጥይት መን ከምትበልሕ ክንሪኢ ኢና ይብሉ ኣለዉ በለኒ።

እምበኣር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንዝኾነ ክፍጽሞ ዝደሊ ነገር ብመስፍን ሓጎስ ጌሩ ጥራይ እዩ ዝፍጽሞ ።  ከም ንኣብነት ጅ.ኤ.ም.3. ዝተባህለት ናይ ሃዳኖ ብረት መነጽር ዘለዋ ንኢሳያስ ካብ ቃኘው ከም ህያብ ዝተዋህበቶ ኣነ ከም ኣጋጣሚ ሓንቲ መዓልቲ  ርእየያ። ብድሕሪኡ ምስ ገለ ነባራት ምስ ተዘራረብኩ በዛ ብረት እዚኣ ዝጠፍኡ ከም ብዓል ገብረጻድቕ ጓንጉል፤ ኪዳነ ጅኑቢ፤ ዝበሃሉ ዓበይቲ ወተሃደራውያን ኪኢላታት፡ ብዙሕ ግዜ ኣብቲ ዝግበር ዝነበረ ወተሃደራዊ ግጥምያታት ምስቲ መሪሕነት ስለ ዝመላለሱ ዝነበሩ፡ ‘ተሰዊኦም’ ብዝብል ስም በዛ ብረት እዚኣ የጥፍኡውም ከምዝነበሩ ተረዳእኩ። ነዚ ጉዳይ እዚ ብድፍረት ብዘይ ፈሪሃ እግዚኣብሄር ዝፍጽሞ ከኣ ሓደ መስፍን ሓጎስ ጥራይ እዩ።

ንኣብነት ሓደ ግዜ ኣብ ሕክምና ሕሙማት ከለና ተኣኪብና እቶም ምሁራት መጻሕፍቲ እና ኣንበቡ ይትርጉሙልና ነበሩ። ከም ኣጋጣሚ ሓርበኛ ስውእቲ ወርቁ ዘርኣይ ንዶክተር ሃይለ ምሕጹን ርእሱ ክትቆምሎ ምስረኣያ፡ ‘ወርቁ’ ኢሉ ስማ ጸዊዑ ቃል ብቓላ ከምዚ በላ። “ ኣንቲ ሻርሙጣ ንስኺ እኮ ነቶም ‘ውሽማታትኪ’ ዝነበሩ ደሊኺ እምበር ክትጋደሊ ኣይወጻኽን” በላ። ኣብኡ ዝነበርና ኩልና ኣብ ክንድኡ ሓፈርና።ዓቢ ሰብኣይ እሞ ከኣ መሪሕነት ከምዚ ቃል ከውጽእ ገሪሙና።  ወርቁ ግን ስቕ ኣይበለትን። ኣነ ሰብኣይ እንተ ደልየ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብገንዘበይ ኣማሪጸ ክረኽቦም ይኽእል ኔረ። ካብ ዝገርም ግን ብዓል ንስኻ ትመርሕዎ ውድብ እንተ ተዓዊቱ ህዝብና ብናጽነቱ ኣብ ክንዲ ዝኾርዕ እንዳ ተሸቑረረ ክነብረር’ዩ በለቶ።

መስፍን ተግባራቱ በዚ አይውዳእን ሓደ ግደይ ዝተባህለ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ሳልሳይ ዓመት ዝወደአ ‘ኢንትሃብ’ ዝበሃል ናይ ቆላ ሕማም ምስ ሓመመ ወረቐት ጽሒፉ ኣነ ጥዕና ስለ ዘይረኸብኩ ንወጻኢ ከይደ እናተሓከምኩ ምስ ሰውራይ ክተሓባበር ምስ በለ መስፍን ሓጎስ፡ ‘ እንጀራ ህዝባዊ ሓይልታት ሓንቲ ኩላሶ ዝበልዐ ወይ ይስዋእ ወይ ይሕረድ’ ክብል መልሲ ሃቦ። ከም ኣጋጣሚ ምሳይ ተራኺቡ ምስ ሓተትኩዎ ነጊሩኒ። ኣነ ‘ውን ስቕ በል ከይሓርዱኻ ኢለዮ ከይደ። ደሓር ግን ክሃድም ፈቲኑ ተባሂሉ ተቐትለ።

ሓደ ሃብተ ዝተባህለ ኣብ ጎንደር ናይ ሕክምና ትምህርቲ ዝወደአ ‘ውን ሓድሽ ከሎ ምስ ኢሳያስ ብዝገበሮ ምልልስ ድሒሩ ተመሳሳሊ ኩነታት ኣጋጢሙዎ። ሃብተ ምስ ብዙሓት ከምኡ ሓደስቲ ተኣኪቡ እንከሎ፡ ኢሳይያስ፡ ንኹሎም እቶም ሓደስቲ ዓቕሞምን ብስለቶምን ንኽፈልጥ፡ “ናጽነት ክንደይ ይወስደልና ኢልኩም ትሓስቡ” ኢሉ ይሓቶም። ገሊኦም 10 ገሊኦም 20 ኢሎም በብወገኖም ይምልሱ። ሃብተ ግን ስቕ ብሃላይ እዩ ነይሩ። ኢሳይያስ ሓደ መዓልቲ፡ ንስኻ ኸ ኣይትምልስን ዲኻ ኢሉ፡ ድጊሙ፡ ነታ ሕቶ የቕርበሉ፡ ሃብተ ኸኣ፡ “ኢሳይያስ እዚ ደኣ ዘረባ ቆልዑ እንድዩ፡ ከከም ኣቃልሳና፡ ጽቡቕ እንተተቓሊስና ነሕጽሮ፡ እንተዘየለ ይነውሓና፡ ቃልሲ መዓስ ኩንትራት ወሲድናዮ” ክብል መለሰሉ። ኢሳይያስ በመላልሳኡ ኣዝዩ ሰንበደ።

ብድሕሪኡ ‘ውን ሃብተ ኣብ ኣሃዱታት ምስ ተመደበ፡ እቶም መራሕቲ ሓደስቲ ሓካይም ባዕሎም የሰልጥኑ ስለ ዝነበሩ፡ ብጽሑፍ፡ ካብ ዘይፈልጥዎ ሓደሽቲ ሕክምና ትምህሩ ዝተመሃርና ኣለና ቦታ ዘይወሃበና ዓቕምና ኣብ ስራሕ ከነውዕሎ ስለ ዝበለ ድሮ ‘ውን ኣብ ጠመተ ኣትዩ ስለዝነበረ፡ ጸኒሖም ነብሰ ቅትለት ጌሩ ኢሎም ኣውርዮምሉ።

ከምዚ ብዝኣመሰለ ምኽንያት ክሳብ 84 ዝኣኽሉ ተጋደልቲ ከም ዝጠፍኡ ኣብቲ ግዜቲ ናይ ጎደና ምስጢር እዩ ነይሩ ። ካልእስ ይትረፍ ሃይለ ወልደስላሰ ብ73 ዓም ጥቅምቲ ብድፍረት ኣብ ኣኼባ ንስኹም ዓማ ሓራዲት ዓማ ቀንጻሊት እንዳበልኩም ትዛረቡ እዚ ጎቦታት ኣዶብሓ ኣፍ ኣውጺኡ እንተ ዝዛረብ ናይ መን ምበዝሐ ንስኹም ዝሓረድኩሞም ዶ ወይስ ዓማ ክብል ተዛረበ። እዚ ተዛሪብካ ኣብ ሻዕቢያ ደቂስካ ስለ ዘይሕደር ከኣ ሃዲሙ ናብ ጀብሃ ተጸግዔ።

ኣብ ምጅማር ሰብዓታት እቲ ብዙሕ ሰብ ናይ ልዑል ኣስራተ ካሳ ኢድ ኔርዎ እዳበለ ዘዕልለሉ ግዜ ካብ ኣስመራ ብረት ናይ እንዳ ፍላንሳ ምስ ተወስደ፡ ነቲ ዝነበረ ጠበናጁ ኩሉ ብሓደ ጠርኒፎም ክወስድዎ ስለ ዘይከኣሉ ገለ ዕስራ ዝኸውን ኣብ ድርፎ ቀቢሮሞ ምስ ከዱ ከም ኣጋጣሚ ሓደ ካብ ኣስመራ እናተማላለሰ ዕንጨይቲ ዝሽቅጥ ዝነበረ ትግራዋይ ነቲ ብረት ረኺቡ ተሰኪሙ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣረኪቡዎ። በዚ ዝተቖጠዔ ኢሳያስ ዝኾነ ዕንጨይቲ፡ በለስ ዝሸይጥ ትግራዋይ መጀመርያ እዝኑ ወይ ሓንቲ ኣጣብዕቱ ክቑረጽ ትእዛዝ ንመሪሕነት ከምኡ ‘ውን መልእኽቲ ናብቶም ኣብቲ ከባቢ ኣስመራ ተመዲቦም ከም ፈዳይን ዝቃለሱ ዝነበሩ ተጋደልቲ ኣመሓላለፈሎም። ስዉእ ወልደንኪኤል ሃይለ ፡ ስዉእ ዘወንጌል ወልደገብሪኤል፡ ስዉእ ኣብረሃ ዓንደብሃን ከምኡ ‘ውን  ስዉእ ብርሃነ ዘርኣይ ግን ደብዳበ ናብ መሪሕነት ልኢኾም እዚ ጉዳይ ዳግም ርእይቶ ክግበረሉ አለዎ። ንሕና ከም ተጋደልቲ ከምዚ ክንፍጽም ኣይግባእን ስለዝበሉ፡ ኢሳያስ ንሓደ ሃብቶም ዝብሃል ነባር ተጋዳላይ ናብ ኣስመራ ብምስጢር ሊኢኹ ኩማንዲስ መሪሑ ከምዝመጽእ ገይሩ፡  ወለንኪኤል ሃይለ በዚ ድሒረ ዝገልጾ ኣጋጣሚ ክድሕን ከሎ እቶም ካልኦት ግን  ኮሎም ኣብቲ ቦታ ብኩማንዲስ ጠፊኦም።

ገዲም ተጋዳላይ ሃብቶም ብድሕሪ’ዚ ዘርኣዩዎ ተቓውሞ ከም ፈዳይን ኮይኑ ምስኣቶም ክሰርሕ ኢዩ ብኢሳይያስ ተላኢኹ። ሓደ እዋን ሰለስተ ክጋደሉ ዝመጹ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ንሳሕል ክሳብ ዝወርዱ ምስቶም ፈዳይን ኣብ ርእሲ ዓዲ፡ ግራት ባርያ ኣብ ዝብሃል ቦታ ይቕንዩ ‘ሞ፡ ሃብቶም ሽጋራን ካልእ ኣቑሑን ካብ ኣስመራ ከምጽእ ይለኣኽ። ሃብቶም ግን ኣብ ኣስመራ ይሓድር። ወለንኪኤል ሃይለ ኸኣ በቲ ኩነታት ይጠራጠር። ንብጾቱ ኸኣ ጥርጣሪኡ የካፍሎም። ዘውንጌልን ብርሃነን ንጥርጣሪኡ ኣይተቐበሉዎን፡ ወለንኪኤል ሃይለ ግን ከም ልማዱ ካብኣቶም ፍንትት ኣብ ዝበለ ታባ ደቀሰ። ንጽብሓይቱ፡ ኩማንዲስ ኣብ ልዕሊ እቶም ብጾት ቶኽሲ ፈነዉ። እቶም ተማሃሮ ይኒቨርሲቲ ብኡንብኡ ክስውኡ ከለዉ፡ ዘወንጌል ኣምሊጡ ‘ኳ እንተነበረ፡ ሬሳኦም ኣብ ኢድ ኩማንዲስ ከይወድቕ ብምባል፡ ተመሊሱ ክኣልዮም ክብል ተሃርመ። ብርሃነ ድማ ንዘወንጌል ከልዕል ክብል ምስኡ ተሰውአ። እቶም ኩማንዲስ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙሉ ቦታ ምስ ቀረቡዎ፡ ወለንኪኤል ሃይለ ጽዕጹዕ ቶኽሲ ስለዝኽፈተሎም ብጾቶም ክረድኡ ዝመጽኡ ተጋደልቲ መሲሉዎም ሃንደበት ኮይኑዎም ዝሓሰቡዎ ከይገበሩ ይኸዱ። ወለንክኤል ሃይለ ግን ሃብቶም መሪሑዎም ከምዝመጸ ይርዳእ። ስዉእ ወለንኪኤል ሃይለ፡ ነታ ፍጻሜ ኣብ ሰሙና ኣስመራ ኣትዩ፡ ኣብ ብሽግለታ ናይ ተሓባበርትና ተወጢሑ ኣብ ፊት ወክማ ንሃብቶም ይቐትሎ።

ብድሕሪ እዚኦም ኢሳያስ ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤሪትራን ሓዊ ክኣጉድ ካብ ሳላሳ ዘይውሕዱ ተጋሩ ቀቲሉ ኔሩ እዩ። ካብ ኩሉ ዝገረመኒ ኣድሓኖም ገብረማርያም ስዉእ ሓዲሽ ወልደገርግሽ ብዘይተዛረቦ ነቲኹሉ መሪሕነት ሻዕቢያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፈጸሞ ገበንን ግፍዕን ገዲፉ፡ ሓዲሽ እዞም ጨው እግሮም ኢሉኒ ኢሉ ንስውእ ክውንጅል ምስመዐይ ብጣዕሚ ኣተሓሳሲቡኒ። ካልእስ ይትረፍ ክቡር ኣቦና ሃብተማርያምቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ኣቢሉ ይገብር ኢሳያስ ገለ ዓሰርተ ሓደ ዝኾኑ ተጋሩ ቀቲሉ ኔሩ፡ ኢሎም ጽሒፎሞ ኔሮም እዮም። ኣይተጋገዩን ከኣ። ኣድሓኖም  ብዘይ ወዓሎ ንስዉእ ሓዲሽ ከጸልሞ ዝተጓየየ ስለምንታይ ምዃኑ ኸኣ ንተዓዛቢ እገድፎ ኣለኹ።

ኣረሜናዊ ተግባር መሪሕነት ሻዕቢያ ኣሪኻ  ዝውዳእ ኣይኮነን። 

ይቕጽል

ሞት  ንፋሽሽታዊ ስርዓት ኢሳያስ

ዓወትን ሓድነትን ንህዝቢ ኤሪትራ

መኮነን ዓንደሚካኤል

ቶሮንቶ ካናዳ

 

  var jcomments=new JComments(3201, 'com_content','http://assenna.com/index.php?option=com_jcomments&tmpl=component'); jcomments.setList('comments-list');

Comments

 
0 #22 THE FALL OF PFDJ 2010-11-11 09:08
My heartfelt thanks to Mokenen and i also want to ackowledge keep the true fire burning light and መስፍን ... must learn ቪቫ ሓማ ሓማሴን gray hair danger,the feeling is underneath .....
Quote
 
 
-2 #21 wedi-semhar 2010-11-11 07:52
PART TWO
We Believe Eritrea can have the best Party PFDJ and For Yrs to come and we will continue the we as YPFDJ generation to take over Soon. We will make sure the enemy of the RED SEA State of Eritrea to eliminate them by any means plus let them LIVE on EXILE and DIE on the west. We know the Young Generation will join us and help us rebuild the Nation.
Quote
 
 
-3 #20 wedi-semhar 2010-11-11 07:51
PART One
Some of this LOUSY Internet opposition I think they need to take some Eritrean history 101. Nobody ask or the even the Lousy Rat writer Alena Why the EPLF attacked the ELF during 1980, Why the Eritrean government at the TIME said, only One Sewura can liberate Eritrea. We know at the time even the EPLF at the time know if you need to speed the Eritrea liberation First You need to clean your house, thus why They cleaned their house first and liberated Eritrean with-en Ten Yrs. It was very brilliant idea. I am sure there were lot sabotage during the struggle but you need to go forward and clean what-ever stop on your steps. Now we liberated Eritrea and We still believe Only one Rule party can rule in Eritrea and that will be those who liberated Eritrea not those hoax boax who lived most of their lives on the west and was waiting for opportunity
Quote
 
 
-2 #19 wedi-semhar 2010-11-11 07:35
What make you think all this nonsense stuff was an Eritrean agent. Trust me the Eritrean government don't have time for those nonsense stuff. We all know who is behind this nonsense stuff writing Mr Self-claim journalist Amanuel Eyassu who wrote those stuff from self-hatred. The Lousy man so blind he will do anything just to make some division among the Eritrean people, But this is really good it is working against his Lousy Ass. We are watching more fight against each other the DO NOTHING OPPOSITION. We Love to see more of those NONSENSE. LET HIM write the Garabage fiction and MORE ATTACK against the LOUSY INTERNET OPPOSITION.

Quoting gerimuna:
Mr Mekonnen I have no reason not to believe it However, I am suspicious it could be the work of divide and rule by the criminals of Hgdf. They of HAS. I hope these people of these provinces are wise enough to stamp out wh